ተራ መንእሰይ ኣብ ሃገር (1ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

29/10/2020 18:25 PM

ተራ መንእሰይ ኣብ ሃገር
(1ይ ክፋል)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ተራ መንእሰይ ኣብ ሃገር Part-1

ተራ መንእሰይ ኣብ ሃገር

1ይ ክፋል


ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ ሎሚ ኣርእስቲ "ተራ መንእሰይ ኣብ ሃገር" ክኸዉን ከሎ፡ ድሮ ብዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ እትዳሎ ዝነበረት መጺሔት "ሓድሽ ልደት ሓርነት" ፤ ድሮ ተንቲኖም ኣቕሪቦሞ ስለ ዝነበሩ፣ ኣብ ክልተ መቒልና ከነቕርቦ ኢና።

እዞም ኩቡራት የሕዋት፣ መንእሰይ ክንብል ከለና እንታይ ማለት እዩ ? ግድኡ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ እንታይ ይኸዉን ? ዝብል ሕቶ ክምልሱ ከለዉ ፣ መንእሰይ ኤርትራ’ከ እንታይ ግደ ተጻዊቱን፣ድሕሪ ናጽነት ሃገር’ከ እንታይ ረኺቡ ? ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋሁው ይዋሳእ ኣሎ ? ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ ፈቲኖም ኣለዉ ። ስለዚ ኢና ደጊምካ ክርአ ኣለዎን፣ ክንዛተየሉን ኣሎና ብምባልን፡ ብወገን እተን ኣብ ደምበ ፍትሒ ተወዲበን ክዋሳኣ ዝጸንሓ፣እቲ ዘድሊ ባይታ ቐሪበን ሓቖፍትን፣እቲ በቲ ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝወረዶም ግፍዒ መልሲ ክረኽብሉ ምትሕብባር ገይረንዶ ? እቲ ገባቲ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጦሮ ንስድራቤት ምፍንጣሕ፣ መተካእታን ምጥጣሕ ስድራቤትን፡ማሕበራዊ ሂወት ዝካየደሉን፣ኣብ ምህናጽ ሕብረተሰብ ክሳተፍ ዝኽእለሉ፣ኣባል ፍትሓዊትን ዲሞክርስያዊትን፣ ልእልቲ ኤርትራ ንምዃን ክበቃዓሉ ዝኸእል ባይታ ተጣጢሁሉ ዶ ? ዝብል ጌና መልሲ ዘይረኸበ ኮይኑ ስለ ዝስማዓና ፡ ክንማራመረሉ ይጠቅም ጥራይ ዘይኮነስ ናትና ርእይቶን እዉን ክንሕውሰሉ ኢና።

ቶማስ ሞር(Thomas More)፣ ኡጦቢያ(Utopia) (ሰፈሪ-ኣልቦ) ክገልጾ ከሎ፣ሓደ ሕብረተሰብ ፡መንቅብ ኣልቦ ወይ ፍጹም ወይ ከኣ ክዎጾ ዘይብሉ ክኸውን እዩ ዝድለ፡፡እዚ ግን ክኸውን ዘይክእል እዩ ኢሎም ከም መግለጺኦም (Utopia)(ስፍሪ-ኣልቦ ) ዘቕርቡ ወይ ዝሓልፍዎ ቡዙሓት እዮም፡፡

ብሓቂ እንተተሰርሑሉን ዘድልዮ ባይታ ተጣጢሑሉን ግን ክኸውን ዘይካኣል ነገር የለን፣እቶም ንሕብረተሰባት ከማሓድሩ፣ ክኣልዩ-ክቅልሱ ዝብገሱ ከም ፖለቲከኛታትን፣ ሰብ ሞያን፣ ሙሁራትን፣ ሰብ ተሞክሮን ጸገም ሕብረተሰቦም ንምፍታሕ፣ ካብ ድንቁርና ናብ ፍልጠት፣ካብ ጭንቂ ናብ ራህዋ፣ ካብ ሕማም ናብ ጥዕና፣ ካብ ድኽነት ናብ ሃብቲ፣ ካብ ሕጊ አልቦ ናብ ፍትሕን ድሞክራስን ግዝኣተሕግን እተሰጋግሮ ተኽእሎ ኣሎ፡፡

እሱ ክኣ ቅድሚ ውልቀ ጠቕምኻ ማሕበራዊ ረብሓ፡ኣብ ክንዲ ኣንቅዶ (Ambition) ምዕጋብ ማሕበራዊ ተመጣጣርነትን ድልየትን ከተማልእ ወይ ከተቐድም ምስ እትኽእል እዩ፡፡

ብሕጽር ዝበለ፣ ረብሓ ውልቀ ሰብ ምስ ረብሓ ሕብረተሰብ ክዋሃሃድ ከሎ ሕልሚ ኮይኑ ዝርአ ዝነበረ ጋህዲ ይኸውን፡፡እዚ ኩነታት ንምብጻሕ ብዙሕ ጻዕሪን ምስ ጊዜ ዝምዕብልን ክኸውን ከሎ፡ ንዝጓነፈካ ጸገማት ክትፈትሕ ምኽኣል፣ ጊዜ ዝሓቶ መልሲ ክትህብ ምብቃዕ ዝመስል መግለጺን ቡዙሕ ጹሑፋትን በብ ዓይነቱ መጽሓፍትን ከምዘቕረበ ንግንዘብ፡፡

ናትና ኡጦብያ ሰፍሪ-ኣልቦ ኮይኑ ዘሎ፡ ቅድም ንኹሉ ደምበ ፍትሒ ዝሓቁፍ፣ ሃገራዉን ደሞክራስይዉን ጽላል ሃልዩ፡ ምስ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ተሓባቢሩ፣ ነዚ ውልቀ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ምልጋስ ኮይኑ፡ ከምቲ ቶማስ ሞር ዝበሎን ኡጦቢያ ናብ ግብራዊ ክትርጎም ከም ዝካኣል ንምጥቃስ ዝዓለመ እዩ፡፡

እዚ ኾይኑ፡ ደምበ ፍትሒ ሓደ ንኹሉ ክጥርንፍ ዝኽእል ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ጥርናፈ ክበጽሕ ዘይካኣለ፡ ነቲ ቅድምን ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ሕብረተሰብና ወይ መንእሰይ ሃገርና ምጥርናፉን/ኣብ ደምበ ፍትሒ እቲ ዝግብኦ ቦታ ዘይምሓዙ ዝስዓቦ ኩነት እዩ ክንብል ንደፍር።

ነዚ ንምፍላጡ መን-እሰይ ክንብል ኮሎና፣እንታይ ማለት እዩ ? ዝብል በቲ ኣብ ሓድሽ ልደት ሓርነት ዝተጻሕፈት ኣርእስቲ "ተራ መንእሰይ ኣብ ሃገር" ከምታ ዘላታ ከነቕርብ ኢና’ሞ ተኻታተሉና

ተራ መንእሰይ ኣብ ሃገር

መሰረት እዛ ኣርእስቲ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሕቶ እያ ነዚ ናይ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኩነታትን ካብ ኩነተ ፍርሒ ንምድሓን፣ መገዲ ሓርነት ንምቕላስ እንታይ ክግበር ይግባእ?

ነዛ ሕቶ ቅድሚ ምምላስና ንኣብነት ዝኣክል፡ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ስድራ ቤታት ነወዳድር። ሓንቲ ብዙሓት ጎራዙትን ኣባጽሕ ኣጉባዝ መንእሰያት ዘለዉ ስድራ፡ ካልኣይቲ ድማ መንእሰያት ይኹኑ ቆልዑ ዘይብላ ስድራ፡ሳልሰይቲ ድማ መንእሰያት ዘይብላ ግና ብዙሓት ቆልዑ ዘለውዋ ስድራ፡፡

• እታ ኣባጽሕን ጎራዝትን መንእሰያት ዘለውዋ ስድራ፡ ግራታ ብግዝየ ይሕረስ፣ ጽሃያይ ብግዝየ ይእለ፡ ማይ ብኣግኡ ይውረድ፡ ከብቲ ብእዋኑ ይሕለባ፡ መግቢ ኣብ እዋኑ ይቐርብ፡ኮታ ኩሉ መነባብሮኣ ብስሉጥ ይኸደላ።

• እታ መንእሰይ ዘይብላ ስድራ ግን፡ ሓገዝ እንተ-ዘይረኺባ እዚ ኩሉ ኣብ እዋኑ ኣይሰልጣን፡ ከይትዓምመላ ዝሓድር ዕማም ዉን ኣይሳኣናን።

• እታ ቆልዑ ዝበዝሕዋ መንእሰይ ዘይብላ ስድራ ድማ፡ንእዋኑ እቶም ቆልዑ ክሳዕ ዝጉብዙ ልክዕ ከምታ መንእሰይ ዘይብላ ስድራ፡ ሓንሳብ’ውን ልዕሊኣ ትሽገር፡ እቶም ቆልዑ ብዝጎበዙ ግን ኣብ ቀራና መገዲ ደው ትብል። እቶም ቆልዑ ብትምህርቲ ስድራ ምኽባርን፣ ቤትካ ምምዕባልን እንተዓበዩ፡ እታ ስድራ ከም ዝሓልፈላ ርጉጽ ነገር’ዩ። እቶም ቆልዑ ኣደዳ ድንቁርናን ስደትን እንተኾኑ ግና፡እቲ ክዓብዩ ከለዉ ዝነበረ ሽግር’ታ ስድራ፡ እቶም ቆልዑ ጎቢዞም ሰደት ምስ ኣርክቦም’ዉን ልክዕ ከምታ ካልኣይ ስለትኸውን ሽግራ ክቕጽል’ዩ። እታ ተስፋኣ ኣብ ደቃ ኣንቢራ ዝነበረት ስድራ ድማ ኣብቲ ዝለመደቶ ሽግር ተሸሚማ ትነብር።

በዚ ድማ ተስፋ ስድራቤትታት ኣብቶም ጻማ ክኽፍሉ እዮም እናበላ ዘዕብዮኦም ስድራ ከምዝ ምርኮስ ንርዳእ።

ዝኮነት ሃገር ድማ፡ ኣመሪካ ትኹን ቻይና፣ ናይጀርያ ትኹን ህንዲ፡ ኤርትራ ትኹን ጅቡቲ ከምዛ ሳልሰይቲ ስድራ እየን ዝመስላ። ምኽንያቱ፣ መንእሰይ ዘይብላ ሃገር የላን፡ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ድማ፣ ቁጽሪ እቲ ተካኢ ወለዶ ካብቲ ተተካኢ ኣዝዩ ይበዝሕ፡ ብኸምኡ ድማ’ዩ ቑጽሪ ህዝቢ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ። እቲ ፍልልይ እቶም ተስፋ ስድራን ተስፋ ሃገርን ዝኾኑ ቆልዑን መንእሰያትን ናበይ ገጾም የብሉ እዩ። ናብ መገዲ ምድሓን ስድራን ሃገርንዶ፣ ኩሉ ገዲፍካ ብኣካል ኣእምሮን ንሰደት ምግዓዝ ?

በዚ መረዳእታ ተበጊስና ንካብ ሕጂ ዓሰርተ ዓመት ዘሎ ምስ-እንሪኢ፣ናብታ መበገሲት’ዚ ንኡስ ኣርእስቲ ዝኾነት ሕቶ ንምለስ። ንናይ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኩንነታት ካብ ኩነት ፍርሒ ንምድሓን፣ መገዲ ሓርነት ካብ ሕጂ ንምቕላስ እንታት ክንገብር ይግባእ? ትብል ሕቶ እምብኣርከስ፡ እቲ መልሲ ነቶም ሽዑ ጠወርቲ እዛ ሃገር ዝኾኑ ናይ ሽዑ ግዝየ መንእሰያት፣ ናይ ሎሚ ግና ንኡሳት ሎሚ እንታይ ነስንቖም ኣለና ኢልና ምሕታት ከድልየና ኢዩ።መገዲ ሓርነት ዝመርሑን ዝቕልሱን፡ዝድርኹን መንእሰያት ስለ-ዝኾኑ፡፡

ስለምንታይ ኣትክሮ ኣብ መንእሰያት?

ቅድሚ ምምላስና ግን ንምንታይ’ከ ንመንእሰያት ክንድዚ ዝኣክል ንግደሰሎም? ናይ ብሓቂ እዚ ኣብ ላዕሊ እተዋህበ ኣብነት ስድራን ሃገርን እኹል ድዩ፡ እቲ ናይ ሓቂ ተራ መንእሰያት ኣብ ሓንቲ ሃገር ክሳብ ክንደይ እዩ? ኣብ ገሊኡ ከምዛ ሓንቲ ሃገር ዓበይቲ ፈጺሞም ዘየድልይዋ ተራ መንእሰይ ኣዝዩ ተጋኒኑ ይቐርብ፡ኣብ ገሊኡ ድማ ፍሉይነት መንእሰይ ከየነጸርካ ‘’ባዶ’’ ከም ናይ ካልኦት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ሒዝካ ክነስኻ ትም ኢልካ ‘’መንእሰይ’’ እናበልካ ምጉስጓስ ናብ ‘’ሞዳ’’ ወይ ሓድሽ ቅዲ ፖለቲካ ኮይኑ ዝቐረበ ይመስል፡፡

ብኣንጻሩ ኣብ ገሊኡ፡ መንእሰያት ‘’ደረኽቲ እምበር፣ ቀለስቲ ኣይኮኑን’’ ዝብል ንተራኦም ክዓግት ዝፍትን ወይ ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ዘነኣእስ ኣቀራርባ ኣሎ፡፡

ስለዚ ቅድሚ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ምስግጋርና ሓቀኛ ተራ መንእሰያት ኣብ ሃገራት ብውዱዕነት ይመዘን።

ሓቀኛ ተራ መንእሰያት

ልክዕ ከም ሓደ ባይታ ዘሎ ወይ ዝተጠንጠለ ኣቕሓ፡ ከይተናኸፍና ምስ ንገድፎ ናብቲ ዝኸበደ ወገኑ ማለት ማእከል ስብሓቱ ዝዛዙ፣ ከምኡ ድማ ሕብረተሰብ ናብ ኣታሓሳስባ ናይቲ ማእከል ስሕበቱ ዝኾነ ሓይሊ ይዛዙ። ነዚ ማእከል-ስሕበት ሕብረተሰብ እንተስ ብኹርንዒት ሓይሊ፡ እንተስ ብሜላ ኣእሚኑ ዝተቖጻጸረ ኣካል ንኣንፈትን ኩነታትን ሕብረተሰብ እናጠዋወየ፡ ንኣከዋውና ኣታሃላልዋን ምዝዝዛው ናይ ሕብረተሰብ ናብቲ ንሱ ዝደልዮ ወገን ክውስን ይኽእል።

ስለዚ እዚ ማእከል ስሕበት መሰረት ሓይሊ እዩ ማለት እዩ። እዚ ሓይሊ’ዚ ኣብ ሓደ ምስ ዘይቀውም፣ ህላወ እታ ሃገር ወይ እቲ ህዝቢ ኣብ ሓደ ጸኒዑ ክቐውም ኣይከኣሎን። እታ ሃገር ድማ ኣብ ቃንዛ ቅልውላው ትልሎ።

ካብ ክልስ ሓሳብ ውጺና ግና ኣብ ባይታ መንነት እቲ ሓይሊ ብጭቡጥ ንምፍላጥ፣ ብቐዳምነት ምርዳእ ምፍላጥን ኣገዳሲ ዕዮ እዩ።ገለ ሃገራት ሓይለን ኣብቲ ካብ ከርሰን ዝፈሪ ሕርሻዊ እቶት ማዕድናትን ነዳድን ዝመሰረቱ ሃብቲ፡ክኸዉን ከሎ ገለ ሃገራት ድማ ኣብ ኣጽዋርን ብረትን ዝመሰረቱ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣለወን። ገሊኤን ሳላ ሰላመንን ርግኣተንን ናይ ኣዋፈርትን ናይ ጎሓሉን ገንዘብ ብሓደራ እናቐመጣ ካብ ወለድን ሓረጣን ዝነብራ ኣለዋ። ገሊኤን ብምኽንያት ጆኦግራፊካዊ ኣቃማምጥአን፣ ንግድን ባሕርን መሬትን ዝመቸእ፣ ሓይለን ኣብ ኣቃማምጥአን ዝምርኮስ ኣለዋ፡፡ ናይዘን ኩለን ናይ ሓባር ረቛሒ ግን፣ ነቲ ሕርሻን ዕደናን፣ ንውትህድርናን ምስራሕ ብረትን፣ ንባንካን ሸርፍን ንግዳዊ ጥቕምታት ስነጥበባዊ ስራሓት ዘካይድን ርእሲ ኩሉ ዝኾነ ሰብ ወይ ህዝቢ እዩ። ነዚ መሰረት ሓይሊ ተባሂሉ ክጥቀስ ዝኽእል ግኡዝ ነገር ንኸይትንከፍ እናተኸላኸለ ዝነብር ህያው ሓይሊ ድማ ሰብ ወይ ህዝቢ’ዩ። እዚ ህዝቢ ግና ኣበርክቶኡ ኣብ ሃገር፣ ብመጠን ዕድመ እንተ ገሚትናዮ፣ ኩሉ ማዕረ ኣይኮነን።

ህጻናት ተጸበይቲ እዮም፡ ናብኦም ዝወጽእ ገንዘብ ይኹን ዓቕሚ፡ከም ናይ ነዊሕ ወፍሪ እምበር ሕጂ ሎሚ እቶት ዝርከቦ ኣይኮነን። ኣረጋውያን ድማ፣ እንተስ ጹቡቕ እንተስ ሕማቕ ዓቕሞም ኣበርኪቶም ኣብ ልኡም ተራ ዝጻወትሉ ደረጃ ዘለዉ እዮም። ኣብቲ ናይ ሎምን ሕጂ ንዘድሊ ማእቶታዊ ስራሕ ሕርሻ፡እቲ ማዕድን ዝዕድን፣ ኣብ ነዳዲ ምውሳጻእ ዝሳተፍ፣ ብረት ሒዙ በረኻ ዝሓድር፣ ኣጽዋር ክሰርሕን ክፍትንን ዝውዕል፣ ፖሊስ ኮይኑ ሰላምን ርግኣትን ዘውሕስ፣ ኣብ ሸቐጥ ውሽጢ ሃገርን ደገን እናተዋናጨፈ ዝጎዪ ግን መን እዩ ? ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነት ሃገር ነዚ፡ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ተግባራት ዝፍጽም ኣበየናይ ክሊ ዕድመ ዘሎ እዩ። እዚ ድማ ብወጻእተኛን መጻእተኛን ዘይኮነስ፡ ብወርቂን ነዳዲን ዘይግዛእ ማእከል ስሕበት። ሎሚ መንእሰይ ዘሎ፣ ናይ ሎሚ ሓይሊ እዩ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት መንእሰይ ዝኸዉን ድማ ናይ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ሓይሊ እዩ። ናይ ዓሰርተ ዓመት መደብ ኣለኒ ዝብል ኣካል፡ ንናይ ሎሚ ህጻናት ግና ኣትኩሮ ዘይገብር ኣብ መበል ዓሰርተ ዓመቱ፣ ብዓቕሚ’ቲቶም ናይቲ እዋን መንእሰያት፣ ናይ ሎሚ ህጻናት ክብህርር እዩ፡፡

ናብ ኤርትራ ምስ እንምለስ፡ከም ኩለን ካልኦት ሃገራት ዝካየድ ማሕረስን ካልእ ከምኡ ዝኣመስለ ገጠራዊ ማእቶታት፣ ካብ ከተማታት ዝካናወን ፊልምታት ምሕታም፣ ካሴት ምውጻእ ካልኦት ምህዞታትን ዓበይቲ ፋብሪካታት ምስራሕ፣ መንእሰያት ሃገርና ግን ብረት ሒዝካ ኣብ ወሰናስን ሃገር ወተሃደራት ምዃን፣ ፖሊስ ኮንካ ኣብ ከተማ ጸጥታ ምሕላው ኮይኑ እዩ ተሪፉ፡፡

ንኽርድኣና፡ ሓንቲ ሃገር መንእሰይ ዘይብላ እንተኾነት፣ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ክትወድቕ ከም-ትኽእል ንገምት። ዝጎዩ ወተሃደራት ዘይብላ ሃገር፣ ቅልጡፋት ረዳእቲ ዝኮኖ-ቀዳማይ ረድኤትን ፖሊስ - ዘይብለን ከተማታት፣ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ነጋዶ ዘይብሉ ዕዳጋታት፣ ብኣጋ ዝሓርሶን ዝጽህዩን ዘይብሉ ግራሁ፣ ወፈራ ዝዓሙ ዘይብለን ዓድታት፣ ምስ ዘመን ዘምጽኦ ሳይንስን ተክኖሎጂ ምዕባለን እናተጓየዩ ዘርክቡ ዘይብላ ሃገር፣ ስፖርተኛታት ሙዚቀኛታት ዘይብላ ሃገር ትኸዉን። ንኽትቕጽልስ ይትረፍ፣ ነታ ናይ ሽዓ ህላወኣ’ውን ከተራጋግጽ ኣይክኣልን። በዚ ክኣ እዩ መንእሰይ ሞቶርን መንኮርኮርን ናይ ኩሉ ህላወን ምዕባለን ስርሓት እዩ ክንብሎ ንኽእል።

ንምጥቕላል መሰረት ቁጠባዊ ቀጻልነትን ዕብየትን ሃገር ኣብ ስራሕ እዩ። ስራሕ ድማ ንፍቶ ንጽላእ ብመንእሰይ እዩ ዝዕመም። እዚ ኣብ ጨቆንቲ ስርዓታት ወይ ዉን ደሞክራስያውያን ሃገራት ዘይቀያየር ሓቂ እዩ። እቲ ፍልልይ፣ እቲ ኣብ ትሕቲ ጨቆንቲ ስርዓታት ዘሎ መንእሰይ ብዘይ ድልየቱ፡ መሳርሒን መገልገሊን እቶም ከም ጎይቶቱ ኮይኖም ዝነገሱ ከምኡ ካልኦት ሰባት ክቕየር እንከሎ፣ ብኣንጻሩ መንእሰይ ደሞክራሲያውያን ሃገራት ብድልየቱ፣ ኣብ ደስ ዝበሎ ዓውዲ፣ ቅድም ንጥቕሚ ገዛእ ርእሱ፣ ደቁን ሰበይቱን፣ ስድራኡን ኣሓቱን ሃገሩን ኢሉ፣ ምስ ሓይሊ ሃገር ክድመር ይህቅን። እዚ ባህ እንተዘይበሎ፣ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ተጠቒሙ ናብ ይሕሸኒ ዝበሎ ይግዕዝ። ሃገሩ ከይትኸስሮ፣ ንሱ ንሃገሩ ከይከስራ ብሕጊ፣ ኪዳንን ቅዋምን ምሉእ ዘይጉዱል መሰል ኣለዎ፡፡

በዚ ኮይኑ በቲ፡ ኣብ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝነብር መንእሰይ ሓይሊ ምዃኑ ኣሚኑ ተኣሚኑሉን ይነብር። ኣብ ትህቲ ጨቆንቲ ስርዓታት ዝነብር መንእሰይ ግና፡ ሓይሊ ምዃኑ ተኣሚኑሉ’ኳ እንተኾነ፡ ሓይሉ ፈሊጡ ተበግሶ ከይወስድ፡ መሃዚ ስራሕ ክነሱ፣ ኩሉ ወዲ-ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ብዝያዳ ክእለትን ፍልጠትን ክገብር እናኸኣለ ከም ዝራብዕ ይቑረን፣ ማርተሎ ክነሱ መስማር እናለወጡዎ ትም ክብል ይቕሰብ፡

ኣብነት ኤርትራ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቱኒዝያን ምስርን ኣብ ዝተገብረ ሰውራታት፡ መንእሰያት ሃገራት ዓብይ ተራ ከምዝተጻወቱ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘለዉ መንእሰያት ካብቶም ኣብ ቱኒዝያን ምስርን ዘለዉ መሳቱኦም ዝንእስ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሎምን። እንተታት ብዘይገድስ፣ መንእሰያት ምስሪ ዝገበርዎ መንእሰያት ኤርትራ ክገብርዎ ዘይክኣሉ ነገር ኣይኮነን። ኣማሓዳርቲ ስርዓተ ህግደፍ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣዳዕዲዖም ይፈልጥዎ እዮም። በዚ ድማ ኤርትራውያን መንእሰያት ሓይሊ ምዃኖም ዋላ ህግደፍ ተኣሚኑሎም ኣሎ ክንብል ንኽእል። እንተኾነ እቶም ካብ መራኸቢ ብዙሃን ተነጺሎም ኣብ በረኻን ዱርን ሰፊሮም ዘለዉ መንእሰያት ንባዕሎም ሓይሊ ምዃኖም ከይፍለጦምን፡ ተበግሶ ከይወስዱን፣ እቲ ዜናታት ሰውራታት እዘን ህገራት እዚአን፣ ብዘደንጹ ኣጋባብ ካብዞም መንእሰያት እዚኦም ክሕበኦምን ክስወሮምን ተፈቲኑ።ማዕክናት ዜና ህግደፍ ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ምዕባለ ዓለምን፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተንቲነን፣ ንመንእሰያት ኤርትራ ሓቀኛ ስእሊ ዝህባ፡ ካብ ህሉው ኩነታት ዓለም ሸፊነን፡ ብዙሕ ጓይላታትን ባዶ ጭርሖታት ክፍንዋ ደኣ ተረኸባ፡፡

ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ
ካብ ምሉእ ሕብረተሰብ ንምጽናት ምጉያይ መንእሰይ ምሓዝ
ምሉእ ሕብረተስብ ንምቕጻል መንእሰይ ንምሓዝ ምጉያይ

በዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምኽንያት ድማ እዩ ሓይሊ ሓንቲ ሃገር ብቐንዱ መነሰይ’ዩ ክባሃል ዝክኣል። እቲ ንመንእሰይ ዝሓዘ፣ ማእከል ስሕበት ሓይሊ ይሕዝ። ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብተን ሓያላት ዝባሃላ ሃገራት ዋላ ኣመሪካን ቻይናን ካልኦትን። እቲ መንግስታት እዘን ሃገራት እዚኣተን ‘’ሓይሊ ኣሎና’’ ኢለን ዝኣምናሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ምንጪ ወተሃደራዊ ይኹን ቁጠባዊ ሓይሊ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ መንግስትነተን ከሰልፉ ስለ-ዘበቕዓ እዩ። ንምጽራይ እንተ ተደልዩ፣ ናይዘን ሓያላት ሃገራት ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘቑሙ ደቂ ክንደይ ዓመት እዮም ኢልና ንርአ።ንቑጠባ ሃገር ዘንቃሳቕሱ ቅዲታት መሃዝቲ’ኸ? እቶም ምእንቲ ሃገሮም ዝሰውኡ’ኸ ? እቶም ብህይወቶም ዝተርፉ ዕጡቓቶም’ኸ ? ኣብቶም ካብ ክሊ ዕድመ መንእሰይ ዝወጹ ኣብነታውያን’ከ ዕድመ ንእስነቶም ከመይ ነበር?

ብኣንጻርዚ ክንርኢ እንተደሊና ድማ፣ እዘን ሕጂ ‘’ኣብ ሃገርና ካብቶም መንእሰያት ዓበይቲ ከይበዝሑ’’ ‘’ኣብ ምዝዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም እተወልዱ ወለዶ ጥሮታ ኣብ ምውጽኦም ስለዝኾኑ ዝትክኦም ሰብ ክንድቲ ንደልዮ ቁጽሪ ኣይኮነን’’ ኢለን ዝስከፋ ዘለዋ ሃገራት ስለምንታይ ይኾና ? እቲ ምኽንያት ንጹርዩ ሓይሊን ኣስተዋጽኦን መንእሰይ ኣብ ህላወ ሓንቲ ሃገር ስለ እተረድኣ መንእሰያት ዓብይ ምዃኑ ክነስትባህል ኣሎና።

ኣብነት ኤርትራ፣ ኩነታት ሓይሊ ሃገር መንእሰይ

እምብኣርከስ ኤርትራ’ውያን ከም ካልኦት ሃገራት መንእሰያት ስለ-ዘለዋ፡ ሓይልን ዓቕምን መንእሰያት ኤርትራ መን ተጠቕመሉ፡ ኣብ ምንታይ መዓላ-ኸ ወዓለ? ኢልካ ምሕታት ንቡር ይኸዉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ እቲ ንመንእሰይ ዝሓዘ፣ ንሕብረተሰብ ንማእከል ስሕበቱ ስለ-ዝጭብጥ፣ ነዚ ዝጨበጠ ድማ ልክዕ ከም ንሴፍ ብልዓቱ ከምዝጨበጠ ሓይሊ ይህልዎ፡ስለዚ ድማ’ዩ ህግደፍ ንመንእሰይ ክሕዝ ዝተጓየየ። ዝተጠቕመሉም ስልቲታት እንታይ ነበሩ?

ክበርሃልና ንድሕሪት ንመለስ፡

ኣብ ክፍላ ተስዓን ሸሞንተን፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ምስ ገጠሙ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ህዝቢ ሓይሊ ከምዘለዎ ከእምኖም ብዙሕ ኣይወሰደሉን። እቶም ኣብቲ ሽዑ እዋን ሓይሊ ሃገር ዝነበሩ ደቂ ዓሰርተ ሸሞንተ፣ ደቂ ዕስራ ዓመት ዋላ’ውን ዕስራን ሓሙሽተን ኣቢሎም ዝኾኑ ዝበዝሑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያት፣ ኣብ ትሕቲኡ ነበሩ። ነቶም ኣብ ክሊዚ ዕድመ ዝርከቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣጎልጉለት ክነሶም፣ኣብ ትሕቲኡ ዘይነበሩ፣ ’’ልምዓት’’ ብዝብል ኣብ ትሕቲኡ ኣእትዩዎም ነበር። እዚ ክሊ ዕድመ ንዘለዉ ደቂ ሃገር ብምሉኦም ኣብ ትሕቲኡ ዘኣተወ ድማ፣ ሓይሊ ሃገር ብምሉኡ ኣብ ትሕቲኡ ዘእተወ እዩ። ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸ ናይ ሓይሊ ተቓውሞ ድማ ዳርጋ ኣይነበረን፡ እንተነበረ’ዉን፡ ነቲ ናይ ሽዑ ዓቕሚ ህግደፍ ክስዕር ዝኽእል ውሽጣዊ ሓይሊ ኣይነበረን። ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸ ናይ ስነ-ሓሳብ ተቓውሞ ክህሉ ግዲ እዩ። እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ተቓውሞ’ዚ ብስሉስ ብልሒ ዘለዎ ሴፍ-ተንኮል ክወቕዖ ጸኒሑን ኣሎን።

እቲ ቀዳማይ ብልሒ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ፡እቲ ኣካላዊ ሓይሊ ስለ ዝሓዘ፡ንስነ-ሓሳብ ብረት ብምጉዕጻጽን፡ ብቅሉዕን ስዉርን ምእሳርን ምፍራራሕን፡ ምዕባስን ክኸውን ከሎ፡ ካብኡ ንምክልኻል ዝተርፍ ምርጫ ኣካል’ቲ ዝውቃዕ ዘሎ ካብ ህግደፍ ምርሓቕ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ጨካን ብልሒ’ዩ።

እቲ ካልኣይ ብልሒ፡ ድማ ኣእምሮ’ዞም ሓይሊ ሃገር ብምቁጽጻር እቶም ንኡሳት ዝገብርዎ ነገራት ናቶም ሓሳባት እናመሰሎም፡ ከይሓተቱን ከይተመራመሩን ዝእዘዙ ሰዓብቲ ብምፍጣር እዩ። እዚ ካልኣይ ብልሒዚ ሓደገኛን ስውርን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብቐሊሉ ክበርሃልና ኣይክእልን። ስለዚ ሕጂዉን ንድሕሪት ምልስ እንተ ኢልና ጥራይ ኢና ነቃልቦ።

ንድሕሪት ምልስ ምስ እንብል፡ እዞም ናይ ተስዓን ሸሞንተን ሓይሊ ሃገር ኣብ እዋን መሬታዊ ነጻነት ተስዓን-ሓደን፣ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ንኡሳን ደቂ ዓሰርተ ዓመት ዝነበሩ እዩም፡ኣብ መንጎ ተስዓን-ሓደን፣ ተስዓን-ሾሞንተንን ዝነበረን ሸሞንተ ዓመታት ብዘይካ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ምድንጋርን ዝተመለአ ፖለቲካዊ ትምህርቲን ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ካልእ ክርእዩ ዕድል ዘይረኽቡ እዮም። መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ሓይሊ’ዚኦም ንበይኑ ብሒቱ ሒዝዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ክፈልጥዎ ዝኽእሉን ዝግብኦምን ወገን ዘይሓዘ ሚዛናዊ ታሪኽን ኣማራጺ ስነ-ሓሳብን ብፍጹም ነጺሉዎም። እዚ ምንጻልዚን ንሱ ዝሰዓቦ፡ ኣማራጺ ዘይምህላውን፡ ነቶም ሓይሊ ሕብረተሰብ ዝኾኑ መንእሰያት፡ ብዘይ ሕቶ ናብ ኣርዑት ባርነት መግዛእቲን ጭቆናን ክቕሰቡ ገይሩዎም እዩ። ህግደፍ ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ኣብ ኣእምሮ’ዞም ንኡሳን፡ ድምጺ ኣልቦ እኩይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ብምፍናው፤ ልዕሊ ምኽሪ ዓበይትን ወለዲን፡ ልዕሊ ተግሳጽ ሃይማኖታውያን ትካላትን፡ ልዕሊ ተግሳጽ ሃይማኖታውያን ትካላትን፣ ልዕሊ መጻሕፍትን ምሁራትን፡ ልዕሊ ባህልን ልምድን ጎብለል ኮይኑ ወጺኡ እዩ። እቶም ግዳያት ናይዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ዝኾኑ ናይ ሽዑ መንእሰያት ንሕልናኦም ዘይኮነስ ትእዛዝ -ሓንሳብ ሃንሳብ’ውን መልክዕ- መራሕ መንግስቲ ባህ ዝብሎም ኮይኖም ተሃኒጾም። ገሊኣቶም ናይ ሽዑ መንእሰያት ነቲ ሰኣን ኣማራጺን ሓቤረታን ፍልጠትን ዝገብሩዎ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ብፍትዎቶም ዝገበርዎ ይመስሎም። ኣይትሓዞምን ድማ። ምኽንያቱ እቲ ስነኣእምራዊ ኲናት ከም ዝኾነ ካልእ ኲናት በሰላ ዝገድፍ ስለ-ዝኾነ።

ንምብራህ፦ ዝኾነ ከይሓተተ ከይተመራመረን ንዝገብሮ ነገር ‘’ ብድልየተይ እየ ገይረዮ’’ ዝብል ድማ፡ ልክዕ ከም ሓደ ‘’እዚ’ኣ ኣብ ኲናት 1991-1998 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ስነ-ኣእምሮ ዝተሃረምኩዋ በሰላ እያ’’ ኢሉ ቁስሉ ዘርኢ ዘሎ ጌርና ክንቆጽሮ ይግባእ። ኣይተሓዞን ድማ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንሕብረተሰብ ዝጠዋዊ፣ ማእከል ስሕበት፡ ሓይሊ ሃገርን ኣእምሮ መንእሰይን፡ ካብ ንኡሱ ኣትሒዙ ክቆጻጸሮ ከምዝፍትንን ክኾነሉ ከም ዝጸንሐን ንርዳእ። ዝኮነ ንህግደፍ ክገጥም ዝህቅን ድማ፣ ነዚ ኣእምሮ ንኡሳን መን ጨበጠ ግጥም ብፊተፊት ክገጥም የድሊ። ስርዓተ ህግደፍ፣ ከም መጠን ኣጽናቲ ሓይሊ፡ ንርእሱ ከይተሓትተ ንኽገዝእ ክጥዕሞ ‘’ኣብሩኽ’’ እልካዮ ከይሓተተ ዘብሩኽ ዝተንበርክኽ ወለዶ ክሃንጽ ክፍትን እንከሎ፡ እቲ ንህግደፍ ዝገጥም ሓይሊ ምስ ኣብ ሕብረተሰብ ህሉዋት ዝኾኑ ባእታታት ቀጻልነት እናተሻረኸ፡ ከምቲ ኣያታቱ ‘’ዱኽዐይ’’ዝበልዎ፣ ንሱ’ውን ‘’ሓርነተይ” ‘’መሰለይ’’ ዝብል፡ ከምቲ ጀመርቲ ቃልሲ ኤርትራውያን ዝኣመቱሉ ፍትሒ ዝጠልብ፣ ንኹሉ ዓይነት ባርነታት ‘’እምብለይ’’ ኢሉ ዝቃወም ወለዶ ክሃንጽ ክጽዕር ኣለዎ።

ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ

እዚ ምህናጽ ሓዲሽ ሓራ ወለዶ ግና፡ናይ መዓልቲ/ናይ ሓደ ዓመት ዕዮ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ቆልዓ ብንኡሱ፡ቆርበት ብርሑሱ ዝብሃል፣ ሓደ ቖልዓ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ካብ ዝጀመርላ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሓይሊ ሃገር ዝኾነሉ ዕድመን ዋላ’ውን ድሕሪኡ ዝቕጽል፡ ብዛዕባ ሓርነትን መሰልን፣ብዛዕባ ፍትሕን፣ ጽልኢ ኩሉ ዓይነት ባርነትን፣ ብቅልል ዝበሉ ኣብነታት፣ ከም ናይ ኤዞፐ ዝኣመሰሉ ዛንታታትን፣ ንስነ ሓሳባዊ ትምህርቲ ‘’ካልእ ሓርነት የለን’’ ብፊት ገጢሞም ዝመስሉ መዛሙርን ክስነ ይግባእ። ከም መጀመሪን መማእክሊ እዚ ጉዑዞን፣ ንኣብ ሻድሻይን ሻብዓይን ምዕራፋት ናይዚ ጽሑፍ ተቐሚጡ ዘሎ መቖምያታትን መተክላትን ትምህርተ ሓዲሽ ሓርነት ከም መንጸፍ ምጥቃም ይካኣል።

እዚ ምህናጽ ሓራ ወለዶ፡ሎሚ ንስርዓት ህግደፍ ንምስዓር ጥራይ ኢልና ዘይኮነ፡ ንወትሩ መነባበሪ ዝኸዉን ስርዓት ንምትካልን፣ ቀጻሊ ኣተሓሳስባ ንምስራጽን ተባሂሉ ክግበር ኣለዎ።

እቲ ሳልሳይ ብልሒ፦ ህግደፍ ነቶም በታሓሳስባ ዝተፈልዩዎ፣ ብእዳዉ ዘየርክበሎም፣ ሓይሊ ሃገር ካብ ህግደፍ ክቃወም ዝኽእል ካልእ ሓይሊ ንምንጻሎም ወይ ከም ዝንጸሉን ምግባር ዝሰርሖ ስራሕ እዩ።

ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ ኣብ ተስዓን ሾሞንተን ኲናት ምስ ተጀመረ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ርኡይ ምትእንጋድ ናይ ካብ ‘ጀብሃ’ እተፈንጨላ ውድባት፣ ካልኦት ሓደስቲ እተጀመራ ፖለቲካውያን ጸረ ህግደፍ ውድባትን ተራእየን። ኣብ ፈነወታት ረድዮ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ካብቲ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝፍኖ ዝነበረ ረድዮ፣ ድምጺ ተቓውሞ ካብ ኤርትራውያን ንኤርትራውያን ንፈለማ ግዝየ ክስማዕ ጀመረ። በዚ ድማ እቲ እቶም ሓይሊ ሃገር ዝበሃሉ ብትምህርቲ ህግደፍ ኣዝዮም ዝጸመሙ መንእሰያት ምስ ኤርትራውያን ተቃወምቲ ናይ ፈለማ ሌላ ንክፈጥሩ ዕድል ፈጠረሎም። እንተኾነ እቲ ሌላ ናይ ‘’እስከ እንታይ ትብሉ ከም ዘለኹም ክንሰምዓኩም’ ዘይኮነስ ‘’ እንታይ ከምትብሉ ድሮ ፈሊጥናዮ ኣሎና፡ለከ እቲ ብዛዕባኹም መንግስትና ዝነገረና፣ ምስ ኢትዮጵያ ኮንካ ምውራር ዝብል’ሲ ሓቂ’ዩ ዝብል፣ ተጋላቢጦሽ ውጺኢት ዝገብሮ፣ ንመንእሰያት ካብ ደምበ ተቃውሞ ዘርሓቐ ሌላ እዩ ነይሩ፡፡

‘’ናይ ፈለማ ተምሳጥ ንዘላኣለም ይነብር’’ ዝብል ብሂል ሓቂ ብምዃኑ ድማ ናይ ሎሚ ህሉው ኩነታት ዘይምቅርራብ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ሽዑ መንእሰያት ብሓደ ወገን፣ ደምበ ተቓውሞ ድማ ብኻልእ ጌርና ምስ ንርእዮ ኣዝዩ ይንጽር። እቲ ናይ ፈለማ ተምሳጥ ክባላሾ ዝገበረ መንዩ፡ ወይ’ውን ኣየናይ ኣካልዩ ንሓሳብ ኣጽኒሕና፣ እቲ ዓይነት ሌላ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዝነበሮ ግን ማንም ክኽሕዶ ኣይክእልን። እዞም መንእሳያት’ዚኦም፣ ብህግደፍ ናብ ደረጃ ግልያነት ወሪዶም ክንሶም፣ ክሕለቐሎም ዝኽእል ወገን ባዕሎም ክፈጥሩ ወይ ናብ ክሕለቆሎም ዝኽእል ኣካል ክጽግዑ ኣይክኣሉን። ኣይረኸቡን እንተተባህለ’ውን ሓቅነት ዘለዎ’ዩ። ነዚኦም ክተጽግዖም ዘይምፍታን፣ ወይ ዘይምድላይ ወይ ዘይምሕሳብ ድማ ሓይሊ ሃገረ መን ምዃኑ ካብ ዘይምልላይ ዝተገብረ እዩ።

በዚ ኮነ በቲ ኣጽናቲ ሓይሊ ህግደፍ፣እቶም ዝርካቦም ሓይሊ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት ብምሉኦም ሒዙ’ዩ ተበጊሱ ክሳብ ሕጂ’ውን፣ዋላ’ዉን እቶም ካብ ኢዱ ዝወጹ ሓይሊ ሃገር ኣዝዮም ብዙሓት ይኹኑ፡ናብ ኣንጻር ህግደፍ ዘሎ ደምበ ቐጻልነት ክጽግዑ ስለዘይክእሉ፡ ሎሚ’’ዉን ብኣተሓሳስባ ጠርሹን ደኽዩን ኣብ ከበሮ ተሞርኲሱ እናነበረ እንከሎ ብወገን ኣብ ኢዱ ዘእተዎ ዓቕሚ ሰብ፣ ህግደፍ ዝላዓለ ኢድ ሒዙ ይርከብ።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምንጽጻግ ሓይሊ ሃገርን ሓይልታይ ቀጻልነትን ዝኸስብ ኣካል እንተሎ ስርዓተ ህግደፍ ጥራይ እዩ። እቲ ዝኸስር ድማ እቲ ሓይሉ ከይጥርነፍ ከም-ዝኸዉን ዘሎ ሓይሊ ተቓውሞ ጥራይ ጌርካ ምርኣይ ጸቢብ ዓንከል ምዛር እዩ። ነቲ ስእሊ ብዓቢኡ ምስ ንርእዮ ዝኸስሩ ዘለዉ እቶም ተካእቲ ዘድልዮም ግና ከይተተክኡ ዝተርፉ ዘለዉ ሓይልታት ቀጻልነት እዮም። ስለዚ፣ ብመንጽር እዚ እንተረኢናዮ፣ ህግደፍ ንጥቕሙ ኢሉ ነዚ ምንጽጻግዚ ቀጻሊ ንምግባር፣ እንተስ ካብ ባዕሉ ብቐጥታ ወይ ድማ ካብ እተዳናገሩ ፈተውቲ፡ወይ ክየመዛዘኑ ዝደግሙ ፈተውቲ፣ወይ ፈተውቲ ዝመስሉ ግና ዘይኮኑ፣ ጽልኢ ኣብ መንጎ ሓይሊ ሃገር ዝኾኑ ፡ መንእሰያትን ህሉዋት ሓይልታት ቐጻልነት ክሳወሩ ክፍትኑ ግድነት ኢዩ። ሓይሊ ሃገር ዘይቀርቦ ሓይሊ ቀጻልነት ምድኻሙ ኣይተርፍን እዩ።መግዛእቲ ህግደፍ ብኡ መጠን ጎብለል ኮይኑ ይቕጽል።

ብርግጽ ንኹሉ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝመጽእ ነቐፌታ ብኸምዚ ካብ ህግደፍ እተፈነወ ፕሮፓጋንዳ ጌርካ ምርኣይን፡ ካብቲ ነቐፌታ ዘይምምሃርን ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመልክዕካ እትርእየሉ መስትያት ምስባር ማለት እዩ። ከም ሓደ መልክዑ ዘይርኢ ሰብ፣ መዓልታዊ እናኸፍአ እናኸደ እንከሎ ዘይፍልጦ፡ ተግሳጽ ዘይቅበል ትካል ድማ፣ ውዱዕ ኣተሃላልዉኡን ዓቕሙን ዘይፍለጦ እናኾነ፡ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናኸፍአ ይኸይድ።

እንተኾነ መንእሰያት ሓይሊ ሃገር ካብተን ኣተሃላልወአን ክርድኣ ዘይበቕዓ ትካላት ዳኣ’ምበር ካብ ደምበ ሓይልታት ቀጻልነት ዘርሕቕ ተግባር ቦታ ክህልዎ ኣይግባእን። ምህጣር ደምበ’ዚ፣ ምህጣር ፖለቲካውያን ውድባት ወይ ኪዳናት ኣይኮነን ምህጣር እዚ ደምበ ንኣጽናቲ ሓይሊ ዝገጥሞ ቅልጽም ምትርናዕ፣ ካብ ምጽናት ንምክልኻል ጥራይ ዘይኮነስ ንኣጽናቲ ሓይሊ ምስዓርን፣ ኣብ ኣእምሮ ንጹሃን ንኡሳት፣ ተኽሊ ሓራ ኣታሓሳስባ ዘሪእካ፣ ዳግመ ተመሳሳሊ ኣጽናቲ ኣካል ንኸይመጽእ ዝትከል ዋሕስ ምህጣር ከም ዝኾነ ጌርካ ክርኣይ ይግቦኦ።

ክብል እቲ ኣብ ክልተ መቒልና እነቕርቦ ዞሎና ጹሑፍ መዕረፊ ንገብረሉ።

ከም ዝራኣኽምዎ እዚ ጹሑፍ ነቲ ቀጻልነት ከውሕስ ዝግብኦ ሓይሊ ሃገር ክኾኑ ዝግብኦም፣ በቲ ኣጽናቲ ስርዓተ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ንምሓዝ ዝጥቀመሉ ብልሕታት ወይ ስልታት ተንቲኑ ከቕርብ ከሎ ብወገን ደምበ ፍትሒ ወይ እተን ተወዲበን ዝጸንሓ እቲ ዘድሊ ናይ ምቕጻል ጡጡሕ ባይታ ዘይምድላወን፣ ነቶም ካብ መቑሕ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ዝወጹ እቲ ዝግብኦም ናይ ለውጢ ቃልሲ ምእንቲ ከካይዱ ሂወቶም ዝመርሕሉን ምስቲ ኣብቲ ዝርከብሉ ሃገር ብሕጊ መሰሎም ዝረኽብሉ፤ ተሓሪምዎም ዝነበረ ባይታ ፍልጠት/ትምህርቲ በጋባብ ክኻፈሉን ክዋሃሃዱን ወይ ክጽንበሩን፣ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ንምስታፍ ክበቕዑ፤ ብዛዕባ መሰልን ጉቡእን ኣነጺሮም ፈሊጦም ንመሰሎምን መሰል ህዝቦምን ክዋሱኡ ንኽበቕዑ ኣብ ክንዲ ምግባር፣ ብዓይኒ ጠርጠራን ኣይረብሑን ዝብል ባዕላዊ ፍርዲ ክትህቦም ከለኻ፡ ብኸመይ ክቐርቡኻን ክስዕቡካን ይኽሉ? እሱ ጥራይ ከይኣክል፡ ፋሕ ኢልካን ኣብ ነንሕድሕድካ ዘሎ ዘይምቅዳውን ዘይምርድዳእን ኣጒሊሕካ ከተርእዮምን፣ ፍልልይካ ፖለቲካዊ ደኣ-ምበር ኣብ ሃገር ዘሎካ ራኢን ዕላማን ሓደ ምዃኑ ኣብ ክንዲ ምሕባር፣ ናባይ እባ ናብ ባይ ዝመስል ውድድር ዝዓይነቱ፣ በቢዓይነቱ ሕምየታ ከተስምዖ ከሎኻ ካብ ምቕራብ ምርሓቕ ይመርጹ። እዚ እዉን ጉድለት ናይተን ኣብ ደምበ ፍትሒ ተወዲበን ንቃለስ ኣሎና ዝብላ እምበር፡ ናይቲ ንኡስ ትውልዲ ሓይሊ ሃገር፡ካብ ምቑሕ ጨቋኒ ስርዓተ ህግደፍ ኣምሊጦም ዝወጹ ክባሃል ኣይካኣልን።

እዚ ኮይኑ ናትና ራኢ ብዛዕባ መንእሰያት ግዲኦምን ኣብ ሕብረተሰብ ከም ሞተርን መንኮርኮር ለውጢ፣ ደረኽቲ ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰብ ኣብ መጠረሽታ ካልኣይን መወዳእታን ዓንቀጽ ተራ መንእሰያት ኣብ ሃገር ከነቕርብ ኢና።

ህጂ’ውን ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራርመር ተባራበር

ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ

Read in PDF ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ATV: ዘተ ምስ መንእሰያት ሞራል ተኽለሃይማኖት፡ ጴጥሮስ ክፍለ፡
ብዛዕባ ተራ መንእሰያት ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ
ብ ኤደን ኢያሱ -1ይ ከፋል


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: