እታ መሕነቂት ገመድ ከ፧

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

05/07/2019 23:15 PM

እታ መሕነቂት ገመድ ከ?

ብ' ደብረ

እታ መሕነቂት ገመድ ከ?

እታ መሕነቂት ገመድ ከ?
ጽሑፍ ብ 'ደብረ

እዋኑ ሃገራት ዓረብ፡ ቱንዝያ፣ ሊብያ፣ ግብጺ፣ የመን፣ ባሕረይን፣ ለውጢ ብዝጠልቡ ብህዝባዊ ምልዕዓል ዝሕመሱሉ ዝነበረ እዋን እዩ። ኣብ ኩለን ሃገራት ህዝባዊ ሰልፍታት ይግበር ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። ተቓውሞ ህዝቢ ኣብ ሊዕሊ መንግስቲ ከም ሕማም ተላገብ ብቱንዝያ ጀሚሩ ብፍጥነት ንየመን ኢዩ በጺሑ። እዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ናብ ኤርትራ ክልሕም ዝተጸበዮ ብዙሕ ህዝቢ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ብሒም ኣይበለን፥ ብኣንጻሩ ዝተራእየ ናይ ምልዕዓል ምልክት'ውን ኣይነበረን። እብቲ እዋን ክመጽእ ንዝኽእል ምልዕዓል ህዝቢ፡ ብኣጋ ንክኹለፍ፡ ፕረሲደንት ሱዳን ኣልበሽር ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ፕረሲደንት ከምዘይሳተፍ ዝገለጸሉን፡ ኢሳይያስ ከኣ ብመንገዲ የማነ መንኪ ጌሩ፡ ጽገናዊ ለውጢ ከተኣታቱ ምዃኑ ዝገለጸሉን እዋን ኢዩ ነይሩ። ኣብ መሬት ሱዳን ይኹን ኣብ ኤርትራ፡ ዝተራእየ ዝኾነ ናይ ለውጢ ምቅስቓሳት ኣይነበረን። መሬት ስቕ ትም ኮነት። ይኹን ደኣ እምበር፡ ብፍላይ ብፍርሃት ተዋሒጦም ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብስቕታ ህዝቢ ኣይቀሰኑን።

ወግዓዊ ኣኼባ ዘይለመዶም ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ እንዳ መስተ፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት የዕልሉ ነበሩ።

“እዚ ስቕታ ህዝቢ ኣየፍርህን ዶ ትብል?” ክብል ሓደ ይሓትት።

እዚ ናይ ህዝቢ ስቕታ ብፍላይ ንላዕለዎት ሰበስልጣንን መኮንናትን ቅሳነት ከሊእዎም ነበረ። ኢሳይያስ ኣብ ሜድያ ቀሪቡ ጽገናዊ ለውጢ ከተኣታቱ ምዃኑ እንተዘይገልጽ ነይሩ፡ ፍርሆም ጥርዚ ምበጽሐ።

“እዚ ሰብ'ዚ እኮ ጥበበኛ ኢዩ። ከምኡ እኮ ፈላጥ የለን። ሪኢኻ ከመይ ጌሩ ነገራት ከዝሕል ከምዝኽእል ተረዲኢካ ዶ፧” ይብል እቲ ካልእ።

“እሞ እዚ ሪቮሉሽን ናይ ዓረብ ኣይጸልወናን ዲኻ ትብል ዘለኻ፧”

“በየን ኣቢሉ፧ ኣይሰማዕኻን ዲኻ፧ ኣብ መንጎና ይትረፍ እምበር፡ ልዕሊ ኣርብዓ ዘበለት ኩላ፡ ሰብኣያ ሰበይታ ክትዓጥቕ ኢያ ይበሃል ኣሎ።”

“ብኸመይ ፈሊጥካ? ባዶ ሰለስተ ከይትኸውን ኢለ ኢየ።”

“ካብ እሙን ሰብ ኢየ ሰሚዐ። ከይትነግር እውን ኢሉኒ ኢዩ።”

ብጥበብ ኢሳይያስ እንዳተገረሙ፡ ዊስኮም እንዳኣጣዓዓሙ ወጃዕ እንዳበሉ ምዝንጋዖም ቀጸሉ።
ኢስይያስ ንኹሎም ሚኒስተራቱ፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ንኣኼባ ጸዊዑ ገምጋም ስቕታ ህዝቢ ንኽግምግሙ ሓተቶም። ዝበዝሑ ስቕታ ህዝቢ ብኣወንታ ገለጽዎ። ገሊኦም ቀሰይ ኢሉ ብዝመጽእ ምድህላልን ብሃንደበትነትን ገምጊመሞ። ገሊኦም ብድህለትን ፍርህን ገሊጸሞ።

ኣብ መንጎ እቲ ኣኼባ "እዚ ህዝቢ እዚ ፍጹም ንመንግስቱ እሙን ኢዩ፣ ፈታው ፕረሲደንቱ ከኣ‘ዩ። መንግስቱን መራሕቱን ከኣ ይፈቱ።" እታ ፈታው ፕረሲደንቱ ትብል ሓረግ ደጋጊሙዋ። ፍትወት ኢሳይያስ ዘገድሶ ሰብ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ነገሩ ምስ ኢሳይያስ ኣተሓሒዙ ኢዩ ዝዛረብ። ርእይቶ ኣብ ምሃብ ከኣ ዝቕድሞ የለን። ባህርያቱ ዝፈልጡ ብውሽጦም ይስሕቁ ነበሩ። ንሱ ምጎሳ ፕረሲደንት ጥራይ እዩ ዘገድሶ እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ዝጭነቐሉ ምኽንያት የብሉን። ኢሳይያስ 'ውን ነዛ ድኽመቱ ስለዝፈልጥ እንዳነዓቖ እዩ ንምኒስተርነት ኣብቂዕዎ።
እቶም ሰበስልጣናት ነንሕድሕዶም ተጠማመቱ። መን ቀጺሉ ይዛረብ ኣብ ዝብል ከኣ፡ ሓለዋ ኣተዉ። ካብቶም ጀነራላት ሓደ፡

" እዚ'ኳ ሓሶት እዩ።” ብላግጺ ነቲ ሚኒስተር እንዳጠመተ ርእይትኡ ሂቡ። ውልቃዊ ንዕቀት ኣብቲ እቲ ሚንስተር ነርዎ። ነንሕድሕዶም ተቓድዮም ኣይፈልጡን እዮም። “ህዝቢ ዓቕሉ ጸቢብዎ እዩ ዘሎ። ብረት ዘይዓጠቐ ኮይኑ'ምበር ሰላማዊ ሰልፍን ህውከትን ካብ ምግባር ድሕር ኣይብልን እዩ።" ክብል ወሰኸሉ።

ብናይ ጀነራል ዘረባ ቅጭ ዝመጾ ኢሳይያስ፡ "እሞ ብረት ዘይተዕጥቕዎም!!” ቅሩብ ሕስብ ኣቢሉ፡ “ኣብ መኽዘን ዓኪቱ ዘሎ ብረት ኣሎ፡ ኩሎም ካብ ኣርብዓ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ሰብኣዮም ኣንስቶም የዕጥቕዎም። ሽዑ ዝቃወሙ እንተኾይኖም ብሓባር ንርእዮ።" ክብል ከም ዋዛ ኣባጨወ። ንሱ'ውን ብተራኡ ነቲ ጀነራል እንዳጠመተ። እቲ ሚኒስተር ነቲ ጀነራል ብጎኒ ዓይኑ ጠመተ ኣፍነኸነኸ።

ኣብ መወዳእታ ባጫ ኢሳይያስ ትእዛዝ ኮይና ወጺኣ። በቲ ዝተወሃበ ናይ ባጫ ትእዛዝ መሰረት ሊዕሊ ኣርብዓ ዓመት ዘበለ ኣብ ወሽጢ ሃገር ዝነብር፡ ሰብኣይ ሰበይቱ፣ ኣደ ቆልዑት ኣዴታት፣ ካብ ሰራዊት ዝኾብለሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መራሕቲ ሃይማኖት ካህናት ከይተረፉ ኣብ ትሕቲ ሕዝባዊ ሰራዊት ሐሓደ ክላሽን ምስ ምሉእ ካዝና ጥይት እንዳሃቡ ከምዝዓጥቁ ተገብረ።

ምዕጣቕ ብረት ካብ ምዕዝምዛም ሓሊፉ ዝምጽኦ ሓድሽ ለውጢ ኣይነበረን። ብረት ዝዓጠቐ ኩሉ ከምዛ ብሓደ ተመኻኺሮም ዝዘተዩ ኣብ ዘየድልዮ ስሕታን ከይወድቕ ምእንታን፡ ነቲ ጠያይቲ ካብ ካዝንኡ ኣውጺኦም ብጨርቂ ጠቕሊሎም ኣብ ሊዕሊ ኣርማድዮ ኣቐመጡዎ። ስቕታ ህዝቢ ኣይተቐየረን፡ ከምዘለዎ ቀጺሉ።

ነቲ ዘሎ ምዕባለ ምዕጣቕ ብረት ንምግምጋም፡ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ንኻልኣይ ጊዜ ተኣከቡ። ብስቕታ ህዝቢ ዝደንጸዎም ተኣከብቲ፡ ነንሕድሕዶም ኣብ ዲግ ዝበለ ክትዕ ኣተዉ። ገሊኦም ህዝቢ ፈሊጡ ኣድብዩ ኣጽቂጡ ኢዩ ዘሎ ክብሉ ከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ተዳሂሉ ለውጢ ዝደሊ ህዝቢ ኣይኮነን ኢሎም ገምገሙ። እቲ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ከምእተዳህለ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ኢስይያስ፡ እታ “ተዳሂሉ እንድዩ” ትብል ሓረግ ተስማማዓቶ። ኣብ መወዳእታ “ዋላ ክትሕነቕ ኢኻ እንተበልካዮ ኣብ ልዕለይ ተቓውሞኡ ኣየርእን እዩ።" ክብል ብባጫ እንዳሰሓቐ ብርእሰ-ተኣማንነት ተዛረበ። ብረት ስለዘይዓጠቑ እዮም ዘይተልዓሉ ዝበለ ጀነራል ትቕብል ኣቢሉ "እሞ ክትሕነቕ ኢኻ ዘይንብሎ፡" በለ ሕፍር ኢሉ፡ እቲ ክፍቶ ዝደሊ ሚኒስተር ብጎኒ ዓይኑ ይጥምቶ ከም ዘሎ ኣስተውዒሉ። ኢስይያስ ካብ መንበሩ እንዳተሰአ “በልዎም” ኢሉ ብባጫ እንዳሰሓቐ ከደ።

ጀነራላት ንህዝቢ ኣብ ቺቾሮ ኣኪቦም፡ "ኣቱም ህዝቢ ሕጂ ክትሕነቁ ስለዝኾንኩም ተዳለዉ።" በልዎም። እቲ ህዝቢ፡ ምሕናቕ ዝበሃል ዘይተጸበይዎ ነገር ስለዝነበረ፡ ሰንቢዶም ብረቶም ሒዞም ኣብ መሬት ራዕ ኢሎም፡ ኮፍ በሉ። ገሊኦም ከዕዘምዝሙ ጀመሩ። ገሊኦም ብብረተም ናብ መሬት ይጥብጥቡ ነበሩ’። ገሊኦም ከኣ፡ ንነዊሕ ጊዜ ብረቶም እንዳነቕነቁ ኣስተንተኑ። ገሊኦም ከኣ ዓቕሎም ጸቢብዎም ዓዕለበጡ። ገሊኦም ከኣ ርእሶም ኣብ እግሮም ደፊኦም ተከዙ። ሕጂ'ውን እቲ መልሲ፡ ሱቕ ኢዩ ነይሩ። ኩነታት ህዝቢ ክዕዘቡ ዝጸንሑ ጀነራላት፡ ኣብ ፍርሂ ወደቑ። “ሕጂስ ናይ መወዳእታ ኢያ።” እንዳበሉ ከለዉ፡ ሓደ ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ንኽዛረብ ፍቓድ ሓተተ። ደጊም ሰዓት ናይ ዕግርግር ኣኺላ እያ ኢሎም ብፍርሂ ተዋሒጦም እንዳተጸበዩ ከለዉ፡ "ተዛረብ" ክብሉ ኣፍቀዱሉ። እቲ ክዛረብ ዝሓተተ ሰብ፡ ናይ ብኽያት ቃና ብዘለዎ ድምጺ፡ "ሕራይ ዝበልኩምና ሰሚዕናኩም። እታ ናይ መሕነቒት ገመድ ከ ካባና ድያ ካባኹም?" ኢሉ ሓተቶም።

እዚኣ ጽሕፍቲ ነቲ ዘሎ ፍርሂ ህዝቢ ኤርትራ ክትገልጽ ትኽእል ኢያ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ምስ ሓደ ዓርከይ ኮይንና ኢና ፈጢርናያ። "ይኣክል ደረቱ ዝሓለፈ ፍርሂ!!" ዝበሃል እዚን ከምዚን ዓይነት ኢዩ። ኣብ ዓለም ሓንሳእ ኢና ንነብር። ህዝቢ ኤርትራ ግን ይነብር የለን። ኣሳፊሕካ ሞት፡ ተኾርሚኻ ሞት፡ ዝበሃል ኣይሰርሕን ኢዩ። ኩሉ ተኾርሚኻ ሞት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝመውት ነዊሕ ጊዜ ጌይሩ። ብረት ሒዝካ ክሳብ መሕነቒ ገመድ ዘሕትት ፍርሂ፡ ይኣክል! ክንብል ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!!!

ሓውኹም

ደብረ


Share with friends:


See also recent articles by Mr. Debre
ካልኦት ብ'ኣቶ ደብረ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


ሰራዊት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሰራዊት ብምሉእካ ከምኡውን ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: