Placeholder Picture
Placeholder Picture
ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት።

20/06/2023 23:15 PM

ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት
ብዶ/ር፡ ተስፋይ ገብረመድህን።

ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት።

ዝኽሪ ቃልሲ ሰማእታት ንናጽነት
ብዶ/ር፡ ተስፋይ ገብረመድህን።

ሃየ ንዘክሮም ነልዕሎም ነዞም ደቂ ሃገር ሰማእታት
ናብ ሳሕል ዝወፈሩ ኣብ ዓዲ ገዲፎም ሽማግለ ኣቦታት
ጨኪኖም ዝተፈልዩ ካብ ዝበኽያ ዝነብዓ ኣዴታት
ሓላፍነት ናይ ስድራ ገዲፎም ኣብ ናኣሽቱ ኣሕዋት ኣሓት
ሓደ ሰብ ከይተረፈ ዝተሰለፉ ዝዓጠቑ ካብ ኩለን ስድራቤታት
ኣብ ቃልሲ ዝወደቑ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሓርበኛታት
ሬሰኦም ተቐቢሩ ተዘሪኡ ኣብፈቐዶ ስንጭሮ ጎቦታት
ባዕዳዊ ጸላኢ ሓግሒጎም ከውጽኡ ክተኽሉ ከተማ ዓድታት
ናጽነት ካብ ሰማእታት ህያብ ተባሂላ ንህዝቢ ዝተዋህበት
ንዘለኣለም ስሞም ይዘከሩ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ቦታታት።

ኣብ ኤርትራ ዘይተሰምዐ’ምበር ዘይተገብረ የለን ተባሂሉ ከምዝትረት
ኣብ ኤርትራ እንታይ ዘይተገብረ መን ዘይተላዕለ ከውሕስ ነዛ ናጽነት
ገሊኡ ብዝነበሮ ንብረት ገሊኡ ብጉልበት ገሊኡ ብዝዓጠቖ ብረት
ዝዓበየ ዝነኣሰ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰላ ብጅግንነት
ብሉጻት ተጋደልቲ ደቃ ብኣሽሓት ሂወቶም ዘሰውአት
ብዙሓት መንእሰይ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ኣካላቶም ዘሰንከለት
ሰለስተ ወለዶ ስድራቤታት ኣብ ቃልሲ ብዘይሓድጊ ዘጽነተት
ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ሃገር ኣብ ኲናት ዘብረሰት
ነዊሕ እዋን ከይጸነሔት ናጽነት ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ኣድሃበት።

ህዝቢ ኤርትራ ኣይተጸበየን ክርኢ ንናጽነት ስዒቡ ዝተኸስተ ፍሽለት
ኤርትራ ብስርዓተ ምሕደራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ተባሂላ ዝትጠቕሰት
ኤርትራ ብኹላ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተለወጠት
ቁጽሪ ቤት ማእሰርቲ ካብ ቁጽሪ ቤት ትምህርቲ ከምዝበዝሕ ይጥመት
ቁጽሪ መቐፈዲ ሰባት ካብ ቁጽሪ ቤት ጸሎት ከም ዝተዓጻጸፍ ይግመት
ዓበይቲ ሰበስልጣን ተጋደልቲ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ዘእሰረት
ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዘይ ምሕረት ኣብ ሸለታት ዘማሰነት
ንመንእሰይ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ሓዳር ዝሸመመት
ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክቱር ሓሳርን ቅሉዕ ድኽነትን ዘእተወት
ህዝቢ ኤርትራ ተጸባይ ረዲኤት ካብ ደቁ ኣብ ስደት ኮይኑ ክነብር ዝደፋፈኤት
ስርዓተ ፍርዲ ሕክምና ትምህርቲ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ዝመለሰት
ዝተማልአ ኣገልግሎት ማይ መብራህቲ መጓዓዝያ ህዝቢ ከይረክብ ዝገበረት
ሕጊ ፍትሒ ቅዋም ገና ኣብ ኣጋ ምትግባሩ ከይተበጽሐ ዝኣገደት
ንጎረባብቲ ሃገራት በብግዚኡ እንዳቶዀበት ሰላም ዝኸለአት
ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሃለዋቱ ድምጹ ኸየስምዕ ኣፉ ዝዓበሰት
ንስድራቤታት ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ኲናት ብዝተሰውኡ ደቁ ከይሓዝን ዝኸልከለት
ንህዝቢ ኤርትራ ብስለያ ብግፋ ብማእሰርቲ ብመግረፍቲ ወትሩ ዘርዓደት
ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ዕረፍቲ ብምግዳድ ቀጻሊ ኣብ ኲናት ዘኽተተት
ቁጽሪ ዘይብሉ መንእሰይ ሃገሩ ህዝቡ ገዲፉ ናብ ስደት ዘፍለሰት
እቲ ዘተሓሳስብ ክሳብ ማዓስ እዩ ህዝብና ኣብ ስደት ዝብል ከርተት።

ኩነታት ኣብ ኤርትራ እንዳኸፍኤምበር ክማሓየሽ ኣይተራእየን ካብ ዓመት ናብ ዓመት
ገለ ካህናት ኣብ ፖለቲካ ኣትዮም ይህውትቱ
ህዝቢ ክንዲ ዘበራብሩ ብመንፈሳዊ ስብከት
ገለ ምሁራት ኣብ ቤቶም ይሕብኡ ህዝቢ ክንዲ ዝምህሩ ብዝደለብዎ ፍልጠት
ገለ ስነጥበባውያን ኣብ መድረኽ የውደኽድኹ ሃለዋት ህዝቢ ክንዲ ዘቃልሑ ብዘለዎም ክእለት
ገለ ነጋዶ ኣብ ስደት ሃብቲ የኻዕብቱ ብኣንጻሩ
ኤርትራውያን ስደተኛታት ይሳኣቐዩ ብዓጸቦ ጥምየት
እዚ ኣብ ኤርትራ ዝጋሃድ ዘሎ ዘይንቡር ተርእዮታት ኣይኮነን ናጽነት ማለት።

ናጽነት ምስ መጸት ህዝቢ ኤርትራ መሲልዎ ነይሩ ዝኣተወ ኣብ ገነት
እቶም ኤርትራ ጽቡቕ ኣላ ዝብሉ ባእታታት ክምለሱ ይግባእ ጠቕሊሎም ካብ ስደት
ጸሎት ንግበር ህዝቢ ኤርትራ ጨርሱ ከየጥፈአ ኣብ ናጽነት ዘለዎ እምነት
ብሰንኪ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ደቅና ከይሃስስ መንፈስ ኤርትራውነት
እዚ ዕብዳን ዕንደራ ዳንኬራ የብቅዕ ንሓርነት ንቃለስ ብሓድነት
ብሓደ ልቢ ንጠርነፍ ንበገስ ንሓርነት ኣብ ቃልሲ መታን ክንዕወት
ኣብ ታሪኽ ከይንግመት ብተካእቲ ወለዶ ሓላፍነትና ከይንሕተት
ሕጂዩ እቲ ጊዜ ኣተግበርቲ ኽንከውን ነቲ ሕድሪ ናይ ስውኣት
ኣምላኽ ይርዳእ ህዝቢ ኤርትራ ኽነብር ኣብ ናጽነትን ሓርነትን ዘለዎ ሂወት።

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና
ራህዋን ሰላምን ንውጽዕ ህዝብና
ክብረትን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና
ንዘለኣለም ይዘከሩ ኩሎም ሰማእታትና።

ብ'ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
20 ሰነ 2023




See also recent Articles by Dr. Tesfa G. Gebremedhin:


You may also be interested to see a LIST OF BOOKS by Gebremedhin, Tesfa G.:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: