ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

10/10/2020 15:58 PM

ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት

ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት።

ቀዳማይ ክፋል


ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት ከመይ ቀኒኹም፡ሎሚ’ዉን ከም ወትሩ፣ኣገዳሲ ኣርእስቲ ዝበልናዮ ትሕዝቱኡ ካብ መጺሔት ሓድሽ ልደት ሓርነት ብምውሳድ፡ነዚ ኣብዚ ወርሒ መስከረም መዘክር ምጅማር ብረታዊ ቃልስና፡ሳዕበኑ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ምዃኑንን፤ድሕሪ 30 ዓመታት ጹንኩር ብረታዊ ቃልሲ፡ህዝቢ ኤርትራ ንሰውራ መሪሖም ዝመጹ ደቁ፡ብናቱ ሙሉእ ተሳታፍነትን፣ ንናይ መጠረሽታ ባዕዳዊ ገዛኢ ኢትዮጵያ፣ካብ መሬቱ ሓግሒጉ ኣውጺኡ ጥራይ ዘይኮነስ፣እቲ ብብረት ዝተረኽበ ናጽነት፡ ብረፈርንድም 99.8% ብምምራጽ ክታሙ ዘንበረሉ ምዃኑ፡ታሪኻዊ ጐዕዞ ክዝከርን ክዝንተዎን ቀንዩ፡፡ኣብ ጉዕዞ ሰውራ ኤርትራ ክድገሙ ዘይብሎም ገበናትን ጉድለታትን ከም ዝነበሩ፤ ከምኡ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ ኣምራትን ውሽጣዊ ኣጋባብ ቃልስን ኣብ የእምሮ ነፍሲ ወከፍ ሓርበኛ ሰርጾም፡ኣብ ሂወትናን እነካይዶ ቃልስታትን የሳቑዩና ምህላዎም ክካሓድ ዘይብሉ ኩነት እዩ። ኣብ ታሪኻዊ ሰውራዊ ጉዕዞ መማዝንቲ ዘይብሉ ህዝቢ ከም ዝተሰውአን፡ብዙሓት ዓድታትን ከም ዝዓነዋ፡ ልሙዕ ዝነበረ ቦታታት ከም ዝበረሰን፡ዜጋታት ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ እንስሳ ዘገዳማት ከይተረፋ ናብ ጎራባብቲ ሃገርን ስግረ ባሕሪ ከም ዝተሰዱ፣ኮታ ፋሕ ጭንግራሕ ከምዝበሉ፣ኩላትና እንዝክሮን እንፈልጦን እዩ።

እዚ ኩሉ ምጽናት ህዝብን እንስሳን፡ክትኩኡ ዘይኽእሉ ኣእዋምን ምዕናው፣ብባዕዳዊ መግዛእቲ ክካየድ ከሎ፤ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ኩሉ መግዛእትታት እናተቓልሰ ጸኒሑ፡ኣብ መጠረሽታ ብረታዊ ሰውራ ኣልዒሉ ነቲ ናይ መጠረሽታ ባዕዳዊ ግዝኣት ሲዒሩ ህላውነቱ ኣራጋጊጹ ጥራይ ዘይኮነስ፡ናብ ማሕበራዊ ምዕባለን፣ግዝኣተ-ሕጊ ንምስግጋር ክቃራረብ ከሎ፡በቲ ኣሚንዎ ዝመጸን፤ደቀይ ፍትሕን ራህዋን ክህቡኒ እናበለ ከሎ፤ዘይተጸበዮ ሓደጋ ወዲቕዎ።

ኣብ ክንዲ ፍትሒ ዓመጽ፣ኣብ ቦታ ቛዋማዊ ስርዓት ሕገ ኣልቡነት፣ኣብ ክንዲ ደሞክራሲ ውልቀ መላኽነት፣ ኮይኑ ናብራ ሂወቱ። ከምቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ወረ ካብኡ ብዝገደደ ኣደዳ ስደትን፣ብ-ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታትን፣መዝነት-መንግስት ኣባላት ግዚያዊ ባይቶ ዝነበሩ ሓርበኛታትን፣ካብ ገጋኹም ተኣረሙ ዝበሉ ዓበይቲ ዓድን ሓለፍቲ ሃይማኖታትን ከይተረፉ፣ሓርበኛታት ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፣ኣፍ ሕዝቢ ኮይነን ክዛረባ ጀሚርን ዝነበራ ጋዜጣታት ዓጺኻ፣ነቶም ጋዜጠኛታትን፣ኮታ-ንኹሉ የስጋኣኒ ዝብሎ ብኣልማማ፣ኣብ ዓለም ተፈቲኑ ዘይፈልጥ ምሓይሩት ጉጅለ ህግደፍ ተዳጒኑ፡ብሂወቱ አሎን ዘየሎን ዘይፍለጠሉ፣ ንዕስራታት ዓመታት ኣብ ደልሃመት የሕልፎ ኣሎ፡፡

ምጽናት ህዝቢ፡ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ጀሚሩ፣በዚ ማፍያዊ ደስቦጣ ስርዓተ ጉጅለ ህግደፍ ዝቕጽል ዘሎ፣ሽትኡ ክወቅዕ ይኽእልዶ? ንምዃኑ ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት ብኸመይ ይግምገም ? ዝብል ኣርእስትና ስለ እንኣቱ፡ነዚ ዱስቡጣ ኢሳያስን ጉጅሉኡን፣ብመደብ ተታሓሒዞም ዘሎዉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣምበርኪኽካ፣ኣደዳ ጥምየትን ሕማምን ኮንካ፣ዓዲ ራሕሪሕካ ምካድ ከም ልምዲ ክውሰድ ተገይሩ፣ካብኡ ዝገደደ ኣይምጻእ ብምባል፣ካብቲ ን-ሳላሳ ዓመታት ተቓሊሱ ዘምጽኣ ልእላውነት ክጥሓስ፣ ኣብ-ዘይ ደለዮ ክቑረንን፣ሕራይ ክብለሉ ዘይኽእል ሜላን/ስልቲ፣እኩይን ተንኮለኛን ስትራተጂ ምዃኑ ኩላትና እንብሎን ደጋጊምና ምስክርነትና እንብሎ ዘሎና እዩ።

ነዚ እከይ ተንኮለኛ ተግባር ኢሳያስ ጠጠው ከነብሎ ዘይምኽኣልና እንታይ ስለ ዝጎደለና እዩ ? ኣበይ’ዩ እቲ ጉድለት ? እዚን ካልኦት ኣገደስቲ ሕቶታት ጌና መልሲ ዘይተረኽበሉ ኮይኑ ይስማዓና፡፡ ነዚ ንምምላስ ኣገዳስን ክንፈልጦ ዞሎና ብምባል ካብ ሓድሽ ልደት ሓርነት ዓንቀጽ ‘’ቀጻልነትን ምጽናት ሕብረተሰባት’’ ከም ዘለዎ ኣቕሪብና ናትና መደምደምታ እዉን ክህልዎ እዩ፡፡

ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት

ሕብረተሰብ ኣይጸንትን’ዩ

ኣብዚ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለምና፡ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሚእቲ ዓመታት፡ሓቀኛ ዛንታ ብሰንኪ ጭቖና ዝጸነቱ ስድራ-ቤታት ኣለዉ። ኣብ ዛንታ ዝጠፍኡ ሓሳባትን ስነሓሳባትን ሳይንሳውያን ድህሰሳታት’ውን ኣይሳኣንን’ዩ። ዛንታ ከም ሕብረተሰብ ዝጠፍኡ ሕብረተሰብ ግን የለን።ኣብቲ ሰብ ብሰብ እተመዝመዘሉ እዋን ግልያነት’ዉን ከይተረፈ ብሰንኪ ጭቆና፣ዝተማዛበሉ፣ዝደኸዩ፣ዓዶም ሓዲጎም ዝተሰዱ፣ክንድቲ ዝደልይዎን ተፈጥሮ ዝዓደሎም ከይበዝሑን ከይስስኑን ዝኾኑ እምበር፣ብምሉእ ዝጠፍኡ ህዝቢ ዳርጋ የለዉን። ናይ ቀረባ ግዝየ ታሪኽ ዓለምና ምስ እንምልከት’ዉን፣ኣብዘን ዝሓለፋ ሚኢቲ ዓመታት.ካብ ኣርመናውያዉን ጀሚርካ፣ ኣብ ልዕሊ ኣውርጳዉያን ኣይሁድ፣ካምቦዲያውያን፣ኣብ ልዕሊ ሩዋንዳውያን ቱትሲ፣ኣመንቲ ምስልምና ደቂ ኮስቮን ከምኡ’ውን ካልኦትን ዝተፈጸመ ኣልቢ ዘይብሉ ብዙሕ ዘስካሕክሕ ናይ ቀረባ እዋን ዛንታ ጅምላዊ ህልቂት እኳ እንተሎ፣እዞም ህዝብታት እዚኦም፣ድሕሪ’ዚ ጭቆናን ህልቂትን ብዙሕ ዘስካሕክሕ ናይ ቀረባ እዋን ዛንታ ጅምላዊ ህልቂታት እኳ እንተሎ፣እዞም ህዝብታት እዚኣቶም፣ድሕሪ’ዚ ጭቆናን ህልቀቲትን ከም ህዝቢ ኣይጸነቱን ጥራይ ዘይኮነስ፣ገሊኦምስ ድሕረ’ቲ መሪር ጭቆና ሕልፊ እቶም ዘይተጨቆኑ ህዝቢታት ዓለም ማዕቢሎምን ሰሲኖም እዮም።

ዘመናዊ ምጽናት

ከምቲ ቀዲሙ እተጠቕሰ ሓደ ሕብረተሰብ ንፍቶ ንጽላእ ቀጻሊ እዩ። እንተኾነ’ቲ ዝድለ ምቕጻል ግን ንስለ ምቕጻል ዘይኮነስ፣ኣብ ምዕባለን ኣብ ፍልጠትን፣ ኣብ ቑጠባን ኣብ ትምህርትን፣ኣብ ናይ ሰላምን ናይ ሓርነትን፣ ኣብ ናይ ምዕቃብ መንነትን ክብረትን ዘረጋግጽ መንብሮ ምቕጻል’ዩ።እምበር ትም ኢሉ ኣንፈት ዘይብሉ ምቕጻል፣ንስለ ምንባር ኢልካ ከቶ ሓደ ነገር ከይገበርካ፣ኮፍ ኢልካ እኽሊ ረዲኤት እናተጸበኻ፣ ወይ’ዉን እናተጨቆንካን፣ሕሩያት ደቅኻ እናተመንጠልካን ክቕጽል ዘይክኣል ኣይኮነን። ንርእዮ’ዶ የለናን?

ይትረፍ ኣእምሮ ዘለዎምን ዘስተንትኑ ሰባት፣ እንስሳታት’ዉን ኣብ ጸበባን ሽግርን ከይተረፈ፣ እናተሃድኑን እናተሰጎጉን እንከለዉ እናተዋለዱ ቀጻልነቶም የረጋግጹ እዩም።ህዝብታት ግዳ ኣብ ግዝየ ዝውሕዙ ግን ክኣ ዘይነጽፉ ወሓዝቲ ክነሶም ከመይ ዘይቅጽሉ፡፡

እቲ ርእሰ ነገር ግን ብሰንኪ ሕሱም ጭኮና፡ህላወ ሕብረተሰብ ዘኽትምኳ እንተ ዘይኮነ፡ ሓደ ንነብሱ ዘይከላኸል፣ኣብ መዓሙቕ ድኽነትን ድንቁሩናን እተሸምመ ህዝቢ ኮንካ ምትራፍ ከም ዘሎ፣ ድሕሪ ነዊሕ ግዝየ ግልያ ኮንካ ምንባር ፡ ካብ ዝሓስብ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፣ ናብ እተባህለሉን እተኣዘዞን ጥራይ ዝነብር ማሽን ዝዓይነቱ ፍጥረት ተቐይርካ ምንባር ከም ዘሎ ግን ከነስተባህል ይግባእ። እዚ ልዕሊ ኩሉ ከሰክፍና ይግባእ።

ሓደ ካባና ‘’ጽባሕ ንግሆ እዚ ሕጂ ህጻን ዘሎ ወደይ’’ ‘’ኣባል ባይቶ ሃገሩ ክኸዉን ዩ’’ ‘’ዲፕሎማሰኛ ሃገሩ ክኸዉንዩ’’ ‘’መሃንዲስ ዝዓበየላ ከተማ ኮይኑ ህንጻታት ክተኽለላ’ዩ’’ ‘’መሪሕ ሃገሩ ክኸዉን ዩ’’ ዝብል ሓሳባት ከም ዘይናቱ ቆጺሩ’’በየን ገይሩ እዩ ካብታ እተወልደላን ዝበቖለላን መሰረቱ ዝኾነት መሬቱ ሃዲሙ ዝወጽእ’’ ኢሉ ክሓስብ እንተጀሚሩ ቀጻልነቱ ኣብታ ዝተወልደላ መሬት ድሮ ኣብ ሕቶ ኣውዲቑዎስ፣ ኣብኡ ከምዘይቅጽል ድማ ድሮ ወዲእዎ ኣሎ ማለትዩ፡፡ እቲ ከምዚ ኢሉ ወሲኑን ሓሊኑን ክነሱ ሳኣን ዓቕምን ኣጋጣምን ገና ኣብ ሃገሩ ዝነብር ዘሎ’ውን እንተኾነ፣ነታ እተወልደላ መሬት ብኣእምርኡ ካብ ዝገድፉ ብዙሕ ስለዝገበረ፣ ከስተማቕራስ ይትረፍ ኣብ ቅድሚኡ ዘጋጥምዎ ግዙፋት ነገራት ከስተውዕሎ ኣይክኣሎን ወይ ኣይደልን፡፡

• ንኣብነት ካብ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝነብር ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝግደስ መንእሰይ ኣብ ሃገርካ ዘለዉ ስፖርተኛታት ጥቐስ ምስ ትብሎ፣ ካብ ስም ኣሕዋቱን ኣሓቱን መናብርቱ ደቅ ሃገሩ ስፖርተኛታት ኣብ ፕሪመር-ሊግ እንግሊዝ ዝጻወቱ ክጠቅስ ዝቐሎ ዉሑድ ኣይኮነን፡፡

• ካብቲ ንጀማሂር ገድሊን፣ ኣባላት ክፍሊ ህዝቢን በብሓደ ኣዳቒቑ ጸጉሪ-ርእሶም ፈቒዱ ዝፈልጥ ዝነበረ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ድማ፣ ስም ሚኒስተር ናይቲ ምስ መናባብሮኡ ዝተሓሓዝ ሚኒስተር ሕርሻ ሃገሩ ሃገርካ መን እዩ እንተተባህለ ብልክዕ ዝምልስ ውሑድ’ዮ፡፡

እዚ እተጠቕሰ ኣብነት’ዚ ሓደ ንእሽቶይ መርኣያ ናይ ሓደ ሰብ ተገዳስነቱ ኣብታ ዝተወልደላን ሃገር ክሳዕ ክንደይ ከምዘጥፍእ ኮይኑ ከምዘሎ እዩ።ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ናይ ሓደ ክልተ ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ዝበዝሐ ኣባል ሕብረተሰብ ምስ ዝኸዉን ድማ እቲ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ካብቲ ቅድሚት ዝነበረ ወለዶ ኣዝዩ ተቐይሩ ኣሎ ማለት’ዩ፡፡ ከምቲ ቀዲሙ እተጠቕሰ ግና እቲ ዝነበረ ህዝቢ ጠፊኡ ወይ ሃሊቑ ሓድሽ መጺኡ ማለት ዘይኮነስ፣ እቲ ነቲ ህዝቢ ዘካውኖን ዘናብሮን ኣተሓሳስባ ተቐይሩ ወይ ድማ ከም ዝቕየር ኮይኑ ኣሎ ማለት’ዮ፡፡

ብኻልእ ኣዛራርባ፣ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓይነት ኣታሓሳስባ ማለት እቲ ብዛዕባ ዓዱ፣ መሬቱ፣ መነባብርኡን ምምሕድዳሩን መራሕቱን ግዱስ ዝነበረ ኣታሓሳስባ-ጸኒቱስ ኣብ መተካእትኡ ዘይግዱስ ንሰብ ማሽን ዝገብር ኣተሓሳስባ ተኪኦም ኣሎ ማለት ዩ፡፡ እዚ ናይ ቀትሪ ለይትን ፍልልይ ዘለዎ ለውጢ ኣተሓሳስባ ብኣጋጣም ክመጽእ ኣይክእልን፣ ከም ኩሉ ዓበይቲ ለውጢታት ዝረአን ሕቡእን፣ ጠንቂን ሃንዳሲን ዘለዎ ለውጢ እዩ፡፡ናይዚ ምቅይያር ሃንዳሲ ድማ እቲ ኣጽናቲ ሓይሊ ይብሃል።ጥርዚ ናይዚ ኣጽናቲ ሓይሊ ዝገብሮ ጨቋኒ ኣገዛዝኣ ድማ፣ ንገዛእ ዜጋታቱ ኣብ ፍጹም ግልያነት ሸሚሙ፣ ናይ ትምህርትን ስራሕን ምዕባለ ዘይብሉ፣ ኣብ ናይ ሓርነትን ሰላምን ናብራ ዝተነፍጎ፣ ብመንነቶም ክንዲ ዝኾርዑ ሰኸኽ ኣብ ዘብሎም ጸልማት ናብራ ከም ዝነበሩ ይገብሮም። እዚ መጻኢ ዘይረኣዮ ጸልማት ናብራ’ዚ ንክይፈለጦም እሞ ከይግልበጥዎ ድማ፣ ኣብ መዓልታዊ እናገደደ ዝኸይድ፣ ጸልማት ጉዕዞ ድንቁርና፡ካብ ምዕባለን ተክኖሎጂን ርክባትን ነጺሉ ንድህሪት ዝተርፍ፣ናይ ድንቁርና ዓለም የናብሮም።ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፣እቶም ዓይኒ ዘንቁሑ እናመንጠለን እናባረረብ፣እቶም ንመነባብሮኦም ምስ ናይ ካልኦት ህዝቢታት ዓለም መነባብሮ ኣወዳዲሮም ‘’እዚ ንነብሮ ዘለና ሓርነት ዘለዎ ናብራ ኣይኮነን’’ ኢሎም ዝጠራጠሩ ከይሓተትዎ ቀዲሙ ካልእ ሓርነት የለን’ ኢሉ ከእምኖም ይፍትን”። ነዚ ዝኣመኑን ዝተቐበሉን ምስ በዝሑ፣ወይ ነዚ ዝቃወሙ ምስ ወሓዱ እቲ ምቕያር ሕብረተሰብ ብዓወት ኣጽናቲ ሓይሊ ይቕጽል ኣሎ ማለትዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ኣብቲ ነቲ ህዝቢ ዘካይድ ዝነበረ ሓራን ሓያልን ኣተሓሳስባ፣ናብ መዓሙቕ እናተወተፈ፣እናተቕብረን ይኸይድ። ቀስ ብቐስ ድማ ጨሪሹ ምስ ጠፍአ፣ ኣብ ቦቱኡ ጉዙእን ድኹምን ኣተሓሳስባ ይትክኦ።

እዚ ድማ’ዩ ዘማናዊ ምጽናት።

ኣገባብ ዘመናዊ ምጽናት።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዘመናዊ ምጽናትግን፣ናይ ሓደ ለይቲ፣ ሓደ ወርሒ ወይ ዓመት ስራሕ ኣይኮነን። እንተወሓደ ኣብ ሓደ ወለዶ ዝትግበር እኩይ መስርሕ እዩ። እቲ ንሕብረተሰብ ክጽንት ዝደሊ ንነባራት መራሕቲ ሕብረተሰብ፣ ወለዲ፣ ዓበይቲ ዓዲ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ንቡር ሕጊን ስርዓት ንፍትሓዊ ኣተሓሳስባን ተሓላቒ ባህርያትን ተገዳስነትን ኣጽኒቱ፡ባሮት ዝኾኑዎ ብዘይካ ንትእዛዛቱ ንኻልእ ኣካል፡እንተላይ ንወለዶም፣ ዘይሰምዑን ምስ ካልእ ኣካል ርክብ ዘይብሎም፣ ኣብ ዝደለዮ እዋን ዝእዝዞም ንኡሳት እናፍረየ ክቕጽል ይደሊ። እቲ ቀጻልነት ሓደ ሕብረተሰብ ከረጋግጽ ዝደልይ ድማ ኣተሓሳስብኡ ኣብ ንኡስ ወለዶ እናሰረጸ ኣብኣቶም ክምርኮስ ይፍትን።

በዚ ድማ ኣእምሮ እዞም ንኡሳት ሕብረተሰብ፣ናይዞም ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ዓውደ ኲናት ይኸዉን።እቲ ከጽንት ዝደሊ ነቶም ዓቕመ-ኣዳም ዘይበጽሑ ኣዝዮም ንኡሳት፣ ኣብቲ ኩሉ ከይበጽሑ ኣእምርኦም ክወርር ይጎዩ። ምስቶም ንቐጻልነት ክራጋግጹ ዝደልዮ ሓይልታት ድማ ናይ ኣእምሮ’ዞም ንኡሳት መን ጨበጠ ውድድር ይካየድ፡፡

ኣብነት ኤርትራ።

ኣብ ኤርትራ እዞም ጸረ-ሓርነት ሓይልታት ብዓቢኡ ስርዓት ህግደፍ ዝመራሒኦም ካልኦት ሓይልታት ድንቁርናን ስንፍናን፣ ሓይልታት ዘይፍትሓዉነትን ባርነትን፣ ሓይልታት ግብዝናን እንታይ ገደሰኒን ሽፈጥን ኣስዒቡ ብመሳርሒታት ፕሮፖጋንዳ እተን ክውድሳ ዝውዕላ ጋዜጣታትን ራድዮን ተለቭዝዮን ተሰንዩ ይወርር። እቶም ንሓርነትን ንቐጻልነትን ወሰዶታት ዝቃለሱ ድማ ብዓቢኡ ወለዲን መምሃህራንን ዝቐለስቱ፣ዓበይቲ ዓዲ መራሕቲ ሃይማኖታት ቤት ትምህርታትን ቤት መጻሕፍታትን ስርዓታት ፍትሓዉያን ሕጊታትን ኣብያተ ፍርድታትን ኣኸቲሎም ይወፍሩ። እቲ ስነ-አእምሮኣዊ ኲናት ኣብ ኣእምሮ ንኡሳት ይካየድ።

ክደናግረና ዘይብሉ፣ ኣብዚ ናይ ሓይልታት ምጽናት ምቕጻልን ግጥምን፣መን ምስ መን ወጊኑ ኣሎ፣ ብደገ ዝርአ ከም ኣብ ጸወታ ኩዕሶ ብዝተኽድንዎ ማልያ ዝፍለጥ ዘይኮነ፡ብኻብ ውሽጦም ዝፍልፍል ሰባት ይፍለዩ።ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ህግደፍ፣ካብ ሓይልታት ቀጻልነት ዝመሰሉ፣ ንናቱ ረብሓ ኢሉ ዝጥቀመሉም ዓበይቲ ዓዲ፣መራሕቲ ሃይማኖት ወይ ውን መማህራን ኣለዉ። እዞም ብኣካውንኦም ምስ ሓይልታት ቀጻልነት ክምደቡ ዝነበሮም፣ግን ኣብ ተግባር ምስ ሓይልታት ምጽናት ዝሰለፉ፣ግን ኣድቂቕና ምስ ንርኣዮም፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ከምዘይብሎምን፣ እንተስ ፈትዮም እንተስ ተገዲዶም ዝተበሃልዎ ዝደግሙ ሕንጸይ(ፖፖጋሎ) ከም እተቐየሩ ነስተብህለሎም። እቲ ዘሰጉምዎ ኣተሓሳስባ ናይ ሓይልታት ምጽናት ክሳዕ ዝኾነ ድማ፡መደቦም ምስ ሓይልታት ምጽናት ይኸዉን።

‘’ ምስ መን ምዃንካ ክነግረካስ፣ ኣተሓሳስባኻ ንገረኒ እዩ፣’’እቲ ነገር።

ገለ ድማ ብዘለዎም ስልጣንን ሓላፍነትን ምስ ሓይልታት ምጽናት ተሰሊፎም እዮም ኢልና ንግምት እሞ፡እቲ ዝብልዎን ዝገብርዎን ንቀጻልነት ወለዶታት ኣብ ፍትሓዊ መንብሮ፡ኣብ ምዕባለን ትምህርትን ዝደፍእ፡ምስ ርእይቶ ኣካይዳ ኣጽነቲ ሓይልታት ብሰንጣቒት ዝፈላለ ከምዝኾነ ነስተብህል፡፡

እቲ ነጥቢ፣ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ደምበታት ግጥም ከምዝካየድን፣ እቲ ዓውደ ኲናት ኣእምሮ ንኡሳት ከምዝኾነን፣ እቶም ኣብዚ ግጥምዚ ድሙቓትን ብማዕዶ ዝልለዩን ባእታታት እኳ እንተሃለዉ፣ ኣብ ዝርዝር እቶም ተዋሳእቲ ነጺሮም ንኹሉ ብሩህ ከምዘይኮኑ፣ ሓይልታት ቀጻልነት ዝመስሉ ኣጽነቲ ከምዘለዉን፣ ተሪሮም ዘይደፈሩ ግን ንሓይልታት ቀጻልነት ዝደፍኡ ብደጋዊ ትርኢቶም ግና ዘይፍለጡ ተዋሳእቲ ከምዘለዉ እዩ። በዚ ድማ ኢና፣ ንግዳማዊ መንነት ተኻፈልቲ’ዚ ቃልሲ ብጎቦ ዓይኒና እናረኣና፣ ኣብቲ እቶም ተዋሳእቲ ዘሰጉምዎ ኣታሓሳስባ ኣተኲርና፣ ንኣተሓሳስባኦም ብፊት-ንፊት ክንገጥም ዝግባእ።

ኣብ ከምዚ ኩነት እምበኣር’ዩ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ‘’ድምጺ ኣልቦ ጥምጥም ኲናት ስነኣእምሮ ‘’ ኣብ ልቢን ኣእምሮን ንኡሳት ሕብረተሰብ ዝካየድ፡፡

ጹሑፍ ናይ ኣቕረብቲ ሓድሽ ልደት ሓርነት ቀጻሊ ስለ ዝኾነ ኣብ ዝመጽእ ክንቅጽሎ ኢና። ካብዚ ዓንቀጽ እንታይ ንምሃር ክንብል እንተ ኮይና፡ዋላ እኳ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ተምበርካኺ ኮይኑ ነቲ ኣብ ሓንጎሉ ሲኢልዎ ዝመጸ ንምትግባር ዝተፋላለዩ ዓመጻዊ ስጉምታት ስጋብ ምጽናት ህዝቢ ዝግመት ግብርታት ይውሰድ እምበር ሕልሙ ክኾነሉ ከምዘይክእል፣ቀጻልነት ሕብረተሰብና ከምዘይ ይዕገት ብስነፍልጠት እዉን ዝተራጋገጸ ኮይኑ፡ነዚ ንግዚኡ ብሓይሊ ዓምጺጹ ሒዝዎ ዘሎ ስርዓተ ውልቀ መላኺ፡ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ንባዕዳዊ ገዛኢ፣ብስምረቱን ሓበራዊ ቅልጽሙን ሓግሒጉ ዘውጽኦ፣ነዚ ስርዓተ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. እዉን ካብሱሩ ምሕዩ ኣብ ቦቱኡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዲሞክራስን ክትክኦ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ናትና ኣራኣእያ እዘን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ፣ ንሕብረተሰብና ጡሉቕ መጽናዕቲ ብምግባር፣ኣባቋቁሉኡን ዝፈጠሮ ዝምድናታትን፣ ዘማዕብሎ ባህልን ልምድን፣ዘካናወኖ ፖለቲካዊ፣ማሕበራዊ፣ቑጠባዊ፣ ስነ-ፍልጠትን፣ ስነ-ኣእምራዊ ምዕባለ፤ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕ ብምክያድ ዕቁረት መንነቱን ልእላውነት ሃገሩን፣ዘራጋግጽ ቆራጽነትን ሙሉኡን ስነፍልጠታዉን ኣጋባብ ዝተኻየደ ኣይመስለናን፡፡

ሓደ ተማራማሪ ሕብረተሰብ፣ኣሌሳንድሮ ፒዛኖ(Alesandro Pizano)፣ክገልጽ ከሎ፡ ቀንዲ ትርጉም ማሕበረሰብ ክልተ መሰረታዊ መግለጺ ኣለዎ። 1) ቀዳማይ ነቲ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ተኣኪቦም ዝቅመጡ ሰባት፣ኣብ ውሽጦም ሲኒት ዘለዎ ማሕበራዊ ሂወትን፣ደረቱ ወሲኑ ዋንነቱ ዘራጋግጽን፣ ብናይሓባር ቋንቓ፣ማሕበረሰብ ፈደራላው/ኮማዊ፡(ሓበራዊ ሂወት)፡ ምስ ዘማልእ ከም ዓዲ ከም ሃገር ይቑጸር። 2) እቲ ካልኣይ ገለጻ ክኣ፡ኣብሪሁ ዘርኢ ምትእስሳር ኣብ ሞንጎ እቲ ብሓባር ዝነበር ሕብረተሰብ ኑጹር ኣጋባብን ዝኽተልዎ ስርዓተ መነባሪ ሕጊ ባዕላቶም ዘጥርይዎን ተዋሃሃሂድካ ምንባርን ምትሕግጋዝን ቦታኻ ካልእ መጺኡ ከይወሰደልካ ምሕላዉን ምክልኻልን ኮይኑ፡ናብርኦም ምምሕያሽ ዝፈጥርዎ ምህዞታት ንዘማለአ ይኸዉን፡፡

ብሕጽር ዝበለ ኣሌሳንድሮ ፒዛሮ ይብልናይ ‘’ሕብረተሰብ” ኣምር/ጽንሰ-ሓሳብ ኣብ ማሕበረሰብ ዝሕብሮ ፍሉይ ማሕበራዊ ምትእስሳር/ዝምድና ኣብ ፍሉይ ጆኦግራፊካዊ ኣቋዋውማ (እትነብረሉ ቦታ ካብቲ ናይ ካልኦት ዝተፈልየ ኮይኑ) ብወገን ዝምድናዊ/ምትእስሳራዊ( እቶም ብሓባር ዝነበሩ ምስ ካልኦት ወጻኢ ዝኾኑ ሕብረተሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ጹኑዕ ምትእስሳር ክገብሩ ይኽእሉ’ምበር እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክገዝኦ ወይ ክዕምጽጾ ኣይግባእን)፤ ኣብ ርእሲኡ ትሕዝቶን መደባት ናይ ማሕበርካ ንምዕዋት ዝግበር ምውሳእ(ምትርጓምን ምዝውታርን ማሕበራዊ ሂወት፡ኣብ ውጺኢት ምትሕብባር ስራሕ፣ልምዲ፣ባህሊ እምነት) ኣብዚ ዝተሞርኮሰ ኮይኑ፣ታሪኽ ከም ዝምህሮ ሕብረተሰብ፣ካብ ስድራቤት ጀሚርካ ስጋብ እቲ ዝዓበየ ሕብረተሰብ፣ከም ሃገራዊ ወይ እምነታት/ሃይማኖታት ክትጠቅስ ከለኻ-በበቲ ዝፈጠርዎ ኩነት መነባበሪኦምን ዝኸለልዎ ቦታን ዝተፋላላዩን ቀረባን ሩሑቑን ዝኾኑ ሕብረተሰባት ኮይኖም በቢ ረብሕኦም ነንሓንሳብ ይጋጨውን ይዕረቑን፣ኣብ ሰላም ከንብሮም ዝኽእል ውዕል ውን ይታኣታተዉ፡፡ ከምዚ ኢሉ ሕብረተሰባት ዓለም በቢ-ቑሩብ በቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዶባት ዘማዕበሎ ማሕበራዊ ሕብረተሰብ እዚ ሎሚ እንፈልጦ ሃገራውነትን ፣ክፍሊ ዓለማት ክኾና ኺኢለን፡፡

ስለዚ ብሕጽር ዝበለ ሕብረተሰብ እቶም ኣዚዮም ኣገደስቲ ተዋሳእቲ ኣብ መርኣያ/ቅዲ ማሕበርን ፖለቲካ ምዃኖም ብጥብቂ ከነራጋግጾ ዘሎና ርእሰ ስ ነ-ሓሳብን ክንክሕዶ ዘይንኽእል ታሪኻዊ ሓቂ ምዃኑ ብሩህ ክኾነልና ኣለዎ፡፡

ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ከንልዕሎ ዝደረኸና ንሕና ኤርትራውያን እዛ እንነብረላ ዘሎና ጆኦግራፍያዊ ኣቃማምጣ ሃገርና፣ በቲ ማሕበራዊን ሕብረተሰባዊን ቦታዊን፡ዝነብረላን ዝነበሩላን ዘለዉ፡ባዕሎም ዝፈጠርዎ ደኣ-ምበር ብኻልኦት ዘይተዋህቦቶምን፣ ተገዲዶም ዝተቐበልዋን ከምዘይኮነት፡ ታሪኽን ሞበቆል ህዝብና ንወከስን ነጽንዕን፡፡ እዚ 1890 ጥልያን’ዩ ክልላ ፈጢርዋ፡ ኤርትራ ትባሃል ኣይነበርትን ዝብል ልብወለድ ገዲፍና ምድረ ባሕሪ ተባሂላ፣ ብምስልጣን ህዝባ ቅድሚ ካልኦት ማዕቢላ ከምዝነበረት ስነ-ጥንቲ/ኣርኪሎሎጂ ተማራመርቲን፡ብተገዳስነት ብሳይንሳዊ መጽናዕቲ ዘካየዱ’ዉን ይምስክሩ እዮም፡፡ ኣብ ዓበይቲ ቤት ንባባት *ጀርመን ዓባይ ብርጣንያ፣ሃገረ ጥልያን ወዘተ…)ሃሰስ ምስ እንብል ኡኹል መዝገባት ክርከብ ይካኣል’ዩ፡፡

እዚ ዝጠቐስናዮ ሕብረተሰብ ፣ነታ ሃገረይ ኢሉ ዝነብረላ ዝነበረ መሬት ብዙሓት ተጻባእቲ ካብ ቱርኪ፣ግብጺ፣ ዓባይ ብርጣንያ፣ጥልያን፣ኢትዮጱያ፣ዘሚቶም ይሓዝዋ’ምበር ከም ሕብረተሰብ ከይጸነተ፣ሓይልታቱ ኣሳራጭዩ በቢ-እዋኑ ክካላኸልን፣ንባዓዳዊ መግዛእቲ ሰጒጉ፡ናጽነት መሬቱ ኣራጋጊጹ፡ናብ ግዝኣተ-ሕጊን ፍትሕን ክሳጋገር ኣብ ዝቓራረበሉ ዝነበረ፡ዘይተሓስበ ውሽጣዊ ጸላኢ ካብ ከርሲ-ሰውራኡ በቚሉ፣ካብቲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝገደደ ፋሕ ጭንግራሕን፣ቁጽሮም ዘይፍለጥ ሓርበኛታትን ኣርካናት ተጋደልቲ፣መራሕቲ መንግስትን ኣባላት ባይቶን፣ ኣይትጋገ ዝበሉ ሓለፍቲ እምነታት ዓበይቲ ዓድታትን፣ዋዕሮታት ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ሃገራውያን መንእሰያት ህጻናት ከይተረፉ፣ኣብ ቤት ምሕየሩታት እዚ ደስቡጣ ስርዓት ኢሲያስ ተዳጒኖም ይሃልቁ ኣለዉ፡፡ እዚ ኮይኑ ግን ነዚ ናይ ኣጽናቲ ስርዓት’ዚ መደቡን ሕልሙን ሎሚ ከም ትማሊ ፡ህዝቢ ኤርትራ ኣይክጸንት ጥራይ ዘይኮነስ፣ነዚ ጨካን(sadist)ስርዓተ’ዉን ካብ ሱሩ ምሕዩ፡ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝቢ ሓልዩ፡ኣብ ቦታኡ፣ ፍትሕን ልእላውነ-ሕጊ ዲሞክራሲ፣ ብቑዋም ትማሓደር ሃገር ከም-ዘራጋግጽ፣ታሪኽና ዝሕብሮ፣ብሩህ መጻኢ ህዝብና ዘራጋግጾ፣ቃልሲ ህዝብና ዘካናውኖ ምኻኑ፡ዘይንጣራጠረሉ ምሉእ እምነትና እዩ፡፡ እዚ ኩሉ ክንብሎ ዝደረና፡እቲ ጸገም/ሽግር ዋና ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስን ጉጅሉኡን እኳ እንተ ኮይኑ፤እቶም ካብ ዕድመ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘይውሕድ፣ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋስኡ ዝነበሩን ዘለዉን ውድባት’ከ ኣብ ምድሓን ህዝበን፣እቲ ዝግባእ ስራሕን ግብርን ኣማሊኤንዶ ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ይግባእ፡፡

ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ውድበን ዝጥጣሐሉ፣ድልዱል ዝኾነሉ፡ስራሕ ተጻሚደን፣ንባዕላተን ዝፈጥርኦ ግርጭት ምፍታሕ ስለ ዝሳኣና፡ካብ ምጉጃል ናብ ሙጉጅጃል፤ዕለት ብዕለት ሓድሽ ውድብ መስሪትና እናበላ፡ምብሳር ኮይኑ ዝስምዐን፣ንህዝቢ ግን ተደራብ ሕማም ዘቕመስኦ ምዃነን ዘይተገንዘብኦ ብዝመስል፡ጸጸኒሐን ንዛመድ ኣሎና፡ ዝብል መግለጺ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ፈተናታት ከም ተኻየደ ኣብ ታሪኽ፣ደምበ ፍትሒ ተወቂሩ ዘሎ’ዩ፡፡ እቲ ዝተገብረ ዝምድናታት ከምቲ እትጽበዮ፡ ውጺኢት ዘይምጉንጻፉን፣ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝላዋወጥ፡ቅድም ምሕዝነት ድሓር ኪዳን፣ጸኒሑ ኩለን ውድባት አይካፈልኦ’ምበር፣ዝበዝሓ ውድባት ኢና ዝብላን፣ ዝተፋላለዩ ባእታትን፣ዓበይቲ ዓድን፣መራሕቲ ሃይማናትን፣ዝተኻፈልዎ ዋዕላ ተኻይዱስ፡ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝብል ቆይሙ፡ውጺኢቱ ንርእዮን ንዕዞቦን ዘሎና ምዃኑ ብሩህ እዩ ፡፡ብሓጺሩ ናይ ምፍንጣሕን ምስማር ጉዕዞ ደምበ ፍትሒ ንኹላትና ሱዉር ኣይኮነን፡፡ ህዝብና ክኣ በዚ ዱስቡጣዊ ስርዓት ይግፋዕ፣ይቕየድን ይሕየርን፣እቲ ካብ ኢድ ውልቀ መላኺ ኣምሊጡ ዝሃደመ ክኣ፣ዝሕብሕቦን ዝረድኦን ዝሳኣነ ህዝቢ-ኮይኑ፣መጠረሽታ ዘይብሉ ጸገማት የጓንፎ ነይሩን ኣሎን፡፡

ስለዚ ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ ይቃለስ ዝብል ዜጋ ኤርትራዊ፡ብመጠን ሕልና ክገብሮ ዝግብኦ ዝነበረ፤ንገዛእ ርእሱ ተጠርኒፉ፣ንህዝቡ መዕቀሊ መዕቆቢ፡ካብዚ ኣረመናዊ ስርዓት ናጻ ክኾነሉ ዝኽእል ኣጋባብ ኣየማለአን ኢና ክንብል እንደፍር፡፡

እዚ ኮይኑ ንሕና እዉን ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ጸገም ህዝብና ተሓተቲ ምዃና ክርሳዕ የብሉን፡፡ ከምቲ ኣብ ኣርእስቲ ዘሎ ቀጻልነትን ምጽናትን ሕብረተሰባት ዝብል፡ህዝቢ ክደክም፣ክደኪ፣ክስደድ፣እኳ እንተ ተገደደ’፤ነቲ ምጽናት ዝብል ናይቲ ጨዃኒ ስርዓት ፈተናታት ምክያዱ፣ከቶ ንህዝብና ከጽንቶ አይክኽእልን እዩ። ቀጻልነቱ ክኣ ባዕሉ ህዝብና ከራጋግጾ ምዃኑ ርግጽኘታት ኢና፡፡ እዚ ደምበ ፍትሒ’ከ እንታይ ክገብር ኣለዎ ?

ብቐዳምነት ስጋብ ሕጂ ከካይዶ ዝጸንሐ ኣጋባብ ምትእኽኻቡን ሓበራዊ ኣሳራርሕኡን፣ብንጽህና ኣብ ፍልጠት ዝተሞርኮሰ፡ዘይተፈተነ መስርሕ ክፍትንን ንኺኢላታት ስራሕ ክህብ፡(ኪኢላታት ክባሃል ከሎ እቶም ኣብ ውሽጢ ውድቡ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ብዙሓት ሙሁራት ሰብ ሞያ ኤርትራውያን ወጻኢ ካብ ውድባቶም ዘለዉ፣ንዕኦም ከዋስኦም ዘይምኻኣሉ ኣይርድኣናን)፡ዝብል ብተዳጋጋሚ ጺሕፍና ነይርና፡ብብዙሓት ሰባት ዝሕተት እዉን’ዩ፡፡ ከም ኣብነት ክንጥቀመሉ እንደሊ፡ሓደ በዓል ሞያ ሓኪም፣መጥባሕቲ ዘድልዮ ሕማም ሓሚሙ፣ ዋላዉን ኪኢላ ይኹን ንሰዉነቱ ባዕሉዶ ክጠብሓ ይኽእል እዩ? ኣይፋል፡ንሱ ዝኣምኖ ኪኢላን ብቑዓት ጋንታ/ጉጅለ እዩ ሰውነቱ ዘስረክባ፡፡

ካብዚ ዝነቐለ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ምፍታን ባዕልኻ ንባዕላካ ግርጭታትካ ክትፈትሕ ምፍታንን፡ምትእኽኻባትን፣ ሓቢርካ ክትሰርሕ ምህቃንን፣ከምቲ ዝድልዮን ዝግብኦን ውጺኢት ዘይሃበ፤ከምቲ ምስላ ናይ ኪኢላ ሓኪም ዝጠቐስናዮ፡ በተን ውድባት ደምበ ፍትሒ ንኺኢላታትን ክዳንዩ ዝኽእሉ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖታት ዝሓወሰ፣ሰብ ተሞክሮን ናይ ሕግን ፖለቲካን ማሕበራዊ ጉዳያት ዝተማህሩ ቡቑዓት ሰባት እንተ ትዳነዩን ትምከሩን ንሳቶም ዘቕርብዎ ሰነደ ዕርቂ እንተዝማላእ፣ እቲ ዝተመርጸ እዩ ንብል፡፡ ካልእ ይትረፍ ከም ተኻታተልቲ ናይቲ በጺሕክምዎ ዘለኹም ውዕል ክትገብሩዶ ኣይምኻኣልኩምን ?

ብዝተረፈ ብወገና ከም ምኽሪ እነማሓላልፎ፡ነዚ ስርዓት ኣዚዩ ዘሰንበዶ፡ናይ ህዝቢ ምልዓል(ማዕበል) ይኣክል፣ ከምኡ ናይ ኣርካን ሓርበኛ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ተበግሶን፣ምዃኑ ኩሉ ኣብ ኣዳባባይ ዝዝተየሉን ደገፈታቱ ዘተንባሃሉ ዘሎ ኩነታት እዩ፡፡

ስለዚ ውድባት ይኩና ህዝባውያን ሲቪካውያን ማሕባራት፣ተወዲቦም ዘለዉ ሰብ ሞያን ምሁራትን ዓበይቲ ሰብ ተምክሮን ሓለፍቲ እምነታት ኣደታት እቶም ገና ከባቢ ደምበ ፍትሒ ዝዝምብዩ ዜጋታት ኤርትራውያን ኩላትና ነዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ መስርዑ ሒዙ ዝኸደሉ፡ኣጋባብ ስርዓተ-ሕጊ ዝኽተልን፣ፍትሒን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ ክኸዉን፤ንኹሉ ደምበ ፍትሒ ጠርኒፉ ክሕዘሉ ዝኽእል ባይታ ወይ ጽላል ክህሉ ምእንቲ፣ብፍላይ እተን ንዓመታት ተወዲበን ዝጸንሓ፣ደጀን ብምዃን ኣብ ባሕሪ ህዝቢ ኮይነን ግዲኤን ከበርክታ፣እቲ ዝምረጽ ብምዃን፡ ቀዳምነት ሃገር ምውሓስ ስለ ዝኾነ፡ቀዳምነታት ብምስራዕ እቲ ድሕሪ ቅዋም ክካየድ ዘለዎ ስርሓታትን፣ መደባትን፣ ኣብ እዋኑ ክጥቀመሉ እዋናዊ ጽዊዒት ኮይኑ ኣሎ፡፡

ሓደ ዓቢ ተማራማሪ ፖለቲካ ከም ዝበሎ፡እንታይን፣ከመይን፣ኣበይን፣መን ምዃንካ ከይፈለጥካ፤ እቲ ክትኮኖ እትደሊ ምንዳይን እዩ ናይ ፖለቲከኛታት ጸገም ይብል፡፡

ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንፍትሕን ዲሞክራስን፣ልእላውነት ሕግን ንምምጻእ ዝቃለስ ዘበለ፡እዋኒ ሃገር ኣብ ጠልጠል ዘላቶ እዋን ነታ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተራጋገጽካዮ ኤርትራዊ መንነት ክጠፍእ፣ኣብ ዝጻዓረሉ ዘሎ ህሞት፣ ብሓበራዊ ስራሕን፡ብዙሕነት ኣብ ሓድነት፣ዝብል ምርሃ/ሞያ ተጠቒምካ፤ልእላውነት ሃገርካ ኣድሕን፣ሓድነት ህዝብኻ ኣጠንክር ዝብል ሕውነታዊን ሃገራዊን ምሕጽንቶና፣ጽዊዒትና ነቕርብ፡፡

ሕጂ ዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ

Read in PDF ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዎ) ቤተሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ሕብረተ-ሰብን። ብ`ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማሪያም፡
Deracinating/ Uprooting the Eritrean Traditional Nuclear Family: An Imminent and Permanent Danger to the Survival of Eritrea as a Nation State and as a Society. By Dr. Gebre Gebremariam.


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: