ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኻ ኣለሊ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

06/04/2019 14:20 PM

ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኻ ኣለሊ

ብ' ገ. ወልደሚካኤል
- ካብ ሕ.መ.ኣ.

ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኻ ኣለሊ

ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኻ ኣለሊ
ብ' ገ. ወልደሚካኤል - ካብ ሕ.መ.ኣ.

ብሓፈሻ፡ ንኩሉ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ብደረጃ ምዕባለ ሃገሩ፡ ብዝሑን ዓይነቱን ይፈላለ ድኣእምበር፡ ብዙሓት ጸላእቲ ኣለውዎ። ካብቶም ብቐዳምነት ክስርዑ ዝኹእሉ ጸላእቲ፡ ብምዕባለ ለጠቕ ንዝበለት ሃገር፡ ከም ድንቁርናን ድኽነትን፡ ናይ ጥዕና ጉድለትን ጥሜትን ክጥቀሱ ይክኣል። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ናይ ተፈጥሮ ተጻባእቲ፡ ከም ዋሕዲ ዝናብ ዘኸትሎ ድርቂ፡ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምልኣት ውሓይዝን ኣፍላጋትን ዘኸትልዎ ምጥልቕላቓት፡ ወራር ኣንበጣ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ቮልካኖ፡ ዘራጊቶ/ህቦብላ፡ ሱናሚ፡ ህሩከይን ዝኣምሰሉ ዘስዕብዎ ዕንወት ክንጠቅስ ንኽእል። ዝበዝሑ ካብዞም ዝተጠቕሱ ብጆግራዊካዊ ኣቀምምጣ እታ ሃገር ስለዝጽለዉ፡ ኣብዛ ድኻ ሃገርና ስለዘየጋጥሙ ከነመስግን ይግባእ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተስምዩ ሕብረተ-ሰብኣዊን ተፍጥሮኣዊን ጸላእቲ፡ ብደረጃ ምዕባለ ሃገርን ብድልየትን ዕቱብ ጻዕሪ መራሕቲ ሃገራትን፡ ገሊኦም ፈጺሞም ክውገዱ ከለዉ፡ ገሊኦም ክኣ ዘምጽእዎ ጉድኣት መጠኑ ኣዚዩ ክንከ ይክኣል እዩ። እቲ ካልእ ኣገዳሲን ፍሉይ ግንዛቤ ዝግብኦን ክጥቀስ ዘለዎ ጸላኢ፣ ጉዳይ ወረርትን ባዕዳዊ ገዛእቲ ሃገራትን፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃገርን ህዝብን ዘውርድዎ፡ ብዝበዛ ባህርያዊ ሃብተን፡ ማሕበራዊ ምድቋስን ምዝንባልን እዩ።

ስለዚ መርሒነት ሓደ ሃገር፡ ኣብ ከም ደርጃ ምዕባሌ ኤርትራ ዝርከባ ሃገራት፡ ቀዳምነታት ሰሪዑ ኣብ ምውጋድን ምንካይን ብዙሓት ጸላእቲ ከም ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ክንክን ጥዕና ዝኣምሰሉ፡ ይነጥፍ። ኣብ ርእሲ'ዚ እውን ፡ ኣብ ምድኳንን ምህናጸን ምጽጋንን ከተማታት፡ ወደባት፡ መራኸቢ ጽርግያታት፡ ግድባት፡ ይሰርሕ፣ ምእላይ ዉሓይዝን ምክልኻል ኣንበጣን ካልእን፡ ይተግህ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ፡ ኣብ ምቕራብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ከም ማይን መብራህትን (ጽዓት ብሓፈሽ)፡ መጓዓዓዚ፡ ምፍጣር ጠለብ ህዝቢ ዘዕግብ ህጡር ዕዳጋ ፡ ኣብ ምንጻፍ ምሕደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ ፍትሓዊ ትካላት ከይሰልከየ ይሰርሕ። ዜጋታት ምዩቕ ከይበሉ ብናጻ፡ ብዘይ ስግኣት፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ክንቀሳቐሱ ኣበርክትኡ የዕዝዝ። መሰል ምዝራብ፡ ምእካብ፡ መሰል ናጻ ሓበሬታ ምርካብ፡ መሰል መረረኻ ኣብ ጎደናታት ወጺካ ምቅላዕ፡ መሰል ተሳትፎ ምድማጽ ምሉእ ህዝቢ ኣብ ምርጫ ፖለቲካዊ መራሕቱ ፡ መሰል ሕጋዊ ርእሰ-ምክልኻል ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ፣ ብሓጺሩ ሃገራዊ ቅዋማዊን ትካላዊን ምሕደራ፡ ግብራዊ ኣብ ምግባር ከይሰልከየ ይሰርሕ። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ልዑላውነት ዘውሕስ፡ ሃገሩ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘየእቱ ድልዱል ዘበናዊ ሃገራዊ ሰራዊት ይሃንጽ።

እቲ ቀንዲ ሓላፍነት መንግስቲ እዚ ካብ ኮነ፡ እቲ ቀንዲ በዳሂ ዝልዓል ሕቶ እምብኣር፡ ስርዓት ህግደፍ ከም መሪሕነት ሓደ ሃገር፡ ኣብ ላዕሊ ካብ ተዘርዘሩ መለክዒታት ክንደ'ዩ ዘማልእ? ኣብቲ ኣገደስቲ መልክዒታት ጥራይ እኳ እንተ ኣተኮርና፡ ምውሓስ ልዑላውነት ሃገርን ዶባትን፡ ምትካል ቅዋማዊን ትካላዊን መንግስቲ፡ ምንካይ ድኽነት፡ ምጥፋእ ድንቁርና፡ ምቕራብ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን፡ ምሕላው መሰላት ዜጋታት፡ ምህናጽ ስጡምን ድልዱልን ሕብረተ-ሰብ፡ ፈጺሙ ፈሺሉ እዩ። ንምዃኑ'ኸ፡ ነዚ ዝተባህለ ክገብሮ ካብ መጀመርይኡ ድልየት ነይርዎ ድዩ? ፈቲኑ'ዶ'ኸ? ፈጺሙ ድልየት ኣይነበሮን፡ ኣይፈተንን ክኣ። ስኣን ዓቕሚ ድዩ? ኣይፋልን። ብዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድካይን ምልማስን እዩ።

እቲ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ፡ እቲ ቀንዲ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እምብኣር፡ እቲ ከም ፍልሖ ንሕብረተሰብና ብውሽጢ ውሽጢ ከቦኽብኾ ዝጸነሐ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ከም ቁርዲድ ነኺሱ ሒዝና ዘሎ ዘይሕጋዊ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝብእስ ጭቆና፡ ወልቀ-መላኺ፡ ንህዝብና ቀፊዱ ስለዝሓዞ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ክንዲ ንቕድሚት፡ ኤርትራ ብኹሉ መዳያት ንድሓር ክትስጉም እያ ጸኒሓ። ርሑቕ ከይከድና ምስ ጎረቤት ሃገርና ዝኾነት ኢትዮጵያ ብተዛማዲ መገዲ ምንጽጻርን ምውድዳርን፡ ክሳዕ ክንደይ ንድሓር ከም ዝተረፍና ክንግንዘብ ይክኣል። ሕጂ ክኣ ዝሓለፈ መጺኡና፡ " ንብዓል ነጎዳስ ሓዊ ይድብሶ" ድዩ ዝብሃል፣ ኢትዮጵያውያን ካባን ጭማራን ዋልታን ስለ ዝሸለምዎ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ልዕላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ንከውድቖ ክቀራረብ ንዕዘብ።

ኣብዚ መድረኽ'ዚ እቲ ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ ጸላኢ ሃገርና ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ብዘይጥርጥር፡ ንሕና፡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ንገዛእ ርእስና ኢና። ስኣን ሓደ ኮይንና ሓቢርና ምቅላስ፡ ኣብ ልዕላውነት ሃገርና ንዝወርድ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ብቐዳምነት ትሓተቲ ንሕና ኤርትራውያን ኢና። ኣብዚ ህሞት'ዚ፡ ንጸላኢና ከይንብድሆ ነቕርቦም ምኽንያታት ፈጺሞም ርትዓዊ ክኾኑ ኣይክእሉን'ዮም ። ኣብ ባይታ ዘለዉ ሒደት ዝቐርቡ ጭቡጥ ምኽንያታት እስከ ንፈትሽ፥-

1. ማሕበራዊ ሕማማት፥ ወገናዊ ፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዘይምጽውዋር፡ ዘይምክብባር፡ ምውንጃላትን ወዘተ....

2. ፖለቲካዊ ኣራኣእያታት፥ ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን፡ ሻዕብያን ጀብሃን፡ ዝብሉ፡ ትሕተ-ሃገራዊ ኣረኣእያታት

3. ደምበ ተቓወምቲ፥ ብሄራዊ፡ ሃይማኖትዊ፡ ወገናዊ፡ ውልቃዊ ቅርሕንቲ፡ ስሰዐ ስልጣን፡ ዘይምትእምማን፡ ግብዝና

4. ፍርሓት፥ ንስርዓት ህግደፍ ከም ቁርን ኣስሓይታን ስለዝፈራህና፡ ኣፍና ዓቢሱ እንዳደሃኸና፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ምሕካኽ ልዑላውነት ሃገርና እንዳተደናደነ ከሎ፡ ለሚስና ኣማዕዲና ተዓዘብቲ ኮይና ምትራፍና

5. ሓድሕዳዊ ምክሳስ፥ ዝተፈላዩ ምኽንያታት ብምቕራብ፡ ከም ቃንጢሻ ኣብ ጽባሕ ጽባሕ ዝራብሑ፡ ንርእሶም ዘይሰመሩ፡ ዘይሰርሑ ክንብል፣ ውድባት ድማ ብዘይ ሰብ'ሞ እንታይ ክንገብር ትደልዩና፡ ሓግዙና፡ ክብሉ ዓሪቡ

6. ርእሰ-ፍትወት፥ እቶም ዝተወደቡ እንታይ ሰሪሖም፣ መንእሰያት ነፍሶም ፈትዮም ሃገር ራሕሪሖም ወጺኦም፡ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ስድራይ ክርኢ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎኒ ንብረት ክይጠፍኣኒ፡ ኣነስ ክቃለስ ኣይክእልን እየ። ወይ ጉድ! "ዘይስንኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ" ዝብልዎስ ለካ ከምዚ እዩ። መን'ድኣሉ ክቃለስ'ሞ።

7. ግቡአይ ፈጺመ እየ፥ ግቡኡ ዘይገበረ ይግበር። ያእ! ሃገራዊ ግቡእ ከምቶም ልዕሊ 100 ሽሕ ሂወቶም ዝኸፈሉ ክሳብ ሂወት ምኽፋል ስለዝኾነ፡ ኩሉ ዜጋ ብብዓቕሙ ንሃገሩ ከበርክት ይግባእ። ሃገር ናይ ኩሉ ዜጋ እያ።

8. ከይብሉኒ፥ ኣባል ህግደፍ፡ ደጋፊ'ዚ ስርዓት ጸኒሐ፡ ሕጂ ብጾተይ ኣዕሩኽተይ ኣዝማደይ ክሓዲ ክይብሉኒ! ዓገብ፡ ልዕሊ ልዕላውነት ኣማእት ኣሻሕት መስዋእቲ ዝተኸፍለላ ሃገር፡ ልዕሊ ሃገራዊ መንነት ዝስራዕ፡ ፍቕሪ ዕርክነት እሙንነት ከይብሉኒ ክህሉ ዘይፈቅድ፡ ጽንኩርን ትኣፋፍን ሓደገኛ መድርኽ ኢና ንርከብ ዘሎና።

9. ህንጻን ምምዕባልን ሃገር፥ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለየ ምስምስ፡ ኤርትራውያን ምሁራንን ሞያውያንን ዜጋታት ብኽእለቶም፣ ሰብ ጸጋ ድማ ብወፍሪ ገንዘቦም፡ ኣብ ህንጻ ሃገር ከይሳተፉ ብመደብ ከም ዝኣገዶም መርትዖ ዘየድልዮ ሓቂ'ዩ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓሶት ጉልባብ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ኣሳቢቡ፡ ጅሆ ሒዝዎ ጸኒሑ። ብስርዓት ተማሃራይ ከይማሃር ነጋዳይ ከይነግድ፡ ሓረስታይ ከይሓረስ፡ ሰራዊት ምክልኻል ብቐንፈዘው ሓሊፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ገይሹ ዘርኣዮ ሕግብግብ " ኣዲኣ ገዲፋ ሓትንኣ ትናፍቕ" ከም ዝብሃል፡ ብዋጋ ልዑላውነት ኤርትራ ጸግዒ "ናይ ምድማር ጨርሖ" ጠ/ሚ ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ብምሓዝ፡ ካብ ክልል ትግራይ ክመጽእ ንዝኽል ተቓውሞ ንምፍርራህን ኢትዮጲያ ንምርግጋእን ዝእምት ክድዓት ትዓዚብና። ኮይኑ ግን፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ብሄራውን ሕብረ-ብሄራውን ባርዕ፡ ምፍላስን ምዝንባላትን ዜጋታቶም፡ እግዚኣብሄር ድኣ ይሓግዞም እምበር፣ ይትረፍዶ ብምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ (Game Over) ብፈኸራ ኢሳያስ "ጽንብላሊዕ'ሲ ምዓኮራ ዘይከደንት መሬት ክደነት"፣ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነት ምስ'ቲ ኩሉ ጸጋታታ፡ ነቲ ባርዕ ከተጥፍኦ ኣዚዩ ከሸግራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣይፈቕዶን እዩ እምበር፡ እንተዝኾነሉ ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራ "ካብ መቕሎ ናብ ጓህሪ" ከም ዝብሃል፡ ካብቲ ዘላቶ ንሱ ዝኣጎዶ መቕሎ፡ ናብ ጨርሖ 'ንደመር' ጠ/ሚ ዶር ኣብይ ዝኣጎዶ ባርዕ ሃልሃልታ፡ ኢትዮጲያ ክሸማ ዝቖረጸ እዩ ዝመስል ዘሎ። ኣብዛ ህሞት'ዚኣ መትከልን ዕላማን ፕረሲደንት ኢሳያስ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ደመኛ ጸላኢኡ ስርዓት ኢሳያስ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። ድሕሪ ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ፡ ሓደ ኾይኑ፡ ብዘይ ወገነይ ወገንካ፡ ንስርዓት ህግደፍ ክምክቶ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ የብሉን። እቲ ካልእ ተሪፉ ዘሎ እንኮ ኣማራጺ፡ ምጥፋእ ልዕላውነትካን ምሕካኽ መንነትካን ስለዝኾነ፡ ብሓጺሩ ናብ'ቲ ኤርትራ ብዘይ ሕግን ብዓመጽን ናብ ኢትዮጲያ ዝተሓወሰትሉ መጀመርያ መዋእል ስሳታት (60th) ምምላስ እዩ ክኸውን። ድሕሪ ናይ'ዚ ኩሉ ወለዶታት ቃልስን፡ መስዋእቲ ኣማእት ኣሻሕትን፡ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኣማራጺ እዩ።

ዝሓለፉ ወለዶታት፡ በብመድርኹ፡ ኣሰላልፋ ወሽጣውያንን ግድማውያንን ጸላእቶምን ተሓባበርቶምን እንዳጽንዑ፡ ምስ ውድዓዊ ክውንነት እንዳትዓጻጸፉ፡ ቅድም ንምሉእ ናጽነት፡ ምስ ጽበቦም ድማ ሕብረት ምስ ኢትዮጲያ ብውዕል፡ ድሓር ክኣ ፈደረሽን ከይፈርስ፡ ካብ 40ታት – መጀመርያ 60ታት፡ ኮታ ክሳዕ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጊ ብዓመጽ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ትሕውሳ ተቓሊሶምን ሂወቶም ከፊሎምን እዮም። ክፋል ታሪኽና ስለዝኾነ፡ ጎሲናዮ ክንሓልፍ ዘይግብኣና፡ ንሓድነት ወይ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ፡ ብስልጣንን ብገንዘብን ዝተገዝኡ፡ ብጉድለት ንቕሓት ዝተታለሉ፡ ብሽበራ ኢትዮጲያ ዝላኸቶም ሸፋቱ ዝርዓዱ፡ ድሓር ግን ዝተጣዕሱ ኤርትራውያን ምንባሮም እዩ።

ኣብ ሓምለ 1957 ብቋንቋ ዓረቢኛ ዝተበተነ፡ ብትግርኛ ተተርጒሙ ዝቐረበ ጽሑፍ ገይረ ክድምድሞ እመርጽ። ካብ መጽሓፍ ታሪኽ ኤርትራ ዝተወስደ ግዚያዊ ምዕዶ ስለዝኾነ ከተንብቡዎ እላቦ (ደራሲኡ ኣብ ታሕቲ ተመልከት)።

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም!


ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956-1962 ( ገጽ 341) ብ ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ

ገ. ወልደሚካኤል
ካብ ሕ.መ.ኣ.

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


See also recent Articles by ገ. ወልደሚካኤል:

Berhane Abrehe Message to Eritrean People and Isias Aforki



See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን



Share with friends: