Placeholder Picture
Placeholder Picture
ዝኽሪ መበል 33 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡

10/02/2023 00:25 AM

ዝኽሪ መበል 33 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡
ሓርነት ከተማ ምጽዋዕ።

33rd Anniversary of Operation Fenkil
The Liberation of Massawa
on 10th Feb. (1990-2023)

33rd Anniversary of Operation Fenkil

ሎሚ፡ ዕለት 10 ለካቲት 2023፡ መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ኢዩ።

መእተዊ፡-

ሃገርና ኤርትራ፡ ብዘይነጽፍ ጸጋታት ባሕሪን ገማግምን እተዓደለት፡ ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ እትውንን፡ ኣብ ቁልፊ መተሓላለፊ ኣህጉራዊ ማያዊ ንግዲ ናይ ዓለምና እተደኮነት፡ ኣዝዩ ሃብታም ዕቑር ሃብቲ ባሕሪን ገማግሙን እትውንን፡ ሰፊሕ ናይ ገማግም ባሕሪ ማራኺ ቱሪዝም ከተማዕብል እትኽእል፡ ካብተን ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ኣለዋ ዝበሃላ ሃብታማት ሃገራት ንኣብነት ኢማራት ዓረብ (ዱባይ) ስሉጥ ናጻ ወደባዊ ኣገልግሎታት ክትህብ እትኽእል ኣብ ምቹእ ቦታ እተደኮነት፡ ካልእ ብዙሕ ሃብቲን ዘለዋ፡ ተባሃጊት ሃብታም ሃገር ኢያ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ካብ ዓይኒ ጎበጥቲ ኣቋሪጻ ኣይትፈልጥን። ኤርትራ ብውዲት ሃጸያዊት ኣመሪካን መሓዙታን፡ ብዘይ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ እምበራጦርያ ስርዓት ሃይለስላሴ (ኢትዮጵያ)፡ ኣብ 1952 ብፈደረሽን ከምእትቑረን እተገብረሉ ሓደ ምኽንያታት ከኣ እዚ ኢዩ። ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ በብቑሩብ፡ ነቲ ፈደራላዊ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሓይሉ ክፍሕቆን ከፍርሶን ምስጀመረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበር ሸውዓተ (ማለት፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ - ሓራካ) ብምምስራት፡ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ካብ 1958 ጀሚሩ፡ ናይ ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ሰፋሕቲ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካይዱ፡ ኣብዚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ተቐቲሎም፡ ብዙሓት እውን ተኣሲሮም። ከምዚ'ሉ ስርዓት ሃይለስላሴ ሙሉእ ጎበጣ ኤርትራ ኣብ 1962 ከረጋግጽ ግሁድ ስለዝነበረ ኸኣ፡ ብረታዊ ገድሊ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ብጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ናይ መጀመሪያ ጥይት ናጽነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ጎቦ ኣዳል (ኣውራጃ ባርካ) ተበሲራ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኩሉ ልሒሙ፡ ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት፡ ብዙሕ ዓወታትን መስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ኤርትራን ከኣ ተራእዩ። እቲ ንፈንቅል ዝወለደ ስርሒታት ከኣ፡ ካብ ጎቦ-ኣዳል፡ ናብ ታሪኻዊት ውግእ ቶጎርባ፡ ከምኡ እናበለ፡ ክሳብ ስርሒት ፈንቅልን ኪኖኡ ክሳብ ርእሰ-ከተማና ኣስመራ በጺሑ።

ከምዚ ኣብ መእተዊ ዝተኣመተ፡ ከተማታት በብሓንቲ ሓራ እናኾና፡ ኣዝየን ውሑዳት ከተማታት ጥራይ ተሪፈናሉ ኣብ ዝነበራን እዋን፡ እዛ ሕጂ ምስ ዲክታቶሪያዊ መራሒ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፍሉይ ሽርክነት ክትምስርት እትርአ ዘላ ሕብረት ሶቬት (ሩስያ)ን ኩባን፡ ንስርዓት ደርግ ዘይተኣደነ ኣጽዋርን ኣማኸርቲን፡ ከምዝዓጥቕ ብምግባር፡ ሰውራ ኤርትራ ካብ ኣፍደገ ርእሰ-ከተማና ኣስመራ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ንኽገብር ኣገዲዱዎ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብዚ ካብ 1979 - 1990 ዝነበረ ዓመታት፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ክንከፍል ተገዲድና።

ኣብቲ ወራራት ደርግን ተሓባበርቱን ናይ ምክልኻል እዋን፡ ካብ 1ይ ክሳብ 7ይ (ሰላሕታ) ወራራት፡ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና፡ ናብ ናይ ጃላነት መድርኽ ብምስግጋር፡ ናብ መጥቃዕቲ ቀጺልና። ደምሳሲ መጥቃዕትታት ሓያል ግምባራት ጸላኢ፡- ማለት ውቃው (ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል) ኣብ 1984፡ ምድምሳስ ከተማ ባረንቱ፡ ቀጺሉ ግምባር ናደው (ኣፍዓበትን ከባቢኡን) ኣብ 1988፡ ብኣንጸባራቒ ዓወታት ተፈጺሙ። ድምር ናይዚ ኹሉ ኸኣ ኢዩ፡ ከፋቲ በሪን ቅድመ-ኩነትን ንስርሒት ፈንቅል (ማለት መጥቃዕቲ ንሓርነት ከተማ ምጽዋዕ) ዝኾነ።

ስርሒት ፈንቅል፡ ነታ ሉል ቀይሕ-ባሕርና ዝኾነት ከተማና ምጽዋዕ፡ ካብ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓራ ዝገበረ፡ ጅግንነትን ቅያን ኤርትራውያን ዝተፈጸመሉ፡ ዛዛሚ ዓወት መላእ ኤርትራ ኸኣ ክዉን ምዃኑ ብዘተኣማምን ዝተራጋገጸሉ ስርሒት ኢዩ ነይሩ። መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ (ኢትዮጵያ)፡ ከይፈተወ ብስዕረቱ ዝተኣመነሉ፡ ምስ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ናይ ዘተ ድርድር ክኣቱ ዝተቐሰበሉ መድርኽ እውን ኢዩ ነይሩ።

እተን ባብ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት፡ ብዕድሎተን ክማረራን ባሕሪ እንዳማተን ከቋምታን ከለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ምስ ሰፊሕ ጸጋታት ባሕሩን ወደባቱን፡ ዝደኸየ ህዝቢ ኾይኑ ይርከብ። ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ንኹሉ ቁጠባዊ ምዕባለ ኤርትራ ን33 ዓመታት ደቚሱዎ ከብቅዕ፡ ከይሓፈረ፡ "ባጽዕ ቀደም ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ፡ ሎሚ ኸ ኣበይ ኣላ? የላን፡ ፋብሪካ እገሊት ከመይ ነይራ? ሕጂ'ኸ ኣበይ ኣላ? የላን? ...ወዘተ" ኣናበለ ኣብታ ንሱ ጥራይ ዝውንና እንኮ ናይ ሃገርና ተለቪጅን (ERI-TV) ተገቲሩ ንህዝብና የባጭወሉ። ክሳብ ክንደይ፡ ብስቓይናን ድኽነትናን ከምዘይግደስን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ከኣ የንጸባርቕ።

ናይ ወርሓት ሓምለ-መስከረም 2018፡ ሚስጢራዊ ውዕላት ኢሳይያስን ዶ/ር ኣቢይ (ኢትዮጵያ)ን ናበይ ገጾም ኢዮም? እቲ ናይ ዶ/ር ኣቢይ "እኔና ኢሱ ስንደመር፡ ዓሰብ እንካፈላለን" ማለት "ኣነን ኢሱን እንተተደሚርና፡ ንዓሰብ ኢና ንካፈላ" ምባሉ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ከተማዕብሎ ዝጸንሐት ሓይሊ ባሕሪ፡ ምስዚ ተሰንዩ ኣብ ናይ ሓበሬታ ማዕከናት ዓለምና ዝዝርጋሕ ዝነበረ ወረታትን፡ ናበይ ገጹ ኢዩ? ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት 2020 - 2022፡ ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከት ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብግዲ ብምእታው ዝተኸፍለ ህይወት መንእሰያት ኤርትራ፡ ምስኡ ሓቢሩ ዝኸይድ ናይ ምክልኻል ወጻኢታትን፡ ንናይ ኤርትራ ምክልኻል ኣዝዩ ዘዳኽም ስጉምቲ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝነበረ ኤርትራዊ ስግኣት መሊሱ ኣግዲዱዎ ይርከብ። ድሕሪ'ቲ ኩሉ ንዓና ሓዊሱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንክልተ-ዓመታት ዝተኻየደ ሰብኣዊን ናይ ንብረትን ዕንወት ዘኸተለ ቀዛፊ ኲናት፡ ሕጂ ኢትዮጵያውያን ናብ ሰላማዊ መድርኽ ጠረጴዛ ተመሊሶም ሽግሮም ኣብ ምፍታሕ ኣድሂቦም ብዝነኣድ ዝመስል ኣካይዳ ይቕጽሉ ኣለዉ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ክልል-ትግራይ (ኢትዮጵያ)ን ብሰንኪ ምትእትታው ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ጽልኢ፡ ኣዝዩ ከቢድን ዘሰክፍን ኢዩ። እዚ ኩነታት እዚ፡ ኣብ መጻኢ ነዚ ህዝብታት'ዚ ናብ ኲናት ከይነቑቶ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኢዩ። ነዚ ብቐሊሉ ከመዝምዝ ዝኽእል ተኣፋፊ ኩነታት፡ ኣስፋሕፋሒ ጥሙሕን ሕልሚን ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዎም ገለ ኢትዮጵያውያን ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ደቂስካ ዘሕድር ኣይኮነን። እዚ ዳሕራይ ኩነት፡ ብሰንኪ'ቲ ዓንዳሪን ናይ ህልኽን ምትእትታው ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝመጽአ ምዃኑ፡ ምስትብሃል ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ዓንዳሪ ባህሪ እዚ ክሳብ ዘይተኣልየ ኸኣ፡ እቲ ንሃገርና ዝህልዋ ስግኣት ክቕጽል ኢዩ።

እምበኣር፡ ኣብዚ መበል 33 ዓመት ስርሒት ፈንቅል እንዝክረሉ ዘሎና ዕለት፡ በዚ ኹሉ ክብ ኢሉ ዝተዘርዘረ ኩነታት ተኸቢብና ኣብ ዘሎናሉ ተኣፋፊ እዋን ኢዩ። እቶም ንስርሒት ፈንቅል ኣብ 10 ለካቲት 1990 ብመስዋእቶምን ጅግንነቶምን ሓራ ዝገበሩ ሓርበኛታት ደቂ ኤርትራ፡ ናጽነት ኤርትራ ውሑስ ገይሮምን ንጸላእትና ኣምበርኪኾምን ኢዮም። ካብኡ ንደሓር ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ፡ ዝተረፋ ከተማታትና ሓራ ከምዝኾና ርጉጽ ኢዩ ነይሩ። ኮይኑ ኸኣ ኣብ 24 ጉንበት 1991፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቃ ናጻ ኮይና። ኤርትራ ኣብ 1993 ልዑላዊት ሃገር ኮይና ዓለማዊ ተፈላጥነት ረኺባ፡ ብወግዒ ባንዴራኣ ማዕረ ሃገራት ዓለም ኣምበልቢላ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ክሳብ ሕጂ፡ ሓርነት ተነፊጉዎ፡ ነታ ብኣምላኽ እተዋህበቶ ነብሱ'ኳ ክውንና ኣብ ዘይክእለሉ ኣስካሕካሒ ናይ 33 ዓመታት ጊልያነት ተሸሚሙ ብወዲ ሃገር ክግዛእ ተገዲዱ ኣሎ። ደቂ'ቶም ንከተማና ምጽዋዕ፡ ብጅግንነት ፈንቂሎም ሓራ ዝገበሩ ጀጋኑ፡ ከምኡ'ውን ወለዶም፡ ክሳብ ሕጂ ኣይረሃዎምን፡ ገሊኦም ብሰንኪ ሕሱም ህይወት፡ ናብ ዓዲ እዝጊሄሮም ተዓዚሮም፡ ደቆም እውን ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ተሰዲዶም፡ ኣብ ፈቐዶ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ኣብ ምድረበዳታት ሞይቶም፡ ኣካላቶም ብደላሎ ደቂ-ሰብ ተመዝሒቑ ተሸይጡ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘግናኒ ተርእዮታት፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ኣማኢት ዓመታት ታሪኽ ናይ ወለድና ሰሚዕናን ርኢናን ኣይንፈልጥን!

መደምደምታ፡-

ሕድሪን ለበዋን ናይቶም ፈንቂሎም ንባጽዕ ሓራ ዝገበሩ ስዉኣትና፡ ናበይ ኣበለ!? እቲ ሕድሮም፡ ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ፡- ኩሉ ህዝብና ጽሩይ ኣየር ዘስተንፍሰላ፡ ብኽልተ ኣእጋሩ ደልዲሉ ከምድሌቱ ዝረግጸላ፡ ናብ ዝደለዮ ብናጽነትን ብዘይ ስግኣትን ዝንቀሳቐሰላ፡ ወፊሩ ዝኣትወላ፡ ተመስገን ኢሉ ንኣምላኹ እናመስገነ ምስ ደቁን ስድራቤቱን ማሚቑ ዝነብረላ፡ ባዕሉ ቆጽሊ ዘውደቐሎም ደቁ ናብ ስልጣን ዘበርኸላ፡ ባዕሉ ንዝመረጾም መራሕቱ ኸኣ ዝቆጻጸረላ፡ ኩሉ ህዝብና ብማዕረ ዝሳተፈላ ፍትሓዊትን ቅዋማዊትን ሃገር፡ ንምምስራት ኢዩ ነይሩ። እሞ ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኢና ንርከብ ዘሎና? ሕድሪ ሰማእታትና ኣበይ ረሲዕናዮ? ልዑላውነት ሃገርን ህዝቢን፡ ማዕረ ውልቀ-መላኺ ሰሪዕና፡ ንስርዓተ-ምልኪ እናደገፍና፡ ንምንታይ ኢና ስቓይ ህዝብና ነናውሕ ዘሎና? ኣይፋልናን በጃኹም! ናብ ልብና ንመለስ ኩልና ደቂ ኤርትራ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ዘመተ ሓድሕዳዊ ምጥቕቓዕ ኣንጻር ደለይቲ ለውጢን ፍትሕን ተዋፊርና ዘሎና፡ ደው ከነብል መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ትምሕጸን። ዓገብ ንበል በጃኹም!

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም
www.snitna.com
10 February 2023

ኣስዒብና ኣብ ታሕቲ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ውድባት፡ ከምኡ`ውን መራኸቢ ብዙሓን፡ ነዚ ዕለት`ዚ ዘንጸባርቑ ዝኽርታትን ጽሑፋትን፡ ከነቕርበልኩም ኢና። እዚ ገጽ እዚ፡ ብቐጻሊ ዝውሰኽ ትሕዝቶ ስለዝህልዎ፡ ብቐጻሊ ክትበጽሑዎ ንላቦ። ነዚ ገጽ እዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ምስ ዝህልወኩም ከኣ ክትሰዱልና ወይ ክትሕብሩና ንላቦ። ኣብዚ ጠውቑ




መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል | 33th Anniversary Commemoration of Operation Fenkil - ERi-TV


ERISAT: ባጽዕ ተቀይራ'ያ ንቅድሚት ዘይኮነ ንድሕሪት | ዶር ኣሰፋው ተኸስተ

Part-1:   Part-2:  


𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: ስዩም ጽሃየ እቲ ንፈንቅል ዝሰነደ ጅግና | Seyoum Tsehaye


ERISAT: ቅብጸት ብዓይኒ ሰነድቲ| ስዩም ጸሃየ ሰብ ክሕባእ ንሱ ንላዕሊ'ዩ ዝወጽእ ነይሩ ኣየር ክመጻ ከለዋ| ደስታ እምባየ ኣባል ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ቅብጸት


ERISAT: ዝኽሪ ለካቲት ብፍላይ እታ ምሕራር ባጽዕ | ምንኣስ ሓወይ ዝወሰደት ዕለት | እዮብ ጸጋይ


ERISAT: ታሪኽ ጀጋኑ ስርሒት ፈንቅል ካብ ክሊፕ ክኣልይዎ ይኽእሉ'ዮም፡ ካብ ልብና ግን ክሓኽዎ ኣይክእሉን'ዮም | ዶር ኣማንኤል ምሕረትኣብ


Radio Erena: Eritrea: Ethiopia, Kenya, Somalia News and programs. ሓሙስ 10 ለካቲት 2022 ዕለታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና


ርሑስ ቅንያት ዝኽሪ ታሪኻዊ ዓወት ስርሒት ፈንቅል።


"ኣበይ ከይዱ ስልማትኪ" ሳሙኤል ገበረሂወት (ዓካዓካ) #Interview with Samuel Ghebrehiwet (AkaAka)


መብጽዓ ፈንቅልን ሃለዋት ኤርትራን The promises of Fenkil & Current state of Eritrea (Snitna 14-Feb-2021)


Eri-TV, Eritrea (Official) Live Stream - ጽምብል መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል


ንጸላኢ ዘእመነን ዘርዓመን ጅግንነት ፈንቅል፡ ራድዮ ኤረና፡ 08 February 2021


ERISAT: ስርሒት ፈንቅል ብዓይኒ ዝወዓሎ ተጋዳላይ | ኮሎኔል ኣሚነ ኣብርሃ፡ 08 February 2021


ቅብጸት፡ ጃምላዊ ግፍዒ መግዛእታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ ምጽዋዕ፡ 1990.


ፈንቅል፡ መስዋእቲ ብዙሓትን ጥልመት ውሑዳትን እተዘኻኽር ዕለት፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 12 February 2016


እቶም ዝፈንቀሉ ናበይ ኣበሉ? እቲ ዝተፈንቀለ ኸ ከመይ ኢሉ ተተኽለ!?፡ ራድዮ ኣሰና፡ 09 February 2015


ድምጺ መደብ መንእሰያት፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 12 February 2015


ተዘክሮታት ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 03 February 2015


ተዘክሮታት ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 06 February 2015


ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 08 February 2015


ዝኽሪ መበል 25 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 10 February 2015


ተዘክሮታት፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 24 February 2015


Eritrea - In Memory of Operation Fenkil -- 1 of 2


Eritrea - In Memory of Operation Fenkil -- 2 of 2


ATV: ዘተ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ሓርነት ባጽዕ (1990)፡ ምስ ተጋደልቲ ኣቶ ዓብደላ ኣደም፡ ኣቶ ዳኒአል ገ/ረስላሰ፡ ኣቶ ሃብቶም ጸጋይ - 1ይ ክፋል


ATV:ዘተ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል(1990)፡ ምስ ኣቶ ዓብደላ ኣደም፡ ኣቶ ዳኒአል ገ/ረስላሰ፡ ኣቶ ሃብቶም ጸጋይ – 2ይን መወዳእታን ክፋል


TADESE TEWELDEBIRHAN PART ONE

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: