ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ 3ይ ክፋል

28/08/2018 23:50 PM

ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ (ሳልሳይ ክፋል)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ

ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ

ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ (ሳልሳይ ክፋል)
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት ከመይ ቀኒኹም፡ ሎሚ’ዉን ምስ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃነስ ፣ ኣብ ኣጋዳሲ ዝኾነ ዛዕባ፣ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዛተየሉን ዝዋስእሉን ዘሎ ክኸዉን እዩ፡፡

ከም ኣርእስቲ ውዳበ እንታይ ማለት እዩ ? ጠቕሚ’ኸ ኣለዎ ድዩ ? ምስ እዚ ሕጂ ገኒኑ ዝዝረበሉ ዘሎ ሓበራዉን ሓድነታዉን ቃልሲ ብኸመይ ይዛመድ ?

እተን ተወዲበን ዘለዋ ውድባትን ዘለዋ ውድባትን፣ ምንቅስቓስን፣ ሲቪካዊ ማሕበራት ብዙሕ ተቐባልነት ኣይረኽባን ስለምንታይ ? ዝብል ክኸዉን ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይን ካልኣይን ምይይጥ/ዘተ ብኣንበብቲ ተገዳስነት ከም ዝረኸበ ዝሳሓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ምስቲ ጽበት ግዜ-ረኺብካ ንኣንበብቲ ሓሳብካ ክትህብን ንዝመጸካ ሕቶታት ክትምልስ ቁሩብ ምዃንካ ብወገነይ ከየመስገንኩ ኣይሓልፍን፡፡(ንክውከሱ ዝደልዩ በዚ ኢመይል ክልእኩ ይኽእሉ(E-imail epdparty.com )

ኩቡራት ኣንበቲ፣ (ሓ) ሓታቲ/ጸሓፊ፣ (መ) መላሲ፣ ኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፣ ኮይኑ ክቐርብ እዩ ጹቡቕ ምክትታል።

ሓ. 1. ውድበ ማለት እንታይ ማለት እዩ ?

2. ምስ እቲ ሕጂ ገኒኑ ዝዛረበሉ ዘሎ ሓባራውን ሓድነታውን ቃልሲ ብኸመይ ይዛመድ ?

3. ህዝቢ ነዘን ዘለዋ ሰልፍታት፣ ውድባት፣ ምንቅስቓሳት፣ ሲቪካዊ-ማሕበራት፣ ብዙሕ ተቀባልነት ኣይሃበንን

ስለምንታይ ? እቶም የለዋን-ኣይጠቕማን ዝብሉ ዜጋታት እንታይ መልሲ ክዋሃብ ይካኣል ? ዝብላ ሕቶታት በቢ ሓደ ክንመምየን ክንፍትን ኢና።

መ. ሰላም፡ ኣቐዲመ ነቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ምስ ኣንበብቲ ንምርኻብ ናእዳይ እናቕርብኩ፣ በቲ ኣነ ዝርእዮን ዝሓስቦን ምስ ህዝበይ ክዛተን ክማያየጥን ንዝመጸኒ ሕቶታት ክምልስን ኩሉ ግዜ ቅሩብነትይ ይገልጽ፡፡

እቲ ዝዋሃብ መልሲ ዘየዕጋቢ ክኸውን ይኽእል፣እቲ ኣገዳስነቱ ግን ኢሂን ሚሂን ምባል ስለ ዝኾነ፡ብዘይ ቀላዓለም ንተቕርቦ ዘለኻ ሕቶ ክምልስ ክፍትን እየ።

ውድብ ማለት እንታይ ማለት እዩ ? እዚ ሕቶ’ዚ መሰረታውን-ኣጋዳሲን እዩ፤ ስለምንታይስ ኩሉ እዚ ኣብ ዙርያና እንርእዮ፣ ዘገርም/ዘስተንክር/ተኣምራዊ ተፈጥሮ፣ በጋባቡን ምትእስሳሩን፣ ተዋሃህድነት/ማዛዛንነት/ተማዓራራይነት equilibrium ስለ ዝካየድ ተፈጥራዊ ውዳበ ኢሎም ብቀጻሊ መጽናዕታት ተኻይዱን ይካየድ ዘሎ፡መሬት ምስ ካልኦት ሳታለይታት ብተፈጥራዊ ማግነትነት ምትእስሳር ህላውነታት ተራጋግጽ ብምዃና፣ ዘይውዳእ ምምርማራት ዝካየድ ምዃኑ ኩላትን እንግንዘቦን/ንፈልጦን እዉን’ዩ። ኣብ ውሽጢ/ልዕሊ መሬት ዝነበረን-ዘሎን ኩሉ ዓይነት ተፈጥሮ፣ኤኮ-ስስተማ ንምፍላጡ ዝግበር መጽናዕቲ፣ ሚዛናታቱ ዝሓለወ ኣጋባብ፣ ባህርያታት ኣካያይዱኡን-ምምርቕቃሕን ምውዳብ ጌርካ ክትገልጾ እውን ይካኣለዩ፤ ኮታ ውዳበ ማለት በጋባብን/ተዋሃሂድካን ንክትነብር ምእንቲ፣ ተጣጣሓሉ ባይታ እዩ፡፡

ከም ኣብነት እንተ-ደኣ ክንወስድ ኮይና ከም ኩሎም ፍጡራት እንስሳታት፣ ወዲ-ሰብ እዉን እንተኾነ ንተፈጥሮ ክካላኸልን ህላውነቱ ከራጋግጽን ተጠርኒፉ ብሓንሳብ ክነብርን፣ ተገዲዱ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተወዲቡ መናባበሪኡ ክሰርዕ ዘኽእል ምርድዳእ፣ በዚ ናይ ሎሚ ውዕል ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ምስ ናይ ደቂ-ሰብ ምዕባለ እና-ተማሓየሸ ዝመጸ ጌና ክማሓየሽ ምዃኑ እየ ዝርዳእ፡፡

ብሕጽር ዝበለ ውዳበ፣ ንክትነብር ህላውነትካን ቀጻልነትካን ከተራጋግጽ ዝጥቅም ዓቢ መስርሐ-ሂወት እዩ። ኣብ ዓለምና እንርእዩ ማሕበረሰባት ይኹን እሳቶም ዝፈጥርዎም ምምሕዳር፣ ኩሉ ዓይነት ክፍሊ ስርሓት ብውድብ መልክዕን ንዕኡ ዘማሓድር ስርዓተ-ሕጊ ኣውጺእካ ክትጓዓዝ ከለኻ ፍረ ዘለዎን መስርዑ ዘሓዘን ዝኸዉን ዝብል ራኢ ኣለኒ፡ ኮይኑ ግን ንውዳበ ዘጽንዑ ክፍለ-ዳህሰስቲ ወይ ሳይንቲስት ማእለያ ዘብሉ ዓይነተ-መጻሕፍቲ፣ ኣብ ፖለቲካዊ/ቁጠባዊ/ማሕበራዊ/ተፈጥራዊ…ወዘተ ስለ ዘሎ ጡሉቕ ዝኾነ ወይ ክኣ ወገናዊ/ጉጅላኣዊ/ማጃዊ ከይኸዉን ምእንቲ እቲ መንቀሊና እዉን ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ጉዳይ ዘድሃበ ስለ ዝኾነ፡ መልሲ ውድብ ሓደ ንዕላማኻ ከተዕውት ሽቶኻ ንኽትወቅዕ ዝጠቅም ዓቢ መስርሕ እዩ።

ከይተወደብካን ከይተጠርነፍካን በይንኻ ትበጽሖ ነገር የለን፤ ስለምንታይ ተወዲብካ ንህዝብኻ ዘሳትፍ፣ ቓልሲ ናቱ ኮይኑ ስልጣን ባዕሉ ኣብ ኢዱ ክጭብጥን፣ ብመስርሕ ዲሞክራሲያዊ ኣጋባብን እቲ ዘድልዮ ምስግጋራት-መድርኻት ብምጥቃም፣ ሓንቲ ሃገር ንኹሎም ዜጋታታ እትሓቁፍ፣ መሰላቶም ንኽረኽብሉ ዝኽእሉሉ ቁዋም ንኸጥጽድቐሉ እትጥቀመሉ እሩሙን ሩጉጹን መስርሕ እዩ።

ብሓጺሩ ሓንቲ ንኹሎም ደቂ-ሃገር እትሓቁፍ ዲሞክራስያዊትን ቁዋማዊትን ሃገር ማለት ውድብቲ ሃገር ማለት እዩ ዘርኢ።
ተስፋ ይገብር ነታ ውድብ ማለት እንታይ ማለት እዩ መሊሸያ ክኸዉን።

ሓ. እወ ብስነ-ፍልጠት ዝተሞርኮሰ ሓፈሻዊ ኣጋላልጻኻ ምሬትን ከባቢአን፣ ኣብ ልዕሊአ/ውሽጣ ዝርከብ ኤኮ/ሲስተም እዉን እናጠቐስካ ምውህሃድ-ምትእስሳር-ሓቢርካ ምንባር፣ ኣብ መጠረሽትኡ ናብታ ምውዳብ ትብል ቅጽል ከም ዝበጻሕካ ከርዳእ ኪኢለ። ቀጺልካ ኣብታ ምስ እዚ ሕጂ ገኒኑ ዝዝረበሉ ዘሎ ሓበራዉን ሓድነታውን-ቃልሲ ብኸመይ ይዛመድ ? ዝብል ክንሰግር ኢና፤

መ. ክምቲ ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ ተፈጥሮ ኣልዒለ፣ ሓፈሻ መግለጺ ክህብ ክፍትን ከለኹ፣ ዋልኳ ኣዕጋቢን ሱጡም ዝኾነ ትንታኔ ከምቶም ሊቃውንቲ ናይ ስነ ፍልጠት፣ ከቕርቦ ኣይኽኣል እምበር፣ ንሕና ደቂ ሰባት ሓደ ኣካል ናይ ፍጥረጥ ስለ ዝኾና፣ መሰረትና/መበቆልና ከይረሳዕና ክንዛረብን ኩሉ እነዘውትሮ ግብርታትን እንወስዶ ስጉምትን ካብ ተፈጥሮ እንምሃሮን እነጽንዖን እንተ-ዘይኮይኑ ፈጠርቲ ኣይኮናን፤ መሃዝቲ ሰናዕቲ ጥራይ ኢና።

እንተደኣ ንኣንበብቲ ዘይሰልቺውዮም፣ ኩሉ ግዜ ካብ ኩውንነት ዝነቐለን ንምምዕባሉ ዝጽዓር ምዃኑ ክበርሃልና ኣገዳሲ ክኸዉን ኣለዎ ዝብል ተረድኦ ስለ ዘሎኒ እዩ፤ካልእ ዓይነት ኣቃርባ ምስ ዝህሉ ብተገዳስነት ክሰመዕ ቁሩብ እየ።

እታ ሕጂ ገኒኑ ዝዝረበሉ ዘሎ፣ ሓበራዉን ሓድነታውን ቃልሲ ብኸመይ ይዛመድ ?ትብል ወኸሳ፣ ከም መሰረታዊ ውዳበ እንታይ ማለት እዩ ? ዝብል መልሲ ክምልስ ከለኹ፣ ብዛዕባ ደቂ ሰባት ምትእስሳሮም/ሓቢሮም ክነብሩ ዝገደዶም ንተፈጥራዊ ተጻብኦታት ክስዑሩን፣ ቀጻልነት ናታቶም species ትውልዲ/ጽጋረት ከራጋግጹ ክኸዉን ከሎ ምጥርናፈቶም ብዝተወሃሃደን/ኣጋባብ-ዝሓዘን ክኸዉን ምእንቲ ናይ ውዱቡን ስምምዓት/ውዕል ክኣ ይገብሩ ኢልና ብሕጽር ዝበለ፣ ኣገዳስነት ናይ ውዳበ ገሊጸ ነይረ።

ስለዚ እታ ኣብዚ ገኒኑ ብዛዕባ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕ ትብል ካብቲ ቅድም ዝነበረ መድረኽ-ቃልሲ፣ ሓድሽን ብዝያዳ ብሓይሊ ክትቃለሰሉ እትግደደሉ ባይታ ስለ ዝተፈጥረ ሓድስቲ ሃዋሁውን ገኒንካ ክትዛተን ገዳዲ ህሞት ስለ ዝድረኽ እዩ።

እንታይ እዩ እዚ ህሞት ዝብል ሕቶ ክስዕብ ይኽእል፤ ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ኣቶ ኢሳያስ ንኩሎም ፍትሒ፣ዲሞክራሲ፣ ግዝኣተ ሕጊ፣ መሰል ዝሓተተ ዜጋታትና ክኣስር ከሎ፣ ኣብ ዘይድልዮ ጆኦ ፖለቲካው ኣትዩ ቀንጠብጠብ ክብል ምስ ጀመረ ባዕሉ ዝፈጠሮ ማእስርቲ እዩ ዝነብር ነይሩ፣ ኣብ ድልድል ዓዲ ሃሎ ተዓጽዩ ዝውዕል ከም ዝነበረ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ኩነት እዩ፤ ካብዚ ንምውጻእ ዝተፈላለዩ ውጥን ይምህዝ ከም ዝነበረ እዉን ካብ ኣዛራርብኡ እንርድኦ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ህዝባዊ ጠለባትን ምንዕዓባትን ኣብ ውሽጢ ኢ.ህ.ው.ደ.ግ. ምትኽኻእ ስልጣናት ኣስዒቡ እዚ እንርእዮ ዘሎና ምቅርራባትን ውዕላትን፣ ኦዲያሳዊ ጉዕዞታት ኣምጺኡ ኣሎ፡፡

ንኣቶ ኢሳያስ ክኣ ኣብ ሓድሽ ቀላይ ክሕምብስን፣ ምስ ባህርያቱ ዘይቃደዎ ሰላም-ፍቕሪ-ይቕረታ ብኣፍ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ክዝምራን፣ ንሱ ክኣ ከም ኣዳላዊ ወይ ዲረክተር ናይዚ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዘሎ ለውጢ፤ ከም ሓደ ዓቢ-ተዋሳኣይ ቅርዓታዊ-ምርኢት የርኢ ኣሎ፤ ነዚ ሓዲሽ መድረኽ ኤርትራ/ኢትዮጵያ ብምጣቃም ከም ወናንን ርእሰ-ኩሉ ኮይኑ ክርአ ብምባል፣ ነቲ መጋሎመንያ-ዝባህርያቱ ኣዘውቲሩ፣ ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብምእታው ከም ኣላይን ቀላስን ክኸዉን፣ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ብግልጺ እንርእዮ ዞሎና ኩነት እዩ።

ኣብዚ ኣተኲርና ክንርእዮ ዘሎና፡ ሃገርናን ህዝባን ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ወዲቑ ክነሱ፣ን-ኤርትራውያን ዘይተዋህበ ዕድል፣ን-ኢትዮጵያውያን ብነጻ ወፍሪ ከከይዱን ኣብ ኤርትራ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ክፍቀደሎም ከሎ፡ እዚ ህርፋን ጎልበብነት ዝተዋሕጠ ሰብ ናይ ስታሊን ባህርያት የዛኻኽረኒ።

ከም ዝፍለጥ ስታሊን ወዲ ጆርጃ ክነሱ፣ ነቲ ህዝቢ ጆርጅያ ኣብ ትሕቲ ሶቭየት ክጽመድ ዘይድሊ፣ ናጽነቱ ካብ ምጥላቡን ምድላይን የዕሪፉ ዘይፈልጥ ብሓይሊ ጸቐጡ፣ እና-ኣሰረ/ቀተለ ናብ ጉላክ(ኢሳያስ ዒራ-ዒሮ) ከም ዝእሰሩ፣ ንገሊኦም ክአ ናብ ስበርያ ዝጨውዩን ኣብኡ ከምዝመቱን እናገበረ ብራዕዲ ብምሓዝ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሶቭየት-ሕብረት ክቑረኑ ዝገበረ፡ እዚ ሰንካም ስርዓተ-ኣስመራ እዉን ብሽም ሓደ ህዝቢ፡ ኣረቲፍቻል ዶብ፡ እናበለ እቲ ካብ ቀደሙ ዝሓልሞ ዝነበ፣ብዘይ ምትሕብባእ ብዛዕባ ፈደረሽን ኮንፈደረሽን ዝገብሮ ዝነበረ ትረኻ/ጽወያ፡ ሕጂ ብዘይ ድልየት ህዝብን፣ ባዕሉ ብዝወሰኖን ብዝቐረጾን ንሃገርና ድሕሪ 50 ዓመት ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን ኣማህኒኑ፣ ብናቱ ትልሚ/ኲትሚ ነዛ ሃገር ኣብ ሓደጋ የውድቓ ኣሎ፡፡

ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓዲሽ መድረኽ ኩሉ ህዝቢ ዋላ እቲ ንድግፍ ዝብል ዝነብረ ብፍላይ ክኣ ደምበ ፍትሒ ክዋሳእ ዝጸንሐ ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ምንቅስቃሳት፣ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ውልቀ-ሰባት ዋላ’ቶም ኣስቂጦም ዝነበሩ ዜጋታትና ሓቢርካን ሓድነታዊ ዝኾነ ራኢ፡ ሃገር ነድሕን ዝብል ክጣረነፉ ግዴታ ዝገብሮ ሃዋህው እዩ ዘሎ።

ነዚ ሃዋህው እዚ ተጠቒምና ናብ ሓደ ኣወንታውን ንህዝቢ ዝጥርንፍን፣ ንላእላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘየውድቕን፣ ክንቅይሮ ዓቢን-ክሕለፍ ዘይብሉ እዋን ኮይኑ፣ ብሓላፍነት ክንሕዞ ዘሎና እዩ። ንሓደጋዊ መድረኽ ናብ ናይ ብሓቂ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ይቕረታ ንኽንልውጠን ግዝኣተ ሕጊ ክነግስን ብቕዋም እተመሓደር ሀገር ንክትህሉወና ክግበር ይክኣል እዩ።

ንድሕነት ህዝብን ሓቢርካ ምስራሕ ደምበ ፍትሒ ክስዕሮ ወይ ከሕምቖ ዝኽእል ሓይሊ ይኹን ውልቀ መላኺ የለን። ክንቅጽልዶ ?

ሓ. ግርም ሕጂ’ውን እንተኾነ ናትካ ተስፋን እትምነዮ ወይ ናብኡ ንምብጻሕ እትቃለሰሉ ምዃንካን፡ብዘይ ሓቢርካ ምስራሕን ሓድነታዊ ራኢ ምህላውን፣ መዋጽእ ከምዘየለ ብብሩህ ገሊጽካዮ አሎኻ። ቀጺሉ ዘመጽእ አርእስቲ፣ ህዝቢ ነዘን ዘለዋ ሰልፍታት፣ ውድባት፣ ምንቅስቓሳት፣ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ብዙሕ ተቐባልነት አይረኸባን ስለምንታይ ? እቶም የለዋን/ኣይጠቕማን ዝብሉ እንታይ መልሲ ክዋሃብ ይካአል ?

መ. ሓጺር መልሱ ምብዛሕ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ምፍንጣሕን ክርእዩ ከለዉ፣ ዝተፈጥረ ስኽፍታታት ክባሃል ይካአል ይኸዉን።

ልክዕ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ሃገርን ብቕዋም ዝማሓደር ምስ በጽሐ፡ ዲሞክራሲያውነት ዘይዘውተረት ሃገር፣ ዝመጻእና እኳ ንኹን’እምበር፣ ከም ባህሪ ኣጥሊቕካ ክትሓስብ ከለኻ፡ ህዝብና ኣኽባር ሕግን ብሕግታት-ዓደቦ ዝማሓደር በዓል ዓቢ ታሪኽ እንተኾነ እውን፣ ሳዕበን ዝተፋላለዩ መግዛእታት ብፍላይ ክኣ ካብ ብረታዊ ቃልስና ዘምጽኦ ሓዲሽ ባህርያት ክጥሪ ስለ ዝተገደደ እዩ ክባሃል ይካኣል፡፡

ኣጸቢቕና ከም እንፈልጦ እቶም ባዕዳውያን ሃገራት ንግዝኣቶም ከጣጥሑን፣ ተማእዛዚ ጉዙእ ህዝቢ ክኾኖሎም በቢዓይነቱ ስልቲ ተጠቒሞም እዩም፤ን ኽትገልጾ ኣሸጋሪ ኣይኮነን፣ ግናኸ ነዊሕን ካብ እዋናዊ መድረኽ ከይኣልየና ምእንቲ፣ ኣብ ዘድልዮ እዋን ክንዛተየሉ ምመረጽኩ። ሓ. ግርም እወ ታሪኽ ባዕዳውያን መግዛእትን ባህርያታቶምን ነዚ ዘንቀልናዮ ኣርእስቲ ከልግስ ወይ ናብ ካልእ ክወስዶ ስለ ዝኽእል ኣትኲሮኻ ነዚ ህልው መድረኽ ዝገልጽ ክትክተል እየ ዝሳማማዕ፡፡

መ. ጹቡቕ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ኣጸቢቕና እንፈልጦ እኳ እንተኾና፣ እቲ ኣብዛሓ ውድባት ካብኡ እዩ ዝምስረት። ብ-1961 ዝነቐለ ብረታዊ ቃልስና ብውሑዳት ሓርበኛታት ተጀሚሩ እናዓበየ/እናሰፍሐ ንቡዙሓት ዚጋታትና ክካፈሉ ምስ ጀመሩ፡ ንምምዕባሉን ተዋሃሂዱ ክኸይድ ብምባል ተሞክሮ ቃልሲ/ኣልጀሪ ብምቅዳሕ ኣብ 5 ሓይልታት ተኻፋፊሉ ክሰርሕ ተገይሩ፤ (ዘበነ ክፍልታት) ዝብሃል ይዝከር፤ ምቕዳሕ ዘምጽኦ ሳዕበን ኣብ ክንዲ ተዋሃሂድካ ምስራሕ ምፍንጫል እዩ ኣስዒቡ።

እቲ ጉዕዞ ታሪኽ ገዲፍና ብሓፈሻ ኣብ መጠረሽታ ምስቲ ኩሉ ክኸዉን-ክህሉን ዘይነበሮ ጸገማት ኣብ መደምደምታ ክልተ ውድባት ተጋድሎ-ሓርነት ኢርተራን፣ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ኮይነን፡፡ ብጣዕሚ ዓበይትን መራሕቲ ገድሊ፣ ንናጽነትን ሃገርን፣ ጠርነፍቲ ህዝብን ክኾና በቒዔን። ከም ዝፍለጥ ኣብ ክንዲ ሓቢርካ ንጸላኢ ሲዒርካ ናይ ሓባር ናጽነት ኣውጂካ፡ ነቲ መብጽዓ ዝኣተኻሉ ህዝቢ ምእላይን ምቅላስን፡ ኣብ ነንሕድሕድካ አብ ግጭት ስለ ዝተደኮንካ ናይ ባይታ ንምብሓት ብምውድዳር፣ብ-ህ.ግ.ሓ.ኤ. ምስ ህ.ዋ.ሓ.ኤ(ወያነ)፣ ምትእስሳራት/ጒሪኒት ብምግባር 1981 ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ክትወጽእ ተይገሩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ነዚ ክኸዉን ዝኻኣለ ግርብርታትን ዝሓለፉ ውሳኔታትን ጉዕዞ ንታሪኽ ገዲፍካ፣ እቲ መሰረተ ምብዛሕ ውድባት ካቡኡ ምዃኑ ንምግላጽ ዘዘከር ስለ ዝኾነ እምበር አብኡ ክምለስ አይደለኹን።

ህ.ግ.ሓ.ኤ.ሜዳ ንበይኑ ቢሒቱ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእትን ደገፍቱን ተዋጊኡ ብ-1991 ዓ.ም. ብሓይሊ ብረት ሃገር ናጻ ክትወጽእ ገይሩ፡ ኣብ ዓለም ነዚ ብብረት ዝመጸ ናጽነት ድልየትን ተሳተፍነት ህዝቢ ከም ዝኾነ ንምርግጋጻን ብቕልጡፍ ዓለምለኻዊ ተቐበሎ ክረክብ ረፈረንድም ብ-1993 ተኻይዱ 99.8 ህዝቢ እወ ንናጽነት ብምባል ብወግዒ፡ ሕቡራት ሃገራት ፈሊጠኡና። ኣብዚ እቲ ቀዳማይ ሽቶ ብሓይሊ ብረትን ድምጹን ዝተራጋገጸ፣ ውግዓውነትን ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ወቒዑ።

እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ጉዕዞ ሓርነት ግን ካብ መጀመርያ እዩ ሰንኲፉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ጉቡእ ክኸዉን ዝነበሮ፣ መሳጋገሪ ባይቶን ካብኡ ክወጽኡ ዝነበሩ ግዚያዊ መንግስቲን ፈራዲ ኣካልን፣ ባብ ዓጽይዎ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቲ ንኹሎም ደቂ ሃገር ዝጥርንፉን ሓቢሮም ክሃንጽዎ ዝነበሮም ቅዋምን መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ዝሓዘ መገዲ ኣብ ክንዲ ዝኸዉን፡ እዚ እከይ ውልቀ መላኺ ነቶም ኣብ ደገ ኾይኖም ፖለቲካዊ ቃልሶም ዘካይዱ ዝነበሩ፡ ክንዲ ከም ውድባት ዝጽውዐንን ናይ ዕርቂ ባይታ ምንጻፍ፣ ኣቶ ኢሳያስ ድሕሪ ሕጂ ሓሸውየ ናይ ፖለትካውያን ውድባት የለን፣ ክብል መርዛምን ሓባሪ ውልቀ ምልክነቱ ክህብ’ዩ ተሰሚዑ። ብመገዱ ብውልቀ ኣትዮም አብ ጉዳይ ሃገር ክካፈሉ ዓዲሙስ ቡዙሓት ንዕድሜኡ ተቐቢሎም ዛኣተው እዉን ኣሎዉ እዮም።

ኣብ ቅልሲ ዘይሕለል ህዝብናን፣ እቶም ኣብ ገጾም ማዕጾ-ዲሞክራሲ ዝዓጸዎም ከይተረፉ፣ ነቶም ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ዲሞክራስያዉያን ሓይልታት ሙሉእ ተኣማምነት ብምግባር፣ ብዓቕልን ትዕግስትን ምጽባይ እዮም መሪጾም።

ትጺቢት ናይ ህዝብና ንምዕጋብን ንዝነቐልሉ ሓርነትዊ ቃልሲ ናብ ሽቶ ንምብጻሕ ቅዋም ክጸድቕን ስጋብ ሕጊ-ምቋም ሰልፍታት፣ ሕገ-ምርጫን፣ ሰኒዶም ናብ ግብሪ ንምትግጓም እናተጓዕዘ ከሎ፣ ውልቀ መላኺ፣ ህዝብና ዘይደለዮ፣ ብምስምስ ዶብን ልእላውነት-ሃገርን ኣብ ውግእ ክእቶ ተገይሩ። ጉዕዞ ቁዋማዊ መንግስቲ ክኣ ተገቲኡ። ከም ንፈልጦ ውግእ፡ ብውዕል ኣልጀሪን ብይን ሀግ ምስ ዓረፈ፣ እቶም ደሞክራስያውያን ባእታታት ቁዋም ይተርጎም፣ ምስ በሉ፡ ሓይሊ ሚዛኑ ኣበርቲዑ ብምጽናሕ ክኣስሮም ኪኢሉ።

ኣብዚ ከም ሕቶ ክመጸካ ዝኽእል፣ ብምስምስ ውግእ ዶብ ከይኣተዉ፣ ሳልሳይ ኣካል ዘለዎ፣ ከም ሑብራት ሃገራት ፍታሕ ክረኽብሉ’ዶ ኣይኽእሉን ነይሮም እዮም ? ይካኣል እባ ነይሩ።

እንተይ ደኣ ባህርያት ዲክታተራት፡ ንህዝቦም ኣብ ውግእን ወረ-ውግእን፣ ጸቕጥን-ጭንቀትን ኣንቢሮም፣ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝጥቀምሉ ውጥን ኮይኑ፡ ኣቶ ኢሳያስ ክኣ እሱ እዩ ዝጥቀም። ከም ዝተዓዘብናዮ ን-ዓሰርተው ሾውዓተ ዓመት ኣብዘይ ውግእ ወይ ሰላም ንሃገር ጨውይዎ ምጽናሕ፣ ንገዛእ ርእሱ ብባዕሉ ዝፈጠሮ (isolated) ንጹልነት/ግለልተኝነት ዓቕሉ ጸቢብዎ ጸኒሑ፣ ብሳላ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ምልውዋጥ-ስልጣንን፡ ናይ ደገ ሓይልታት ጸቕጥን፣ ምስ ሓድሽ ስርዓት ኢትዮጵያ ዕርቅቂ ገይረ፣ ንኣምስሎ ሰላምን ፍቕርን ይቕሬታን ዝብል ደቂሰብ ክነጽግወን ዘይኽኣል ሓረጋት ብምጥቃም፣ ድራማታት/ትያትር ገይሩን ይገብር ኣሎ።

ኩሉ ባዕልኻ እተመጽኦን ትውድኦን ጉዳይ ኮይኑ፡ነቲ ለዋህ ህዝብና ከም (domesticate)ኣርዒመ/ዜበታዊ ዝኾነ እንስሳ ጌሩ፣ ወሲድዎ፣ ከም ድልየቱ ሕጂ ኣብ ውግእ ሎሚ ሰላም እናበለ ከጋላብጦ ይርአ።

ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ ከም ዝባሃል ህዝብና ሎሚስ ይኣክል ዝብለሉን መሰሉ ዝሓተሉን እዋኑ በጺሑ እዩ፡፡

እቲ ዝድለ እዞም ኣብ ደምበ ፍትሒ እንዋሳእ ዘሎና ክንሕግዞን ሓቢርና ብሓደ ድምጺ ክንዛረብ ምስ ንጅምር፣ ንሕና ቤታዊ ስራሕና ክንገብር ከሎና፣ ህዝብና ክኣ ግዲኡ ክገብር ከም ዝኽእል ታሪኽ እዉን ይሕብሮ እዩ።

ከምዚ ትርእዮ እቲ ፍጻመ ወሰነ-ወሰኑ እየ ክገልጽ ፈቲነ፡ ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ኩነታትን/ግብርታት ታሪኽና ክትገልጽ እንተደኣ ኮንካ ከምቲ ዕድመ ቃልስና ግዜ ስለ ዝሓትት ከም መዘክር ሓሓሊፈ እየ ኣተንቢሀ።

ኮይኑ ኣብ መጠረሽታ እታ ሕቶ ስለምንታይ እዮም ዜጋታትና ነተን ተወዲበን ዝንቃሳቐ ዘይ-ዓስልወን ዝብል፣ ካብ ኣማጻጽኣና ዝነቐለን፣ ኣብ ምብዛሕን ምፍንጣሕን ንጓዓዝ ስለ ዞሎና፣ ብምርኣይ ዝሰንበዱ ይኾኑ፣ ክባሃል ይኽእል።

ኮይኑ ግን እቲ ኣገዳሲ ክኸዉን ዘለዎ ምብዛሕ ውድባት ዘይኮነ፡ ከም ምብዝሐን ሓቢረን ክሰርሓን፣ ንኹለን ዘጽልል ባይታ መቃልስን፣ ሓደ ዕላማን ራኢን ክውንና ዘይምኽኣል እውን ይውሰኾ።

ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ጥርናፈ ክንበጽሕ እንተ-ደኣ ዝድለ ኮይኑ ዕላማን ራኢን ሓደ ምስ ዝኸዉንን ፣ ቀዳምነታት ክስርሑን ክስርዑን ዘለዎም ስጉምትታት ብግቡእ ከነቐምጦም/ከነዋሃህዶም ምስ ንኽእል እዩ፡፡

እቲ ዕላማን ራኢን ናይ ኩሉ ንፍትሒ ዝቃለስ፡ ልእላውነት ሃገር፣ ሓድነት ህዝቢ፣ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ኣጋባብ ዝተሃንጸ ቅዋም፣ ወይ ምሕደራ፣ እተን ቀንዲ ዓንድታት ኮይነን፣ ነዚ ንምብጻሕ ብ-ሃገራዊ መልክዐ-ቃልሲ ከነካይድን፣ ንብዙሑነትና ሃብቲ፣ ባህልና ወግዒ፣ ጡርንፍነትና መስርሕ ዓወት፣ ምዃኑ ተገንዚብና ምስ ንቃለስ እዩ ይብል።

ሰልፍና ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ነዚ ንምብጻሕ እዩ ዝቃለስ። ንሎሚ ኣብዚ ጠጠው ክንብል እንተ ድኣ ፍቓድካ ኮይኑ፤ ክብል ኣቦ ወንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ምይይጥ/ዘተ ወዲኡ።

ሓ. ብሓቂ ካብቲ ዝሓስበክዎ ንላዕልን ብወገነይ ኣዕጋብን መልሲ ዝሃብካኒ ኮይኑ ይስማዓኒ፡ ንኣንበብቲዉን ብተገዳስነት ክካታተልዎ ምዃኖም ኣይጣራጠርን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥን/ዘተን health ጥዕና ዚህብ ወይ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ እናበልኩ ኣብ ዝመጽእ የራኽበና የቐንየለይ።

መደምደምታ፣ ኣቶ ተስፋሚካኤል ኣነ እዉን ብወገነይ ነቶም ምይይጥን/ዘተን ዝካታተሉ ንዓቕሎምን ተገዳስነቶምን እና-መስገንኩ እንተ ደኣ ኣሰልቺናዮም ይቕረታ ይሓትት።

ብድሓን የራኽበና

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ብ’ፍትዊ ክፍለ

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ እነሆ፡-

ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡-   ቀዳማይ ክፋል  ካልኣይ ክፋል  ሳልሳይ ክፋል  


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmarino | Eritrea: ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ - ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና



Share with friends: