ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ (p4)

18/05/2018 16:47 PM

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ
ራባዓይ ክፋል
ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም

Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family (Part-4)

by Gebre Gebremariam (Dr.)


Life in Rural Eritrea


ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ሕቶታት፡

ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦

ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት?

ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን ካብ ማዓስን ጀሚሩ?

ሐ)ብዛዕባ ዓድኻ/ኺ (ተወሊድካ/ኪ ዝዓበኻሉ/ዝዓበኽሉ ናይ መበቖል ዓዲ ወይ ናይ ከተማ ከባቢ) እሞ ሕሰብ/ቢ፡
- ካብ 16 ክሳብ 40 ዓመት ዕድመ ከባቢ ዘለዉ መናእሰይ ደቂ ዓድኻ/ኺ ክንደይ ይኾኑ?
- ካብዚኣቶም፡ ክንደይ ዝኾኑ (ክንደይ ሚኢታዊት) ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ?
- ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ትብሎም ዘለኻ/ኺ ኸ ክንደይ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ?

ራባዓይ ክፋል፡

ኣብ ሳልሳይ ክፋል ነይዚ ጽሑፍ እዚ፡ ሓደ ቆልዓ ተወሊዱ፣ ዓብዩ፣ ጎቢዙን ዓቕሚ ኣዳም በጺሑ ንመርዓን ደርዓን ክሳብ ዝበጽሕ ዘሕልፎ ናይ ሂወት ጉዕዞ፡ ኣካል ናይቲ ዓዳዊ ማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መብቆል ባህርን መንነቱን ከም ሰብ’ውን እቲ ኩሉ-ሓቖፍ ዓዳዊ ማሕበረ-ሰባዊ ንጥፈታትን: ናይ ዓዲ ማዓልታዊ ሂወት ጉዕዞን ምዃኖም ርኢና ነይርና። ሓደ ቆልዓ ትርጉም ዘለዎ (ናይ ሰብ) ባህርን መንነትን ሒጁ ንኻዓቢ (እኹል ሰብ ንኽኸውን)፡ “እታ ጎዱፍ፣ እታ መጓሰ፣ እታ መጻወቲት ጎልጎል ዓዲ፣ Eritrean-Villageእቶም ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ሰባዊ ጉዳያትን ውራያትን ዓዲ፣ እቶም መዛኑ የዕሩኽን ሳናዱን፣ እታ ባይቶ ዓዲን፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ካኣ እቲ ፍቕሪ፣ ሓልዮትን ክንክን ናይ ደቂ ዓዲ (ኣብ ኩሉ ዕድመ ኣከባቢ ዘለዉ)” ምህላው ኣገድሲ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብጉቡእ ዝሰርሑ ኣካላት ክኾኑ ከምዘለዎም’ውን ኣብኡ ተነጺሩ ኣሎ። ስነኣእምራውን ማሕበረ-ሰባውን ክእለታት (psychological and social skills) ስቕ ኢሎም ዝልጠፉ ዘይኮኑስ፡ ንኽትቀስሞም በቶም ዝተፈላለዩ ናይ ሂወት ጉዕዞታት በብደረጀኦም ብምጉዓዝ፡ ብግብሪ ለቢስካዮም ክትሓልፍ ምስትኽእል ጥራሕ ምዃኑን፡ እዚ ክኸውን ዝኽእል ካኣ፡ ቆልዑ ኣብ ባህርያዊ ከባቢኣ ዝተሓለወት ሰፈር (ዓዲ) ክዓብዩ እንተኽኢሎም ጥራሕ ከምዝኮነን’ውን ብሰፊሑ ተገልጹ ኣሎ። ካብዚ ቀጺሉ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ኤርትራውያን ያታዊ ዓድታት እንታይ ይመስል ዝብል ዛዕባ፡ ብዛዕባ ማሕበርዊ ንጥፈታት ዓዲ ኣብ ዕለተ መርዓ (ኣብ እንዳ ጓል) እንታይ ከምዝመስል ሰፊሕ ትንታነ ክቐርብ ኢዩ።

ወጋሕ ትበል ለይቲ ጓይላ ተሓዲሩ፡ ሓውሲ ምስተበልዐ፡ እቶም ናይ ውራይ መርዓ መደብ ስራሕ ዝተዋህቦም፡ ኩሎም ነናብ ዝተመደበሉ ንጥፈታት መርዓ ይዋፈሩ። ቆልዑ፡ ማይ ይወረዱ/ይጓርቱ፤ መንእሰያት፡ ዳስ ይስልሙ፣ ኮፍ መበሊ ጠዋሉን የእማንን ይሰርዑን የስተኸኻኽሉን፣ ኣጓብዝን ሰብኡትን ካኣ፡ ስዋ መሊኡ ዝተሓትመ ቦጣትን ኣጋንእን ካብ ገዛ ናብ ዳስ በብሓደ እንዳ ተሰከሙ (ንሓድ ቦጥ 4-5 ኣጓብዝ የድልዩ) ኣውጺኦም ኣብ ማእከል ዳስ ተር ኣቢሎም ይሰርዕዎ፤ ኣንስቲ፡ ውራይ ምድላው መስተን (ስዋ) መግብን (እንጀራ ምስንካት፣ ዝመጹ ናይ ሓገዝ እንጀራ ምቕባልን ምስራዕን፣ ጻሕልታት ገዛ ገዛ እንዳኸዳ ምእካብን ሓጺብካ መድላውን፣ ጉልቻታት ገዛ ገዛ እንዳኸዳ ምእካብ፣ ጸብሒ ምስራሕ፣ ወ.ዘ.ተ.። ጸብሒ፡ ብፍሉጣት ዋሓለታት ኢዩ ዝስራሕ። ከምዚ ናይ ሎሚ ጊዜ ኣብ ሓደ ዓብዪ ድስቲ ብሓደ ጊዜ ዘይኮነስ፡ ቀደም፡ ናይ መርዓ ጸብሒ ብጻሕልታት ኢዩ ዝስራሕ ዝነበረ። ዓሰርተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጻሕልታት ብሓደ ጊዜ ስለዝስኽተተ፣ ዓቐን ሽጉርቲ፣ ጠስሚ/ዘይቲ፣ በርበረ፣ ስጋ፣ መረቕ/ማይን ጨውን እንዳ ሓለኻ ብቐጻሊ ምኻስን ሓዊ ምስዋርን ዘድልዮ ጥበበኛታት ዝሓትት ስራሕ ኢዩ ነይሩ። ሓንቲ ጻሕሊ ፈሊሓ/ኣኺላ ካብ ጉልቻ ከትወርድ ከላ፡ ካልእ ሓዳስ ጻሕሊ ትስኽተት፡ ከምኡ እንዳበለ ንምሉእ ማዓልቲ እቲ ስራሕ ይቕጽል። ስጋ፡ ቅድሚ-ሳልስቲ ወይ’ውን ድሮ መርዓ፡ ‘ብምምታር ስጋ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ወግዒ ዓዲ፡ ደቂ ዓዲ ተኣኪቦም ኢዮም ዝመትርዎ። እቲ ንስጋ ዝሕረድ እንስሳ’ውን፡ ደቂ ዓዲ ኢዮም ዝሓርድዎ። ርእሲ እቲ ዝተሓረደ እንስሳ፡ ናይ ጠበሖ ኢያ ክብሉ ዶ ሰሚዕኹም ትፈልጡ? ጠበሖ ስርሖም ምስወድኡ፡ ነቲ ስጋ ርእሲ መቲሮም ኣብ ልግስ ዝበለት ገዛ ከይዶም (ብምስጢር ኣብ ምጥባሕ ዘይሓገዙ ሰባት ከይራኣይዎም) ብመቑሎ ቖልዮም ኢዮም ዝበልዕዎ [እዚ ሕጊ/ወግዒ ዓዲ ኢዩ፡ እንተዘይሓጊዝካ ካኣ ክትበልዕ ኣይፍቀደካን ኢዩ]። ሰራሒት ጸብሒ፡ ንነብሲ-ወከፍ ጻሕሊ ከንደይ ማንካ ስጋ ክትገብር ከዘልዋ ምስ ባዓል ውራይ ተመኺራ፡ ከምቲ ስምምዖም እንዳ ዓቀነት ካኣ ነቲ ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ተመቲሩ ዝተዳለወ ስጋ ክትጥቀመሉ ትውዕል። ብከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ፡ ኩሎም ንዕለተ-መርዓ ዘድልዩ ምድላዋት ካብ ንግሆ ጀሚርካ ይግበሩ። ቅድሚ ዕዱማት ናብ ዳስ ምእታው ምጅማሮም፡ ናይቲ ማዓልቲ መደባት ዝመርሑ፣ ዘዋሃህዱ፣ ዝኣልዩን ዘሳስዩን ኣካላት ተመሪጾም ተዳልዮም ኢዮም’ውን ዝጸንሑ።

ሽም ዳስ፡ ንኹሉ ንጥፈታት ምቕባል ዕዱማት ኣጋይሽ ዝቖጻጸር፣ ዘዋሃህድን ዘማእክልን ኢዩ። ንሱ ካኣ፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽን ኣሳሰይትን ኮይኖም ዘገልግሉ ደቂ ዓዲ ሓሩዩ ይውጅህ። ተቀበልቲ ኣጋይሽ፡ ኣብ ኣፍደገ ዳስ ደው ኢሎም፡ ንነዝመጹ ዕዱማት እንዳተቐበሉ፡ “ኣጋይሽ ተቐበል” እንዳበሉ ንኣጋይሽ ተቐቢሎም ነናብ ዝተመደበሎም ቦታ (ናይ ኣጋይሽ፣ ናይ ደቂ ዓዲ፣ ናይ ሰብኡት፣ ናይ ኣንስቲ፣ ናይ ቆልዑ፣ ወ.ዘ.ተ.) ወሲዶም ዘቐምጥዎም ኣናባበርቲ የረክብዎም። ኣናባበርቲ ካኣ ንሓደስቲ ዕዱማት ቦታ ሂቦም ኮፍ ምስ ኣበልዎም፡ ብቐጥታ ንኣሰላፋይ ስዋ “ዋንጩ ኣብዚኣ” ኢሎም ይሕብርዎ። ኣሰላፋይ ስዋ ካኣ፡ ዋናጩ ስውኡ ሒጁ ጠበቕ ብምባል፡ ነቶም ዋንጫ ዘይሓዙ ኣጋይሽ ይዕድሎም። Wedding-in-Eritreaዋንጭኦም ዝወድኡ’ሞ ክደግሙን ክገጋግሙን ዝደልዩ እንተልዉ’ውን፡ “ኣሰላፋይ ስዋ ኣብዚኣ” እንዳተባህለ ይጽዋዕን ይሕበርን፡ ይደጋግሞም ካኣ [ኣብ መርዓ፡ ስዋ ከብዲ-ምላሽ ኢዩ]። ማኣዲ ዝሰርዑ፡ ንዘይተመገቡ ዕዱማት በብሸሞንተ(8)[ምሉእ ማኣዲ]፡ ንምሉእ ማኣዲ ዝኣኽሉ እንተዘኮኑ ካኣ፡ በብኣርባዕተ(4) [ፍርቂ ማኣዲ] እንዳ ገበሩ ይሰርዕዎም’ሞ፡ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ኣብዚኣ ኣምጻኣለይ ኢሎም ንማኣዲ ዘቕርቡ ይሕብሩ/ይእዝዙ። ማኣዲ ዘቕርቡ ካኣ፡ ናብ ማኣዲ እንጀራ ዝሰርዑ/ዓ ከይዶም፡ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ሃቡና ኢሎም ኣምጺኦም ይቕርቡ። ማኣዲ ክትእዘዝ ካላ፡ ማዕረ ማዕሪኣ ካኣ፡ “ባዓል ጸብሒ፡ ናይ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ጸብሒ ኣብዚኣ” ትብል ትእዘዝ/ሓበሬታ ትዋሃብ። ጸብሒ ዘምጽኡ ካኣ፡ ኣብ እንዳ ጻሕሊ ከይዶም ንሰራሒት ጻሕሊ፡ ናይ ምሉእ/ፍርቂ ማኣዲ ጸብሒ [ክልተ ጻሕሊ ንምሉእ ማኣዲ፣ ሓንቲ ጻሕሊ ካኣ ንፍርቂ ማኣዲ] ደሊና ኢሎም ኣምጺኦም ነታ ተሰሪዓ ዘላ ማኣዲ የረክብዋ። ኢድ ዘሕጽቡ ካኣ ማይን መሕጸብ ኢድን ሒዞም፡ ነቶም ማኣዲ ተሰሪዖም ዘለምዉ፡ ቅድሚ ምምጋቦምን ድሕሪ ምምጋቦምን፡ የእዳዎም የሕጽብዎም። ማኣዲ ቀሪቡ ጸብሒ’ውን ምሰ መጸ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ማኣዲ ቀሪቦም ዘለዉ [እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ወይ’ውን ናይ ሃይማኖት ባዓል ሞያ ዝኾነ ሰብ እንተሎ] ጸሎት ብምግባር ማኣዲ ምስ ባረኾ፡ ሓደ ካብ’ቶም (ብዕመ ዝናኣሰ) ካኣ ጸብሒ ይጸብሖ’ሞ [ቁሩም ክእለት ትሓትት ኢያ] ምምጋቦም ይቕጽሉ።

ነዚ ኩሉ ዘዋሃህድ፣ ዘማእክልን ዝቆጻጸርን ሽም ዳስ ኢዩ። ኩሉ ሰስርሑ ፈሊጡ ይጓየ፡ ናይ ኩሎም ጽቡቕ ምውህሃድ ክህሉ ካኣ ኣሎዎ - ዕዱማት ይመጹ፣ ተቐባል ጋሻ ተቐቢሉ ቦታ ይህብ፣ ኣሰላፋይ ዋንጭ ስዋ ይዕድል፣ ሰራዕ ማኣዲ፡ ማኣዲ ሰሪዑ ማኣዲ እንጀራን ጽብሒን ይእዝዝ፣ ማይ ዘሕጽብ የእዳው የሕጽብ፣ ማኣዲ ዘቕርብ ማኣዲ እንጀራ የምጽእ፣ ጸብሒ ዘቕርብ ጻሕልታት የምጽእ፣ ወ.ዘ.ተ.። እዚ’ቶም፡ ብሓደ ጊዜ ክዕመሙ ዝግበኦም ንጥፈታት ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ጊዜ ዘይህቡ ኢዮም’ውን። ንኣብነት፡ ማኣዲ እንጀራ ቀሪቡ፡ ጸብሒ ኣብ ጊዚኡ እንተዘቀረበ ወይ’ውን ዝፈልሐ ጸብሒ እንተዘየሎ፡ ጉዳይ ትባላሾ ማለት ኢዩ። ወይ’ውን፡ ዕዱም ሳኣን ተቀቢሉ ዘነባብሮን ዝርእዮን፡ መጺኡ ከይተመገበ እንተከደ፡ ባዓል ጉዳይ ተዋርዱ ማለት ኢዩ። ስለዝኮነ ኢዩ ካኣ፡ መስተውዓላይ፣ ዘይርስዕን ጽቡቕ ናይ ማሕበረ-ሰባዊ ዝምድናታት ክእለትን ዘለዎ ሽም ዳስ ምምዛዝ ዘድሊ። እዞም ኩሎም ተዋሳእቲ፡ እቲ ጉዳይ ጉዳዮም፡ ጉዳይ ዓዲ ምዃኑ ስለዝግንዘቡ፡ ብሽም ዳስ እንዳተማእከሉ፡ ብተገዳስነት ኣብ ዘዝተመደብሉ ንጥፈታት ተጊሆም ኢዮም ዝነጥፉ።

ሽም ዳስ፡ ንወራድ-መርዓ ዝኸውን እኹል ቦታ ኣብቲ ዳስ ክሕዛእ ከምዘለዎ ክገብር ኣለዎ። ስለዝኾነ፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ፡ ዕዱማት ተቐቢሎም ቦታ ክህብዎም ከለዉ፡ ንወራድ-መርዓ ዝኸውን እኹል ናጻ ቦታ ክገድፉ ኣለዎም። ወራድ-መርዓ ሰዓት ክነደይ ናብ ዳስ ክኣትዉ ከምዘለዎም፡ እንዳ ጓልን እንዳ ወድን ኣቐዲሞም ኢዮም ዝሰማምዑ። ስለዚ፡ ወራድ-መርዓ ሳዓት ከንድዚ ስለዝኣትዉ፡ እቲ ሳዓት ምእታው ክቐራረብ ከሎ፡ ተዳለዉ ይባሃል። ንወራድ-መርዓ ዝኸውን ስዋ፣ እንጀራን ጸብሕን ንበይኑ ተፈልዩ ኢዩ ዝቕመጥ/ዝዳሎ። እዚኣ፡ ናይ ወራድ-መርዓ ዝተሓትመት ቦጥ/ፊስቶ ወይ’ውን ገንኢ ስዋ ኢያ ተባሂላ ምልክት ይግበረላ [ካብ ሓደ ንላዕሊ’ውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ]፡ ቀዳሕ ስዋ ብገይጋ ከይከፍታ ካኣ ጥንቃቐ ይገብር። ከምኡ’ውን፡ ማኣድታት እንጀራን ጻሕልታት ጸብሕን ተዳልዮም ኢዮም ዝጸንሑ [ንወራድ-መርዓ፡ ማኣድታት ብሓደ ጊዜ ኢዮም ይወድቁ/ዝቐርቡ፡ ማኣዲ ተባሪኹ ተባሂሉ ካኣ ወራድ-መርዓ ብሓደ ጊዜ ኢዮም ምምጋብ ይጅምሩ]።

ኣቦ ወዲ፡ ከም ስምምዑ ኣብ ሳዓቱ ኣብ እንዳ ጓል ንምብጻሕ፡ ኣቐዲሙ ንወራድ-መርዓ ዝወርዱ ኣለልዩ ጸኒሑ [እገሌ/ክስቶ ንወራድ-መርዓ ክትከይድ ኢኻ እንዳበለ]፡ መርዓዊ ወዱን ወራድ-መርዓን ኣኸቲሉ ናብ እንዳ ጓል ዓዲ ይኸይድ። ወራድ-መርዓ፡ ኣብ እንዳ ጓል ዓዲ ምስበጽሑ፡ ብቐጥታ ኣብ ዳስ ኣይኣትዉን ኢዮም። ክሳብ እንዳ ጓል ናብ ዳስ እተዉ ዝብልዎም፡ ኣብቲ ባይቶ ዓዲ ወይ’ውን ኣብ ሓደ ጽላል ዘለዎ ቦታ ኢዮም ኮፍ ዝብሉ። ኣብኡ ኮፍ ምስበሉ፡ ወራድ-መርዓ መጺኦም ተባሂሉ፡ እቶም ኣብ እንዳ ጓል ዓዲ ዝነብሩ ቤተ-ሰብ፣ ኣዝማድን የዕሩኹን እንዳ ወዲ፡ ንምንጻፍ ዝኸውን ማእስታትን ኣጎዛታትን፣ ቡን ወይ ሻሂ ምስ ቁርሱ [ዕምበባ፣ ቆሎ፣ ምጎ ዓተር፣ ቅጫ፣ ወ.ዘ.ተ.) እንግዶት የእንግድዎም። እንግዶት ናይ ባዕሉ ዝኮነ ወግዒ ኣለዎ። ሓደ ሰባ ካብቶም ወራድ-መርዓ፡ ነቲ እንግዶታት እንዳተቐበለ፡ “እንዳ እገሌ/ክስቶ (ሽም ናይታ እንግዶት ትህብ ዘላ ቤተ-ሰብ እንዳጠቐሰ)፡ ማእሲ ወይ ማእስታት (ክንደይ ምዃኑ እንዳነገረ)፣ ቡን ወይ ሻሂ ምስ ቁርሱ (እንታይ ዓይነት ቁርሲ ምዃኑ እንዳጠቐሰ)፤ ወ.ዘ.ተ.” የአንግዱና ኣለዎ እንዳበለ፡ ካብ የአንገድቲ ተቐቢሉ ንወራድ-መርዓ የረክብ [ሓደ ሓደ ጊዜ’ውን ኣስማት የአንገድቲ እንዳመዝገበ ይሕዝ ኢዩ]። ወራድ-መርዓ ካኣ “የቐንየልና፡ ዓጽምኹም ይኽበር” እንዳበሉ የመስግኑ። ወራድ-መርዓ፡ ነቲ እንግዶቶም እንዳተቛደሱ፡ ማለት፡ ቡን ንዝሰቲ፡ ቡን፣ ሻሂ ንዝሰቲ ካኣ ሻሂ እንዳተዋህበን፡ ቅጫታት ተቖሪሱ፡ ቁርሲታት ካኣ እንዳታዓደለን፡ ክሳብ እንዳ ጓል ኣብ ዳስ እተዉ ዝብልዎም ኣብኡ ይጸንሑ። ሓደ ሓደ ጊዜ’ውን፡ ኣብኡ ጓይላ ተኺሎም ይጻወቱ ኢዮም። ኣዋልድ ዓዲ’ውን፡ ከበሮአን ሒዘን ታኣኪበን ኣብቲ ከባቢኦም ኮይነን ይጸርፈኦም ኢየን። ብዙሕ፡ ንዓርከ-መራዓውትን ንወራድ-መርዓን ዝኾኑ ጸርፋታት ኣዳልየን ኢየን ዝጸንሓ [ስለዝጸልኦኦም ኣይኮነን፡ ባህለን ስለዝኾነ ጥራሕ ኢዩ]።


እንዳ ጓል፡ ኩሉ ንወራድ-መርዓ ንምቕባል ዘድልዮም ምቅርራባት ምስገበሩ፡ “ወራድ-መርዓ እተዉ” ዝብል መልእኽቲ ናብ ወራድ-መርዓ ይልእኹ። ወራድ-መርዓ ካኣ እቲ መልእኽቲ ምስበጽሖም፡ እተዉ ተባሂልና ኣለና’ሞ፡ ንኽንኣቱ ንዳሎ ይብሉ። ባዓል ከበሮ፡ ከበርኡ ይሕንገጥ፣ ደባላይ፡ ጉራዴኡን ዋልትኡን ይሕዝ፣ ጨፋራይ፡ ጎረርኡ ይስሕል፣ መርዓዊ Wedding-Dances-in-Eritreaሻሹ ይኣስር፣ ዓበይቲ ካኣ ነጸለኦም/ኩተኦም የማዓራርዩን/ይውንዘፉን፡ ኣባትርቶም ካኣ ንላዕሊ ከዋዛውዙ ይጅምሩን። ሰብ ከበሮ፡ ከበሮኦም እንዳደስቁን እንዳዘለሉን ንቕድሚት ይሓልፉ፣ ደብልቲ፡ ጉራዴኦምን ዋልተኦምን ሒዞም መሬት እንዳጻሕተሩን እንዳተዋዛወዙን ንቕድሚት ይሓልፉ፣ ጨፋራይ ካኣ፡ ብቕድሚ እቶም ኣባትሮም ንላዕሊ እንዳዋዛወዙን ፍሉይ ምቕስቓስ እንዳገበሩን ዝቕበልዎ ወራድ-መርዓ ኮይኑ “ለጌብ/ው ስቦ/ ለጋ ሽቦ” እንዳበለ ብከምዚ ዝስዕብ ክጭፍር ይጅምር፦

(ጨፋራይ ዝብሎ)፡ ስቦ ለጌብ ስቦ፡ ኣሓሓ አሓሓ ለጌብ ስቦ (ተቐበልቲ ዝብልዎ)
ስቦ ለጌብ ስቦ፡ ኣሓሓ አሓሓ ለጌብ ስቦ
ስቦ ኣቤት መውስቦ፡ ኣሓሓ አሓሓ ለጌብ ስቦ
ስቦ ባህሊ ዓድቦ፡ ኣሓሓ አሓሓ ለጌብ ስቦ
ስቦ ማዓር ኣጂቦ፡ ኣሓሓ አሓሓ ለጌብ ስቦ
ኣሓሓ አሓሓ ለጌብ ስቦ
ኣሓሓ አሓሓ ለጌብ ስቦ
ወ. ዘ. ተ.

(እንዳተባህለ ይደጋገም፡ ኣብ ዝተፈላለይ ኣከባቢታት ካኣ ፍልይ ዝበለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ)

ከምዚ እንዳበሉ፡ ንቅድሚትን ንድሕሪትን ‘ከብካብ’ እንዳገበሩ፡ ሰብ ከበሮን ደበልትን ካኣ፡ ሓኒኖም ናብ ዳስ ብተደጋጋሚ እንዳኣተዉን እንዳውጹን፡ ንመሬት ኣይትኹኒን ይብልዋ። ዕዱማትን ደቂ ዓድን ካብ ዳስ ብምውጻእ፡ ብየማንን ብጽጋምን ደው ኢሎም እንዳኣጣቕዑን፡ ኣንትስቲ እንዳዓለላን፡ ማሓዙት መርዓት ኣዋልድ ካኣ ንወራድ-መርዓ ዝጸርፉ ደርፍታት ክደርፋ ከለዋን፡ ፍልይ ዝበለ ህሞት ኢይ ዝፈጥር። ጨፋራይ፡ ንወራድ-መርዓ ንቅድሚት እንዳሳሓበን ንድሕሪት እንዳደፍአን፡ “ለጌብ ስቦ” ምባሉ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ዳስ ዝበጽሑ ይቅጽል። ኣብ ማእከል ዳስ ምስ በጽሑ፡ ጨፋራይ ኣብ ማእከሎም ገይሮም፡ ክቢ ብምስራሕ፡ በቲ ጨፋራይ እንዳተመርሑ “ብመገለለ ዝብል ጨፈራ” ብከምዚ ዝስዕብ ይጭፍሩ፦

(ጨፋራይ ዝብሎ)፡ ኣሓ ብመገለለ ብመገለለ፡ ኣሓ (ተቐበልቲ ዝብልዎ)
ኣሓ ብመገለለ ብመገለለ፡ ኣሓ
ኣሓ ብመገለለ ብመገለለ፡ ኣሓ
እዞም እንዳ ወዲ መጹ፡ ኣሓ፡ እንዳተጓነጹ፡ ኣሓ
እንተ ናይ ሓቂ፡ ኣሓ፡ ውሻም ጸይቂ፡ ኣሓ
እንተ ናይ ጽድቂ፡ ኣሓ፡ ሒማካ ዲንቂ፡ ኣሓ
ሕማቕ ሓረስታይ፡ ኣሓ፡ ሓንቲ ነዊቱ፡ ኣሓ
ሕማቕ ኣስላማይ፡ ኣሓ፡ ሓንቲ ሰበይቱ፡ ኣሓ
ሕማቕ ቀሺ፡ ኣሓ፡ ሓንቲ ዳዊቱ፡ ኣሓ
ወ.ዘ.ተ.

(እንዳተባህለ ይደጋገም፡ ኣብ ዝተፈላለይ ኣከባቢታት ካኣ ፍልይ ዝበለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ) ኣብ መወዳእታ፡ ኩሉም ኣባትሮም ነቲ ወርወር ናይ ዳስ እንዳሃረም ኤ  ኤ  ኤ   ኤ  ኢሎም ይጭርሹ።

ሽዑ፡ ሽም ዳስ፡ ኮፍ በሉልና ወራድ-መርዓ ኢሉ ዝተመደበሎም ቦታ ከምዝሕዙ ይገብር። ቦተኦም ምስሓዙ፡ ተሓሳሰብቲ ስደዱልና/ሃቡና ይባሃሉ። ከምዝተባህልዎ፡ ተሓሳሰብቲ ካብ ውሽጦም መዚዞም ይስዱ’ሞ፡ ናይ እንዳ ጓልን ናይ እንዳ ወድን ተሓሳሰብቲ ተራኺቦም ኣገባብ ዝቕጽል ንጥፈታት ይሰርዑ። እምባኣር፡ ቅድሚ መግቢ ጉዳይና ንኽንውድእ ተሳማሚዕና ኣለና’ሞ፡ ናይ መርዓ ፈጽሚ ስነስርዓት ንኽንገብር ንዳሎ ዝብል መልኽቲ ናብ ክልቲኡ ሸነኻት(ንዓድን ንወራድ-መርዓን) ይመሓላለፍ። እንዳ ጓል ብሓደ ሸነኽ ኮፍ ኢሎም፡ እንዳ ወዲ ካኣ በቲ ካልእ ሸንክ ደው ኢሎም፡ ፊት ንፊት እንዳተራኣኣዩ ማለት ኢዩ፡ በቦቶኦም ሒዞም ምስተዳለዉ፡ እንዳ ጓል (ብወኪሎም ኣብሎም) ንእንዳ ወዲ፡ “በሉ ዋሓስ ሃቡ” ይብልዎም። ናይ እንዳ ወዲ ወኪል ትቕብል ኣቢሉ፡ “እንዳ ጓል ዋሓስ ሃቡ ይብሉና ኣለዉ” ኢሉ መልእኽቱ የማሓላልፍ። ከምዝፍለጥ፡ጓል፡ ብዘይ ዋሓስ ካብ ዳስ ኣይትወጽእን ኢያ። ዝዋሓስ ካኣ ወዲ ዓዳ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ እንዳ ወዲ፡ ኣቐዲሞም ዋሓስ ዝኸውን ካብ እንዳ ጓል ዓዲ ረኺቦም ከዳልዉ ኣለዎም። ከምኡ ገይሮም ስለዝጸንሑ፡ ዋሓስ ሃቡ ምስተባህሉ፡ እገሌ/ክስቶ ኢዩ ዋሓስና ይብሉ’ሞ፡ እቲ ዋሓስ ክኸውን ዝተሰማመዐ ሰብ ተጸዊዑ፡ ምስ ሸነኽ እንዳ ጓል ይጽምበር። ሽዑ፡ “ናይ ዋሓስ ክልተ ዋንጫ” ይዕደሎ’ሞ፡ ነታ ሓንቲ ብየማናይ ኢዱ፡ ነታ ካላኣይቲ ካኣ ብጸጋማይ ኢዱ ሒዙ ዶው ይብል። ዋሓስ ኣትክሉ ዓደቦ (እንዳ ጓላ) ምስበለ ሽም ዳስ፡ በቶም ዓብይቲ ዓዲ ጀምሮም ዋሓስ ከትክሉ ይጅምሩ። ዋሓስ ኣትክሉ ኣቦይ እገሌ [ኣቶ እገሌ ዳኣ መጀምሪያ የትክሉ እንዳተባህለ ስጋይ ስጋካ ዝተሓዎሶ ምኽብባር ብዘለዎ መንገዲ] እንዳተባህለ ሓደ ብሓድ ዓበይቲ ዓድን ኣዝማድን ብከምዝስዕብ ኣግባብ ዋሓስ የትክሉ፦

ዋሓስ ዘትክል ንዋሓስ፡ “ትዋሓስ ዶ እገሌ ወዲ እገሌ ባዓል ዓዲ እገሌ፡ ትዋሓስ ዶ?”
ዋሓስ ንእንዳ ወዲ፡ “እሂ ዋሓስኩም ዶ?”
እንዳ ወዲ ንዋሓስ፡ “እወ ዋሓስና”
ዋሓስ ንእንዳ ወዲ፡ “ዋሓስኩም ዶ መንግስቲ ይሙቱ?”
እንዳ ወድ ንዋሓስ፡ “እወ ዋሓስና መንግስቲ ይሙቱ።”
ዋሓስ ንዋሓስ ዘትክል፡ “እወ ይዋሓስ”
ዋሓስ ዘትክል ንዋሓስ፡ “ትዋሓስ ጓል ምስ ጭጋረታ፣ ጓል ክስቶ ኢያ፡ ትዋሓሳ ዶ ከም ኣሞታታን ከም ሓትነታትን? ትዋሓሳ መንግስቲ ዶ ይሙቱ”
ዋሓስ ንዋሓስ ዘትክል፡ “እወ ይዋሓሳ፡ መንግስቲ ይምቱ”
ንዋሓስ ዘትክል፡ “ፈረይትን ጸገይትን ይግበሮም።”

ኩሎም እቶም ዋሓስ ዘትክሉ፡ ሓደ ብሓደ ብከምዚ ኣገባብ ምስ ኣትከሉ፡ እንዳ ወዲ ኮፍ በሉ ይባሃሉ። ሽዑ፡ ናይ ገዝሚ ስነስርዓት ይግበር። እንዳ ጓልን እንዳ ወድን ብተሓሳሰብቶም ኣብሎም ይረዳድኡ፡ ምስተሰማምዑ ካኣ ገዝሚ ንዳስ ንኽንገር ምድላው ይግበር። ሽም ዳስ፡ “ላዕላይ ዳስ፡ ታሕታይ ዳስ፡ ገዝሚ ክንገር/ክንበብ ስለዝኾነ፡ ጺን እልና ንስማዕ” ኢሉ ኣብ ዳስ ብምእዋጅ፡ ዳስ ጸጥ ኢላ ከምትሰምዕ ምስገበረ፡ ገዝሚ ብከምዚ ዝስዕብ ንዳስ ይንገር። ኣቦ ጓል ንኣቦ ወዲ ዝኣዘዞ ናይ መርዓት ስልማት (ስልማት ወርቂ፡ ዓይነትን ዓቀን ብግራምን፣ ክዳውንቲ መርዓት፣ ወ.ዘ.ተ.) ምምልኡ/ምፍጻሙ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ “ቅድሚ ሕጂ ክንድዚ ከብትን ክንድዚ ገንዘብን፡ ሕጂ ካኣ መምለስ እግሪ ዝኸውን፡ ክንድዚ ከብትን ክንድዚ ገንዘብን ብምስዓብ፡ ብጠቕላላ ክንድዚ ከብትን ክንድዚ ገንዘብን ነግዝመኩም ኣለና” ብምባል እንዳ ጓል ነቲ ጸጥ ኢሉ ዝሰምዕ ዘሎ ዳስ ይሕብሩ። ኣንስቲ የዕልላ፡ እንዳ ወዲ ካኣ “ኣሎ በረኸት፡ ኣሎ በረኸት፡ ኣሎ በረኸት፡ መሊኡ መሊኡ፡ የቐንየልና” ይብሉ። እንዳ ጓል፡ ኣስዕብ ኣብሎም፡ “ናይ ሓማት፣ ናይ ሓም፣ ናይ የሕመትሙት፣ ናይ ዓሱር፣ ናይ ታቦት፣ ወ.ዘ.ተ. ክንድዚ ክንድዚ ገንዘብ (ዓቀን ገንዘብ ናይ ነብሲ-ወከፎም እንዳጠቐሱ)፡ ብጠቕላላ ክንድዚ ገንዘብ ንውስኸኩም ኣለና” ይብሉ። ኣንስቲ የዕልላ፡ እንዳ ወዲ ካኣ “ኣሎ በረኸት፡ ኣሎ በረኸት፡ ኣሎ በረኸት፡ መሊኡ መሊኡ፡ የቐንየልና” ደጊሞም ይብሉ። ካብኡ ቀጺሉ፡ ጭቃ/ዳኛ ዓዲ ነቲ ላዕላይን ታሕታይን ዳስ ዝሰምዖ ስርዓተ ገዝሚን ስነስርዓት ዋሓስ ምትካልን፡ ፈጽሚ ገይሩ የጽድቖ። ብከምዚ ኣገባብ፡ ስርዓተ ገዝሚን ፈጽሚን ምስተዛዘመ፡ ስነስርዓት ምምጋብ ወራድ-መርዓ ይጅመር፡ እቲ ዝተረፈ ዳስ ካኣ ናብ ምስልሳል ስሩዕ ንጥፈታቱ ይምለስ።

ቅድሚ ወራድ-መርዓ ምምጋብ ምጅማሮም፡ የዕሩኽ፡ ክዳን መርዓት ኣመርቑ ይባሃሉ’ሞ፡ ነቲ ናይ መርዓት ክዳውንቲ፣ ጫማታትን ውርቂን ኣብ ክፉት ሳንዱቕ ገይሮም (ኩሉ ከምዝረአ ገይሮም ሰሪኦም) ኣብ ዳስ እንዳዘሩ የመርቕዎ። ዕዱም ካኣ፡ ሰቲ ወይ ቆጽሊ ናብቲ ሳንዱቕ ሰው እንዳበለ “ከም ማይን ጸባን ይሓዋውሶም፣ ሩሑስ ጋም ይግበረሎም፣ መርዓ ሳራን ኣብራሃምን ይግበረሎም፣ ፈረይትን ጸገይትን ይግበሮም፣ ወ.ዘ.ተ.” እንዳበለ ይምርቕ። ብከምዚ ኣገባብ ኩሉ ሰብ ምስ መረቐ፡ የዕሩኽ ነታ ናይ መርዓት ክዳውንቲ፣ ጫማታትን ወርቂን ዝሓዘት ሳንዱቕ ንመርዓት ምስ ማሓዙታ የረክብወን’ሞ፡ መርዓት ተኻዳዲና ኣዋርቓ ገይራ ምስ ተዳለወት፡ ስነስርዓት ምዕራኽ ይግበር። መርዓት ተሸፋፊና፡ መኸምብያ ኣብ ርእሳ ገይራ ኣብ ማእሲ ወይ ኣብ መደብ ኮፍ ትብል’ሞ፡ ሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ/ጎበዝ ወዲ ዓዳ፡ ነቶም ዝዓርኩላ የዕሩኽ በብሓደ እንዳ ጸወዐ የዕርኾም። መጀመሪያ፡ ናይ መዕረኺ ገንዘብ ንብሲ-ወከፎም ከምዝኸፍሉ ምስ ገበረ፡ በብሓደ የማናይ ኢዶም ኣብታ ኣብ ርእሳ ዘላ መኾምብያ ብምቕማጥ፡ “ዓርከተይ ዓርከተይ፡ ዓርከተይ እገሊት (ብሻም እንዳ ጸውዑ)፡ ዓርከተይ ዓርከተይ፡ ዓርከተይ እገሊት፡ ከም ኣብራሃምን ሳራን ዝዓረኽዎ የዕርኸኒ፡ ዓሪኸ ኣይዓረኽኩን ከይብል ቃል ኪዳን ይኹነኒ” እንዳበሉ ናይ ኣርከተይ ማሕላ ከምዝፍጽሙ ይገብር። እዚ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ የዕሩኽ ንመርዓት ናብ ዳስ ኣውጺኦም ምስ መርዓዊ ኮፍ የብልዋ’ሞ፡ ድሕሪ ናይ ምብራኽ ስነስርዓት፡ ናይ ወራድ-መርዓ ስዋ [ናይ ወራድ-መርዓ ስዋ ፍልይ ዝበለት ኢያ] ብምኽፋት ስነስርዓት ምምጋብ ወራድ-መርዓ ይጅመር። ንዓርከ-መራዓውቲ ትኸውን ድቛ ስዋ ግን ብሳርማ ታሓቲማ ኢያ ኣብ ውሻጠ ትቕመጥ። የዕሩኽ፡ “ማይ በለ ወድኽንየ ማይ በለ፡ ማይ በለ ወድኽን ---” እንዳበሉ ከምጽእዋ ናብታ እታ ሳርማ ተቕሚጣታ ዘለ ውሻጠ ይኸዱ’ሞ፡ እተን ኣብኡ ዝጸንሓ ኣንስቲ ግን፡ ነታ ዱቛ ሳው ዝሓዘት ሳርማ ምስ ካለኦት ክልተ (2) ተማሳሰልቲ ዝታሓትማ ሳርምታት፡ ግን ካኣ ዱቛ ዘይኮነ ስዋ ዝሓዛ፡ እየን ዝቕርባሎም። ካብዚኣተን መሪጽኩም ሓንቲ ውሰዱ ይብለኦም’ሞ፡ ሓንቲ መሪጾም (እታ ድቛ ዝሓዘት ኢሎም ዝሓስብዋ) ኣልዒሎም ተሰኪሞም ዕልል እንዳበሉ ናብ ዓርከ-መራዓውቲ ወሲዶም ከፊቶም ይጥዕምዋ። እዚኣ ኢያ እታ ዱቛ ኢሎም እንተኣሚኖም፡ ይሰትይዋ፤ ንሳ ኣይኮነትን እንተ ኢሎም ግን፡ ናዓኣ መሊሶም፡ ካብተን ዝተረፋ ክልተ፡ እንደገና እታ ዱቛ ኢያ ዝበልዋ መሪጸም ይወስዱ’ሞ፡ ከፍቶም ይጥዕምዋ። ንሳ ኢይ እታ ዱቛ እንተለማ፡ ይሰትይዋ፤ ንሳ ኣይኮነትን እንተ ኢሎማ ግን፡ ናዓኣ መሊሶም ነታ ዝተረፈት ሳልሰይቲ ሳርማ ይወስዱ። ካብ የዕሩኽ ስዋ ጢዒሙ ዱቛ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክፈልጥ ዝኽእል ሰብ እንተዘይብሎም፡ ተጋግዮም ነታ ዱቛ ዘይኮነት ሳርማ ክሰትዩ ይክእሉ ኢዮም። ከምኡ እንተገይሮም ካኣ፡ እተን ኣንስቲ ስዒረነኦም (የዐሸነኦም) ማለት ስለዝኾነ፡ ዓያሹ የዕሩኽ እንዳ ተባህሉ መስሓቕ ይኾኑ። እዚ ኩል ክግበር ከሎ ዝፍጠር ሳሓቕ፣ ቀልድን ወኻዕኻዕን ፍልይ ዝበለ ህሞት ነቲ ውራይ መርዓ ኢዩ ዝፈጥረሉ። ኣብ መንጎ ዓርከ-መራዓውትን ሓማውትን ካኣ ጽቡቕ ናይ ሓቢርካ መዋሲኢ ባይታ ብምፍጣር፡ ነቲ ዝምድና ናይ ተጻመድቲ የደልድሎ ኢዩ።

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ፡ ናይ ወራድ-መርዓ ማኣድታት ብሓደ ጊዜ ኢዩ ዝቐርብ፡ ወራድ-መርዓ’ውን ብሓደ ጊዜ እዮም ዝምገቡ። ናይ ዓርከ-መራዓውቲ መግቢ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ [ማኣዲ ንመራዓውቲ ይባሃል እዃ]፡ ጸብሒ ደርሁ ምስ እንቛቖሖታተን ኢዩ ዝቐርበሎም። ናይ ባዓሉ ዝኾነ ስነስርዓት’ውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ጸብሒ ደርሆ ምስ መጸ፡ እቲ ዝጸብሕ ዓርኪ፡ ቅድሚ ጸብሒ ምጽብሑ፡ እተን ዓሰርተ ክልተ (12) ሜላታት ደርሆ ምህላወን ከረጋግጽ ኣለዎ። እንተዘይኮነ፡ እዞም የዕሩክ ዓዋናት/ ኣይፈልጡን ኢዮም ኢለን እንተገሚተን፡ እተን ሰራሕቲ ጸብሒ ደርሆ፡ ከዕሽወኦም ኢለን ሜላታት ከጉድላሎም ይኽእላ ኢየን [ኩሉ ንመሳሓቕ ኢዩ ዝግበር]። ብተወሳኺ፡ ጎሎ (ሓንቲ ካብተን 12 ሜላታት) ብወግዒ ዓደቦ ናይ ሰራሒት ጻሕሊ/ደርሆ ስለዝኮነት፡ ዓርከ-መራዓውቲ ተመጊቦም ምስ ወድኡ፡ ኣብታ ዝመጸታ ጻሕሊ ገይሮም፡ ምስ ማኣዲ መልሲ ናብ ሰራሒት ጻሕሊ/ደርሆ ክመልስዋ ኣለዎም። ወግዒ ዓደቦ ስለዘይፈልጡ፡ ወይ’ውን ተጋግዮም እንድሕር ዳኣ በሊዖማ ግን፡ ኣዋልድ ዓዲ ልጓም ናይ መርዓት በቕሊ መንዚዐን ብምውሳድ ኣይንህበኩምን ኢና ኢለን ይኸልኦኦም ኢየን። ልጓም ብቕሊ እንተተታሒዙ ካኣ፡ መርዓት ካብ ዳስ ኣይትወጽእን ኢያ። ሽዑ፡ ዕረቆ ዕረቆ ተባሂሉ፡ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ መንጎ ኣዋልድ ዓድን ዓርከ-መራዓውትን ኣትዮም ይሽምግልዎም - ዓርከ-መራዓውቲ ይኽሕሱ [ይሰግዱለን፣ ሳዕስዑ ኢለን ብዙሕ ጊዜ ደጋጊሞም ከምዝስዕስዑ ይገብራ፣ ንወራድ-መርዓ፡ ኣብ ክንዲ ብእዋኑ ናብ እንዳ ወዲ ዝምለሱ፡ የምስያሎም፣ ወ.ዘ.ተ.]። ስለዝኾነ፡ ዝኾነ ጎበዝ/መንእሰይ ክዓርክ ክሓስብ ከሎ፡ ነዚ ኩሉ ወግዕታትን ልምድታትን ፈሊጡ ሓልፍነት ክስከም ክዳሎ ኣለዎ። “ዕርክነት፡ ቅድሚ ዕለተ መርዓ (ዓርኪ ሕልፎት)፣ ኣብ ዕለተ መርዓን ድሕሪ ዕለተ መርዓን (ኣብ ጊዜ ሕጽኖት) ተሓታትነትን ሓላፍነትን ዘሰክም ኣገዳሲ ዓዳዊ ትካል ኢዩ” ዝብል ተረድኦ ኣለኒ። ኣንበብቲ ኸ እንታይ ትብሉ?

መቸስ፡ ባህለን ስለዝኾነ፡ ኣዋልድ ዓዲ ንዓርከ-መራዓውትን ንወራድ-መርዓን ብጸርፊ ትንፋስ ኢየን ዝኸልኦኦም። ካብ ምቕንጣጥ ዝጀመረ ጸርፊ፡ ክሳብ ወራድ-መርዓ መርዓቶም ሒዞም ዝኸዱ ኢዩ ዝቕጽል። ንኣብነት፡ ወራድ-መርዓ ክምገቡ ከለዉ (ቀሲኖም መታን ከይምገቡ)፡ ኣዋልድ ዓዲ ካብ ዳስ ወጻኢ ተኣኪበን፡ ከምዝስዕብ ኢለን ይጸርፈኦም፦ “ኣብታ ኣይኒ ጣይታ፡ ሓሰኻ ኣላታ፡ ዑዕ በላ ኢኻ፤ ኣብቲ ዓይኒ መረቕ፡ ሓሰኻ ጨብረቕረቕ፡ ዑዕ በላ ኢኻ፤ ኣብታ ዓይኒ ምለሊኽ፡ ሓሰኻ ውሊኽሊኽ፡ ዑዕ በላ ኢኻ፤ ኮሎስ፡ ከምዝሓረሶ፤ ወ.ዘ.ተ.”። ከም ኣጋጣሚ፡ ዝኾነ ወዲ ዓደን ሰብ ከህደአን ኢሉ፡ “ግደፋ ኣትን ኣዋልድ፡ ከምኡ ኣይትበላ” እንተ ዳኣ ኢሉወን፡ እቲ ጸርፊ ናብኡ ጠውየን፡ “እዚ ኸ እንታይ ገደሶ፡ መሲልዎ ዶ ዝልዛል ዘኾልሶ፤ ኣያ እገሌ/ክስቶ (ብሽሙ እንዳ ጸዋዓ) ኸ እንታይ ገደሶ፤ መሲልዎ ምታር ዘኾልሶ፤ ወ.ዘ.ተ.” ኢለን ጸርፊ የዝንባሉ። ምንም ክብለን ኣይክእልን ስለዝኾነ (ንወራድ-መርዓ ክጻረፋ ሕገን የፍቕደለን ስለዝኾነ)፡ ኣጽቂጡ ይሃድም/ ካብኣን የልግስ። ንመርዓዊ’ውን፡ “ኣፍንጫ ድሙ ምስ ኣቡኡየ፡ ክግዘም መጺኡየ፣ ይፈልጠካ እንድየ ወዲ ዓደይ ምዃንካ፡ ብለቖታ ጊሐ ክትልምን ዝሓገካ፣ ወ.ዘ.ተ.” እንዳበላ ኣልባቡ ኢየን ዘጥፋኣሉ። ከምኡ’ውን ንየዕሩኽ፡ “ዓርኪ ኣዳነይስ እባ፡ ዘይበሰለ ዱባ፣ ንእሽተይ ዓርኪ፡ ሻሽ ጠፊእዎ ይበኪ፣ ወ.ዘ.ተ.” እንዳበላ ኢየን ዝጽርፈኦም።

ወራድ-መርዓ፡ እቲ ጸርፍታት ከይገደሶም በሊዖም ሰትዮም ምስ ወድኡ፡ ተማሳጊኖም ናብ ዓዶም መርዓቶም ሒዞም ንኽምለሱ ምድላው ይጅምሩ። ናይ መርዓት በቕሊ ካብ ታኣሲራቶ ዝዋዓለት ትመጽእ [ኣባቕል ወራድ-መርዓ’ውን ብዓዲ መግቢ ክዋሃበን ሕጊ/ወግዒ ዓደቦ ይፈቕደለን ኢዩ]፡ መርዓት ካኣ ኣብ በቕላ ትስቀል (ሓቚፎም ኢዮም ዝሰቕልዋ)። መርዓት ቀዲማ ትወጽእ፡ ዓርከ-መራዓውቲ ካኣ “ታሓምበለ” ኢሎም ንመርዓዊ ኣብቲ ቅድሚ ዳስ የሳዕስዕዎ። ሓማውቲ (ሓማቱ ወስኽካ)፡ ቅናተን ብምፍታሕ፡ ገንዘብ Werad-Meraaይስልመኦ፡ እግረ-መንገደን ካኣ፡ ኣጸቢቐን ይርእዮኦ። መታን ደጋጊሞም ክስዕስዑ (ነተን ገንዘብ ስልማት ደልዮም ይደጋግሙ)፡ ኩለን ብሓደ ጊዜ ንመርዓዊ ኣይስልሞኦን ኢየን። ብተወሳኺ፡ ሓማቱ፡ ኩታ ኣብ ክሳዱ ትገብረሉ’ሞ ምስዕሳዕ ተሰንዮ። ስነስርዓት ታሓምበለ ምስተወደአ፡ ዓርከ-መራዓውትን ወራድ-መርዓን ካብ እንዳ ጓል ወጺኦም ንዓዶም የምርሑ። ኣዋልድ ዓዲ ካኣ፡ ንዓርከ-መራዓውቲ እንዳጸረፋን፡ ንመርዓት ዝውዱሱ ደርፋታት እንዳ ደረፋን፡ መርዓት ካብ ዓዲ ወጺኣ ክሳብ ትኽይድ እግሪ እግራ እንዳ ሳዓባ የፋንዋኣ። “እምቢ በሊ፡ እምቢ በሊ፡ መጺኣ በቕሊ፤ እምቢ በልዮም፡ እምቢ በልዮም ወይኖ፡ ንእስነት ዶ ትምኖ፤ ምኻድስ ኪዲ፡ ትኸድዮ በየናይ ዓዲ፤ ኪድዮም ኪድዮም፡ ዓዲ ጓና ኪድዮም፡ ክምስ እንዳበልኪ ልቦም ታዓዘብዮም፤ ሓፍተይ ኪዲ በሊ፡ ግርማ ታዓደሊ፤ ኣሳፋሕለይ ከም ሮማዲ፡ ጀጋኑ ውለዲ፤ ወ.ዘ.ተ.” ኢለን እንዳደረፋ የፋንዋኣ፡ መርዓት ካኣ እንዳተዳናፈቐት ንዓደባኣ ሕቛኣ ሂባ ናብ እንዳሕማኣ ገጻ በቕላ ሰሪራ [ዓርኪ ርእሳ ተጋራቢቱ ይሕዛ] ትኸይድ።

መርዓት ቅድሚ ዓርከ-መራዓውትን ወራድ-መርዓን ስለትወጽእን ስለትኸይድን፡ ኣዋልድ ኣፍኔናኣ ክምለሳ ከለዋ፡ ንዓርከ-መርዓውቲ ብምኽታር፡ ንመርዓዊ ከምዝስግደለንን እድ ነሲኡለን ከምዝከይድን ኢየን ዝገበራ። ከም ገለ፡ መርዓዊ ኩርዓት ተሰሚዕዎ፡ መታን እድ ከይነስኣለንን ከይሰግደለንን ኢሎም፡ ዓርከ-መርዓዊቲ ወይ ክሃድሙ ወይ’ውን ብካልእ መንገዲ ተሓቢኦም ክኸዱ እንተፈቲኖም፡ ጎየን ክኸትረኦም ኢየን ዝፍትና፡ ዋላ ብደናጉላ ኢየን ዝሳሃለኦም። ኣወዳት ጎርዞ ጒላ ደቂ ዓደን’ውን ክሕግዝወን ይኽእሉ ኢዮም። ከምኡ እንተኮይኑ ካኣ፡ ዕግርግርን ባኣስን ይፍጠር። መርዓዊ ንኣዋልድ ክሰግድን እድ ክነስእን ሕጊ ዓደቦ የግድዶ ኢዩ። ምናልባት ክሃድም ፈቲኑ’ሞ እንተተፈጊኡ፡ ከምዝተፈግኦ ኢዩ ዝኸይድ [ተፈጊአ ኢሉ ብሕጊ ክሓትት ኣይክእልን ኢዩ፡ እንተሓተተ’ውን ብሕጊ ይርታዕ]። ጓል ክብሪቲ ኢያ፡ ብቀሊሉ ካኣ ኣይትርከብን፤ እተን ኣዋልድ ዓዲ፡ “ሳንዳና ካባና ፈሊኻ ክትወስዳ ትክእል፡ ኢድ ነሲእካን ሰጊድካ ብኣኽብሮት ጥራሕ ኢዩ” ኢየን ዝብለኦ ነቲ መርዓዊ። ንሱ ካኣ “እሺ ሕራይ፡ ንሳንዳኽን/ንማሓዛኽን ኣኽቢረ ክሕዛ ኢየ” ኢሉ ኢድ ክነስኣለንን ክሰግደለንን ኣለዎ። ብከምዚ ኣገባብ መርዓት ምስ ኣፋነዋ፡ “ኣፋኒና ሩባ ኣስጊርና ተመለስናክን፡ ወዲ ሓዚላ ትመለስክን” እንዳበላ ናብ ዳስ ተመልሰን ምስለአን ይሓታ። ኣዋልድ፡ ምሉእ ማዓልቲ እንዳ ደረፋን እንዳዘለላን መርዓ ከጸብቓ ስለ ዝውዕላ፡ መርዓት ምስ ኣፋነዋ ኢየን ዝምገባ። መግበን ካኣ ፍሉይ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ባዕሉ ስነስርዓት’ውን ኣለዎ። ኣደ መርዓት እቲ ዝግበኣን ኩሉ (እንጀራ፣ ጸብሒ፣ ስዋ፣ ወ.ዘ.ተ.) ትህበን’ሞ፡ ባዕላተን ኢየን ዘማሓድረኦ (ንሽም ዳስ ኣይምልከቶን ኢዩ)። እንድሕር ዳኣ በቲ ዝተዋህበን ዓጊበን፡ ተመጊበን፡ “ንውድሰ ንወዳድሰ፡ ኣበይ ኣለዋ ባዓል ምሰ፣ ኣንበሳ ድምጻ፡ ብሩር መወጻ ይብላኺ ኣለዋየ፣ ወ.ዘ.ተ.) እንዳበላ ክውድሳ የምስያ፤ እንተዘይ ዓጊበን ግን፡ ንኣደ መርዓት ይጸርፋኣ (ምስለአን ስለዘጉደለትለን ማለት ኢዩ)። ነዚ ዝኾነን ብዙሕ ጸርፍታት ኣለወን። ንኣብነት፡ “ጸሎሎ ገጻ፡ ፋሓም ሞወጻ፡ ይብላኺ ኣለዋየ፤ ጭራ እግራ ጭራ እግራ፡ ኣብ ድሕሪ መጥሓን እንተትኣስራ፤ ወ.ዘ.ተ.” ንምጥቃስ ይካኣል። ኣደ መርዓት ካኣ ነዚ ስለትፈልጥ፡ ምስለአን (መስለን) ኣይተጉደለንን ኢያ።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ፡ መርዓ፡ ብኹሉ ኣካላት ዓዲ (ቆልዑ፣ ኣዋልድ፣ ኣንስቲ፣ ሰብኡትን ኣጓብዝን፣ ትካላት ዓዲ፣ ንብረት ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ምውሳእ ዝዕመም ኣገዳስን ክብሩን ውራይ ዓዲ ኢዩ። እቲ ኩሉ ንውራይ መርዓ ንምኽያድ ዝግበር ንጥፈታት፡ ኣብቲ ዓዲ “ማሕበረ-ሰባዊ ስጥመት፣ ሓልዮት፣ ፍቕሪ፣ ስኒት፣ ሰላም፣ ዓዳዊ መንነት፣ ወ.ዘ.ተ.” ንኽፍጠርን ዓዅኹ ንኽድልድልን ይገብር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ጓል ተመርዕያን ተደርዕያን፡ ተካኢ መጻኢ ወለዶ ክትፈርን ክትጸግን ዘኽእላ “ባህርያዊ ከባቢኣ ዝተሓለወት” መበቆል ዓዲ ከምዝህልዋ’ውን ይገብር ኢዩ። “ንጓል ዓዳ ኢዩ ክብረታ” ክባሃል ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? እታ፡ ሃገሮም/ዓዶም ዝፈትዉን ዘፍቕሩን ጀጋኑ፣ ሓየታት፣ ዋዕሮታት/ዋዓሩ፣ ወ.ዘ.ተ. ዝወለደት ኤርትራዊት ኣደ፡ እዚ ኢዩ መሰረታን መበገሲኣን። እቶም ዝተወልዱ ሃገሮም ዝፈትውን ዘፍቅሩን ካኣ፡ እታ ዝፈረየቶምን ዝተጸገየቶምን ኤርትራዊ ኣደ፡ ነታ መሰረት ክብራ ዝኾነት ዓዳን መበቆላን ስለትፈቱን ስለተፍቕርን ኢዩ። እሞ፡ ከምዚ ካብ ኮነ፡ እስከ ኣንበብቲ ምልስ ኢልኩም ብዛዕባ እታ ተወሊድኩም ዝዓበኹምላ ዓዲ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ሕሰቡ። እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ፡ ኣሎ ዶ? ይግበር ዶ? እተን ዘፋንዋ ኣዋልድ (ማሓዙት/ሳናዱ) ኣለዋ ዶ? እቶም ዝዘሉን ኩሉ ንጥፈታት ዝዓሙን ኣጓብዝን መንሰያትን ኣለዉ ዶ? እቶም ዋሓስ ዘትክሉን መሰረት ክብረትን ውሕስነትን መርዓት ዝኾኑ ዓበይቲ ዓዲ ኣለዉ ዶ? እቶም ማይን ናይ መርዓ ናውቲ ዝጓርቱን (ዝላኣኹን)፡ ዋላ ብጫው ጫዎም ከይተረፈ ንመርዓ ሂወት ዝህቡን፡ ቆልዑን ኮተቴን ኣለዉ ዶ? እተን ለይትን ማዓልትን ሰሪሐን “ኣየ ውራይ” ዘብል እኽለ-ማይ መርዓ ዘዳልዋን፡ ንመርዓት መኺረን፣ ሓኒነንን ቖኒነንን ዘፋንዋን ኣዴታት ኣለዋ ዶ? ሕጽር ብዝበለ፡ እቲ ንቡር ሂወት ዓዲ ዝባሃል ኣሎ ዶ? እቲ ንቡር ሂወት ዓዲ እንተዘየሎ ኸ መንነት ዓዲ ከም ዓዲ ኣሎ ክባሃል ዶ ይካኣል? መንነት ዓዲ እንተዘየሎ ኸ፡ መንነት ሃገር ኣሎ ዶ ክባሃል ይካኣል? መንነት ሃገር እንተዘየሎ ኸ፡ ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ሂወት ኣለዎም ዶ ክባሃል ይካኣል? መልስታትን ናይ መልስታት መደምደምታን ንኣንበቲ እገድፎ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክፋላት ጽሑፋት፡ ናብዚ ዛዕባ እዚ ተመሊሰ ትንታነ ክህበሉ ምዃነይ ኣቐዲመ ክሕብር ይፈቱ። ቅድሚ ናብኡ ምምላሰይ ግን፡ ኣብ ሓሙሻይ ክፋል፡ ብዛዕባ እቲ ተሪፉ ዘሎ ንጥፈታት ዕለተ መርዓን (ኣብ እንዳ ወዲ) ብዛዕባ ካለኦት ጉዳያት ዓድን ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

ስለዝኾነ፡ ኣብ ሓሙሻይ ክፋል፡ ብዛዕባ መርዓት በቕላ ሰሪራ ኣብ ዓዲ እንዳ የሕማኣ ምስበጽሐት ዝግበር ኣቀባብላ መርዓትን፡ ኣቀባብላ ዓርከ-መራኣውትን ወራድ-መርዓን፣ ኣብ እንዳ ወዲ ዝግበሩ ንጥፈታት መርዓ፣ ስነስርዓት ዓርኪ-ሳልስቲ፣ ስነስርዓት ሕጽኖት/እንዳ መርዑ፣ ኣገባብ ምልሶትን እትዋትን፣ ባይቶ ዓዲን ማሕበረ-ሰባዊ ተርኡን፣ ዓዳዊ ትካላት ምትሕግጋዝን፡ ምስ ሞትን ሓዘንን ዝተኣሳሰሩ ንጥፈታት ዓድን፡ ሰፊሕ ትንታነ ክቐርብ ኢዩ።

--------

1. እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ ማዓልታዊ ሂወት ኤርትራዊት ያትዊ ዓዲ እንታይ ከምዝመስል ሓፈሻዊ ስእሊ ንኣንበብቲ (ብፍላይ ንኤርትራውያን መንእሰያት) ንማሃብ ዝዓለም ስለዝኾነ፡ ኣብ ደቀቕቲ ንጥፈታት ዓድን፡ ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለይ ኣከባቢታት/ዓድታት ኤርትራ ዝገበሩ ፍልይ ዝበሉ ወግዕታትን ልምድታትን ምትንታን ዘይኣቱ ምዃኑ ኣንበብቲ ክግንዘቡለይ ብትሕትና ይሓትት። ብኣንጻሩ እዃ ዳኣ፡ ኣንበብቲ፡ ንማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ነብሲ-ውከፍ ዝዓበይሉ ዓዲ ወይ ኣከባቢ ዝገዝኡ ወግዕን ልምድን ብምዝኻር፡ ሕጂ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከቡ ከስተባህሉ እየ ዝጽውዕ ዘለኹ። እዚ ጽሑፍ እዚ ካኣ፡ ከም ሓፈሻዊ ማኣዝን መትሓዝን (frame of thinking) መወከስን ኮይኑ ጥራሕ ከገልግል ኢዩ ዝቐርብ ዘሎ።

ሓሙሻይ ክፋል ይቕጽል


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ:
(Part-I)  (Part-II)  (Part-III)  (Part-IV) 

 

Share with friends: 



See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-
ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት ቤተሰብ፡ ኣስተምህሮ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና
Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family, Seminar at Hdri Jeganuna
(22-April-2018)- ኩሉ ክፋላት All Parts:
(Part-1)  (Part-2)  (Part-3)  (Part-4)


See also recent articles and Seminars by Dr. Gebre Gebremariam
ካልኦት ብ'ዶር ገብረ ገብረማሪያም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


Share with friends: