ካብ ዓለም-በቃኝ ክሳብ ቪርጂንያ (ሃገረ-ኣመሪካ)

13/01/2017 02:55 AM

ካብ ዓለም-በቃኝ

ክሳብ

ቪርጂንያ (ሃገረ-ኣመሪካ)

ታሪኽ ህይወትን ተመኩሮን ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም

ካብ ዓለም-በቃኝ ክሳብ ቪርጂንያ   ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ መቐረት ትምህርቲ ከይጸገበ፡ ከም ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ፡ በጃ ህዝቡ ህይወቱ መስዋእቲ ንምኽፋል፡ ናብ ሰውራ ኤርትራ ዝተሰለፈ ጅግና ሓርበኛ ኢዩ።

ኣብ ገድሊ (ሰውራ) ድማ፡ መስዋእቲ፡ መውጋእቲ፡ ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ዘጋጥም። ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ብዘጋጠሞ ከቢድ መውጋእቲ፡ ናብ ኢድ ጸላኢ ወድቑ፡ ድሕሪ'ቲ ጸላኢ (መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ) ዝገበረሉ ሕክምና ድማ፡ ናብቲ ንሕልፈትካ እትበልየሉ 'ዓለም-በቃኝ' ዝተባህለ ቤት-ማእሰርቲ ናይ ኢትዮጵያ፡ ምስ ካልኦት ሓርበኛታት ኤርትራውያን ተዳጒኑ።

ዶ/ር ገብረ፡ ኣብዚ ብዘይካ ዕርበት ሕልና፡ ካልእ ክትሓስበሉ ዘጸግም ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ ኾይኑ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ዘኹርዕ፡ ሰሚዕካዮ'ውን መመሊሱ ዘደንጹ፡ ዓቢይ ዓወት ኢዩ ኣመዝጊቡ። ብትምህርቲ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ተማሃሮ ኮይኑ ካብ መላእ-ኢትዮጵያ ሬኮርድ (Record) ብምስባር ብኣዝዩ ልዑል ነጥቢ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ኣብኡ ከሎ ኸኣ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣርኪቡ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ቀጺሉ፡ ኣብኡ'ውን ከም መምህር ኮይኑ ሰሪሑ። ብድሕሪኡ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ናብ ወጻኢ ቐጺሉ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ከም ፕሮፈሶር፡ ኣብ ቪርጂንያ ዩኒቨርሲቲ፡ የገልግል ኣሎ። ኣብዚ እውን ዝተፈላለየ ሽልማታት ረኺቡ ኢዩ።

ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሒ ንምንጋስ ዝካየድ ቃልሲ፡ ብኹሉ መዳያት፡ ንቕሓት ኤርትራውያን ክብ ንምባል ዝሰርሕ ዘሎ ኣብነታዊ ምሁር ኤርትራዊ ኢዩ።

እቲ ታሪኽ፡ ካብቲ ኣብ ተኻታታሊ እዋናት ምስ ድምጺ ኣሰና ዝተኻየደ ዕላላት ብዝርዝር ክንመሃር ንኽእል። ንኹልና ኤርትራውያን ድማ ዓቢይ ኣብነት ኢዩ፡ ብፍላይ ንመናእሰይ ኤርትራውያን።

እዚ ታሪኽ'ዚ ንዓና ንርትራውያን፡ ንምስትንታን ዝሕግዘና ዓቢይ ሓቂ የግህደልና። ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ቤት-ማእሰርቲ ናይ ኢትዮጵያ (ስርዓት ደርግ) ኾይኑ፡ ብብረት ኣንጻሩ ተሰሊፉ ዝነበረ ኤርትራዊ ክንሱ፡ ዋላ'ኳ ዘይንቡርን ብሳላ ዝነበሮም ተበግሶ ዝረኸቡዎ ዕድልን እንተነበረ፡ ግን ከኣ ዕድል ናይ ትምህርቲ ክፍቀደሎም ምኽኣሉ፡ ሓደ ነገር ምልስ ኢልና ከነወዳድር ይግድደና። ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ፡ ዒላ-ዒሮን ካልእን ዘለዉ እሱራትና ክንዝክር ንግደድ። ገለ ጭላፍ ካብዚ መሰላት'ዚ ይትረፍ'ሲ፡ ዋላ'ኳ ከምቲ ኣብ ዓለም-በቃኝ (ሰርዓት-ደርግ) ዝዝውተር ዝነበረ፡ ናይ ቤተሰብን ፈተውትን ምብጻሕን ደሃይ ምፍላጥን ከምኡ'ውን ናይ ትምህርቲ ዕድል፡ ኣብዚ ናትና እንብሎ ስርዓት ዘሎ ኣተሓሕዛ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ብዘይ ምህላዉ፡ ክሳብ ክንደይ ስርዓት ኤርትራ፡ ገፋዒን ጨካንን ምዃኑ ኢና ንግንዘብ።

ከም በዓል ቢትወደድ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ንልዕሊ 25 ዓመታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ማሕዩር ኣለዉ፡ ን15 ክሳብ 20 ዓመታት ሃለዋቶም ዘይግፍጥ፡ ምስ ስድራቤቶም ተራኺቦም ዘይፈልጡ ብስርዓት ኣስመራ ዝተሓየሩ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም፡ ገለ ካብዚኦም፡ እቶም ቅዋም ኤርትራ ክትግበር፡ ሃገርና ድማ ከምቲ መብጽዓ ስዉኣትና፡ ብቅዋማዊ ስርዓት ክትመሓደር ስለዝጠለቡ ጥራይ፡ ኣብ ማሕዩር ዒላዒሮን ካልእን ከም ዝጠፍኡን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ዝተገብረ ኣርካናት ሓርበኛታትና ይርከቡዎም። እዚ ኢዩ እምበኣር፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ ከነስተንትንን ናብቲ እግዚኣብሔር ዝዓደለና ንቡር ሕልናና ተመሊስና፡ ንግፍዒን ምልኪን ክንቃወም፡ ንፍትሒ ድማ ተሓቛቚፍና ክንጓዓዝን ዝድርኸና።

ካልእ፡ ነቲ ብኣማኢታት ኣሽሓት ዝቑጸር ኤርትራዊ፡ ኣብታ ልዑላዊት ኮይና ዝበላ ሃገሩ፡ ኣስተርሕዩ ንቡር ህይወት ከሕልፍ ብዘይምኽኣሉ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ፡ ኣብ ሃገረ-ስደት ዝነብር ዘሎ መንእሰይ ኤርትራዊ ወለዶ፡ እዚ ናይ ዶ/ር ገብረመስቀል ተመኩሮ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ፡ እንኳን'ዶ ኣብቲ ዕድላት ትምህርቲ ዘለዎ ዓድታት ተቐሚጥካ፡ ዋላ'ውን ኣብቲ ኣዝዩ ጸቢብ ዕድላት ዘለዎ ውጡር ኩነታት እውን እንተኾነ፡ ተባዕ ውሳኔ እንትጌርካ፡ ነብስኻ ንምምዕባል ክትዕወት ከምዝከኣል ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሃብታም ምኽሪ ዝሓዘለ ዕላል ብጽሞና ሰሚዕና፡ ኣብ ህይወትና ክንጥቀመሉ ኣገዳሲ ኢዩ።

ሓውኹም፡
ዮውሃንስ ጸጋይ

እምበኣር፡ ምስ ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም ዝተኻየደ ዕላል ኣብ ታሕቲ እነሀልኩም-

 

 

 

 

 

 

Share with friends: 


See also past seminars and interviews with Dr. Gebre. Gebremariam:
ምስ ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም ዝተገብረ ዕላላትን፡ ዝተዋህበ ኣስተምህሮኣዊ ሰሚናራትን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡-