Placeholder Picture
Placeholder Picture
Understanding the Eritrean Constitution - Symposium 2022.

01/12/2023 18:32 PM Updated

Understanding the Eritrean Constitution
Symposium 2022

ሲምፖዝዩም 2022
ንምዕዛዝ ርድኢት ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ።

Understanding the Eritrean constitution - Symposium 2022. ሲምፖዝዩም 2022 - ንምዕዛዝ ርድኢት ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ

ዕለት 23 ግንቦት 2022፡ መበል 25 ዓመት (ኢዮቤልዩ) ቅዋም ኤርትራ 1997 ኢዩ። 23 ብንቦት 1997 - 23 ግንቦት 2022 ማለት`ዩ። ሎሚ ሰንበት፡ ዕለት 22 ግንቦት 2022፡ ኣብ መበል 25 ዓመት ቅዋም ኤርትራ 1997፡ ብማንዛዊ ዝተኻየደን ብቀጥታ ብመንገዲ ኤሪሳት ናብ ኤርትራን ዓለምን እተፈነወ፡ ሲምፖዝዩም ተኻይዱ። ቴማ ናይዚ ሲምፖዝዩም`ዚ፡ "Understanding the Eritrean constitution - Symposium 2022. ሲምፖዝዩም 2022 - ንምዕዛዝ ርድኢት ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ" ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ሲምፖዝዩም፡ ሓያሎ ተሳተፍቲ (ኣባላት ኮሚሽን ቅዋም፡ ገዳይም ተቓለስቲ፡ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ መንእሰያትን ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ናይ ሜድያ ትካላትን) ነይሮም። ሲምፖዝዩም፡ ብኣቦ-መንበር ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ፡ ፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሰ፡ ናይ መኽፈቲ መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ፡ ቀጺሉ ካብ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮሚሽን ቅዋም ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ መግለጺ ስዒቡ። ቀጺሉ፡ መድርኽ ንኣባላት ጎስጓስ ናይዚ መደብ`ዚን ካልኦት ተሳተፍቲን ተኸፊቱ። ሃብታም ዝኾነ ናይ እንካን ሃባን ዘተን ሓሳባትን እውን ቅሪቡ።

  ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ 1997 ብድምጺ (ትግርኛ)


-   ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ 1997 ብድምጺ (ትግርኛ):: 1997 Eritrean Constitution, Tigrinya Audio.
-   ኣድማሳዊ መሰላት ደቂ-ሰብ፡ ብድምጺ ትግርኛ። Universal declaration of human rights, Tigrinya audio.

ጉዳይ ቅዋምን ቅዋማውነትን፡ እዋናዊን ኣገዳሲን ስለዝኾነ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ምህናጽ ሃገር ዘሎና ንቕሓት ንምብራኽ ስለዝሕግዘናን፡ ከም ዜጋታት ካባና ዝጥለብ ንክንፍጽም ስለዝሕብረናን፡ ብጽሞና ክንሰምዖ፡ ንኻልኦት ከኣ ከነካፍልን፡ ኣገዳሲ ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ቅዋም ብዝተኣሳሰር ዝተኻየደ ኣስተምህሮታትን ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን፡ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ኣሎኩም። ተወሰኽቲ ሓበሬታታት ኣብ ዝረኸብናሉ እናወሰኽናሉ ስለእንኸይድ፡ ብቐጻሊ ነዚ ገጽ`ዚ ምብጽሑ ኣገዳሲ ኢዩ።


Understanding the Eritrean constitution-Symposium 2022.
ሲምፖዝዩም 2022 - ንምዕዛዝ ርድኢት ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ


Click here to watch on Facebook. ኣብ ፌስቡክ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ።


  ቅዋማውነት ራኢ ሰማእታት
19June 2022

ቅዋማውነት ራኢ ሰማእታት፡

ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ።


  ቅዋም 1997፡ ኢሰያስ ኣይኮነን ጽሒፍዎ፡
ቅዋም ኤርትራ ንብረት ህዝቢ እዩ።
መንእሰይ በረኸት ሃይለ።


  ን25 ዓመታት፡ 'ኣብ ከብሒ ዝተቘለፈ' ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡
BBC Tigrinya: ዕላል ምስ ፕሮፈ። በረኸት ሃብተስላሰ (ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ቅዋም)


  Interview with Prof. Bereket Habte Selassie: ዕላል ምስ ፕሮፈ። በረኸት ሃብተስላሰ (ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ቅዋም)፡
ጋዜጠኛ ሳሙኤል ገብረሂወት ( 1 Jul 2011)


  Dehay Eritrea ጽምብል 90 ዓመተ ልደት ዶር በረኸት ሃብተስላሰ! ደሃይ ኤርትራ


  Dehay Eritrea ደሃይ ኤርትራ፡
ኮሚሽን ቅዋም ምስ ኢሳይያስ ኮነ ህግደፍ ቀጥታ ናይ ስራሕ ርክብ ኣይነበሮን ይበሃል ማዕረ ክንደይ ሓቂ እዩ?
ዘተ ምስ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ (Constitutional Lawyer)፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ ነበር


•  Part-1: ኮሚሽን ቅዋም ምስ ኢሳይያስ ኮነ ህግደፍ ቀጥታ ናይ ስራሕ ርክብ ኣይነበሮን ይበሃል ማዕረ ክንደይ ሓቂ እዩ?
•  Part-2: "ኢሳይያስ፡ ይትረፍ ንቅዋም ንኤርትራዊ ትምኒት፡ ንተስፋ ሃረርታን ህዝቢ እውን ቀቲሉ እዩ"


  ERISAT: መወዳእታ መልክዕ ናይ ናጽነት ዝብሃል ቅዋማዊት ሃገር ምፍጣር ኢዩ | ተጋ. ኣሕመድ ቀይሲ


  ERISAT: ጎምበለ | ዘተ ብዛዕባ ቅዋም ምስ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም !


  ERISAT 18 May 2022: ዛዕባታትና፥
ዳህሳስ ቅዋምን ልዕልና ሕጊን ኣብ ኤርትራ
ምስ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ነበር ኣቶ ሃብተኣብ የማነ (Judge Habteab Yemane)


  ERISAT 31 May 2022: ዛዕባታትና፥
ተራን ኣገዳስነትን ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ፡
ምስ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ነበር ኣቶ ሃብተኣብ የማነ (Judge Habteab Yemane)


Books by Dr Bereket Habte selassie
መጻሕፍቲ ብ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ


Patterns of Democracy: Government Forms and Performance in Thirty-six Countries Paperback – Illustrated, 1 Sept. 2012



See also more related on Constitution and constitutionalism:
ምስ ቅዋምን ቅዋምነትን ሕቶ ዲሞክራሲን ዝተኣሳሰሩ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

መደብ ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society
ብዛዕባ ሕግን ሕጋዉነትን መፍቲሒታቱን ዘተ ምስ ሰብ ሞያ ሕጊ።
LAW, LEGALITY AND SOLUTIONS
Discussion with Law professional Eritreans.
Posted on permission by copyright owner (pictured), Ms Feven Gideon. ብፍቓድ ወናኒቱ፡ ፊቨን ጊደዎን ዝወጸ ኢዩ።
For more contents, you may visit Ms Feven Gideon's facebook page.


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: