ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ (p6)

07/06/2018 19:21 PM

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ
ሻዱሻይ ክፋል
ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም

Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family (Part-6)

by Gebre Gebremariam (Dr.)


Life in Rural Eritrea


ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ሕቶታት፡

ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦

ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት?

ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን ካብ ማዓስን ጀሚሩ?

ሐ)ብዛዕባ ዓድኻ/ኺ (ተወሊድካ/ኪ ዝዓበኻሉ/ዝዓበኽሉ ናይ መበቖል ዓዲ ወይ ናይ ከተማ ከባቢ) እሞ ሕሰብ/ቢ፡
- ካብ 16 ክሳብ 40 ዓመት ዕድመ ከባቢ ዘለዉ መናእሰይ ደቂ ዓድኻ/ኺ ክንደይ ይኾኑ?
- ካብዚኣቶም፡ ክንደይ ዝኾኑ (ክንደይ ሚኢታዊት) ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ?
- ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ትብሎም ዘለኻ/ኺ ኸ ክንደይ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ?

ሻዱሻይ ክፋል፡

ኣብ ሓሙሻይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ መርዓት በቕላ ሰሪራ ኣብ ዓዲ እንዳ የሕማኣ ምስበጽሐት ዝግበር ኣቀባብላ መርዓት፣ ኣቀባብላ ዓርከ-መራዓውትን ወራድ-መርዓን፡ ኣብ እንዳ ወዲ ዝግበሩ ንጥፈታት መርዓን፡ ብሰፊሑ ተገልጹ ኣሎ።ካብዚ ቀጺሉ ካኣ፡ ብዛዕባ ስነስርዓት ዓርኪ-ሳልስቲ፣ ስነስርዓት ሕጽኖት/እንዳ መርዑ፣ ኣገባብ ምልሶትን ስነስርዓት እትዋትን ሰፊሕ ትንታነ ክቐርብ ኢዩ።

ኣብ ሳልስቲ ዕለተ መርዓ ብየዕሩኽ ዝግበር፡ “ዓርኪ ሳልስቲ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ስነስርዓት ኣሎ። እዚ ማለት፡ ኣብ ሳልስቲ ዕለተ መርዓ፡ የዕሩኽ “ምልክት ጋማን” ካልእ ውህብቶን (ከም ማዓር፣ ገንዘብ፣ ሰልፍ ብዕራይ ስጋ፣ ወ.ዘ.ተ.) ብማሓዝ፡ መርዓትን መርዓውን ኣሳንዮም ኢዮም ዝብል ብስራት ከብጽሑ፡ ናብ እንዳ ጓል ይኸዱ። ካብ ዓዲ እንዳ ወዲ ክወጹ ከለዉ፡ “ታኣማኒት ታኣማኒትየ እገሊት (ሽም መርዓት እንዳጸውዑ) ሓፍተይ ታኣማኒት፤ ታኣማኒት ታኣማኒትየ፡ ጓለቦይ እገሌ (ሽም ኣባኣ እንዳጸውዑ) ታኣማኒት፤ ወ.ዘ.ተ.” ኢሎም እንዳ ደረፉ ይኸዱ። ኣብቲ ዓዲ እንዳ ጓል ምስበጽሑ ካኣ፡ ሓደ ካብቶም የዕሩኽ፡ ከይተራእየ ኣብ ዳስ ወይ ኣብ ገዛ እንዳ ጓል ብምእታው፡ ነታ “ምልክት ጋማ” ይስኩዓ’ሞ፡ ከይተታሕዘ ናብቶም የዕሩኽ (መታን ሰብ ከይርእዮም ታሕቢኦም ኢዮም ዝጸንሑ) ይምለስ። እንድሕር ዳኣ ተታሒዙ ግን፡ ኣንስቲ ቢሒቕ ኣይተርፍ፣ ግለትን ሓተላን ኣይተርፍ፣ ጸሎሎ ኣይተርፍ፡ ኩላ ነብሱ ይለኽየኦ። መስሓቕ ካኣ ይከውን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መቕጻዕቲ’ውን (እንጨቲ ምፍላጽ፣ ማይ ምውራድ፣ ወ.ዘ.ተ.) ክቐጽዖዖ ይኽእላ ኢየን [ብሕልፊ እታ መርዓት ንእሽተይ እንተኾይና’ሞ፡ ንየዕሩኽ ሓደራ ኢለነኦም እንተነይረን]። ሕገን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ዝተባህሎ ክገብር ካኣ ኣለዎ። ተታሕዘ ኣይተታሕዘ፡ ናብቶም ካለኦት የዕሩኽ ይምለስ’ሞ፡ ሽዑ፡ “ታኣማኒት ታኣማኒትየ እገሊት (ሽም መርዓት እንዳጸውዑ) ሓፍተይ ታኣማኒት፤ ታኣማኒት ታኣማኒትየ፡ ጓለቦይ እገሌ (ሽም ኣባኣ እንዳጸውዑ) ታኣማኒት፤ ወ.ዘ.ተ.” ኢሎም እንዳ ደረፉ ናብ እንዳ ጓል ይኣትዉ። እንዳ ጓል ካኣ ብዕልልታ ይቕበልዎም። ጓይላ ንዝተወሰን ጊዜ ምስተጻወቱ፡ እንዳ ጓል፡ “ጓይላ ይኣኽለኩም እተዉ” ኢሎም ኣብ ዘዳለዉሎም ቦታ ኮፍ ከምዝብሉ ይገብሩ። መቸስ፡ እንዳ ጓል “መርዓትን መርዓውን ኣሳንዮም ዶ ኾን ይኾኑ” እንዳበሉ ጎቦ ልቦም ኮይኖም ክሻቐሉ ኢዮም ዝቕንዩ። ስለዝኾነ፡ ነቲ ብስራት ጋማ ብሃንቖውታ ኢዮም ክጽበይዎ ዝጸንሑ። መርዓትን መርዓውን ኣሳንዮም ኢዮም ዝብል ብስራት ምስ ረኸቡ ካኣ ሓጎሶም ሰማይ ኢዩ ዝዓርግ።

ዓርኪ-ሳልስቲ ዝተዳለዎሎም ቦታ ምስሓዙ፡ ነቲ ዘምጽእዎ ውህብቶታት ንእንዳ ጓል የረክቡ። ብድሕሪኡ፡ መግብን መስተን ይቐርበሎም’ሞ፡ ምብላዕ ምስታዮም ይቕጽሉ። በሊዖም ሰትዮም ምስ ጸገቡ፡ እንደ ገና ጓይላ ክጻወቱ ይጅምሩ። ንዝተወሰነ ጊዜ ምስተጻወቱ፡ ንዓዶም ክምለሱ ይዳለዉ። ሽዑ፡ እቶም እንዳ ጓል፡ ነቲ ዓርኪ-ሳልስቲ ሒጀሞ ዝመጹ ውህብቶታት፡ “ዕጽፊ ገይሮም” ይህብዎም’ሞ፡ ዓርኪ-ሳልስቲ ካኣ ሒጀሞ ናብ እንዳ ወዲ ይምለሱ። ኣብ ዓዲ እንዳ ወዲ ተመሊሶም ክኣትዊ ከለዉ፡ ልክዕ ከምታ ክወጹ ከለዉ ዝገበርዋ፡ “ታኣማኒት ታኣማኒትየ እገሊት (ሽም መርዓት እንዳጸውዑ) ሓፍተይ ታኣማኒት፤ ታኣማኒት ታኣማኒትየ፤ ጓለቦይ እገሌ (ሽም ኣባኣ እንዳጸውዑ) ታኣማኒት፤ ወ.ዘ.ተ.” ኢሎም እንዳ ደረፉ ኢዮም ዝኣትዉ።

ዓርኪ ሳልስቲ ምልኣኽ ዘየድልየሉ ጊዜ ግን ኣሎ። ንኣብነት፡ መርዓት ኣዝያ ንእሽተይ እንተዳኣ ኮይና፡ ሓማት (ዓደ መርዓት) ንመርዓዊ፡ ብጎረርኡ ሒዛ፡ “እዛ ጓለይ ሓደራኻ” ድፍንቲ ጋዓትኢላ ኢያ ትህቦ። መርዓዊ ካኣ፡ ከምሓደርኡ “ንመርዓቱ ከም ሰበይቱ ዘይኮነስ፡ ከም ንእሽተይ ሓፍቱ ቆጺሩ”፡ የሐጺኑ ጥራሕ ኢዩ ዝመልሳ። ንእሽተይ መርዓት ምስ ሓማታ እንዳደቀሰት (እንዳ ሓደረት) ትሕጸነሉ ጊዜ’ውን ኣሎ። ዳሕራይ፡ መርዓዊ ንእንዳ የሕምኡ “ስርቆት” ምስከደ፡ ሓማቱ፡ “ሕጅስ ጓለይ ጎብዛ ኢያ ኢላ እንድሕርዳኣ ሓሲባ”፡ ነቲ መርዓዊ “ድፍንቲ ጋዓት” (ነቲ ጠስሚ ከምዘይረአ ብላዕሊ ሸፊና) ተቕርበሉ። እቲ መልኽቲ፡ “ሓደራይ ኣልዒለልካ ኣለኹ፡ ሕጂ ድንግልናኣ (ክብረንጽህናኣ) ክትወስዶ ትክእል ኢኻ” ማለት ኢዩ። እቲ መርዓዊ ነቲ መልእክቲ እንተተረዲኢዎ፡ ነታ ጋዓት፡ ከምዘለታ ናብ ሓማቱ መሊሱ፡ ናብ “ናይ መርዓውን መርዓትን ስርሕ ምፍጽም” ይኣቱ። መርዓውን መርዓትን ስርሖም ምስወድኡ፡ መርዓት ንኣዲኣ ከይዳ ሕሽኽ ትብላ’ሞ፡ ሓማት ካኣ ነታ ጋዓት ከፊታ ንመርዓውን ንመርዓትን ተቕርበሎም። እቲ መርዓዊ፡ “ሽፉን ጋዓት” እንታይ ማለት ምዃኑ እንተዘይተረዲኢዎ፡ ነቲ መልእኽቲ ዝጠልቦ ስራሓት ከይፈጸመ ነታ ጋዓት ከፊቱ ክበልዓ ይኽእል ኢዩ። ከምኡ እንተገይሩ ካኣ ተዋሪዱ ማለት ኢዩ።

ናይ መርዓ ዕርክነት ነብሱ ዝኻኣለ ስነስርዓትን ወግዕን ኣለዎ። መጀመሪያ፡ ዕርክነት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝዘሩቕ (ዝቕጽል) ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ማለት፡ ኣቦታቶም ናይ መርዓ ዕርክነት እንተ ዳኣ ነይሩዎም፡ ደቆም (ዕድመ ብዘይገድስ) ኣብ መርዐዖም ክተዓራረኹ ይኽእሉ ኢዮም፡ ከምኡ እንዳበለ ካኣ ኣብ መንጎ እተን ቤተ-ሰባት እቲ ምትዕርራኽ ንወለዶታት ይቕጽል። ዕርክነት’ውን፡ ዓርኪ ርእሲ፣ ዓርኪ ምድርቤት፣ ወ.ዘ.ተ. እንዳተባህለ ዝፈለለ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሓላፍነትን ስራሓትን ነብሲ ወከፍ ዓይነት ዕርክነት ዝተፈላለዩ’ውን ኢዮም። ዓሱር መርዓ፡ ኣብ መበል 7ይ ማዓልቲ ዕለተ መርዓ ኢዩ ዝግበር። ኹሎም የዕሩኽ ካኣ፡ ክሳብ ዓሱር ካብ መርዓትን መርዓውን ከይተፈልዩ ብሓደ እንዳተመገቡ ኢዮም ዝቕንዩ። ኣብ ጊዜ ሕጽኖት’ውን ናብቲ እንዳ መርዑ እንዳ ተማላለሱ ንመርዓትን ንመርዓውን የዘናግዕዎም ኢዮም።

ኣብ ሳልስቲ ዕለተ መርዓ፡ እቲ ኩሉ የዕጽምቲ ናይቶም ንመርዓ ዝተሓረዱ ከብቲ ተቖራሪጹ ብቑራጽ ፊቶታት ንነዊሕ ሳዓታት ተጠጢቁ ይበስል’ሞ፡ ናይ “ወለደኛ ዓጽሚ” ተባሂሉ ወለደኛ ዓጽሚብዝፍለጥ ስነስርዓት፡ ማኣዲ ማኣዲ እንዳተሰርዐ፡ ኩሎም ኣባላት ማይቤትን ኣዝማድን ተኣኪቦም ይምገብዎ። እቲ ስነስርዓት ብጣዕሚ ኣገዳስን ክቡሩን ስለዝኾነ፡ ካልእ ህጹጽ ዝኾነ ጉዳይ እንተዘይረኺቦም፡ ኩሉም ገይሾም ዝመጹ ኣባላት ማይቤትን ኣዝማድን፡ ናይ “ወለደኛ ዓጽሚ” ከይተበልዐ ነንዓዶም ኣይምለሱን ኢዮም። ምክፋል ኣብቲ ስነስርዓት፡ ከም “መሰል” ናይ ኩሉ ኣባል እታ ተመርዑ ዘላ ማይቤት ተገይሩ ስለዝወሰድ፡ ሰብ ውራይ፡ ኩሎም ኣባላት ማይቤትን ኣዝማድን ከምዝተጸውዑን ከምዝተነግሩን ከረጋግጹ ኣለዎም። ብስራሕ ሽዑ ክመጹ ንዘይካኣሉ ኣባላት ማይቤት’ውን፡ እተን ጊደኦም ናይ “ወለደኛ የዕጽምቲ” ይቕመጣሎም ኢየን። ኣባላት ማይቤት፡ ኣብ ስራሓት ውራይ ተጸሚዶም ምስቐነዩ፡ ሽዑ ኢዮም’ውን ጊዜ ረኺቦም ኮፍ ኢሎም ወጃዕ ዝብሉ። እቲ ዕላላት ብዛዕባ ወለዶታት ምጽብጻብን (መን ምስ መን ከምዝዛመድ፣ እቲ ዝምድና ከመይን ብኸመይን ከምዝኾነ፣ ምቑጻር ወለዶ፣ ወ.ዘ.ተ.) ብዛዕባ ታሪክ እታ ማይቤት ምትራኽን ኢዩ ዝበዝሖ። እቶም ዝናኣሱ ኣባላት እታ ማይቤት ምስ ኣዝማዶም ብዕምቖት ዝፋለጥሉ ኣጋጣሚ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ወለዶታቶም ዝማሃሩ ባይታ ዝፈጥር ኣዝዩ ተፈታዊ ስነስርዓት’ውን ኢዩ። ሓድ ካብቶም ናይ ዝምድናታት መተኣሳሰሪ ኣግማድ ዝትነግሉ ማይቤታዊ ያታዊ ልምድታት/ወግዕታት ኢዩ’ውን። ኣንበብቲ፡ ናይ “ወለደኛ ዓጽሚ” በሊዕኩም ዶ ትፈልጡ? “ንሳቶም የዕጽምትና ኢዮም፡ ወይ’ውን የዕጽምቲ ኢና” ክባሃል ከ ሰሚዒኹም ዶ ትፈልጡ?


ናይ “ወለደኛ ዓጽሚ” ናይ ንግሆ ምስተበልዐ፡ ሰብ ውራይ ኣጋይሾም ከፋንዉ ይጆምሩ። ብተወሳኪ፡ እቶም ከም ሽም ዳስ፣ ተቐበልቲ ዕዱማት ኣጋይሽ፣ ኣነባበርቲ ኣጋይሽ፣ ኣሳሰይትን ኩሉም ኣብ ወራይ መርዓ ክነጥፉ ዝቐነዩ ደቂ ዓዲን (ደቂ ተብዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) ንምስሓ ናብ ዳስ ተጸዊዖም፡ ክበልዑን ክሰትዩን ይውዕሉ’ሞ፡ ንምሸቱ ወይ’ውን ንጽባሓይቲ ንግሆ ዳስ ይፈርስ። ድሕሪኡ፡ ኩሉ ናይ መርዓ ኣቑሑት (ናይ ዳስ መስርሒ ናውቲ፣ ናይ ጸብሒ ናውቲ፣ ናይ ስዋ ናውቲ፣ ናይ ኮፍ መበሊ ናውቲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ነናብ ዋንኡ ይምለስ። ኣብ ዓዲ ዋሕዲ እንተሎ፡ ጎረባብቲ ዓድታት ናይ መርዓ ኣቑሑት (ብሕልፊ ንስዋ ዝኾኑ ቦጣት/ፊስቶታት ወይ ኣጋንእ) ይላቓቓሓ’ውን ኢየን። ስለዚ፡ ናይ ጎዶቦ ዓዲ/ዓድታት ኣቑሑት እንተለዉ’ውን ኣጓብዝ ዓዲ ከምቲ ተሰኪሞም ዘምስእዎም፡ ተሰኪሞም ይመልስዎም። ብኸምዚ ኣገባብ ኩሉ ምስተዋጋገነ፡ መርዑ ካብ ቤት-ሑማ ናብ ናብቲ ኣብ እንዳ ወዲ ዝተዳለዎሎም ናይ መሐጸኒ ገዛ (ቤት-ሕጽኖት) ሓሊፎም ሕጽኖቶም ይጅምሩ። ከም ኩነታትን ከም ቁጠባዊ ዓቕምን እንዳ ወዲ፡ ጊዜ ሕጽኖት ክነውሕን ክሓጽርን ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ፡ ካብ ሓደ (1) ወርሒ ክሳብ ሰለስተ (3) ወርሒ ንውሓት ዘለዎ ኢዩ ዝኸውን። ንውሕ ዝበለ ሕጽኖት ንመርዓውን ንመርዓትን ኣገዳሲ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ወለዲ መርዓዊ’ውን ዝደልይዎ ኢዩ። ንውሓት ሕጽኖት፡ ወለዲ መርዓዊ፡ ንመርዓት ወዶም ዘለዎም ፍቕሪን ፍቶትን ከምዘርኢ/ከምዘመልክት ገርካ’ውን ይውሰድ ኢዩ። “ንሳ ዳኣ፡ ደግዲጋቶ እንድያ፡ ክንድዚ ኣዋርሕ እንዲያ ታሓጺና”፡ ወይ’ውን “ ንሳ ዳኣ፡ ክንደይ ዶ ታሓጺና ኢያ፡ ዘይ ሽዑ ዝተመልሰት” ኢሎም ሰባት ከዕልሉ ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? ስለዚ፡ እንዳ ወዲ ኩሉ ጊዜ፡ ንመርዓት ብዝግባእ ኣየሐጸንዋን ከይባሃሉ ይስኸፉ ኢዮም። እንዳ ጓል’ውን፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ንምታይ ዘይመልስኩማ ከይባሃሉ፡ በቲ ካልእ ሸንክ ካኣ፡ ወድና ጽቡቕ ገይሩ ከይታሓጸነ ቀልጢፎም መሊሶማ ከይባሃሉ፡ ይስከፉ ኢዮም። ስለዝኮነ፡ ኣብ መንጎ ኣቦ ጓልን ኣቦ ወድን፡ ኣቦ ጓል “ክንመልሳ ሃቡና” ኣቦ ወዲ ካኣ “ኣይከውንን፡ ትቀኒ ዳኣ”፡ ዝብሉ ናይ “ኣይፋልካን” ዝርርብ ብዙሕ ጊዜ ይግበሩ ኢዮም።

መርዑ ምሓጻን፡ ንእንዳ ወዲ ብዙሕ ወጻኢታት ኢዩ ዝሓቶም። መግቢ መርዑ ኩሉ ጊዜ ስጋ (ጸብሒ ስጋ) ክኸውን ኣለዎ። ኣብ እንዳ መርዑ (ቤት-ሕጽኖት) ካኣ ኩሉ መርዑ ምሓጻንጊዜ ስዋ ክህሉ ኣለዎ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ፡ “ዓሱር መርዓ” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣብ መበል ሻዋዓይ ማዓልቲ ዕለተ መርዓ ዝገበር ስነስርዓት’ውን ኣሎ። ክሳብ ዓሱር፡ የዕሩኽ ካብ መርዑ ኣይፍለዩን እዮም። መጀመሪያ፡ መርዑ ቅድሚ ካብ ቤት-ሑማ ናብ ቤት-ሕጽኖት ምሕላፎም፡ ነታ መርዓት “ክትራ” (ሽንቲ ቤት/ሽቓቕ) ምስታ ቤት-ሕጽኖት ብደገ ኣላጊቦም ይሰርሑላ። ዓይኒ-ምድሪ ኣዕሚቖም ይኹዕቱ’ሞ፡ ባላታት ብኽቢ (ኣግፍሕ ኣብሎም) ተኪሎም ብቕጽሊ ጽቡቕ ገይሮም ይመስግዎ። ብደገ ኮይንካ ከምዘየርኢ ገርካ ክስራሕ ስለዘለዎ፡ እቲ መስጊ ክእለት ዝሓትት ኢዩ። መርዓት ንደገ ስለዘይትወጽእ፡ ኣብ ክትራ ኢያ ትሸይንን ደገ (ቀልቀል)ትወጽእን። መርዓት እንድሕርዳኣ፡ ንኣብነት፡ ክትሸይን ደልያ፡ ንዓርካ ኣብ እዝኑ ሕሹክ ትብሎ’ሞ፡ እቲ ዓርኪ ካኣ ነቶም ኩሎም ኣብቲ ቤት-ሕጽኖት ዝጻወቱ ዘለዉ ጎርዞ ጒላ፡ ውጹ ኢሉ የውጸኦም። ጽምው ምስበለላ፡ ናብ ክትራ ከይዳ ሸይና ካኣ ትምለስ። እቶም ጎርዞ ጕላ ካኣ ናይ ቤት-ሕጽኖት ተመሊሶም ጸወተኦም ይቕጽሉ። ብተወሳኪ፡ ኩሉ ንመርዑ ዘድሊ ንጥፈታት (መግቢ ዓርከ-መራዓውቲ ምቕራብ፣ ንመርዑ የእዳው ምህጻብ፣ ንመርዓትን ንመርዓውን ምዝንጋዕ፣ ስነስርዓት ቤት-ሕጽኖት ከምዝኽበር ምግባር፣ ወ.ዘ.ተ.) የዕሩኽ ኢዮም ዝገብርዎ። ክሳብ ዕለተ ዓሱር፡ ኩሎም የዕሩኽ ኣብኡ ኢዮም ክምገቡ ዝቕንዩ። ኣብ ዓሱር መርዓ፡ ሓዱሽ ስዋ ተጸሚቑን ስጋ ታሓሪዱን (ምክት/ወጠጦ/በጊዕ) ክብላዕን ክስተን ኢዩ ዝዋዓል። ድሕሪ ዓሱር፡ የዕሩኽ ኩሉ ጊዜ ምስ መርዑ ናይ ግድን ክህልዉ የብለሙን። ኣብ ዘዝጣዓሞም ጊዜ መጺኦም የዘናግዕዎም ጥራሕ። ብሓፈሽኡ፡ የዕሩክ ካብ እንዳ መርዑ ኣይጠፍኡን ኢዮም። እንዳ መርዑ፡ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ስነስርዓት ኣለዎ። እንዳ ጎይታይ እምበይተይስዋ ካብ እንዳ መርዑ ኩሉ ጊዜ ኣይጠፍእን ኢዩ። ዓርኪ ካኣ ነቶም መርዑ ከዛናግዑን ከጻውቱን ዝመጹ ጎርዞ ጒላ፡ ስዋ ቀዲሑ ከሰልፍ ኣለዎ። ስነስርዓት እንዳ መርዑ ከምዝኽበር ናይ ምግባርን ምቑጽጻርን ሓላፍነት’ውን ናይ ዓርኪ ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እንዳ መርዑ፡ ከማዓልኩም/ ከመይ ኣምሲኹም/ ከመይ ሓዲርኩም/ ከመይ ኣርፊድኩም “እንዳ ጎይታይ-እምበይተይ” ኢልካ ኢዩ ዝእቶ። ዝኾነ ናብ እንዳ መርዑ ከምዚ ከይበለ ዝኣቱ ሰብ፡ ዓርኪ ክቐጽዖ ኣለዎ። “እንዳ ጎይታይ-እምበይተይ ኣይበልካን” ይባሃል፡ ብሕጊ እንዳ መርዑ ካኣ ይቕጻዕ። እቲ መቕጻዕቲ፡ ብገንዘብ ወይ ብዓይነት ክኸውን ይኽእል፡ ናብ እንዳ መርዑ ካኣ ኣታዊ ይኸውን። ዋላ ዓርኪ እንተዘይለ፡ ዝኾነ ኣብኡ ዝጸንሐ ሰብ ኢዩ ዝሕዘካ (እንዳ ጎይታይ-እምበይተይ ስለዘይበልካ ትኽሕስ ይብለካ)። ንመርዓትን መርዓውን ማሓሩኒ፡ ካላኣይ ማዓልቲ ኣይደግምን ኢየ ኢልካ ትሰግድ። ዋሓስ ትኸል ከምዘይትደግም’ውን ክትባሃል ትኽእል ኢኻ። ብዝኾነ፡ ኩሉ ዝግበር ንመስሓቕን ንመርዑ ንምዝንጋዕን ኢዩ። ኣብ እንዳ መርዑ፡ ንመዛናግዒ ተባሂሎም ዝባሃሉ ቢሂላትን ዝግበሩ ያታዊ ጸወታትን ብዙሓት ኢዮም። እንዳ መርዑ፡ ኩሉ ጊዜ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ጋሻ ኣይፍለዮን ኢዩ። ብፍላይ “እንግዶት” ተሰኪምካ ናብ እንዳ መርዑ እንተዳኣ ከይድካ፡ ናይ መርዑ ፍሉይ ጋሻ ኢኻ ትኸውን።

“እንግዶት” ሓንቲ ካብተን ኣብ ጊዜ ሕጽኖት ዝዝውተራ ጠቐምትን ፍትዋትን ልምድታት ኢያ። ቤተ-ሰብ፣ ኣዝማድን የዕሩኽን ንመርዑ “እንግዶት” የአንግድዎም ኢዮም። እዚ ማለት፡ ነብሲ-ወከፍ ተአንግድ ቤተ-ሰብ (ስድራ)፡ ማዓልታ ፈልያ፡ ብፉሉይ ዝተሰርሐት ደርሆ ምስ ዓሰርተ ክልተ (12) እንቛቖሖታታን ኣገልግል ዝመልአ እንጀራንእንግዶትተሰኪማ ናብ ቤት-ሕጹኖት ብምብጻሕ፡ ንመርዑ እንግዶታ ተአንግድ። ኣብ ጎዶቦታትን ኣብ ርሑቕ ዓድታትን ዝነብሩ ቤተ-ሰብን ኣዝማድን ከይተረፉ ኢዮም ንመርዑ እንግዶት ዘአንግዱ። ካብ ርሑቕ ዝተሰርሐ ጸብሒ ደርሆ ተሰኪሞም ክመጹ ስለዘይክእሉ ካኣ፡ ደርሆ ወይ ደርሁ ምስ ንመስሪሒኣን ዝኸውን ናይ ጸብሒ መስሪሒ ጥረ ነገራት (ጠስሚ፣ ዝተቓመመ በርበረ፣ ወ.ዘ.ተ.)፣ እንቛቖሖታትን እንጀራ ብኣልግልን ተሰኪሞም ኢዮም ዝመጹ። ኩሎም እቶም ዝዓረኹ የዕሩኽ’ውን፡ ነዴታቶም (ነንቤተ-ሰቦም) እንግዶት ኣዳልዉልና ኢሎም (መማዓልቶም ፈልዮም ማለት ኢዩ)፡ ንመርዑ እንግዶት የአንግዱ ኢዮም። ኣንበብቲ ከ፡ ኣዴታትኩም እንግዶት ንእንዳ መርዑ ኣብጽሑልና ኢለን ሊኢኸናኹም ዶ ይፈልጣ? እንግዶት ሒዝኹም ንእንዳ መርዑ ምስኸድኹም ከ ከመይ ዓይነት ኣቀባብላ ተገይርልኩም? እስከ ዘኩሩ። ብወገነይ፡ ፍሉይ ተዘክሮታት ኣለኒ። እቲ ክስተባሃለሉ ዘለዎ ቑም ነገር ግን፡ “እንግዶት” መግለጺ ፍቕርን ክብረትን ንመርዑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ምቅላል “ጽዕነት ሕጹኖት” ንቤተ-ሰብ መርዓዊ’ውን ተራ ክህልዎ ዝኽእል ምዃኑ ኢዩ።

መቸስ፡ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ምስተጻገብካ መርዓ፡ ቀደም መርዓትን መርዓውን ኣብ መርዐዖም ማዓልቲ ኢዮም ንመጀመሪያ ጊዜ ብኣካል ዝራኸቡን፡ ምናልባት’ውን ዓይኒ ንዓይኒ ዝረኣኣዩን ዝነበሩ። ስለዝኾነ፡ ፍቕሪ መርዑ፡ ኣብ ቤት-ሕጹኖት ኢዩ ተወሊዱ ዝዓብን ዝጉብዝን። ሓደስቲ መርዑ ብፍቕሪ “ሕቒቕ” ክብሉ ምርኣይ ኢዩ ካኣ ነቲ እንዳ መርዑ፡ ሂወት ዝህቦ። ሕቒቕ“እገሌ ዳኣ ሕቒቕ ኢሉ እንድዩ” ክባሃል ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? መርዓት ሕጹኖት ካብ ገዛ ኣይትወጽእን ኢያ። ሓደ ሓደ ጊዜ ግን፡ ምሸት ምስኮነ፡ ናዓዕልታ ሒዘናኣ ደገ ከይደን ይሸና ኢየን። መርዓዊ ግን፡ እንድሕርዳኣ ደገ ክናፈስ ደሉዩ፡ ምስ የዕሩኽቱ ይወጽእ ኢዩ። የዕሩኽቱ’ውን፡ ደገ ከነናፍሰካ ኢሎም ይወስድዎ ኢዮ። ዕጥይጥይ እንድሕርዳ ኢሉ፡ “ሕቒቕ ግዲ ኢልካ ኢኻ” (ካብ መርዓተይ ዋላ ንደቂቕ ኣይፍለን ዲኻ ትብል ዘለኻ) ኢሎም ይቕልድሉ። ብሓፈሽኡ ግን፡ መርዑ፡ ካብ ቤት-ሕጽኖት ስለዘይወጹ፡ የዕሩኽን ጎርዞ ጒላን ኣብ እንዳ መርዑ እንዳመጹ ኢዮም ዘዛናግዕዎም። ንመዛናግዒ ዝኾኑ ብዙሓት ጸወታታት ኣለዉ። ሽታ/ሸደድ፣ ገበጣ፣ ኣዳራራስ፣ ምሕሸ፣ ጭርቃን፣ ደርፍን ሙዚቃን፣ ወ.ዘ.ተ. ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይካኣል።

ሽታ/ሸደድ፡ ኣርባዕተ (4) ካብ ዕንጨቲ ተጸሪቦም ዝተሰርሑ፡ ሰልሰተ (3) ገጻት ዘለዎም፡ ካብ እመት ቁርብ ሕጽር ዝበሉን ካብ ርጉድ ዝበለ መኾስ ቁሩብ ርጉድ ዝበሉን ኢዮም። እቲ ሓድ ገጽ ዘይተለብለበ ኮይኑ፡ እቶም ክልተ ገጻት ግን፡ ሓበጀረዋይ ሕብሪ ከምዝህልዎም ተግይሩ ብሓዊ ዝተለብለቡ ኢዮም። ብሽታ/ብሸደድ ዝገበሩ ብዙሓት ዓይነት ጸወታታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ክልተ ወይ ካብ ክለተ ሰብ ንላዕሊ ከይንካ፡ በብተራ፡ ነቶም 4 ሽታ/ሸደድ ኣብ ማእሲ ሻሕ ተብሎም’ሞ፡ “በቲ ንላዕሊ ገጹ ዝረአ ሕብሮም መሰረት፡ ኩሎም እቲ ልብላብ ሕብሪ እንተኮይኖም “ሽመት” ይባሃል፤ እንተዳኣ ኩሎም ኢቲ ዘይተለብለበ ሕብሪ ኮይኖም “ቆርበት” ይባሃል፤ ፍርቂ ፍርቂ እንተኾይኖም “ኣድጊ” ይባሃል፤ ሓደ ልብላብ እቶም ስለስተ ካኣ ዘይተለብለቡ እንተኾይኖም “ጓል” ይባሃል፤ ሓደ ዘይተለብለበ እቶም ሰልሰተ ካኣ ልብላብ እንተኾይኖም ካኣ “ወዲ” ይባሃል። እቲ ጸወታ፡ መን ከንደይ “ሽመት፣ ቆርበት፣ ኣዋልድ፣ ወይ ኣወዳት” ረከበ ኢዩ። ተራኻ ኮይኑ ሻሕ ምሳበካዮም፡ ኣድጊ እንተኾይኑ፡ ናብቲ ኣብ የማንካ ዘሎ ተጻዋታይ ተሕልፎም። እንዳሕርዳኣ ካልእ ኮይኑ ግን ክሳብ ኣድጊ ተውጽእ ትደጋግም፡ ዘዘውጻኻዮ ዓይነት ካኣ ትምዝግብ። ካልእ ብሽታ/ብሸደድ ዝግበር ጸወታ፡ በቶም ሽታ/ሸደድ ገርካ ሓደ ዝተማሰቓቐለ ቅርጺ ትሰርሕ’ሞ፡ ነታ ቅርጺ ነቲ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ሓዛ ኢልካ ተሕልፈሉ፡ ንሱ ካኣ ከየውደቃ ነቲ ጥቕኡ ዘሎ የሕልፈሉ። እታ ቅርጺ ተጠንቂቕካ እንተዘይሒዝካያ፡ ፋሕ ኢያ ትብል። ነቲ ፋሕ ዘበላ ሰብ ካኣ፡ በተን ሽታ/ሸደድ ገርካ ኢዱ ትቕርቅሮ’ሞ፡ “ሰበይቲኻ መን ትባሃል?” ወይ ጓል እንተኾይና እታ ዘውደቐታ ካኣ፡ “ሰብኣይኪ መን ይባሃል?” ኢልካ ተዋጥሮም። እንተዘይነጊሮም ካኣ ሽታ-ሸደድክሳብ ዝላፋለፉ ነታ ምቕርቃር ተትርራ። ኣብ ባህልና፡ ንመጻምድካ ብሽሙ ወይ ብሽማ ምጽዋዕ ከም ነውሪ ስለዝቑጸር፡ “ባዓል በይተይ እገሌ ኢዩ፡ ወ’ውን ባዓልቲ በተይ እገሊት ኢያ” ምባል መስሓቕ ኢዩ። ዋላ ሽም ምስ ጸወዐ ወይ ምስ ሰወዐት እውን፡ ዘዝበልካዮ ንኽደግሙ ኢኻ ትገብር (ደድህሪ እገሊት ዶ ሰልሰል ይብልካ? ሽንታ ዶ የስትካ? ወ.ዘ.ተ. እንዳ በልካ “እወ እወ እወ” ክሳብ ዝብል ኢካ ትቕርቕሮ)። ኢቲ ኩል ዝሰምዕ ዘሎ ካኣ “ትዋሕ” እንዳበለ ይስሕቅ። እቲ ቀንዲ ዘስሕቅ፡ እቲ ተቕርቂሩ ዘሎ ሰብ ሕጹይ እንተኾይኑ ወይ’ውን ምርዑው እንተኾይኑ ኢዩ። ንኣብነት፡ እታ ዘውደቐት እሞ ተቕርቂራ ዘላ እታ መርዓት እንተኾይና፡ ብዙሕ መስሓቓት ኣለዉ። ካለኦት ብሽታ/ብሸደድ ዝጽወቱ ናይ እንዳ መርዑ ጸወታታት’ውን ኣለዉ።

ገበጠ ካብ ዕንጨቲ ተጸሪቡ ብዝተሰርሐ ጽፍሕ ዝበለ ጣውላ (ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ፡ ካብ ሓደ ወይ’ውን ካብ ክልተ ዕንጨቲ ዝተጸርበ ክኸውን ይኽእል ኢዩ)፡ በቲ ገበጣሓደ ገጹ 18 ዓይንታት (ተንዲሉ ዝተፋሕረ ከበብቲ ጎዳጊዲ) ዘለዎ ከይኑ፡ ኣብተን ጎዳጉዲ ሰለስተ ሰለስተ ጭንጫታት (ጠቕላለ 54 ጭንጫታት) ገርካ ብኽልተ ሰብ (ተጻዋታይ ሀ፡ ተጻዋታይ ለ)ዝጽወት ጸወታ ኢዩ። ነብሲ-ወከፍ ተጻዋታይ ተትሻዓት (ከምዚ ብቀስቲ ተመልኪቱ ዘሎ፡ካብ 1-9) ጎዳጉዲ ይውንን። ኣባልላዕ፣ ኣዋጋጋእ፣ ዃሕ ማዕጾ፣ ወ.ዘ.ተ. ዝባሃሉ ጸወታታት ኣለዉ። ኣንበብቲ፡ ገበጣ ተጻዊትኩም ዶ ትፈልጡ? ነቶም ተጻዊትኩም ትፈልጡ፡ ገበጣ ከመይ ከምዝጽወት መግለጺ ኣየድልየኩምን ኢዩ። ነቶም ዘይትፈልጥዎ ግን፡ ብግብራዊ ኣስተምህሮ ዝተሰነየ መግለጺ ስለዘየድልየኩም፡ ንሕጂ፡ ገበጣ ዝባሃል ኣብ እንዳ መርዑ ዝጽወት ያታዊ ተፈታዊ ጸወታ ከምዘሎ ጥራሕ ጠቒስ ክሓልፍ። እንተ ኣድለየ ግን፡ ካልእ ጊዜ ክምለሶ ኢየ።

ካልእ፡ ንኹሎም ንእንዳ መርዑ ክጻወቱ ዝመጹ ሰባት (ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን) ብሓባር ዘሳትፍ፡ “ኣዳራራስ” ዝባሃል ጸወታ ኣሎ። ኣደራራስ ማለት፡ ዓይንካ ተሸፊንካ ሕቖካ ንላዕሊ ሂብካ ኣብታ ናይ መርዑ ንእዲ ኣፍልብኻ ተውድቕ’ሞ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሕቖካ ይሃርመካ (ጠፍ የብለካ)። ብድድ ኢልካ፡ መን ከምዝሃረምካ ክትፈልጦ ኣለካ። ንኹሎም ትጥምቶም፡ ገምትካ መን ምዃኑ ትነግር። እንተፈልጥካዮ፡ ንሱ ብታርኡ ይደርስ። እንተዘይፈሊጥካዮ ግን፡ ንካላኣይ ጊዜ ትደርስ። ከምታ ናይ መጀመሪያ ይሃርምኻ፡ ኣዳራራስብድድ ኢልካ ካኣ መን ከምዝኾነ ትነግር። ኣብ ካላኣይ እንተዘይፈለጥካዮ ካኣ ንሳልሳይ ጊዜ ትደርስ። ከምኡ እንዳበለ ክሳብ ዝሃረመካ ትፈልጦ፡ ደጋጊምካ ትደርስ። ሰባት ከምዘይፍለጡ ገይሮም ስለዝሃርሙኻ፡ ዝሃረመካ ምፍላጥ ጥበብ ይሓትት ኢዩ። ነቲ ጸወታ ንምጅማር፡ መጀመርያ መርዓት ኢያ ትደርስ። መርዓት፡ ድረሲ ድረሲ ድረሲ ተባሂላ ምስደረስት ሓደ ካብቶም የዕሩኽታ ተቐዳዲሙ ከምትፈልጦ ገይሩ ጠፍ የብላ፡ ንሳ ካኣ ብድድ ኢላ “ንስኹም” ትብሎ’ሞ፡ ብታርኡ ይደርስ። መርዓት ዝሃረማ ምፍላጥ ሲኢና ደጋጊማ መታን ከይትደርስ ኢዩ ከምኡ ዝገብር (ይሓልፈላ ኣሎ ማለት ኢዩ)። ኣደራራስ፡ ንኣወዳትን ንኣዋልድን ዝሓዋውስ (እንኮላይ ኣካላዊ) ናይ ጎርዞ ጒላ ጸወታ ኮይኑ፡ ብዙሕ ወካዕካዕ፣ ሳሓቕን ቀልድን ዝበዝሖ ኣዝዩ ምጩው ጸወታ ኢዩ። ሓደ ሰብ ምስደረሰ፡ ዝኾነ ሰብ ዝባኑ ክሃርሞ (ጠፍ ከብሎ) መሰሉ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ እቲ ዝሃርም ዘሎ ሰብ፡ ከሕምም ኢሉ ክሃርም ኣይግበኦን ኢዩ። እቲ ደሪሱ ዘሎ ሰብ’ውን፡ እገሌ/እገሊት ሃሪሙኒ/ሃሪማትኒ ኢሉ ክኹሪ ወይ’ውን ክባኣስ ኣይግባእን ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ኣደራራስ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቂ ዓዲ፡ ናይ ጎርዞ ጒላ ዕላላት ናጻ ኮይኖም ዘዕልሉሉን ዝጻወትሉን ኣጋጣሚታት ዝፈጥር ያታዊ ጸወታ ኢዩ።

ጨፈራ ዝባሃል ጸወታ’ውን፡ ሓደ ካቶም ኣብ እንዳ መርዑ ዝዝውተሩ ያታውያን ጸወታታት ኢዩ። ጨፈራ፡ ካብ ኣወናዛዝፋ ነጸላኻ ጀሚሩ፡ ክሳብ ኣገባብ ኣጀማምራን ኣወዳዳኣን ጨፈራ፡ ናይ ባዕሉ ስነስርዓት ኣለዎ። ዝኾነ ክጭፍር ዝደለየ ሰብ (ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ) ነጸልኡ (እንተዘይብሉ’ውን ካብ ዘለዎም ወይ ካብ ዘለወን ወሲዱ) ናይ ጨፋራይ ገይሩ ምስ ታዓጠቐን ምስ ተወንዘፈን፡ ዓው ኢሉ “ምሒሸ ምሒሸ ምሒሸ” ይብል’ሞ፡ እቶም ሰማዕቲ ካኣ ዓው ኢሎም “ውሰዶ ውሰዶ ውሰዶ” ይብልዎ። ሽዑ፡ ጨፈርኡ ይጅምር። ብዙሓት ዓይነት ጨፈራታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ “ኣብየት ኣብየት እወ፡ ኣብየት ኣብየት እወ ---፣ ለሚን ለሚነየ፡ ለሚን ለሚነየ እንዳበልክኒ ዊንየ---፣ ሩባ ስዮማየ ስዮማይ፡ ሩባ ስዮማይ፡ ሓወይ ስዮማይ ---፣ ወ.ዘ.ተ.” ክንጠቕስ ንክእል። ጨፋራይ፡ ጨፊርኡ ምስወደአ፡ ካልእ ጨፋራይ ተንሲኡ ንኽጭፍር ክቕበሎ ኣለዎ። ኩሎም ኣብቲ እንዳ መርዑ ዝጻወቱ ዘለዉ ጎርዞ ጒላ (ኣወዳቶም ኣዋልዶም ማለት ኢዩ) በብታራ ክጭፍሩ ከምዘለዎም ሕጊ እንዳ መርዑ የገድዶም ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ጨፋራይ ጨፊርኡ ምስወደአ ብፍቓዱ (ብወለንትኡ) ተንሲኡ ዝቕበሎ ሰብ እንትዳኣ ሲኢኑ፡ ንዝኾነ (ንባህ ዝበሎ) ሰብ፡ ናዓ ተንስእ ጨፍር ኢሉ ነታ ዝጭፍረላ ዝነበረ በትሪ (በትሪ ሒዝካ ኢዩ ዝጭፈር) ይህቦ’ሞ እቲ ሰበ ካኣ፡ ጨፈራ ይኽኣል ኣይኽኣል፡ ተንሲኡ ወላ ሓንቲ ቃል ተዛሪቡ፡ ናብ ካልእ ሰብ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከሕልፋ ኣለዎ። ከምኡ እንዳበለ፡ ምሉእ ምሸትን ለይትን ክጭፈር የምስን ይሓድርን። ሓደ ሰብ’ውን ደጋጊሙ ክጭፍር ይኽእል ስለዝኾነ፡ እንዳ መርዑ ግርም መላማመዲ ጨፈራ’ውን ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ እንዳ መርዑ ብጭራ ዋጣን ብኸበሮን ወይ’ውን ብክራርን ብኸበሮን ዝተሰነየ ናይ ሳዕሳዒት ጸወታ ዝውቱር ኢዩ። ወቓዕቲ ጭራ ዋጣ፣ ክራርን ከበሮን፡ መጀመሪያ ኣብ እንዳ መርዑ ኢዮም ዝላማመዱ። ቆልዑ’ውን ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ኣብ እንዳ መርዑ ኢዮም ሳዕሳዒት ክላማመዱ ዝጅምሩ። ጥቅልል ብዝበለ ኣገላልጻ፡ እንዳ መርዑ (ቤት-ሕጹኖት) ሓንቲ ካብተን ንቖልዑን መናእሰይን ዓዲ፡ ያታታት፣ ወግዕታት፣ ልምድታትን ባህልን ዓደቦ እንዳማሃራ ከስዂሰን ዘዕብያ ያታዊ ስፍራታት ኢያ።
ይሕጸር ይናሕ፡ ሕጽኖት ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ኣገባብ ክቕጽል ይውርሕ። ዋላዃ ኣባኣ፣ የሕዋታን ኣዝማዳን በብጊዚኡ እንዳተመላለሱ ይርኢዋ እንተኾኑ፡ መርዓት ንስድራኣን ምልሶት ሕማብሻታትንዓዳን ኣዝያ ኢያ ትናፍቕ። ኣብ ሂወታ፡ ንምጀመሪያ ጊዜ’ውን ኢዩ እኮ ንኽድዚ ጊዜ ዝኣክል ካብ ስድራኣ ተፈልያ ትቕመጥ ዘላ። ስለዝኾነ፡ ኣብ መወዳእታ፡ መርዓት ናብ እንዳ ዓለባኣ ትምለስ ኢያ። እቲ መስርሕ ምምላስ መርዓት ካኣ “ምልሶት” ይባሃል። “ምልሶት”፡ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣገባባትን ስነስርዓትን ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ኣብ መንጎ ኣቦ ጓልን ኣቦ ወዲ “ናይ ኣይፋልካን” ዝርርብ ኩሉ ጊዜ ኣሎ ኢዩ። ኣብ መጨረሻ ግን፡ ማዓልቲ ምልሶት ይሰማምዑ’ሞ፡ ቆጸራ ይታሓዝ። ብኡ መሰረት ካኣ ምድላዋት ይግበር። ሓማታ (ኣደ መርዓዊ) ምልሶት መርዓትናይ “መርዓት ምልሶት ሕማብሻታት” ሰንኪታ ተዳሉ፡ መርዓት ካኣ ናይ መርዓት ምልሶት ቑኖ ተቖኒናን ታሓኒናን ተዳልያ ትጸንሕ። ሓዋ ወይ ሓው እንተዘይብላ ካኣ፡ ወዲ ሓዎባኣ በቕሊ ሒዙ ናብ እንዳ ወዲ ብምምጻእ ብቕሊ ኣስሪሩ ናብ እንዳ ዓለባኣ ይመልሳ። እቲ ናይ መርዓት ምልሶት ሕምባሻታት፡ ብድሕሪ እታ መርዓት ኣብ በቕሊ ተጻዒኑ (ሳምቦ ሳምባ ብዝዓይነቱ) ኢዩ ዝኸይድ። ኣብ እንዳ ዓለባኣ ምስበጽሐት ካኣ፡ ነቲ ሕምባሻታት ነዝማድን ንጎራባብትን ዓዲ ትዕድሎ። ተመሊሰ መጼኩም ኣለኹ፡ እንሆ ካኣ ሓማተይ መሰነይታ ዝሃባኒ ሕምባሻ ጣዓምዎ፡ ዝዓይነቱ መልእኽቲ ኢዩ ዘለዎ። ሓማታ’ውን፡ ከምኡ ምዃኑ ስለትፈልጥን ናይ ውሕልነታ ምልክትን መግለጽን ክኸውን ስለዝኽእልን፡ ነቲ ሕምባሻታት ተጠንቂቓ ኢያ ተዳልዎ። ድሕሪ ምልሶት፡ መርዓት ናይ ገዛ ስራሕ እንተዘይኮይኑ፡ በረኻ ወፊራ ኣይትዓይን ኢያ። ንመውጺኢ ሓዳራ ዝኾና በብዓይነቱ ስፈታት (መሶብ፣ ጊባቦ፣ ቅሪጫት፣ ስጉርፎኦ፣ ሰፍኢ፣ ሰተታ፣ መኸምብያ፣ መብልዒ ቁርሲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ትሰፊ’ውን ኢያ።

ጊዜ ሕጽኖታ ይናሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ ኣብ ኣዋርሕ ጥሪ ዝተመርዓወት መርዓት፡ ቅድሚ ፋሲካ (ትንሳኤ) ናብ እንዳ ዓለባኣ ክትምለስ ኣለዋ። ደንጉያ እንተተባህለት፡ ዓርቢ ስቕለት ክትምለስ ኣለዋ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ መርዓዊ ንእዳሕምኡ “እትዋት” ክኣቱ ስለዘለዎ፡ መርዑ፡ ፋሲካ/ትንሳኤ ኣብ እንዳ ጓል ኢዮም ዘሕልፍዎ። “እትዋት” ናይ ባዕሉ ሕግታትን ወግዕታትን ኣለዎ። መጀመሪያ፡ መርዓዊ ምስ ዓርኪ ርእሱ ኮይኑ፡ ምክት (ወይ’ውን፡ ከም ስምምዕ እንዳ ወድን እንዳ ጓልን) ሒዞም ምሸት ቀዳም ስዑር (ድሮ ትንሳኤ) ናብ እንዳ ጓል ይኸዱ። እንዳ ጓል ካኣ ተዳልዮም ይጸንሑ። ንመርዑ መደቀሲ ገዛ የዳልውሎም። መርዓውን ዓርኪ ርእሱን ምክቶም ሒዞም ምስኣተዉ፡ ነቲ ምኽት ኣብታ ዝተዳለወትሎም ናይ መርዑ ገዛ ይኣስርዎ። ተደሪሮም፡ እዋን ድቃስ ምስኮነ ካኣ፡ መርዓትን መርዓውን እቲ ዓርኪ ርእሲን ኣብታ መደቀሲ መርዑ ገዛ ይድቅሱ። ኩሉ መሕረዲ ምኽት ዝኾኖም ናውቲ ኣዳልዮም ኢዮም ዝድቅሱ። ለይቲ ተንሲኦም ካኣ ነቲ ምክት ክሓርድዎ ኣለዎም። መርዓት፡ መብራህቲ ትሕዘሎም፡ ንሳቶም ካኣ እቲ ምክት፡ ፈንጠርጠር ኢሉ ወይ’ውን ክሕረድ ከሎ “እምበ’እእ” ኢሉ ድምጺ ከይስመዐ ክሓርድዎ ኣለዎም። እዚ ክኾነሉ ዘለዎ ምኽንያት፡ “መርዓውን ሓማትን” መን ቀደመ ዝዓይነቱ ውድድር ስለዘለዎም፡ ሓማት ነቲ ድምጺ ጸሚዓ ከይትትንስእ’ሞ፡ ንመርዓዊ ከይትቕድሞ መታን ኢዩ። እቲ ወድድር፡ “መርዓዊ፡ ምክት ሓሪዱ፡ ጠቢሑ፡ ስጋ ቆሪጹ ኣብ ሻሓኒ ገይሩ ንሓማቱ ክህባ፤ ሓማት ካኣ፡ ጋዓት ጊዒታ ኣዳልያ፡ ንመርዑ ከተቕርበሎም”፡ መን ቀደመ ኢዩ። ዝተቐደመ ካኣ ይርታዕ። ዋላዃ ዝክፈል ዕዳ እንተዘየብሉ፡ እዚ ከም ዓብዪ ጉዳይ ኢዩ ዝውሰድ። መርዓዊ፡ ንሓማቱ (ንእንዳ የሕምኡ) ጅግንነቱን ክእለቱን (ምሕራድን ምጥባሕን ምክት ቀሊል ኣይኮነን፡ ቆርበት ምክት ለቖታ ኮይኑ ኢዩ ክጥባሕ ዘለዎ፡ ቆርበት ክትቀድድ የብልካን) ከርእዮም ይደሊ፤ ሓማት’ውን ንሰብኣይ ጓላ ውሕልነታ ከተርእዮ ኢያ ትደሊ። ኣብዚ ውድድር እዚ፡ መርዓት፡ ንኣዲኣ ዶ ወይስ ንሰብኣያ ትድግፍ? መርዓውን ዓርኪ ርእሱን፡ መታን ከይዳ ንኣዲኣ ከይተተሳኣ፡ ንመርዓት መብራህቲ (ጋዝ) ሓዝልና ኢዮም ዝብልዋ። ንሳ ካኣ፡ ኣዲኣ ከምዘይ ተንሰአት እንተፈሊጣ፡ እሞ ክትሕግዛ እንተደልያ፡ ከም ገለ ገይራ የዐሻቶም ከይዳ ንኣዲኣ ምልኽት ክትገብረላ ኢያ ትፍትን። ብዝኮነ፡ መን ቀደመ ብዘየገድስ፡ መርዑ ጋዓቶም ይበልዑ፡ ሓማት ካኣ ስጋኣ ተረኪባ ቑርሲ ናብ ምድላዋ ትኣቱ።

ንጽባሓይቱ፡ ኩሉ ማይቤት ታኣኪቡ ክብላዕ ክስተ ይዋዓል። መርዓዊ’ውን ምስ ኣባላት ማይቤት እንዳ የሕምኡ (ሓማውቱ፣ የሕምኡ፣ ዘማታቱ፣ ወ.ዘ.ተ.) ክላለ ይውዕል። እትዋት ንሰሙን ምሉእ ኢዩ ዝእቶ (መርዓዊ ምስ ዓርኪ ርእሱ ኣብ እንዳ የሕምኡ ሰሙን ኢዩ ዝገብር)። ስለዝኾነ፡ እቶም ኣባላት ማይቤት እንዳተማላለሱ ነጋይሾም የዛናግዕዎም ኢዮም። ኣብ መስርሕ ካኣ እቲ ሌላ ይዓምቑን ይተርርን። ድሕሪ ሳልስቲ፡ እቶም መናእሳይ/ኣጓብዝ ደቂ ዓዲ፡ ነዞም እትዋት ዝኣተዉ ሰብኡት ደቂ ዓዶም ምስ ዓርኪ ርእሶም፡ ማዓልቲ ማዓልቲ ካብ ገዛ እንዳ ወሰዱ ኣብ ጎልጎል ዓድን ኣብ ባይቶ ዓድን ወሲዶም የዛናግዕዎም ኢዮም። ምናልባት ኣብቲ ጥሪ እቲ ዝተመርዓዋ ደቂ ዓዶም ብዙሓት ክኾና ይኽእላ ኢየን። ስለዝኮነ፡ ካብ ሓደ ጽምዲ መርዓውን ዓርኪ ርእስን ንላዕሊ ኣብቲ ዓዲ ዝኣተዉ ክህልዉ ይክእሉ ኢዮም። ኣብ ዘዘለዉዎ ገዛ ከይዶም፡ ከነዛናጋዓኩም ኢሎም የውጽእዎም’ሞ፡ ደቂ ዓዲ ሓደ ጋንታ፡ እቶም እትዋት ዝኣተዉ ካኣ ካላኣይ ጋንታ ኮይኖም፡ “ቃርሳ፣ ሻዂ፣ ኖር፣ ተወስጥ፣ ወ.ዘ.ተ.” ይጻወቱ። ብተወሳኺ፡ ምስ መሰየ፡ ኣብ ባይቶ ዓዲ ወይ’ውን ኣብ ቀልቀል ዓዲ ተኣኪቦም “መጎተ” ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ልምዲ ይጻወቱ ኢዮም። መጀመሪያ፡ ዳኛ ኮይኑ ነታ ምሸት እቲኣ ዘገልግል ሰብ ምስመረጹ፡ እቲ ሞጎተ ይቕጽል። ንኣብነት፡ ሓደ ጎበዝ ወዲ ዓዲ፡ ንሓደ መርዓዊ ይኸሶ። እቲ ዝከስስ ዘሎ ጎበዝ፡ ብድድ ኢሉ እገሌ ዘማይ (ብሽሙ እንዳጸወዐ) ከሲሰኩም ኣለኹ ይብል’ሞ፡ ዳኛ ካኣ፡ ንተከሳሲ ትኽሰስ ስለዘለኻ ብድድ በል ይብሎ። ዳኛ፡ ከሳስን ተኸሳስን ዋሓስ ትኸሉ ኢሉ ዋሓስ ከምዝተኽሉ ምስገበረ፡ ንኸሳሲ፡ “በል ክስኻ ኣፍስስ ይብሎ”። ከሳሲ ክሱ ምስ ኣፍሰሰ፡ “ሓሶት እንተበልካ እዋሓስ፡ እማን እንተበልካ ካኣ ካሓስ ኢዩ ዝብለካ ሕጊ” ይብሎ ንተኸሳሲ። ተኸሳሲ ካኣ፡ ክሱ ምስ ሰምዐ፡ ወይ “እማን” ኢሉ ይኽሕስ ይብል፡ ወይ ካኣ፡ ሓሶት፡ “ኣግብእ” ኢሉ ይጫበጥ። እቲ ምጉት መስሓቅን መዘናግዕን ዝኸውን፡ “እቲ ተኸሳሲ መዋጽኦ ክስእን ከሎ ኢዩ (እማን እንተበለ ወዮ ሓሶት እንተበለ’ውን ወዮ ክኸውን ከሎ)”። ንኣብነት፡ ሓደ መርዓዊ፡ “ጓል ሂብናኩም፡ ብጓላ መልስኩምልና፡ ዘማይ ናይ ሰብኣይ የብልኩሙን፡ “እማን” እንተበልኩም ንመርዓትን ንዓድን ካሓሱ፡ “ሓሶት” እንተበልኩም ካኣ ኣርእዩ (ናይ ሰባኣይ እንተዳኣ ኣለኩም፡ ኣርእዩ)” ተባሂሉ እንተተኸሰ እንታይ ይገብር? እማን እንተበለ፡ “እወ ናይ ሰብኣይ የብለይን” ኢሉ ከምምእማን ኢዩ፡ “ሓሶት” እንተበለ ካኣ፡ ስሪኡ ፈቲሑ ከርኢ ኣለዎ ማለት ኢዩ። መቸስ፡ ኩሉ ንመስሓቕን ንመዛናግዕን ተባሂሉ ዝግበር እዃ እንተኾነ፡ ማዕረ ክንደይ ጥበበኛን ቀልጢፍካ ትሓስብን ምዃንካ’ውን ዝፍትን ፈትነ ኢዩ። መዋጽኦ ምስሳኣኑ፡ ገሊኦም ስሪኦም ፈቲሖም ከርእዩ፡ ቁልፎም ሃሰስ ክብሉ ምስጀመሩ፡ እቲ ታኣኪቡ ዘሎ ጎርዞ ጕል፡ ብሳሓቕ ትዋሕ ክብል ከሎ ኢዩ ኢቲ መቐረት ናይቲ መጎተ። ኣብዛ ደረጃ ኢዚኣ ምስበጽሐ፡ እቲ ከሳሲ ንተኸሳሲ፡ “ዘማይ ሚሒረኩም ኣለኹ ቁልፍኹም ኣይትፍትሑ” ይብሎ’ሞ፡ ዳኛ ካኣ ንኸሳስን ተኸሳስን ኮፍ በሉ ይብሎም። ኣንበብቲ ከ፡ ከምዚ ዓይነት ክሲ እንተዝቐርበልኩ፡ እንታይ ኢልኩም ንመጎትኩም? ብዝኾነ፡ ብከምዚ ኣገባብ፡ እቶም ኣጓብዝ ዓዲ፡ ንኹሎም ነቶም እትዋት ዝኣተዉ መራዓውቲ፡ ሓደ ብሓደ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክስታት እንዳ ኸሰሱ፡ እቲ መጎተታት ክቕጽል የምሲ። ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት ክሳብ መራዓውቲ ንዓዶም ዝምለሱ ይቕጽሉ። እዚ ካኣ፡ ደቂ ዓድን እትዋት ዝኣተዉ መራዓውትን ዝያድ ንኽላለዩን ንኽፋለጡን ይሕግዞም። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቶም ንጥፈታት’ውን ንሱ ኢዩ። ዘማታት፡ ልክዕ ከም ደቂ ዓዲ እዮም ዝቑጸሩ። መራዓውቲ ካኣ ድሕሪ ናይ ሰሙን እትዋት፡ ነናብ ዓዶም ይምለሱ።

ድሕሪ እዚ፡ መርዓት ካብ እንዳ ዓለባኣ ናብ እንዳ የሕማኣ እንዳ ተማላለሰት ንሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ኢያ መርዓት ኮይና ተሕልፎ። መርዓዊ’ውን፡ መርዓቱ ምስ እንዳ ዓለባኣ ኣብ ትህልወሉ ጊዜ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ከይዱ ምስኣ ይሓድር ኢዩ። እዚ “ስርቖት” ይባሃል። ሰብ ከይራኣዮ፡ ብምሸት ኣጸልሚቱ ኢዩ ናይ እንዳ የሕምኡ ዝኣቱ። ሓማቱ ካኣ፡ ስርቖትሰብኣይ ጓለይ መጺኡ ኢላ፡ ዋላ ለይቲ ይኩን ደርሆ ኢያ ትሓርደሉ። መሬት መስያ፡ ብሰላም የሕድረኒ ኢሉ ሰፈሩ ዝሓዘ ደርሆ፡ ዘይትሓስበ ሃንደበት ሓማት ጉብ ምስበለቶ፡ ቃቃቕ ይብል’ሞ፡ እዚ ዝሰምዐ ጎረቤት፡ “እገሌ ስርቖት መጺኡ ኣሎ ማለት ኢዩ” ኢሉ ዝሓሚ እንተዘይኮይኑ፡ መርዓውስ፡ ሰብ ከይራኣዮ ብለይቲ ኣትዩ ብለይቲ ኢዩ ዝወጽእ። ቀደም፡ ኣዋልድ በኣናሽቱአን ይምርዓዋ ስለዝነበራ፡ ድሕሪ መርዐዐን ከይወለዳ ዓመታት ይጽንሓ ኢየን ነይረን። ኣብ ምውላድ ምስበጽሓ ካኣ፡ በኹረን ምስ ኣዴታተን ኮይነን (ኣብ እንዳ ዓለቦአን) ኢየን ዝሓርሳን ዝጥመቓን። መርዓት፡ ክሳብ ሰልስተ ትወልድ “ቀፊር” ኢያ ትባሃል፡ ሓዳራ ከይውጸት ምስ ሓማታ (ምስ እንዳ ዓለብኡ ንሰብኣያ) ክትጸንሕ ካኣ ትኽእል ኢያ።

መደምደምታ፡ ከምዚ ብተኸታታሊ ክሳብ ሕጂ ክግለጽ ዝጸንሐ፡ መርዓ፡ ብኹሉ ኣካላት ዓዲ (ቆልዑ፣ ኣዋልድ፣ ኣንስቲ፣ ሰብኡትን ኣጓብዝን፣ ትካላት ዓዲ፣ ንብረት ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ምውሳእ ዝዕመም ኣገዳስን ክብሩን ውራይ ዓዲ ኢዩ። እቲ ኩሉ ንውራይ መርዓ ንምኽያድ ዝግበር ንጥፈታት፡ ኣብቲ ዓዲ “ማሕበረ-ሰባዊ ስጥመት፣ ሓልዮት፣ ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ሰላም፣ ዓዳዊ መንነት፣ ወ.ዘ.ተ.” ንኽፍጠርን ዓዅኹ ንኽድልድልን ይገብር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ኣቅወዳትን ኣዋልድን ዓዲ ተምርዕዮምን ተደርዕዮምን ተካኢ መጻኢ ወለዶ ክፈርዩን ክጸግዩን ተኽእሎም “ባህርያዊ ከባቢኣ ዝተሓለወት” መበቆል ዓዲ ከምትህልዎም’ን ይገብር ኢዩ። እሞ፡ ከምዚ ካብ ኮነ፡ እስከ ኣንበብቲ ምልስ ኢልኩም ብዛዕባ እታ ተወሊድኩም ዝዓበኹምላ ዓዲ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ሕሰቡ። እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ፡ ኣሎ ዶ? ይግበር ዶ? እተን ዝቕበላ ኣዋልድ ኣለዋ ዶ? እቶም ዝዘሉን ኩሉ ንጥፈታት ዝዓሙን ኣጓብዝን መንሰያትን ኣለዉ ዶ? እቶም ወራድ መርዓ ወሪዶም ኩሉ ዝግባእ ገይሮም መርዓት ሒዞም ዝምለሱ ዓበይቲ ዓዲ ኣለዉ ዶ? እቶም ማይን ናይ መርዓ ናውቲ ዝጓርቱን (ዝላኣኹን)፡ ዋላ ብጫው ጫዎም ከይተረፈ ንመርዓ ሂወት ዝህቡን፡ ቆልዑን ኮተቴን ኣለዉ ዶ? እተን ለይትን ማዓልትን ሰሪሐን “ኣየ ውራይ” ዘብል እኽለ-ማይ መርዓ ዘዳልዋን፡ ንመርዓት ዕልል እንዳበላ ዝቕበላን ኣዴታት ኣለዋ ዶ? ሕጽር ብዝበለ፡ እቲ ንቡር ሂወት ዓዲ ዝባሃል ኣሎ ዶ? እቲ ንቡር ሂወት ዓዲ እንተዘየሎ ኸ መንነት ዓዲ ከም ዓዲ ኣሎ ክባሃል ዶ ይካኣል? መንነት ዓዲ እንተዘየሎ ኸ፡ መንነት ሃገር ኣሎ ዶ ክባሃል ይካኣል? መንነት ሃገር እንተዘየሎ ኸ፡ ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ሂወት ኣለዎም ዶ ክባሃል ይካኣል? መልስታትን ናይ መልስታት መደምደምታን ንኣንበቲ እገድፎ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክፋላት ጽሑፋት፡ ናብዚ ዛዕባ እዚ ተመሊሰ ትንታነ ክህበሉ ምዃነይ ኣቐዲመ ክሕብር ይፈቱ። ቅድሚ ናብኡ ምምላሰይ ግን፡ ኣብ ሻዋዓይ ክፋል፡ ብዛዕባ ምስ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ያታዊ ልምድታትን ወግዕታትን ዓዲ ዝተኣሳስሩ ንጥፈታት ክርኢ ክፍትን ኢየ።

ስለዝኾነ፡ ኣብ ሻዋዓይ ክፋል፡ ብዛዕባ ባይቶ ዓዲን ማሕበረ-ሰባዊ ተርኡን፣ ዓዳዊ ትካላት ምትሕግጋዝን፡ ምስ ሞትን ሓዘንን ዝተኣሳሰሩ ንጥፈታት ዓድን፡ ሰፊሕ ትንታነ ክቐርብ ኢዩ።

--------

1. እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ ማዓልታዊ ሂወት ኤርትራዊት ያትዊ ዓዲ እንታይ ከምዝመስል ሓፈሻዊ ስእሊ ንኣንበብቲ (ብፍላይ ንኤርትራውያን መንእሰያት) ንማሃብ ዝዓለም ስለዝኾነ፡ ኣብ ደቀቕቲ ንጥፈታት ዓድን፡ ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለይ ኣከባቢታት/ዓድታት ኤርትራ ዝገበሩ ፍልይ ዝበሉ ወግዕታትን ልምድታትን ምትንታን ዘይኣቱ ምዃኑ ኣንበብቲ ክግንዘቡለይ ብትሕትና ይሓትት። ብኣንጻሩ እዃ ዳኣ፡ ኣንበብቲ፡ ንማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ነብሲ-ውከፍ ዝዓበይሉ ዓዲ ወይ ኣከባቢ ዝገዝኡ ወግዕን ልምድን ብምዝኻር፡ ሕጂ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከቡ ከስተባህሉ እየ ዝጽውዕ ዘለኹ። እዚ ጽሑፍ እዚ ካኣ፡ ከም ሓፈሻዊ ማኣዝን መትሓዝን (frame of thinking) መወከስን ኮይኑ ጥራሕ ከገልግል ኢዩ ዝቐርብ ዘሎ።

ሻዋዓይ ክፋል ይቕጽል


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ:
(Part-I)  (Part-II)  (Part-III)  (Part-IV)  (Part-V)  (Part-VI) 

 

Share with friends: 



See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-
ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት ቤተሰብ፡ ኣስተምህሮ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና
Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family, Seminar at Hdri Jeganuna
(22-April-2018)- ኩሉ ክፋላት All Parts:
(Part-1)  (Part-2)  (Part-3)  (Part-4)


See also recent articles and Seminars by Dr. Gebre Gebremariam
ካልኦት ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


Share with friends: