20/06/2023 23:15 PM
ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት
ብዶ/ር፡ ተስፋይ ገብረመድህን።
ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት
ብዶ/ር፡ ተስፋይ ገብረመድህን።
ሃየ ንዘክሮም ነልዕሎም ነዞም ደቂ ሃገር ሰማእታት
ናብ ሳሕል ዝወፈሩ ኣብ ዓዲ ገዲፎም ሽማግለ ኣቦታት
ጨኪኖም ዝተፈልዩ ካብ ዝበኽያ ዝነብዓ ኣዴታት
ሓላፍነት ናይ ስድራ ገዲፎም ኣብ ናኣሽቱ ኣሕዋት ኣሓት
ሓደ ሰብ ከይተረፈ ዝተሰለፉ ዝዓጠቑ ካብ ኩለን ስድራቤታት
ኣብ ቃልሲ ዝወደቑ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሓርበኛታት
ሬሰኦም ተቐቢሩ ተዘሪኡ ኣብፈቐዶ ስንጭሮ ጎቦታት
ባዕዳዊ ጸላኢ ሓግሒጎም ከውጽኡ ክተኽሉ ከተማ ዓድታት
ናጽነት ካብ ሰማእታት ህያብ ተባሂላ ንህዝቢ ዝተዋህበት
ንዘለኣለም ስሞም ይዘከሩ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ቦታታት።
ኣብ ኤርትራ ዘይተሰምዐ’ምበር ዘይተገብረ የለን ተባሂሉ ከምዝትረት
ኣብ ኤርትራ እንታይ ዘይተገብረ መን ዘይተላዕለ ከውሕስ ነዛ ናጽነት
ገሊኡ ብዝነበሮ ንብረት ገሊኡ ብጉልበት ገሊኡ ብዝዓጠቖ ብረት
ዝዓበየ ዝነኣሰ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰላ ብጅግንነት
ብሉጻት ተጋደልቲ ደቃ ብኣሽሓት ሂወቶም ዘሰውአት
ብዙሓት መንእሰይ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ኣካላቶም ዘሰንከለት
ሰለስተ ወለዶ ስድራቤታት ኣብ ቃልሲ ብዘይሓድጊ ዘጽነተት
ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ሃገር ኣብ ኲናት ዘብረሰት
ነዊሕ እዋን ከይጸነሔት ናጽነት ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ኣድሃበት።
ህዝቢ ኤርትራ ኣይተጸበየን ክርኢ ንናጽነት ስዒቡ ዝተኸስተ ፍሽለት
ኤርትራ ብስርዓተ ምሕደራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ተባሂላ ዝትጠቕሰት
ኤርትራ ብኹላ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተለወጠት
ቁጽሪ ቤት ማእሰርቲ ካብ ቁጽሪ ቤት ትምህርቲ ከምዝበዝሕ ይጥመት
ቁጽሪ መቐፈዲ ሰባት ካብ ቁጽሪ ቤት ጸሎት ከም ዝተዓጻጸፍ ይግመት
ዓበይቲ ሰበስልጣን ተጋደልቲ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ዘእሰረት
ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዘይ ምሕረት ኣብ ሸለታት ዘማሰነት
ንመንእሰይ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ሓዳር ዝሸመመት
ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክቱር ሓሳርን ቅሉዕ ድኽነትን ዘእተወት
ህዝቢ ኤርትራ ተጸባይ ረዲኤት ካብ ደቁ ኣብ ስደት ኮይኑ ክነብር ዝደፋፈኤት
ስርዓተ ፍርዲ ሕክምና ትምህርቲ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ዝመለሰት
ዝተማልአ ኣገልግሎት ማይ መብራህቲ መጓዓዝያ ህዝቢ ከይረክብ ዝገበረት
ሕጊ ፍትሒ ቅዋም ገና ኣብ ኣጋ ምትግባሩ ከይተበጽሐ ዝኣገደት
ንጎረባብቲ ሃገራት በብግዚኡ እንዳቶዀበት ሰላም ዝኸለአት
ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሃለዋቱ ድምጹ ኸየስምዕ ኣፉ ዝዓበሰት
ንስድራቤታት ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ኲናት ብዝተሰውኡ ደቁ ከይሓዝን ዝኸልከለት
ንህዝቢ ኤርትራ ብስለያ ብግፋ ብማእሰርቲ ብመግረፍቲ ወትሩ ዘርዓደት
ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ዕረፍቲ ብምግዳድ ቀጻሊ ኣብ ኲናት ዘኽተተት
ቁጽሪ ዘይብሉ መንእሰይ ሃገሩ ህዝቡ ገዲፉ ናብ ስደት ዘፍለሰት
እቲ ዘተሓሳስብ ክሳብ ማዓስ እዩ ህዝብና ኣብ ስደት ዝብል ከርተት።
ኩነታት ኣብ ኤርትራ እንዳኸፍኤምበር ክማሓየሽ ኣይተራእየን ካብ ዓመት ናብ ዓመት
ገለ ካህናት ኣብ ፖለቲካ ኣትዮም ይህውትቱ
ህዝቢ ክንዲ ዘበራብሩ ብመንፈሳዊ ስብከት
ገለ ምሁራት ኣብ ቤቶም ይሕብኡ ህዝቢ ክንዲ ዝምህሩ ብዝደለብዎ ፍልጠት
ገለ ስነጥበባውያን ኣብ መድረኽ የውደኽድኹ ሃለዋት ህዝቢ ክንዲ ዘቃልሑ ብዘለዎም ክእለት
ገለ ነጋዶ ኣብ ስደት ሃብቲ የኻዕብቱ ብኣንጻሩ
ኤርትራውያን ስደተኛታት ይሳኣቐዩ ብዓጸቦ ጥምየት
እዚ ኣብ ኤርትራ ዝጋሃድ ዘሎ ዘይንቡር ተርእዮታት ኣይኮነን ናጽነት ማለት።
ናጽነት ምስ መጸት ህዝቢ ኤርትራ መሲልዎ ነይሩ ዝኣተወ ኣብ ገነት
እቶም ኤርትራ ጽቡቕ ኣላ ዝብሉ ባእታታት ክምለሱ ይግባእ ጠቕሊሎም ካብ ስደት
ጸሎት ንግበር ህዝቢ ኤርትራ ጨርሱ ከየጥፈአ ኣብ ናጽነት ዘለዎ እምነት
ብሰንኪ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ደቅና ከይሃስስ መንፈስ ኤርትራውነት
እዚ ዕብዳን ዕንደራ ዳንኬራ የብቅዕ ንሓርነት ንቃለስ ብሓድነት
ብሓደ ልቢ ንጠርነፍ ንበገስ ንሓርነት ኣብ ቃልሲ መታን ክንዕወት
ኣብ ታሪኽ ከይንግመት ብተካእቲ ወለዶ ሓላፍነትና ከይንሕተት
ሕጂዩ እቲ ጊዜ ኣተግበርቲ ኽንከውን ነቲ ሕድሪ ናይ ስውኣት
ኣምላኽ ይርዳእ ህዝቢ ኤርትራ ኽነብር ኣብ ናጽነትን ሓርነትን ዘለዎ ሂወት።
ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና
ራህዋን ሰላምን ንውጽዕ ህዝብና
ክብረትን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና
ንዘለኣለም ይዘከሩ ኩሎም ሰማእታትና።
ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
20 ሰነ 2023
See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:
- ዓመተ ራህዋ ይግበረልና። By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ERITREAN WOMEN IN THE STRUGGLE FOR GENDER EQUALITY AND JUSTICE, By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- WHAT IS OUR NEW YEAR’S RESOLUTION? By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- CHALLENGES IN THE TRANSFER OF POLITICAL LEADERSHIP IN ERITREA By Dr. Tesfa G. Gebremedhin, West Virginia University.
- ENHANCING OUR PARTICIPATION IN OUR ERITREAN PEOPLE’S MOVEMENT
- THE UGLY POLITICS OF POLARIZATION OF ERITREANS IN DIASPORAS
- AN URGENT CALL TO ACTION FROM THE ERITREAN YOUTH LEADING THE WAY
- ABORTING THE POLITICAL ASPIRATION OF THE PFDJ LEADERSHIP
- JOINING THE YOUTH IN SUPPORT OF ‘ENOUGH IS ENOUGH’ MOVEMENT
- THE CHALLENGES OF SUSTAINING THE CONTINUITY OF OUR GENERATIONS
- IN DEFENSE OF THE SURVIVAL OF OUR ERITREAN IDENTITY IN DIASPORAS
- THE PARABLES OF TWO FLYING INSECTS In relation to Eritreans in Diasporas. ምስላ ናይቶም ክልተ በረርቲ ሓሰኻታት፡ ብምዝማድ ኩነታት ኤርትራውያን ዲያስፖራ
- CELEBRATING CHRISTMAS
- A JOURNEY ON A TRAIN OF LIFE FOR PEACE, JUSTICE & HUMAN DIGNITY
- LEARNING TO PERCEIVE THE OBJECTIVE REALITY OF OUR SURROUNDING
- ግርጭትና ብትሕትና ንምፍታሕ ንማሃር AUDIO
- DOING THE RIGHT THING TO MAKE A DIFFERENCE
- I feel proud whenever I observe that one of us is recognized and honored.
- SUCCESS AGAINST ALL ODDS
- ኤርትራዊ መንነትና ምዕቃብን ምኽባርን ኣብ ስደት
- ግርጭትና ብትሕትና ንምፍታሕ ንማሃር
- LEARNING TO RESOLVE OUR CONFLICTS THROUGH HUMILITY
- THE LEGACY OF OUR NEW YEAR’S RESOLUTION
- ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ ከመይ ኣላ?
- THE RISE AND FALL OF SAN GIORGIO SCHOOL
- RESPECTING OUR ERITREAN IDENTITY IN DIASPORAS
- ንሓድሕዳዊ ምክብባር ዝጠቕም ትምህርቲ
- LESSONS TO LEARN TO RESPECT EACH OTHER
- JOINING WOMEN IN THE STRUGGLE FOR THE LIBERATION OF MEN
- ጠቕሚ ናይ ግዜን ምሕደራ ንኣጠቓቕማ ግዜን
- LEARNING THE VALUE OF MANAGING THE USE OF TIME
- THE CHALLENGE TO BE THE CHANGE TO MAKE THE DESIRED CHANGE
You may also be interested to see a LIST OF BOOKS by Gebremedhin, Tesfa G.:
- 1. Gebremedhin, Tesfa G. and Luther G. Tweeten. Research Methods and Communication in the Social Sciences. Westport, CT: Praeger, 1994.
- 2. Gebremedhin, Tesfa G. Beyond survival: The Economic Challenges of Agriculture and Development In Post-Independence Eritrea. Lawrenceville, NJ: The Red Sea Press, 1996.
- 3. D’Souza Gerard and Tesfa Gebremedhin. (eds). Sustainability in Agricultural and Rural Development. Brookfield, Vermont: Ashgate Publishers, 1998.
- 4. Gebremedhin, Tesfa G. And Peter V. Schaeffer. Leadership Challenges for Effective Management. Dublin, Ireland: Blackhall Publishing, 1999.
- 5. Gebremedhin, Tesfa G. Women, Tradition and Development: A Study of Eritrea. Lawrenceville, NJ: The Red Sea Press, 2002.
- 6. Gebremedhin, Tesfa G. and Gebre H. Tesfagiorgis (editors). Traditions of Eritrea: Linking the Past to the Future. Trenton, NJ: The Red Sea Press, 2008.
- 7. Kahsai, Mulugeta S., Tesfa G. Gebremedhin and Peter Schaeffer. Amenity and Economy: A Spatial Econometric Analysis of the Northeastern United States. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 8. Mojica, Maribel, Tesfa G. Gebremedhin and Peter Schaeffer. Entrepreneurship and Economic Development Econometric Analysis of the Appalachian Region. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 9. De Sousa-Brown and Tesfa G. Gebremedhin. Small Business and Rural Economic Growth: A County-Level Analysis of West Virginia. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 10. Hailu, Yohannes G., Tesfa G. Gebremedhin and Cheryl Brown. Economic Development: A Spatial Econometric Analysis of the Northeastern United States. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2010.
- 11. Bashir, Saima and Tesfa G. Gebremedhin Entrepreneurship zand Regional Economic Development: A Spatial Econometric Analysis of the Northeast Region of the United States. Saarbrucken, Germany: VDM Publishing House Ltd, 2012.
BOOKS CO-AUTHORED WITH MY GRADUATE STUDENT
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)