ላንግላንጋነት (Ambiguity)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

12/08/2020 02:14 AM

ላንግላንጋነት (Ambiguity)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ላንግላንጋነት (Ambiguity)

ላንግላንጋነት (Ambiguity)
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ይጠቅም ዝብል ኣርእስቲ ላንግላንጋነት (Ambiguity) ምምራጽና፣ ነዚ እንዕዞባን እንሰምዖን ዝቐነና ዝተፋላለየ ቃለ-መጠይቕ፣ ናይ መራሕቲ፦ ውደባት፣ ምንቅስቓሳት፣ ህዝባውያንን ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ዞባውያን ዓለም-ለኻውያን ናይ ይኣክል ሽማግለታት ኢና ዝብሉ፣ ሙሁራትን ሞያውያንን፣ ናይ ፖለቲካ ተማራመርቲ ዝብሉ፣ ውልቃውያን ሓርበኛታት ወዘተ… ዘቕርብዎ ብምስማዕን ብምክትታልን፤ ኑጹርን ግዜ ዝጠልቦ ውሳኔ፣ ብቝዕን ሙዕቡል ስትራተጂ፣ ውሕሉል ዝኾነ ፖለቲካ፣ ኣዐዋቲ ዝኾነ ስልቲ ኣብ ክንዲ ምጥቃም፣ ምርቓቕ/ስውያ (hair-splitting) ዜውጽእ ዓይነተ ስነሓሳብ ወይ ሞጎት ኢና ተዓዚብና። እዚ ዓይነት ኣታሓሕዛ ወይ ኣቃራርባ ግን ኣይግድን።

ካበይ ነቒልኩም ናበይ ንምብጻሕ? ዝብል ሕቶ፣ ሓርበኛ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ናብ ኢትዮጵያ ጐዕዝኡን ድህሰሳ ብኸመይ ነዚ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ሃዋህው ፖለቲካ ንረብሓ ፍትሓዉን ደሞክራስያውን ቃልስና ይጠቕም እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ጥበብ ወይ ተዋስኦ ክንጥቀም ንኽእል ዝብል ውልቃዊ ተበግሶ ግንከ ሙሉእ ደገፍ ተቐባልነት ዘለዎ ኣብ ዝንቃሳቐሰሉ ዘሎ ወድብ፡ ብፍላይ ክኣ እቲ ብንጽህናን መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ በቢዘለዎ ዓቕሚ ዝሳተፍ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ናእዳን ደገፍን ተቐራብነትን ዘርኢ ዘሎ፣ ተስፋ ዝህብን ናይ ለውጢ ሕልንኡ ዘደልድልን ኮይኑ ክርኣየና ከሎ፣ ኣብ ክንዲ ነዚ ስሚዒት`ዚ ምልዓል ዝቕልስን ዝኣልን ዝንቃሳቐሳሉ ብሕልፊ ዝርኣየሉ መስርሕ ዝተኸተላ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑና፡፡

ካብዚ ዝነቐለ ኩሉ ዝግበር ምውሳእ፣ ንጉጅለ ህግደፍ ንምስንባድ’ዶ፡ ወይስ ሓያል መስርሕ ብምኽታል፣ ካብ ስሩ ተማሕዩ ዘልግሰሉ’ዩ ክጥቀም ዝግባእ?

ብወገና ኩነታት ብዝፈጥሮ፣ ተቐሪብካ ጸኒሕካ ውሕጅ ህዝባዊ ናዕቢ ለኻኺምዎ ዝኸደሉ ኣጋባብ ወይ ስትራተጂ ክህልወና እዩ ዝግባእ፡፡

እዚ ንምክንዋን ኣብ ዘይጥረሽ ዝተናውሐ ዘተን ክትዕን፡ እቲ ኽንጥቀመሉ ዘሎና ግዜ ክባኽን ወይ ክምህንን ምዃኑ፡ ካብዚ ናይ ሳላሳ ዓመት ቃልሲ ንፍትሒ፡ ፍረኡ እንግንዘቦ ኮይኑ፣ ኣብ ኣሳራርሓን እነካይዶ ተቦግሶታትን፡ ቀጻሊ ምምሕያሽ / ምሕዳስ ወይ ምጽጋን ስለ ዘይንገብርን፣ ብጉቡእ ገምጋም ስለ ዘይነማልእ ኮይኑ ይስማዓና። ስራሓት ክሰልጥ እንተ-ደኣ ደሊና፡ በቢዓይነቶም ኪኢላታትን ሰብ ሞያን ውክልና እናሃብካ፡ ቐጻሊ ስራሕን፣ ዕለት ብዕለት ምስ ኩነታቱ ምትዕጽጻፍ ዝግበረሉ ባይታት ምድህሳስን፡ ቅርቡነትካ ምርኣይን’ዩ፡ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኸብለካ ዝኽእል፡ ዝብል ራኢ’ዩ ዘሎና፡፡

ምኽንያቱ ካብ ትዕዝብትና፡ ካብ ቆጸራ ናብ ቆጸራ፡ ካብ ክትዕ ናብ ክትዕ፡ ንሳጋገር ዘሎና ኮይኑ ስለ ዝርኣየና፡ ዘተን ኣብ ነንሕድሕድካ ምክታዕ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሞንጉኡ ዝፈጥሮ ጠቓምነትን ከውርዶ ዝኽእል ቀይዲ መገድታት ምልላይን ምፍላጥን፡ ነቲ ከተዐውቶ እትደሊ ዕላማ ሓጋዚ ጥራይ ዘይኮነስ ቀንድን ዕዙዝን እዉን እዩ፡፡

ብወገና፡ ዘተ፡ ንዝጀመርካዮ ስራሕ፣ ዕለት ብዕለት ክትግምግም ምትሕድዳስ እተእትወሉን ዝጠቅም ክኸዉን ከሎ፡ ኽትዕ ወይ ዘይውዳእ ሞጎት ግን፡ ኣብ እቲ ዘይትራዳደኣሉ ኣርእስቲ ነቒጽካ፣ ናትካ ራኢ ዝራጋገጸሉን ብናትካ ዓይነተ ትንታነ ክኸይድ ምጽዓር፡ ዝጠፍእ ወርቃዊ ግዜ ምብኻን ኮይኑ’ዩ ዝርኣየና፡፡

ከም ተረድኦና፡ ንዘይ-ተሳማማዕካሉ ኣርእስቲ ፍታሕ ትረኽበሉ ናይ ሓባር ጉጅለ ወይ ሓይሊ ዕማም ሂብካ፣ እቲ ኣውራ ኣራኺቡካ ዘሎ ጉዳይ-ሃገር ንቕድሚት ዝኸደሉን ዝምዕበለሉን’ዩ ክኸዉን ዝግባእ። ካብ ትዕዝብትና እዚ ዓይነት ኣጋባብ ኣሳራርሓ እንኽተል ዞሎና ኮይኑ ኣይርኣየናን፡፡

ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ከም ዝምህርዎ፣ ቅኑዕ ፖለቲካዊ መስመር ብዘይ-ወነነ ግዝያዊ ረስኒ እናበልና ኣይነድምዕ ኣይነስምዕ ከይንኸዉን ምእንቲ፡ ጡንቁቕን እርኑብን፡ ኑጹር ፖለቲካዊ ስትራተጂን ስልትን ክህልወውና ይግባእ።

ፖለቲካ ከም ዓቢ ስነ-ጥበብ ወይ ብልሓት፡ ንኹሉ ዘጋጥም ጸገማት ምፍታሕ እትጥቀመሉ መስርሕ ስለ ዝኾነ፡ ዓቢ ኽእለትን ብቕዓትን ካብ ኩሉ ሉዑል ዝኾነ ሰብኣዊ-መንነት (personality) ከተጥሪ ምስ ዝካኣል፣ ተሰማዕነትን ህቡብነትን ክህልወካ ምእንቲ፡ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ዝተሞርኮሰ፣ ልእላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን፣ ቅድመ-ኩሉ ብምስራዕ፡ ኣብ ሰፊሕ ጥርናፈ ህዝቢ ንምብጻሕን፣ ንኹሉ ዘጽልል ፍትሓዉን ዲሞክራስያውን ኣሳራርሓ ክተበርክት ምስ እትኽእል ይኸዉን። ኮታ ህቡብ ክትከዉን እትኽእል ብእትገብሮ መደረታት ዘይኮነስ፣ እቲ እትብሎ ብግብሪ ከተመስክሮ ምስ እትኽእልን፡ ንዓወት ዝጽውዑ ህሞታት ከይሓልፉኻ ቁሩብን፣ ብኹሉ ዓይነት ዘዕግብ (optimized) ማሻ ወይ ዕድል ምጥቃም ሓገዝትን ኣገደስትን ይኾኑ።

ፖፐር (Popper) ክገልጽ ከሎ፣ መሰረት ናይ ዝማዕበለ ደሞክራሲያ፡ እቶም ተኣኪቦም ፍትሒ ንምርካብ ዝቃለሱ ናጻ ኮይኖም ምስ ዝዛተዩን፡ እቲ ዘሕለፍዎ ውሳኔ ነቲ እሳቶም ዝወክልዎ ውድብ ዝጠቅም ኢሎም ዘይኮነስ፡ ንረብሓ ህዝቢን መሰል ውልቀ ዜጋ ዝኸብረሉ ፍትሒ ልዕሊ ኩሉ ዝራጋገጸሉ ንምብጻሕ፡ ብደሞክራስያዊ መገዲ ዝጸድቀሉ፣ኩሎም ተዋሳእቲ ንቑሓትን ኣስተብሃልትን ኣብ ርእሲ ምዃን፡ እቲ ዘሕልፍዎ ውሳኔ ምስ ግዜ ዝማሓየሽን ዝጽገንን ምዃኑ ዝግንዘቡ፣ ውዕላቶም ዘኽብሩ፡ ንዘውጽእዎ ስርዓተ-ሕጊ ዘኽብሩ ሉኡም ዝኾነ ናይ ሓሳብ ውድድር ዝቕበሉ፣ ንኹሉ ደምበ ፍትሒ ዝጠቅም ሃዋህውን ህሞትን ክመጽእን ከሎ ብቕልጡፍ ተቐቢሎም ረብሓ ኹሉ ረብሖኦም ምዃኑ፡ብደምቢ፡ ናተይ ዝብሉ ምስ ዝኾኑ፡ ጡጡሕን ነዊሕ ዘኸይድ መርሆ ዝሓዘት ጎደና ሓርነት ዝጓዓዙን፣ዲሞክራሲ ዝጥጣዓሉ፣ ማሕበራዊ ናብራ ዝማሓየሸሉ፣ ሙዕሩይን ሙዕቡልን ቁጠባዊ ሂወት ዝማሓደረሉ፣ ፍልጠትን ራህዋን ዝጋልበሉ ባይታ ይህሉ፡ ይብል።

ስለዚ ሓላፍነት ተሰኪምኩም ዘለኹም መራሕቲ ውድባት፣ ምንቅስቓሳት፣ ህዝባውያን-ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ብፍላይ ክኣ ናይ ይኣክል ኣዋሃሃድቲ፡ ሉዑል ፖለቲካ ከተካይዱ ስለ እትጽዉዑ፣ ኣብ ክንዲ ብብርቱዕ ናይ ቦታ ምሓዝ ድልየት፣ ናትካ ኣንቅዶ/ሕልሚ ካብ ምዃን ርሒቕኩም፣ ንጹር ህዝባዊ ራኢን ኣማዛዛኒ ዝኾነ ሓላፍነታዊ ውሳኔ እትወስዱ፡ ብሓጺሩ ርትዓዊ ክትኮኑ’ዩ፡ ድልየት ፍትሓውያን ዝጠልቦ ኮይኑ ዝስምዓና።

እቲ ብወገና እንብሎ ኣገዳሲን ቀንድን፡ ኣብ ሓደ ደሞክራሲያዊ ምትእኽኻብ እንከሎ፡ ህዝቢ-ማእከል ዝገበረን ባዕሉ ዝሳተፈሉ ዝዋሳኣሉን ኪኢላታትን ምሁራትን ዜጋታቱ ዓቕምታቶም ዘበርክትሉን፡ ኩለን ፈልስታት ዲሞክራሲ ተሞክሮታተን ዘማዕብላሉ፣ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ብደምቢ ዝስርዓሉ፣ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ጸገም ፍታሕ ንምርካብ፡ ናይ ፖለቲካ ኣልጎሪዝም ተጠቒምካ ንህዝቢ ፍታሕ፣ ንሃገር ምድሓን፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣድላይን ወርቃዊ ሃዋህው ጎደቦታትና ክንጥቀመሉ፡ ውዓል ሕደር ዘይባሃሎ ሆሞት እዩ፡፡

ካብዚ ዝነቐለ ተብግሶ ኣርካን ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፡ ብዘይ ውልውል ካብ ጽልግልግ ዝበለ መግለጺታት ወጺእና፡ ብቓልዕን ብኑጹህ ልቦናን ኒሕን፣ ንዑኡ እተሰኒ ናይ መቕርብ ጉጅለ (ሽማግለ) ክትህሉ ኣለዋ ኢልና ሓሳብ ነቕርብ። እዛ ናይ መቕርብ ሽማግለ ካብ ኩሎም ባእታት ደምበ ፍትሒ ዘለዋ ባይቶ ትቐውም፣ ከም ምጅማር በተን ድሮ ኣብ ስምምዕ ተቓራሪበን ወይ ናብ ውዕል ዝኸዳ ዘለዋ ክጅመር ከሎ፡ ነቶም ገና ዘይቀረቡ ወይ ኣብ ውዕል ዘይበጽሓ ዘለዋ፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ብወከልቶም ክጽንበርዎ ከም ዝኽእሉ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ፡ ንጹር ሓቤረታ ዘለዎ ሰነድ ክኸዉን ኣለዎ።

ኣቃውማ፡

1) ምሉእ ጉጅለ (ኲሎም ተሳተፍቲ ናይ መቕርብ ሽማግለ)፡ ነቲ ጉዳይ ብምልላይ ኩሉ ኣድላይ ሓቤረታ ምሃብ፣ ካብ ኩለን ውድባትን ምንቅስቓስትን ህዝባውያን ንሲቪካውያን ማሕበራት፣ብዝበዝሐ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብ`ተመጣጣኒ ውከላ (proportional representation) ዝጥቀም ኣጋባብ ትቐውም።

2) ንናይ ሓባር ስምምዕ መስርሕን ዋሃቢ-ቃል ሽማግለ፡ መግለጺ ናብ ሜድያን ህዝብን ይዝርጋሕ።

3) ንኣሽቱ ጉጅለታት (ሓይሊ ዕማማት) ብኺኢላታትን ምሁራትን፡ ካብ ኩሉ ጾታን ሕብረ-ብሄራት ዝሳትፍዎን፡ በቢ ዓቕሞም ዘበርክትሉ ክቖማን ሕጋዉን ዲፕሎማስያዉን ሰነዳትን ምኽርን ዘሰናድዉ።

4) ነፍሲ ወከፍ ንእሽቶይ ጉጅለታት፡ ኣዋሃሃዲን ኣፈ ጉባኤኡን ይህልዎ።

5) ኩሉ ስርሓት ንኣሽቱ ጉጅለታት ብጉቡእ ተሰኒዱ ናብ ጠቕላሊ መቕርብ ሽማግለ ይስርከብ። ነዚ ዝቐረበ ሰነድ ናይ ንኣሽቱ ጉጅለታት፡ ምስ ኩሎም ኣባላት መቕርብ፡ ግዜ ከይተበልዐ ተዛትዮም ኣብ ግብሪ ይትርጎም። ዋሃቢ-ቃል ናብ ሜድያ የቕርብን ንህዝቢ ብመራኸቢ ቡዙሃን ከም ዝዝርጋሕ ይግበርን። ወኸሰታታት ርእይቶን ህያሰን፡ ብደምቢ ከም ዝተኻታተሎቶ ዘርኢ፡ ዋሃቢ-ቃል ንህዝቢ ኣብ ሜድያን ህዝባዊ መራኸቢታትን ትህብን ትዝርግሕን።

ካብ ታሪኽ ኣቦታትና ብምዝካር፡ “ብትዕቢት ምስራሕ ዝጠቕመና ኣይመስለንን፤ ብፍቕርን ብትሕትናን ብምክብባርን እንተዘይኮይኑ፣ ብኣዛዝን ተኣዛዝን ዝካየድ ስራሕ ኣብ ሞንጎና ከይርከብ ሓደራ። ቅድሚ ሕጂ እንተ ተረኺቡ ከይድገም ሓደራ።’’ ዝብል ቃለ-መዝገበ ታሪኽ ክም ዝገልጾ እናዘከርና፡ ኩሉ ካብዚ ማፍያዊ ዶስጱጣ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሃገርና ዝገዝኣሉ ኣትሒዝና፡ ዋላ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ኮሎና ዘየ-ማዓራረናዮ ጉድለታት፡ ስጋብ ገበናት ወርቃዊ ግዜ ለወጢን ፍትሕን ዲሞክራስን እና ዘከርና፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዉን እንተኾነ እቲ ተዋስኦ ናይ ደስቡጣ ኢሳያስን ሓድሽ ዕርክነት ቀዳማይ ሚኒስትሪ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተበጊሱ፡ ሕጅስ ይኣክል ዝበለ ምልዕዓል፣ ንዝጎደሎ ናይ ተሞክሮ ሕጽረት ብምእራም፡ ዱልዱል ሃገራዊን ዲሞክራስያዊን ህዝባውን ብትካል ዝሰርሕ ክንገብሮ፡ ገይና ዘይበቓዕና፣ ኣብ ናትና ዕርዲ ኮፍ ኢልና ለመምታዊ ሓባራዊ ስርሓት ከነካይድ ኮሎና፡ እቲ ሆየ ሆየ ዝብል ህዝባዊ ምልዕዓል፡ ናብ ህዝባዊ ናዕቢ ዝሳጋገረሉ መገዲ ከነትሕዞ ዘይምኽኣልና፡ ናይ ታሪኽ ተሓተትቲ ምዃንና ኣይንረስዕ።

ሕጂ’ዉን እዚ ናይ ኣርካን ሓርበኛ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፡ ምስቲ ናይ ይኣክል ምልዕዓልን ናይ ውድባት ምቅርራብን ኣዋሃሂድካ፡ እዚ ድልየትን ትምኒትን ሓሊፉ፡ ቁሩባት ኢና ዝብል ዘሎ ምልዕዓል፡ ኪኢላታት ቀለስቲ ኣለይትን የድልዮ ምህላው ንኹልና ብሩህ ኮይኑ ኣሎ። ሃየ ንጠቐመሉ ከምቲ ሓቢርናዮ ዘሎና ንኹላትና እተሳተፍ ናይ መቕርብ ሽማግለ፡ ዘድሊ ስጉምቲ እትወስድ ሓላፍነት ዝዋሃባ፡ ተድሊ ኣላ ዝብል ራኢ ኣሎና፡፡

ሕጂውን ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራማር ተባራበር

ኣቕረብቲ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


Opening Keynote: Process and Ambiguity with Amy Thibodeau Director of User Experience, Shopify


Leadership & Change Management in VUCA (Volatility, Uncertainty, Complexity & Ambiguity)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: