ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት (2ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/10/2020 23:55 PM

ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት
(2ይ ክፋል)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት Part-2

ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት።

2ይ ክፋል


ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሰላም ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፣እንሆ ከምቲ ተማባጺዕናዮ ዝነበርና ካብ ሓድሽ ልደት ሓርነት መጺሔት ብምውሳድ ብኽፋል ኣቕሪብና ከም ዝነበርና፣ቀጻልነቱ እና ኣቕረብና ናትና ትዕዝብትን ራኢን ከም እነሰንዮ ከምትግንዘብዎ ኣይንጣራጠርን፡፡

ከምቲ ኣብ ጹሑፍና ኣገንዚብናዮ ዞሎና፣ ሕብረተሰባትና ከምቶም ናይ ዓለምና ሕብረተሰብ ኣባቛቑላኡን ዝፈሮ ዝምድናታትን፣ ዘማዕበሎ ባህልን ልምድን፣ ዘካናወኖ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ስነ-ፍልጠትን፣ ስነ-ኣእምራዊ ምዕባለ፣ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕ ምክያድን፣ ንዕኡ ዘማሓድር ስርዓተ-ሕጊ ብምንዳፍን፣ ዕቑረት መንነቱን፣ ነታ ናተይ ዝብላ ሃገር ምክልኻል፣ ንኽዘምትዋን ክገዝእዋ ዝመጹ ሓቢሩ ምንጻግን፣ ምዃኑ ንምብራህ፡ ናይ ተማራመርቲ ሕብረተሰብ፣ ጠቒስና ነይርና ኢና፡፡ ሕጂ እቲ ኣርእስቲ ቐጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰብ፣ ዝብል ኣርእስቲ ካልኣይ ክፋል ነቕርብ፡፡

መስርሕ ዘመናዊ ምጽናት ኣብ ኤርትራ

ኣብ ኤረትራ እዚ ኲናት ስነ ኣእምሮ በዞም ዝተጠቕሱ ተዋሳእቲ እናተኻየደ እንከሎ፣ስጋዊ ኣካል’ቲ ንኡስ፣ብሓይሊ ብረት ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ካብቶም ዝበቁዎ ወለዱ ከም-ዝፍለ ይገብር፡ካብቶም ዓይኒ ወለዱ እናረኣዩ ዝምህርዎ ፍርሃተ-ወለዲ ዘለዎም መምህራን ተፈልዩ ናብ ወተሃደራት ወይ’ውን ንርእሶም ውን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ዝነብሩ መምህራን ከምዝኸዉን ይገብር፡ካብቶም ፍርሓት ፈጣሪን ሞራላዊ ዝህብዎ መራሕቲ ሃይማኖት ይፍለ፣ካብ ስሩዓት ቤት ትምህርታት ናብ ኣይ-ወተሃደራዊ ካምቦታት ኣይ-ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ዘይስሩዕ ‘ቤት-ትምህርቲ’ ይሰጋገር፡፡ ካብ መጻሕፍቲን ምኽሪ ምሁራትን ይርሕቕ።በዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽር ጸረ ሓድነት ኣጽናቲ ሓይሊ ይወድቕ፡፡ ንስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ድማ ዘራይ ዘይብሉ ብንኡስ ዓቕሙን ፍልጠቱን ይገጥም። ኣብዚ እንተተሳዕረ ዝተሓዞ ኣይኮነን፣እንተኾነ ነዚ መፈንጠራ ዝስግሩን ዝስዕሩን ውሑዳት ከምዘለዉ ግን ዘይምርሳዕ፡፡

በዚ ኮይኑ በቲ፡እቲ ንኡስ ኣብ ትሕዝቲ’ዚ ሓይሊ ምስ ወደቐ፣እቲ ቀዳማይ ዝመሃሮ ነገር፣ ‘’ግበር-ኣይትግበር፣ስራሕ ወተሃደር’’ ዝብል ሓጺር ትእዛዝ ኮይኑ፣ ‘’ቅድም ትቕጻዕ ድሓር ትሓትት’’ ዝብል ካልእ ዘይፍትሓዊ መተክል ይድረቦ፡፡

እቶም ንኡሳንት ነዞም እዚኦም ኣብ ውሽጦም ኣሳዕሪሮም ከይተቓወሙ ከተግብሩ ኣብ ዝጅምርሉ፡ኣብቲ ስነ ኣእምራዊ ኲናት ተሳዒሮም ካብ ዝሓስቡ ሰባት ናብ ትእዛዝ ዝፍጽሙ ጉዕዞ ‘’ሀ’’ ኢሎም ጀሚሮም ኣለዎ ማለት እዮ። እዚ ንነዊሕ ዝጠመተ ትልሚ ምምስራሕ ባሮት ናይ ኣጋጣም ጉዳይ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ብዙሕ ምምርማር ኣየድልን፡፡

ከም ኣብ ምምራቕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዙርያ ብሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. እተገልጸ፣ ዳርጋ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ኣቢሎም ዝኾኑ መንእሰያት በዚ ኣካይዳዚ ሓሊፎም እዮም።እዚ ቀሊል ቁጽሪ ኣይኮነን።ዝያዳ ፍርቂ ናይቲ ኤርትራ ኣለኒ እትብሎ መንእሰይ እዩ።ኣብ ጽባሕ እምብኣር ካብዞም ቅድም ተቐጺዖም ድሓር ከም ዝሓቱ ዝኾኑ፡ገሊኦም ፖሊስ ገሊኦም ደያኑ ክኾኑ እዮም።ወሎዶ ምሉእ ደማ ቅድም ንዘይተጻረየ ነገር ተቐጺዕካ ምኻድ ከም ኑቡር ክወስድዎ ዝኽእለሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ፡፡

እዚ’ዩ ድማ በቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ትርጉም ምጽናት ምስ እንርእዮ፣እቲ ፍትሓዊ ‘’ዱኽዐይ” ኢሉ ኣብ ባይቶ ዓደብኡ ደው ኢሉ ዝሓድር ዝነበረ ህዝቢ ጸኒቱ፣ኣብ ቦቱኡ ብዘይ ሕቶ ‘’ኣብሩኽ’’ ተባሂሉ ዝብሩኽ፤ወለዶ ምስተተክአ፣እቲ ቀዳማይ ጸኒቱ ይብሃል።ምኽንያቱ ተተኪኡ ዝብል ቃል ስለዘይገልጾ።በዚ ድማ እቲ ኣብ ኣእምሮ ናይዞም ንኡሳት እተገብረ ኲናት እቲ ኣጽናቲ ተዓዊቱ ክባሃል ይክኣል፡፡

ምርጫ ቦታ ዓውደ ኲናት

ንምንታይ ግን እዞም ተጻረርቲ ሓይልታት ንኣእምሮ ናይቲ ንኡስ ከም ዓውደ ኲናት መሪጾም፣ኣብ ካልኦም ከይዶም ዘይፈታተኑ፤

እቲ ሓደ ወገን መልሲ ናይዚ ሕቶ፣ ባህርይ እዩ። እቶም ተጻረርቲ ሓይልታት’ውን ከይፈለጡዎን ከይሓሰብዎን ክገብሩዎ ዝኽኣሉ ኲናት ክኸዉን ይኽእል’ዩ።ዝኾነ ይኹን ሓድሽ ሓሳብ ዋላ ዉን እዞም እተጠቕሱ ሓይልታት ዘምጽእዎ ሓድሽ ኣታሓሳስባ ካብ ኣብ ዓበይቲ ኣብ ንኡሳን ቀልጢፉ ቦታ ይርከብ።ኣብ ኣእምሮ ዓቢይ ሰብ ኣቕዲሙ ዝጸንሐ ካልእ ሓሳባትን ተመኩሮን ስለዘሎ ንሓድሽ ነበር ብጠቕላላ ዘይምቕጻል ወይ ድማ ኣብ ፍልም ቀልጢፍካ ዘይምቕጻል ኣሎ። ኣእምሮ ንኡሳን ግን ከም ጻዕዳ ሰሌዳ እዩ ዝመስል። ንሕማቕን ጹቡቕን ከይመመኻ ብማዕረ ናይ ምትእንጋድ ዕድል ስለዘሎ ብተፈጥሮኡ ዓውደ ኲናት ኣተሓሳስባታት ናይ ምዃን ዓብይ ዕድል ኣለዎ፡፡

እቲ ካልእን ዝዓበየን፡ ወገን ናይቲ መልሲ ግን፣ እቶም ኣጽናቲ ሓይልታት ብፍላጥን ብደይ-መደይን፣ ንኡስ ወለዶ መላግቦ ናይቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣያታትን፣ናይቶም ንሱ ሓላፍነት ዝውለደሎም ናይ ጽባሕ ንኡሳትን ኮተቱን ከምዝኾነ ስለ ዝግንዘቡ፣ ነዚ መላግቦ’ዚ በቲኹ ዝተቖጻጸረ፣ብግብሪ ንመጻኢ ናይቲ ሕብረተሰብ ከም ዝቆጻጸር ድማ ስለ ዝርድኡ ንኣአምሮኡ ካብቶም ናይ ቀጻልነት ሓይልታት ንምምንጣልን፡መንጢልካ ዉን ናይ ወለዶታት ግዙእ ንምግባሩ ዘካይድዎ ኩናት’ዩ፡፡

ኣጽናቲ ሓይሊ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝገብረን ግጥማት እንተ ተሳዒሩ ስለዝድፈርን ካብኡ ንንዮ ከም ኳና ተላኻኺሙ ከምዝወድቕ ስለ-ዝፈልጥ፡ኣብ ኩሉ ምስ ሓይልታት ቀጻልነት ዝገብሮ ግጥማት ብዝየዋላውል ክስዕር ኣለኒ ኢሉ ይድምድም።ስለዚ ኣብዚ መስርሕ ይትረፍ’ዶ ፍትሓዊ ሕግታት፣ ነቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ዘይ ፍትሓዊ ሕግታት’ውን ክስዕብ ኣይንጽበዮን።እቲ ምንታይ ኣብቲ ሓንቲ ግጥም እንተተሳዒሩ ፈላሚት ስጉምቲ ውድቀቱ ስለዝኾነት።ስለዚ ኩሉ ግዝየ ነቶም ኣብ ኢዱን ቁጽጽሩን ዘለዉ እናደንደነ እናቐሸሸ እናጎነጸን እናጨፍለቐን ይቕጽል።ነቶም ካብ ኢዱ ዝወጹ ድማ ንብዓት ሓርገጽ እናነብዐ እናታለለን ብስዉር እናፈራርሐን ክነብር ይፍትን፡፡

ኣብነት ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ እቶም ሓደ ኣካል ናይቲ ንቐጻልነት ዝደፈኡ ሓይልታት ዝኾኑ ወለዲ ንንኡሳት ደቆም ‘’ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር’’ ዝብል ትምህርቲ ክምህርዎም ክፍትኑ ከለው፣ እቲ ንደቆም ናብ ዕስክርና ወሲዱ፣ ባሮት ክገብሮም ዝደሊ፣ Morale norms in different forms እቶም ንኡሳን ንዕስክርና ካብ ምኻድ እንተሓንገዱ፣ ንወለዶም ብምእሳር፣ወለዲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምኽንያት መቐየዲኦም ዝኾነ ወለዶም ከም ዝጉህዮ ይግባር። እቲ ነገር ብጓሂ ናይ ወለዲ እንተ ተዛዘመ፣እቲ መስመር ወላዲን ዉሉዱን ተበቲኹ፣ ኣጽናቲ ሓይሊ ሲዒሩ ቀጻልነት ወለዶ’ውን ንእስነቱ ኣብ ምጥርጣር ይወድቕ ማለት’ዩ፡፡

ከም ኣብ ዝበዝሐ ግዜ እንርእዮ ግን፣እቲ ውላድ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ እንተስ ነቲ ምስ ወለዱ ዝተኣሳሰር ገመድ ቀጻልነት ከይበትኽ፣ወይ ምእንቲ ካልእ ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ፍቕርን ሓልዮትን ወለዱ ኢሉ፣ከይፈተወ ናብ ዕስክርና ይምለስ’ሞ ንኣካሉን ኣእምሩኡን ንዝያዳ ጭቆና የቃልዖ።

ኣብዚ ድማ እቲ ንኡስ ብሰንኪ ኣማራጺ ምስኣን ካብ ሓይልታት ቀጻልነት ናብ ኣጽነቲ ሓይልታት ይወድቕ። በብቕሩብ ድማ ኣብቲ ስነ ኣእምሮ ኲናት መውጽኢ ጸቢብዎ ተጨፍሊቑ ይነብር። መሪርዎ ዳግም ክወጽእ ኣብ ዝፈተነላ ድማ፣ወላዲ ኣብ ሽግር ከይኣቱ እናፈርሐ ብዘይ ምሉእ ድፍረት ይኸዉን። ስለዚ ኣብዚ’ዉን እቲ ኣጽናቲ ሓይሊ ይዕወት።

እቲ ካብዚ ናብ ስደት ይኹን ናብ ካልእ ዘምልጥ ሒደት ድማ ናብ ወለዱ ኣሓቱን ክወርድ ዝኽእል ጸበባ ብምግማት፣ ኣፉ ዓቢሱ ተሳዒሩ ይነብር፡፡

እቲ ኣጽናቲ ሓይሊ፣ ነቶም ካብ ከብዲ ኢዱ፣ጥይት እናተተኮሰሎም ብጥበብ ዝመልቑዎ ንኡሳን’ውን ከይተረፈ ኣብ ዘዘለውዎ ክወሮምን ክቆጻጸሮምን ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕልን’ዩ። ሓንሳብ ካብ ኢዱ ሞሊቖም ኣብ ስደት ምስ ኣተዉ፣ ግን ብሓይሊ ስለ-ዘየርክበሎም፣ እቲ መሰሎም ዝኾነ ነገራት ንኣብነት ፓስፖርት ምርካብ፡ወይ’ውን መሬት ኣብ ‘መበቆል-ዓድኻ’ምውላድ፣ናይ ምምሕዳር ከተማታት ቤት ትምህርቲን ሰነዳት ኣብ ስደት ብገንዘብ ከምዝሸየጠሎም ብምግባር ወይ’ውን ምኽንያት ፈጢሩ ‘ብይቕረታ’ ኣድኒኑ ኣፎም ክሓትሞም ይፍትን። ሓንሳብ ሓንሳብ ድማ ብጓይላን ፍትወት ምቖትን ኣደናጊሩ ብዛዕባ ፖለቲካ ከም-ዘይሓስቡ ክገብሮም ይፍትን፡ብዙሕ ግዜ ድማ ይሰልጦ።ስለዚ ኢና ድማ እቲ ሓዉን ሓፍቱን ብሰንኪ ፖለቲከኛታት ኣጽነቲ ከርተት ዝብልዎ፣ ንርእሱ’ዉን ብኽንደይ እግዚኦ ካብ መዓት ዝወጸ መንእሰይ ‘ፖለቲካ ኣይፈቱን’የ እናበለ ክነሱ ኣብ ፈቐዶ ብኣኼባታትን ትምህርቲ ስነሓሳባት ህ.ግ.ደ.ፍ. እተሰነየ ጓይላታትን ‘’ካልእ ሓርነት የለን’’ እናበለ ክቆጻጸን ክልሀን እንርእዩ፡፡

እዚ ማለት ግን እቲ ሓራ መንእሰይ ካብ ጓይላታት ካልኦት ማሕበራውያን ንጥፍፈታትን ንነብሱ ነጺሉ ናብራ ብሕትውና ክነብር ይግባእ ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝነቕሐ መንእሰይ ነቶም ብመፈንጠራ ጓይላታት ተታሒዞም ዘለዉ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ካብቲ ተታሒዞሞ ዘለዉ መፈንጠራ ከድሕኖም ስለዝግባእ፡ ኣብ ጓይላታት ከይዱ እንተረኸቦም፣ እሞ ካብቲ ጥሒሎሞ ዘለዉ ቀላይ ምድንጋር ጀሊቡ ከድሕኖም እንተሃቀነ ግቡኡ እዩ ዝገበረ። ኣብቲ ዝጽንበሮ ዘሎ ጓይላታት ግን ደኒኑን ምስ ኣጽነቲ መሲሉ ተማሳሲሉን ከዳምቕ ዘይኮነ፡ ሓቀኛ ሓርነታዊ እምነቱ ዓው ኢሉ እናገለጸ፡ ነቶም ዝተጋገዩ ንነብሶም ዘይኮነ ንዕላምኦም ከምዝጻረሮ ዓው ኢሉ ከረድእ ክሓትት፣ ክማጎትን ክረትዕን ይግብኦ። ኣብ ጓይላታት ኣጽነቲ ተሳቲፉ፣ ትም ኢሉ ኣፉ ዓቢሱ ዝመጽእ ግን፣ እንተወሓደ ወሓደ እቲ ኣብኡ ዘጥፍኦ ገንዘብን፣ ናይ ኣጽናቲ ሞራል ክብ ምባልን፣ ንሓርነት ካልኦት ከምዝዓገበ ክርዳእ ኣለዎ። ካብ ከምዚ ዓይነት ምስታፍ ድማ፣ ኣብ ሰላም ቤትካ ኮፍ ምባል ከም-ዝበልጽ ክርዳእ ኣለዎ፡፡

ሕጂ ዉን ነዚ ጎራሕ መፈንጠራታት ‘’መሬት ምውሳድ’’ ‘’ይቕረታ ምሕታት’’ ጓይላታት ዝሰገሩ፣ነዚ ሰጊሮም ሓራ ሓሳባቶምን ተሞኩሮኦምን፣ ታሪኾምን ክስፋሕፍሑ ዝጽዕሩ ኣለዉ። ግናኸ’ቲ ኣንጻር ቀጻልነት ናጻ ኣታሓሳስባ ዝነቐለ ህግደፍ ከጽንቶም ስለዘለዎ፣ ብኣውራጃውነት ብዓሌትነት፣ ብሃይማኖታዊ ጥሩፍነት እናኸሰሰ፡ ኣተሓሳስቦኦም ኣብ ዝቕጽል ወለዶስ ይትረፍ፣ ኣብቶም ኣብ ጥቕኦም ዘለዉ’ውን ከምዘይሰግር ክገብር ይፍትን። ሕጂ’ዉን ብዙሕ ግዜ ይሰልጦ።

እዚ መፈንጠራ ክሰታትን ጸለመን ንንኡሳት ጥራይ ዘይኮነ፣ነቶም ንንኡሳት ክምህሩን ሓበረታ ክህቡን ጽልዋ ከሕድሩን ይኽእሉ እዮም ዝባሃሉ ዓበይቲ’ውን ዝንሕፎም ኣይኮነን። ንኣብነት ሓደ ትማሊ ‘’ኣቤት’’ እናተባህለ ዝስማዕን ዝፍራሕን ዝነበረ በዓል-ስልጣን-ነበር፣ ናይ ውሽጢ ኣስራርሓ ክፈጥን ክትንትንን ዝኽእል፣ ብዝነብሮ ስቱር ናይ ውሽጢ ሓበረታ ነቲ ስርዓት ዘሰክፎ ነገረት ዝፈልጥ፣ ነቲ ስርዓትን ኣካይድኡን ምስጠንጠኖ፡ ሓደ ክልተ ቃለመጠይቕ ምስ ናይ ‘ተቓወምቲ ናይ ዜና መርበባት ምስ ገበረን፡ ሓደ ክልተ መዓልቲ ሰሚናር ምስ ሃበን፡ቅሩብ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ገለ ወብሳይት ዝወጽእ ጽሑፋት ምስ ሰደደ፡ ኣብ ናይ ኣዋርሕ ግዜ ብምሒር ጥቀናን፣ ብሃይማኖት፣ ወይ ብዓሌት ወይ ብብልሽውና ወይ’ውን ካልእ ተቓዋማይ መሲልካ ዝስደድ ናይ ቃላት ኩርንዒትን፣ ነቲ ሰብ ኣብ ደምበ ቐጻልነት ቅቡል ከምዘይኮነ ከምዘስምዖ ብምግባርን፡ ኣፉ ከምዝዕበስ ይኸዉን። እቲ ዝድለ ኣፍ ምዕባስ’ዩ። ኣተሓሳስብኡን ተቓውምኡን ሒዙ ኣብ ሓደ መሽጎራጉር ስደት ኣጽቂጡን ኣዝጊቡን ይነብር። እቲ በዓል-ስልጣን-ነበር ሰብ ዝገበሮ ናይ ኣዋርሕ ቃልሲ ኣወንታዊ’ኳ እንተኾነ፣ ብመነጽርቲ ንዓመታት ወይ ንወለዶታት ክቕጽል ዝግብኦ ቃልሲ ግን ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ዘይብሉ ድኹም ወስታ ኮይኑ ይተርፍ። ኣብዚ’ውን እቲ ኣጽናቲ ሓይሊ፡ ነቲ ካብ ውሽጡ ዝነቐለ ተጻራሪ ስነ-ሓሳብን፣ ንብዛዕባ ውሽጣዊ ኣሳራርሕኡ ዝምልክት ስቱር ሓበሬታ ዝፈልጥ’ውን ከይተረፈ ብጥበብ ኣፉ ኣሕቲሙ፣ ን ኣእምሮ ንኡሳት ካብዚ ሓሳብን ምስጢርን ከይሰምዑ ከልኪሉ፣ ስዒሩ እናገዝአ ይነብር፡፡

እዚ ኣጽናቲ ሓይሊ ከጽንት ኢሉ ዝወሰዶ ተበግሶ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ድምጺ’ቶም ቀጻልነት ከረጋግጹ ዝደልዩ፣ወይ ውን ኣብ ጉዕዞ ቀጻልነት ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ክህልዎም ዝኽእል ሓይልታትን ክደፍን ኢሉ ዝወለዶ ስጉምታት ከምዘሎ የርእየና። ንገለ ወራዙትን ዓበይቲ ዓድን ብገንዘብ ክጥብር ከምዝፍትን፣ ከምኡ ድማ ንመራሕቲ ሃይማኖት ብስዉር እናጎጠየ ኣብቲ ዝመርሑዎ ደምበ ፋሕ-ብትን ከእቱ ከምዝፍትን ብዙሕ ጭብጥታት ኣሎ። እቲ ምኽንያት፣ እቲ ኣጽናቲ ሓይሊ ብደረጃ ሞራላዊ ተሰማዕነቶም ኣብ ህዝቢ በሊጾምዎ ክርኣዩ ዝኽእሉ ኣንፈት ሕብረተሰብ ከስተኻክሉ ዝኸእሉ ዓበይቲ ዓዲ ይኹኑ መራሕቲ ሃይማኖት ተጻረርቲ ስነሓሳቡ ስለ ዝኾኑ ክንሕፎም ኣይርከብን። ኣብዚ’ውን ብዙሕ ግዜ ይሰልጦ።

ደስ ዘይብል ሓቂ

ኣብ መንጎ ነባሪ ዓወትን ግዝያዊ ምራላዊ ጸብለልታን ዘሎ ፍልልይ

ኣብዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ እንተታት ኩለን እቲ ኣጽናቲ ሓይሊ ህግደፍ እዩ ዝስዕር ዘሎ።

ኣብዚ ‘’እቲ ሓይሊ ቐጻልነት ከሎ ግዝየ ድዮ ዝሰዓር ?‘’ ዝብል ሕቶ ክመጻና ግዲ ይኸዉን።እቲ መልሲ ደስ ዘየብል፣ ግና ቃል ዓለም ዘይብሉ ‘’እወ’’ እዩ። ንስዓርነት ቅድሚ ምትንታንና ኣብ መንጎ ነባሪ ዓወትን ግዝያዊ ሞራላዊ ጸብለልታን ዘሎ ፍልልይ ክንርድኦ ኣገዳሲ’ዩ። ብርግጽ፣ ሓይልታት ቀጻልነት ግዝያዊ ናይ ሞራል ጸብለልታ እናሻዕ ዝረኽቡሉ ግዝየታት ኣሎ እዩ፡ እዚ ግና በቲ ዝዓበየ ኣብ ባይታ ዝመጸ ለውጢ ምስ ዝምዘን፡ ጥምዓዊ ክብርን ለጠቕን ሞራል ናይቲ እዋንቲ ተሳተፍቱ እምበር፡ከም ዓወት ተመዝጊቡ፡ ንዝስዕብ ስጉምቲ ባይታ ዘንጸፈ ዓወታት ዛጊት የለን ወይ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ስለዚ ብዘይ ቃል-ዓለም፣ ኣብዘን ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ሓይልታት ምጽናት ኣቚመንኦ ካብ ዘለዋ ዓንድታት ሓንቲ ምስ ትዕሎ፣ እቲ ካልእ ተዛናቢሉ ከም ዝወድቕ ርጉጽ ስለዝኾነ፡፡

እታ ንእሽቶይ ግን ረዛን ዓወት

ቀጻልነት ሓይልታት ቀጻልነት

ሓይልታት ቀጻልነት ንኩሉ ንምጽናቶም ዝተኣልመ እኩይ መደባት መኪቶም ኣተሓሳብኦም ጨሪሱ ዘይምጥፍኡን ክቕጽሉ ምድላዮምን እዩ እቲ እንኮን ኣዝዩ ዓብይን ብልጭኦም። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ድማ፣ ንኣጽናቲ ሓይሊ ክስዕሩ፣ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን ወሰንቲ ግጥማት ጥራይ ነቲ ኣጽናቲ ሓይሊ ሕሪሕራይ ጌሮም ክስ ዕርዎ ኣሎዎም፡፡ ሽዑ እቲ ክድፈር ዘይደሊ ኣጽናቲ ሓይሊ፡ ሓቀኛ ሕብሩ ክደምቕ እዩ፡፡ ፈተውቱን ጸላእቱን ድማ ክልለዩ እዮም፡፡እቲ ተደናጊሩ ዘሎ ድማ በቲ ዝደምቕ ሕብርታት ዘይበርሃሉ ነገር ክበርሃሉ እዩ፡፡

እቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ዝግመት ግን፡ ብኣብ ሓፋሽ ዝዝራእ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ጥራይ እዩ። እዚ ኣታሓሳስባዚ ንቐጻልነት ህዝቢ ኣብታ መዳሕንቱ እተቐብረላ መሬት ዘረጋግጽ፡ ዘየዳግም ምግልባጥ እተፈጸሙ እኩያት ተግብራት ሓይልታት ምጽናትን፡ ካብኡ ሓሊፉ ንጹር ርድኢት ናይ’ቲ ንሓዋሩ ክተኽሎ ዝደሊ መንብሮ/ሓርነት ምስ-ዝህልዎ ድማ ምሉእ ዓወት ይኸዉን፡፡

እሞ እንታይ ድኣ ይኹን ምርጫና፡

ምርጫና ሕጂውን ምቕጻል እዩ፡ግና ብኸመይ ?

ሓደ ሕብረተሰብ ከም ሕብረተሰብ ክቕጽል እንተ ኮይኑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓደ ስድራ ዉን እንተኾነ፡ከም ስድራ ክንቕጽል እንተኾይኑ፡ ውሕስነት ቀጻልነት ነቶም ናይቶም ካብቲ ስድራ ዝነኣሱ ኣባላት ክረጋገጸሎም የድሊ። ኣብ ሓደ ስድራ እቲ መንእሰይ ኣብ እዋን ንእስነቱ ተለኣኻይ፡ ኣብ ጥሪትን ማሕረስን ወፉራይ፣ ሓራሳይ፣ ሓጋዛይ፣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ምንኣሱ መሃራይ’ውን እዩ፤ኣብ ኩሉ ወገናት ናብራ ድማ ኣዝዩ ኣወንታዊ ተራ ኣለዎ። በዚ ድማ ካብ ኩሉ ኣባል ስድራ ክንክን ይግበረሉ። ተራ መንእሰይ ኣብ ሃገር ድማ ከምኡ’ዩ፡፡

ንኣብነት ሓደ ምስ ኣረገ ክጥወር ዝደሊ ኣላይ ስድራ ወላዲ፡ ጠዋሪኡ ዝኾኖ ምስ ዘየዕቢ ኣብ እርጋኑ ኣላይ ዘይብሉ ከምዝድርበን፡ ብኣንጻሩ እቲ ንደቁ ዘምሃረ፡ ንደቁ ኣብ ዝብጻሕ ዘብጽሐ ድማ ብደቁ ፍረ ጻምኡ ከምዝረክብ ማንም ዝስሕቶ የለን። እቲ ምንታይ እቲ ሎሚ ዝዘራእካዮ ጽባሕ ስለ ትሓፍሶ።

ሕብረተሰብ ድማ ካብዚ ኣብነት’ዚ ዝወጽእ ኣይኮነን። ሓደ ሕብረተስብ ሎሚ ቤት ትምህርቲ እንተዘይብሉ፣ ጽባሕ ምሁራት ወይ መማህራን ኣይህልዉዎን፣ ሎሚ መማህራን እንተዘይብሉ፣ ጽባሕ ካልኦት መማህራን የብሉን ቤት ትምህርቲ’ዉን ኣየድልዮን፡ ሎሚ መሃንድሳቱ ኮብሊሎም ጥራይ እንተተሪፉ፡ ጽባሕ ጽርግያን ህንጻታታትን የብሉን፣ ሎሚ መንእሰያቱን ንኡሳቱን ሕጊን ስርዓትን ‘’ፎእ’’ ከምዝብሉ ኮይኖም ፖለቲካን ሰዓርትን ዓለም እንተዘይተማህሩ፡ ጽባሕ ኣብ ባይቶታት ዓለም ስለ ንረብሓ’ቲ ሕብረተሰብ ደው ኢሎም ዝማጎቱሉን መሰላቱ ዘኽብሩሉን ዲፕሎማኛታት የብሉን፣ ሎሚ ሓቀኛ ወካል ህዝቢ ዝኾነ ባይቶ እንተዘይብሉ፣ ጽባሕ ንኹሉ ዘናብር ፍትሓዊ ሕጊ የብሉን። ሎሚ ተመራማራይ ከውሒታት እንተዘይብሉ ጽባሕ ንማዕድናቱ ዘውጽኣሉ የብሉን፡፡

‘’ግን’ኮ ኤርትራን ባሕራን ማዕድናታትን’ኳ ፍሉያት እዮም ‘’ ዝብል ምኽሪ ዓያሹ

እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሞጎት ምስ ኣቕረብና፡ከምቲ መራሕ ህግደፍ ንኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተማሃሮ ዝበሎ ‘’ሞያታት ህንደሳን ሕጊን፡ምምህርናን ድርሰትን ካልእን ‘ሳላ ዓውለማ’ ብወርቂ ‘ ክሽመት ይክኣል እዩ ‘’ ዝብሉና ክንሰምዖም ኢና። መልሱ ‘ ኣዲኣ ገዲፉስ፣ሓትናኣ ትናፍቕ እዩ ‘ ። ድሕሪ ዕስራ ዓመት ሓደ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ ህጻን ኣብ ዓዱ ብዝሓልዩሉ ኣሕዋቱ ተማሂሩ፡ቅድም ንወገኑን ዓዱን እናጠቐመ፡ድሓር ንነብሱ፣እንተተረፈ ንህዝቢ ዓለም ክጠቅም ክንዲ ዝትምነዩ፡ሓደ ናይ ሎሚ ምዕራባዊ፣ ህንዳዊ ወይ ኩባዊ ህጻን ኣብ ዓዱ ተማሂሩ፣ ቅድም ንነብሱ ስድራኡን፡ድሓር ንዓዱ፣ እንተተረፈ ዓለምን፣ ኣብ መወዳእታ ንሃገርና ክጠቕመልና ይትምነዩ ኣለዉ ማለትዩ። ኣይክኣልን ክንብል ኣይንኽእልን ግን፣ ‘ታሪኽ ረፑብሊክ ኮንጎን ማዕድናታትን፡ከምኡ ድማ ናይ ሎሚ ኣተሃላልዋ ህዝባን ስርዓታን ‘ ረኢኹም ትምኒትኩም ኣሰተኻኽሉ ክንብሎም ይግባእ።

ናይ ሎሚ ኩነታት ኤርትራ ፍሉይን፡ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ዝገብሮ፡ግን ሎሚ ኩሉ መንእሰይ ኣብ ‘ሃገራዊ ኣጎልጉሎት ‘ ከይዱ ቅድም ዝቕጻዕ ድሓር ዝሓትት ኮይኑ እንተድኣ ተሰሪሑ፡ጽባሕ ገለ ካብዞም ሰባት ደያኑ ምስ ኮኑ ቅድም ቐጺዖም ድሓር ተቓላሳይ ዝያዳ ‘እዚ ጎይታይ’ ብሃላይ እናኾነ ንዝያዳ ጨቖንቲ እናለምለመሉን እናተመቸዎምን ይኸይድ።ድሮ’ውን ብዘሰተንክር ኣገባብ ናብኡ ገጹ ኣምሪሑ ይርከብ።

ንኣብነት ኣብ ክፋላ ክልተ ሽሕ ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ብጂ-ዓሰርተ ሰለስተ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኤርትራውያን ጉጅለ ምሁራት ናብ መራሕ ሃገር ዝላኣኽዋ ደብዳበ ፎቶ ኮፒ እናኾነት ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣስመራ ብብዝሒ ተዘርጊሓ ነበረት። ኣብ ገለ ናይ ግሊ ጋዜጣታትውን ተሓቲማ ነበረት። ትሕዝቶኣ ንእዋኑ ንጎኒ ገዲፍና ነቲ ዝነበረ ሃዋሁ ንመለስ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶን ኣቀራርባን’ታ ደብዳበ ተቓውሞኳ እንተኾነ፡ ክብረት እተሓወሶን ልዙብን ነበረ። ህዝቢ ናቱ ግምት ወሲዱ ከይተሰከፈ ነታ ቅዳሕ ሒዙ ኣብ ቤት ሻሂታትን ቤት ብልዕታትን፣ ማእከል ሹቓትን፡ መዓርፎ ኣውቶቡሳትን ኣብ ቃልዕ ወጺኡ፣ ገሊኡ ናብ ጽሓፍታ ወጊኑ ገሊኡ ድማ ‘’ኣይግዚኡን’’ እናበለ ክካታዕን ክዝቲን ይርአ ነይሩ። ሎሚ ድሕሪ ዓስርተ ዓመት ባዕላ እታ ናይ ሽዑ ደብዳበ ሒዙ እናደገፈ ክካታዕ ዝርክብ ሰብ ዓብይ ሓደጋ ከምዘለዎ ንርኢ። እታ ወረቐትን ትሕዝቶኣን ሓንቲ ክነሳ፡ ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ ሕብረተሰብ ሒዝዋ ክርከብ ዘይተፍርሖ ዝነበረት ነዚ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ግን ተፍርሖ። ካብዚ እንርድኦ ነገር እዚ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ካብቲ ናይ ቅድሚ ዓስርተ ዓመት ሕብረተሰብ ዝያዳ ፍርሒ ዝተዘርኦ ከምዝኸዉን ከምተገብረን፡ እቲ ሕብረተሰብ ዝፈርሓሉ ዞሎ ምኽንያት ድማ ብኣጋጣሚ ወይ ፈራሕ ተፈጢሩ ዘይኮነስ፡ ነዚ ፍርሒ’ዚ መሃዚን ሃንዳሲን ከም ዘለዎ፣ ካብ ዕድልን ሃለዋትን ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ቅድሚ ዓይኑ እተመንጠሉ ሕሩያቱ ተማሂሩ ከምዝኾነ እዩ፡፡በዚ ኮነ በቲ ግና እዚ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሕብረተስብ ንጨቆንቲ ዝያዳ እተመቸወ ከም ዝኾነ ንርዳእ፡ እዚ ደው እንተዘይሉ ድማ ናይ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ሕብረተሰብ ካብዚ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ዝገድድ ከምዝኸዉን ጥርጥር የለን። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ዘመን ክልተ ሽሕ ዝዘራእናዮ ሎሚ ንሓፍሶ ዘልና፡ ሎሚ ዝዘራእናዮ ድማ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ከምንሓፍሶ ርግጽ ዝኾነ ነገር ስለዝኾነ።

እሞ’ኸ ድኣ ነዚ ናይ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኩነተትን ካብ ኩነት ፍርሒ ንምድሓን፡ መገዲ ሓርነት ንምቕላስ እንታይ ክንገብር ይግባእ ? ክብል ኣርእስቲ ‘’ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰብ’’ ብኣዳለውቲ ሓድሽ ልደት ሓርነት መጺሔት ክንምልሶ ዝግባእ ሕቶን ከነካውኖ ዘሎና ስርሓት ሓርነታዊ ቃልሲ ኣቐቢሎሙና ኣለዉ፡፡

ብወገና ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጹሑፍና ብቢሂል ተማራማሪ ፖለቲካ፣ ኣብነት ብምውሳድ፣ ‘’እንታይን፣ ከመይን፣ መን ምዃንካ ከይፈለጥካ፣ እቲ ክትኾኖ እትደሊ ምንዳይ እዩ ናይ ፖለቲከኛታት ጸገም’’ ዝብል፡ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ኩሉ ፖለቲከኛ ወይ ተንታኒ ፖለቲካ ክኸዉን ዝህቅን።ፖለቲካ ከም ጽንሰ ሓሳብ፣ ስነ-ፍልጠት(science)፣ ስነ-ጥበብ(art)ንደቅሰባት ምምሕዳርን ካብ ኮነ፤ ከም ዜጋታት ሕብረተሰብ፣ ብሲኒትን ምውህሃድን ሓቢርካ እትነብረሉ፡ ኣጋባብ ክንክተልን እቲ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ድማ ልእላውነት ሃገር ከይርገጽን፣ ሓድነት ህዝቢ ከይፍንጣሕን ድልድል ኮንካ ትካላኸለሉ፡ ፍትሕን ልእላውነት-ሕጊ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ እትጽዕረሉ ምዃኑ ብሩህ ኮይኑ ክርኣየናን ክንሰርሓሉን ይግባእ።

ብሕጽር ዝበለ ፖለቲካ፡ ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብ ፖለቲከኛ ክኸዉን ዘይኮነስ፣ ነቲ ማሕበራዊ ፖለቲካ ከም-ዓቕሙን ክእለቱን ግዲኡ ምስ ዘበርክት፣ ንሕብረተሰቡ ከጓንፎ ዝኽእል ጸገማት ንምፍታሕ ጻዕሪ ምስ ዘካይድን፣ ጹኑዕ እምነት ሓድነት ህዝቡ ሓልዩ፣ ብቓልሱ ዘራጋገጾ ናጽነት ሃገሩ ምስ ዝሕልዎ ዝብል እምነት አሎና፡፡

ፐሪክለ (Pericle) ከምዝሕብሮ ‘’እቲ ክግበር ዘለዎ ምፍላጥ፣ ንኽትገልጾ ብቑዕ ምዃን፣ሃገርካ ምፍቃርን፣ ቁኑዕ ምዃንን’’ ንእትነብረሉ ሕብረተሰብ ጠቓሚ፡ ንዕላማ ማሕበራዊ ዑውት ክኸዉን ሓጋዚ’ዩ ዝብል ዓይነት ተዛሪቡ ነይሩ፡፡ ከሙኡ ቻርለስ ሉዊስ ደ ሞንተስከው (Charles Louis de Montesquiu) ኣብ 1689-1755 ብሩህ ገይሩ ዝገለጾ፡ ስነ-ኣእምራዊ ደቂ ሰባት ሙዑሩይ ናብራ ኣብ ሕብረተሰቦም፣ ክህሉ ዝኽእል፡ ንሓበራዊ ጠቕምን፣ ትኽክለኛ ዝኾነ ሂወት ክነብርሉ ዝኽእሉ፡ ተፈጥራዊ ናጽነቶም ንምሕላው ብስነ-ስርዓት ዝተቐለሰ ምስ ዝኸዉን እዩ። እዚ ምዕባለ’ዚ ዝብጻሕ፣ ብሓደ ሰፊሕ ምስታፍ ኣብ ማሕበራዊ ሂወትን ፖለቲካዊ ስርሓትን፤ በቢ ዘጥረኻዮ ብቕዓት/ተሞክሮ ክትሰርሓሉን ከተራጋግጾ ምስ ዝካኣል ጥራይ’ዩ ዝብል ምስክርነትን ሓበረታን ሂቡ፡፡

እዞም ዝጠቐስናዮም ሰብ ዓቕሚ፡ ሰፊሕ ትምህርቲ ንኹሉ ፍጥረተ ሰብ ዝጠቅም ብጹሑፍ ዘበርከቱ፡ ደቂ ሰባት ኣባላት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾኑ፡ ብንጽህናን ትብዓትን ተወፋይነትን ነታ መበቆሎም ዝኾነት ሕብረተሰብን ዝፈጠርዋ ሃገርን ኩሉ እቲ ዝካኣሎም ብጉቡእ ምስ ዘካናዉኑ፣ ኩሉ’ቲ ንውልቃዊ ናጽነት ምስ ማሕበራዊ ረብሓ ኣዛሚዶም ክሕዝዎ ኣይምጸጎሞምን፡፡

ቀዳምነታት ነታ ናብዛ ዓለም ዘምጽኣትካ ስድራ-ቤት፣ ስዒብካ ናትካ ዝኾነት ሕብረተሰብ(Community) ካብኡ ሓሊፉ ብሃገር መጠን ጠሚሩ ዝሕዘካ ልእላውነት-ሕጊ ፍትሕን ዲሞክራስን ከተጣጥሕ፡ ናይ ኩሉ ተቓላስይ ንፍትሒ፡ ተሳታፍነት ዘለዎን፣ ማእከሉ ህዝቢ ዝኮነ ባይታ ከተሳናዱ ይግባእ፡፡

ብሕጽር ዝበለ ኩሎም’ዞም ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋስኡ ዘለዉ፣ቀዳምነታት ክሰርዑን.ሃገርን ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ቀዳምነት ሂብካ፣ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ዓይነተ ቃልሲ ከካይዱ እዩ ምሕጽንቶና፡፡

ኩሉና እንዕዞቦን እንካታቶሎን ዘሎና ግን ጎጆይ ጎጃኻ፡ ወይ ነታ ተወዲቡላ ዘሎ ውድብ ቀዳምነት ሂቡ ይጓዓዝ ዘሎ እዩ ዝመሰል፡፡

እንተ ደኣ ንህዝብና ከነገልግል ዝብል ዕላማ ኣልዩ፣ ጠለብ ህዝቢ ከተግብሮ፣ ናቱ ምልዓል ከነጠንክርን፣ ዘድልዮ ሞራላዊን ንዋታውን፣ ዓቕሚ ክእለትን ዝቐመስናዮ ተሞክሮን ሞያን ፍልጠትን፣ ከነውፊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ከርሲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኮይንካ ብሃገራዊ መልክዕ ክንጣራነፍን፣ ሓበራዊ ስርሓት ከነካይድን ይግባእ፤ ዝብል ተዳጋጋሚ ጺዊዒትና ካብ ምቕራብ ኣይከነቋርጽን ኢና። እቲ እንላበዎ ትምኒት ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ፣ እተን ተወዲበን ዘለዋ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም ዘለወን ምዝኽኻር ከየቋረጽና ካብ ምጽሓፍ’ዉን ኣይነቋርጽን፡፡

ናይ መጠርሽታ መዛኻኸሪ፡ ንሕና ኩላትና ማዕረ’ቲ ኣቦታትና ዝገደፉልና ሃገራዊ ውርሻ ክንከዉን’ዩ ዝግባእ።

ስለዚ ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ

Read in PDF ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዎ) ቤተሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ሕብረተ-ሰብን። ብ`ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም፡
Deracinating/ Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family: An Imminent and Permanent Danger to the Survival of Eritrea as a Nation State and as a Society. By Dr. Gebre Gebremariam.


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: