ዜና ዕረፍቲ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ፡

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

09/02/2022 22:54 PM

ዜና ዕረፍቲን ዝኽሪን፡
ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡
ኣቡነ ኣንጦንዮስ
3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ፡

In memory of
his holiness Abune Antonios,
3rd Patriarch of the State of Eritrea.

(July 1927 - 09 Feb. 2022)

ዜና ዕረፍቲ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ - In memory of his holiness Abune Antonios, 3rd Patriarch of the State of Eritrea.

ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ናይ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 9 ለካቲት 2022 ዓሪፎም።

ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ስለ እተቓወሙ፡ ከምኡ`ውን ንፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ፡ ሰባት ብዘይ ፍትሒ ምእሳር እግዚኣብሔር ዘይፈትዎ ስራሕ ስለዝኾነ፡ ክቋረጽን፡ ዝበደለ እንተልዩ ኣብ ፍትሒ ቀሪቡ ፍርዱ ክወሃብ ኣለዎ ብምባል፡ ብኣካል ስለዝተዛረቡን ኢዩ። እዚ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ብቃሎም ዝሰነዱዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ዝተሰነደ ኢዩ።

ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ግህሰት ፍትሒን ሰብኣዊ መሰልን፡ ብትብዓት ብምቅዋም፡ በጃ ህዝቦምን በጃ ቤተክርስትያንን፡ መስዋእቲ ከፊሎም። ብሰንኪ`ዚ፡ ካብ ሕጊ ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ካብ ናይ ፓትሪያርክነት ማዕርጎም ተቐንጢጦም፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ናይ ቤት ማሕዩር ኢዮም ጸኒሖም። እዞም ሽማግለ ኣቦና፡ ኩነታት ጥዕናኦም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝነበረ፡ በጻሕቶምን ካብ ቃሎምን እውን ይስማዕ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።

ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ እምነቶምን ኣብ ፍትሒን ጸኒዖም ኢዮም ሓሊፎም። ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኸኣ፡ ተባዕ ኣብነታዊ ውርሻ ሓዲጎሙልና። ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ከምኡ`ውን ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ዓለም፡ ስሞም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ንዘልኣለም እናተዘከረ ክነብር ኢዩ።

ኤርትራ፡ ብተባዓት ደለይቲ ፍትሒ መራሕቲ እምነታትና እተዓደለት ሃገር ኢያ፡ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017 እውን ኣቦና ሓጂ ሙሳ፡ ብተማሳሳሊ ኣገባብ፡ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታት ስለእተቓወሙን ንሕጊን መሰልን ብትብዓት ደው ስለዝበሉን፡ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዓረፉ ዝዝከር ኢዩ። ቅድሚ`ዚ እውን፡ ኣብ ዕለት 25 ግንቦት 2014፡ "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?" ብምባል ንኣሰካፊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብዝግባእ ብምትንታን፡ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዘቕረቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ነይሮም ኢዮም። እዞም ኣበዋትና ብሓበራ፡ ንሰላምን ስኒትን፡ ከምኡ`ውን ንፍትሒ ክጽውዑ ከለዉ፡ ንሕና "ምእመናን" ከ፡ ሰሚዕናዮምን ተኸቲልናዮምን ዶ ዝብል ሕቶ ናይ ኩልና ዜጋታት መልሲ ዘድልዮ ኢዩ። ኣብ ልብና ሓዲሩ፡ እቲ ዝግባእ ሃገራዊን ዜግነታዊን ግቡእና ክንገብር ከኣ በዚ ኣጋጣሚ ዚ ምዝኽኻር ግቡእ ይመስለና።

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም ንብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፡ ሰማያዊ ዕረፍቲ ይሃቦም እናበለት፡ ንኹሎም ቤተሰብ፡ ከምኡ`ውን ምእመናንን ንህዝቢ ኤርትራን፡ ጽንዓት ይሃብ ትብል። ጠልሊን በረኸትን ይግደፉልና ኸኣ ትብል።

ብምቕጻል እምበኣር፦
ንዕለተ ዕረፍቶምን ንሕሉፍ ታሪኾምን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ትሕቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፉዎ ኩነታትን ዝድህስስ ትሕዝቶታትን መግለጺታትን፡ ኣብ ታሕቲ ነቕርበልኩም፦


መደብ ጸሎተ ፍትሓት (ዳግማይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ።
"ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ብቅድመ እግዚአብሔር"።
"ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።" መዝ.116፡15።
ንሰንበት 20 የካቲት 2022።

"ሰናይ ገድሊ ሰማእትነት ብጹዕ ወቕዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ"
ቐጥታ ዝመሓላለፍ መደብ
ንቐዳም 19 የካቲት ሰዓት 8-10 በርሊን፣ 2-4 ኒውዮርክ

ናይ ዝኽሪ መደብ!
ዝኽሪ ሰናይ ገድልን ሰማእትነትን!
ብምኽንያት ሰማእትነት 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ-ኤርትራ ኣቦና ብጹእ ወ-ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ!


[Mdre Canaan ምድረ ከንኣን]፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣቡነ ኣንጠንዮስ!
Funeral ceremony of Abune Anteniyos!


[Mdre Canaan ምድረ ከንኣን]፡ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ኣቦና ከመይ ነበረ፡ ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ 10/2/2022 abune Enteniyos

[Mdre Canaan ምድረ ከንኣን]፡ ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ኣቦና ከመይ ነበረ፡ ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ 10/2/2022 abune Enteniyos (Part-2)


[Global Yiakl] ሰማእትነት ኣብ ሰናይ ገድሊ! ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ 3ይ ፓትርያሪክ ኦ/ተ/ቤ/ኤ: ምልክት ጽንዓትን ትብዓትን ኮይኖም ሓሊፎም! ሓጺር ታሪኽ ሂወት።


In Loving Memory of His Holiness Abune Antonios
GoFundMe:

GoFundMe - In Loving Memory of His Holiness Abune Antonios.


ERISAT: ንኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ብሂወት ከለዉ'ዮም ቀቲለሞም |ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሓንስ | ዓቅምኩም ንምብርካት ኣብ ታሕቲ ጥብቆ ናይ GoFundMe ኣለኹም

In Loving Memory of His Holiness Abune Antonios
GoFundMe:


ATV: ናይ ፍቕሪ መዘከርታ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጠንዮስ ኣብ ለንደን: ሰንበት 20 ለካቲት, 2022, ሰዓት 2:00 ድ ቀ


ERISAT: ኣብ ልዕሊ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝወረደ ስቃይ ከም ሕብረተሰብ ከሕፍረና ይግብኦ | ተጋዳላይ ኣሕመድ ቀይሲ


BBC: On the passing of His Holiness Abune Antonios. ራድዮ ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ዕረፍቲ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ።


መግለጺ ሓዘንን ጽንዓትን፡ ብኣጋጣሚ ዕረፍቲ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ-ኤርትራ።
ብ`ኣቶ ሃይለ ክፍላይ (ጎተና)


ERISAT:الأنباء انطونيوس رحيل يزلزل عرش الظالمين


ATV: መልእኽቲ ዲበ ኩሉ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ - ካብ ሰነዳት ኣሰና


[ERISAT]: ቃለ-ምስክርነት ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ 3ይ ፓትሪያሪክ ዘሃገረ ኤርትራ። His holiness Abune Antonios, 3rd Patriarch of the State of Eritrea, giving a Testimony.


ATV: ዝኽሪ ብጹእ ስምን ተግባርን ፓትርያርክ ቅዱስ እንጠንዮስ ኣብ ዕለተ ዕረፍቶም - ዝርርብ ምስ ኣባ ቐሺ ገ/ሚካኤል ዮሃንስ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ


ድሕሪ 13 ዓመት ማእሰርቲ ብቪድዮ ዝተቐድሐ ድምጺ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ. H. H Patriarch Antonios appears in video
መልእኽቲን ምስክርነትን፡ ካብ ቅዱስ እንጦንዮስ፡
ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘኤርትራ
H.H Patriarch Antonios Testimony
[ www.tewahdo.org ]


Part 1 of 6:   Part 2 of 6:   Part 3 of 6:   Part 4 of 6:   Part 5 of 6:   Part 6 of 6:


ኩነታት ኣቦና፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታትን ኣብዚ እዋን`ዚን፡ ከመይ ከምዝመስል፡
The situation and state of Patriarch Abune Antonios, in the past years and recently.
Testimony by Ms. Yorusalem Bereket
Part 1 of 5


Part 1 of 5:   Part 2 of 5:   Part 3 of 5:   Part 4 of 5:   Part 5 of 5:


ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ'ዚ ኩሉ መከራ ዝወደቑ፣'ብዘይ ሕጊ ሰብ ኣይትእሰር፣ ንቤተ ክርስቲያነይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ስለ ዝበሉ ጥራሕ ኢዩ!


SBS Radio: "ምዉት ሞት ኣይፈርሕን'ዩ ኣነ ቀደም'የ ሞይተ። ህዝቢ ብሰንከይ ከይሓጥእ ግን ብዛዕባይ ነቲ ሓቂ ግለጽዎ።" ፓትርያርክ ኣቡነ እንቶንዮስ
ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ
ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቲ ኣብ 2006 ኣትሒዞም ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፎም ኣለዉ። ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ዝገበረ ኩነታት፡ ኣብ ማሕዩር ኣብዝነበርሉ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝወደቐትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት፡ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም ኣለዎ።
Read more


ኣብ"ኣቡነ እንጦንዮስ" ዜና ዕረፍቲ ዝቐረበት ግጥሚ ብዲያቆን ይብራህ ካሳ /Ybrah kessa/ Tigray Orthodox Tewahdo



Share with friends: 




See also Related ምስዚ ዝዛመድ:-



Share with friends: