መርዚ ኣብ ሓዱሽ ጥርሙዝ - ህዝቢ ኤርትራ - ልቦና ኤርትራዊት ቆላዓ ኣይኽላእካ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

10/04/2019 02:45 AM

“መርዚ ኣብ ሓዱሽ ጥርሙዝ”፡ ህዝቢ ኤርትራ
“ልቦና ኤርትራዊት ቆላዓ” ኣይኽላእካ

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም by Dr. Gebre Gebremariam

መርዚ ኣብ ሓዱሽ ጥርሙዝ

“መርዚ ኣብ ሓዱሽ ጥርሙዝ”፡ ህዝቢ ኤርትራ “ልቦና ኤርትራዊት ቆላዓ” ኣይኽላእኻ
ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

መቸስ፡ ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ፡ “ምብላዕካ ዝለመደስ ነንክርኤካ የምባሁቕ” ግዲ ኮይኑ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ካኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምትላል ስለዝለመዱ፡ ሕጂ እቲ ኣብ ርእሲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብቀጻሊ ክገብርዎ ዝጸንሑ “ክሕደትን ጥልመትን” ተጋሊጽሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን’ውን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምትላል ሽርሒታቶም ነኸተግብሩ ሸበድበድ ክብሉ ቀንዮምን ኣለዉን። ኣብ ዝሐለፈ ዳርጋ ሓደ ዓመት ምሉእ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ጸልማት ኣቐሚጦም፡ ንልዕላውነትን ሃገራዊ መንነትን ኤርትራ ኣብ ዕዳጋ ዘውረዱ ተግባራትን መደረታትን ኣብ ኢትዮጵያ ከይዶም ክገብሩን ክምድሩን ከምዘይጸንሑ፡ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ንሽርሕታቶም ነቒሒሉስ፡ “በሉ ራኣናልኩም፡ ይኣክል”ብምባል፡ ምልኪ ብምስዓር፡ ልዕላውነትን ሃገራዊ መንነትን ኤርትራ ንምድሓንን ንምውሓስን፡ ቆሪጹ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ኢሳያስ በቶም ወትሩ መጋበርያታቱ ዝኾኑ ሓለፍቲ ኣቢሉ ናይ ህዝቢ ሰሚናራት ከካይድ ጀሚሩ ኣሎ። ኢሳያስ፡ “ብዛዕባ’ቶም ኣብ ዝሓለፈ ዳርጋ ዓመት ምሉእ ምስ ኢትዮጵያ ተገይሮም ዝባሃሉ ስምምዓት/ውዕላት(?) ወይ’ውን ዝምድናታት፡ ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ’ውን ትኹን ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሓበረ፡ ሕጂ እንታይ ስለዝተረኸበ ኢዩ፡ ጽዑቛት ናይ ህዝቢ ሰሚናራት ክካየዱ ኣዚዙ?” ንዝብል ሕቶ መልሱ፡ ሕጂ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ብምትላል፡ ነቲ “ይኣክል! ይኣክል! ይኣክል!” ብምባል ኣንጻር ኢሳያስን ስርዓቱን ተባሪዑ ዘሎ ህዝባዊ ምልዓዓላት ንምድኻሙን ንምጥፍኡን ስለዝተደለይ ጥራሕ ኢዩ። ኢሳያስ፡ ነተን ፈሪሰን ዝነበራ መሕቢኢ ባዓትታቱ፡ እንደገና ንኽጽግነንን ንኸሰርሐንን ፋሕጠርጠር ኢዩ ዝብል ዘሎ። ሕጂ’ውን ከም ኣመሉ፡ “ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅጽበታዊ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ኢኻ ዘለኻ፤ ወያነ ክትወረካ ኢያ፤ ሓያላት ሃገራት ከጥፋኣኻ ኢየን ዝደልያ፤ ወ.ዘ.ተ.” ኢሉ ብምትላል፡ ነተን ንዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ታሓቢኡለን ዝነበረንን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈረሳን ባዓቲታቱ እንደጋና ጸጊኑ ክሕባኣለን ሓኾት ክብል ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ካልእ፡ ኢሳያስ ዓመት መጸ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ናይ መትሓዚን ናይ መታለሊን ሜላ፡ “ሕጂ ኩሉ ዓቕምታትና ናብ ልምዓት ኣዋፊርና፡ ንኤርትራ ክንሃንጻ ኢና፤ ኩሉ ሰብ 48 ሳዓታት ክሰርሕ ኣለዎ፤ ንዓመታ ማእቶትና ብኣማኢት ዕጽፍታት ክኽዕብት ኢዩ፤ ወ.ዘ.ተ.”፡ ሕጂ’ውን ከይሓፈረ ክደጋግሞ ይስማዕ ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ እዚ “ደርሆ ፋሕጢራ ትረኽቦ ሽጣራታት” ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ይዝንገዖ ኢዩ ኣይብልን። ካልእ እንተረፈ፡ ኩሉ ትሕተ-ቅርጺ ኤርትራ ዓንዩን ለሚሱን፡ ኣብ ትሕቲ ዋላ ዝስተ ማይ ከማይ ከቕርብ ዘይኽእል ስርዓት፡ ዝነብር ህዝቢ፡ ምስጢር እዚ ተደጋጋሚ ኣጉል መብጻዓ፡ ክስሕቶ ኣይክእልን ኢዩ።

ስለምታይ ኢዩ ኢሳያስ ንዓሰርተታት ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ብቐጻሊ ከታልሎ ኪኢሉ ንብል ንኸውን። እተን ቀንዲ ምኽንያታት ክልተ(2) ኮይነን፡ ኣብ መሰረታዊ ባህሪ ናይ ደቂ ሰባት መሰረት ዝገበራ ኢየን። ንሳተን ካኣ (1) ህልውናን (Survival) (2) ቀጻልነትን (Progeny Continuity) ኢየን። ንሰብን ንካለኦት እስሳታትን፡ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎም መሰረታዊ “እንስሳዊ ባህሪ”፡ ቅድሚ ዝኾኑ ካልኦት ተፈጥሮኣዊ/ሂወታዊ ድሌታት ምምላእ ዝስራዕ፡ ምርግጋጽን ምውሓስን ህልውናን ቀጻልነትን ኢዩ። እዚ ማለት፡ ዝኾነ ፍጡር እንድሕር ዳኣ ንህልውንኡን ንቀጻልነቱን ዘንጸላሉ ሓደጋ ገጢምዎ፡ ኩሉ ነገር ገዲፉ፡ ምሉእ ኣእምርኡ ነቲ ሓደጋ ኣብ ምእላይ ኢዩ ዝዋፈር። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣእምሮ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ሓደጋ ኣብ መእላይ ተኣሲሩ፡ ብዛዕባ ካልእ ክሓስብን ክዓይን ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ካኣ ናይ ተፈጥሮ/ኣምላኽ/ረቢ ስራሕ/ሕጊ ኢዩ። ሕብረተ-ሰብ’ውን ናይ ከምዚ ዓይነት ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ግዙእ ኢዩ። ንህልውንኡን ንቀጻልነቱን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ኣብ ዘጋጥመሉ ጊዜ፡ ምሉእ ዓቕሚታት ሕብረተ-ሰብ ነቲ ሓደጋ ኣብ ምእላይን ኣብ ምምካትን ኢዩ ዝዋፈር። ኢሳያስን ስርዓቱን ካኣ ነዚ ሓቂ እዚ ተጠቒሞም፡ ህልውናን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ኣምሲሎም ምስምስ ብምፍጣር፡ ንህዝቢ እርትራ ኣታሊሎም፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣእምርኡ ብምእሳር ጅሆ ሒጀሞ ጸኒሖም። ነቲ ሓደጋ ዝብልዎ ንምእላይን ንምምካትን ብዝብል ምስምስ፡ ንኹሉ ዓቕምታት ኤርትራ ገቢቶም ብምሓዝ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ድኽነት፡ ስደትን ምብትታንን ከምዝኸውን ብምግባር፡ ጽባሕ ዶ ኾን ሽግረይ ይቕንጠጠለይ እንዳበለ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ “ጽባሕ ዶ ኾን …” ተሸሚሙ ከምዝተርፍ ገይሮሞ ጸኒሖም። እታ ዝጽበያ ዝነበረ “ጽባሕ” ኣይመጸትን ጥራሕ ዘንኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ “ጽባሕ”፡ ጽባሕ ካኣ መወዳእታ የብሉን፡ ዝብላ ከይበጽሐ ከሎ፡ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሕብረተ-ሰብኣዊ፣ ወ.ዘ.ተ. መልመስትን ብትከትን ኣጋጢምዎ’ውን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብኢሳያስን ስርዓቱን ዝንገሮ ዝነበረ ንህልውንኡን ንቀጻልነቱን ዘንጸላሉ ሓደጋ ሓቂ መሲልዎ ተታሊሉ ኢዩ። ኢሳያስን ስርዓቱን ግን ብመደብ ንህዝቢ እርትራ ጅሆ ሒጀም ዓቕሙ ክሳብ ዝጽንቅቕ ኢዮም ዝጽበዩ ዝነበሩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንነብሱ ዝከላኸለሉ ዓቕሚ ጸንቂቑ ኢዩ ኣብ ዝበልሉ ጊዜ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ መታሓዚ ዝተጥቕምሉ ጉዳይ፡ “ምሕንጻጽ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ”፡ ከምዘይ ነበረ ራሕሪሖም ብምግዳፍ፡ “ጉዳይ ዶብ” ኣይገድሰናን ኢዩ፡ “ኢትዮጵያ ንምርግጋእ ኢና ንሰርሕ” ክብሉ ኢዮም ጀሚሮም። ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ተገይሩ ኣሎ ካብ ዝባሃል ጊዜ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ብዙሓት ንልዕላውነትን ሃገራዊ መንነትን ኤርትራ ዝብሕጉጉ፣ ዘዳኽሙ፣ ዘለምሱን፣ ካቡኡ ሓሊፉ’ውን ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ የሕሊፋካ ናይ ምሃብ ወስታታትን ተግባራትን ከውሰዱን ከተግብሩን ጸኒሖምን ኣለዉን። ብዛዕባ እዞም ተግባራትን ወስታታትን እዚ’ቶም፡ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ብዙሕ ክባሃልን ክጻሓፍን ስለዝጸንሐን፡ ህዝቢ’ውን ተረዲእዎ ስለዘሎን፡ ኣብዚ ምድጋሙ ዘድሊ ኣይመስለንን። እቲ መሰረታዊ ኣገድሲ ጉድይ’ውን፡ ህዝቢ ብዛዕባ ኢዚ ጉዳይ እዚ ግቡእ መረዳእታ ረኺቡ ምህላዉ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ዋላ’ዃ “ኣመል ምስ መግነዝ” ከምዝባሃል፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ንምትላል፡ “ወያነ፡ ንህልውናኻን ንቀጻልነትካን ሓደጋ ስለዝኮነ፡ ክትዋጋእ ተዳሎ”፣ “ሕጂ፡ ዓቕምታትና ናብ ማእቶት ከንዋፍሮ ስለዝኾና፡ ንዓመታ ክሓልፈልካ ኢዩ’ሞ፡ ብትዕግስቲ ተጸበ” እንዳበሉ ክጉስጉሱ ይጀምሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይክታለልን ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ይኣክል ኢሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ቃልሱ የዕዝዝ’ውን ኣሎ።


እቲ ኣንጻር “ወያነ” ክንዋጋእ ኢና ዝብሎ ዘሎ፡ ከተግብሮ ድዩስ ኣይኮነን ብዘይገድስ፡ ንረብሓ ኤርትራ ዘገልግል ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንረብሓ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምግልጋል ተባሂሉ ዝተሃንደሰ’ውን ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖሊቲካዊ ኩነታት ብዕምቖት ኣብ ምትንታን ከይኣተኹ፡ ሓደ ክብሎ ዝደሊ ነገር ኣሎ። እቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝብን፡ መራሕቲ ተጋሩ ካኣ ከም ተጋደልትን ኣብ ልዕላውነት ኤርትራ ዘለዎም ርእይቶን፡ ልዕላውነት ኤርትራ ክውን ንኸኸውን ዝኸፈልዎ ዋጋታትን ንጎኒ ገዲፍና፡ ሕጂ ዘሎ ውሽጣዊ ፖሊቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ጥራሕ’ዃ እንተራኣና፡ ሕጂ፡ መራሕቲ ትግራይ ይኹኑ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ክወስድዎ ዝኽእሉ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ንህላወን ረብሓን ትግራይን ህዝባን ስለዘኮነ። ከም ምቕራብ እንተኾይኑ’ውን፡ ንቡዙሕ ምኽንያታት፡ ንወያነ ኢሳያስ ኢዩ ዝቀርብ (ስእሊ ተመልከት)። ብተወሳኺ፡ ንረዳኣዮ ኣንረዳኣዮ፡ ኣብዚ ሕጂ ጊዜ፡ ህላወን ቀጻልነትን ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን ብሓደ ወገን፡ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ካኣ በቲ ካልእ ወገን፡ ዝተኣሳሰሩ ኮይኖም ኣለዉ። ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ነዚ ስለዝተገንዘቡን፡ ንረብሖኦም ከዘየገልግሎም ስለዝተርድኡን ኢዮም ካኣ፡ “ውያነ ከትወረካ ኢያ፣ ህዝቢ ትግራይ ጽላኢኻ ኢዩ፣ ወ.ዘ.ተ.” እንዳበሉ ንህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ንምትላሉ ሓኾት ክብሉ ጀሚሮም ዘለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፡ በቲ ኢሳያስ ዝድልዮ ዝነበረ ኣገባብ ኣይቀጸለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስልጣን ናይቲ ንኤርትራ ክገዝኣለይ ይኸል ኢዩ ኢሉ ዝሓረዮ ዶር. ኣብዪ ኣሕመድ’ውን እንዳተዳኸመ ክኸይድ ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ከምቲ ንኽትህብ ተቐባላይ ክህሉ ዘድሊ፡ ንኽትሸይጥ’ውን ገዛኣይ ክህሉ ስለዘድሊ፡ ኢሳያስ መደቡ ከይትብርዕኖ ኣብ ስግኣት ወዲቑ ኣሎ። እቱይ ምንታይ’ሲ፡ ስልጣን ዶር. ኣብዩ ሓይሉ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከይተረጋግአ፡ እቲ እኩይ መደባት ኢሳያስ ክትግበር ስለዘይኽእል። ኢሳያስ፡ ነዚ ዕንቕፋት ኢዮም ኢሉ ዝሓስቦም ካኣ፡ (1) ህዝቢ ኤርትራን (ሽጣር ኢሳያስ ስለዝነቕሓሉ፡ ይኣክል ኢሉ ክቃዎሞ ስለዝጀመረ) (2) መራሕቲ ወያነን (ኣብ ትግራይ ኮይኖም ንዶር. ኣብዩ ይምክትዎ ስለዘለዉ) ኢዮም። ስለዝኾነ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ እንተኾይንሎም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምቀደሞም ጅሆ ብማሓዝ፡ ንመደባቶም ንምትግባር ዝጥዕም ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ኢዩም ዝሰርሑ ዘለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ካኣ “ልቦና ኤርትራዊ ቆልዓ” ግዲ ኣይሳኣኖን ይኸውን’ሞ ሕጂስ ይኣክል ይብል ይኸውን።

“ልቦና ኤርትራዊት ቆልዓ” እንታይ ኢዩ? እንታይ ኢዩ ኸ እቲ ኣገዳስነቱ፡ ትብሉ እንተኾይንኩም፡ እቲ ኩነት ነዚ ዝስዕብ ይመስል። መቸስ፡ ኩላትና ከምንፈልጦ፡ መብዛሕትአን ዓድታት ኤርትራ እኩብ ዓይነት (Nucleated/Clustered Village) ኣሰፋፍራ ኢዩ ዘለወን። እቲ ገዛውቲ ዓዲ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ (መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ) እክብ ኢሉ ዝተደኮነ ኩይኑ፡ ንናይ ዓዲ ሓባራዊ ጸጥታ ምሕላውን ምክልኻልን፣ ንናይ ሓባራዊ ዓዳዊ ማሕበራዊ ጉዳያት ምስልሳል ምቹእነትን ንናይ ዓዳዊ ሓባራዊ ጸጋታት ኣከፋፍላን ኣጠቓቕማን ብዝጥዕምን ኣገባብ ዝተሰርዐ ኢዩ። ኣየናይ መሬት (ካበይ ናበይ) ይታሓዛእ? ካብ ማዓስ ጀሚሩ ይታሓዛእ? ሕሩም ሕዛእቲ ዶ ይኹን? መን ሓላው መሬት (ሕዛእትን ኣዝርእትን) ይኹን? ሓላው መሬት (ዘራዓይ/ዓጋታይ) ብኸመይ ይቖጸር? ሓላፍነትን ግዴታን መሰልን ሓላው መሬት እንታይ እንታይ ይኹን? ሓልፍነትን ግዴታን ናይ ነብሲወከፍ ቤተ-ሰብ (ስድራ) ዓዲ ከ እንታይ ይኹን? ሕዛእቲ ማዓስ ይሳዓር? ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ኣገደስቲ ዓዳዊ ሕቶታት ገለ ካብቶም ናይ ሓባር ዓዳዊ ውሳኔታት ዘድልዮም ኮይኖም፡ ሓደ ብሓደ ኣብ ባይቶ ዓዲ ተዘትይሎም፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ውሳኔን ስምምዕን ዝግበረሎም ኢዮም። ስለዝኾነ፡ ባይቶ ዓዲ ሓንቲ ኣገዳሲት ደቂ ዓዲ (መብዛሕትኡ ጊዜ ሰብኡት) ተራኺቦም ዘዕሉላ፣ ዝጻወትላን ዝዝትዩላን ኣብ ማእከል ዓዲ ትርከብ ቦታ ኢያ (ስእሊ ተመልከት)። ብሕልፊ” ኣብ ጊዜ ባዓላት፡ ሰብኡት ዓዲ፡ ቡን ክሳብ ዝፈልሕ፡ ወይ’ውን ምሳሕ ክሳብ ዝስራሕ፡ ካብ ገዛ ውጽእ ኢሎም ምስ መዘናታቶም ተራኺቦም ዝዛናጉዑላ ቦታ ኢያ።

ሓደ ማዓልቲ ንሓንቲ ቆልዓ፡ ኣዲኣ ቡን ኣፍሊሓ፡ “ንዒ ንኣቦኺ ኣብ ባይቶ ኣለዉ’ሞ፡ ናዓ ቡን ፍሊሓ ትብለካ ኣላ ኣደይ በልዮም” ኢላ ትልካ። እታ ቆላዓ ካኣ “ሕራይ ኢላ ናብቲ ባይቶ ትኸይድ’ሞ፡ ርሕቕ ኢላ፡ ኣቦይ ኢላ ትጻውዕ”። ኣቡኣ ካኣ “ወይ ዛጓላይ” ኢሉ፡ እንታይ ኮይንኪ ኢሉ ይሓታ። እታ ቆልዓ፡ እቶም ካለኦት ሰብኡት ከስምዕዋ ስለዝደለየት፡ ዕጥይጥይ ኢላ ስቕ ትብል። ነዚ ዝራኣዩ ሰብኡት ዓዲ፡ ቆልዓ ኢያ’ሞ ከነዕሽዋ ንኽእል ኢና ኢሎም ብምሕሳብ፡ “ዓይንና ክንዕመት ኢና’ሞ፡ ኣይንሰምዓክን ኢና ኣጀዂ ንገርዮ ኢሎም፡ ኩሎም የዕንቶም ይዕመቱ”። ወያ ለባም ቆልዓ ካኣ “ኪዱ ዳኣ ሽጣራኹም ድለዩ ኢላ”፡ የዕንቶም ምስ የዕመቱላ፡ ብኢዳ ገይራ መልእኽታ ናብ ኣባኣ የሕሊፋ ንገዛኣ ተመለስት ይባሃል። ያኢ፡ ብዓይኒ ኢዩ ዝስማዕ ኢሎም ኢዮም ከታልልዋ ፈትኒኖ።

ሕጂ ካኣ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ልክዕ ከምቲ እቶም ኣብቲ ባይቶ ዓዲ ምስ ኣባኣ ዝነበሩ ሰብኡት፡ ነታ ቆልዓ ከዕሽውዋ ዝፈተኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንኻላኣይ፡ ንሳልሳይ ጊዜ ከታትልልዎ ይፍትኑ ኣለዉ’ሞ፡ ህዝቢ እርትራ ካኣ “ልባና ኤርትራዊት ቆልዓ ኣይጋደፍካ” እብል። ብተወሳኺ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ነቲ ካብ ኣቦታትካን ኣቦሓጎታትካን ዝወረስካዮ፡ ናይ ህዝቢ ጉዳያት ኣብ ባይቶ ዘቲኻ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ውሳኔ ናይ ምውሳድ ባህሊ (ከምዚ ልዕል ኢሉ “ባይቶ ዓዲ” ብዝብል ዝተገልጸ) የዕንዮም፡ ንሕና ኢና ንፈልጠልካ፡ ዝበልናካ ግበር እንዳበሉ፡ ብፍጹም ምልካዊ ዝኾነ ናይ ሓደ ሰብ ምሕደራ (ባይቶ) ኢዮም ተኪአሞ። ኣብ ኤርትራ፡ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡ “ሃገራዊ ባይቶ” ዝባሃል ካብዘይህሉ። እዚ ካኣ ኣንጻር ታሪኽን ባህልን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኢዩ’ሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መቓብር ምልኪ፡“ባይቶኻ” ተኺልካ ባህሊ ኣቦታትካን ኣቦሓጎታትካን ንኸተመልስን ንክትዕቅብን፡ ቃልስካ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ የሕንኖ።

እንተ እቲ “ወያነ ትመጽካ ኣላ ክትዋጋእ ተዳሎ …” እንዳበሉ ዝግዕርዎ ዘለዉ ዘረባ፡ ሓዱሽ ኣይኮነን። ዝኣረገን ዝበለየን ኢዩ። ከም “መርዚ ኣብ ሓዱሽ ጥርሙዝ” የእቲካ፡ “ማዓር ኢዩ” ኢልካ ክትሸጦ ምፍታን ኢዩ። ሰላም ተረኺቡ እንዳተባህለ ክስበኽ ከምዘይ ተጸንሐ፡ ሕጂ ሓዱሽ ተጻበኦ ከምዝተላዕለ ኣምሲልካ ንህዝቢ ከተታልል ዝካኣል ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ባይታ ዝሰንሐን ዘሎን ክውንነት’ውን ዝልውጦ ኣይኮነን። ትነብሮ ከምዘለኻ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ክውንነት/ሂወት ዝተለወጠ ነገር የብሉን። ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራ፡ (1) ሕገ-ህንጻ (Constitution) የልቦን፣ (2) ማሕበራዊ ንቡር-ኣልቦነት (Social Anomie) ሰፊኑ ኣሎ፣ (3)ማሕበረ-ቁጠባዊ ልምሰትን ድቀትን ዝዓሰሎ ኩነታት ኣሎ፣ (4) ናይ ስድራ-ቤት ዕንወት ማእከል ዝገበረ ናይ ህዝቢ ምብትታን ኣጋጢሙ ኣሎ፣ (5) ህዝቢ ኤርትራ ብሰለስተ ዘይ ቁዱሳን ሓይልታት ወይ’ውን ጸላእቲ (ኢሳያስን ስርዓቱን፣ ፋሕ ዝበለ ደምበ ፍትሒ፣ ጆኦ-ፖሊቲካዊ ኩነታት ቀርኒ-ኣፍሪቃ) እንዳተሃረመ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ሳዕቤኑ ካኣ፡ ሕጂ ከም ሕብረተ-ሰብ ናይ ምቕሃም ሓደጋ የጋጥሞ ኣሎን፣ (6)ሕጂ፡ ኤርትራ፡ ጊዜ ዘይህብ ናይ ተርባጽ ኩነታት ዘንጻላልዋ ዘላ ሃገር ኮይና ኣላ። ነዚ ንምብዳህ ካኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ነዚ ኩነታት ዝፈጠረ ቀዳማይ ጸላኢኡ (ኢሳያስን ስርዓቱን) ብጥሙር ሓይሉ ከይ ዋዓለን ከይ ሓደረን ብህጹጽ ከልግሶ ይግባእ።

ሓደ ካልእ ክርሳዕ ዘይግበኦ ሓቂ፡ እቲ ነናሻብ፡ “ሃገር ክንሃንጽ ኢና፡ ንጽባሕ/ንዓመታ ክትጸግብ ኢካ” እንዳተብህለ ዝንገሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ለዘበን ዓሚ ይሓይሽ እንዳኾኖ፡ ካብ ልምሰት ናብ ልምሰት እንዳተሰጋገረ፡ ምሉእ ብምሉእ ተጻባይ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ (ውላዱ፣ ሓዉ/ሓፍቱ፣ ቤተ-ሰቡ ማይ-ቤቱ፣ ዘመድ ኣዝማዱ፣ ዓርከ-ማሓዝኡ፣ ወ.ዘ.ተ.) ካብ ዝኸውን ዓመታት ዘቑጸረ ምዃኑ ኢዩ። ስለስኾነ፡ እቲ ዓመት መጸ “ምድላዋት ገርና ኣለና፡ ሃገር ክንሃንጽ ኢና …” እንዳተባህለ ዝንገሮ ጽውጽዋይ፡ ጥራሕ ኢዩ። ነተን ኩሉን ኢሳያስ ሓዱሽ ዓመት መጸ ዝገበረን ቃለ-መጠይቃት፡ ተመሊስና እንተራኣና፡ ነዚ ሓቂ እዚ ኢና ንግንዘብን ነረጋግጽን (ተመልስኩም ኣንብብውን/ስምዕወን)። ከምቲ ሓደ ሕሱም ገዛኢ/ንጉስ ገይርዎ ዝባሃል ዝዓይነቱ ኢዩ።

እዚ ሕሱም ገዛኢ፡ ድግስ ገይሩ ንኹሎም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዝነበሩ (ዝፈትዎምን ዘይፈትዎምን) ዓበይቲ ሰባት ንሓደ ሰሙን ኣብ ቤተ-መንግስተይ ክትቕንዩ ኢኹም ኢሉ ኣኪብዎም ይባሃል። ኣብታ ናይ መጀመሪያ ማዓልቲ፡ ዝብላዕን ዝስተን ተወዲኡ ተባሂሉ፡ ገለ ገለ ዕዱማት ከይተደሩ ያሓድሩ’ሞ፡ ንጽብሓይቱ እቲ ሕሱም ገዛኣይ፡ “ኣቱም ትማሊ ጸምኩም ዝሓደርኩም ኣበይ ኣለኹም” ኢሉ ይጽውዕዎም። እቶም ጸሞም ዝሓደሩ ካኣ፡ ሎምስ ክንበልዕ ጊድ ኢና ኢሎም ብምሓሳብ፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢሎም፡ “ኣብዚኣ ኣለና ጎይታይ” ብምባል እክብ ኢሎም ናብኡ ምስቐረቡ፡ “ሎሚ ካኣ ጸምኩም ክትሓድሩ ኢኹም፡ ጽባሕ ግን ክትበልዑ ኢኹም” ኢሉውም ይኸይድ። እሞ ዳሓን፡ ጽባሕ ክንበዕ ኢና ንሎሚ ንጸመም ኢሎም፡ ንካላኣይ ለይቲ ጸሞም ይሓድሩ። እቲ ሕሱም ገዛኣይ፡ ንጽባሓይቱ መጺኡ ካኣ፡ “ኣቱም ትማሊ ጸምኩም ዝሓደርኩም ኣበይ ኣለኹም” ኢሉ ይጽወዖም’ሞ፡ ለሚስ ክንበልዕ ግዲ ንኸውን ኢሎም፡ “ኣብዚኣ ኣለና ጎይታይ” ኢሎም ምስታኣከቡ፡ “ሎሚ’ውን ጸምኩም ክትሓድሩ ኢኹም፡ ጽባሕ ግን ክትበልዑ ኢኹም” ኢሉውም ይኸይድ። ከምዚ እንዳገበረ፡ ንሱ ዘየተግብሮ ተስፋ ክህብ፡ ንሳቶም ካኣ ንዘይጭበጥ ተስፋ ክጽበዩ፡ ንስሙን ምሉእ ብጥምየት ሓለንጊ ቐጺዒዎም ይባሃል።

ብተመሳሳሊ፡ ኢሳያስ ካኣ፡ ህዝቢ እርትራ ሰሪሑ ናብርኡ ከይገብር፡ ንኹሉ ጸጋታት ኤርትራ (ጉልበት ሰብ፣ ዋኒን፣ ወ.ዘ.ተ.) ገቢቱ ብማሓዝን ናይ መታዓሻሸዊ ዘይጭበጥ ተስፋታት ዓመት መጸ ብማሃብን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ብጥመት ሓለንጊ ክቐጽዖ ጸኒሑን ኣሎን። ካብ ሕጂ ንዳሓር ግን፡ የግዲ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ልባና እታ ኤርትራዊት ቆልዓ” ኣይጋደፎን ይኸውን’ሞ፡ ከምታ እታ ለባም ቆልዓ ነቶም ሰብኡት ሽጣራኹም ድለዩ ዝበለቶም፡ ንኢሳያስን ንስርዓቱን ካኣ ሽጣራታትኩም ዳኣ ኣናድዩ ይብለም ይኸውን። እንተዘይኮነ፡ ከምዚ “ሓደ ጊዜ ከተታልለኒ እንተፈተንካ፡ ሕፍረት ናዓኻ ኢዩ፡ ንኻላኣይ ጊዜ ከተታልለኒ እንተፈቲንካ ግን፡ ሕፍረት ናዓይ ኢዩ ዝኸውን”(If you try to deceive me once, shame on you; if twice, shame on me) ዝባሃል ናይ እንግሊዘኛ ኣባሃህላ ኢዩ ኽኸውን። እዚ ማለት ካኣ፡ እቲ ጸገም ኣብ ኢሳያስን ስርዓቱን ዘይኮነስ፡ ኣባና ኣብ’ቶም ህዝቢ ኢዩ ዘሎ ማለት ኢዩ። እቱይ ምታይሲ፡ ንካላኣይ ሳልሳይ ጊዜ ከታሉሉና ንፈቕደሎም ስለዘለና። እቲ ኣብ ሓዱሽ ጥርሙዝ ገይሮም ማዓር ኢዩ ኢሎም ዝህቡና ዘለዉ፡ መርዚ ምዃኑ ክንግዘቦ ይግባእ። ቅድሚ ዝኣገረ፡ እቶም ናይ መታለሊ ሜላታት እኮ ሓደስቲ ኣይኮኑን። ንኣብነት፡ ኢሳያስ ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተጣባቓይን ተኸላኻላይን ገይሩ ንነብሱ ክቖጽራ ጸኒሑ ኢዩ። ኤርትራ፡ ዘይበሊ ጽልኢ ዘለዎም ዓበይትን ሓያላትን ጸላእቲ ከምዘለዉዋ’ሞ፡ ብጀክኡ ዝካላኸላ ሓይሊ ከዘይለን ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ንዕዑ ደጊፉ ከምክት ከምዘለዎን ዝግብር ሜላ ክጥቀም ሰኒሑን ኣሎን። እዚ ካኣ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ኣምስልካ ብምቕራብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ተታሒዙ ብቀጻሊ ንኢሳያስን ንስርዓቱን ከምዝድግፎም ንምግባር ዝተጻወድ መጻወድያ ኢዩ። ነዚ ንምግባር፡ ኤርትራ ጋና ካብ ናይ ሳላሳ ዓመታት ሓርነታዊ ውግኣት በሰላታት ከይሓወየት ከላ፡ ናይ ዶብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ብመደብ ተወሊዑ። ምስ እዚ ጉዳይ እዚ ብዝተኣሳሰር፡ ህዝቢ ኤርትራ ከስተባህለሎም ዘለዎም ሓቅታት ኣለዉ፦

• ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኣህጉራዊ ዝምድናታት (International Relations) ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ፡ ብውልቀ-ሰባት ተታሒዙ፡ ማለት ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቂን መለስ ዜናውን ጥራሕ ተደሪቱ ተሪፉ፡ ምንም ትካላውን ሕጋውን ሰረታት ኣይነበሮን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ፍጹም ግልጽነት ዝጎደሎ ኢዩ’ውን ነይሩ። ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ንህዝቢ እርትራ ዘይሓወሱን ዘግለሉን፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ በይኑን (እቶም ናቱ ኣገልገልቲ ዝኾኑ ሰበስላጣን ኤርትራ’ውን ዘይሓወሰ)፡ ናይ ኢትዮጵያ መራሒ፡ ዶር. ኣብዪ ኣሕመድን፡ ሕቡኣት ስምምዓትን ውዕላትን ይግበሩ ኣለዉ። እቲ ምስ ኢሳያስን መለስን ጥራሕ ተደሪቱ ዝነበረ ዝምድና፡ ናብ ናይ ዶብ ውግእን ናብዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ ማሕበረ-ቁጠባዊ ድቀትን ልምሰትን ኣብጺሑና፤ እዚ ናይ ሕጂ፡ ናይ ኢሳያስን ናይ ዶር. ኣብዪን ዝምድና ካኣ፡ ናበይ ገጹ ከምዝወስደና ድሮ ከንዕዘቦ ጀሚርና ዘለና ጉዳይ ኢዩ። ልዕላውነት ኤርትራ ድሮ ኣብ ዕዳጋ ዘውረደ ስለዝኮነ።

• ናይ ዶብ ውግእ፡ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምቕርራባት ኣብ ዝተወዳኣሉ ጊዜ ኢዩ ተወሊዑ። እዚ ካኣ ብመደብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ትካላት ሃኒጹ ብሕግን ስርዓትን ንኸይማሓደር ዝተገበረ ሽርሒ ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ’ውን ኢዩ ክሳብ ሕጂ፡ 20 ዓመታት ሓሊፉ፡ ኤርትራ ብዘይ ቅዋም ብሓደ ዝጠፈሸ ናይ ሓደ ሰብ ዲክታተራዊ ስርዓት ትምራሕ ዘላ። ኢሳያስ፡ ብምስምስ ሃገራዊ ድሕነት፡ ነቶም ስርዓትን ሕግን ንግበር እንዳበሉ ክቃዎምኒ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎም ኤርትራውያን መራሕቲ፡ ሓደ ብሓደ ከሕቕቖም ጸኒሑን ኣሎን (ስእሊ ተመልከት)። ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ ኣለዉ ኢሉ ክሓትት ይግበኦ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ንሳቶም ዘልዓልዎ ሕቶ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስን፡ ምንጋስ ግዝኣተ-ሕጊን፡ ብዕቱብ ክቃለሰሉ’ውን ኣለዎ።

• ኢሳያስ፡ ናይ ሰላም ጠለባት ተሓሲሙ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ናይ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ሂወት ዝቐዘፈ ውግእ ሸሚምዎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ክብሪ ኤርትራ ምስተሃረመ (ዳርጋ ሓደ-ሲሶ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተፈናቒሉ፣ ኣብ 25 ኪ.ሜ. ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ከምዝሰፍር ዘግበረ)፡ ንውዕል ሰላም ኣልጀርስ’ውን ተቐቢሉ።

• ዶብ ከይተሓንጸጸ እንዳተባህለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ተታሒዙ፡ መንእሰይ ኤርትራ ንመወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕዝክርና ተዳሪጉ፡ ኣይ ካብ ትምህርቲ፣ ኣይ ካብ ስራሕ፣ ኣይ ካብ ናብራ ምግባር ታሓሪሙ ኣብ ድፋዓት ከምዝበሊ ተገይሩ። ኤርትራ ትባላዕ ሲኦል ምስኾነቶ ካኣ ዓዱ ገድፉ ናብ ስደት ሃጽ ኢሉ ምጥፋእ ጥራሕ ኮይኑ ዕጭኡ። ከምሳዕቤኑ፡ ሕጂ፡ ኤርትራ መንእሰይ ዘይብላ ጥርሓ ተሪፋ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዓዲታት ኤርትራ ሰብ ዘይብለን ተሪፈን ተራእዩ ብዘይፈልጥ ፍጥነት ይባድማ’ውን ኣለዋ።

• ድሕሪ ኢዚ ኩሉ፡ ማለት፡ ኩሉ ዓቕማ ተጸንቂቑ፡ ኤርትራ ዳርጋ ጥርሓ ምስተረፈትን፡ ነቲ ቀንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ጀሆ መትሓዚ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ ዶብ ጉዳይ ዝምልከት መንም ዝተገበረ ነገር ኣብ ዘይብሉ ጊዜን፡ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣየገድሰናን ኢዩ እንዳተባህለ ዝግበር ዘሎ ወደኽደኽ፡ ዘርእየና ሓቂ እንተሎ፡ ካብ ንጉሁኡ’ውን እንተኾነ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ንመትሓዚ ዝተገበረ ምስምስ ጥራሕ ምንባሩ ኢዩ።

ብጊደ ሓቂ’ውን እንተኮነ፡ ሃገራዊ ድሕነት፡ ንሃገር ካብ ናይ ወጻኢ ጸላኢ ብምኽልኻል ጥራሕ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። እዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ሃገራዊ ዕማማት ዘየሳልጥ ስርዓት፡ ሃገራዊ ድሕነት ከረጋግጽ ኣይክእልን ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ፡ ዋና ምኽንያት ንሃገራዊ ልምሰትን ንጥፍሽና ሃገርን ህዝብን ኢዩ’ውን ዝኸውን፦

• ሃገር ብቁጠባ ምምዕባልን ምሕያልን፣
• ኣብ ሃገር ፍትሒ ምንጋስን ብብቕዓት ምምሕዳሩን፣
• ማሕበራዊ ስጥመትን ሃገራዊ ሓድነትን ምሕላው፣
• ሰላማውን ዲሞክራስያውን ስግግር ስልጣን ከምዝህሉ ምርግጋጽን ምውሓስን፣
• ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ማእከል ዝገበረ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ምክያድን ምስራዕን፣ ወ.ዘ.ተ.

እሞ፡ ነዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱን ካለኦት ሃገራዊ ዕማማትን ከማልእ ዘይክእል ስርዓት ከመይ ገይሩ ንሃገራዊ ድሕነት ከዑቑብን ክከላኸልን ይኽእል? ስለዝኾነ፡ እቲ ንሃገራዊ ድሕነት ኣነ ጥራሕ ኢየ ዝከላኸል እንዳበለ ኢሳያስ ወግሐ-ጸብሐ ዝምድሮ፡ መማሳመስን መሕብኢ ባዓትን ጥራሕ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ’ውን ዝተለወጠ ነገር የልቦን’ሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ልባና እታ ኤርትራዊት ቆልዓ ኣይፈለኻ” ብምባል፡ ቃልሲካ ኣንጻር እቲ ቀንዲ ጸላኢካ ዝኾነ ኢሳያስን ስርዓቱን ብምሕያል፡ ፍትሒን ዲሞክራሲን ዝሰፈና ኤርትራ ከምትሃንጽ ጥርጥር ከምዘይብለይ ናዓካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ክገልጸልካ ይደሊ።

 

Share with friends: 



“ይኣክል! ልኡም ዜጋ ምዃን”፤ ዕላል ምስ ፕሮፈሰር ዓወት ተ. ወልደሚካኤል


See also Related ምስዚ ዝዛመድ:-


See also recent articles and Seminars by Dr. Gebre Gebremariam
ካልኦት ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-



Share with friends: