Placeholder Picture
Placeholder Picture
Eri-Platform - Eritrea Symposium 2020

28/04/2020 21:23 PM Updated

ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2020፡
ብድሆታት ለውጥን ስግግርን ኣብ ኤርትራ
Eritrea Symposium 2020:
Challenges of Change and Transition in Eritrea

Organised by Eri-Platform,
Washington D.C., USA, 24 - 26 January 2020

Eri-Platform - Eritrea Symposium 2020

ኤሪ-ፕላትፎርም (Eri-Platform)፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት (2018 ከምኡ`ውን 2019) ዘካየዶም መጽናዕታዊ ዓውዲ-ዘተታት፡ ሕጂ`ውን ካብ 24 - 26 January 2020: ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2020 (Eritrea Symposium 2020)፡ ኣብ Washington D.C., USA ኣሰላሲሉ ኣሎ።

ኤሪ-ፕላትፎርም፡ ሓደ መጋባእያ ናይ፦ ኣብ ንኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዚትንክፉ ወይ ዚጸልዉ ኣገደስቲ ሃገራዊ፡ ዞባዊ ኰነ ኣህጕራዊ ጕዳያትን ፍጻሜታትን ሓቛፊ ዝርርብ ዘሳልጥ፡ ኣህጕራዊ ዘይ-መኽሰባዊ ማሕበር ኢዩ። ዕላምኡ ድማ፦ ተነጣጠፍቲ ዳያስፖራ፡ ከም ሓደ ኣገዳሲ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ መጠን፡ ኣብ መስርሓት ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን፡ ኣቀላጣፍን ደጋፍን ተራ ኪጻወቱ ንክኽእሉ ምትብባዕን ምድጋፍን ኢዩ። ብቀጻሊ ተሳትፎኦም ከኣ፡ ነቲ ምእንቲ ለውጢ ዚካየድ ጻዕሪ ኪምልእን፡ ኣብታ ፍትውቲ ሃገሮም ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ምምጻእ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ኪገብሩን ንክኽእሉ ኢዩ።

ቴማን ኣርእስትን ናይ ሲምፖዝዩም 2020፦

እቲ ኣብ ትሕቲ “ብድሆታት ለውጥን ስግግርን ኣብ ኤርትራ” ዚብል ቴማ ዚተሰላሰለ ሲምፖዝዩም፡ ኣብዞም ዚስዕቡ ሸውዓተ ቀንዲ ኣርእስቲ ኣተኲሩ ኢዩ ዘትዩ።

● መኽፈቲ መደረ፡ ብ`ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደ ጊዮርጊስ: Keynote Address: by Amb. Andebrhan Welde Giorgis፡  
ብድሆታት ለውጥን ስግግርን ኣብ ኤርትራ Challenges of Change and Transition in Eritrea

Panel-1: ቀንዲ ተዋሳእትን ሰብ ብርክን ኣብ ለውጥን ስግግርን / Principal Actors and Stakeholders in Change and Transition

Panel-2: ምቅልጣፍ ውሽጣዊ ለውጢ / Catalysing Internal Change

Panel-3: ምቛም ቅዋማዊ መንግስቲ / Establishing a Constitutional Government

Panel-4: ህሉው ኵነታት - ኤርትራን ዞባዊ ጀኦፖለቲካን / State of Play: Eritrea and Regional Geopolitics

Panel-5: ዜግነታዊ ወይስ መንነታዊ ፖለቲካ / Unity in Diversity versus Identity Politics ፣

Panel-6: ኣሰጋጋሪ ፍትሕን ሃገራዊ ዕርቅን፣ / Transitional Justice and National Reconciliation

Panel-7: ራእይ ኤርትራ 2030 / Eritrea Vision 2030

ርእይቶታት ተሳተፍቲ ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2020 / Views of Participants of Eritrea Symposium 2020: Part l of 2:

ርእይቶታት ተሳተፍቲ ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2020 / Views of Participants of Eritrea Symposium 2020:  Part 2 of 2:

ደምዳሚ መግለጺ ሲምፖዝዩም 2020 / SYMPOSIUM COMMUNIQUÉ 2020


ሲምፖዝዩም ኤርትራ 2020 - መኽፈቲ መደረ /
Eritrea Symposium 2020 - Opening Speech.

● View Full List of Videos ሙልእ ዝርዝራት ናይቲ ሲምፖዝዩም ብቪድዮ ንምዕዛብ፡- here ኣብዚ ጠውቑ።



Building Democracy in Eritrea--a collection of references, conferences and symposiums:
ኣብ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ዘተኮሩ መወከሲታት፡- ጽሑፋት፡ ዋዕላታት/ኮንፈረንሳትን ሲምፖዝዩማትን፡-




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: