Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

January 2017 - Archive   << Back

Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print
Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና


29/01/2017 03:15 AM

ዓመታዊ ቃለመጠይቕ

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ።

Interview with President Isaias Afewerki.

[ ERi-TV - January 2017 ]

ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ናይ ሓድሽ ዓመት መግለጺ ወይ ቃለመጠይቕ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ እነሆ መጺኡ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ዓመት መጸ፡ ብዙሓት መብጽዓታት ተነጊሮም ኢዮም፡ እንተኾነ፡ ተግባራውነቶም ዳርጋ ኣይረኣናን። እዚ ናይ ሎሚ’ኸ ከመይ ኮን ክኸውን ኢዩ!? እቲ ቀንዲን ዝለዓለን መብጽዓ ንህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ተጠሊሙ ዘሎ ቅዋሙ ምትግባር፡ ግዝኣተ ሕጊ ናብ ኢዱ ምምላስ፡ ብዘይፍትሒ ተሓይሮም ዘለዉ ድማ ብዘይ-ቅድመ ኩነት ምፍታሕ፡ ኢዩ ክኸውን ነይሩዎ። ህዝቢን ባይቶኡን ወናኒ ጉዳዩ ምስ ኮነ፡ ጸገማቱ ናይ ምምሕዳር ጸገም ኣይምሃለዎን። ኩሉ ካልእ መብጽዓታት እምበኣር፡ ጓል መንገዲን፡ ሸንኮለልን ኢዩ። 1ይ ክፋል:  2ይ ክፋል:

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




24/01/2017 10፡02 AM

መስዋእቲ ገዲም መራሒ ሓርበኛ

ዶ/ር ሃብተ ተስፋማሪያም፡

ምስክርነት ብብጾቱ ተቓለስቲ ሓርበኛታት

[ Eri Adal Tv ]

ገዲም ሓርበኛ መራሒ፡ ዶር. ሃብተ ተስፋማሪያም፡ ብምኽንያት ሕማም ኣብ ዕለት 13 ጥሪ 2017፡ ኣብ 74 ዕድመኡ ብመስዋእቲ ሓሊፉ ኣሎ። መስዋእቲ ናይ ዶር. ሃብተ፡ ልክዕ ከምቶም ዝሓለፉ ሓርበኛታት ብጾቱ፡ ንመላእ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓቢይ ክሳራ ኢዩ። ይኹንም'በር፡ 'ኣብ ልዕሊ መቓብር ሓደ ጅግና፡ ኣሽሓት ጀጋኑ ይፈርዩ' ከምዝበሃል፡ ኣሽሓት ጀጋኑ ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኣሰሩ ከምዝስዕቡ ዘየጠራጥር ኢዩ። እስከ፡ ዶር. ሃብተ መን'ዩ? ታሪኹ'ኸ እንታይ ይመስል? ካብቶም ምስኡ ዝወዓሉ ንስማዕ! ሰሚዕና ድማ መምስ ነብስናን ምስ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውነትን ነስተንትኖ! Read more



 

24/01/2017 10፡02 AM

ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962ብኣለምሰገድ ተስፋይ

ግምገማ:- ብ'ሳሙኤል እምሃ

[ Pen Eritrea ]

መጽሓፍ ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962 ሳልሰይቲን መወዳእታን ቅጺ ናይተን ንታሪኽ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣመልኪተን ዝተጻሕፋ ሰለስተ መጽሓፍቲ እያ። እተን ቀዳሞት ቅጽታት ኣይንፈላለ፡ ኤርትራ 1941-1950 (2001) ከምኡ’ውን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፤ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ 1951-1955 (2005) እየን። ሰለስቲአን እዘን ብተመራማሪ ታሪኽ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተዳለዋ መጽሓፍቲ ብኣሕተምቲ ሕድሪ’የን ተሓቲመን።

     ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን ብ18 ሕዳር 2016 ኣብ ኣዳራሽ ኤክስፖ ኣስመራ ድሕሪ ምምራቓ ንዕዳጋ ወሪዳ ኣላ

     …..ኣብዚ ብሰንኪ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ሓቂን ሓሶትን፣ ምስቲ ምልካዊ ስርዓት ብዝሰረጾም ቅርሕንቲ ናብ ነብሰ-ጽልኣት ዝሰገሩ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት፣ ኣብ መንጎ ሃገር፡ ህዝቢን መንግስቲን ምፍላይ ክሳብ ዝጽግሞም’ሞ መባእስቶም ዝሰሓቱ ዜጋታት፡ ኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን ኣብ ልክዕ ግዜኣ ዝመጸት መጽሓፍ እያ። .… ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ በቲ ኣዝዩ ልዙብ ቋንቋኡ፡ ረቂቕ ግን ከኣ ፈኲስ ቅዲ ኣጸሓሕፋኡ፡ ናይ ታሪኽ ግርንቢጣት ናይ ምልላይ ትኲር ክእለቱ፡ ንነገርቲ ታሪኽ ብኣካል ትሰምዖም ከም ዘለኻ ኣምሲሉ ዘቕርብ ቅዲ ኣቀማምጣ ቃለ-መጠየቓቱን ነቲ ዓጺቕ ታሪኽ ማዕረ መሳጢ ዛንታ ትሰምዕ ከም ዘለኻ ገይሩ’ዩ ኣቕሪቡዎ። ... ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ድራማታትን መጽሓፍቲ ታሪኽን ኤርትራ ብዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ኣብዚ መዳይ ዛንታ ኤርትራ ኣበርክቶኡ ዘይወላውል’ዩ። Read more

ምስዚ ዝተኣሳሰር Related፡

ንኤርትራ ዝምልከቱ፡ ብኤርትራውያንን ካልኦትን ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ንምርኣይን ንምዕዳግን፡- ኣብዚ ጠውቑ



22/01/2017 14:30 PM

ኩልኻ ኤርትራዊ - ተላዓል ንመሰልካ!

All Eritrean -

Stand up for Your Rights!

ብ’ዮውሃንስ ጸጋይ

ብቐዳምነት ን’Asmarino.com (ኣዝማሪኖ.ኮም)፡ ነዚ ኩሉ ኤርትራዊ ክፈልጦ ዝግባእ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት (Universal Declaration of Human Rights): ብቪድዮ መልክዕ ንህዝብና ከቕርቡሉ ምኽኣሎም ክብ ዝበለ ምስጋና ይግብኦም። ከምኡ'ውን ንኹሎም ኣብ ምፍራይ ናይዚ ቪድዮ'ዚ ዝተሓባበሩን ዝተሳተፉን። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ነዚ ቪድዮ'ዚ ደጋጊሙ ክሰምዖ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና ኣገናዚቡ ድማ ክጥምቶን፡ ካብዚ ተበጊሱ ኸኣ ብቕኑዕ ሕልና ምእንቲ ህዝቡ ክሰርሕን ይግባእ።

     እዚ መሰል'ዚ፡ ሓደ ሰብ ፈትዩ ዝተዅቦ ዘይኮነስ፡…Read more




21/01/2017 00:01 AM

ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ - 21 ጥሪ 2013

In Memory of Operation FORTO

 21st Jan 2013.

ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ምስ ብጾቱ፡ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ ብምውጻእ፡- ቅዋም ኤርትራ ክትግበር፡ ኩሎም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ናጻ ክልቀቑ ዝጸውዑሉን መስዋእቲ ዝኸፈሉሉን ዕለት (21 ጥሪ 2013) ኢዩ። Col. Sied Ali Hijay and his comrades, requested: Implementation of Eritrea's Constitution, Release of all political and conscience prisoners; paid their sacrifice on 21 Jan 2013.  VIDEO-1፡  VIDEO-2

ምስዚ ዝተኣሳሰር Related፡




21/01/2017 00:01 AM

ንጉሰ ነገስት ሰማእታት!

ግጥሚ ብ’መሲናስ

ንጉሰ ነገስት፡ ኴንካ ናይ ሰማእታት

መሰል ህዝቢ፡ ኪትመልስ ክብርታት

ንሓርነት ነቒልካ፡ ዓጢቕካ ታንክታት

ፍትሕን ደሞክራስን ኣዊጅካ ንሰዓታት

ፍርዶም ከይሃብካዮም ንብዓል ጽኪታት

ጅግና ተጠሊምካ ተቐይሩ ኩነታት!

Read more




16/01/2017 05:49 AM

ህሉው ኩነታት ኤርትራን መጻኢ ኣንፈትናን።

ኩነታት ደለይቲ-ለውጢ፡ እጃም ምሁራትና፡ መጻኢ ዲሞክራዊያዊ ጉዕዞና ክሕዞ ዝግባእ ኣንፈትን።

ዕላል ምስ ሰመረ ሃብተማሪያም

[ Eri Adal Tv ]





14/01/2017 03:09 AM

ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ 2016፡

ጸብጻብ 'ሁማን ራይትስ ዎች።

Eritrea Events of 2016 - HUMAN RIGHTS WATCH REPORT

[hrw.org]

After 25 years of rule by unelected President Isaias Afwerki, Eritrea’s citizens remain subjects of one of the world’s most oppressive governments.

     In May 2016, a United Nations Commission of Inquiry (CoI) established by the Human Rights Council in its final report said it found reasonable grounds to believe the government has committed numerous crimes against humanity. The government’s “totalitarian practices” and disrespect for the rule of law manifested “wholesale disregard for the liberty” of Eritrea’s citizens, the CoI concluded. Read more




14/01/2017 01:20 AM

መደብ ራድዮ ኣሰርና Saturday 14 January 2017

(7-8 AM London Ontario Canada time)

ዕላል ምስ ገጣማይ፡ ኪዳነ ተስፋ።




14/01/2017 01:20 AM

ላጌብ ስቦ!

ሓዳስ ያታዊት ዜማ፡ በቲ ህቡብ ድምጻዊ፡

(ሃኒ) ምሕረትኣብ እምባየ።

ቅነ ጥሪ፡ ምህርቲ ናብ ቆፎን ሎቖታን ምስ ኣተወ፡ እታ ብልምዲ ‘ጥሪ-ዕብዲ!’ እናበልና እንጽውዓ ወርሒ ደበኽ ትብል። መርዓን ደርዓን ድማ በብኹርናዑ ብኾቦሮን እምብልታን እናተሰነየ ኣብ ኩሉ ዳሳት ይቃላሕ። ‘ላጌብ ስቦ!’ መርሓባ ሃኒ! በዛ ሓዳስ ዜማኻ፡ ልብና ሰሊብካዮ ብሓቂ! ናብ ዓድናን ባህልናን መሊስካና። ኣገናዕ! ኣብዚ ጠውቑ





13/01/2017 02:55 AM

ካብ ዓለም-በቃኝ ክሳብ ቪርጂንያ

ካብ ተመኩሮ፡ ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም

ካብ ዓለም-በቃኝ ክሳብ ቪርጂንያ   ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ መቐረት ትምህርቲ ከይጸገበ፡ ከም ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ፡ በጃ ህዝቡ ህይወቱ መስዋእቲ ንምኽፋል፡ ናብ ሰውራ ኤርትራ ዝተሰለፈ ጅግና ሓርበኛ ኢዩ።

     ኣብ ገድሊ (ሰውራ) ድማ፡ መስዋእቲ፡ መውጋእቲ፡ ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ዘጋጥም። ዶ/ር ገብረመስቀል፡ ብዘጋጠሞ ከቢድ መውጋእቲ፡ ናብ ኢድ ጸላኢ ወድቑ፡ ድሕሪ'ቲ ጸላኢ (መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ) ዝገበረሉ ሕክምና ድማ፡ ናብቲ ንሕልፈትካ እትበልየሉ 'ዓለም-በቃኝ' ዝተባህለ ቤት-ማእሰርቲ ናይ ኢትዮጵያ፡ ምስ ካልኦት ሓርበኛታት ኤርትራውያን ተዳጒኑ። Read more



12/01/2017 23፡08 PM

ዘተን ምንቕቓሕን ብዛዕባ ህሉው ጉዳይ ሃገርና

ናይ ፌስቡክ ሰሚናር መንእሰያት

[ facebook - Tekie Tewelde ]

ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ከም ቀደም ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ቀንዲ መራኸቢን መለዋወጢ ሓሳብን እናኾነ መጺኡ ኣሎ። ኤርትራውያን ድማ ነዚ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክጥቀሙሉ ጸኒሖምን ኣለዉን፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ'ውን ብዝሒ ተጠቀምቱ ኣዝዮም እናበዝሑ መጺኦም ኣለዉ። እዚ ናይ ሕጂ ናይ ፌስቡክ ዘተ ድማ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዘተ’ዚ- ክብርታት ህዝብናን ሃገርናን ብኸመይ ንመልሶ? ንሓድነት ህዝብና ብኸመይ ንዕቅብ፡ ኣድላይነት ስምረት ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣድላይነት ዕርቂን ሰላምን ኣብ ሃገርና፡ ከምቲ ትማሊ ኣብ እዋን ሰውራ ዝተራእየ ተሳትፎ መንእሰያት ወለድና፡ ሎሚ'ውን ተራና ንለውጢ፡ ከም መንእሰያት፡ ብኸመይ ክዓዝዝ ኣለዎ? ምስ ዝሓለፉ ወለዶታት ኣያታትና ብኸመይ ኢድ ንኢድ ክንሰርሕ ከምዝግባኣና ኣብ ዝብል ኣርእስትታት፡ 4 ሰዓት ዝወሰደ ክፉት ዘተ ኢዩ። Read more



12/01/2017 17:51 PM

LEARNING TO STOP AND THINK BEFORE JUDGING

by Dr. Tesfa G. Gebremedhin,

West Virginia University

‘Judging’, in the true sense of the word, means to form an opinion or conclusion of someone or something after careful consideration of our thoughts, feelings and evidence. When we choose to cross a street, we look both ways of the street and decide whether to continue walking or not based on the condition of the traffic. That is then making judgement based on hard facts because we looked at both sides of the street. We judge based on what we see with our eyes; what we hear with our ears; what we smell with our nose; what we taste with our tongue or mouth; and what we feel or touch with our hand or skin. These are…Read more





11/01/2017 22:38 PM

ዩኒሰፍ (UNICEF) - ጻውዒት ንሰብኣዊ ደገፍ ዘድልዮም ኤርትራውያን ኣብ 2017።

UNICEF has issued a Humanitarian appeal for Eritreans in need, in 2017.

[ Reliefweb ]

ዩኒሰፍ (UNICEF) 2 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ረድኤት ከምዘድልዮም፡ ካብዚኦም ድማ እቶም 1.2 ሚልዮን ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ምዃኖም ሓቢሩ። ዩኒሰፍ፡ ን'450,000 ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ኤርትራ ዝውዕል ን'2017 ጻውዒት ንሰብኣዊ ደገፍ፡ ኣውጺኡ ኣሎ።  

UNICEF has issued a Humanitarian appeal to support Eritreans in need, in 2017. According to the released appeal document, 2 million people are in need in Eritrea. Out of this the 1.2 million are children under the age of 18. UNICEF is appealing to reach 450,000 Eritrean children in need under the age of Five, in 2017. The programme targets Nutritional, health, Water, Sanitation and Hyegene projects in Eritrea. Read full report.




08/01/2017 23:52 PM

ኣኼባ ብኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡

ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ፡ 08 January 2017

[ facebook: Shewgi Ahmed ]

ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ሰንበት ዕለት 08 January 2017፡ ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ህዝባዊ ኣኸባ ኣካይዶም። ኣብዚ ሰሚናር'ዚ፡ ባይቶን ጸገማቱን፡ ንመጻኢ ካልኣይ ጉባኤ ንምግባር ክግበር ዝግብኦ ጻዕሪን፡ ኣመልኪቶም መግለጺታት ኣቕሪቦም። ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበሎም ሕቶታት ድማ መሊሶም ኣለዉ። ንዝርዝራቱ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ተወከሱ፡- ቀዳማይ ክፋል፡   ካልኣይ ክፋል






08/01/2017 22:02 PM

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ እገዳ-ኣጽዋር፡ ዝምልከት ዘተን ትንተናን

Eritrean - Sanction Revisited.

[ Tempo Afric TV ]

መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ካብ ሚኒያፖሊስ (ኣመሪካ)፡- ዛዕባ ናይ ሎሚ፡ ብዛዕባ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ እገዳ-ኣጽዋር፡ ዝምልከት ዘተን ትንተናን ኢዩ። ከምዝፍለጥ፡ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተገብረ እገዳ ክለዓለላ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲታ ምንባራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ብማሕበራዊ መራኸቢ (ትዊተር twitter) ተቓሊሑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ። Read more




07/01/2016 21፡34 PM

ሰፊሕ ዕላል፡ ምስ ገዲም መራሒን ተጋዳላይን፡

ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ።

Interviews with Eritrean Senior Veteran and Author of a Book -  Mr. Herui Tedla Bairu.

ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ገድልን መንግስትን ኤርትራ ጎሊሑ ዝረኤ ኣስተዋጻኦ ነይርዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክሳብ ሕጂ ከይተሓለለ ንደሞክራሲያዊት ኤርትራ ዝዓዪ ዘሎ ተቓላሳይ ኢዩ። ኣቶ ሕሩይ፡ ብእንግሊዘኛ ዝደረሳ ሓዳስ መጽሓፍ፡- Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ 2016 ንኣንበብቲ ተዘርጊሓ ኣላ። ብዛዕባ ታሪኽ ሂወቱ፡ ተመኩሮኡን፡ ብዛዕባ'ታ ጽሑፉዋ ዘሎ መጽሓፉን፡ ዝምልከት፡ ምስ፡- ቲቪ-ሰነድ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምስ ድምጺ ኣሰና ሰፊሕ ዕላላት ገይሩ ኣሎ። ነዚ ታሪኽና ንምድህሳስን ንምፍላጥን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕላል፡ ብጽሞና ክንከታተሎን ክንሰምዖን ስኒትና.ኮም ትላቦ።

1ይ ክፋል(21Aug2016):  2ይ ክፋል(28Aug2016):

3ይ ክፋል(11Sep2016):  4ይ ክፋል(02Oct2016):  

5ይ ክፋል(05Nov2016):  6ይ ክፋል(07Jan2017):

7ይ ክፋል(19Mar2017):

1ይ ክፋል(18Oct2016):  ኣኼባ 1ይ ክፋል(22Oct2016):

ኣኼባ 2ይ ክፋል(04Nov2016):




02/01/2017 18:25 PM

መርሓባ ዓመተ 2017!

ብ'ሃይለ ወልዱ

ዓለም ስርሓ ትሰርሕ፡ ትሕምበብ፡ ትዘውር፡ ካብ ጸሓይ ትኽወልን ንጸላማ ትድርገምን፡ ተመሊሳ ትኹላዕን ትበርህን። መዓልታት ይቑጸሩ፡ ኣዋርሕ ይሓልፉ፡ እዋናት ይኣተዉን ይውጹን፤ ሕንጭልጫላትን ቀንጠመንጢን’ውን ከክም ዓቕሞም ይቦቕሉን ይሓሩን፤ ይውለዱን ይሞቱን። ህሉዋት ከክም ኣፈጣጥራኦምን ትዕድልቶምን ፈፈትሎም ሒዞም ይወዛወዙ። ኣብዚ ቀጻሊ ውሁብ ጉዕዞ እቶም ንሓጺር ህሞት ንኽህሉዉ ዕድል ዝረኽቡ ገለ ደቂሰብ’ውን፡ ንምንባሮም ዝሕብር ምልክታታት ዓቕሚ ብቕዓቶም ዝድርቶ፡ ድሕሪ እኹል ምድግጋግም ምኽኑይ ዝኾነ መዓቀኒ ግዜ ፈጢሮም። Read more