ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ 2ይ ክፋል

18/08/2018 02:55 AM

ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ (ካልኣይ ክፋል)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ

ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ

ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ (ካልኣይ ክፋል)
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ሰላም፡ ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ/ሳይታት፣እንሆ ከምቲ ብ-ኣጋጣሚ 25 march ዓለምለኻዊ መዓልቲ ግዳይ-ባርነት ብምዝካር፣ዝተዘርበላ መኣአልቲ፣ ኣልዒለ ምስ ኣቦወንበር ሰ.ድ.ህ.ኤ. ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፣ ተዛትየን ውጺኢት ዘተ ጺሒፈ ከም ዝነበርኩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ክቕጽል ምዃኑ እዉን ሓቢረ ነይረ። ከምኡ ንመጻኢ ቐጻሊ ምዃኑ ሓቢረ ነይረ።በዚ መሰረት ከኣ ናይ 2ይ ምይይጥና ከምዚ ዝስዕብ የቕርቦ።

አቃራርባ ጸሓፋይ ከም ሓታቲ (ሓ) መልሲ ወሃባይ ኣቦወንበር ሰ.ድ.ህ.ኤ. (መ) ገይረ ከቕርቦ እየ፡ጹቡቕ ምክትታል፡

ሓ. ሰላም ኣቶ ተስፋሚካኤል፣ ሎሚ እዉን ቀንዲ ትሕዝቶ ኣብ መሰል ደቂ ሰባት ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ንህዝብና ተሓሪምዎ ዘሎ ኣጋባብ ዘብርህ ክኸዉን ምዃኑ እናኣገንዘብኩ፡ክላበወካ ዝደሊ ንህዝብን ኣንበብትን ክርድእዎ ብዝኽእሉ ንጹርን ሕጽር ብዝበለ መልሲ ክትበኒ ይላቦ፤ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ምይይጥና ብዛዕባ ሰላም፣ፍቕሪ፣ይቕረ፣ ዝብላ ብጣዕሚ ዓዚዘን፣ ዝዝረበለን ዘለዋ ቃላት፡ካብ ኣብዛ እዋን እዚኣ ተኸሲቱ ዘሎ መድረኸ ልውጢ ዝነቐላ ስለ ዝኾና ንዕአን ቅዲሚ ምብራህካ፣ ብዛዕባ ለውጢ-ዶ ክንዛተ ? ሕቶይ እምብኣር ለውጢ እንታይ ማለት እዩ ? መዓስ እዩ’ኸ ለውጢ ዝርአ ?

መ. ሰላም፡ ከምቲ ዘማሕጸንካኒ ገይረ ክምልስ ክፍትን እየ።ለውጢ ክባሃል ከሎ ዓቢ ኣርእስቲ፣ ምስ መድረኻት ዝርአ ርእሰ ነገር እዩ። ተፈጥራዊ ለውጢ ኣሎ፡ ንኣብነት ኣብ ሩሑቕ ከይከድና እዚ ሕጂ ሹድሽተ-ክፍሊ-ዓለም ኢልና ንፈልጦ ቅድም እዚ ዓይነት መልክዕ ዝሓዘ ኣይኮነን ነይሩ፣ይብሉ እቶም ጆግራፍ/ስነፍጥረትን/ዓለምን ከባቢኣን ኣታሃላልዋኣን ምዕባሌኣን ዘጽንዑ፣ ምስ-ግዜ ብባህርያዊ ተፍጥሮ መልኩዑን ኩነታቱን እናተለወጠ ከም ዝመጽአ ይሕብሩን ይምህሩን። ካብቶም ባህርያዊ ለውጥታት ዘስዕቡ ምንቅጥቃጥ-መሬትን እሳተጎመራን ተፍጥሮ ተርእዮታት ኮይኖም፣ መልክዕ ኩነት መሬት ለውጢ ዘስዕቡ ባህርያት እዮም። ብሰንኪ ደቂ ሰባት ዝስዓበ እዚ ናይ ክሊማ ንዓለምና ኣሸጋሪ ኮይኑ ዘሎ ለውጢ እዉን ኩሉና ዘይንስሕቶ እዩ። ኣብዚ ብተፈጥሮ ዝመጽእ ለውጢ ይኹን ብሰንኪ ደቅሰባት ዝስዓቦ ምቅይያር፣ ኣብ ዓለምና ዝይውዳእ መጻሕፍቲ ስለ-ዘሎ፣ኣብኡ ኣቲና ክንዛረብ ዓመታት እዉን ኣይክኣኽለናን እዩ። እቲ ሕቶኻ’ዉን ሓፈሻዊ ስነፍልጠት ብዛዕባ ለውጢ ዘይኮነስ ብዛዕባ እዚ ህሉው ኩነታት ኣብ ሃገርናን ከባቢኣን ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ኣብ ሞንጎ ስርዓተ ኣስመራን/ኢትዮጵያን ካብቲ ን-ዕስራ ዓመት ዝነበረ ቅድም ብምኽንያት ዶብ ዝተላዕለ ውግእ ጸኒሑ፣ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ሳልሳይ ኣካል ብምኻድ ከዕርፍዎ ዝፈተኑ፣ ግንከ ብናታቶም ጠቕሚ፣ ስጋብ እዛ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣይውግእ ኣይሰላም ኣጽኒሖም ክነሶም ሕጂ ብሽም ሰላም/ፍቅሪ/ይቕረታ፣ ዝብላ ደቂ ሰባት ክነጽገን ዘይክእላ ሓረጋታት-ቅጽላት ከምዚ ክንርእዮ ዝቐነናን ዘሎናን ኦዲሰያ/ትያትር ነቲ መድረኸ ለውጢ ኣብ ሓደ ሓዲሽ መደረኽ ንርከብ ኣሎና።ክፋል ዘገታትና ናይዞም ክልተ ስርዓታት ሰነድ ሰላም፣ ዕርቂ፣ ሓዲሽ መድረኽ ካብ ተኸፍተ ክንጥቀመሉን ኣብኡ ኮይና ነዚ ናይ ኤርትራ ስርዓት ክልወጥ ይኽኣል እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ካልእ ክፋል ዘጋታትና ከኣ ለውጢ ክመጽእ መድረኽ ፖለቲካ ክቕየርን እቲ ነዚ ክኸዉን ዝገደደ ኣጽኒዒካ፣ብስርዓት ኣስመራ ለውጢ ክመጽእ ማለትሲ፣ ስርዓተ ሕግን ዲሞክራስን ክህሉ ማለት ክሕለም ዘይካኣል እዩ። እንታይ ድኣ ካብታ ባዕሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትይዋ ዝነበረ፣ ዓቕሉ ጸቢብዎ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝውዕለላ ዝነበረ፡ መንቃራቕሮ ክወጽእን፣ እቲ ብሰንኪ ናዕቢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመጸ መስርሕ ለውጢ፣ ኣብ ስርዓተ ኢትዮጵያ ተጠቒሙ፡ንህዝቢ ከዳናግር ክመቓቕል ምኽኣሉ እንርእዮ እንዕዞቦ ብናህሪ እንካታዓሉ ዞሎና ኩነትን ህሞትን ኢና ዘሎና። ክምቲ ማክያቨሊ ዝብሎ ‘’ኩሉ እቲ እትገብሮ ዋላ ዝኸፍአ ስጉምቲ እናወስድካ፣ ነቲ እስኻ እትበጽሖ ሽቶ/ዕላማ ይውቃዕ-ይብጻሕ እምበር ምኹኑይ እዩ።’’ ሶክራተ ብኣንጻሩ ‘’ ኩሉ ንህዝቢ ይጠቅም ኢልካ እትወስዶ ስጉምቲ፡መዓልኡ ኣብ ጠቕሚ ህዝቢ ስጋብ ዝኾነን፣ ንመጻኢ ውሑስ ሂወትን፣ ምዕሩይን ብጉቡእ ከማሓድሮ ዝኽእል ዕላማ ብምዃኑ፡ብቐሊል እትወስዶ ውሳኔ ኣይኮነን፣እንታይ ደኣ ግደታውን ናይ ህዝብታት መበት ስለ ዝኾነ እዩ’’።

እዞም ክልተ ዓበይቲ ፍላስፋታት ዝበልዎ፡ ናይ ምኪያቨሊ፣ ስርዓታት ዝወስድዎ ስጉምቲ ክይኑ፣ ገሊኦም ብዓመጽ ከም አቶ ኢሳያስ ፣ምቕታል፣ ምእሳር ምጭዋይ፣ክእተዎ ዘይብሉ ውግእ ብምስዃዕ፣ ህዝቢ አብ ተጠንቀቅ/ሁጽጽነት ክነብሩ ይገብር። ውሽጣዊ ምሕደራን ምምሕያሽ ናብራን፣ ብሓጺሩ መሰሉ ክሓትትን ስርዓተ-ሕጊ ንኽህሉ ከይጠልብን ከይቃልስን፣ዝገብርዎ ስትራተጂ/ውጥናት ዝጠቀሙ ክኸዉን ከለዉ፡ካሎት ክኣ ተጨባጣይን ዝመስል፣ ረቂቕን ደቂ ሰባት ክነጽግዎ ዘይኽእሉ ቃላትን ጥምሮ ሓሳብት እና-ተጠቕሙ ንህዝብታት ከስድዑ ወይ ክስዕብዎም ዘኽእል፣ስትራተጂ ይጥቐሙ፡፡ከም’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ብ-ዶክተር ኣብይ ዝምራሕ ዝጥቀመሎም ዘሎ ቃላት ሰላም/ፍቕሪ/ይቕረታ/ሓድጊ ውዘተን፣ኡሱራት ምፍታሕን ንኹሎም ተቛመቲ ወጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ዝንቃሳቐሱ ዝነበሩ ሃገሮም ኣትዮም ፖለቲካዉን ማሕበራውን እኮኖሚካውን ክዋሱኡን ሃገሮም ከማዕብሉ ዝብል ጽዊዕት ክገብርን፣ ካብኡ ሓሊፉ ምስኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኽፍቲ ክዛተ ንርእዮ ዘሎና ምንቅስቓስ ዘይሳሓትን ጉሉሑ-ዝርአን እዩ።

ግርም እዚ ሓድሽ ምዕራፈ-ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ቀጻልነቱ ክርአን ሃዲእካ ክትዕዘብን ክትካታተሎን ዘሎካ ኮይኑ፡ ተግባርነቱ ኣብ ጉዕዞ ክምስከር ዘለዎ ኾይኑ ይርኣየኒ።ምኽንያቱ ድሮ አብ ገለ ዝገበሮ ህዝባዊ ርክባት ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ ምስቲ ቅድም ኢልዎ ዝነበረ ዝዋቃዕ ዝመስል ዘረባ ብጭቕ ክብል ተሰሚዑ አሎ፤ ስለዚ ንስልጣንካ ምድልዳል ዝግበር persuasive ኣእማኒ/ደራዒ ስትራተጂ ከይከዉን ብጥንቃቐ ክስዓብ ዘለዎ ኮእኑ፡ እቲ ምስላ ናይ ኣቦታትና ‘’ቀልጢፍካ ኣይትንኣድ ከይትጣዓስ ቀልጢፍካ ኣይትንጸግ ተመሊሽካ ከይትጉዳእ’’ ዝብል ምስላ ምክታል ዝሓሸ ኮይኑ፡ነቲ ኣወንታዊ ክትንእድ ነቲ ጎዲሉ እትብሎ ክኣ ዓው ኢልካ ከተቃልዕ መስርሕ ዲሞክራሲ ስለ ዝኾነ፣ እቲ እንገብሮ ዘሎና እሱ እዩ። ከም ራኢየይ ናዞም ክልተ መራሕቲ ብሓጺር ከምዚ ኮይኑ ይራኣየኒ።

እዚ ኮይኑ-ግን ክስሓት ዘይብሉ፣እቲ ጉሉጽ መድረኽ ለውጢ ኩዉን ኮይኑ አሎ፡፡ እታ ናይ ሶክራተ ንህዝቢ ይጠቕም ኢልካ ትወስዶ እሞ-ክኣ ህዝቢ ከተእምኖ ኪኢልካ፣ ሲዑቡካ፣ ናዕቢ ኣልዒሉ ክኸፍሎ ዝኽእል peril ሓደጋ /ድንገት/ፈተነ ሻቕሎት ተኽእሎ ከም ዘሎ፣ ኣብ ግምት ብምእታው መሰረታዊ ለውጢ ብህዝቢ ተካናዊኑ፡ ስልጣን ህዝቢ ባዕሉ ክጭብጥ ክትገብር ዝካየድ ጻዕሪ፣ ምስክርነቱ ህዝባዊን ትካላውን ዲሞክራስያውን ዘስምዕ ኣዛርባ እየ ዝመርጽን፣ እሱ ክኣ እዩ ዝኽተል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።ሪኢካዶ ሓጺርን ዜጋታትና ዝርድእዎ ጌርና ንዛረብ ኢልካ ከም ዝነበርካ ራሲዐ ዘይኮንኩስ እዛ ለውጢ ትብል ቃል ንገዛእ ርእሳ ዓባይን ሰፊሕን ኣርእስቲ ስለ ዝኾነት፣ንመልሰይ ከሕጽሮ እውን እንተ ፈተንኩ ከም ዘንዋሕኩ ይርዳኣኒ እዩ፤ስለዚ ይቕረታ።

ሓ. ጸገም የለን፣ ይርዳኣኒ እዩ እቲ ኣርእስቲ ሰፊሕን ዓቢን ስለ ዝኾነ፡ጸሙቕካ/ሲንታሲ ከተቕርቦ ምፍታንካ የመስግን፡፡

እዛ ለውጢ ትብል ቃል ካብ ጹቡቕ ናብ ሕማቕ፣ ካብ ሕማቕ ናብ ጹቡቕ፣ ምልውዋጥ/ምግባጥ ከም ዝካኣል ይርዳኣኒ፤ ምኽንያቱ ከምቲ ዝገለጽካዮ፡ሂወትን መልክዕን-ኣናባብራን ዓለምና ስነ-ኣከባብያዊ/ኢኮሲስተም ብተፈጥራዊ ይኹን፣ ብሳዕበን ግብርታት ደቂ ሰባት፣ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝተኻየደን ዝካየድ ምህላዉ እንግንዞቦ እንድዩ፡እዚ ዓለምላኻዊ ይኩን ዞባውን ሃገራውን ዝርአ ዘሎ ለውጥታት እውን’ተኾነ ዓሚቑን ሰፊሕ መጽናዕቲን ትንታነን ዝሓትት ምዃኑ እዉን ይርዳኣኒ እዩ። ኮይኑ ግን ትንክፍ ከነብሎ ምግንዛብና ከነቐመጠሉ ስለ ዝሓሰብኩ እየ።

ሓ. ተመሊሸ ዝሓተካ ሰልፍኹም ነዚ መድረኸ ለውጢ ብኸመይ ገጢምዎ ? ከመይከ ትካታተልዎ ኣለኹም ?

መ. እዚ ዓይንት ሱር-ነቀል ለውጢ ናይ አቶ ኢሳያስ፣ዋላ’ኳ ከም ባህርያት ናይ ሓደ ውልቀ መላኺ እትጽበዮ እንተኾነ፣ስጋብ ዝሓለፈ ወርሒ june ወያነን ኣባለገታቱን፣ኣብ ርእሰና ዝገብርዎ ዘለዉ ግፍዕታት፣ብሰንኪ እሳቶም ዝኣለምዎ እገዳ፣ ከንበርኹኹና ዝጻዓሩን ዝጽዕሩ ዘለዉ ብሳላ ጽንዓትና ኣፈሺልናዮም፣ኣይተምበርከኽናን ኣይንክንብርከኽን ኢና። እናበለ ክምድርን ክዝልፍን ፣ወያነ ኣመሪካ ካልኦትን፣ ጸላእቲ ዓንቀጽቲ ኣለዉና እናበለ ክውንጅል ዝውዕል ዝነበረ፣ ብሃንደበት ብዝመስል ኣጋባብ፡ እቲ ካብ ነዊሕ ብታሕቲ-ታሕቲ ክስርሓሉ ዝጸንሐ፣ሚዛናት ኣብ ውሽጢ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ.ን፣ ብናዕቢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመጸ ለውጢ፣ አቶ ኢሳያስ፣ብጻዕሩ ዝመጸን ነቲ ኣብ ውሽጢ coalition ልፍንቲ/ቅንጅት ኢህወደግ ዝካየድ ፖለቲካዊ ውድድር፡ ኣብ ውሽጡ ኣቲካ፣ ነቲ ፈላሊኻ ጠቕምኻ ኣማልእ ዝብል ባህርያቱ ብምጥቃም፣ ኣብ ማእከል ጉዳይ ስርዓተ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ኣትዩ ከምዚ ንሱ ዘምጽኦ ለውጢ-ሚዛን ዝመስል game-over ተዋስኦ ወያነ ተውዲኡ እዩ ክብል ተሰሚዑ። ብዘይ ጽንሓለይ ክኣ ኣስመራ ኣዲስ-ኣበባ ብተገላቢጦሽ ዝርአ ዝቐነየን ዝቅጽል ዘሎ ትያትር፡ ዘገርም እዃ ይኩን’ምበር ተጠጅኡ ካብ ነዊሕ ዝተሰርሓሉ ምዃኑ ርዱእ’ዩ ክባሃል ይካኣል።

ሰልፍና ነቲ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተዋህበ ኣዋጅ፡ ብ-ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ.ን ባይቶ ኢትዮጵያ ዘጽዶቖ፣ብዘይ ቅድመኩናት ንውዕል ኣልጀሪን ብይን ሀግ፣ኣብ ግብሪ ክንትርጉሞ ቁሩባት ኢና፣ ምስ በለ ብምጎስ ክቕበሎ ከሎ፣ን-ወዕል ኣልጅሪን ብይን ሀግን ሕልኽልኽል አቢሉ ሒዝዎ ዝጸንሐ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዝነበር ቅድመ ኩነት፣ ብምንባሩ እናዘከረ፡ሕጂ’ውን ትጽቢትን ዘይትርጎም ኣዋጅ ኮይኑ ከይተርፍ፡ቕድሚ ኩሉ ዝስራዕ ዶብ ምሕንጻጽ ግብራዊ ክኸዉን ነታ ብሕጊ ንዓኣ ዘሪኢ ኮሚሽን-ዶብ ሕቡራት ሃገራት፡ ስርሓ ክትጅምር ጽዊዒትና ኣቕሪብና፡፡ክልቲኦም ስርዓታት ብዘይ ውዕል-ሕድር ምሕንጻጽ ዶብ ምጅማር ከተግብሩን፣ ነቶም መሬቶም ዝትንክፎም ህዝብታት ጠለባቶም ክሰምዑን፣ ፍትሓዊ መልሲ ክህብዎምን ከሳትፍዎምን ኣማሕጺኑ።እዚን ካልእን ዝሓዘ ወጋዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

ከም ኩላትና ዝተረዳእናዮ እንረዮን ዞሎና ግን፣ ጉዳይ ዶብ ናይ መጠረሽታ ዝሕሰበሉ ወይ ክኣ ከይተሓንጸጸ ዝጻንሓሉ ኣሰራት እናረኣና ኮሎና፡ ድሮ ካብ ናብ ብ-ኣየርን ምጓዓዝን ናይ ተለኮሚኒከሽን መስመር ተኸፊቱ፣ህዝብታት ክራኸቡ ዝምድናታቶም ከሐዱሱን፣ብዝብል ምስምስ ናይ ሸፈጥ ፖለቲካን፣ መስርዑ ዝስሓተ ኣጋባብ ክኸይድ ንዕዘብ ኣሎና።

ኣብ ወጋዓዊ መግለጺና፡ንህዝብና ዝጠመተ ብዘሪኢ፡ ኣብዚ ሓዲሽ መድረኸ-ለውጢ፣ ናይ ፖለቲካን ሕልናን ማዕክናትን ኡሱራት ብቕጽበት ይፈትሑ፣ እቶም መጠርሽታ ዘይብሉ ኣብ ኣጎልጉሎት ዕስክርና፣ ተቆሪኖም ዘለዉ መንእሰያት፣ ክጣየሱን ኑብር ሂወቶም ምስ ስድርኦም ከካይዱ፡ ሕግን ፍትሕን ክነግስ ቛዋም ክትርጎም፣ ዕርቅን ሰላምን ፍቕርን ይቕረታን ኣብ ሃገርና ክነግስ፣ ምእንቲ ኩላትና ሓቢርና ድምጽና ነስማዓሉ እውኑ ሕጂ ምዃኑ ጸዋዒት እማመ ኣስፊሩ ይርከብ።

ብተወሳኺ ሰልፍና፣ንኹሉ አብ ዲያስፖራ ዝርከብ ዜጋታትና፣ ስጋብ እዛ እዋን እዚኣ ገለና ተቓውምቲ ገለና ደገፍቲ፣እቲ ዝበዝሐ ክኣ ኣጽቂጡ ተዓዛባይ ዝጸንሐ፣ እዋኑ ክም ህዝቢ ዓው ኢልና፡ ንድለይትናን፣ መሰልናን ድምጽና እነስማዓሉን ንጠልበሉን እዩ፤እናበለ ምሕጽንታ ናብ ህዝቡ ዘቕረበን ዘቕርብ ዞሎን እዩ።

ከም ዝርአ ዘሎ እዚ ዉዑል ናይ ክልተ መንግስታት፣ብፍላይ ብስርዓተ ኣስመራ ናቱ ውራይ እምበር ናይ ህዝቢ ከምዘይኮነ ገይሩ እዩ ዝዋሳእ ዘሎ። ስለዚ ሕጂስ ይኣክል ብሽም ሕዝቢ ምሽቃጥ/ምጥላዕ፣ ውራይና ባዕልና ባኣናን ክንብል ክንበቅዕ ኣሎና እየ ዝብል።እዚ ታሪኻዊ-መድረክ ከየምልጠና ካብ ምልባው ኣይክዓርፍን/ኣይክንዓርፍን እየ/ኢና። ብወገን ሰልፍና እቲ ኹሉ ንህዝቢ ማእከል ዝገብር ተቦግሶታት ካብ ምስታፍን ክሕይል ምጋብርን ኣይከነቛርጽን ኢና፣ ምኽናያቱስ ታሪኻዊ ኣማጻጽኣናን ከነትርግሞ ዘሎና ጉዳያት ብምዃኖምን፣ሕልናና’ውን ዝድርኸና ስለ ዝኾነ እዩ።

ብወገን ደምበ ፍትሒ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓዲሽ መድረከኸ-ለውጢ፣ ኣብ ናይ ህዝቢ ጠቕሚ ክንዋሳእን፣ክፋላልየና ዘይኽእል ሰነዳት ብምንጻፍ፣ንዝበዝሐ ህዝብና ክጥርንፍን፣ከዋሃህድን፣ክብገስን፣ክሰርሕን ዘኽእል ኩነት/ህሞት ተፈጢሩ ስለ ዘሎ፡ ልቦናን ነዊሕ ምጥማት ከድልየና እዩ። እታ ክንደይ ደምን ዓጽምን ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር፣ ሕጂ ናይ ቕዋማዊትን ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዲሞክራስያዊትን እትኾኖሉ እዋን እዩ ዝመስል ዘሎ’ሞ ብሓባር ንበገስ ይብል።

ንቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ክኣ ብሓደ ድምጺ እነስማዓሉ፡ረዲዮ ተለቪጂን ሃሉይና ኣጆኻ አብ ጎንኻ ኣሎና ክንብሎን፡ ደቀይ ኣበይ ኣለዉ ? ሓወይ ሓብተይ ኣበይ ኣለዉ ? እናበለ ንፍትሕን መሰልን ግዝኣተ-ሕግን ክጽውዕን፣ ኣብ ኣዳባባይ ወጺኡ ድሃዩ ከስምዕ ለይቲ ምስ መዓልቲ ከነተባብዖን ከነባራብሮን ይግባእ ይብል።

እንተ ንኹለን መጋባእያታት ዓለም በዚ ናይ መንግስታት ኢትዮጵያን ናይ ሶማል ዝተሓወሶን፣ከምኡ እተን ብድሕሪ መጋረጃን ቁሉዑን ነዚ ናይ ዶብ ክሕንጸጽ ቅሩባት ኢና፡ ዝብል መልኣኽቲ ተሞርኲሰን፡ዕርቅን ሰላምን አብ ሞንጎ እዞም ክልተ መንግስታት ተተግቢሩ እናበላ ናይ ደስተአን የውሃና ዝልእኻሎም ዘለዋ፡ ብወገና አንጻር ሰላምን-ዕርቅን ከምዘይኮና፣ ግንከ አብ ሞንጎ እንታይ ዓይነታት መንግስትን፣ ኩነታት ህዝብን፡ እዩ ክካየድ ዝኽእል ዝብል፣ኑጹር ፖለቲካዊ ትንታነ ከነቕርብን፡ ህዝብና ካብቲ ዓዘቕጢ ጭኮኒ-ስራዓተ ውልቀ መላኺ ከምዘይወጸን፣ፖለትካውያን ይኩኑ ጋዘጠኛታት መንፈሳውያን ኣብ ቤት ማእሰሪ ይበልዩን፡ መስል ዝባሃል ኣብ ኤርትራ ከምዘየሎን፣ ብጉቡእ ከነብራሃሎም፡ እቲ ትብልዎ ዘለኹም ዕርቂ፣ ውሕስነት ከምዘብሉ ኢልካ ምምጓትን፣ደሞክርሳውያን ባእታትን ውድባት አብ ጎንኻ ጠጠው ኢሎም ክታሓባበሩኻ ምግባር፡ሎሚ ካብ ትማሊ ዝኸበደ-ጻዕሪ ይኹን’ምበር፣ ብሓይሊን-ጽንዓትን ክስርሓሉ ዘለዎ ኩነት ወይ ባይታ እዩ። እዚ ግን ናይ ኩሉና ሓባራዊ ስራሕ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ።ኮይኑ ግን ብፍላይ እዞም አብ ሃገራት ምዕራብ ንርከብ ዜግነት፡ነተን ንቕመጠለን ሃገራት፣መንግስትን ዲሞክራስያውያን ውድባትን ሲቪካዊ-ማሕበራትን፣ሓቢርና ነታ-ዝተውለድናላ ሃገር፣ክኖታት ምሕደራ ፖለቲካን፣ መናባብሮ ህዝብናን፣ ክንገልጾሎም ኮሎና፣ንጠቕሞምን ንዝኣምንሉ ዕላማን ክብሉ፣ ክታሓጋጉዙና ከም ዝኽእሉ ኣይጣራጠርን።

ምድግጋም ደኣ ከይኸዉን እምበር እዚ ሓዲሽ መድረኸ-ለውጢ፣ ሓቢርካ ክትሰርሕን እቲ ካብ ኢድካ ሪሑቑ ዝመስል ዝነበረ መስርሐ ባይታ ባዕሉ መጺኡ፣ እዚ ውልቀ መላኺ ንገዘእ ርእሱ ከድሕን ክብል ንደምበ ፍትሒ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ ዕድልን መቃለሲ ባይታን ኸፊቱሉ እዩ ዘሎ፡ምኽንያቱ ካብቲ ናይዞም ክልተ መንግስታት ባዕላቶም ዝተሰማምዕዎ፣ ዶብ ክሕንጸጽ ቃል ካብ ኣተዉ፡ ድሕሪ ሕጂ ውግእ ወረ ውግእ ኣይህሉን ዝብል ካብ ተፋራረሙ፡ሕቶናን ጠለባታትናን ብህዝቢ ተቐባልነት ዝረክብሉ ባብ ተኸፊቱ ማለት እዩ።እቲ ምስ ህዝብና ከይንራኸብ ዝገብሮ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ኩሉ ወዲቑ እዩ።ናትና ጻዕርን ስራሕን ክኸዉን ዘለዎ፣ ህዝብና ብዝርድኦ ቋንቋ ምዝራብን ምቅርራብን ጥራይ እዩ ዘድሊ፡ታሪኻዊ መድረኽ ከየምልጠና ኣብ ምጥቃሙ ንጓየ ክኣ ይብል።

ሓ. ብጣዕሚ ጹቡቁን exhaustive ምሉእ ዝኾነ መግለጺ ነታ ለውጢ ትብል ቃል ኢልና፣ ነቒልና እኹሉን ብሩሁን ትንታነ ምቕራብካ እና ኣመስገንኩ ናብ ዝመጽእ ፍቓድካ እንተ ደኣ ኮይን ብዛዕባ ሰላም/ፍቕሪ /ይቅረታ ዝብላ ኣምር ክንዝተየለን ይዕድመካ፡፡

መ. ጸገም የለን ብወገነይ የቐንየለይን ኣሳልጦ ዘለዎ ስራሕ ክኾነልካ ይምነ።

ሓ. ተልእኾና ንሕዝቢ ምሕባርን ምልላይን ስጋብ ዝኾነ ብትዕግስቲ ምስራሕ ከም ዘድሊ ምርዳእ ከዲሊ እዩ።

ብድሓን የራኽበና

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ብ’ፍትዊ ክፍለ

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ እነሆ፡-

ዘተ ምስ ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡-   ቀዳማይ ክፋል  ካልኣይ ክፋል  


Share with friends:

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር:-

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Asmarino | Eritrea: ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ - ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና



Share with friends: