ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ (p5)

29/05/2018 23:55 PM

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ
ሓሙሻይ ክፋል
ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም

Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family (Part-5)

by Gebre Gebremariam (Dr.)


Life in Rural Eritrea


ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ሕቶታት፡

ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦

ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት?

ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን ካብ ማዓስን ጀሚሩ?

ሐ)ብዛዕባ ዓድኻ/ኺ (ተወሊድካ/ኪ ዝዓበኻሉ/ዝዓበኽሉ ናይ መበቖል ዓዲ ወይ ናይ ከተማ ከባቢ) እሞ ሕሰብ/ቢ፡
- ካብ 16 ክሳብ 40 ዓመት ዕድመ ከባቢ ዘለዉ መናእሰይ ደቂ ዓድኻ/ኺ ክንደይ ይኾኑ?
- ካብዚኣቶም፡ ክንደይ ዝኾኑ (ክንደይ ሚኢታዊት) ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ?
- ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ትብሎም ዘለኻ/ኺ ኸ ክንደይ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ?

ሓሙሻይ ክፋል፡

ኣብ ራባዓይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ መርዓ፡ ብኹሉ ኣካላት ዓዲ (ቆልዑ፣ ኣዋልድ፣ ኣንስቲ፣ ሰብኡትን ኣጓብዝን፣ ትካላት ዓዲ፣ ንብረት ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ምውሳእ ዝዕመም ኣገዳስን ክብሩን ውራይ ዓዲ ከምዝኾነን፡ እቲ ኩሉ ንውራይ መርዓ ንምኽያድ ዝግበር ንጥፈታት ካኣ፡ ኣብቲ ዓዲ “ማሕበረ-ሰባዊ ስጥመት፣ ሓልዮት፣ ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ሰላም፣ ዓዳዊ መንነት፣ ወ.ዘ.ተ.” ንኽፍጠርን ዓዅኹ ንኽድልድልን ብምግባር/ብምኽኣል፡ ጓል ተመርዕያን ተደርዕያን፡ ተካኢ መጻኢ ወለዶ ክትፈርን ክትጸግን ዘኽእላ “ባህርያዊ ከባቢኣ ዝተሓለወት” መበቆል ዓዲ ከምዝህልዋን ዝገብር ምዃኑ፡ ብሰፊሑ ተገልጹ ኣሎ። ንጓል ክብራ ዓዳ ምዃኑን፡ በቕላ ሰሪራ ንእንዳ የሕማኣ ትኸይድ’ውን፡ ነዚ ክብርን መበቖላዊ መንነትን እዚ ሰኒቓን ለቢሳን ምዃና፡ ኣብቲ ጽሑፍ በሪሁ ኣሎ። ካብዚ ቀጺሉ ካኣ፡ ብዛዕባ መርዓት በቕላ ሰሪራ ኣብ ዓዲ እንዳ የሕማኣ ምስበጽሐት ዝግበር ኣቀባብላ መርዓት፣ ኣቀባብላ ዓርከ-መራዓውትን ወራድ-መርዓን፡ ኣብ እንዳ ወዲ ዝግበሩ ንጥፈታት መርዓን፡ ሰፊሕ ትንታነ ክቐርብ ኢዩ።

ኣብ ራባዓይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ተገሊጹ ከምዘሎ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ እንዳ ጓል፡ ኣብ እንዳ ወዲ’ውን ኣብ ዕለተ መርዓ፡ እቶም ናይ ውራይ መርዓ መደብ ስራሕ ዝተዋህቦም፡ ኩሎም ነናብ ዝተመደበሉ ንጥፈታት መርዓ ኣንጊሆም ኢዮም ክዋፈሩ ዝጅምሩ። እዚ ማለት፡ ቆልዑ፡ ማይ ይወረዱ/ይጓርቱ፤ መንእሰያት፡ ዳስ ይስልሙ፣ ኮፍ መበሊ ጠዋሉን የእማንን ይሰርዑን የስተኸኻኽሉን፣ ኣጓብዝን ሰብኡትን ካኣ፡ ስዋ መሊኡ ዝተሓትመ ቦጣትን ኣጋንእን ካብ ገዛ ናብ ዳስ በብሓደ እንዳ ተሰከሙ (ንሓድ ቦጥ 4-5 ኣጓብዝ የድልዩ) ኣውጺኦም ኣብ ማእከል ዳስ ተር ኣቢሎም ይሰርዕዎ፤ ኣንስቲ፡ ውራይ ምድላው መስተን (ስዋ) መግብን (እንጀራ ምስንካት፣ ዝመጹ ናይ ሓገዝ እንጀራ ምቕባልን ምስራዕን፣ ጻሕልታት ገዛ ገዛ እንዳኸዳ ምእካብን ሓጺብካ መድላውን፣ ጉልቻታት ገዛ ገዛ እንዳኸዳ ምእካብ፣ ጸብሒ ምስራሕ፣ ወ.ዘ.ተ. [ንዝርዝሩ ራባዓይ ክፋል ተወከሱ]። ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ዕዱማት ኣጋይሽ ናብ ዳስ ምእታው ምጅማሮም፡ ናይቲ ማዓልቲ መደባት ዝመርሑ፣ ዘዋሃህዱ፣ ዝኣልዩን ዘሳስዩን ኣካላት ተመሪጾም ተዳልዮም ኢዮም’ውን ዝጸንሑ።

እቲ ስነስርዓት ኣቀባብላ ዕዱማት ኣጋይሽን ኣገባብ ምስሳይ እኽለ-ማይን እንተኾነ’ውን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ እንዳ ጓል ዝግበር ኢዩ። እዚ ማለት ካኣ [ንምዝኽኻሩ ዝኣክል]፡ ሽም ዳስ፡ ንኹሉ ንጥፈታት ምቕባል ዕዱማት ኣጋይሽ ይቖጻጸር፣ የዋሃህድን የማእክልን። ተቀበልቲ ኣጋይሽ፡ ኣብ ኣፍደገ ዳስ ደው ኢሎም፡ ንነዝመጹ ዕዱማት እንዳተቐበሉ፡ “ኣጋይሽ ተቐበል” እንዳበሉ ንኣጋይሽ ተቐቢሎም ነናብ ዝተመደበሎም ቦታ (ናይ ኣጋይሽ፣ ናይ ደቂ ዓዲ፣ ናይ ሰብኡት፣ ናይ ኣንስቲ፣ ናይ ቆልዑ፣ ወ.ዘ.ተ.) ወሲዶም ዘቐምጥዎም ኣናባበርቲ የረክብዎም። ኣናባበርቲ ካኣ ንሓደስቲ ዕዱማት ቦታ ሂቦም ኮፍ ምስ ኣበልዎም፡ ብቐጥታ ንኣሰላፋይ ስዋ “ዋንጩ ኣብዚኣ” ኢሎም ይሕብርዎ። ኣሰላፋይ ስዋ ካኣ፡ ዋናጩ ስውኡ ሒጁ ጠበቕ ብምባል፡ ነቶም ዋንጫ ዘይሓዙ ኣጋይሽ ይዕድሎም። ዋንጭኦም ዝወድኡ’ሞ ክደግሙን ክገጋግሙን ዝደልዩ እንተልዉ’ውን፡ “ኣሰላፋይ ስዋ ኣብዚኣ” እንዳተባህለ ይጽዋዕን ይሕበርን፡ ይደጋግሞም ካኣ [ኣብ መርዓ፡ ስዋ ከብዲ-ምላሽ ኢዩ]። ማኣዲ ዝሰርዑ፡ ንዘይተመገቡ ዕዱማት በብሸሞንተ(8)[ምሉእ ማኣዲ]፡ ንምሉእ ማኣዲ ዝኣኽሉ እንተዘኮኑ ካኣ፡ በብኣርባዕተ(4) [ፍርቂ ማኣዲ] እንዳ ገበሩ ይሰርዕዎም’ሞ፡ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ኣብዚኣ ኣምጻኣለይ ኢሎም ንማኣዲ ዘቕርቡ ይሕብሩ/ይእዝዙ። ማኣዲ ዘቕርቡ ካኣ፡ ናብ ማኣዲ እንጀራ ዝሰርዑ/ዓ ከይዶም፡ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ሃቡና ኢሎም ኣምጺኦም ይቕርቡ። ማኣዲ ክትእዘዝ ካላ፡ ማዕረ ማዕሪኣ ካኣ፡ “ባዓል ጸብሒ፡ ናይ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ጸብሒ ኣብዚኣ” ትብል ትእዘዝ/ሓበሬታ ትዋሃብ። ጸብሒ ዘምጽኡ ካኣ፡ ኣብ እንዳ ጻሕሊ ከይዶም ንሰራሒት ጻሕሊ፡ ናይ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ጸብሒ [ክልተ ጻሕሊ ንምሉእ ማኣዲ፣ ሓንቲ ጻሕሊ ካኣ ንፍርቂ ማኣዲ] ደሊና ኢሎም ኣምጺኦም ነታ ተሰሪዓ ዘላ ማኣዲ የረክብዋ። ኢድ ዘሕጽቡ ካኣ ማይን መሕጸብ ኢድን ሒዞም፡ ነቶም ማኣዲ ተሰሪዖም ዘለምዉ፡ ቅድሚ ምምጋቦምን ድሕሪ ምምጋቦምን፡ የእዳዎም የሕጽብዎም። ማኣዲ ቀሪቡ ጸብሒ’ውን ምሰ መጸ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ማኣዲ ቀሪቦም ዘለዉ [እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ወይ’ውን ናይ ሃይማኖት ባዓል ሞያ ዝኾነ ሰብ እንተሎ] ጸሎት ብምግባር ማኣዲ ምስ ባረኾ፡ ሓደ ካብ’ቶም (ብዕመ ዝናኣሰ) ካኣ ጸብሒ ይጸብሖ’ሞ [ቁሩብ ክእለት ትሓትት ኢያ] ምምጋቦም ይቕጽሉ። ወራድ-መርዓ መርዓቶም ሒዞም ክስብ ዝምለሱ፡ ንጥፈታት ዕለተ መርዓ ኣብ እንዳ ወዲ ብከምዚ ክቕጽል ይውዕል። ከምዝፍለጥ፡ ቀደም፡ ንመርዓ፡ ዘመድ-ኣዝማድ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ጎዶቦ ዓድታት ወሰን ኢልካ (ቤተ-ሰባት ከይፈለኻ) ኢዩ ዝዕደም ዝነበረ። ስለዝኾነ፡ ዕዱማት ኣይጋሽ ክመጹን በሊዖም ሰትዮም ክወጹን፡ እቲ ዳስ ምሉእ ማዓልቲ ዓሚሩ ኢዩ ዝውዕል ዝነበረ።

ከምቲ ኣብ ራባዓይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ዝራኣናዮ፡ መርዓት ካብ እንዳ ዓለቦኣ፡ ቅድሚ ዓርከ-መራዓውትን ወራድ-መርዓን ወጺኣ ኢያ ናብ ዓዲ እንዳ የሕማኣ በቕላ ሰሪራ ክትጓዓዝ ትጅምር። እንዳ የሕማኣ፡ ኣብ ማእከል ዓዲ (ኣብ ከብዲ ዓዲ)፣ ኣብ ጎዶብ ዓዲ ወይ’ውን ኣብ ርሑቕ ዓዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከከም ኩነታቱ ካኣ፡ ኣገባብን ተራን ኣብ መርዓ ዝዋስኡ ኣካላት ቁሩብ ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት፡ እቲ መርዓ ኣብ ከብዲ ዓዲ እንተኾይኑ፡ ኣዋልድ ንዓርከ-መራዓውትን ንወራድ-መርዓን ምጽራፍ ዘይኮነስ፡ ክልቲኦም ደቂ ዓደን ስለዝኾኑ፡ንመርዓትን ንመርዓውን “ንሳ ኩሕሎ ንሱ ወለሎ ---“ እንዳበላ ኢየን ዝወድሳ። ከምኡ’ውን፡ እቲ ዓዲ የሕማኣ ሩሑቕ እንተኾይኑ፡ ወራድ-መርዓ ምስ ዓርኪ-ሕልፎት ድሮ መርዓ ኢዮም ናብ እንዳ ጓል ሕድሮ ዝመጹ። ወራድ-መርዓ ብሓደ ማዓልቲ እንዳ ጓል ከይዶም መርዓቶም ሒዞም ክምለሱ ስለዘይክእሉ፡ እንዳ ጓልን እንዳ ወድን፡ “ወራድ-መርዓ ሕድሮ ይኹን” ኢሎም ኢዮም ዝሰማምዑ። ብስምምዖም መሰረት ካኣ፡ ወራድ-መርዓ ብድሮ፡ ምስ ዓርኪ-ሕልፎት ብናይ ዓርኪ-ሕልፎት ኣገባብ ኣተኣታትዋ ንእንዳ ጓል ይኣትዉ። እዚ ማለት ካኣ፡ እንዳ ጓል ንሕድሮ ወራድ-መርዓ እኽለ-ማይ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መሕደሪኦም መደቀሲ’ውን ከዳልዉ ኣለዎም። ስለዝኾነ፡ ኣቦ ጓል፡ ወራድ-መርዓ ሕድሮ ስለዝኾነ፡ “እገሌ ክንድዚ ኣጋይሽ ክትቅበል/ከተሕድር ኢካ” ኢሉ ነቶም መቐበል ኣጋሽ ክኸውን ዝክእል ገዛውቲ ዘለዎም ደቂ ዓዲ ነጊሩ ኢዩ ዝጸንሕ። እንዳ ጓል ኣጋይሾም ኣብ ዳስ ተቀቢሎም እኽለ-ማይ ምስበልዎም፡ ንወራድ-መርዓ ነናብ ኣቐዲሞም ዘዳለውሎም መደቀሲታት ይውጅህዎም (እቶም መደቀሲታት ዘዳለዉ ደቂ ዓዲ ናብ ዳስ መጺኦም ከክንዲ ዝተመድብሎም ይወስዱ)። እቶም ምስ ዓርኪ-ሕልፎት ጓይላ ክጻወቱ ኽሓድሩ ዝደልዩ ካኣ፡ ኣብ ዳስ ይተርፉ። ንጽባሓይቱ (ዕለተ መርዓ)፡ ኣብ ዘዝሓደርዎ ገዛ ቡኖም ሰትዮም ምስ ቆረሱ፡ ርፍድ መስበለ ናብታ ባይቶ ዓዲ እንዳኸዱ ብምእካብ፡ ከምቲ ኣብ ራባዓይ ክፋል ተገሊጹ ዘሎ፡ ብናይ ወራድ-መርዓ ኣገባብ ናብ ዳስ ንኽኣትዉ ምድላው ይጅምሩ። ናብ ዳስ እተዉ ምስተባህሉ ካኣ፡ ሰብ ከበሮን ደበልትን ኣምሪሖም፡ ብጨፋራይ እንዳ ተመርሑ ሆ እንዳበሉ ይኣትዉ’ሞ፡ እቲ ኩሉ ስነስርዓት መርዓ (ከምቲ ኣብ ራባዓይ ክፋል ተገሊጹ ዘሎ) ምስተዛዘመ፡ መርዓቶም ሒዞም ብእዋኑ ንዓዶም ክጓዓዙ ይጅምሩ።

ከምዚ ልዕል ክብል ዝተገልጸ፡ መርዓት ኣብ ዓዲ እንዳ የሕማኣ ቅድሚ ዓርከ-መራዓውትን ወራድ-መርዓን ኢያ ትበጽሕ። ኣዋልድ ደቂ ዓዱ ንመርዓዊ፡ ክጽበያኣ ጸኒሐን ገና ዓዲ እትው ክትብል ከላ ኢየን ብጸርፊ ዝቕበላኣ። ክሳብ መርዓት ኣብ ባይቶ ዓዲ ትበጽሕ፡ ጎኒ ጎኒን ብድሕሪትን እታ ሰሪራታ ዘላ በቕሊ እንዳኸዳ ጸርፈን ይቕጽላ። መርዓት ኣብ ባይቶ ዓዲ ምስበጽሐት፡ ክሳብ ወራድ-መርዓ ዝመጹ፡ ካብ በቕሊ ኣወርዶም ማእሲ ኣንጺፎም ኮፍ የብልዋ፡ እተን ኣዋልድ ዓዲ ካኣ ኣብቲ ባይቶ ዓዲ ከቢበን ጸርፈን ምጽራፍ ይቕጽላ። እቶም ሒዞማ ዝመጹ የዕሩኻ (ዓርኪ-ርእሳን ካለኦትን) ክከላኸሉላ ዋላዃ ዝፍትኑ እንተኾኑ፡ ንስተን ግን ንመርዓት ዝሰርፉ ደርፍታት ካብ ምድራፍ ኣየቓርጻን ኢየን። እቲ ንመርዓት ዝጸርፈኦ ጸርፍታት ብዙሕ ኢዩ:: ንኣብነት፡ “እንታይ ኣግዚምዋ ህበይ ጓሉ፡ ክልተ ጣዓዉ ሳልሰይተን ዒሉ (ኣድጊ ኣይግዘምን ኢዩ)፤ ብላይ ናይ ሰተታ ብላይ ናይ ሰተታ፡ ወያ ኣዴኽስ ብድሕረኺ መይታ፤ እቲ ጣዓዋ ገዝሚ ዘምጻእክዮ፡ ኣብ ተስካር ኣዴኺ ምለስዮ፤ ኣደይ እገሊት (ሽም ሓማታ እንድጸዋዓ) መሶብክን ክደና፡ መጽያትክን ቆርማሚት እንጀራ፤ ኣበይ ዳኣ ነይርኪ፡ ክልተ እኳ ምወለድኪ፤ ዓባይ ኢያ ክንዲ ኩምራ፡ ኣብቲ ጎቦ ሒዛቶም ሓዲራ፤ ዓባይ ኢያ ክንዲ ማሕስእ፡ ኣብቲ ጎቦ ሒዛቶም ትስዕስዕ፤ ዓባይ ኢያ ክንዲ ጻጸ፡ ኣብቲ ጎቦ ሒዛቶም ትቛጻጸ፤ ጓልዛ ሰራቒት ጻሕሊ፡ ኣብ ኮራርምታ ዝሓድር ሓምሊ ይብላኺ ኣለዋየ፤ ጓልዛ ሰራቒት መቑሎ፡ ኣብ ኮራርምታ ዝሓድር ቖሎ ይብላኺ ኣለዋየ፤ ወ.ዘ.ተ.” ክጥቀስ ይካኣል (ኣንበብቲ ካኣ ኣብ ከባቢ ተወሊድኩም ዝዓበኹምሉ እንታይ ከምዝባሃል ዘኪርኩም ወስኹሉ)።


ካብ መርዓት ቀጺሎም ዓዲ ዝኣትዉ፡ እቶም መርዓውን እቶም ምሱ ተሪፎም ዝነበሩ የዕሩኽን ኢዮም። መርዓዊ መጺኡ ዓዲ ኣትዩ ይባሃል’ሞ፡ ኣዋልድ ዓዲ ንመርዓት ምጽራፈን ገዲፈን ንዕኡ ክቕበላ እንዳተጓየያ ናብኡ ገጸን ይኸዳ። “መጺኻለይ ዶ ክጽበየካ፤ ኣያይ መጸ መጸ፡ ኣንበሳ ይመስል ካብ ዱር ዝወጸ፤ ኣያየ ወለሎ ግርማ ዝዓሰሎ፤ ሪኢኽዮ ዶ ኣያይ ክኣቱ ምስ ወርቂ ሳዓቱ፤ ወ.ዘ.ተ.”፡ ኢለን እንዳደረፋ ተቐቢለን ክሳብ ኣብ ባይቶ ዓዲ በጺሑ ናብ መርዓት ዝሕወስ እንዳደረፋ የስንየኦ። መርዓትን መርዓውን ምስ የዕሩኽ፡ ክሳብ ወራድ-መርዓ ዓዲ ኣትዮም ዝሕወስዎም፡ ኣብ ባይቶ ዓዲ ኢዮም ክጽበዩ ዝጸንሑ። ወራድ-መርዓ ኩሉም ጸሪሮም ዓዲ ምስኣተዉ፡ ናብ ዳስ ንኽኣትዉ ኣብ ባይቶ ዓዲ ምስ ዓርከ-መራዓውቲ ብምትእኽኻብ ምድላው ይጅምሩ። ዳስ ንወራድ-መርዓ ንምቕባል ተዳልዩ ኣሎ ምስተባህለ፡ ወራድ-መርዓ፡ መርዓዊ ኣማእኪሎም፡ ብጨፋርይ እንዳተመርሑ፡ ሰብ ከበሮን ደበልትን ብቕድሚት፡ ከበሮ እንዳሃረሙን እንዳ ደብሉን፡ መርዓት ካኣ በቕላ ሰሪራ ደድሕሪ ወራድ-መርዓ እንዳተኸተለት፡ “ስቦ ለጌብ ስቦ---“ እንዳበሉ (ብኸምቲ ኣብ 4ይ ክፋል ተዘርዚሩ ዘሎ ኣገባብ) ናብ ዳስ ይኣትዉ። መብዛሕትኡ ጊዜ፡ እቲ “ለጌብ ስቦ---”፡ ካብ ባይቶ ዓዲ (ርሕቕ ዝበለ) ዝጀመረን፡ ብሓያል ደባሊታት (ጉረደ ምዝላላትን ምጽሕታር መሬትን)፣ ብዝንቁ ከበሮ ኣስራዝን ንሰማይ ብዝዘሉ ሃረምቲ ከበሮን፣ ብዝፋጺ ጭራ ዋጣ፣ መሬት ብዝጨድድ ዕልልታ ኣዴታትን፡ መሬት ከም ጸሓይ ብርሃን ብዝቐድድ ሓልሃልታ ጉድጉዶታትን” ዝተሰነየ ኣዝዩ ውዕውዑን ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝቕጽልን ኢዩ ዝኸውን። ወራድ-መርዓ፡ “ብመገለለ ---” ምባል ወዲኦም ኣብ ዝተዳለዎሎም ቦታ ኮፍ ምስበሉ፡ ስነስርዓት ድራር ወራድ-መርዓ ይጅመር።

መርዓት፡ ካብ በቕላ ከይወረደት፡ ኣብ ዳስ ቅልቅል ኢላ (ተሳሊማ) ኢያ ተመሊሳ ናብቲ ዝተዳለወላ “ቤት-ሒማ” ትኸይድ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካኣ፡ መርዓት ኣብ ደምበ እንዳ የሕማኣ ከይኣተወት ናብቲ ዝተዳለወላ “ቤት-ሒማ” ክትከይድ ስለዘይግባእ ኢዩ። “ቤት-ሒማ” ማለት፡ እንዳ ዘይተፋትሑ [እታ ሰበይቲ፡ ነቲ ሰብኣይ ናይ መጀመሪኡ (ሒሙኡ) ዝኾነት፡ እቲ ሰብኣይ ካኣ ነታ ሰበይቲ ናይ መጀመሪኣ (ሒማኣ) ዝኾነ] ገዛ ማለት ኢዩ። እዚ ዝግበር ካኣ፡ ከም ጽቡቕ ፋል ኮይኑ፡ እቶም ሓደስቲ መርዑ፡ ከምቶም ዝኣትውዎም ዘለዉ ገዛ/ቤተ-ሰብ፡ ኣብ ሓዳሮም ጸኒዖም ንኽነብሩ ኢዩ። መቸስ፡ መርዓት ገጻ ተሸፊና ስለዘይትኽፈት፡ ብማዕዶ (ርሕቕ ኢልካ) ገጻ ኣይትረአን ኢያ። ስለዝኾነ፡ ኣወዳት ጎርዞ-ጉላ፡ ንመርዓት ቅርብ ኢሎም ክርእይዋ መታን፡ ናብ “ቤት-ሒማ” ክኣትዉ ክፍትኑን፡ የዕሩኽ ካኣ ከይኣትዉ ክኽልክልዎም ዘሎ ሸኾርተት ማዓት ኢዩ። ኣዋልድ ዓዲ’ውን፡ መርዓት ካብ ዳስ ቅልቅል ኢላ ተመሊሳ ናብ “ቤት-ሒማ” ክትከይድ ከላ፡ ንመርዓት እንዳጸረፋ፡ ንመርዓዊ ካኣ እንዳ ወደሳ፡ ደድሕሪኣ ኢየን ዝኽተላኣ። ናብ “ቤት-ሒማ” ክኣትዋ ስለዘፍቀደለን ግን፡ ኣብቲ ደገ (ደምበ) ኮይነን ምጽራፈን ይቕጽላ። የዕሩኽ ከጓይይወን፡ ንሳተን ካኣ ኣይፋልናን ክብላ፡ ሸኾርተት ኢዩ ዝቕጽል። ነቶም ዘጓይይወን ዝፍትኑ የዕሩኽ ከተረፈ’ውን ይጸርፈኦም ኢየን። ኣብ መጨረሻ፡ “ከም ዱባ የሐንጢባ ኢያ፡ ከም መሸላ ቛቝባ ኢያ፡ ኣያየ ግበራ ትግበር ኮይና ኢያ” ኢለን ብምድራፍ፡ ንመርዓዊ መልእኽተን የሕሊፈን፡ ናብ ዳስ ምስለአን ክሓታ ይከዳ። “ኣደይ እጌሊት (ሽም ናይ ኣደ መርዓዊ እንዳጸዋዓ) ወርቂ ሕዛበን፡ ለጋስ እንተኾይነን ሕጂ ንዕዘበን፤ ኣንበሳ ድምጻ፡ ብሩር መወጻ ይብላኺ ኣለዋየ፤ ወ.ዘ.ተ.” ኢለን እንዳደረፋ ምስለአን ይሓታ። ስነስርዓት ምስለ ካኣ፡ ልክዕ ብኸምቲ ኣብ እንዳ ጓል (ኣብ 4ይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ተገሊጹ ከምዘሎ) ዝግበር ኣገባብ ይፍጸም።

እዚ እንዳኾነ ከሎ፡ የዕሩኽ፡ ምስተን ናይ ዓርከ-መራዓውቲ እኽለ-ማይ ከዳልዋ ዝተመዘዛ ኣንስቲ/መርዑ ብምርኻብን ብምልዛብን፡ ውራይ ድራር ዓርከ-መራዓውቲ ኢዮም ዝገብሩ። በቲ ካልእ ሸንኽ ካኣ፡ ሽም ዳስ ምስ ተሓጋገዝቱ፡ ዋኒን ድራር ወራድ-መርዓን ዘይተድሩ ዕዱማት ኣጋይሽን (ኣብ መርዓ ወዲ፡ ብዙሓት ዝሓድሩን ዝቕንዩን ኣጋይሽ ክህልዉ ባህርያዊ ኢዩ) ኢዩ ዝገበር። መቸስ፡ ኣብ እንድ ወዲ፡ ድራር ክሳብ ምሸት (ብሕልፊ ወራድ-መርዓ ደንጉዮም እንተዳኣ ኣትዮም) ክቕጽል ይክእል ኢዩ። ኩሉ ሰብ ምስተደረ (ሽም ዳስን ተሓጋገዝቱን፡ ዋኒን ድራር ምስ ኣጻፈፉ)፡ ስነስርዓት ጓይላ ይጅምር። ጎርዞ ጉላ (መናእሰይ) ዓዲ፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ቤተ-ሰብን፣ ካብ ጎዶቦ ዓድታት፡ ጓይላ ንክጻወቱ ዝመጹ ኣጓብዝ ጎዶቦ፣ ዓርከ-መራዓውቲ፣ ደቂ ዓዲን ኣብላት ቤተ-ሰብ ውራይን ብሃንቆውታ ኢዮም ነታ ምጅማር ጓይላ ዝጽበዩዋ። ጓይላ ንምጅማር፡ ኩሉ ኮፍ መበሊ ጠዋሉ፡ ጸግዒ ጸግዒ ዳስ የትሕዝዎ፣ ጥርሑ ዝኾነ ቦጣትን ኣጋንእን ካብ ዳስ ይወጸ፣ ኩሉ ሰብ ጸግዒ ጽግዒ ዳስ በበትኡ (ናይ ኣጋይሽ፣ ናይ ኣዋልድን ኣንስትን፣ ናይ ደቂ ጎዶቦ፣ ናይ ደቂ ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ይሕዝ፣ ሓዊ ኣብ ማእከል ዳስ ይእጎድ፣ በትሮ-ማክስ (መብራህቲ) ኣብ ማእከል ዳስ ይንጥልጠልን፡ እምኒ ይኹን ዝኾነ ከዐንቅፍ ዝኽእል ነገር ካብ ናይ ጓይላ ቦታ ይላዓልን። እዚ ኩሉ ምስተገብረ፡ ሓደ ካብቶም ኣሳሰይቲ፡ “እገሌ (ሽሙ ብምጽዋዕ) ዶ ኣባ-ጓይላ ይኹነልና” ኢሉ ንዳስ ይሓትት። እቲ ጠለብ’ውን ካብ ዳስ “ኣባ-ጓይላ እገሌ፡ ኣባ-ጓይላ እገሌ፡ ኣባ-ጓይላ እገሌ” ብዝዓይነቱ ጫው ጫው ክብገስ ይኽእል ኢዩ። “ኣባ-ጓይላ እገሌ ዶ ይኹነልና?” ዝብል ሕቶ ናብ ዳስ ምስቀረበ፡ ዳስ/ዓዲ ነቲ ሰብ እንተዳኣ ፈትይዎ፡ “ይርሓሰና፡ ይርሓሰና፡ ይርሓሰና” ብምባል ኣባ-ጓይላነቱ ዳስ ተጠምቐሉ። እንተዘይ ፈትይዎ ግን፡ “ኣይፋልናን፡ ኣይንደልን” ኢሉ ዳስ ይነጽጎ’ሞ፡ ካልእ ሰብ ኣባ-ጓይላ ንኽኸውን ይሕጸ። ሕጂ’ውን፡ ዳስ/ዓዲ እንተዳኣ ፈትይዎ፡ “ይርሓሰና፡ ይርሓሰና፡ ይርሓሰና” ብምባል ኣባ-ጓይላነቱ የጠምቐሉ፡ እንተዘይ ፈትይዎ ካኣ፡ ይነጽጎ። እቲ መስርሕ፡ ብኸምዚ መልክዕ፡ ክሳብ ዳስ/ዓዲ ዝፈትዎ ኣባ-ጓይላ ዝርከብ ይቕጽል። መብዛሕትኡ ጊዜ ግን፡ ኣባ-ጓይላ ዝኮኑ ደቂ ዓዲ ባዓል መን ምዃኖም ፍሉጣት ስለዝኾኑስ፡ “ኣባ-ጓይላ እገሌ ይኹነልና ዶ ክባሃል ከሎ፡ እቲ ኣባ-ጓይላ ንኸውን ዝርቛሕ ዘሎ ሰብ፡ ሓደ ካብዞም ፍሉጣ ሰባት ስለዝኸውን”፡ ዳስ/ዓዲ ካኣ ““ይርሓሰና፡ ይርሓሰና፡ ይርሓሰና” ብምባል ኣባ-ጓይላነቱ ስለዘጠምቐሉ፡ እቲ መስርሕ ኣብ መጀመሪያ ዙርያ ኢዩ ዝውዳእ።

“ይርሓሰና” ማለት፡ ብሕጊ ኣባ-ጓይላ ክንግዛእ ፍቓደኛታት ኢና፡ ንስልጣን ኣባ-ጓይላ ካኣ ኣፍልጦ ንህብ ኣለና ማለት ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ዝኾነ ሰብ፡ ኣባ-ጓይላ ከበሮ ከይዓደሎ፡ ከበሮ ብእደ-ዋኒኑ ኣይሕዝን ኢዩ። ኣጋጣሚ እንተሒዙ’ውን፡ ኣባ-ጓይላ፡ ከበሮ ኣቐምጥ ክብሎ ከሎ፡ ብዘይ ዕጥይጥይ ከቐምጣ ኣለዎ። መቸስ፡ ኩሉ፡ ዝኽእልን ዘይክእልን፡ እንድዩ ከበሮ ክሃርም ዝደሊ (ናይ ከበሮ ወልፊ ካኣ ፍሉይ ኢዩ)፡ ንኣባ-ጓይላ፡ ከበሮ ናዓይ ሃበኒ ናዓይ እባ ሃበኒ ዝብሎ ኢዩ ዝበዝሖ። ኣባ-ጓይላ ካኣ፡ መዋቕዕቲ (ዘሳንዩ) ኣለልዩ ከበሮ እንዳ ዓደለ፡ ነቲ ጓይላ ደሚቑ ንኽሓድር ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ። ምናልባት፡ እቶም ከበሮ ዝተዓደሉ ሰባት፡ ዘየሳንዩ ኮይኖም እንተተረኺቦም፡ “ከበሮ ተባላሻይ” ይብሃል’ሞ፡ ኣባ-ጓይላ ካኣ፡ “ከበሮ ኣውርድዎ” ኢሉ ንኻለኦት ዘሳንዩ፡ “ከበሮ እገሌን እገሌን እገሌን” ኢሉ ብምጽዋዕ ይዕድሎ። ስለዚ ኢዩ ካኣ፡ ኣባ-ጓይላ ዝኸውን ሰብ፡ ኣብቲ ዓዲ ተቐባልነት ዘለዎን ናይ ምጽዋት ክእለትን ኣፍልጦን ዘለዎ ክኸውን ተመራጺ ኢዩ ዝባሃል። ብተውሳኺ፡ ጓይላ፡ ነብሱ ዝኻኣለ ሕግታትን ልምድታትን ስለዘለዎ፡ ሕግታት ጓይላ ዝፈልጥ’ውን ክኸውን ይግባእ። ንኣብነት፡ ደቂ ዓዲ ክልተ ጊዜ ከበሮ መስታዓደሉ (ምስሃረሙ)፡ ሳልሳይ ንደቂ ጎዶቦ ዓዲ (ካብ ጎደቦ ዓድታት ጓይላ ክጻወቱ ንዝመጹ) ሽም ናይታ ዓዲ እንዳጸወዐ (ከበሮ ንዓዲ እገሌ እንዳበለ)፡ ኣባ-ጓይላ ከበሮ ንኽዕድል ሕጊ ዓዲ የገድዶ ኢዩ። ኣባ-ጓይላ፡ ተፈታውን/ተፈራሕን ሓያል ኪኢላን እንተዘይኮይኑ፡ ብሰንኪ “ከበሮ ናዓይ ናዓይ እባ” ዝላዓሉ ዕግርግራት፡ ጓይላ ትባላሾ ኢያ። ኣንበብቲ፡ ኣባ-ጓይላ ከበሮ ስለዘይዓደለኩም፡ የዕገርጊርኩም ዶ ትፈልጡ? ክንደይ ጊዜ? ወይ’ውን፡ ኣባ-ጓይላ ከበሮ ዘይዓደለና ኢሎም ዘዕገርግሩ ሰባት ገጢሞሙኹም ዶ ይፈልጡ? ዘኽሩስኪ።

መቸስ፡ ከምዚ ሎሚ “ሕውስ ውስ” ኢልካ ዘይኮነስ፡ ቀደም ሳዕሳዒት፡ ክቢ ብምስራሕ፡ ተማራሪሕኻ ኢዩ ዝስዕሳዕ ዝነበረ። እቲ ስነስርዓት ብከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ዝስራዕ፦ ኣብ ማእከል እታ ክቢ፡ ሓዊ ኢዩ ዝእጎድ፤ ሰብ ከበሮ፡ ነታ ሓዊ ከቢብም እንዳዘሩን እንዳዘለሉን ኢዮም ዝሃርሙ፤ ወቓዕ ጭራ-ዋጣ፡ ብውሽጢ ክቢ ሳዕሳዕቲ እንዳ ዞረን ምስ ሃረምቲ ከበሮ እንዳዘለለን ኢዩ ጭራ-ዋጥኡ ዝሃርምን ዝደርፍን፤ ኣባ-ጓያልን ተሓጋግዝቱን፡ ኣብ ማእከልን ኣብ ክሊ ሳዕሳዕትን እንዳ ዘሩ የማሓድሩን ይቖጻጸሩን፤ ዝኾነ ካልእ ሰብ ናብ ማእከል ናይ ጓይላ ቦታ፡ ኣባ-ጓይላ ከይጸወዖ ክኣቱ ኣይፍቐዶን ኢዩ፤ እቲ ሳዕሳዒት ዘይኣተወ ተሳታፋይ ጓይላ ካኣ፡ ጸግዒ ጸግዒ ዳስ ዶው ኢሉ ክቢ ብምስራሕ የጣቕዕን ንጭራ-ዋጣ ደርፊ ይቕበልን። ናይ “ኩዳ” ሳዕሳዒት፣ ህርመት ከበሮን ቅኒት ጭራ-ዋጣን፡ ካብ ናይ “ስብራ” ሳዕሳዒት፣ ህርመት ከበሮን ቅኒት ጭራ-ዋጣን፡ ፍልይ ዝበሉ ኢዮም። ሳዕሳዒት፡ መጀመሪያ፡ ብሰተተት ሰተተት ዝብል ኩዳ፣ ብንጽል ህርመት ከበሮን ብንጽል ቅኒት ጭራ-ዋጣን ተሰኒዩ ንዝተወሰን ጊዜ ምስቀጸለ፡ “ደርብ ከበሮ” ይባሃል’ሞ፡ ህርመት ከበሮ ድርብ ይኸውን፡ ጭራ-ዋጣ’ውን ናይ ድርብ ቅኒት ይሃርም፡ ሽዑ ሳዕሳዒት ካብ ኩዳ (ሰተተት ሰተተት) ናብ ስብራ (ሰቐጥቐጥን ቁልጡፍ ናይ መንኮብ ምንፍርፋርን) ተሰጋጊሩ፡ ውዑይ ምንቅስቓስ ዝተሓወሶ ሳዕሳዒት ንዝተወሰነ ጊዜ ይቕጽል። ኣብ መጨረሻ፡ “ከበሮ ሓደ ሓደ” ይብሃል’ሞ፡ ካላኣይ ዙርያ ኩዳ ይጅምር። ብኩዳ ዝጀመረ ካላኣይ ዙርያ፡ ብስብራ ምስተወደአ፡ ከበሮ ኣውርድዎ ይባሃል። ሓደ ሓደ ጊዜ ካኣ፡ ድሙቕ ጓይላ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ፡ “ንሰልሶ ንሰልሶም ዳኣ ይብሉኽ” ኢሉ ዳስ ክደርፍ ይጅምር’ሞ፡ ሳልሳይ ዙርያ ሳዕሳዒት ይቕጽል። ሓደ ሓደ ጊዜ’ውን፡ ሃረምቲ ከበሮ (እቶም ከበሮ ክወቕዑ ዝጸንሑ)፡ “ከበሮ ክሽ ከሽ” [ከበሮ ከየውረድና ሳልሳይ ንቐጽል ማለት ኢዩ] ይብሉ’ሞ፡ ኣባ ጓይላ እንድሕራዳኣ ፈቒድሎም፡ ሳልሳይ ዙርያ ሳዕሳዒት ዝቕጽለሉ ኩነታት’ውን ኣሎ። ኣባ-ጓይላ ካኣ፡ እገሌን እገሌን እገሌን ኢሉ ብሽሞም እንዳጸወዐ ንተረኛታት (ብሕጊ ዓዲ መሰረት) ከበሮ ምስዓደለ፡ ሳዕሳዒት መን ካኣቱ ከምዘለዎ፡ ማለት፡ ሳዕሳዒት ናይ ዓበይቲ፣ ናይ ወለደኛ፣ ናይ ቆልዑ፣ ናይ ኣንስቲ፣ ናይ ኣጋይሽ፣ ናይ መርዑ፣ ናይ ዓርከ-መራዓውቲ፣ ወ.ዘ.ተ. እንዳበለ፡ ክሕብር ይኽእል’ውን ኢዩ። እዚ ማለት ካኣ፡ ንኣብነት፡ ሳዕሳዒት ናይ ዓበይቲ፣ ናይ ወለደኛ፣ ወ.ዘ.ተ. ኢዩ እንተይሉ፡ ብጀካ እቶም ዝተፈቕደሎም ዓበይቲ፣ ወለደኛ፣ ወ.ዘ.ተ. ካለኦት ሳዕሳዒት ከይኣትዉ፡ ኣባ-ጓይላ ይክልክሎም፡ እንተዳኣ ኣትዮም’ውን የውጸኦም። ጓይላ፡ ብከምዚ ኣገባብ ወጋሕ ትበል ለይቲ ይሓድር።

ካልእ ኣገዳስን ኩሉ ሰብ ዘስተባህለሉን ዝጽበዮን ፍጻሜ እታ ለይቲ፡ ብወገን ዓርከ-መራዓውቲ ዝግበር ዋኒን ኢዩ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ፡ ድራር ዓርከ-መራዓውቲ፡ ፍሉይ ኢዩ። ዓርኪ ርእሲ፡ ምስተን ድራር ዓርከ-መራዓውቲ ከዳልዋ ዝተመዘዛ ኣንስቲ (መርዑት) ተላዚቡ፡ ድራር (እንጀርኡ፣ ጸብሑን ስውኡን) ከምዝተዳለወ ምስ ኣረጋገጸ፡ የዕሩኽ ድራር ተዳልዮ ኣሎ ካብ እገሊት (ብሽማ እንዳጸወዐ) ከይድኹም ኣምጽኡ ኢሉ ይልእኽ። የዕሩኽ ካኣ፡ ከምቲ ዝተባህልዎ፡ ድራር ከይዶም የምጽኡ’ሞ፡ ድራር ዓርከ-መራዓውቲ ይጅመር። ስነስርዓት ድራር ዓርከ-መራዓውቲ፡ “ምኩልላስ” ዝበዝሖ ኮይኑ፡ የዕሩኽ ንመርዓትን ንመርዓውን እንዳኾለሱ ከምዝምገቡ ይገብሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነንሕዶም’ውን ይኮላለሱ ኢዮም። ብሕልፊ፡ መርዓት ሓፊራ ምብላዕ እንተኣብያ፡ የዕሩኽ፡ እንዳ ኣቃባጠሩን ብጥበብ እንዳ ለመኑን፡ እንዳ ኣኾለሱ ከምትምገብ ክገብሩ ኣለዎም። ስነስርዓት ድራር ዓርከ-መራዓውቲ ምስተዛዘመ፡ እቶም ዝበዝሑ የዕሩኽ ናብ ዳስ ጓይላ ክጻወቱ ይኸዱ፡ እቶም ዝተረፉ ካኣ ምስ መርዓትን መርዓውን ኣብ ቤት-ሑማ ይጸንሑ። ኣወዳት ጎርዞ ጒላ፡ ዕላል መርዓትን መርዓውን ክሰምዑ (ክጸናጸኑ) ስለዝደልዩ፡ ካብ ከባቢ ቤት-ሑማ ኣይጠፍኡን ኢዮም። ሓደ ስራሕ ናይ የዕሩኽ ካኣ፡ ነዞም ጎርዞ ጒላ ካብ ከባቢ ቤት-ሑማ ምስጓግ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ጎርዞ ጒላ፡ ምንቅስቓስ የዕሩኽ እንዳተኸታተሉ ክጸናጸኑ ክፍትኑን፡ የዕሩኽ ካኣ ከሳጕጕዎም ክፍትኑን፡ ክሳብ መርዓትን መርዓውን ጉዳዮም ዝገብሩ፡ ሸኮርተት ኢዩ ዝኸውን። ምጽንጻን መርዑ ሕጹኖት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ጊዜ ጥሪ ዝዝውተሩ ልምድታት ጎርዞ ጒላ ኢዩ። ጎርዞ ጒላ፡ መርዓትን መርዓውን ምስደቀሱ፡ ኣብ መንደቅ (ብወገን እታ ደቂሶሙላ ዘለዉ ንእዲ) ወይ’ውን ኣብ ማዕጾ እታ ገዛ ጽግዕ ኢሎም፡ ዕላል መርዑ ይሰምዑ’ሞ፡ ንጽባሓይቱ ኣብ እንዳ መርዑ ከይዶም፡ ነቲ ዝሰምዕዎ ዕላል፡ ከም መስሓቂ፡ “ከምዚ በለቶ፡ ከምዚ ካኣ በላ” እንዳበሉ ይደግምዎ። ምጽንጻን፡ ትንፋስካ ሓቢእካ፡ ሓሸሽ ጣሕመሽ ከይበልካ፡ መርዓትን መርዓውን ከይሰምዑኻ፡ ዝግበር ስለዝኾነ፡ ጥበብ ዝሓትት ልምዲ ጎርዞ ጒላ ኢዩ። ትብዓት’ውን ዝሓትት ኢዩ። ምናልባት፡ መርዓዊ እንተዳኣ ሰሚዑዃ ግን፡ ወጺኡ የጓይየካ፡ እንተ ዳኣ ኣርኪቡ ቐጥቂጡዃ ካኣ ከምዝተቐጥቐጥካዮን ከምዝተሰበርካዮን ኢኻ ትከይድ። የዕሩኽ፡ ክትጸናጸን እንተሪኦሙኻ’ውን፡ ከጓዩዩዃ ይኽእሉ ኢዮም። ኣንበብቲ፡ ተዘክሮታትኩም ብዛዕባ “ምጽንጻን” እንታይ ይመስል? ተዘርዚሩ ዘይውዳእ መስሓቓት ተዝክሮታት ከምዝህልወኩም ኣይጠራጠርን ኢየ። ገሌኹም፡ ካብ መርዓዊ ክትሃድሙ ከለኹም ዝወደቕኩም፣ መርዓዊ ኣርኪቡ ዝቐጥቐጠኩም፣ እንዳ ተጻናጽንኩም ከለኹም ሳሓቕ ዝመለቖኩም፣ ወ.ዘ.ተ. ክትኮኑ’ውን ትኽእሉ ኢኹም። ካብ ንመርዑ ሕጹኖት ወይ ንሓደስቲ መራዓውቲ ወጻኢ ንካሎት ሰብ ሓዳር ምጽንጻን ግን ብሕጊ ዓደቦ ክልኩል ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንስሓ ዘድልዮ “ጽያፍ” ተግባር’ውን ኢዩ።

ጓይላ ተጀሚሩ ርስን ስን ምስበለ፡ እቶም ምስ መርዓትን መርዓውን ዝጸንሑ ውሑዳት የዕሩኽ፡ ንመርዓትን ንመርዓውን ንበይኖም ገዲፎሞም ካብ ቤት-ሑማ ይወጹ’ሞ፡ መርዓትን መርዓውን ካኣ “ጉዳዮም” ንኽገብሩ ይድቅሱ። ቅድሚ ምውጸኦም ግን፡ የዕሩኽ ንመርዓት ከማሉኡላ ዘለዎም መሰል ኣሎ። ንሱ ካኣ “ብመፍትሒ ስረ” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ንመርዓት ክዋሃባ ዘለዎ ገንዘብ ኢዩ። መርዓት ምስ መርዓዊ ንኽትድቅስ፡ እዚ ገንዘብ እዚ (መፍትሒ ስረ) መጀመሪያ ክዋሃባ ኣለዎ። ዓርኪ ርእሲ፡ ምስ መርዓት፡ ንሳ ንትጠልቦ ገንዘብ፡ ውጻእ-ውረድ ኢሉ፡ ተሰማሚዑ እቲ ዝግባኣ ገንዘብ ክህባ ኣለዎ። እቲ ዝግባኣ ገንዘብ መስተዋህበት፡ መርዓት ሕራይ ኢላ ምስ መርዓዊ ትድቅስ’ሞ፡ መርዓትን መርዓውን ካኣ ጉዳዮም (ናይ ሰብኣይን ሰበይትን) ይገብሩ። እዚ፡ መርዓትን መርዓውን ንመጀመሪያ ጊዜ ዝራኸቡሉ ዘለዉ ኣጋጣሚ ስለዝኮነ፡ “ምስናዮምን ወይ ዘይምስናዮምን” ዝፈልጥሉ ኩነታት ኢዩ ዝፈጥር። እንድሕርዳኣ ኣሳንዮም፡ ብስራት ናይ ምስናዮም ዝኾነ “ምልኽት ጋማ” ነቲ ኣብ ደገ ቤት-ሑማ ኮይኑ ክጽበ ዝጸንሐ ዓርኪ ርእሲ፡ መርዓዊ ይህቦ’ሞ፡ ዓርኪ ርእሲ (ወይ ሓደ ካብቶም የዕሩኽ) ካኣ ነታ “ምልክት ጋማ” ሒዙ ናብ ዳስ ብምኻድ፡ ኣብ ማእከል ሂር ዝብል ጓይል ጠኒኑ ብምእታው፡ “መርዓትን መርዓውን ኣሳንዮም” ዝብል መልእክቲ ዘለዎ “ፍሉይ ድምጺ” ዓው ኢሉን ደጋጊሙን ብምድማጽ፡ ነታ “ምልክት ጋማ” ሒዙ ኣብ ዳስ ብምኹላል፡ ብስራት ይነግር። ነቲ ብስራት፡ ማኣስ ኢዩ ዝመጽእ/ዝንገር ኢሉ፡ ኩሉ ዝዓበየን ዝናኣሰን፣ ጋሻን ወዲ ዓድን፣ ስብኣዩ ሰበይቱ፣ ወዱ ጓሉ፣ ወ.ዘ.ተ.፡ ብሃንቀውታ ክጽበዮ ስለዝጸንሕ፡ ሽዑ፡ ጎርዞ ጒላ ነቲ ዓርኪ ተኸቲሎም፡ ነቲ “ፍሉይ ድምጺ” እንዳ ደጋገሙ ብምባል፡ ዳስ ብማዕበል እቲ “ፍሉይ ድምጺ” የናውጽዋ፤ ኣንስቲ ደጋጊመን የዕልላ፤ ሃረምቲ ከበሮ ዝያዳ ይሓኑን ዳስ ዘርክብ ዝላታት ይዘሉን፤ ወቓዕ ጭራ-ዋጣ ይንህር፤ ሳዕሳዕቲ ዝያዳ ይቆጻጸዩ፤ ወ.ዘ.ተ.። ሕጽር ብዝበለ፡ ፍሉይ ህሞት ኢዩ ዝፍጠር። ዳስ ብታሕጓስ ትውጭጭ፡ ኩሉ ሰብ ይሕጎስ፡ ጓይላ ካኣ ወጋሕ ትበል ለይቲ ንኽሓድር ደሚቑ ይቕጽል። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ (ድሕሪ 3 ወይ 4 ምሉእ ጓይላታት ምውጻእ)፡ ጓይላ “ዕሰለየ” ኢያ ይባሃል’ሞ፡ ኣባ-ጓይላ መሪጹ ንንፋዓት ሃረምቲ ከበሮ፡ ከበሮ ይዕድል፡ የዕሩኽ ካኣ መርዓዊ ኣማእኪሎም ሳዕሳዒት ይኣትዉ። “ዕሰልየ ሆ ዕሰልየ ዕሰል፤ ዕሰልይ ሆ ዕሰልይ ዕሰል፡ ዓሳሊ ድየ ኣብ ማይ ዝዓስልየ፤ ዕሰልየ በሉ፡ ግርማ ታዓደሉ፤ ዕሰልየ በል ንኣቦኻ ምሰል፤ ወ.ዘ.ተ.” እንዳተባህለ ይድረፍ። እቲ ጓይላ ኣዝዩ ድሙቕ ኢዩ ዝኸውን። መርዓውን መርዓትን ምስናዮም ስለዝተበሰረን፡ ማእከል ናይዚ ሓጎስ እዚ ዝኾነ መርዓዊ ስለዝኾነ ካኣ ዝስዕስዕ ዘሎን፡ ምሉእነት ናይት መርዓ ዝገልጽ ህሞት ኢዩ ዝፍጠር። ሽዑ፡ ዋላ እተን ጸኒዐን ተቛጺረን ዝነበራ ቅናታውቲ ከይተረፋ ይፍታሓ’ሞ፡ መርዓዊ ብሽልማት ገንዘብ ዓቕሉ ክሳብ ዝጸቦ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ናይ ዕሰልየ ጓይላ ብከምዚ ኣገባብ ክሳብ ሳልሳይ ዙርያ ይቕጽል።

ኣብ ኣጋ ወጋሕታ፡ “ኣስታሊለይ” ዝባሃል ጸውታ ኢዩ ዝጽወት። እቲ ዓይነት ሳዕሳዒት፣ እቲ ህርመት ከበሮን እቲ ቅኒት ጭራ-ዋጣን ካብቶም ኣብቲ ዝሓደር ጓይላ ዝነበሩ ፍልይ ዝበሉ ኢዮም። አስታሊለይ፡ ምስ ናይ ብሐረ-ትግረ ሳዕሳዒት ተማሳስልነት ኣለዎ። ምስ ወግሐ ካኣ፡ ሓውሲ በለት ነብሲ ተባሂሉ ይድረፍ። ሓውሲ ቀሪቡ ምስተበልዐ፡ ስነስርዓት ጓይላ ይዛዘም። ሰብ ውራይ ካኣ ዋኒን ምድላው ንጽባሕ ዕለተ መርዓ ይጅምሩ። መርዓ ክልተ ማዓልቲ እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ካላኣይ ማዓልቲ’ውን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ማዓልቲ፡ ክብላዕን ክስተን ኢዩ ዝውዕል። ሻም ዳስን ተሓባበርቱን ተመዚዞም (ወይ እቶም ኣብ ቀዳማይ ማዓልቲ ዝነበሩ፡ ወይ’ውን ሓደስቲ)፡ ኣጋይሽ ከነባብሩ ኢዮም ዝውዕሉ። ሰብ ውራይ ካኣ፡ ነቶም ካብ ርሑቑን ካብ ቐረባን ዝመጹ ዕዱማት ኣጋይሾም ከፋንዉ ይውዕሉ።

ስራሕ የዕሩክ’ውን ተጀሚሩ እምበር ኣይተወደአን። ጓይላ ምስተዛዘመ፡ የዕሩኽ ብቐጥታ ኣመት(ጉዳይ) ቑርሲ ዓርከ-መራዓውቲ ኢዮም ዝገብሩ። እንድሕርዳኣ፡ መርዓትን መርዓውን ጉዳዮም ገይሮም’ሞ እንተዳኣ ምስናዮም ኣበሲሮም፡ ዓርከ-መራዓውቲ፡ ፍልይ ዝበለት ጋዓት ኢዮም ዝቖርሱ። እዛ ፍልይ ዝበለት ጋዓት፡ ብዋሓለታት (ኪኢላታት) ኣንስቲ (መርዑ) ትዳሎ ኮይና፡ ናይ “ጋማ ጋዓት” ተባሂላ ካኣ ትጽዋዕ። ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ናይ “ጋማ ጋዓት” ንኹል ነቲ ክሳብ ዝወግሕ ኣብ ጓይላ ዝሓደረ ሰብ፡ ከም ሓውሲ ኮይና ትብላዕ ኢያ። ኩሉ ዘዝበልዐ ካኣ “ፈረይትን ጸገይትን” ይግበሮም እንዳበለ ይምርቕ።

መደምደምታ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ፡ መርዓ፡ ብኹሉ ኣካላት ዓዲ (ቆልዑ፣ ኣዋልድ፣ ኣንስቲ፣ ሰብኡትን ኣጓብዝን፣ ትካላት ዓዲ፣ ንብረት ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ምውሳእ ዝዕመም ኣገዳስን ክብሩን ውራይ ዓዲ ኢዩ። እቲ ኩሉ ንውራይ መርዓ ንምኽያድ ዝግበር ንጥፈታት፡ ኣብቲ ዓዲ “ማሕበረ-ሰባዊ ስጥመት፣ ሓልዮት፣ ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ሰላም፣ ዓዳዊ መንነት፣ ወ.ዘ.ተ.” ንኽፍጠርን ዓዅኹ ንኽድልድልን ይገብር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ጎበዝ ተምርዕዩን ተደርዕዩን ተካኢ መጻኢ ወለዶ ክፈርን ክጸግን ተኽእሎ “ባህርያዊ ከባቢኣ ዝተሓለወት” መበቆል ዓዲ ከምትህልዎ’ውን ይገብር ኢዩ። እሞ፡ ከምዚ ካብ ኮነ፡ እስከ ኣንበብቲ ምልስ ኢልኩም ብዛዕባ እታ ተወሊድኩም ዝዓበኹምላ ዓዲ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ሕሰቡ። እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ፡ ኣሎ ዶ? ይግበር ዶ? እተን ዝቕበላ ኣዋልድ ኣለዋ ዶ? እቶም ዝዘሉን ኩሉ ንጥፈታት ዝዓሙን ኣጓብዝን መንሰያትን ኣለዉ ዶ? እቶም ወራድ መርዓ ወሪዶም ኩሉ ዝግባእ ገይሮም መርዓት ሒዞም ዝምለሱ ዓበይቲ ዓዲ ኣለዉ ዶ? እቶም ማይን ናይ መርዓ ናውቲ ዝጓርቱን (ዝላኣኹን)፡ ዋላ ብጫው ጫዎም ከይተረፈ ንመርዓ ሂወት ዝህቡን፡ ቆልዑን ኮተቴን ኣለዉ ዶ? እተን ለይትን ማዓልትን ሰሪሐን “ኣየ ውራይ” ዘብል እኽለ-ማይ መርዓ ዘዳልዋን፡ ንመርዓት ንመርዓውን ዕልል እንዳበላ ዝቕበላን ኣዴታት ኣለዋ ዶ? ሕጽር ብዝበለ፡ እቲ ንቡር ሂወት ዓዲ ዝባሃል ኣሎ ዶ? እቲ ንቡር ሂወት ዓዲ እንተዘየሎ ኸ መንነት ዓዲ ከም ዓዲ ኣሎ ክባሃል ዶ ይካኣል? መንነት ዓዲ እንተዘየሎ ኸ፡ መንነት ሃገር ኣሎ ዶ ክባሃል ይካኣል? መንነት ሃገር እንተዘየሎ ኸ፡ ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ሂወት ኣለዎም ዶ ክባሃል ይካኣል? መልስታትን ናይ መልስታት መደምደምታን ንኣንበቲ እገድፎ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክፋላት ጽሑፋት፡ ናብዚ ዛዕባ እዚ ተመሊሰ ትንታነ ክህበሉ ምዃነይ ኣቐዲመ ክሕብር ይፈቱ። ቅድሚ ናብኡ ምምላሰይ ግን፡ ኣብ ሻዱሻይ ክፋል፡ ብዛዕባ እቲ ተሪፎም ዘለዉ ምስ ንጥፈታት መርዓ (ኣብ እንዳ ወዲ) ዝተኣሳስሩ ጉዳያት ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

ስለዝኾነ፡ ኣብ ሻዱሻይ ክፋል፡ ብዛዕባ ስነስርዓት ዓርኪ-ሳልስቲ፣ ስነስርዓት ሕጽኖት/እንዳ መርዑ፣ ኣገባብ ምልሶትን እትዋትን ሰፊሕ ትንታነ ክቐርብ ኢዩ።

--------

1. እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ ማዓልታዊ ሂወት ኤርትራዊት ያትዊ ዓዲ እንታይ ከምዝመስል ሓፈሻዊ ስእሊ ንኣንበብቲ (ብፍላይ ንኤርትራውያን መንእሰያት) ንማሃብ ዝዓለም ስለዝኾነ፡ ኣብ ደቀቕቲ ንጥፈታት ዓድን፡ ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለይ ኣከባቢታት/ዓድታት ኤርትራ ዝገበሩ ፍልይ ዝበሉ ወግዕታትን ልምድታትን ምትንታን ዘይኣቱ ምዃኑ ኣንበብቲ ክግንዘቡለይ ብትሕትና ይሓትት። ብኣንጻሩ እዃ ዳኣ፡ ኣንበብቲ፡ ንማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ነብሲ-ውከፍ ዝዓበይሉ ዓዲ ወይ ኣከባቢ ዝገዝኡ ወግዕን ልምድን ብምዝኻር፡ ሕጂ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከቡ ከስተባህሉ እየ ዝጽውዕ ዘለኹ። እዚ ጽሑፍ እዚ ካኣ፡ ከም ሓፈሻዊ ማኣዝን መትሓዝን (frame of thinking) መወከስን ኮይኑ ጥራሕ ከገልግል ኢዩ ዝቐርብ ዘሎ።

ሻዱሻይ ክፋል ይቕጽል


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ:
(Part-I)  (Part-II)  (Part-III)  (Part-IV) (Part-V) 

 

Share with friends: 



See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-
ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት ቤተሰብ፡ ኣስተምህሮ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና
Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family, Seminar at Hdri Jeganuna
(22-April-2018)- ኩሉ ክፋላት All Parts:
(Part-1)  (Part-2)  (Part-3)  (Part-4)


See also recent articles and Seminars by Dr. Gebre Gebremariam
ካልኦት ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


Share with friends: