ሓድሽ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን - ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ስዉር ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሸርሒ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

13/02/2019 00:20 AM

ሓድሽ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን
ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ
ስዉር ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሸርሒ

ብ' ገ. ወልደሚካኤል - ካብ ሕ.መ.ኣ.


President Isaias in Addis Ababa, at Millenium Adarash


ሓድሽ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን
ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ስዉር ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሸርሒ
ብ' ገ. ወልደሚካኤል - ካብ ሕ.መ.ኣ.

ኣብ መፋርቕ 2018 ዓም ዝተኸስተ ሃንደበታዊን መበገሲኡን መዕለቢኡን ዘይተነጸረ ሰላማዊ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብመሰረቱ እቲ ምቅርራብ፡ ብወገን ክልቲኡ ህዝብታት ዘይጽላእን ዝምነዩዎ ዝነበሩ ይኹን እምበር፣ ሕጋዊን ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅጥዕታትን ኣገባባትን ዘይሓለወ ስለዝኾነ፡ ብውሕዱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ሕቶታትን ስግኣትን ፈጢሩ'ሎ። ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ደርጊ ከምኡ'ውን ኢሂወደግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ነናቶም ዘይሃስስ ናይ ቁስሊ ስምብራት ከም ዝሓደጉ ዘካትዕ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰሩ ዝኾነ ይኹኑ ዝምድናታትን ውዕላትን፡ ብፍላይ ድማ ዘይመጣጠኑን ሚዛኖም ዘይሓለዉን ጉልቡባት ውዕላት ክቕልቀሉ ከለዉ፡ ብዓይኒ ጥርጣረ ክርእዮም ምኽኑይን ርትዓዊን እዩ። ብሕልፊ ክኣ ብተዛማዲ መዐቀኒ ክነጻጸር ከሎ ኣብዞም ዝሓለፉ 27 ዓመታት፡ ኢትዮጵያ ዝንኣድ ቁጠባዊ ዕብየት ከተመዝግብ እንከላ ኤርትራ ክኣ በንጻሩ ዘደንጹ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ዘመዝገበት ሃገር እያ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራ ብኹሉ መለክዒታት ንታሕቲ ተዶቚሳ ስለ ትርከብ፡ እዚ ንከታተሎ ዘለና ዘይምዕሩይን ጉልቡብን ውዕላት ንህዝቢ ኤርትራ ስክፍታን ሻቑሎትን ከሕድረሉ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ንቡር ተርእዮ እዩ።

ኣብዚ ኣቐዲሙ ክንጸር ዘሎዎ ጉዳይ ግን ኣሎ። እዚ ሓድሽ ምዕባለ'ዚ ንመላኺ ስርዓት ኤርትራ ሃንደበታዊ ግዜን ዕድልን ይኹን እንበር፡ ብዘይ ጥርጥር ከም መደብን ዕላማን ኣብ ኣጀንድኡ ንነዊሕ ግዜ ሒዝዎ ክጉዓዝ ዝጸነሐ ጉዳይ እዩ። ነዚ ዕላማን መስርሕ'ዚ ብግቡእ ንምርዳእ፡ ብዙሕ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስና ኣዕሚቚና እንተድኣ ተመራሚርናን ኣስተውዒልናን ነዚ ዝእምቱን ዘረጋግጹን ውሑዳት ዘይኮኑ ምልክታት፡ ብወግዒ ዘይተኣወጁ ዘይሕጋውያን ኣሰራርሓታት፡ ኣብ ምሕደራውን፡ ፖለቲካውን፡ ቁጠባውን፡ ማሕበራውን ከምኡ'ውን ናይ ውጻኢ ፖሊሲታት ናይ'ዚ ስርዓት ሓደ ብሓደ ክትግበሩ ንዕዘብ።

እዚ ኩሉኸ፡ ስለምንታይን ብኸመይን ኣብ ምንታይን ንምብጻሕ እዩ ዝብሉ ሕቶታት ከነልዕል ድማ ንግደድ። እምብኣር እቲ ብመርትዖ ክስነ ዝግባኦ ስርዓት ኢሳያስ ክበጽሖ ዝደልዮ ዝነበረ ቀዳምይ ምዕራፍ ሸቶኡ፡ ሓንቲ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተነጸለት፡ ቅዋም ዝተሓርማ ድልዱልን ርትዓውን ሕጋዊ፡ ምሕደራዊ፡ ፖለቲካዊ ፡ማሕበራዊ ትካላት ዝይብላ፡ ድኽምትን ዝጠፈሸትን፡ ብውልቁ ዝውንና እዛ ሎሚ ንርእያ ዘሎና ኤርትራ ንፍጣር እዩ ነይሩ። እቲ ክኒኡ ዝኸይድ ካልኣይን ናይ መወዳእታን መርዛም መዕለቢ ሸቶኡ ግን፡ ከምቲ ሃይለስላሴ ዝተጠቕመሉ ሜላ ተኸቲሉ (ኣብ ግዜ ፈደረሽንን ድሕሪኡን)፡ ድሕሪ ናጻነት ነዊሕ ከይ ጸንሐ ዝጀመሮ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ሰባብ ሜልኡ ተጠቒሙ ዝርዓደን ዝጃጀወን ብገዛእ ጽላሎቱ ዝስምብድ፡ መንእሰያቱ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ዝነፈጹ ድኻ ህዝቢ ምፍጣር እዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ዝርዓደን ድኻን ህዝቢ ከም ሓደ ኣፉ ክኸፍት ዘይክእል ገንሸል ፋስጋ፡ ልዕላውነት ሃገሩ ሰሪዙ ንብልጽግቲ ኢትዮጵያ ገጸ-በረከት ንምርካብ እዩ። ኣብ መራሕቲ ህግደፍን መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ናይ ሓባር ሸበድበድ፣ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ቅልሲ፡ ኣማት ኣሻሕት ሂወት መንእሰያትና ዝተኸፍለሉ ብልዕሊ 98% ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ብረፈርዱም ዝተረጋገጸ ነጻነት ደምሲስካ፡ ብሑጓ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምጽንባር እዩ። ከምዚ ድኣ ይክኣልዶ? ዝብል ሕቶ ድሓን ነወንዝፎ።

ህዝቢ ኣድኪኻን ኣርዒድካን ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ዝተኸተሎ ናይ ነዊሕ ግዜ ምስርሕ ዝርዝር ሓደ ብሓደ

ብዘይ ንሕስያ ምጭፍጫፍን ብዘይ ፍርድዲ ምእሳርን ምቊንጻብ ዜጋታት፥ ሰላማዊ ሰልፊ ወዲብኩም ብዝብል ክሲ ንገለ ዘወሃሀድዎ ተጋደልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኳላ ከም ዝዳጎኖም ይዝከር። ስንኩላት ኲናት ተጋደልቲ ናብራ ይመሓሸልና ስለዝበሉ ብትእዛዝ መራሕቲ እዚ ስርዓት፡ ብዘይርህራሀ ኮነ ኢልካ ምርሻን ዘይርሳዕ እዩ ። ምሁራት ሃገራውያን ጉጅለ በርሊን ዘልዓልዎ ጠለብ-ምትካል ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት-ፕረሲደንት ኢሳያስ ናብ ኣስመራ ንኼባ ዓዲምዎም ከብቅዕ፡ ድሕሪ ክንደይ ቀንፈዘው ምባሎም ተለሚኑ ምስ ተራኸቦም፡ ነዚ ጠለብኩም ዝሓዘለ ጽሑፍ መን ናብ መድያ ኣቃሊዕዎ ብዝብለ ኣብ ጓል ነገር ሸሚሙ፡ ነቲ ቀንዲ ጉዳይ ወይ ዛዕባ ኣወንዚፉ፡ ኣሀውቲቱን ኣቆናጺቡን ኣቃሊሉን፡ ገንዘቦምን ግዜኦምን ኣቃጺሎም ብዘይ ቁምነገር ነናብ ቦትኦም ከም ዝተመልሱ ኣብኡ ዝተኻፈሉ ዝጸሓፍዎ ጸብጻብ ኣይተረሰዐን። እቲ ካብ ኩሉ ዝገደደን ዘስደመምን ግን ብጉጅለ 15/13 ዝፍለጡ ሰውራ መሪሖም ተዋጊኦም ኣዋጊም ሃገርና ነጻ ዘውጽኡ ጀጋኑ ትጋደልቲ ሰበ-ስልጣን፡ ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል ስለዝጠለቡ፡ ጣቋን መርቶዖን ዘይብሉ ብኽድዓት ሃገር ተኸሲሶም፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩን ይማቕቑን ይስውኡን ምህላዎም ናይቲ ሽርሒ መርጋገጺ'ዩ ። ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ ድማ ቅድሚ ሰቡ፡ ነቲ እከይ ቶንኮላትን ሜላታትን ናይዚ ስርዓት'ዚ ኣስተውዒሉ፡ ዓው ኢሉ ብጽሑፍን ኣብ እኼባን ስለ ዘቃልዐን ዝተቓወመን ዝመከተን (ደብዳቤታትን ቪድዮን ቢተወደድን፡ ምስክርነት ብጾቱን ተወከስ) ዋላ'ኳ ነቲ ስማዊ 'ነጻነት ሃገርና' ንነዊሕ ከይርኣዮ ዕጫኡ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ምትራፉ መርኣያ ናይዚ ሽርሒዶ ኣይኮነን(ናይ ኤርትራ ማንዴላ ዝብል ቅጽል ተዋሂብዎ)።

ናይዚ ቀረባ ግዜ ፍጻሜታት እንተ ተመልከትና ክኣ፡ ናይ ጅግና ስዉእ ወዲ ዓሊ ልዕልና ሕጊ ጠለብ፣ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣልድያ፡ ኣኽርያ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝተሳተፉ ጎንጻውን ጃምላዊን ማእሰርቲ፣ ናይ ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ጠለብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዘኸተሎ ማእሰርቲ፡ ከም መቐጸልታ ናይዚ ሸርሒ'ዚ ክጥቀስ ይክኣል። እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ቅሪቡ ዘሎ ፍጻሜታት፡ ዘምሓላልፎ ዘየማትእ መልእኽቲ፡ ኩሉን ሓደን ዕላምኡ፡ ራዕደን ሽበራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምፍጣር ኢዩ። ንምሁራት ዘቆናጽብን ዘየኽብርን፡ ንተጋድልቲ ዘይንሕፍ፡ ኣብ ልዕሊ ስንኩላት ዝጭክን፡ ንጀጋኑ መራሕቲ ሰውራ ዘይምሕር ኣረመኔ ተባሂሉ፡ ዘይድፈር ገባርን ሓድግን ምዃኑ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ኣእምሮ ብዙሕ ኤርትራዊ ከም ዝስረጽ ኣብ ምግባር ተዓዊቱ እዩ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ካብ ውሽጢ ኤርትራን ከምኡው'ን ካብ ትግራይ ፈለግ መረብ ስጊሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሽበራ ዝፈጥሩ ሽፋቱ ኣዋፊሩ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ህዝብና ብፍላይ ክኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ንነጻነት ኤርትራ ኣበሪቲዖም ዝቃለሱ ዝነብሩ መራሕቲ፡ ኣብ ሂወቶም ቅንጸላ እንዳካየደ ራዕዲ ይፈጥር ከዝነበረ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተሰኒዱ ኣሎ (ኣይንፈላለ- ብደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ተወከስ)። ስርዓት ኤርትራ ግን ንገዛእ ርእሱ ሽፍታ ስርዓት ስለዝኾነ ካልኦት ሽፋቱ ምውፋር ከቶ ዘድልዮ ኣኮነን። ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ጭካኔን ንዕቀትን ኣብ ልዕሊ ተጋደልትን ሓፋሽ ህዝበን ድምብርጽ ከይበሎ ክትግብሮ ዝኸኣለ፣ ኣብዚ ደረጃ ንምብጻሕ ንስርዓት ህግደፍ ዝሓገዝዎ ዝርዝር ኣገደስቲ ዝተኸተሎም ሜላታት ፖሊሲታትን ካብዚ ቀጺልና ብዝርዝር ንከታተል።

ቅዋም፥ ብቡዙሕ ንዋታዊ ወጻእን ተሳትፎ ህዝቢን ተነዲፉን ተጻሪዩን፡ ኣብቲ ስማዊ ይኹን እምበር ፕረሲደንት ባዕሉ ዝመርሖ ሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ከይተተግበረ መኺኑ ተሪፋ። ብድዐን ኣሽካዕላልን ብዝመልኦ ቃና ድማ እቲ ቅዋም ግዜ ብሊዑ፡ ሞቱ እዩ፡ ካልእ ቅዋም ትነድፍ ኮሚቴ ክትምዘዝ ምዃና ድሕሪ ምሕባር ድሃያ ሃጢሙ ተሪፉ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገደደ ድማ ህግደፍስ ሰብ ዕላማ ስለዝኾይኑ፣ እቲ ብዓል ጉዳይ ዝምልከቶ ህዝቢ ስለ ዝርዓደ ክሓትት ዘይምኽኣሉ እዩ። መሲሉና እምበር፡ ሓደ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ዝደሊ ወልቀ-መላኺ መራሕ መንግስቲ፡ ሃገራዊ ቅዋም ኣንጻር ዕላምኡ ስለዝኾነ፡ ካብ መጀመርያ እውን ህዝቢ ንምትላል ድኣ እምበር ካብ ልቢ ኣብ ኣጀንድኡ ከስፍሮ ዘይእመን ነገር እዩ ዝነበረ።

ምግፋፍ መባእታዊ መሰላት፥ ኣብ ቅዋም ዘይብሉ ሃገር፡ ሰብኣዊን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን መሰላት ህዝቢ ክሕሎ ዘይሕሰብ እኳ እንተኾነ፡ ንማለቱ እቲ ዝታሓተ መባእታዊ መሰላት ዝተነፍጎ ኣብ መወዳታ ህዝብታት ዓለም ዝስራዕ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይ ሕልና እሱራት፡ ከምኡ'ውን ንእስነቶምን ዕድሚኦም ምሉእ ምእንቲ ናጻነት ሃገር ዝወፈዩ፡ ድሕሪ ናጽነት ክኣ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ቅዋማዊ መንግስቲ ፡ፍትሕን ራህዋን ንህዝቢ ስለዝሓተቱ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሓልፉን ይበልዩን ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ግዜጠኛታት ከምቲ ሞያኦም ዝጠልቦ ብቕንዕና ውድዓዊ ኲነታት ሃገሮም ንህዝቦም ክፍልጡ ስለዝጽሓፉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይርከቡ። ብሓጺሩ ርትዓዊ ሕጋዊ ትካላት ስለ ዘየለዉ፡ ኩሉ መሰልን ፍትሕን ዝሓተተ ዜጋ ብዘይ ሓደ ፍርዲ ኣደዳ ቀይዲ ኮይኑ። ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ምውሳንን ምቕያስን መጻኢ ዕድሉን፡ ዕድል ሃገሩን ተግሊሉ ተዓዛቢ ኮይኑ ይርከብ። ንነዊሕ ግዜ ዝጠመተ ሽርሓዊ ኣጀንዳ እዚ ስርዓር ብዛዕባ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ መልክዓቱ ነዚ እዩ ዝመስል ጸኒሑ።

ምጥቕላል ስልጣን ኣብ ሓደ ውልቀሰብ፥ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝተሓላለው ሓጋግን ፈጻምን ፍርዳውን ዝብሃል ልዕልና ሕግን ሚዛን ስልጣናትን ዝቆጻጸር ቅዋማዊ ትካላት ስለዘየሎ፡ እቲ ሃገራዊ ባይቶ ዝብሃል ይኹን ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ከምኡ'ውን ላዕለዋይ ሃገርዊ ቤት ፍርዲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ተሪፎም። እቲ ፈጻሚ ኣካል'ውን እንተኾነ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ተጠቕሊሉ እዩ ዘሎ። ስለዚ ሃገርና ዋኒናዊት ትካል፡ ሓደ ልዕሊ ሕጊ ዝኾነ፡ ገባርን ሓድግን ውልቀ-ምላኺ ሰብ ኮይና፡ ከም ዊንትኡ ከም ሰራሕ ካይላ፣ ይጭፍልቓን፡ይጥፍጥፋን፡ ይፍንጥሓን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት የናቑታን የማሓዝዋን ጸኒሑን ኣሎን። ህዝብና ድማ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ተዋሳኢ ዘይኮነ፡ ናይ ተዓዝብን ተለኣኣኺን ተራ ጥራይ እዩ ዝጻወት። ናይ ነዊሕ ግዜ መርዛም ሽርሕን ቶንኮልን ናይ'ዚ ስርዓት ኣብዚ ንምብጻሕ እዩ ዝነበረ።

ፖለቲካዊ ፖሊሲታት መንግስቲ፥ ዘቤታዊ ይኹን ግዳማዊ ፖለቲካዊ ፖሊሲታት ኤርትራ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣገባብ ብዘይፍለ ብሓደ ሰብ ተወሲኑ በቶም ኮራኩሩ ይትግበር። እዚ ሓዲሽ ክስተት ዝምድና ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ኣብነት ክጥቀስ ይክኣል። ኣብዚ'ውን እንተኾነ፡ ህዝብና ኣብ ዕድሉን ጉዳይ ልዑላውነት ህገሩን ከይተነግሮ ብዘይ ርእይቶ፡ ኣፉ ተሎጒሙ፡ ከም መጓሰ እንስሳ ተኾብኲቡ ክጓዓዝ ይፍተን ኣሎ። እቲ ዘገርም ድማ ዓገብ ዝብሉ ምሁራትን ክኢላታትን ዜጋታት ብብዝሒ ዘይምህላዎም እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ዘስደምም ግን፡ ኢትዮጵያውያን ዘይናቶም ክምንዝዑ ክጓየዩ ከለዉ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ክኣ ኣታ ዘላቶ ንእሽቶይ ናቱ ሃገር ክትምንዛዕ እንዳርኣየ ፈዚዙ ተዓኒዱ ምህላዉ እዩ። ኣጀንዳ ሸርሕታት መራሒና፡ እምብኣር ወትሩ ብሒም ዘይብል ልኡምን ምእዙዝን ተለኣኣኺ ህዝቢ ንምፍጣር እዩ ጸኒሑ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ/ወጻኢ ዝጊት ብመጠኑ ዝተዓወተ ይመስል።

ቁጥባዊ ፖሊሲ፥ መንግስቲ ኣብ ፈለማ ምጅማሩ ነቲ ቁርብ-ቅራቦ ጸጋ ሃገር፡ ንብረት መንግስትን ንብረት ህግደፍን ብዝል ጣቁኡ ብእዋኑ ዘይተፈልጠ ኣብ ክልተ ክፋላት ክገዝዖ ጀሚሩ። ቀስ ኢሉ ግን ህግደፍ ከም ሓደ መንግስታዊ ቁጠባዊ ጽላት ክደላደል ከሎ፡ እቲ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላት እንዳተደቚስ ክዳኸም ተዓዚብና። እዚ ማለት፡ ቀይሕ ባሕሪ (ባዶ ትሽዓተ) ዝብሃል ብህግደፍ ዝውነን ንግዳዊ ትካል ነቲ ዝርካቡ ንእሽቶይ ዕዳጋ ኤርትራ ገቢቱ፡ ነቲ መንኮርኮር ምዕባሌ ሃገር ክኸውን ዝግባኦ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ ዋኒነ-ትካላት ኤርትራ ክድርቁሶን ከልምሶን ከምበርክኾን ጀመረ። ዋኒናዊ ትካላት ዝውንኑ ዜጋታት፡ ቀረጽን ግብሪን መንግስቲ፡ ክራይ ገዛውትን፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታትን፡ ወለድ ልቓሕ ባንክታትን ከፊሎም፣ ምስቲ ካብ ምንግስቲ ጉንዖ ሓለፋታት ዘለዎ፡ ወለድ ልቓሕ ባንክ ዘይከፍል፡ ብውሑድ ደሞዝ ወይ ብዘይ ድሞዝ ሰራሕተኛታት ዝካየድ፡ ካብ ቀረጽን ግብርን ነጻ ዝኾኑ ትካላት ቅይሕ ባሕሪ ክወዳደሩ ዘይመጣጠን ጽምዶ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ነጻን ቅሉዕን ዕዳጋ-ጠለብን ቀረብን መስርሕ ቁጠባ- ብፖሊሲ መንግስቲ ማዝኑ ስለ ዝስሓተ፡ ወነንቲ ብሕታዊ ንግዳዊ ትካላት ፈጺሞም ጠፊሾም፣ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ ልዕሊ ተገልጋሊ ህዝቢ ሰፍ ዘይብለል ናይ መነባብሮ ማህሰይቲ ኣኸቲሉ። ህዝቢ ደኽዩ።

-  ኣብቲ ናይ ህንጻ ትካላት'ውን እንተ ተመልከትና፡ ነቶም ናይ ህንጻ ትካላት ዝውንኑ ክኢላታት ምሃንድሳትን ብመደብ ብዝተፈላለየ ምስምስ መንግስቲ ምስራሕ ከሊኡዎም ሃገር ገዲፎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክኸዱ ተገዲዶም። ስለዚ ብድጋፍ መንግስቲ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኩባንያታት ህንጻ ትካላት ህግደፍ ከም ሰገን ገደብ ወዘተ ዝኣምሰላ ነቲ ዝርካቡ ዕዳጋ ብዘይ ተዋዳደርቲ ብሒተንኦ ጸኒሐን። ይኹን እምበር፡ እሳተን'ውን እንተኾና ብዙሕ ከይ ከዳ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናይ ህንጻ ስራሕ ጠጠው ክብል ስለ ዝተገደደ፡ ዋሕዲ ወይ ውጥሪ ናይ ህዝቢ መንበሪ ገዛውቲ ክፍታሕ ወይ ክቃለል ኣይተራእየን ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን፡ ኣይቀንዖን ድኣንበር ቅድሚ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ስቡሕ ዝበሎ መሬት ሕርሻ ብዘይ ኣገባብ ካብ ሓረስቶት መንዚዑ ማእቶቱ ከኻዕብት ፈቲኑ ከም ዝነበረ ይዝከር። ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ብክፈለ-ሰራዊታት ተወዲቡ ብጉልበትን ርሃጽን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩ ምንእሰያት ዝፈሪ ማእቶት ኣብ ጁባታት መራሕቲ ክፍለ-ሰራዊታት ዝኣቱ፣ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ብብሕታውያን ኣፍረይቲ ዝካየድ ሕርሻታት ከም ዘዳኽሞ ርዱእ እዩ። ካብዚ ብዘይ ፍለ ኣገባብ፡ ኣብ ሕክመናዊ ኣገልግሎት'ውን ኢዱ መሊሱ ብሕታውያን ክሊኒካት ከም ዝተዓጽዉ ንሰምዕ።

ብሕጽር ዘበለ ኣገላልጻ፡ መንግስቲን ትካላቱን፡ ንኹሉ መዳያት ብሕታዊ ጽላት ኣዳኺምካ፡ ካብቲ ብንግድን፡ ህንጻን፡ ሕርሻን፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ዝርከብ እቶትን መኽሰብን እንዳማእረርካን ኣኻዕበትካን፣ ንሕና ኣይንልቃሕን ኢና፡ ሓገዝ ኣየድልየናን ኢዩ ክብሃል ንሰምዕ ኔርና። ካብ ኣፍ ህዝብኻ ኣንዳመንዛዕካ፡ ስድራቤታት ኣድኪኻ፡ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ ኣጠፊሽካ፡ ብሓጺሩ ድኻ ህዝቢ ፈጢርካ፡ ሃብታም መንግስቲ ምትካል ምፍታን-ብመትከል ርእሰ ምኽኣል- ምውርዛይ ንኹሉ ዘየዐወተ፡ ከይተበገሰ ዝፈሸለ ናይዚ ዘይሓፍር ስርዓት ጣቋ ዘይነበሮ ጨርሖ እዩ ነይሩ። እዚ መስርሕ'ዚ ብኹሉ መዳያቱ፡ ብዘይጥርጥር ነቲ ድኻ ህዝቢ ንምፍጣር ብመደብ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ናይ'ዚ መንግስቲ እዩ ዘመልክት።

ልዕላውነት ኤርትራ ንዘላኣም

ዝኽሪ ንሰማእታትና

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ

ገ. ወልደሚካኤል
ካብ ሕ.መ.ኣ.

2ይ ክፋል ይቕጽል

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ

2ይ ክፋል ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


See also recent Articles by ገ. ወልደሚካኤል:

Berhane Abrehe Message to Eritrean People and Isias Aforki



See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን



Share with friends: