ምስግጋር (Transition)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/07/2020 23:45 PM

ምስግጋር (Transition)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ምስግጋር (Transition)

ምስግጋር (Transition)
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ውይብ-ሳይታት፡ ሎሚ እነልዕሎ ኣርእስቲ ምስግጋር (Transition) ክንብሎ ዝደረኸና፣ እዚ ኣብዚ እውን’ዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝርአ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብዓለምለኽ ትካላዊን ውዱቡን ኣጋባብ ኣሳራርሓ ንምሓዝ፣ ጻዕርን ምቅርራብ ክትርኢ ከለኻ፤ በተን ካብ ነዊሕ እዋን ክእከባን ክብተናን ዝጸንሓ ውድባታት፣ ሓቢረን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ባይታ ናይ ምጥራይን፣ ዝተፋላለያ ሓይለ-ዕማማት ኣብ ምውጻእን፡ ከዋሃህደን ዝኽእል ሽማግለ ኣብ ምህናጽ ይርከባ ስለ ዘለዋ፣ ህዝቢ ዓቢ ተስፋን ትጽቢትን ከሕድረሉ ስለ ዝኻኣለ፣ውጺኢቱ ኣወንታዊ ክኸዉን ምንዮትና ኣብ ርእሲ ምግላጽ፣ ብወገና ከመይ ዝበለ ጽላል፣ ኣብ ጡንቁቕ ቅመራ ዝተሞርኮሰ ውጥን ክህልዎ ምእንቲ፣ ተበላሕነትን፣ ብሩህ ኣታሓሳስባ ኣገዳሲ እኳ እንተ-ኾነ ስትራተጅካዊ ረብሓ ናይ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ንምድንፋዕ ብውሕልነትን ቱኩርነትን ክስርሓሎም ይግባእ ዝብል ኣታሓሳስባ ስለ ዞሎና እዩ፡፡

ካብ ቀደም ኣትሒዙ ምስ እዋኑ ዝሳማማዕ ምስግጋር (transitin) ይግበር ምንባሩ ንምርዳእ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ክንግንዘቦ ይካኣል፡፡

ንኣብነት፡ ይጠቅም ዝበልናዮ ሕልፍ ሕልፍ እናበልና ካብ መጻሕፍቲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ብምጥቃስ፡ ብ-31 ታሕሳስ 1950 ኣብቲ እዋን ዝነበራ ኩለን ፖለቲካዊ ማሕበራት ኣብ ሲነማ ኢምፖሮ ኣብ "ዋዕላ ሰላም" ተጋቢኤን ነቲ ብ-ሕቡርት ሃገራት ዘቖሞ፣ ውሽጠ ምሕደራን ትካላትን ኤርትራ ንኽሕልዋን ንኸኽብራን ምምሓለን ውጺኢት ዝተባህለ እዩ። እቲ ትካላት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍንጣሕ ምስ ጀመረ ግን፣ ናብ "ተሪር ጽልእን ተቛምዎን ከምርሕ ክኢሎ። ክልቲኡ እምብኣር ምቛም ትካላትን ምፍንጥሑን ንመስርሕ ምድንፋዕ ሃገራውነት አእጃሙ ኣበርኪቱ፥ እቲ ምቛም ትካላት፣ ፍቕርን ሓበንን ስለ ዝቐስቀሰ፣ እቲ ምፍንጣሕ ጽልእን ተቛሞን ስለ ዝልዓለ……."

እዚ ጠቅሲ ኩለን ዝነበራ ፖለቲካዊ ማሕበራት ምሕባረንን ልዑል ሃገራዊ ስሚዒትን ፍቕርን ሲኒትን ከም ዘዕሰለ ይሕብር። ቀጺሉ ዝጠቅስ ብዛዕባ ሃገርነት ከም ዝስዕብ ይገልጽ፦ ኢትዮጵያ "ናብ ሕቚፊ ኣዲኣ ተመሊሳ" ዝብል መግለጺ’ምበር፣ ካልእ ፍጹም ኣይተዋህቦምን። ብዘይካ’ቶም ክፈልጡ ዝኽእሉ ውሑዳት ሰበ ስልጣን፣ ምሁራትን ገለ ካልኦት ድማ ኤርትራ ብፈደረሽን ከም ዝተሓወሰቶም፣ ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ፣ ባንደራ፣ ሓይሊ ፖልስ፣ ስርዓተ ፍትሕን ውሽጣዊ ምሕደራ ከም ዝነበራ፣ ካብቲ ህዝቢ ክውል እዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ታሪኽ ክገልጽ ከሎ እዚ ሒጂ ብማፍያዊ ደስቡጣ ኢሳያስን፣ ከምኡ ዝግብል ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፤ ብዝገብርዎ ዘለዉ ስርሓትን ዝህብዎ ዘለዉ መግሊጺታት፣ ዝድገም ዘሎ እዩ ዝመስል። እዚ ናይ ዕሸላዊ ራኢን ሓሳብን፣ ንእሽቶይ ገበል ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይን፣ እቲ ካብ ቀደም ጠጅኡ ኣብ ናይ መደምደምታ ንምብጻሕ ህርድግ ዝብል ዘሎ ማፍያ ደስቡጣ ኢሳያስን፤ ብሓይልን ጽዓትን ህዝቢ ኤርትራን፣ በቶም ንዲሞክራሲ ዝቃለሱ ህዝብታት ኢትዮጵያ በርዒኑ ክተርፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጉድጓድ ወይ ቀብሪ ናይዞም ክልተ ግፍዐኛታት ዲክታተራት ምብጻሑ’ዩ ዝርአ ዘሎ።

ቀጺሉ መጽሓፍ ታሪኽ ከምዚ ዝብል ይርከቦ፦ ብምኽንያት ምጥሓስ ውዑል ፈደረሽን ቃልሱ ብምቕጻል፣ ኣብ መላእ መስርሕ ሰውራ ኤርትራ ዝተራእየ ሞትን መስገደልን ዝይዓገቶ ርሱን ሃገራውነትን ጽንዓትን፣ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ይኹን ዘይ-ኢትዮጵያዊ ናይ ግዳም ተዓዘቢ ግር ከብሎ ዘገርም ኣይኮነንን።

ነቶም ንኣህጉራዊ ይኹን ኢትዮጵያዊ ረብሓ ንታሪኽ ዘይመልክዑ ዝህቡ ገዲፍካ ድማ፣ እቶም ዝበዝሑ ኤርትራዊ ሃገርውነት ኣብ 1950’ታት ዝተጫጭሐ እንተ መሰሎም ወይ ሰውራ ኤርትራ ካብ ዘየለ እዩ ጀሚሩ እንተ በሉ ብዙሕ ከሰክፍ ኣይግባእን፡፡

ሃገራውነት መስርሕ ምጥርናፍ ሓደ ህዝቢ ኣብ ሓደ ኮማዊ ሓሳብ ምዃኑ፡ "ን-በነዲት ኣንደርሰን" ዝተባህለ ደራሲ ጠቒስና ኣስፊሕና ምግላጽና ነዘክር። እቲ ታሪኽ እምብኣር፣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ ሃገር ካብ ትኸዉን ጥራይ ዝብገስ ኣይኮነን። ኩሎም ወገናታ፦ ብሄራት፣ ሃይማኖታት፣ ዞቦታት፣ ቀቢላታትን እንዳታትን፣ ኣብ ውሽጣ ብኣካል ጸኒሖም ድማ፡ ብሓሳብን ብመንፈስን ዝተጠርነፍሉ መስርሕን ኣጋባብን’ዩ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ሃገራውነቶም። እቶም ወገናታ ቀልጢፎም ኣብቲ መድረኽ እንተ በጺሖም ዝቐልጠፉሉ፣ ዲሒሮም እንተ ኣርኪቦም ድማ፣ዝድሓረሉ ምኽንያት ንዓይነትን ዕምቈትን ናይቲ ሃገራውነት ከረድእ ይካእል። ስምረት ናይ ሓደ ህዝቢ ምስኡ ዝፍጠር ኣይኮነንን። ስምረት ፍልልይ ኣጽቢቡ፣ ግርጭታት ፈቲሑ፣ ድሕረትን ኩሉ መርኣያታተን ሰጊሩ’ዩ ዝሰፍን፡፡

በዚ ምኽንያት’ዚ ኢና ሽሕ’ኳ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣብ 1950’ታት ብሓደ ዝላ እንተ ዓበየ፣ ከም ኣበጋሲ ወይ ወሳኒ መድረኽ ዘይንወስዶ። ርግጽ ናይ 1952 – 1962 ተመክሮ ኤርትራውያን ቅድም ብምምሕዳር ብርጣንያ፣ ጽኒሑ ድማ ብመንግስቲ ኤርትራ ብዝግባእ ስለ ዝተሰነደ፣ ምንጭታቱ ሰፊሕ ሃብታም እዩ።
…….ወዘተ እናበሉ እቲ ጉቡኡን ኣወንታዊ ሃገርነት ዝምህር ታሪኻዊ መርሆ ገዲፎምልና ክነሶም ብግቡእ ዝተገንዘብናዮን ዝፈለጥናዮ ኣይንመስለን ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራውነትን ሓድነት ህዝብን ክብሪ ባህልታትናን ያታትናን ተሞኲስና ኣብ ክንዲ ምውዳብ ነቲ ቀዳምነታት ረሲዒና በቲ እንደልዮ እንሓልሞን ሰናዳት ፕሮግራም ኣውጺእካ ካብ ነንሕድሕድካ ዘራሓሕቕ ዘተን ስነሞጎትን ተጸሚድና ትንፋስን ሂወትን ንውልቀ መላኺ ክንህቦ ብምኽኣል ን-29 ዓመት ካብ ፍትሕን ስርዓተ ሕግን ዲሞክራስን ዘይብላ ሃገር ክትከውን ናትና ግደ ኣለዎ ክባሃል ከሎ፤ ጉድለትካን ከተማልኦ ዝነበርካ ፍትሓዊ ቃልሲ ምግምጋም ኮይኑ፣ ሕጂ’ዉን ቀዳምነታትና ፈሊጥና ብጉቡእ ህዝባዊ ቃልሲ እንታይ ምዃኑ ፈሊጥና፣ ናትና ዳግመ ውዳበን ጽገናን የድልየና ዝብል ሓሳብ ኣሎና። ነዚ ናይ ህዝቢ ሰፊሕ ጽላል ከመይ ክኸዉን ኣለዎ ንዝብል፡ ብራኢና ነዚ ብተበግሶን ብድልየቱን ምልዓል ዝነበረ ምንቅስቓስ ይኣክል ማእከል ዝገበረን፣ ኣብ ከርሱ ኮንካ ክትቃለሰሉ እትኽእል ስትራተጂን ውጥን ምስናድ የዲሊ። ብዘይ ስትራተጂያዊ ትንተና ጥንቁቕ መጽናዕቲ ክህሉ ስለ ዘይካኣል፣ መራሕቲ ውድባት ምንቅስቃሳት ህዝባውያን ማሕበራት ብፍላይ ክኣ ናይ ይኣክል ምንቅስቃስ ኣብ ዓወት ዘብጽሑ "ደረጃ ብደርጃ ዝውስዱን ስጉምታት" እንታይ ምዃኖም ክፈልጥዎም ይግባእ።

ናይ ይኣክል ምንቅስቃስ ሓቋፊ ናይ ኩሉ ዓይነት ውድበ ክኸዉን ኣለዎ ክንብል ኮሎና፣ ሕምረት ዲሞክራስያዊ ስልጣን ብጉቡእ ክንርድኦ ስለ ዝሎና ካብ ዝብል ሓሳብ እዩ። ሕምረት ዲሞክራሲያዊ ስልጣን መግሊጺኡ፣ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መላለዩ ጠባያት ናይ ዲሞክራስያዊ ሕብረተ-ሰብ፣ ህላወ ናጻ ዘይመንግስታዉያን ጉጅለታትን ትካላትን እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት ቤተሰባዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ስፖርታዊ፣ ቁጠባዊን ንግዳዉን፣ ማሕበራት ወይ ትካላት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕርሻ፣ ሙዚቃ፣ ስነ-ጹሑፍን ካልእን ማሕበራት የጣቓልል። እዘን ኣካላት እዚኣተን ብዘይካ ዕላማታትን ኣብ ምትግባር ሕብረተሰባዊ ጠለባት ኣብ ምምላእ እዉን ኣገደስቲ እየን።

ኣብ ርእሲ’ዚ ዘለወን ፖለቲካዊ ኣገዳስነት’ዉን ዕዙዝ’ዩ። ህዝቢ ኣብ ኣንፈት ጉዕዝኡ ጽልዋ ከሕድረሉ ዝኽእል መንግስቲ ኣብ ረብሓታትን ዕላማታተንን ንጥፍታተንን ብዘይ ፍትሓዊ መገዲ ምትእትታው ምስ ዝገብሩ ብትሪ ይቋወማ። ካብኣተን ወጻኢ ዝህልዉ ውልቀ-ሰባት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕብረተሰብ ርኡይ ጽልዋ ክህልዎም ኣይክእልን። ንመንግስቲ፣ ብፍላይ ድማ ንመልኽቲ ስርዓታት ክጸልዉ ድማ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ።

ከም ሳዕቤን ናጽነት ነብሰ-ምሕደራን ናይ ከምዚአን ዝኣመሰላ ኣካላት እንተ-ደኣ ብመለኽቲ ተመንዚዑ፣ብተዛመዲ ህዝቢ’ዉን ረዳኢ ይስእን።

ብተወሳኺ እዘን ትካላት እዚኣተን ንገዛእ ርእሰን እንተ-ደኣ ብምልካዊ ምሕደራ ናይ’ቲ ዘሎ ስርዓተ ዝማሓደራ ኮይነን፣ ወይ ድማ ብኻልኦት ተዘወርቲ ትካላት እንተ-ደኣ ተተኪኤን፣ መሳርሒ ዕብላላ ናይዞም ዝውንነ እምበር ናይ ኣባላተንን ሕብረተሰብን ኣይኮነን ዘገልግላ።

ይኹን’ምበር፣ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ዝኾነ ነብሰ-ምሕደራን ናጽነትን ናይ’ዘን ከምዚ ዝኣመሰለ በርጌሳውያን ትካላት እንተ ደኣ ተዓቂቡን ተሓልዩን፣ ንፖለቲካዊ ኣብያ ሙቹእት ባይታ ክኾና ይኽእላ። ኣብ-መብዛሕትኡ መለኽቲ ዝወድቃሉ ወይ ዝደኸምሉ ኩነታት፥ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ሓፈሻዉን ፖለቲካዊ ኣብያ ብህዝብን ትካላቱን እዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቅሰ፣ ሕምረታት ዲሞክራስያዊ ስልጣን፣ ህዝቢ ንምልኪ ዝቃወመሉ ወይ ድማ ጸቕጢ ዝፍጠረሉ ትካላዊ ሰረት የንጽፍ።ኣብ መጻኢ መሰረት ቅርጽን ናይ ሓራ ሕብረተሰብ፣ መተካእታ ዘይብልን ኣካላት እየን። ቀጻልነተን፣ ዕብየትን ድማ ን-ዕዉት ሓርነታዊ ቃልሲ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት እዩ።

እዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ከተደንፍዕ እንተ ደኣ ኮንካ እዚ ብዘይ ኣፋላላይ ንኹሉ ዓይነታት ባህልን፣ እምነትን፣ ውድባትን፣ ምንቅስቃሳትን፣ ሞያውያን፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ብዝሒ መንእሰያት ዝሳተፍዎ፣ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ እዩ ክኸዉን ዘለዎ፣ ነዚ ህዝባዊ ምልዓል ክብርትዕን ብግቡእ ስርሑ ከካይድ ምእንቲ፡እተን ከይተሓለላስ ንፍትሒ ንምምጻእ ክቃለሳ ዝጸንሓ ውድባት ኣብ ከርሱ ኮይነን ዝዓብያሉ፣ ህዝቢ ከም ኣካለን ገይሩ ክወስደን ምእንቲ እቲ ባይታ ተፈጢሩ ኣሎ።

ካብ ተማላላእቲ እምበር ተቓናቐንቲ ኣይኮናን ዝብል ዓይነት ኣዛራርባን ኣራኣእያን ሰጊረንን፣ ገምጋም ጉዕዞታትን ብምክንዋን እዋኑ ብሃገራውነትን ሓበራዊ ስራሕን ስኒትን ሙዑቡል ዝኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝሕደስ ስራሕ ደሞክራስን ፍትሕን፣ ብፍላይ ክኣ ግዝኣተ ሕጊ ንምጥጣሕ፣ ካብ ሕጊ ኣብዚ ሰፊሕ ጽላል ህዝቢ ማእከል ዝገበር ክጅመርን ክምዕብልን ይግባእ፡፡

ንሕናን ንሳቶም ዝብል ዓይነት ኣዘራርባ ተሰጊሩ፣ ኩላትና ኣካል ህዝብናን ብሃገርን ሃገራውነትን እንኾርዕ ንፍትሕን ዲሞክራስን እንዕጠቕ፣ ኣጋባብ ስርዓተ-ሕጊ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝነግሰሉ ከም መስርሕ ተጠቒምካ፣ ናብታ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክትዋሳኣሉ ምእንቲ ነቲ ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ጥምረ ሓሳብ ኣገልጋሊ ምዃን እዋኑ ሕጂ ኮይኑ ይርኣየና፡፡

ሓያል ሕብረተሰብ ብመልክዕ ዲሞክራሲያዊ ኣዋዳድባ ከምዘን ከሎ’ዩ ዝምረጽ፤ ስለዚ እቲ ናይ ቀደም ዓይነት ኣዋዳድባና ስጋብ ሕጂ ንፍትሒ ዝብል ባእታቱ ከጥሪ ኪኢሉ፣ ምሕዳስን ነቲ ንሱ ዘጽንሖ ፍትሓዊን ዲሞክራስያውን ህዝባዊ ቃልሲ ከሓይሎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ከርሱ ኾንካ ሕምረታት ዲሞክራስያዊ ስልጣን ዝዓብየሉን ዝጥጣዓሉን እቲ ውድባዊ ስርሓትካ ከተካይደሉ እትኽእል ቀዳምነታትን ኣጋባብ ምስ ግዜ ዝዓኮሉን ዲሞክራስያዊ ኣጋባባት ተዓዊቱ ዝወጻሉ ምግባር፡ናይ በሓቂ ዓቢ ፖለቲካ ተባሂሉ ስለ ዝጽዋዕ፣ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉኹም መራሕቲ ውድባትን ምንቅስቓስን ቀዳምነት ህዝባዊ ምንቅስቃስ ድልዱልን ንኹሉ ዝሓቁፍ ንምብቃዕ ንትጽዕሩ ነማሕጽን።

ነዚ ክበቅዕ ዝገብሩ መራሕቲ ውድባትን ምንቅስቓስትን ካብ ጸቢብ ናይ ፖለቲካዊ ጠቕሚ ሰጊሮም፣ ከም ናይ ዲሞክራስያዊት ሃገር (Statesman) መካር ፖለቲከኛ ንነዊሕ ዝጥሞትን፡ ጠቕሚ ሃገር ቅድሚ ጥቕሚ ናይታ ዝመርሓ ውድብ ዝርኢ ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ ሰረት ዝግድፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብዕብየቱ ዝዝከር እውን ይኸዉን፡፡

ኣብ መዕጸዊ ክንላበዎ እንደሊ እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአ ዘሎ ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕ ውድባት፣ ነቶም ነዚ መድረኽ ንምኽንዋን ተዓጢቖም ዘለዉ ኣበወንበራት ውድባትን ምንቅስቓሳትን ከምኡ ባይቶ ን-ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም-ኣክተራት ወይ ተዋሳእቲ ኮንካ ንምርኣይ ዘይኮነስ፡ ዓቢ ሓላፍነት ናይዛ እዋን-እዚኣ ተረኽትን ስለ እትኾኑ ብሓቂ ስጡም ሓበራዊ ስርሓን ንህዝቢ ዝግልገለሉ ባይታ ደልዲሉ፡ንኹሉ ዝሓቁፍ ዲሞክራስያዊ፣ ፍትሓዊ፣ ርትዓዊ፣ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ዝካየደሉ ጽላል ጥራይ ዘይኮነስ ህዝቢ ማእከል ዝገበር ንምብጻሕ፣ ህዝቢ ዝደልዮን ካብ ነዊሕ ዝሓልሞምን ምንባሩ ተገንዚንኩም ግደኹም ክትገብሩ ትጽቢት ይግበረልኩም፡፡

እቲ ኣውራ ክንርድኦ ዘሎና፣ ቀንዲ ማእከል ህዝቢ እምበር፣ እቲ ካልእስ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኮይኑ እዩ ክሰርሕ ዝግብኦ እዚ ክኣ ብሃገራዊ ዓይነት ኣቃላልሳ ጥራይ እዩ ክመጽእ ዝብል ጽኑዕ እምነትና እዩ።

ሕጂ’ዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

ኣቕረብቲ ፍትዊ ክፍል ምስ ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ናይ መንነት ፖለቲካን ጸገማት ምህናጽ / ምፍጣር
ብቑዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ።
Identity Politics and the Crisis of Creating
a Viable Eritrean National Force, for Democratic Transition in Eritrea.



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: