ንሃይማኖትና ንሕለ (1ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

15/08/2019 01:51 AM

ንሃይማኖትና ንሕለ

(ቀዳማይ ክፋል)

ጽሑፍ ብ 'ደብረ

ንሃይማኖትና ንሕለ

ንሃይማኖትና ንሕለ (1ይ ክፋል)
ጽሑፍ ብ 'ደብረ

በስመ ኣብ በስመ ወወልድ በስመ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፥ ኣሜን።

መእተዊ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያናይ ብእምነቱ ዝመጾ ኣይጻወርን እዩ ዝበሃል። ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚሩ ብእምነቱ ጸኒዑን ተኸባቢሩን፣ ባህሉን ወግዑን ዓቂቡ፣ ሕግታቱን ስርዓቱን ኣኽቢሩ ዝኸይድ ዕቱብ፣ ትጉህ፣ ለዋህ ህዝቢ ምዃኑ እዩ ታሪኽ ዝምህረና። ዘይ ናቱ ዘይደሊ ናቱ ከኣ ዘይህብ ህዝቢ ኢዩ። እምነት ኣብ ኤርትራ፡ ማዕረ ክብርታት ነይርዎም። እዚ ከኣ ናይ ስልጣኔኡ መምዘኒ ከምዝነበረ ይንገር። ብፍላይ ምስልምናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶን፡ ጥንታውያን ምስ ምዃኖም፡ ነንሕድሕዶም ዝከባበሩን ዝተሓላለዩን፣ ብሓባር ተደጋጊፎም ዝነብሩን ነንሕድሕዶም ተሓላሊፎም ዘይወሃሃቡ፣ ኣብ ጊዜ ሓዘን ሓቢሮም ዝሓዝኑ ኣብ ጊዜ ሓጎስ ከኣ ሓቢሮም ዝሕጎሱ ዝድነቑ ኣህዛብ እዮም ነይሮም። እቲ ዝነበረ ሕውነት፣ እቲ ዝነበረ ጥቡቕ ርክብ፥ እቲ ዝነበረ ልባዊ ፍቕሪ፡ ንኤርትራ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብምዕባለ ጸብለል ክትብል ጌርዋ ነይሩ እዩ። ንሕድሕዶም፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ጽላል፣ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዓንዲ ኮይኖም፡ ንሽግር በዲሆም፣ ንኹናት መኪቶም፡ ጸገማት ፈቲሖም፡ ዘመን ተሳጊሮሞ እዮም። ሕጂ ግን ኣይትተዓደሎ፡ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ እዚ ከምዚ ዓይነት ቅርሲ እንዳሃሰሰን እንዳጠፍአን ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣተኩረ ክጭሕትር እየ ደልየ። ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምስ ታሪክ ውልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝጅምር። ኣብ ሓዲስ ኪዳን፡ ኣብ ታሪኽ ውልደት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብጽእቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ኣብ ደብረሲና መጺኣ ንመድሓኒና ካብ መዓት ንጉስ ሂሮድይስ ንምክልኻል፡ ዓቂባቶ ከምዝነበረት እዩ ዝእመን። ኣገልጋሊ ሃዋርያ ማትያስ፡ ብሽም መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንህዝበ ሓበሻ ከጥምቅ ዝጀመረ ኣብ ኤርትራ ምዃኑ ብኣፋዊ ዛንታ ይንገር። መለኮታዊ ተልእኾ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ክትዓቢ፣ እምነት ክሕይልን ክስስንን፣ ማእከል ማእገር ሃገር ኮይና ኣድልዎ ብዘይብሉ ምእመናን ክትመርሕን እዩ። እንተኾነ እዚ መለኮታዊ ተልእኮ ብምትእትታው ዓመጽቲ ተጓዕጺጹ ቤተክርስትያን ተበዲላ ኢያ ጸኒሓን ዘላን። እቲ በደል፡ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ።

ታሪኽ ሃይማኖት ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ታሪክ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ኣይፍለን እዩ። ምንም እኳ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ሲኖዶስ ኤርትራ ተፈልዩ ነፍሱ ክኢሉ እንተቖመ፥ ብዓይኒ እምነት ክረአ ከሎ ግን ንኽሊቲኦም ሃገራት ዝፈልዮም ናይ ሃይማኖት ዶብ የብሎምን። ስርዓቶም፣ ሕጎምን ልምዶምን ሓደ ዓይነት እዩ። እንተኾነ በቲ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዓለማዊ መንግስቲ፡ ክልቲአን ሲኖዶሳት ጓና ኮይነን ኢየን ዝረኣያ። ኤርትራ ከም ሓዳስን ምስ ሓጺር ተሞክሮን፡ ብዙሕ መሰናኽላትን ክሕደትን ኣጋጥምዋ እዩ። እቲ ዝዓበየ መሰናኽል ምትእትታው ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳያት ሃይማኖት ክኸውን ከሎ፡ እቲ መሪር ጥልመት ከኣ ጥልመት ፈደራል መንግስትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሲኖዶስን ኢትዮጵያ እዩ።

ምትእትታው ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳያት ሃይማኖት፣ ግህሰት እምነት ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ

ሃይማኖት ግለ-ሰብኣዊ መሰል እምበር ግዴታ ፍጡር ወዲ ሰብ ኣይኮነን። ሃይማኖት ሕሊናኻ ብዝመርሓካ ኣሚንካ ትስዕቦ እምበር ብግዲ ትጎስሞ ነገር ኣይኮነን። ሃይማኖት ብዓይነት ብዶክትሪን ይፈላለያ። ኣብ ደምበ ክርስትያን ከም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፣ ካቶሊክ፣ ከንሻ፣ ፕሮትስርታንት፣ ወ.ዘ.ተ ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ምስልምናን እተን ዝዓበየ ሰዓብቲ ኣለወን። ድሕሪ ናጽነት 1991፡ ብሰንኪ ምትእትታው ኢድ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ሃይማኖት፡ መሰል ዝኾነ እምነት ዜጋ፡ ጅሆ ተታሒዙን ተበሳቢሱን ኢዩ ዘሎ። እዚ እመን፡ እቲ ኣይትእመን ብዝብል፡ እምነት ኣመንቲ ዘየፍቅድ ተግባር፡ ሓይልን ዓመጽን ብዝተሓወሶ ብግሁድ ተተግቢሩ።

ሰዓብቲ እምነት ሃይማኖት የህዋ፡ “ኣየድመጽኩምን” ብዝብል ሰበብ ዜግነቶም ተኻሒዱ ዝኾነ መሰል ተኸልኪሎም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ፈቀዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጉኖም፣ ገለኦም ከኣ ተሰዲዶም። ሰዓብቲ ፕሮተስታንት ብጰንጠቆስጤ ዝፍለጡ ኣብያተ ክርስትያናቶም ተዓጽየን ፓስተራቶም እንዳተገፈፉ ኣብ ማሕዩር ብዘይ ፍርዲ ተደርብዮም። ከም ጭብጢ ኣነ ዝፈልጦ፡ ፓስተር ኪዳነ፡ ክጠቅስ ይኽእል። ክትጽልዩ ተረኺብኩም ዝተባህሉ ኣመንቲ እቲ ቤተክርስትያን ከኣ፡ ኣብ ኮንተይነራትን ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሰርሐ ማሕዩርን ኣብ ፈቀዶ በረኻን ሃሩራዊ ቦታን ተኣሲሮም ከምዝሳቐዩ ኮይኑ። ሄለን ብርሃነ ትበሃል ዘማሪት፡ ኣብ ቅድሚ መራሒ ኣመሪካ ፕረሲደንት ትራምፕ ቀሪባ፡ ጥርዓን ዘቕረበት ሓንቲ ኣብነት ኢያ። ንሳ፡ ክልተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ኣብ ኮንተይነር ከም እተኣስረት ተዛሪባ። ኣነ'ውን ኣብ መዓስከር መሰልጠኒ ዊዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ካብ እቲ መዓስከር ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብሓጺን ኣብ ዝተሰርሐ ቤት ማእሰርቲ ዝተኣሰሩ ዝፈልጦም ሰዓብቲ እምነት ፕሮተስታንት ከም ዝረኣኹ ናይ ዓይኒ ምስክር ኢየ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን እውን እንተኾነ ኣብ ፈተና ኣትዩ እዩ። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ በብእዋኑ ብዘጋጠማ ብዙሕ መሰናኽላትን ዕንቅፋታትን ዝሰገረት ጥንታዊትን ሃዋርያዊትን ቤተ ክርስትያን እያ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዋ ታሪኽ ብህግደፍ ይብከል ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ስደት ዝነበሩ እሞ ሃገርናን ህዝብናን ከነገልግል ኢሎም ጠቕሊሎም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ሊቃውንቲ፣ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ብባዶ-ሰልስተ (03) ህግደፍ ዝተጠጀአ ጸለመን ጠቐነን (ንገለ ገለ ድኹማትን፡ ንዋየ ህሩፋት፣ ዓያሹ ደብተራት፣ መነኮሳት፣ ካህናትን ዕሸላት ዲያቆናትን ብምውዳብ፤)፡ ተቐባልነት ከምዝስእኑ ኮኑ። ሃገርናን ሃይማኖትናን ብቅንዕና ከነገልግል ኢሎም ዝመጹ ምስራሕ ከልእዎም። ገሊኦም ናብ ማእሰርቲ ገሊኦም ከኣ ናብ ስደቶም ተመልሱ። ካብዚኦም ብቀዳምነት ዝጥቀሱ ኣቡነ መቃርዮስ ኢዮም። እዞም ኣብ ምቋም ሲኖዶስ ኤርትራ ዓቢ ግደ ዝነበሮም ኣቦ፡ ቅዱስ ሕልሞም ኣብ መወዳእታ ከየብጽሑ ናብ ስደት ተመልሱ። እቶም ካልኣይ ዝጥቀሱ ቀሺ ተኽለማርያም መርካጽዮን ኢዮም። እዞም ቀሺ ተሓይሮም ስቓይ ማእሰርቲ ካርቸሊ ዝጠዓሙ ኢዮም። ገሊኦም ከኣ ብኣካላዊ፣ መንፈሳዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ስቓይ ወሪድዎም፡ ወግዓዊ ቀብሪ ከይረኸቡ ዝሞቱ እውን ኣለዉ። ንነዊሕ ጊዜ ካብ እተኣስሩ እሞ ሞቶምን ሕየቶምን ዘይፍለጥ ከም በዓል ዶ/ር ቀሺ ፍጹምቀሺ ገብረመድህን ብኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ምስልምና ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚርካ ዝተፈላለየ ሽም (ከም ሓሙሻይ መስርዕ ፣ ጅሃድ) እንዳጠመቕካ ምብስባስ ዝተገብረሉ እምነት ኢዩ። ብዙሓት ኣመንቲ በቲ ዝወሃብ ዝነበረ ዝተፈላለየ ኣሽማት እንዳተኣርዩ ጠፊኦም እዮም። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ደርባን ሓደ ተመሃራይ፡ ብዛዕባ ኣቡኡ፡ ንኢሳይያስ ዘቕረቦ ሕቶ ሓደ ጭብጢ ኢዩ። ብሽም ሓምሻይ መስርዕ ተኣሲሮም ዘለዉ ተኸተልቲ እምነት ሙስሊም ምስ ሓተቶ፣ ኢሳይያስ እሱራት ከምዘለዉ ኣሚኑ፥ ግን ከኣ ምስ እቶም ኣብ ኣማሪካ ኣብ ጓንታናሞ ብሽም ግብረ ሽበራ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሙስሊም ኢዩ ኣመሳሲልዎም። ኣብቲ ኣኼባ ብኣካል ስለዝነበርኩ፡ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ፡ ኢሳይያስ ናይ ተዋስኦ ክእለቱ፡ ኣድኒቐዮ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን ኣብ ልዕሊ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ዝተገብረ፡ ጭካነ ዝሞልኦ ፍጻመ፡ ካልእ ዓቢ ጭብጢ ኢዩ።

ብጥቡቅን ስጡምን ሕብረቶም ዝልለዩ ኣመንቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ እውን ካብ ምብስባስ ህግደፍ ኣየምለጠትን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ኤርትራ ንህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ሕክምና ቅዱስ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ናይ ሕክምና ትካላት ተዓጽየንን ተራስየንን። ዓራት ሒዞም ዝሕከሙ ዝነበሩ ሕሙማን ተጓሒፎም። ኣባላት ናይ እዚአን ሕክምና ትካላት እዚአን ከኣ ተኻላቢቶም።

ጥልመት ፈደራላዊ መንግስቲን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሲኖዶስን ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝብል ክልተ ሃገራትን መንግስታትን እንኳ እንተተጸወዓ፣ ታሪኽ ሃይማኖት ኣህዛብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ታሪኽ ናይ ሓባር እምነት፣ ናይ ሓባር ባህሊን ቋንቋን፡ ናይ ሓባር ልምድን ስርዓትን ኢዩ ዘለወን። እንተዘይተጋግየ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከባ ትቸዓት ብሄራት እተን ኣርባዕተ ብሄራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዋ። ትግርኛ፣ ሳሆ፣ ኩናማን ዓፋርን ኣብ ክሊቲኡ ሃገራት ወሰናስን ኣለዋ። ብፍላይ ሃይማኖት ብዝምልከት ናይ ሓባር ሰረት ዘለወን እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ምስልምናን ብሃይማኖት፣ ብባህሊ፣ ብታሪኽን ብቛንቛን ብኹሉ ብዝበሃል ብዝኽእል ተመሳሳሊ ናይ ሓባር እምነት ኢዩ። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብዝምልከት፡ ምንም እኳ ብኽልተ ሲኖዶስ፣ ብኽልተ መንግስታት ዝምርሓ እንተኾና፡ ሃይማኖት ዶብ ስለዘይብሉ ሓጎስን ደስታን ክርከብ ከሎ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ብሓባር ክትሕጎስን ክትድሰትን፣ እታ ቤተ ክርስትያን ሽግር ጸበባን ከጓንፋ ከሎ፡ ብሓባር ክትሽገርን ክትሓዝንን፥ እታ ቤተ ክርስትያን ክትጽገም ኮላ ሓቢርካ ምጽጋም፣ ጸገማ ክትሽከም፥ ምርድዳእ፣ ምትሕግጋዝ ምትሕልላይ ናይ ክሊቲኡ ሃገራት መራሕቲ ሃይማኖት፣ ህዝብታትን መንግስታትን፡ ሞራላዊን መንፈሳዊን ግዴታ ኢዩ ነይሩ።

ይኹን ደኣ እምበር፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን (ብመንገዲ ውጉዝ ሲኖዶስ ኤርትራ) ኣብ መንጎ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስን፡ እዚ ኩሉ ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ፡ ንዓመታት ዝኣክል ፍትሒ ከይተረኸበ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ እንዳሃለወ፣ እምነት ምእመናን ተሸርሺሩ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከሎ፡ ሲኖዶስ ወይ ሃገረ ስብከት ኢትዮጵያን፡ ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ኣብ ምድላይ ክሳብ ሕጂ ዘርኣይዎ ጽቡቕ መንፈሳዊ ድልየት የለን። ሃይማኖት ክበርስ፣ ስርዓት ቤተ ክህነት ክጉዕጸጽ፣ እንዳረኣዩ ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ምዃኖም ዘሕዝን ተርእዮ እዩ። እንተወሓደ፡ ነቲ ዝግበር ዘሎ ግህሰት መሰል ሃይማኖት ምውጋዝ'ውን፡ ኣይተገብረን። እቲ ሕውነት ዝበሃል ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ሓደ ህዝቢ ኢና እንዳተባህለ፡ ህዝቢ ብእምነቱ ክስደድ ከሎ ምድንጋጽ ዘይምህላዉ፡ እንታይ ኢዩ ትርጉም ክወሃቦ፧ ዲሞክራሲ ኢና ንድግፍ እንዳተባህለ፡ ህዝቢ ግን ናጽነቱ ሲኢኑ ተዓፊኑ ከሎ፣ ህዝቢ ስራሕ ተኸልኪሉ ዝበልዖ ስኢኑ ከሎ፣ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ተነፊጉ ከሎ፣ መንእሰያት ብኣልማማ ናብ ስደት ብዘይምቁራጽ የምርሑ ኣብዘለዉሉ እዋን፣ መንእሰያት ተጓሕጉሖም ወጺኦም፡ ሽማግለታት ዝቐብሮም ሲኢኖም ኣብዘለዉሉ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣክንዲ ንዜጋታት ኤርትራውያን ምድንጋጽ፡ ኣክንዲ ዝግበር ዘሎ ግህሰት መሰል ሰብ ምሕ'ላቕ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ንምትካል ምጉያይ፡ እንታይ ኢዩ ትርጉሙ፧ እዚ ብዶ/ር ኣብይ ኣህመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ባሕራን መሬታን እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብለ መምርሒ ንጉስ ሃጼ ሃይለስላሴ ኣብ ባይታ ይስረሓሉ ከምዘሎ፡ ካብዚ ንላዕሊ ጭብጢ ኣይርከቦን። ምኽንያቱ እቲ ምንቅስቓስ፡ ሽግርን ጸገማትን ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ዘይኮነስ፥ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ንምግባት ሃሰስ ምባል እዩ ዘመልክት።

ኣብዚ ከይጠቐስኩ ዘይሰግሮ ነገር እንተሃሊዩ፡ ኢትዮጵያዊ ኣቦና መነኮስ ሰረቀ ብርሃን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘመሓላለፍዎ መንፈሳዊን ኣቦኣዊን መልእኽቲ እዩ። ካብዞም ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ሓደ መነኮስ፡ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ግህሰት መሰል ሃይሞኖት ኣብ ኤርትራ የእውዮም። ሓደ ሓቀኛ ሓላይ መራሕ ሃይማኖት ካብ ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን፡ ተረኺቦም። ብሽም ህዝቢ ኤርትራ፡ ክብሪ ይግብኦም። ስለ'ቲ ሰናይ ሓሳቦም በረኸት እግዚኣብሄር ይብጸሓዮም።

ካብ ዝሓለፉ ታሪኻት ንመሃሮ ነገር እንተሃሊዩ፡ ሃጸይ ዮውሃንስ ብመንገዲ ራስ ኣሉላ፡ ንራስ ሃይሉ ከምዘይጠለሞ፥ ንጉስ ሃጸይ ሃይለስላሴ ናጽነት ኤርትራ ጓዕጺጹ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ከምዘይገበራ፣ መለስ ዜናዊ መሬት ኤርትራ ክዝርፍ ከምዘይፈተነ፡ እነሆ ዶ/ር ኣብይ ከኣ፡ ብዘይ ፍቓድን ወለንታን ህዝቢ ኤርትራ፡ ባሕሪ ኤርትራ ክዕምጽ ይፍትን ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ ጥልመት፡ ካብዚ ንላዕሊ ክሕደት ካበይ እዩ ክመጽእ፧

ዝኾነ ሰብ፡ ዝኾነ እምነት ክስዕብ መሰሉ እዩ። ዝተፈላለየ ሃይማኖት ምህላው ሓቢርካ ካብ ምንባር ኣይክልክልን እዩ። ማዕረ ነንሕድሕድካ ምክብባር፣ ምትሕልላይ፣ መንገዲ ሚስጢር ሓቢርካ ምንባር እዩ። ናትካ ሃይማኖት ኣልዕልካ ናይቲ ካልእ ሃይማኖት ኣትሒትካ ምርኣይ እዩ እቲ ሕማቕ ነገር። ካልኦት መጺኦም ክጣበቑልና ኣይንጸበ። መሰል እምነትና ትኳቦ ስርዓት ህግደፍ ኣይኮነን፥ ህያብ ፈጣሪ እምበር። ንእምነቶም ክብሉ ዝተሓየሩ፡ ኣለናልኩም ክንብሎም ይጽበዩና ኣለዉ። ናጽነት እምነት ከነስፍን፡ ኣብ ንሕድሕዱ ዝከባበርን ዝተሓላለይን ሃይማኖታትና ንሕለ።

ካልኣይ ክፋል ይቅጽል

ካብ ምሽካዕለል ውጉዛት ይሰውረና
ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ፣
መስትርሆት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ሓውኹም ደብረ


ካልኣይ ክፋል፡ኣብዚ ጠውቑ።



Share with friends:


See also recent articles by Mr. Debre
ካልኦት ብ'ኣቶ ደብረ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


መልእኽት ንህልው ኩነታት ካብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፖትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ነሓሴ 2011 (2019)

እዋናዊ መልእኽቲ ዲበ ኩሉ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዕለት 17/ሓምለ/ 2019


"ሓጺር ታሪኽ ሂወት» ኣቦና ሓጂ ሙሳ መ.ኑር»ብሸኽ ጀሚል ኣማን(ኣቡ ኣማን)


ኣብ ካቶሊካዊት ቤ/ክ ዝፍጸመ ዝሎ ግህሰት፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ‘ፍትሒ ይንገስ ጭቆና ይኣክል’ ዝብል ድምጺ ዓፊንካ ናብ ካልእ ንምጥምዛዝ እዩ።” ኣባ ስምኦን (SBS Radio 26/06/2019)


ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ዚጽውዕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ (27 April 2019) (1ይ ክፋል)


ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ዚጽውዕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ (27 April 2019) (2ይ ክፋል)



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: