እቲ ዘየደቅስ ስክፍታ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/09/2020 23:55 PM

እቲ ዘየደቅስ ስክፍታ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

እቲ ዘየደቅስ ስክፍታ

እቲ ዘየደቅስ ስክፍታ።
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ ሎሚ እዉን ከም ወትሩ እቲ ዘየደቅስ ስክፍታ ዝብል ኣርእስቲ ካብ መጺሔት ሓዲሽ ልደት ሓርነት፡ ብሓይሎት ክፍሊ ሓቤረታን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ፣ እትዳሎ ዝነበርት ከም ቀዳማይ ሕታም ግንቦት 24 2011 ዝወጸት፣ ዓበይቲ ኣርእስትን ትምህርትን ዝሓዘለት፤ በቲ ሽዑ እተልዕሎን ንዘተን ትምህርትን፣ ተቕርቦ ዝነበረት፡ ዘድሊ ምላሽ ዘተይርኽቦ ኢልና ንኣምን።

ብሙሁራት ኣካላት ዝዕየ ሰነዳትን፣ ስነሓሳባዊ ትምህርቲ ሓዘል ዝቐርብ፣ ሓለፍቲ ውድባትን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝንቃሳቐሳ ሲቪካውያን ህዝባውያን ማሕበራት፣ እዚ ሓዲሽ ወሎዶ ኣትክሮ ስለ ዘይርክቦ ጻዕሮም፣ ከምቲ ዝደልዮ ኣበርክቶ ክረክብ ኣይከኣለን ክንብል ንደፍር።

ንፍትሒ ንምምጻእ ዝቃለለሳ ህዝቢን፣ መንእሳይትን፣ መራሕቲ ውድባት፣ ኣዋሃሃድቲ ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳት፣ ቆላሕታን ኣድህቦን ምግንዛብ ክትገብርሉ ነማሕጽን፡፡

ካብዚ ዝነቐለ እዛ እቲ ዘየደቅስ ስክፍታ ንሎሚ፡ ንዝመጽእ ክእ እቲ ካልእ ኣርእስታት ምስ ግዜ እና ኣዋሃሃድና ከነቕርቦ እናተማባጻዕና፡ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ እንሆ ከምታ ኣብታ መጺሔት ሰፊሩ ዘሎ ከምቲ ሰፊርዎ ዘለዎ ነቕርቦ።

እቲ ዘየደቅስ ስክፍታ

"እዛ ሃገር ከምቲ ኣብልቢታት እተሓሰበቶን እተወፈየቶን ኮይና ክትቅጽል ትኽእል’ዶ ?"

እዚ ፍርሕን ስክፍታን ዝመስል ሕቶ፣ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መራሕቲ ኣመሪካ፣ ኣብ ግዜ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካውያን ኣብ ሞንጎ ሓድነታውያንን ኮንፈደራላውያንን ኣብ ዝተገብረ ኲናት፡ ኣብ ገትይስበርግ ዝባሃል ቦታ መዘከርታ ኣብ ዝተዳለወ መደብ ንደቅ-ሃገሩ ዘቅረቦ ሕቶ እዩ። ሓድነታውያን ኣብ ትሕቲ’ቲ ዓበይ መራሒኦም ኣብ ልዕሊ ኮንፈዶራላውያንን ዓቢይ ዓወት’ኳ እንተ ተጓናጸፋ ፡ እቲ ዝኸፈልዎ ዋጋ ኣዚዩ ከቢድ ስለ ዝነበረ በቲ ሓደ ፡ እቲ ኲናት ምስ ኮንፈደራላውያን ብዓቢኡ ድማ ገና ዘይተዛዘመን ስለ-ዝነበረ በቲ ኻልእ ፣ እቲ ታሕጓስ ዓወቶም ምሉእ ኣይነበረን፡፡

ኣብ ከምዚ እዋን’ዩ እምብኣር ‘’ እምበር’ዶ ከምዚ እናበልና ክንቅጽል ኢና ? ‘’ ዝሕምረቱ ሕቶ፣ እሞ ክኣ ብመራሕቲ ሃገር ናብ ህዝቢ ምስ ቀረበ ፡ ‘’ መራሒ እንተ-ዘይፈልጥ ድኣ መን ክፍለጥ ‘’፡ ኩለን ዝስምዓ ኣእዛን፡ ነቲ ሓታቲ ኣብ ምምላስ ሕቶ ገዛእ-ርእሱ ዝብሎ ክስምዓ ኩር ዝበላ ፡፡

….. እቲ ናይ ሽዑ መዳራይ፣ ሓታታይን መላሳይን፣ ዝብሎ ክንምልሶ ኢና። ቅድሚ ናብኡ ምኻድና ግን፡ ንሕና ኤርትራውያን ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ሎሚ ኣብ ሕልናና ነመላልሶ፡፡ ንሕና-ውን ኣብ ኩሉ’ቲ ቅድምን ሎምን ኩቡር ህይወት ኣሓትናን ኣሓዋትናን ወለድናን ዝሓለፈሉ ቦታታት፡ ኣብ በረኻታት ዒራዒሮ፡ ወይ ኣብ ልዕሊ መቓብር ትራክ-ቢ፡ወይ ኣብ ልዕሊ መቓብራት ሻድሻይ ብርጌድ ሳዋ፡ ወይ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ፡ ወላ’ውን ኣብ ናቕፋ ምስ ኩሎም ውጻእ መዓት ኤርትራውያን ደው ኢልና ከም ዘለና ጌርና ንሕሰብ’ሞ ነዚ ሕቶ ንነብስና ንሕተታ፡፡

‘’ እምበርዶ ከም ሃግር ክንቅጽል ኢና ? ‘’

‘’ እዛ ሃገር ከምቲ ኣብ ልቢታት እተሓሰበቶን እተወፈየቶን ኮይና ክትቅጽል ትኽእል’ዶ ? “

ምምላስ እዘን ሕቶታት፣ እቲ ፈላሚ ስጉምቲ ናይቲ እነስዕቦ ተግባር ስለዝኾነ፡ ዓቲብና ክንሓስበሉ ይግባእ።

ኣይፋል

ኣብ ልዕሊ መቓብር ወለድና፡ ዓበይቲ ንኣሽቱ መሳቱና ኣሕዋትናን፡ ኣሓትናን ደው ኢልና፡ ‘’ኣይፋልን። ረብሪብና። ክንቅጽል ኣይካኣልናን፡፡ ደጊምሲ ተወዲኡና’ዩ እንተበልና፡ ነቲ ኩሉ ቅድመና እተገብረ፡ ታሪኽን ቅያን፡ እተሰግረ ገድልን ገደልን፡ ዝባደማ ዓድታትን ከተማታትን፣ ዝፈሰስ ደምን፣ እተሰብረ ኣዕጽምትን፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ዝሓለፈ ትንፋስ፣ ንከንቱ ከምዝነበረ፣ ንጎኒ ጌርናዮ፣ ነላግስ ከምዘለና እዩ፡፡ ዓቢ ጌጋ ድማ እዩ፡፡ ካልእ እንተተረፈ፣ ንሕና’ውን እንተዘይኣርክብናሉ፣ ምእንቲ ንወልዶም ደቅናን ደቂ ኣሕዋትናን ደቂ ደቅናን፡ ብዓቕምና ንገብሮ ነገር ስለ ዝህሉ፡ ‘’ ኣይፋል ‘’ ከም መልሲ ቅቡል ክኸዉን ኣይግባእን፡፡

እወ

ኣብ ልዕሊ መቓብር ኣሕዋትና ደው ኢልና ‘’ እወ ንቐጽል፣ እንታይ ፍሉይ ነገር’ዶ ተጸቢና ኔርና ኢና ? እቲ ንደልዮ ኩሉ ከምዚ እዩ ነይሩ። ንረኽቦ ድማ ኣሎና ’’፡ እናበልና ድማ፣ ደም-ከይነቐጸ እንከሎ ብልሓት ክንድብሶ ግቡእ ስለ ዘይኮነ፣ ገበን’ዉን ስለ ዝኾነ፣ ንካዓበሉ እምበር ኣየኽብረናን እዩ፡፡ እምበር’ከ፣ ኣዒንትና እናረኣያ፣ ኣእዛና እናሰምዓ፣ ኩሉ ነገር ንድሕሪት እናተመልሰ፡ ‘’ ንኺድ ጥራይ ‘’ ‘’ከምዚኣ ኢልና ክንቅጽል ኢና ‘’፡ እንተተባህለ ምክናብ እምበር፣ ሓቂ ዘለዎ ትንተና ክባሃል ኣይካኣልን ኢዩ። ዓቅሊን ሓይልን ተረጊጹ ዝነብር ህዝቢ’ውን ደረት ከም ዘለዎ ምርሳዕ ዘሳዓቦ መደምደምታ ጥራይ ድማ’ዩ ፡፡

እሞ እንታይ ድኣ፣ ይኹን መልስና ?

ነዚ ሕቶ-ዚ ንምምላስን ኣብነት ንምርካብን ናብቲ ናይ መጀመርያ ሓታታይ ንመለስ። ንሱ እንታይ ኢሉ መሊሱን ንሕና’ኸ ካብኡ እንታይ ንምሃር ?

እቲ ኣቕራብ ሕቶ ፡ መራሕ ኣመሪካ ኣብርሃም ሊንከን’ዩ ነይሩ ። ንሕቶ ገዛእ ርእሱ ድማ ‘’ እወ ፣ ክንቅጽል ኢና’’። ብምባል’ዩ መሊስዎ። ግና በቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ ኣጋባብ ዘይኮነ’ስ ፡ ሃገሩ ብሓድሽ ሓርነት ከም ሓዳስ ክትውለድ ኣገዳሲ ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ኣብሪሁ። ነዚ ሓድሽ ልደት ሃገር ኣብ ሓዲሽ ሓርነት ጋህዲ ንምግባር ድማ ግደ’ቶም ብህይወት ዝተረፉ፣ ነቲ ጀጋኑ ሃገሩ ህይወቶም ዝሓለፈሉ ከንቱ ከምዘይከዉን ንምግባር ምውሳን ከም ዝኾነ ገሊጹ’’፡፡

በዚ መረዳእታ፡ናብ ጉዳይ ኤርትራና ምስ እንምለስ፣እዚ ቃላት ሊንከን ካብ ምትብባዕ ሓልፉ፣ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘቅረብናዮ ‘’ እምበር’ዶ ከም ሃገር ክንቅጽል ኢና ? ዝብል ሕቶ፣ ኣብ ምምላስ ኣመት ክህበና ይኽእል’ዩ። እምብኣርከስ መልስና “ እወ ብርግጽ፡ ከም ሃገር ክንቅጽል ኢና፡ ግና ከም ብሓድሽ ሓርነት ክንወጽእን፣ ሃገርና ከም ሓዳስ ክትውለድን ከድልያ እዩ’’፡፡

እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ተጨፍሊቑን ተጸቒጡን ተዓቢሱን ዝነበረ ሕብረተሰብና፣ ራህዋ ዘስተንፍስ እታ ዝነብረላ ሃገር ህዝባን መንግስታን መሬታን ብሓድሽ ሓርነት ከም ሓድሽ ምስ ዝውለዱ እዩ፡፡ ስለዚ ኩሉና ንሓድሽ ሓርነት ንጉየ፡፡ እቲ ‘’ ሓርነት ‘’ ተባሂሉ ዝተነግረሉ፡ ዘይካሓድ ናጽነት መሬት ካብ ባዕዳዊ ገዛኢ፣ ካብ ዘድልየና ሓርነት ጎደሎ ኮይኑ ስለ እተረኽበ፡፡ ‘’ ሓዲሽ ልደት ሃገር ኣብ ሓዲሽ ሓርነት ጋህዲ ንምግባር “ ብ-ኣታሓሳስባ ሓድሽ ሓርነት ክንውለድ ይግባእ፡፡

ክብሉ ኣብ 2011 ንሙሉእ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ዘበለ ዝዕድምን ብሓድሽ መንፈስ ንሓርነት ክንቃለስ ዓዲሞምን ፣ ጹሑፋቶም ዘርጊሖምን ነይሮም። እተን ውድባት ይኹና ምንቅስቓሳት ሲቪካውያንን ህዝባውያንን ማሕበራት ግን ፡ ኣብ ናይ ገዛእ-ርእሰን ምዕባይን፣ ተፈላጥነት ምርካብ ተጸሚደን ፤ ንሓሳብ ክጥርነፋ፣ ክፍንጣሓ ኮይኑ ስርሐን።

ድስቡጣዊ ስርዓተ ኢሳያስ ክኣ፣ ኣብ ድኽመት ደምበ ፍትሒ ተወጢሑ፣ ንህዝብና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እና-ጽበበሉን እናኣኽፋኣሉን ፡ ማሕበራዊ ናብራ ንታሕቲ ኣንቆልቊሉ፣ ኣይ-ሂወት ኣይ-ሕየት ኣብ አፈ ሞት ኮይኑ ክርከብ እንከሎ ፡ ቁጠባዊ ወፍርታት ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ ኣብ ክትንሳኣሉ ዘይኽእል ምብጻሑ ፡ ባዕሉ’ቲ ደስቡጣ ስርዓት ብዘይ ሕፍረት ዝዛረበሉ ዘሎ ህሞት ይርከብ፡፡

ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቓትሉ እትርከበሉ ግዜ ፡ እታ ምንጪ ሕብረተሰብ ዝኾነት ስድራ-ቤት ፋሕ ኢላ ህላውነታ ዘይተራገጸሉን ናብ ጽንተት ዘላ እዋን ፡ ኣብ ደምበ ፍትሒ ግብዝና ወይ ኣምሳሉነት ዝመስል ናይ ሓባር ስራሕ ንምክያድ ንቃራረብ ኣልሎና፤ ዘስምዕ መግለጺታትን መደረታትን ኣብ ኩሉ ፈነወ ምድያ ይስማዕ ኣሎ፡፡

እቲ ዝገርመና እቶም ጋዜጠኛታት ከም ሰብ ሞያ መጠን ፡ እዋኑ ዝሓቶ ቀጥታዉን፣ ድርቕ ዝበለን መስቀላውን ፖለቲካዊ ሕቶ፡ ኣብ ክንዲ ዝቐርበሎም፣ ‘’ ድሕሪ ባይታኻ ‘’ ወይ ‘’ምስ ሰማዕትና ተላለ’’ ዝብል (rhetoric) ን-ጣቋ ዘረባ ዝዕድም ሕቶ እዮም ዘቕርብሎም፡፡

መልሲ ናይ ዕዱማት ክኣ ታሪኽ ሂወቶም ካብቲ ዝተወልዱላ ዕለትን ቦታን፣ዘማልእዎ ቅስመት ትምህርቲ፣ ኣብ ቃልሲ ዝነበሮም መዝነትን ኣብዚ እዋን እዚ ተሸኪሞሞ ዘለዉ ሓላፍነት፣ ዝሰገርዎ መድረኸ-ቃልስታት ካብ ብረታዊ ገድሊ ስጋብ እዛ እዋን እዚኣ ክገልጹ ከለዉ ‘’ዋው’’ ዘብል ! ዝተማላከዐን፣ ከመይ ዝበለ ዝና ዘብል ኢኻ ትሰምዕ፡፡ ሲዒቡ ዝመጸካ ሕቶ ግን፣ እንተ እዚ ኩሉ ክእለትን ብቕዓትን ዝወነኑ ኮይኖም፡ ስለምንታይ ድኣ፤ ብመሰረት ፍትሒ፣ በታ ቀንድን ንኹሉ እተአንግድ ግዝኣተ ሕጊን ደሞክራስን ንምምጻእ ሓቢሮም ክቃለሱ ዘይካኣሉ?

ስለምንታይ’ከ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ሰሪዖም በቲ ካብ መዋእል ዝተሰርሓሉ እንካን ሃባን ፖለቲካዊ ኣጋባብ ተኸቲሎም ሓደ ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ጽላል ክገብሩ ዘይበቕዑ?

ውዳበ ንገዛእ ርእሱ መስርሕ ሓቢርካ ንመሰልን፣ ውልቃዉን ሓበራዊ ረብሓታትን፣ ብፍላይ ክኣ መንነትካ እተራጋግጸሉ፡ ሃገራዊ ረብሓ ቅድሚ ኩሉ እትሰርዓሉ፣ ነታ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተራጋገጸት ናጽነት እትሕልወሉ፣ ሓድነት ህዝቢ እተራጋግጸሉ’ዶ ኣይኮነን ?፡ ስለምንታይ ድኣ መሬት ከይሓዝካ፣ ግራት ከይጸጋእካ፣ ዘርኢ ሒዘ ኣለኹ፣ መሬት ክረክብ እየ ዝቃለስ ዘለኹ እናበልካ ኣብ ኣህላኺን ዘይውጻእ ስነ-ሞጎታት ትጽመድ? ልእላውነት ሃገርን፣ ሓድነት ህዝብን ምስ ተራጋገጸ፣ ግዝኣተ-ሕጊ ምስ ተተገብረ-ዶ ኣይኮነን፣ ናትካ ፖለቲካዊ ራኢ እተንጽፈሉ፣ ስልጣን ካብ ህዝቢ ንምርካብ ዘመታትካን ቅርጸ-ኣዋዳድባኻ እትዝርጋሓሉ?

ብናትና ምርዳእ ኩሉ’ዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳኣ፡ ውድባት ይኹና፣ ሰልፍታት፣ ሲቪካውያን ህዝባውያን ማሕበራት፣ እንኮላይ ናይ ምድያ ሰብ ሞያታትን ኣማሓደርትን፡ ሓደ ጉንዖ/ሓለፋ ንቕድሚት ክኸዳ ኣለወን ንብል፡፡

(presumptious)ደፋር ወይ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ኣቓራርባ ካብ ምጥቃም፣ ኣብ(ethical)ንስነ ምግባራዊ ወይ ኣጋባብ ዝሓዘን፣(manner)ቅጥዒ ወይ ስልቲ ምኽታል፡ ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ሓላፍነት ረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ገይሩ ክሰርሕ ምግባር እዩ ዝምረጽ ዝብል ኣራዳድኣ አሎና፡፡

ብፍላይ ጋዜጠኛታት ሒዝክምዎ ዘለኹም ስራሕ፣ ካብ ዕለት ናብ ዕለት፣ ምስ ግዜ ክትታዓጻጸፉ (update) ዘመናይ ምግባር ወይ ብሓድሽ ምትካእ፡ ኣብ ዘለኽምዋ ሃገር ናይ ጋዜጣ ኮርስ/መኣዲ ትምህርቲ ከተማልኡን፣ ምስቶም ናይ ሃገርን ዓለምለኽ ጋዜጠኛታት ብምርኻብ ኣብ ኣስተምህሮን፣ ዓበይቲ መጋብኤታት ብምክፋል ፍልጠትኩም መዕባይ፣ ተሞክሮታት ምድላብ ከተካናዉኑ ትጽቢት ይግበረልኩም፡፡

ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝርከብ፣ ብፍላይ ኣብ መራከቢ ብዙሃን ዝሳተፍን ዝዋሳእን ህዝብና፣ ጠቕምን ጉድኣትን መራኸቢ ቡዩሃን ኣነጺሩ ክፈልጥን ካብ ዘየድሊ ህልኽን ቆየቛን ክወጽእ ይዕደም፡፡

ኣብ መደምደታ ክልተ ዓበይቲ ፍላስፋታት ክም ፕሮቶጎራ(Protogora)ምስ ፕላቶነ(Platone)፣ ዝካየድ ዝነበረ ስነ/ሞጎት ክንጠቅስ ደስ ይብለና። ምኽንያቱ ክትዕን ፍልይ ዝበለ ዓይነተ-ኣታሓሳስባ ክህሉ ባህርያውያዉን፣ ክኸዉን ዘለዎ መበት ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደሞክራስያዊ ባይቶ/ዓውደ ዘተ ክኸዉን ከሎ እዩ ዝምረጽ፡፡ ውጺኢቱ ክኣ ናይ ሓባር ስራሕ ዘብጽሕ ክኸዉን ኮሎ ፍረ ክርከቦ ይካኣል፡፡ ፕራቶጎራ ክብል ከሎ፣ሓደ ማሕበራዊ ውዳበ ክህልወካ፡ ደቂ ሰባት ተክኒካዊ ፍልጠት ክህልዎም ግድነት ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ተፈጥራዊ ባህግን ተውህቦ ስነ ጥበብ ወይ ፖለቲካዊ ክእለትን(techne o arte Poletike`)፣ ማለትሲ ንፍትሒ ዘውሕስን (dike)፣ ኣብ ምክብባር ሓድሕድ (aidös)ዝተሞርኮሰ ኣጋባብ ዝኽተል፣ክኸዉን ይግባእ፡፡

እዚ ዓቅሚ/ብቕዓት ኣብ ፍሉያት ሰባት ዝጻዓቐ/ዝተኣከባ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ኣብ ኩሉ ዓይነት ሕብረተሰብ ዝርከብ እዩ ይብል ፖርቶጎራ፣እዚ ዓይነት ኣቃራርባ’ዩ ከም ገላጺ ተግባርነት ደሞክራሲ ኣታሓሳስባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡፡ ስለምንታይ’ስ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ካብ ግዜ ንእስነቱ ሒዙ ናቱ ዝውንኖ ፍልጠት ፖለቲካዊ ሃብቲ ስለ ዘለዎ፡ን-ማሕበራዊ ሂወት ከበርክቶ ዝኽእል መሰረታውን ኣገዳስን’ዩ(ኣብ ምውሳን ግዜ ክዋሳእ ምስ ዝኽእል) ይብል፡፡

እሱ-ጥራይ ዘይኮነስ ስነሓሳብ ፖሮታጎራ ን-ሊበራል ደሞክራት መገዲ ዝሃበ፡ኩሎም ደቂ ሰባት፣ ኣባላት ሓደ ሕብረተሰብ ናጻ ምዃኖም ነቲ ረብሑኡ ናይ ማሕበረሰቡ ረብሓ ዝገብር፣ ኣስሓኮ ዘለዎ/ጥቁው ስለ ዝኾነ ብኑጹር ክዋዓዓል ወይ ክዛተ ሙሉእ መሰልን ሕጋውነት ኣብ ማሕበራዊ ስርዓት ኣለዎ ይብል፡፡

ልክዕ ነዘን ክልተ ቅጽል/ርዕሲ፡ መበትን መሰልን፣ ሕጋውነት ኣብ ማሕበራዊ ስርዓት ተጻይ ወይ ተሪር ተቛውሞ ኣሪስቶተለ ኣርእዩ፡፡

ራኢ ኣሪስቶተለ፣ መብዛሕትኦም ደቂ ሰባት፣ ዋንነት ይኹን ዓቅሚ-ፍልጠት፣ ዋላዉን ሕልና ይኹን ተውህቦ ስነምግባ(ethics)፣ ይኹን ሞራል፣ ከምኡ ስነ-ኣእምራዊ (psychological) ብቕዓት ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ ምምሕዳር ክውስኑ ይኹኑ ክዋሱኡ ኣይኽእሉን፡፡ ን-ፕላቶነ ፍልጠትን ስልጣንን ክፋላለዩ ዘይኽእሉ ዝብል እምነት’ዩ ነይርዎ፡፡

ኣብዚ ከነስተብህሎ ዝግባእ ካብ ቀደም ስጋብ ሎሚ፣ ኣብ ሞንጎ ብቁዓት(ሙሁራት) ወይ ትጉሃት/ትኩራት’ዶ ይሕዝዎ ስልጣን፤ ዘካትዕ ዘሎ ዓውዲ እዩ፡፡

ነዚ ተረዲእና፣ ክንሕብሮ ዝደለና ዘተን ሓሳባት-ዘይምርኻብን፣ ዝነበረን ዘሎን ስለ ዝኾነ ክገርመና’ኳ እንተዘይብሉ፣ ግንከ ቀዳምነት ምስራዕን፡ ኣብ ባይታ ፍትሓዉን ደሞክራስያዉን ክካየድን፤ ኣብ ፖለቲካ መስርሕ እንካን ሃባን ምውናን ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ጹሑፍና ካብቲ ‘’እቲ ዘየደቅስ ስክፍታ” ክንወጽእን ናይ ሓባር ስራሕን ብሓደ ድምጽን፡ ተበግሶ መስፍን ሓጎስ፡ ህዝብን መንእሰያት ዘባራበረ ጥራይ ዘይኮነስ ክጥርነፍ ቁሩቡነቱ ዝገልጽ ዘሎ፣ ነዚ ምልዓል’ዚ ክእለን ክቕለስን ምስ ዝካኣል፡ እቲ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ዝብል ጭርሖ ክማላእን፤ነቲ ኣቐዲሙ ብ-ይኣክል ምንቅስቓስ ተጠርኒፉ ዘሎን ክትርንዕን፣ ምስ’ዚ ተበግሶ ናይ ሓርበኛ መስፍን ሓጎስ ተሞርኩሱ፣ ምልዓል ዘሪኢ ዘሎ ኣካል፣ በቲ ዝሓቶን ዝጽውዖን፣ ኣጋባብ ክውሃህድን ክሳራጮን ይግባእ እናበልና፤ ሕጂ ውን ናይ ሓባርን ስኒት ዝዓሶሎን ጡርኑፍ ኣጋባብ ቃልሲ ክካየድ ካብ ምጽዋዕ ኣይንክንቁጠብን ኢና፡፡

ሕጂ ዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


Opening Keynote: Process and Ambiguity with Amy Thibodeau Director of User Experience, Shopify


Leadership & Change Management in VUCA (Volatility, Uncertainty, Complexity & Ambiguity)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: