ነጸብራቕ(reflection)ሰላማዊ ሰልፊ ጊነቭራ

07/09/2018 00:15 AM

ነጸብራቕ / ስንጸት(reflection)

ሰላማዊ ሰልፊ ጊነቭራ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ

ሰላማዊ ሰልፊ ጊነቭራ

ነጸብራቕ/ስንጸት(reflection)ሰላማዊ ሰልፊ ጊነቭራ
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሰላም ኩቡራት የሕዋት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፣ከመይ ቀኒኹም፡ሎሚ ነቲ ብዙሓትን ሙሉእነት ወይ ካብ ኩሉ ህዝብና ዝተሳተፍዎ፣ዕዉት ሰላማዊሰልፊ ጂነቭራ፡ከመይ ነይሩ-ዓይነቱን ኣካያይድኡን ኣብ ተሳተፍቲ ዝነበረ ስሜዕት፣ ብናተይ ኣጣማምታን/ኣታራጓጉማን ከዘንትወልኩም ክፍትን ከለኹ፣ስጋብ ክንደይ ንልብኻ ዝትንክፍን ስሚዒት-ቃልስኻ ዘደልድልን ንክትቅጽል ዝዕድምን ምዃኑ፡ንኹሉ ንፍትሒ ዝቃለስ ዘበለ ነቶም ዝተሳተፉ ይኹኑ ነቶም ብመረኻቢ ብዙሃን ዝተኻታተልዎ፣ሩኡይ ህዝባዊ ምልዓልን ጠለባቱ ዘስማዓሉ ባሕቲ መስከርም ዝዝከረሉ መዓልቲ ብ-ናተይ ነጸብራቕ/ስንጸት ከቕርቦ ክፍትን እየ።

ከም ኩላትና እተዓዘብናዮ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ፣ብኣዳለውቲ ፈስቲቫል ንዕለት31/08/2018 ዝተመርጸ ቀንዲ መበገሲኡ ነዚ ናይ ስርዓት-ኣስመራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ዕርቂ ዝቕጽል ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጉዕዞን ብዘይ ድልየትን፣ ፍቓዱ ዘየንበረሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንታይ ደኣ ብድልየትን ወሳንነት ስርዓተ ኢሳያስ ምዃኑን፣ ዘይሓቃውን ርትዓውን ዝኾነ መስርሕ ሰላም ኢሎም ዝጽውዕዎ ፡ናቱ ተጻራርነት/ኣንጻርነትን ንምስማዕን ዓው ኢሉ ንሕና እንደልዮ ሓቃዊ ሰላምን፣ ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓተ- መንግስቲ ሕጋዉን ቅዋማዉን ክኸዉን ከሎ እዩ ክብል ፣ካብ ብዙሕ ክፍሊ ዓለም ዝሳተፍዎ ንክኸዉን ብኡ ኣቢሉ ንባሕቲ መስከረም ንሃገራዊ ናጽነት ብረታዊ ተጋድሎና ‘’ ሀ ‘’ ኢልና ዝጀመርልናላ ዕለት ምዝካር ከም ዝኾነ እዩ። ብዛዕባ ባሕቲ መስከረም መሰረታዊ ሃገራዊነት፣ህዝባዊ ሓርነትን ንምጭባት ዝተበገስናሉ ዕለት ምዃኑ ንምዝካር ጥራይ ዘይኮነስ፣ቃልስና ቀጻሊ ምዃኑ ቃል-ኪዳን እነሐደሰሉ፣ጉዕዞን ሓፈሻዊ መደበ ስርሓት ቃልስታትና እንግምግመሉ፡ብዝበለጸን ብተበግሶ ህዝቢ ሓድነታዊ መስርሕ ዝካናወለሉ ምድህሳስ ዝነቐለ እዉን እዩ፡፡

እዚ ብዕለት 31/08/2018 ሰለማዊ ሰልፊ ጅነቭራ ዝነበረ ጦብላሕታ/ ስሚዒት / ተዘክሮ / ዜማ / ቃና / መሎዲ ነቲ ብሓርበኛታት ዝተጀመረ ብረታዊ ቓልስና ምዝካርን ን-ሕድሮምን ሓድነታዊ ውርሻ ኣቦታትና ምትርጓምን፣ካብ ኩሉ ክፍሊ ኣለም ዝሳተፎን ዓው ኢሉ ድምጹን፣ንደላይ ፍትሒ ወኪሉ ተቛሙኡን/ተጻራርነቱን ዘስማዓሉ፣አይብርከኽን ኣይዕጸፍን፣ ልእላውነተይ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣየውርድን፣ ሓድነት ህዝበይ ፋሕ-ፋሕ ኣይብልን እምቢ ንምብትታን፣ መብጽዓ ሓርበኛታትና ኣብ ግብሪ ክንትርጉም ኢና እንብለሉ እዩ ነይሩ።

ብዝተረፈ ብዛዕባ ባሕቲ መስከረም ብኩሎም ተወዲቦም ይኹኑ ውልቀ ሰባት ብዙሕ ክትንተንን ይጽሓፍን ስለ ዘሎ ብወገነዝ ነቲ ኣብ ጅነቨራ ዘንጻባርቕ ዝነበረ ህዝባዊ ጠለብን ድልየትን፣ኣጋባብብዓቕመይ ከዘንትዎ/ክትርኽ ክፍትን እየ።

ኩላትና ከም እንፈልጦ ብኹሉ ዓይነት መራኸቢ ቡዙሃን፣ኮልና ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ጅነቭራ ንጓዓዝ ዝብል ዘመተ/ፕሮፓጋንዳ/ዘርገሓ ክካየድ ወሪሑ።

ካብ ዝተገንዘብክዎ ካብ ኩሉ ክፍሊ ዓለም ዝነበርዎ፡ካብ ኣመሪካ ከይተረፉ ዝመጹ ከም ዝነበሩ፣ ብስራሕ ኣብ ኣፍሪቃ ነይሮም ነዚ ኣጋጣሚ ከይሓልፎም ብምባል ዝተረኽቡ ከም ዝነበሩ ኣብቲ በቢ ወገና እንገብሮ ዝነበርና ዝርርባት ክርዳእ ኪኢለ።

ተገዳስነትን ክተርፍ የብለይን ዝብል ሓርበኛ ተቓላሳይ ንለውጢ ክትሪኢን ክትሰምዕን ከለኻ ሞራልካ/ፍናንካ ሓፍ ይብል።

ካብ ሰዓት 9.30 ንግሆ በርሊን ኣቋጻጽራ ጀሚሩ፣ በቢ ዘለዎ ናብቲ ተሓቢርሉ ዝነበረ ቦታ Parc des Cropettes ክውሕዝ ጀሚሩ ድሕሪ ምትእኽኻብ ስዓት 11.30 ኣቢሉ ይኸዉን መራሕቲ ሃይማኖታት ብቕድሚት ክስርዑ ከለዎ፣ኣብ ቅድሚኦም ሓደ ነዊሕን ሰፊሕን ነጸላ ብመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተታሕዘ፣ንሕና ሰላም ዘይንነጽግ፣ል እላውነትና-ሓድነትና ቅድም እንሰርዕን፣ ግዝኣተ-ሕጊ ፍትሒ ንምምጻእ እንቃለስ፣ ቃል ህዝብና ከነስምዕ ዝመጻእና ዝመስል ጭርሖ ሒዞም ካብ’ቲ መንቀሊ ቦታ ክብገስ ጀመረ።

ናይ ፖሊስ ካሚዮንን ዝተፋላለዩ ፖሊስን፣ ኮሚተ ርእሰ ምክልኻል ናይ ቀይሕ መስቀል ኣውቶ-ብላንስ ዘለዎ ወይ ተሰንዩ ነዊሕን ዘይጥረሽ ዝመስል መስርዕ/ሰልፊ ብስነራዓት ድምጹ ከስምዕ ክትርኢ ከለኻ ኩርዓት ይስማዓካ፡፡

እቲ መስርዕ/ሰልፊ ድሕሪ እቲ መሰረታዊ ንሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ጹሑፍ ዝሓዘለ ነጸላ፣ ናይተን ዓበይቲ ሃይማኖታት መራሕቲ ካብ ተዋህዶ-ካቶሊክ-እስልምና ኢድ ኒኢድ ተታሓሒዞም ክጓዓዙ ክትሪኢ ከለኻ፣ አብ እምነታትና ምፍልላይ ከምዘየለ ምስክር የረጋግጽ፡፡

ብድሕሪ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ካብ ህዝቢ ዓበይትን-መንእሰያትን-ደቂ ኣንስትዮን ተሓዋዊሶም ሓድነት ህዝብና ዘርኢ ብጉቡእ ተሰሪዖም ክትዕዘብ ከለኻ፣ ነቲ ተፈጥራዊ ሓድነት ህዝቢ ብማንም ዓይነት ክፍንጣሕ/ክዝረግ ከምዘይካኣል ምስክርን መራጋገጺን እዩ።

እቲ ዘሕብን ውዑይ ተካኢ ትውልድታት ዝኾነ መንእሰይ፣ኣብ ርእሱ በቢ ዓይነቱ ጭርሖታት ከም ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን፣ ሃገረይ ኤርትራ፣ እምቢ ንምልኪ፣ ህዝቢ ኣይምቀልን፣ መሪየትና ኣይንህብን፣ ንመሰልና ድሕር ኣይንብልን፣ዜግነትና ኣይነጥፍእን፣ ልእላውነት ሃገር ቅድም፣ ሓድነት-ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ፣ እወ ንሓቃዊ ሰላም፣ ሰላም ቅድም ኣብ ሃገርና፣ ዶብ ይትሓንጸጽ፣ ዲሞክራሲ ይንገስ፣ ምልኪ ይውደቕ፣ ቅዋም ይተርጎም፣ ፍትሒ ይንገስ፣ ኡሱራት ፖለቲካ ይፈትሑ፣ ናይ ሕልና ኡሱራት ይፈትሑ፣ ናይ ሚድያ ኡሱራት ይፈትሑ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት የብቅዕ፣ሰላም ምጾታ አይኮነን …ወዘት ዝብል ተጠንጢኑ፣ ባንደራ ኤርትራን ፣ናይ ግዜ ፈደረሽን ዝነበረትን ዕላማ ብረታዊ ቃልስና ዝኾነት ባንደራ ከበንብላ ጥራይ ዘኮነስ አብ አካላቶም ተጐምጒሞም ከም ልብሲ ተኸዲኖሞ ን-ኣቦታትና ዘስረከቡና ናጽነት ብሓድነትና ክንካላኸለላን ነቲ ሓርነታዊ ቃልሶም ክንቅጽሎ ኢና፣ ኢሎም ዝጭርሕዎ ክትርኢን ክትሰምዕን ከለኻ፣ ኣዛ ሃገር ሰብ አላእዋ እዩ ዘብለካ፡፡ብተወሳኺ ህዝብና ሓድነቱን፣ ድልየት ዲሞክራሲ-ግዝኣተ-ሕጊ፣ ክብሪ ባህልታቱን እምነቱን ዘመስክር፣ ህርፋን ፍትሒ-ሓርነት-ሓድነትን፡ንሕጊ ዝምእዘዝ-ንምዃን፣ስጋብ ክንደይ ተቐራብነቱ የብርሃልካ፡፡

እቶም ተቐማጦ-ህዝቢ ጅነቭራ ነዚ ሰፊሕን ብስርዓት-ድልየቱ ጠለባቱ ዝገልጽ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ብምርኣይ ወኸሰታቱ እንታይ እዩ እቲ ሽግሮም ? ጸገማትኩም እንታይ እዩ ? ንዝብል በቢ ዘለውዎ መግለጺ ይረኽቡ ብምንባሮም ደገፋቶምን ተገዳስነቶምን ብምርኣይ ጹቡቕ ገይርኩም፡ሞራላዊ ደግፍናን ብሓሳብ ምሳኹም ከም ዘሎና ዝብል ዘታባብዕ ቓላት ይስማዕ ነይሩ።

እቲ መስርዕ/ሰልፊ ከምቲ ዝተገልጸ ኮይኑ እቲ ብዝሒ-መንእሰይ ናይ ክልቲኡ ጾታታት ክኸዉን ከሎ ኣብ መጠረሽታ ዝተዓዝብክዎ ተጋደልቲ ዝነበሩ ኣካሎም ዝጎደሉ፣ ግናኸ ሕልና ቃልሶም ዘይተተንከፈ ኣብ መጠረሽታ ተር ብምባል ምስክር ቃልሲን ምውርራስ ዘመልክት፣ ንሕና ብብረት ተቓሊስና ሃገር ናጽነት ክትረክብ ኣብቒዕና፡ንድልየትን ትንቢት ስዋኣትናን ህዝብናን ዓምጺጹ፣ ብዘይ ቅዋምን ሕግን ዲሞክራስን ዝገዝእ ዘሎ ውልቀ መላኺ ካብ ስሩ በንቚርኩም፣ ብሕግን ቅዋምን ዲሞክራሲያዊት እትማሓደር ሃገር፣ስልጣን ናይ ህዝቢ ካብ ህዝቢ ዝብል ዕላማ ንምምጻእ፡ናባኹም ነማሓላልልፎ/ነሳጋግሮ፣ንሕና ብወገና ንዝካየድ ቃልሲ ነባራትዖ ምስክር ዝሓለፈ ቃልስታትና ንተመክሮ እና ገለጽና ነቲ ባኣታትና ዝተገብረ ገጋን ገበናትን ከይድገም ነዝኻክረኩም ዝመስል ዓቢ ትምህርቲ ዝሓዘ ስነስርዓት ምትሕልላፍ ዝኣመተ ከትርእን ከተስተብህልን ከለኻ፡እዋእ ብኸመይን መን’ከ ከምዚ ገይሩ ሰሪዕዎ ዝብል ሕቶ ይመጸካ።

ካብ ዝረኸብክዎ መልሲ ዋላ ሓደ ብዘይካ ነቶም መራሕቲ ሃይሞኖታት ዘርኢ ብቕድሚት ክመርሑና ካልእ እቲ ህዝቢ ዘገበሮ ርእሰ መስርዕን/ሰልፍፋዊ ኣጋባብ ምዃኑ ክበርሃለይ ኪኢሉ።እዚ ዘገርም ኣጋባብ ቃልሲ-ህዝብና ኣብ ደሙ ዝሰረጸ ባህሪ-ሓርነትዊን ናጽነታዊን ምዃኑ ይርኣየካ፤ዘዋሃህዶ ድኣ ሲኢኑ እምበር፣ ዘይዕገት ማዕብል ሓይሊ-ህዝቢ ከም ዘሎ ኢኻ እትግንዘብ። እዚ ክኣ ውሕስነት ነቲ ይርሓቕ ይቕረብ ክመጽእ ዘለዎ ፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን’ዩ ዘራጋግጸልካ።

ኣብ ጥቓ ሰዓት(ሓደ)/13 ኣቢሉ ኣብቲ ኣዳባባይ ፊት ኣዳራሽ ሑቡራት-ሃገራት ዘሎ፣ ምስ በጽሐ፣ እቲ ፕሮግራም/መደብ ክጅመር ከሎ ንሓለፍቲ ሃይማኖታት ብጾሎት ክኸፍትዎን፣ዝኽረ ስዋኣትና ናይ ሕልና ጸሎት ን-ሓደ ደቒቕ ብተጠንቀቕን ጸጥታን እዩ ተኸፊቱ።

ቀጺሉ በቢሓደ መራሕቲ እምነታትና ቃላቶም ብምስማዕ፣ብትግርኛን ዓረበኛን ነቲ-ተረኺቡ ዝነበረ ህዝቢ እና ኣመስገኑ ኣብዚ ተረኺብና ዞሎና ን-ሰላም እታ ሓቃዊ ሰላም ከነራጋገጽ ምዃና፣ ህዝብና ብማንም ዓይነት ንሰላም ነጺጉ-ከምዘይፈልጥን፣ እቲ ሓደ መስከረም ዝተጀመረ ብረታዊ ተጋድሎና እውን እንተኾነ፣ ንሰላም-ንሓርነትን-ናጽነትን እምበር ንኻልኦት ህዝብታት ወይ ዓድታት ንምጉባጥን ንምዕምጻጽ ኢሉ ኣይኮነን። ስርዓት ኢትዮጵያ ነቲ ብሑቡራት ሃገራት ቅሪቡ ብዘይ ድልየቱ ፈደረሽን ተቐሪኑ ዝነበረ ከይኣኽሎ ፣ባዕዳዊ ገዛኢ ሃይለ ስላሰ ውዕል-ፈደረሽን ሰቢሩ ብሓይ፣ መበል 14 ጠቕላይ ግዝኣቱ ክገብራ ስለ ዝፈተነ፣ ህዝብና እምቢ ኣይንድመርን፣ ልእላውነትና ሓድነትና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ብምባል ዝተበገሰ ብ1991 ብሓይሉ ዝተጓነጸፈ ናጽነት፣ ብ1993 ክኣ ናጽነት ሃገር ጻዓትን ድልየትን ህዝቢ ምዃኑ ብረፈረንድም ገይሩ 99.8 እወ ንናጽነት ዝበለ ምኹኑ፣ ንምዝካርን ሕጂ እዉን እንተኾነ እምቢ ንምድማር፡ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን እያ፡ከም ሃገር ብሓይልናን ብድምጽናን ዘራጋገጽናያ ሕጂ ሓደ ህዝቢ ክብሉና፣ዶብ ሰብ ዝገበሮ-ኣርቲፊቻል ኩብሉና ከለዉ፡ኣንቱም ጠለምቲ-ሕድሪ ስውኣትና ኩለን ዓለማት ባዕላተን ዝፈጠረኦ ዶባትን ልእላውነትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእትውኦን እየን።ንሕና እውን ነቲ መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣይነእትዋን።

እንተ ንሰላም ምስ ጎራባብትን ሃገራት ከም መስርሕን ስነ-ሓሳብን ዝጸልኦ የለን። ኮይኑ ግን ሰላም ቅድም ኣብ ዓድኻን ምስ ህዝብኻን ይግበር እሞ፣ንኹሉ ዝጥርንፍ ኣሕቢሩ ዝሕዝን ቁዋምን ስርዓተ-ሕግን ናጽነት ደቂ ሃገርን ምስ ኣራጋገጽካ ምስ ጎራረብትኻን ካልኦት ሃገራትን ዝግበር መስርሕን ምቅርራብን-ዕርቅን ብሕጋዊ ኣጋባብ ክካየድ ድልየት ናይ ህዝብና ምዃኑ ዝሳሓት ኣይኮነን።

እዚ ውልቀ መላኺ ዝገብሮ ዘሎ ውዕላትን፣መስርሕ ሰላም ኢሉ ዝጽውዖ፣ባዕሉ ንበይኑ ዘካናውኖን ንህዝቢ ዔርትራ ዘየሪኢን ዘየሳትፍን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ግዜ-ስልጣኑ ምንዋሕን ካብታ ባዕሉ ተዓጽዩላ ዝነበረ ቤት-ማእሰርቲ ንምውጻእ ኢሉ ዝተጠቕመሉን፣ዝጥቀመሉ ዘሎ ስትራተጂ/ውጥን ክዕወት ከምዘይክእል ምስክሩ እዚ ሎሚ ተኣኪብና እምቢ ንዘይ ርትዓዉን ሓቃውን ሰላም/ውዕል እዩ ዝብል ዝነበረ፡፡

ምንም’’ዃ እዚ ሰይጠናዊ ስርዓት ንእምነትና እና-ኣሰረን እና-ኣፋራረሐን ክፋላልየና እንተ-ፈተነ ከምዚ እትርእይዎ ዘለኹም ከም መእምናን ደቂ ሃገር ሓቢርና እምቢ ንዚ ውልቀ መላኺ ስርዓት፡ፈጺምና ኣይንፋላለን ዝብል ጹኑዕ እምነትን ሕውነትን ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ ባህልን ባህርን ምዃኑ እትፈልጥዎ ታሪኽ እዩ፡፡

ስለዚ ኩቡራት ደቂ ሃገር ንኹሉኹም ብፍላይ ክኣ እቶም ተጠርኒፍኩም እትቃለሱ ብሓፈሻ ክኣ ህዝብና እቲ ቀንድን ክብጻሕ ዘለዎ ሓቢርኩም ክትቃለሱ ናይ ሓባር-ጽላል ሃልይኩም ሓድነት እወ ሕጂውን ሓድነት ህዝብን፣መደበ ቃልስን ኣንጺፍኩም ናይ ሓባር ቃልሲ ከተካይዱ እዩ። እዚ ዓይነት ብኹሎም ሓለፍቲ ሃይማኖት ብተዳጋገሚ ተሰሚዑ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ተኻፊሉ ዝነበረ ህዝቢ ዘንጻባርቕ ንደቂ ኣንስትዮ ዓበይቲ ዓድን፣ መንእሰያትን ዕድል ተዋሂቡ ኣብ መጠረሽታ ብኣሳናዳዊት ሰላማዊ ሰልፊ ጅነቭራ በቢታራ መደረታት ተሰሚዑ።

ጹማቕ መደረታት፡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝቐረበ መደረ፣ሎሚ መዓልቲ ክብርቲ መዓልቲ ባሕቲ መስከረም እንዝክረሉ፣ እቲነዊሕን ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ብረታዊ ቃልስና ብምሉእ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ-ናጽነትና ዘብጻሕና ዝዝከር ኮይኑ፣ ከም ባህልና ኣብ ሓርነት ንምብጻሕ ዝኸፈልናዮን እንኸፍሎ ዞሎና ዋጋ ገዚፍ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዃ እንተኾነ፣ ከም ኩሎም ናይ ፍትሒ ሓርበኛታት ኣብ ቤት ማእሰርትታት ጉጅለ ህግደፍ ዝበልያ ዘለዋ የሕዋትና እና ዘከርና ቃልሰን ንቕጽሎ ኣሎናን ስጋብ ዓወት ከም ነብጽሖ ቃል ነሐድሰሉ ዕለት እዉን እዩ።

ብወገና ብዘይ ሙሉእነት ህዝብና ሙሉእ ሓድነታዊ ቓልሲ ክመጽእ ከምዘይ-ክእል ርግጽኘታት ኢና፡ስለዚ ኩቡራት የሕዋት ኩሉና ብሓባር ኣንስታይ ተባዕታይ ዓቢ ምስ-ንእሽቶይ ኢድ-ንኢድ ተዋሃሂብና ቃልሲ-ሓርነትን ልእላውነት-ሃገርን ሓድነት-ህዝብን ከነካይድ ቁሩብነትና ነራጋግጽ። ከምቲ መራሕቲ ሃይማኖታት ዘማሕጸኑና ሓድነትን ሓቢርካን ምስራሕን መሰርት ዓወትና ምኻኑ ስለ ንፈልጦ ደጊምና እወ ንሓድነት ንብል፡፡

ብወገን ዕድመ ዝደፍኡ፦ሓደ ዜጋ ወዲ 85(ሰማንያን-ሓሙሽተ) ዘዕድሚኦም ካብ ዝበልዎ፣ ኩቡራት መራሕቲ ሃይማኖት፣ ደቀይን ከምዚ ኢልኩም ብሓባር ንፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ንምምጻእ ንትቃለሱ ክንርእየኩም ኮሎና እቲ ካብ ብዙሓት ዓመታት እንጽበዮ ዝነበርና ስለ ዝኾነ ብሽም ኣቦታትኩም ኣደታትኩምን ሓጎስና ንገልጽ።እዚ ሎሚ ሓቢርኩም ብሓበር ተድምጽዎ ዘለኹም ናይ ሓቂ-ሰላም ብህዝቢ እዩ ዝራጋገጽ ዝበልክምዎ ሓቂ ኮይኑ፡ እዚ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ/ዲያስፖራ ዘለኹም ሓቢርና ኩላትና ሓደ ጽላል ገርና፣ ብሓደ ድምጺ ንዛረብን ናይ ሓባር-ስራሕ ነካይድን አሎና ክትብሉ ከለኹም፣ ንቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ተስፋ ክትህብዎን፣ ብወገኑ ናይ ገዛ-ዕይኡ ከሳልጥን ናይ እምበይታን ስጉምቲ ክወስድን፣ስርዓተ-ሕጊ ክጠልብ፣ እሱራት ይፈትሑ ክብል፣ኣብ ዘይውዳእ ሃገራዊ ኣጎልጉሎት ዘለዉ ደቅና የብቅዕ፣ እናበለ ሰውራዊ ጉዕዙ ክቕጽል ንታትና ሓድነት መሰርት ምዃኑ አይትረስዑ እዞም ደቅይ፡ ስለዚ ሎሚ ድሕሪ ናይ ኣዳባባይ ሰላማዊ ሰልፊ ን-ናይ ሓባር ጽላል ንምምጻእ እትሰርሕ ሽማግለ አውጺእኩም ቀጻልነትን ተግባርነት ቃልሲ ተራጋግጽ፣ ክትገብሩ እዩ ናይ ህዝብኹም ትጽቢት፣ ከምትዕወቱ ክኣ እምነትና ወስን የብሉን፡፡

እቲ ዘገርም እዞም ኣቦታት ገሊኦም ኣስጋኢ ዝኾነ ስነ-ኣካላቶም ብኽልተ ምርኩስ ተሞርኲሶም ካብ ሃገር ጥልዛን ብምብጋስ ካብ ደቆም ከይተፈልዩ ነዛ መዓልቲ ንምኽባርን ሕቦን ምሕጽንታን ንምሃብን እቲ ስጋብ መጠረሽታ ሂወትና ኣንጻር ምልክን ዲክታተርን ክንቃለስ ዝብል ጽንዕነቶም አብቲ ብቐጥታ ዝማሓላለፍ ዝነበረ ዩቱብ ይኹን ፍይስ-ቡክ ኮታ ሶቻል ሚዲያ ትካታተልዎ ከም ዝነበርኩም ፍሉጥ እዩ።

ብምርኩስ ዝድገፉ ኣካለ ስንኩላን ነቲ ዘስግእ ዝኾነ ሂወተ-ጥዕና እናነበሩ ክነሶም ንመስዋእቲ ቁርቡነቶም ክትርኢ ከለኻ፣ እቲ ዘይሕለል ሓበን/ንያት ደቂ ሃገር ብምርኣይ ሓበንን ሞጎስን እዩ ዝስማዓካ፡፡

ብወገን መንእሰያት፦ነቲ በቦታቶም-ኣዴታቶም-መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዝተዋህቦም ምሕጽንታን ሕድርን ንምትርጓም ቁሩባት ምዃኖም ንባህልን-ሕድርን ታሪኽና እንወርሰሉን ሓላፍነትና እንስከመሉ፤ ንስኹም ናጽነት ኣስረኪብኩሙና፣ ሓርነት ከይንረክብ፣ በዚ ውልቀ መላኺ ተጨውዩን፣ ንሕድሪ-ሱዋኣት ዝጠለመ ዝኸድዐን፣ኣብዚ እዋን’ዚ ብፍላይ ንህዝቢ ረጊጹ፡ንስልጣኑ ኸናውሕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ መስርሕ ዕርቂ፣ ናትና ዘይኮነን ህዝቢ ዘይዋሳኣሉ ዝፈልጦ ዘይብሉ ብግሉ ዝገብሮ ዘሎ ኣይንቕበሎን ጥራይ ዘኮነስ እምቢ አይንድመርን ዶብና ብደምናን ዓጽምናን ዘረጋገጽናዮ እዩ፤ሓደ ህዝቢ ዘይኮናስ ክልተ ህዝብታት ጎራባብቲ ምዃና ምርግጋጽ፣ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዲሞክራስን ንምብጻሕ፣ ሓበራዊ ስራሕ ከነካይድን ኑኹላትና ዝጥርንፍ ጽላል ክንገብር ምስ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ብምትሕብባር ነዚ ሰንካም ውልቀ መላኺ ካብ ሱሩ ተበብቊሱ ክከይድ ክንገብር ኢና።ከም ንዕወት ክኣ ዘጣራጥር የልን ኢሎም ክዝንሩ ከለዉ በደታት ዕልልታ ብሃዝቢ ጨብጨባ ኣሰንይዎም፡፡

ኣብ መደምደምታ ኣዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፊ፦ ነዚ ዓይነት መደብ ከዳልዉ ዝተደረኹ መሰረቱ ሓድነት ህዝቢ ንምርግጋጽን ሓድነታዊ ቃልሲ ምምጥጥታሕን፣ ዕላማን ራኢን ህዝቢ ተዓዊቱ፣ ቃልሱ በቲ ንሱ ዝመረጾን ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ንኽኸዉን ፣ብቐጥታ ዝዋሳኣሉን ግዲኡ ብግብሪ ዝትርጉሞሉ ባይታ ከካናወን፡ትጽቢቱ ካብተን ተወዲበን ዝንቃሳቐሳ ዘለዋ ዘይኮነስ፡ንሳተን ኣብ ውሽጢ ህዝበን ፣ ካብ ህዝበን ብህዝበን ዝዕንገለሉ፣ ተፈልየን ንሕና ክብላ ዘይኮነስ ህላወኤን ብስራሕ ኣብ ውሽጢ፣ንኹሉ ህዝቢ ዝጥርንፍ ተሰዂዐን ብግብረን፣ ብስረሐኤን፣ ከለልየንን ክመምየን ምእንቲ ህላውነተን ዘረጋገጸሉ ናይ ኩሉና ሮድ/ማፕ ወይ መደበ ስርሓትን ንዕኡ ዘካይድ ቅዋምን፣ ህዝባዊ ባይቶ ካብኡ ፈጻሚ ኣካል ንዑኡ ዝካታተልን ንግርጭታት ዝፈትሕን ኦዲተር -ዓራቕን ተኻታተሊ ስርሓትን-ንዋትን፣ከም ፈራዲ ኣካል ዝፍለጥ፣ናጻ ካብ እቶም ክልተ ትካላት ዝኮነ፡ ልክዕ ከም ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዝካየድ ኣጋባብ፣ ህዝቢ ዝመረጾም ብኽእለቶም ዘመስከሩ ካብ ወገንነት ዝርሓቑ ቡቛዓትን ውፉያትን ዜጋታትና የድልዩ ኣለዉ።እዚ ኣጋባብ መስርሕ ቃልሲ ዑዉቱን ህዝባዊ ቃልሲ ተባሂሉ ክጸዋዕ ይኽእል ዝብል እምነት ኣሎና፡፡

ከምዚ እትርእይዎ ዘለኹም ሕብረ ቤሄራዊን፣ብዙሕነት ህዝብና፣እምነትናን ብሓባር እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ፣ቑዋም ይተርጎም፣ናይ ፕለቲካን ግዚጠኛታን ሰብሕልና ማእመናን ኡሱራት ይፈትሑ፣ ዶብና ይትሓንጸጽ፣ሰላም ናትናን ካባናን፣ እምበር ዝምጾቶና/ዝዋሃበና ኣይኮነን፡፡

ሰላምን -ፍትሕን -ዕርቅን ኣብ ሃገርና ብግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስ ጥራይ እዩ ክራጋገጽ ዝኽእል፤ነዚ ጠለብ ህዝቢን ስሚዒቱን ድልየቱን ዝትርጉሙ ኪኢላታት ካብ ህዝቢ በቢ ወገኑ ካብ ሃገረትት እውሮጳ ተመሪጻ ከም ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ምስ ኩሉ ክፍሊ ዓለም፣ዘለዋን ዝወጻን ሽማግለታት ብምርኻብ፡ዓለምለኻዊ እትኾነሉ፣ ንኹለን ውድባት ይኹና ሰልፍታት ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ህዝባውያን ማሕበራት፣ ተራኺባ ናይ ሓባር ጽላልን ሰፊሕ ሃገራዉን ዲሞክራስያዉን ውዳበ ክህነጽ ምግባር። ግዚኡ ሕጅን ኽሓልፍ ከምዘይግባእን ብምርዳእ፣ አብ ኩሉ ዜጋ ሰሪጹ ዘልሎ ስሚዒት ምኻኑ ምስክሩ እዚ ሎሚ ብኹሎም ባእታትና ዝተዋህበና ምሕጽንታን ለበዋን የብርሆ እዩ። መንቀሊና ነዚ ከነዳሉ ከሎና ኣብ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ብምትእምማን እዩ፤ካብቲ ዝተተምነናዩ ኣይወጻእናን ክብሉ አዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጅነቭራ ብትግርኛን ዓርብን መግለጺ ሂቦም። በዚ መልክዕ ሰዓት 16.30 ወግዓዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተወዲኡ ናብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ኣዳራሽን ነናብ ዓድኻ ምምላስን ኮነ፡፡

ነዚ ምዕሩግን በጋባብ ዝሓዘ፡ መልእኽቱ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ናብ ኩሉ ዓለም ዘማሓላለፈ ሰላማዊ ሰልፊ ጅነቭራ፣ ኩለን እተን ኣለዋ ዝባሃላ ውድባት-ምንቅስቓሳት-ህዝባውያን ማሕበራት-ሲቪካዊያን ማሕበራት ዝተሳተፍኦ ስለ ዝነበረ፡ምሕጻንታን ድልየት ህዝበን ብጽምዋ ሰሚዔን ስለ ዝኾና፣ ናይ ምትርጓሙ ናታተን ሓላፍነት እዩ ዝኸዉን፡፡

ከም ትዕዝብተይ ነዚ ጽዊዕትን ለበውን ድልየት ህዝብን ተጎስዩ ከምዘይ ሓልፍ ርዱእ እዩ። ህዝቢ ባዕሉ ንቓልሱ ክትርጉምን ናይ ሓብር ጽላል ሃልዩ ናተይ ናትካ ዘይኮነስ፣ ናትና ናይ ኩላትና ዝብል ድምጺ ይስማዕ አሎ፤ ክዕወት እምነተን ትምኒትን አሎ።

ለበዋይ፡ ንኹሎም ንፍትሒ ዝቃለሱ፣ዝተወደቡ ይኹኑ ዘይተወደቡ፣ፕሮጀክት/ትልሚ/ኲትሚ ንሕጂን ንመጻኢን ብምእማት፣ ናይ ሓባር ስእሊ/ንድፊ ክህልወኩምን ንዑኡ ከተግበርዎ፡ ህዝቢ ዓዉ ኢሉ ይጽዋዓኩም አሎ፤ፍትሓዊ ሕልሚ ህዝብና ተስፋ-ከይቆርጽን ከይቅየምን ብጥንቃቐን ብትግሃትን ክትዋስኡ ይዕድም።

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት ከም ሉሙድ ሕጂ እዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

አብ ዝመጽእ የራኽበና

ብ’ፍትዊ ክፍለ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Live now እዋናዊ
ብቀጥታ ዝተፈነወ ናይ ተሳተፍቲ ሞባይል ቪድዮታት:-
Live Video clips from individuals:

How to Share With Just Friends

How to share with just friends.

Posted by Facebook on Friday, December 5, 2014


Share with friends: