ንምድሓን ልዕላውነት ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን (ካላኣይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/03/2019 00:22 AM

ቅዲ “ገረብ ብሓኽላ”

ንምድሓን ልዕላውነት ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን (ካላኣይ ክፋል)

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

ቅዲ “ገረብ ብሓኽላ”
ንምድሓን ልዕላውነት ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን (Part-2)
Dr. Gebre Gebremariam

ካላኣይ ክፋል

ኣብ ቀዳምይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተወዲቦም ካብ ርሑቕ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ከምዝተቃለሱን ኣገዳሲ ተራ’ውን ከምዝተጻወቱን፣ ምስ ኣብ ሜዳ ዝነበረ መሪሕነት ውድባት፡ ኣብ ማዕርነት ዘይተመርኾሰ ርክባት ከምዝነበሮምን፣ እዚ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ እዚ ዝፈጠሮምን ኣብ ዝተናወሐ ናይ ቃልሲ ጊዜ ዝማዕበሉን ዘይቁዱሳንን ሃሰይትን ባህርያት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከምዝተጠረዩን፡ ሕጽር ብዝበለ ኣገባብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ ካላኣይ ክፋል ካኣ፡ እንታይነትን ከመይነትን ናይዞም ዝተጠርዩ ጎዳእቲ ባህርያት ብዝርዝር ዘረድእ ትንታነ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ሀ) ንመብዛሕትኦም ነቶም፡ ኣብ ጊዜ ሰውራ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ነቶም ኣብ ገድሊ ተሰሪዖም ዝቃስለሱ ዝነበሩ ካኣ ብፍላይ፡ “ኤርትራ ማለት ውድብ (ህ.ግ ወይ ጀብሃ)፤ ውድብ ማለት ካኣ መሪሕነቱ” ኮይኑ ይስመዖም ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናብቲ ዝነበርዎ ውድብ ወይ መሪሕነቱ ዝነበሮም ታኣማምነት (Loyalty)፡ ልክዕ ከም ሓደ ዜጋ ናብ ሃገሩ ዘለዎ ታኣማምነት ኢዩ’ውን ነይሩ። ውድብ ወይ መሪሕነት፡ ዘይጋገ፣ ኩሉ ዝፈልጥ፣ ዘይንቐፍ፣ ወ.ዘ.ተ. ኮይኑ ይስመዖም ስለዝነበረ፡ ውድብ/መሪሕነት ዝብሎ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን የተግብሩ ነይሮም። ብሕልፊ፡ ህ.ግ. ንሜዳ ኤርትራ ንበይኑ ምስባሓቶ፡ “ኤርትራ ማለት ህ.ግ.፤ ህ.ግ. ማለት ካኣ ኢሳያስ (መሪሕነት ህ.ግ.)” ዝብል መንፈስ ኣብ መብዛሕትኡ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዝነበር ኤርትራዊ እንዳሰረጸን ዓብላሊ ኣተሓሳስባ እንዳኮነን ከይዱ። እቲ ተራ ተጋዳላይ’ውን እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት መንፈስን እምነትን ከምዝህልዎ ተገይሩ ኢዩ ታሃኒጹ። “ግንባር ኣለኒ፡ ዕድል ኣለኒ፡ ምስ’ዛ ቕንዕቲ ውድብ ዘሰለፈኒ፤ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ተኲሱ ሽሙ ኢዩ ዝጽሕፍ፤ ወ.ዘ.ተ.” ዝብሉ ደርፍታን ፕሮፓጋንዳታትን እንተረኣና፡ ነዚ መንፈስ እዚ ንምስራጽ ዝዓለሙ ምንባሮም ምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ፡ እቲ መንፈስን ኣተሓሳስባን ቀጺሉ ኢዩ። ህ.ግ. ናጽነት ዘምጸአ ውድብ ኢዩ ተባሂሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢሳያስ ዓብዪ እምነት ኢዩ ኣንቢሩ ነይሩ። ነዚ ክውንነት እዚ ብምምዝማዝ፡ “ሃገረ ኤርትራን” “ህ.ግ. ወይ’ውን መንግስቲ ኤርትራን” ሓደ ኣካልን ዘይነጻጸሉን ኢዮም፤ “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ”፤ “ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ”፤ ወ.ዘ.ተ. እንዳተባህለ፡ ናይ ሓደ ሰብ ምልኪ ከምዝስዕርር ኢዩ ተገይሩ። ናይባሓቂ ካኣ፡ ዋላ ክስብ ሎሚ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ሞንጎ “ህዝቢ ኤርትራ”፣ “ሃገረ ኤርትራን” “መንግስቲ ኤርትራን” ፍልልይ ዘሎ ኣይመስሎምን ኢዩ። ስለዝኾነ ኢዩ ካኣ፡ ኩሉ ጊዜ ኢሳያስ ዘዝበሎም ዝገብሩን፡ ዝኮነ ንኢሳያስን ስርዓቱን ዝቓወም፡ ንሃገረ ኤርትራ ከምዝቓውም ዘሎ ገይሮም ዝርድእዎ። ገለ ካብዚኣቶም፡ ምስቲ ሕጂ ማዕቢሉ ዘሎ ኩነታት፡ ኢሳያስ “ምስ ኢትዮጵያ ተደምርና ኣለና” ክብል ከሎ፡ ደድሕሪኡ ዝስዕቡ ኢዮም። እቲ ዝኸፍአ ካኣ፡ ኢሳያስ ነዚ ክውንነት እዚ ብምምዝማዝ፡ ንኤርትራ ብዘይ ገለ ዕቱብ ተቓውሞ ከባድማ ምኽኣሉ ኢዩ።

ለ) ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገልጹ ዘሎ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ብሓፍሽ ውድባት (Mass Organizations) ተጠርኒፉ ካብ ርሑቕ ንናጽነት ተቓሊሱ፡ ኣገዳሲ ተራ ካኣ ተጻዊቱ ኢዩ። እቲ ካብ ርሑቕ ኮይንካ ምቕላስን፡ ባህርያት መሪሕነት ናይተን ተውዲቡለን ዝነበራ ውድባት፡ ብዝፈጠሮ ኩነታት፡ ርክባት/ዝምድናታት ኣብ ምንጎ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያንን እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ መሪሕነትን፡ ኣብ ማዕርነት ዝተሰረተ ኣይነበረን። እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ መሪሕነት፡ ከም ገባርን ሓዳግን ኮይኑ፡ ድላዩ ዝገብር፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ካኣ፡ ካብ መሪሕነት (ሜዳ) ዝመጾ ትእዛዝ ብዘይ ሕቶን ዘረባን ዘተግብር ዝዓይነቱ ርክባት ኢዩ ነይሩ። እቲ መሪሕነት፡ “ንሕና እንዲና ኣብ ሜዳ ዘለና፡ ንሕና ኢና ንፈልጥ፤ መን ፍለጡ ኢልዎም፤ ወ.ዘ.ተ.” እንዳበለ፡ ንዝኾነ ካብ ወጻኢ ዝላዓል ሕቶ ወይ ሓሳባት ዕድል ይህብ ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንዝኾነ ሕቶ ዘልዕል ውልቀሰብ ይኩን ጉጅለ፡ የፈራርሕን ይቐጽዕን ነይሩ’ውን ኢዩ። እቲ ዝጥቐምሉ ዝነበሩ ዓይነት መቕጻዕትታት ብዙሕ ኮይኑ፡ እተን ዝኸፍኣ ግን፡ “ኣካላዊ ጉዳትን” “ማሕበራዊ ተነጽሎን (social isolation)” ኢየን ነይረን። ነቲ ሕቶ ዘልዓለ ወይ’ውን ወቐሳ ይኹን ርእይቶ ዘቕረበ ኣካል፡ ማሕበራዊ ተንጽሎ (social isolation) መታን ከጋጥሞ፡ ኩሉ ዓይነት ናይ ጸለመ ዘመተ ኣብ ርእሲኡ ከምዝካየድ ይገብሩ። እዛ ማሕበራዊ ተንጽሎ፡ ከባድ መቕጻዕቲ ስለዝኾነት፡ ብዙሕ ሰብ ይጻወራ ኣይነበረን። ካብ ዝኾነ ኤርትራዊ ጉጅለ፣ ማሕበር፣ ሓፋሽ ውድባት፣ ማሕበረ-ኮም፣ ዓርከ-ማሓዛ፣ ቤተ-ሰብ፣ ወ.ዘ.ተ. ምንጻል ማለት፡ “ኤርትራውነትካ” ከምምስኣን ተገይሩ ይውሰድ ስለዝነበረን፡ እቲ ሰውራ ካኣ ከም መለጋግቦ ናይ ኤርትራውነት ኮይኑ የገልግል ብምንባሩን፡ ዝበዝሕ ኤርትራዊ፡ ካብ ሕቶ ዝሓትትን ወቐሳ ዘቕርብን፡ ርእሱ ኣድኒኑ ዝተባህሎ እንዳገበረ ክቕጽል ኢዩ ዝመርጽ ዝነበረ። እቶም ውሑዳት ብትብዓት ሕቶታት ዝሓተቱን ውቐሳታት ዘቕረቡን ኤርትራውያን፡ ንሓለንጊ “ማሕበራዊ ተንጽሎን” “ኣካላዊ መጉዳእትን” ኢዮም ተፈሪዶም። ንኣብነት፡ ታሪኽ ናይ “ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ (Eritreans for Liberation in North America (EFLNA)) እንተራኣና፡ ነዚ ሓቂ እዚ ኢና ንማሃር። እዚ ኣገባብ እዚ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን እንትኾነ ቐጺሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክሳብ ሕጂ ኢሳያስን ስርዓቱን ዝጥቀምሉ ዘለዉ ፍቱን ናይ መዐፈኒ ሜላ ኢዩ። እዘን ኣብ (ሀ)ን (ለ) ተገሊጸን ዘለዋ ሓቅታት፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዝማዕበለ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዓብዪ ግደ ኣለውን። ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ ሰብ ስርዓት ተተኺሉ፡ ዲክታቶራዊ ምሕደራ ሱር ሰዲዱ ሰርዲዱ። እታ ሕቶ ይኩን ወቐሳ ዘይትጻወር ዝተለመደት ባህርያት መሪሕነት ቐጺላ፡ ህዝቢ ካኣ መሪሕነት ዝብሎ ኩሉ ሓቂ እንዳበለ፡ ኢሳያስ ዘዝበሎ ምግባርን ምድጋም ጥራሕ ዳኣ ኮነ ስርሑ። ንኣብነት፡ ኢሳያስ፡ ዋላ ነቶም ንጋገግ ኣለና፡ መንገድና ነስተኻክል፤ ስልጣን ንህዝቢ ነረኽብ፤ ወ.ዘ.ተ. ዝበሉ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝነበሩ ነባራት መራሕቲ ከይተረፈ፡ ሰፊሕ ናይ ምንዋርን ጸለመን ዘመተ (ማሕበራዊ ተነጽሎ) ድሕሪ ምክያድ፡ ብኣልማማ ሓይሩ ከጥፈኦም ከሎ፡ ህዝቢ ኣጣቒዒሉ። ኢሳያስ፡ ቅዋም ኤርትራ ጒሒፉ፡ ንኤርትራ ብዘይ ቅዋምን ሕግን ንልዕሊ 20 ዓመታት ክገዝኣ ከሎ፡ ኢሳያስ ዘዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ፡ ቅዋም ይተግበር ኢሉ ዝተዘረበ ይኩን ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ናይ ተቃውሞ ሰልፍታት (እቶም ሓደ ሓደ ናይ ብደምበ ፍትሒ ዝግበሩ ገዲፍካ) ዝገበረ የልቦን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እዃ ዳኣ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ናብ ዝጽውዕዎ ኣኼባታትን ጽምብላትን፡ ህዝቢ ግልብጥ ኢሉ ክኸይድ ይረአ። ኣብ ከምዚኦም ኣኼባታትን ጽምብላትን፡ ንሃገር ዝምለከቱ ሕቶታት ከምገለ መሊቑውም ዝሓቱ ሰባት እንተተረኺቦም፡ “መን ኮይንካ ኢካ ንስኻ ንዓና ትሓተና፤ ንስኻ ካባና ብዛዕባ ኤርትራ መን ፍለጥ ኢሉዃ፤ ንስኻ ካብ መንግስቲ ንላዕሊ ንኤርትራ መን ሓላያይ ገይሩዃ ኢዩ፤ ወ.ዘ.ተ.” ዝብላ ዝደጋገማ ሓረጋት ብናህርን ብቑጠዐን ከም ግብረ መልሲ ክዋሃባ ምስማዕ ልሙድ ኢዩ። እሞ ዳኣ ከምዚ እንተኾይኑስ፡ “ስለምንታይ ሰባት ናብ ኣኼባታትን ጽምብላትን ኢሳያስን ስርዓቱን ብብዝሒ ይኸዱ?” ኢልና ንሓትት ንኾውን። እቲ መልሲ፡ ነዘን ኣብ (ሀ)ን (ለ) ተገሊጸን ዘለዋ ሓቅታት ጠሚርና ብምርኣይ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ጥቕልልን ሕጽርን ብዝበለ ኣገላልጻ ክረአ ከሎ፡ ዝበዝሕ ሰብ፡ ብልቡ ዝድግፍ ስለዝኾነ ዘይኮነስ፡ ማሕበራዊ ተነጽሎ ከየጋጥሞ ብምፍራሕ፡ ገጸ ከርኢ ጥራሕ ኢዩ ዝኸይድ። ንኢሳያስን ስርዓቱን ግን እዚ ኣገዳሲ ኣይኮነን። እቱይ ምንታይሲ፡ ናይቶም ኣኼባታትን ጽምብላትን ቪድዮታትን ስእልታትን ብምውሳድ፡ ኣብ ኤሪ-ትቪ ደጋጊሙ ብምፍናው፡ “ረአኹም፡ ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ናዓይ ኢዮም ዝድግፉ” እንዳበለ ንኣብ ኤርትራ ዝንብር ህዝቢ ከታልለሉ ስልዝኽእል። ናይ ባሓቂ ካኣ፡ እዚኣ ሓንቲ ካብተን ኢሳያስን ስርዓቱን ዝጥቕሙለን ዓበይቲ ናይ መዐፈኒ መሳርሒታት ኢያ ኮይና ከተገልግል ጸኒሓን ዘላን። ስለዝኾነ፡ እቶም ብልብኹም ንኢሳያስን ስርዓቱን ዘይትድግፉ ኤርትራውያን፡ ዘይምድጋፍኩም ብግብሪ ክሳብ ዘይተሰነየ፡ መሳርሒ ምልኪ ኮይንኩም ንህዝብኹም ትጎድኡ ምህላውኩም ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ።

ኢሳያስን ስርዓቱን ከመይ ገይሮም ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዞም ከምዘዳኸምዎ ንምርዳእ፡ ነዛ ትስዕብ ሰንጠርዥ ተመልከት።


see Large image

ከምቲ ልዕል ክብል ብሰፊሑ ተገሊጹ ዘሎ፡ ሰፊሕ ክፋል ካብ ህዝቢ ኤሪትራ፡ “ጽኑዕ ታኣማምነት (strong loyalty)” ኣብ ኢሳያስን ስርዓቱን ኢዩ ጸኒሕዎ። ኢሳያስ ካኣ ነዚ ብምምዝማዝ፡ (ነታ ኣብዛ ሰንጠረዥ ኣብ ቀይሕ ድሕረ-ባይታ ሰፊራ ዘላ ሓቂ ተመልከት)፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ገደል ሒዝዎ ክኸይድ ኢዩ ጽኒሑ። ሕጂ ግን፡ ድሕሪ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ገርና ብምባል፡ ኢሳያስ ብተደጋጋሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኻድ፡ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ዕዳጋ ዘውረዱ ዝበሎም ዘረባታትን ዝገበሮም ተግባራትን፡ እቲ ዝነበረ ታኣማምነት ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራዊ የለን ክባሃል ይካኣል ኢዩ። ዝተረፈ እንተሃልዩ፡ ኣዝዩ ትሑትን ውሑዱን (weak loyalty) ጥራሕ ኢዩ ዝኸውን። ስለዝኾነ፡ መብዛሕትኦም ደገፍትን ሳዓብትን ኢሳያስን ስርዓቱን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ደገፎም ኣቛሪጾም ኣብ ጎድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፎም፡ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ንምድሓንን ንምዕቃብን ንኽቃለሱ ትጽቢት ይግበረሎም (ነታ ኣብዛ ሰንጠረዥ ኣብ ሰማያዊ ድሕረ-ባይት ሰፊራ ዘላ ሓቂ ተመልከት)። እቲ ኣብ ደንበ ፍትሒ ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ ካኣ፡ ነዞም ንኢሳያስን ስርዓቱን ምድጋፍ ኣቛሪጾም፡ ኣብ ጎድኒ ፍትሓው ቃልሲ ዝጽንበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ምቹእ ናይ ማሕበራዊ ሂወት ባይታ ክፈጥረሎም ትጽቢት ይግበረሉ። እታ ዝፈርሕዋ መቕጻዕቲ (ማሕበራዊ ተንጽሎ) እንድሕርዳኣ ተፈትሓ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ናብ ደንበ ፍትሒ ተጸንቢሮም፡ ምልኪ ኣብ ምዕናውን ኤርትራዊ ሃገርነት ኣብ ምድሓንን ኣገዳሲ ተራ ክጻወቱ ይክእሉ ኢዮም። ብግደ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ንኢሳያስን ስርዓቱን ንምስዓር፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ “ደገፍ ዒሉኡ” ክትነቅጽ ኣለዋ። ነዚ ንምግባር ካኣ፡ ነቶም ክድግፍዎ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ደገፎም ከቛርጹ ንምግባር ምቅላስ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዝሕቖፍሉ ማሕበረ-ሰብኣዊ ባይታ ምጥጣሕ’ውን ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ ደምበ ፍትሒ ዕቱብ ስራሕ ኣይሰርሐን ተባሂሉ ኢዩ ዝሕመ። ብኣንጻሩ እዃ ዳኣ፡ ነጻጊ ብዝኾነ ኣገባብ ኢዩ ክቃልስ ጸኒሑ። “እዚ ኸ ኣብይ ነይሩ ኢዩ፡ ህግደፍ፤ ኣንጻር ካብቲ ስርዓት ንዝወጹ ኤርትራውያን ዝቐንዐ፡ ሽም ምጥፋእን ጸለመታትን ምክያድ፤ ወ.ዘ.ተ.” እንዳበልካን እንዳገበርካን፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ‘ደገፍ ዒላ’ ኢሳያስ ከተንቅጽ ኣይካኣልን ኢዩ።

እዚ ኩሉ ንሃገር ዘጥፍእ ተግባራት እንዳገበረ ከሎስ፡ ስለምንታይ ኢዮም ንኢሳያስን ስርዓቱን ዝድግፍዎ ኢልና ንግረም እንተለና፡ እቲ ደምበ ተቓውሞ እንተኾነ’ውን፡ ካብኡ ዝሓይሽ ኣይኮነን። ንምንታይ ኢዩ ደምበ ተቓውሞ፡ ፋሕ ኢሉ? ስለምንታይ ተኣኪቡ ሓደ ጥርናፈ ዘይፈጠረ? ስለምንታይ ውድባት በብግዚኡ ይፈናጨላ? ወ.ዘ.ተ. ንዝብሉ ሕቶታት፡ መልሶም ሓንቲ ኢያ - ከምቲ ብዛሕትኦም ደገፍቲ ህግደፍ፡ ታኣማምነቶም (loyalty) ንኤርትራ ምዃን ገዲፎም ንኢሳያስ ዝኾነ፡ ብተማሳሰሊ ካኣ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ውድባት፡ ታኣማምነቶም ካብ ነቲ ዘለውዎ ውድብ ዝቖመሉ ዓላማታት፡ ንውልቀ መራሕቲ ስለዝኾነ፡ መራሕቲ ተባኢሶም ክፈላለዩ ከለዉ፡ ደድሕሪ እቶም ዝኣምንዎም መራሕቲ ብምኻድ ውድባት የባዝሑ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ውድብ/ሰልፊ፡ ካብ ናይ መቃለሲ መሳርሒ ምዃን ሓሊፉ፡ ንባዕሉ ዓላማ ይኸውን’ሞ፡ ከምዚ ናይ ቤተሰብ ዝዓይነቱ ጥርናፈ ይፍጠር። መራሕቲ ውድብ ካኣ ከምቲ ንኣቦን ኣደን ናይ ሓደ ቤተ-ሰብ ዝዋሃብ፡ ምሉእ ታኣማምነት (Complete Loyalty) ይግበረሎም’ሞ፡ ኣባላት ካኣ ብዘይገለ ሕቶን ወቐሳን መራሕቲ ነናብ ዝኸድዎ ስቕ ኢሎም ተተጎቲቶም ይኸዱ። ስለዝኾነ፡ ደምበ ተቃውሞ ካብ ከምዚ ዓይነት ሂወት ክወጽእ ክኽእል ኣለዎ። ታኣማምነትና፡ ንኤርትራን ህዝባን ክኸውን ኣለዎን ይግቦኦን። እዚ ማለት ካኣ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዝጠቕም ዓላማ ተጠርኒፍና ክንቃለስ ይግባኣና። ከምቲ፡ ኣብ ጊዜ ገድሊ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ህ.ግ./ተ.ሓ.ኤ፡ ኤርትራ ዝመስሎም ዝነበረ፡ ሕጂ ካኣ፡ ዘለናዮ ውድብ፣ ሰልፊ ወይ’ውን ምንቅስቓስ፡ ኤርትራ እንዳመሰልና፡ “ውድበይ፣ ሰልፈይ ወይ’ውን ምንቅስቓሰይ” እንዳበልና፡ ናይ ኤርትራን ህዝባን ዕማም ንገብር የለናን። እስከ ከም ዜጋታት ንነብስና ናጻ ንግበራ’ሞ፡ ታኣማምነትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ገርና፡ ናይ ሓባር መቃለሲ ጥርናፈ ንፍጠር። ከምኡ ክንገብር እንድሕር ዳኣ ኪኢልና፡ ግዙኣት ናይ ጸቢብ ውድብ፣ ሰልፍ ወይ’ውን ምንቅስቓስ ክንከውን ኣይኮናን። ሕጂ ትድለ ዘላ ህጽጽትን ጊዜ ዘይትህብን ሃገራዊት ዕማም፡ “ሃገራዊ ጥርናፈ ንምድሓን ኤርትራን ኤርትራውነትን” ስለዝኾነት፡ ኩሉ ኤርትራዊ መሳርዓት ናብ ሓደ ኣንፈት ክቐንዕ ኣለዎ። ሎሚ፡ ኩላህና ኤርትራውያን፡ ሃምናን ቀልብናን፡ ልዕላውነት ኤርትራን ኤርትራዊ መንነትን ኣብ ምድሓን ከድህብ ይግብኦ። ጽባሕ የርክበሉ ኢየ ዝባሃል ኣይኮነን።

ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ኩሉ ናይ መታለሊ ሜላታቶም ጸንቂቖም ኢዮም። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ከምዝኸድዖን ከምዝጠለሞን ጽቡቕ ገይሩ ተረዲኢዋስ፡ ኣብ ኢሳያስ ዝነበሮ ታኣማምነት ጭራሽ የለን። እታ ኢሳያስ ዝጥቀመላ ዝነበረት ናይ መዐፈኒ መሳርሒ (ማሕበራዊ ተነጽሎ፣ ጽለመ፣ ምፍርራሕ፣ ምጉዕብባዕ፣ ወ.ዘ.ተ.) እንተኾነ’ውን ተደፊራ ትሳዓር ኣላ። ሕጂ ካባና ዝድለ፡ ነቶም ንኢሳያስ ምድጋፍ ዘቛርጹ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ሓቛፊ ዝኾነ ናይ መቃለሲን ማሕበረ-ሰብኣውን ባይታ ከምዝንጸፈሎምን ምግባር ኢዩ። ነታ “ዒላ ደገፍ ህዝቢ” ናይ ኢሳያስ ተገሊላ ንኽትነቅጽ ወሳኒ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ ኢዮም። ቅዲ “ገረብ ብሓኽላ” ወይ’ውን “ንወደ’ባ ሻውልሲ፡ ወዲ ገዛ ብርሃኑ ይፈልጦ”፡ ኢሳያስ ኣብ ምስዓር ከም ኣገዳሲ ሜላ ምሓዙ።

Read in PDF ብ'PDF ንምንባብ: Click here ኣብዚ ጠውቑ።

ዝሓለፈኩም ቀዳማይ ክፋል: Click hereኣብዚ ጠውቐ።

 

Share with friends: 



See also Related ምስዚ ዝዛመድ:-


See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-
ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት ቤተሰብ፡
ኣስተምህሮ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና
Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family, Seminar at Hdri Jeganuna
(22-April-2018)- ኩሉ ክፋላት All Parts:
(Part-1)  (Part-2)  (Part-3)  (Part-4)


See also recent articles and Seminars by Dr. Gebre Gebremariam
ካልኦት ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


Share with friends: