ንምድሓን ልዕላውነት ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

13/03/2019 01:08 AM

ቅዲ “ገረብ ብሓኽላ”

ንምድሓን ልዕላውነት ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

ንምድሓን ልዕላውነት ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን

ቅዲ “ገረብ ብሓኽላ”
ንምድሓን ልዕላውነት ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን
Dr. Gebre Gebremariam

ቀዳማይ ክፋል

መቸስ፡ ወዲ ሰብ ማሕበራዊ እንስሳ ኢዩ ክባሃል ሰሚዕኹም ትኾኑ። እዚ ማለት ካኣ፡ ወዲ ሰብ ብሓባር ተጠርኒፉ ዝነብር ፍጡር ኢዩ ማለት ኢዩ። እቲ ጥራናፈ ካኣ ከከምደረጃታቱ ብዙሕ መልክዓት ዝሓዘ ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ጥራናፈ በዞም ዝስዕቡ ደረጃታት፡ ከም ኣብነት፡ ከፋፊልካ ክረአ ይካኣል፦

1. ቤተ-ሰባዊ - ስድራ-ቤት፣ ማይቤት፣ ዓዲ፣ እንዳ፣ ቀቢላ፣ ነገድ፣ ወ.ዘ.ተ.

2. ማሕበረ-ቁጠባዊ - ዕቑብ፣ ማሕበር፣ ማሕበረ-ኮም፣ ማሕበር ዓዲ፣ ማሕበር ደቂ ከባቢ፣ ቤተክርስትያን፣ መስጊድ፣ ብማሕበራዊ መድያ ብምትእስሳር ዝተጠርነፈ ማሕበር (social networking)፣ ወ.ዘ.ተ.

3. ሞያዊ - ማሕበር መማህራን፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ማሕበር መንእሰያት፣ ማሕበር ተማሃሮ፣ ማሕበር ስነ-ጥበባውያን (ደረፍትን ምዙቀኛታትን፣ ሳኣልቲ፣ ደረስቲ፣ ወ.ዘ.ተ.)፣ ማሕበር ናይ ሕጊ ኪኢላታት፣ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ወ.ዘ.ተ.

4. ፖሊቲካዊ - ውድብ፣ ሰልፊ፣ መንግሲቲ፣ ሃገር

እዞም ልዕል ኢሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ጥራናፈታት፡ ከከም ቅርጾምን ከከም ዘገልግልዎም ዓላማታትን ዝተፈላለዩ እዃ እንተኾኑ፡ መሰረታዊ ባህርያቶም ግን ሓደ ኢዩ። ንኣብነት፡ ነብሲ-ወከፍ ጥራናፈ፡ ካብ ሓደ ኣባል ንላዕሊ ዝጠርነፈ ስለዝኾነ፡ እቶም ኣባላት ዝሰማምዕሉ ናይ መጠርነፊ ሓሳባት/ምኽንያት/ዓላማ ወይ ዓላማታት ምህላው ኣገዳሲ ኢዩ። እቱይ-ምንታይሲ፡ ኣብቲ መጠርነፊ ዓላማ ወይ ምኽንያት፡ ኣባላት ሓደ ዓይነት ርእይቶ ወይ መረዳእታ እንተዘየብሎም፡ ስጡም ጥራናፈ ክፈጥሩ ስለዘይክእሉ፡ ጥራናፈኦም ዕድመ ክህልዎ ኣይክእልን ስለዝኾነ። ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ጥርናፈ፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ቅርጺ (Structure) ክህልዎ ባህሪያዊ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ቅርጺ ዘሰኒ፡ ናይ ነብሲ-ወከፍ ኣባል ቦታ፣ ተራ፣ ጉብኣትን መሰላትን ብንጹር ዝገልጽን ዘነጽርን ፡ ወግዓዊ ይኹን ዘይወግዓዊ፡ ናይ ውሽጥዊ ምምህዳር ሕጊ/ቅዋም (Constitution) ክህልዎ’’ውን ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ነብሲ-ወከፍ ጥራናፈ፡ ኣብ ቅዋሙ መሰረት ዝገበረ ናይ መሪሕነት ቅርጺ ክህልዎ ግድነት’ውን ኢዩ። እዚ ዘነጽሮ መሰረታዊ ሓቂ እንተሎ፡ ነብሲ-ወከፍ ጥራናፈ፡ መራሕትን ተመራሕትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ መሪሕነት ጥራናፈ ብኸመይ ይምረጽ/ይቖውም፣ ንኽንደይ ዓመታት የገልግል፣ ሓላፍነቱን ስልጣኑን፣ ግዴትኡን መሰላቱን ብሓደ ወገን፡ ግዴታትን መሰላትን ተመራሕትን (ተራ ኣባላትን) ካኣ በቲ ካልእ ሸነኽ ዝውስን እቲ ቅዋም ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ገለገለ ዓይነት ጥርናፈታት፡ መሪሕነትን ኣባልነትን (መን መራሒ ይኸውን መን’ውን መን ኣባል ይኸውን) ብልምዳዊ ወግዒ ዝውሰን ክኸውን’ውን ይኽእል ኢዩ። ቤተ-ሰባዊ ዝዓይነቱ ጥርናፈ ከም ኣብነት እንተወሰድና፡ ካብ ነዊሕ ዘበናት እንዳተወራረሱ ብዝመጹ ልምድታትን ወግዕታትን መሰረት፡ ናይ ነብስ-ወከፍ ኣባል ተራን ቦታን ፍሉጥ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነብሲ-ወከፍ ኣባል ቦትኡ ኣኽቢሩ፡ እቲ ቦትኡ ዝጠልቦ ቤተ-ሰባዊ ሓልፍነት ምፍጻም ከም ውሁብ ኢዩ’’ውን ዝቑጸር። ከምዚኦም ዓይነት ዝምድናታት፡ ዝናኣሱ ንዝዓበዩ ወይ’ውን ተራ ኣባላት ንሓለፍቲ ከኽብርዎም፣ ክእዘዝዎምን፣ ዝብልዎም ክሰምዑን ዝገብር፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝዝርጋሕ ናይ ተዋርድ ደረቕ ቅርጺ (Fixed Chain of Command) ኢዮም ዝፈጥሩ።

ሓደ ጥራናፈ ሂወት ኣለዎ ዝባሃል፡ ነብሲ-ወከፍ ኣባል ጥርናፈ (ሓልፊ ይኹን ተራ ኣባል) ካብኡ ዝጥለብ እንዳኣማለአ ጥዕና ጥራናፈ ተሓልዩ ማዓልታዊ ምንቅስቓሳቱ ዘካይድ እንድሕር ዳኣ ኮይኑ ኢዩ። ኩሎም ወገናት፡ ሓላፍነቶም ብግቡእ እንተዳኣ ገይሮም፡ ጸገም ከይተፈጥረ ሂወት ናይቲ ጥራናፈ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳማዕበለን እንዳዓበየን ይኸይድ። እንድሕርዳኣ ከምኡ ዘይኮነ ግን፡ ሽግር ይፍጠር’ሞ እቲ ጥራናፈ ቅሱን ኣይኮውንን። እቲ ሽግር ኣብ ጊዚኡን ብግቡእን እንተዘይታኣልዩ ካኣ፡ እቲ ጥራናፈ ተዳኺሙ ናብ ምብትታን ገጹ ይኸይድ። እዚ ካኣ፡ ኣብቲ እቲ ጥራናፈ ዝጥቀመሉ ናይ ግርጭታት ኣፈታትሓ ሜላ ኢዩ ዝምርኮስ። ንኣብነት፡ ምስጓግን ምድስካልን ኣባልነት፣ ካብ ሓላፍነት ምውራድ፣ ማሕበራዊ ተንጽሎ ምግባር፣ ምንዋር፣ ምብያን መቕጻዕቲ (ናይ ጉልበት፣ ገንዘብ፣ ማእሰርቲ፣ ብሞት)፣ ወ.ዘ.ተ. ብዓፈንትን ኣግለልትን ዝኾኑ ጥርናፈታት ኣዝዮም ዝዝውተሩ ዘይምዕቡላት ሜላታት ኢዮም። ከምዚ’ቶም ዓይነት ጥራንፈታት ካኣ፡ ኣብ መጨረሻ ተበታቲኖም ኢዮም ዝጠፍኡ። እዚ ዛዕባ እዚ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ስለዝኾነ፡ ሓደ መጽሓፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሓት መጻሕፍቲ ብምጽሓፍ’ውን ተዓሚሙ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ናይዛ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ ዓላማ፡ ምስቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብምዝማድ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ (4) ተጠቒሱ ዘሎ ጥርናፈ (ፖሊትካዊ ጥርናፈ)፡ ሓደ ሓደ ጠቐምቲ ነገራት ዝሓዘ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕልላፍ ጥራሕ ኢዩ።

ውድባት ወይ’ውን ሰልፍታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓደስቲ ኣይኮናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መብዛሕትና ኤርትራውያን’ውን፡ ወይ ሕጂ ኣባላት ውድባት/ ሰልፍታት ኢና፡ ወይ’ውን እንተዋሓደ፡ ኣብ ሂወትና ኣብ ሓደ ወቕቲ ኣባላት ነይርና ንኸውን። ተመክሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጊዜ 1940ታት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ እንተራኣና፡ ነዚ ሓቂ እዚ ኢዩ’ውን ዝምስክር። ልዕል ኢሉ ከምዝተገለጸ፡ ዝኾነ ጥራናፍ ናይ መጠርነፊ ዓላማ ክህልዎ ኣለዎ እንድና ኢልና፡ ዝኾነ ሰብ ካኣ ኣባል ናይ ሓደ ወድብ ወይ’ውን ሰልፊ ዝኸውን፡ ነቲ ዓላማ ኣሚንሉ ነኸዕውቶ ንኽቃለስ ኢሉ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ውድብ ወይ’ውን ሰልፊ ንባዕሉ ዓልማ ዘይኮነስ፡ ዓላማ ንምዕዋት ትጥቀመሉ መሳርሒ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ማለት ካኣ፡ ዕግበት ናይ ሓደ ኣባል፡ ኣብቶም እቲ ውድብ/ሰልፊ ነቲ ዝተጠርነፈሉ ዓላማ ሽትኡ ንምህራም ዝገብሮም ምንቅስቓሳት ኢዩ ዝምርኮስ። ከምዚ ካብኮነ፡ እቲ ኣብዚ ዝላዓል ኣገዳሲ ሕቶ፡ “ኣባል(ላት) ዕግበት እንተዘይብሉ(ሎም)፡ ኸ እንታይ ይገብር(ሩ)?” ዝብል ኢዩ። ንኣብነት፡ እቲ ውድብ/ሰልፊ (መሪሕነቱ) ገይጋ ይገብር ኣሎ ወይ’ውን ናብ ገይጋ መንገዲ የምርሕ ኣሎ ዝብል ዕግበት፡ ኣባላት እንተለዎም፡ እንታይ ይገብሩ?” ። ሰለስተ ዓይነት ተኽእሎታት ክንጠቕስ ንኽእል። ንሳተን ካኣ፡ (1) ዘይዕግበቶም ምግላጽ ስለዘፍርሖም፡ ስቅ ኢሎም ርእሶም ኣድኒኖም ኣባላት ኮይኖም ምቕጻል፣ (2) ብሰንኪ ዘይዕግበቶም፡ ካብ ውድብ/ሰልፊ ኣባልነቶም ምስሓብን፣ (3) ነቲ ገይጋ ዝብልዎ መታን ክእረም፡ ዘይዕግበቶም ምግላጽ (ኣብ ኣኬባታት ምዝራብ፣ ብጽሑፍ ናብ መሪሕነት ውድብ/ሰልፍ ምቕራብ፣ ወ.ዘ.ተ.) ኢየን። ነዛ ኣብ (3) ዘላ ተኽእሎ ብዝምልከት፡ ብተደጋጋሚ ተዛሪቦም (ዘይዕግበቶም ገሊጾም) ዝሰምዖም እንተዘይረኸቡ (እቲ ውድብ/ሰልፍ እቲ ዝብልዎ ዘለዉ ገይጋ እንተዘይኣረሞ) ኸ እንታይ ይገብሩ ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ ብዝግባእ ንምምላስ ግን፡ ክልተ ኣገደስቲ ረቛሒታት ምርኣይ ከድልየና ኢዩ። ንሳተን ካኣ፡ እቲ ዘይዕግበት ዘርኢ ዘሎ ኣባል ኣብቲ ውድብ/ሰልፊ ዘልዎ ደረጃ ታኣማምንት(Loyalty) ብሓደ ሸነኽ፡ እቲ ውድብ/ሰልፍ ወይ’ውን መሪሕነቱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይዕገበቱ ዝገልጽ ዘሎ ኣባል ዝህቦ ምላሽ ካኣ በቲ ካልእ ሸነክ፡ ኢየን። ናይ ኣባል ታኣማምነት፡ ካብ ጽኑዕ ታኣማምነት (ሓደ ጫፍ) ክሳብ ትሑት ታኣማምነት (ካላኣይ ተጻራሪ ጫፍ) ዝዝርጋሕ ደረጃታት ክህልዎ ባህርያዊ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ እቲ ናይቲ ውድብ/ሰልፊ (መሪሕነት) ምላሽ፡ ካብ ኣወንታውን ቅጽበታውን (ሓደ ጫፍ) ክሳብ ብከቢድ መቕጻዕትታት ዝተሰነየ ኣሉታዊ ምላሽ (ካላኣይ ተጻራሪ ጫፍ) ዝተዘርገሐ ኢዩ። ነቶም ኣብ ነብሲ-ወከፍ ክለተ ተጻረርቲ ጫፋት ዘለዉ ኩነታት ጥራሕ’ዃ እተራኣና፡ ከምዚ ኣብዛ ሰንጠረዥ ተመልክቶም ዘለዉ ውጺኢታት ንረክብ።


see Large image

እስከ በዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሰንጠርዥ ተሓጊዝና፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ንምንታይን ብኸመይ ከምዝማዕበለ ተንቲና ንርኣዮ። መጀመሪያ፡ ጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገርነት ነዊሕን ዝተሓላለኸን ስለዝኾነ፡ ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ ተተንቲኑ ዝውዳእ ከምዘኮነ ምግንዛብ ከድሊ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ’ቶም ኣብ ጊዜ ገድልን ድሕሪኡ ዝቐጸሉን ንጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገርነት ጸለውቲ ዝኾኑ ኩነታት ብምትዃር ትንታነ ምቕራብ፡ ዋላ ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ይኹን፡ ንምስፋሕ ተረድኦ ህዝቢ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። ታሪኽ ኤርትራ ከምዝሕብሮ፡ ኤርትራ ኣብ ጥሪ 1890 ኢያ ናይ ሃገረ ጥልያን ግዝኣት ኮይና። ኣብ ጊዜ ካላኣይ ውግእ ኣለም (1939 – 1945)፡ ኣብ 1941 ዓ/ም ሃገረ ጥልያን ምስተሳዕረት፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥልያን ብናይ እንግሊዝ ባዕዳዊ ግዝኣት ኢዩ ተተኪኡ። ስለዝኾነ ካኣ፡ ኤርትራ ክሳብ 1952 ዓ/ም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እንግሊዝ ኢያ ጸኒሓ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ክንድ ከምተን ኩለን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነታ ትረክብ፡ ካብ ስነሞጎት ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ኣብ ትሕቲ ልዕላውነት “ዘውዲ ኢትዮጵያ” ብንመዐሸውን ንጊዜ መግዝእን ጥራሕ ተባሂሉ ዝተሰነዐ “ፈደረሽን” ከምትቑረን ኢያ’ውን ተገይራ። ከምኡ ስለዝነበረ ኢዩ ካኣ፡ እቲ ምትዕሽሻው ምስተገብረን ጊዜ ምስተገዝአን፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ነቲ “ፈደረሽን” ብእደዋኒኑ ኣብ 1962 ዓ/ም ብምፍራስ ንኤርትራ ጎቢጡ መበል 14 ክፍለ-ሃገር ኢትዮጵያ ገይሩዋ። ህዝቢ ኤርትራ ካኣ፡ ካብ ንግሁኡ’ውን እንተኾነ ናጽነቱ ዝደሊ ዝነበረ፡ ነዚ ኣብ ርእሲኡ ዝተፈጽመ ዓመጽ ንምብዳህን ናጽነቱ ንምጭባጥን “ሰውራ/ገድሊ” ሰሪሑ ብምቅላስ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ኣብ 1991/93 ዓ/ም ናጽነቱ ረኺብ። ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነቱን ልዕላውነቱን ምጭባጡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኹን’ምበር፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት እንዳማዕበሉ ዝመጹን፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ንኽፍጠር ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወቱን፡ ኣብ መስርሕ እዚ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጉዕዞ ቃልሲ ዝማዕበሉን ዝተጠርዩን ማሕበራውን ስነ-ኣእምራውን ረቛሒታት (Social and Psychological Factors) ኣለዉ ኢዮም። እስከ፡ ምስዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ብምትእስሳር ክንርደኦም ንፈትን።

ልዕል ኢሉ ከምዝተገልጸ፡ መጀመሪያ ብዘይ ንቡር ፈደረሽን፡ ሲዒቡ ካኣ ብጎበጣ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ምስወደቐት፡ እቲ ነብሱ ከም ኤርትራዊ ገይሩ ክፈልጣ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ (ጣልያን ንኤርትራ ንልዕሊ 50 ዓመታት ከም ሓንቲ ግዝኣት ገይሩ ኢዩ ገዚእዋ)፡ “ኢትዮጵያዊ ኩን ወይ’ውን ኢትዮጵያ ኢካ” ኢዩ ተባሂሉ። እዚ፡ ዳርጋ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣይተዋሕጠሉን ኢዩ ዝነበረ እንተትባህለ ምግናን ኣይኮነን። ዋላ’ዃ ኤርትራ ብኣካል ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ትምበር’ምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ “ኢትዮጵያውነት” ብስነ-ኣእምሩኡ ክቕበሎ ኣይካኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንነቱ ንምምላስን ንምውሓስን ናብ ገድሊ ብቐጻሊ ኢዩ’ውን ዊሒዙ። ነቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብፍላይ ግን፡ ኤርትራ ትባሃል ብዓለም ዝተፈለጠት ልዕላዊት ሃገር ስለዘይነበረትን እቲ ዝነበሮም ናይ መቐሳቐሲ ፓስፖርትታ’ውን፡ “ዜግነት ኢትዮጵያዊ(ት)” ዝብል ስለዝነበረ፡ ምርጻማት ናይ “ውዱዕ ክውንነትን” “ውሽጣዊ/ስነ-ኣእምራዊ ድሌትን” የጋጥሞም ነይሩ። ነዚ ምርጻማት እዚ ንምእላይን፡ ነቲ ዝነበሮም ስነ-ኣእምራዊ ድሌታት ንምርዋይን፡ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ይውኽል ኢዩ ምስዝብልዎ ኣካል ብቐጥታ ምትእስሳር ክገብሩ ነይሩዎም። ውድባት ኤርትራ ከም ንኤርትራን ንኤርትራውነትን ዝውክላ ገይሩ ስለዝቖጸረን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዘዝነበሮ ናይ ወጻኢ ሃገር እንዳተወደብ ኣካለን ኮይኑ ክንቐሳቐስ ካኣ ጀመረ። በዚ ኣገባብ እዚ፡ እታ “ናይ ስነ-ኣእምሮ ኤርትራውነት” ኣካላዊ ባይታ ወይ መግለጺ ረኺባ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ምስ ህዝቦምን ሃገሮምን ብቐጣ ዘራክቦም ናይ መላጋግቦ ገመድ ክፈጥሩ ኪኢሎም። ኤርትራውያን፡ በብኸባቢኦም፡ ብማሕበር ከይተረፈ ተጠርኒፎም (ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፣ ማህበር ሰራሕተኛታ፣ ማሕበር ተማሃሮ፣ መሕበር መናእሰይ፣ ወ.ዘ.ተ.) ኣብ ሰውራ ተወዲቦም ሃገራዊ ቃልሶም ካብ ርሑቕ ከካይዱ ኪኢሎም ኢዮም። ናጽነት ክውን ኣብ ምግባር ካኣ ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወቱ ክስመረሉ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። ይኹን’እምበር፡ እዚ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ እዚ ዝፈጠሮምን ኣብ ዝተናወሐ ናይ ቃልሲ ጊዜ ዝማዕበሉን ዘይቁዱሳንን ሃሰይትን ባህርያት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ተጠርዮም ኢዮም። እንታይነትን ከመይነትን ናይዞም ዝተጠርዩ ጎዳእቲ ባህርያት ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ብዝርዝር ክቐርብ ኢዩ።

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል ---

Read in PDF ብ'PDF ንምንባብ: Click here ኣብዚ ጠውቑ።

ካልኣይ ክፋል: Click here ኣብዚ ጠውቐ።

 

Share with friends: 



See also Related ምስዚ ዝዛመድ:-


See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-
ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት ቤተሰብ፡
ኣስተምህሮ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና
Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family, Seminar at Hdri Jeganuna
(22-April-2018)- ኩሉ ክፋላት All Parts:
(Part-1)  (Part-2)  (Part-3)  (Part-4)


See also recent articles and Seminars by Dr. Gebre Gebremariam
ካልኦት ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


Share with friends: