ዋዕሮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ጉዐይ (3ይ መወዳእታ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/06/2019 01:15 AM

ዋዕሮ ኤርትራ
ወ/ሮ ጉዐይ

(3ይ መወዳእታ ክፋል)

ብ' ደብረ

ማሕዘል፡ ቅድመይ ተደፋእ!!

ዋዕሮ ኤርትራ ወይዘሮ ጉዐይ

ማሕዘል፡ ቅድመይ ተደፋእ!!
ጽሑፍ ብ 'ደብረ

ምልኩዕ ባህላዊ ማሕዘል ኤርትራ ካብ ቆርበት በጊዕ ወይ ጤል ዝስራሕ ይመስለኒ። ብዛዕጎል ከኣ ይመላኻዕ። ኣዴታት ኤርትራ ኣብ ሕቖአን እየን ንደቀን ዝሓዝላ። ትርጉሙ ‘‘ቅድሜኻ ይድፋኣኒ።” ዝብል ኢለ ትርጉም ክህባ ይደሊ። እቲ ዘመኑ ዘምጽኦ ማሕዘል ግን ካብ ቴንዳ ወይ ጨርቂ ዝስራሕ ኮይኑ ብቕድሚት ኢዩ ዝሕዘል። “ቅድመይ ተደፋእ።” ዝብል ትርጉም ክህቦ ይደሊ። ምኽንያቱ ድንገት ነታ ዝሓዘለት ኣደ ተዓንቂፋ ንቅድሚት እንተወዲቓ፡ እቲ ኣብ ቅድሚኣ ዘሎ ማሕዘልን ህጻንን ኢዮም ብቐዳምነት ዝህሰዩ።

ደገፍቲ ህግደፍ ብፍላይ ከኣ ኣደታት ህግደፍ ክስዕስዓ ከለዋ፡ ማሕዘል፡ ቅድመይ ተደፋእ እዩ ዝመስል። ነፍሰ-ፍትወት ልዕሊ ውሉድካ። ከም ህልቂት ላምፔዱዛ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ እንዳኾኑ፣ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት፡ ኣውያት ኣብ ዘይብሉ ንቡር ቀብሪ ከይረኸቡ ወዲቖም ዝተረፉ ኣሻሓት ከለዉ፣ ደቀን ንሞት ኣረኪበን፣ ደም ደቀንን የሕዋተንን ረጊጸን፡ ሓጎሰን ዘስተማቕራ ዘለዋ እየን ዝመስላ። ኣብ እቲ ውሽጢ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዘለዉ ይኹኑ ዘየለዉ፡ ውሩያት ሰባት፡ በብሓደ ብዕባራ ምኽንያታት እንዳሃለቑ እንዳረኣያ፣ ድሳቐ ኮቦሮአን፡ ናይ እንቋዕ ሓጎስና ሳዕሲዒተንን፡ ድኹም ኣተሓሳስባአን ወይ ከኣ ኤርትራዊ ባህሪ ከምዘይብለን እዩ ዘርኢ። ኤርትራውያን እንተኾይነን፡ ጽባሕ ተራ ናተን ከም ዝኸውን ኣየስተብህላን ኣለዋ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ሓደ ጽቡቕ ኣብነት፡ ጉዳይ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም እዩ። በዓል ኣርባዕተ ኮኸብ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም እንታይ ከምዝረኸቦ ኩላትና ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይ‘ዩ። ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ፡ ብጥይት ተሃሪሙ ወዲቑ ዝብል ዜና ተሰሚዑ። ይኹን ደኣ እምበር ብሂወት ይሃሉ ይሙት ክሳብ ሒጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ጀነራሉ ኣብ ናይ ገድሊ ሂወቱ፡ ኣብ ናይ ሩባ ሑጻ ወተሃደራዊ ፕላን እንዳሓንጸጸ፡ ብጸብለልታ ገድሊ ዝመርሐ ተጋዳላይ፡ ሕጂ ድሃዩ ሃንደበት ጠፊኡ ተባሂሉ። ዋላ እኳ፡ ኢስይያስ ካብ ስልጣን ከይወርድ ኣብርቲዑ ሰሪሑ (ካብ ሰባዓታት ጀሚሩ ኣንጻር ኢሳይያስ ዘዝተበገሱ ለውጥታት ዝሃረመን ህልውና ኢሳይያስ ከም ዝናዋሕ ዝገበረን ሰብ እዩ።) ተባህሉ እንተተሓምየ፡ እዚ ናይ ሕጂ ፈተነ ቅትለት፡ “ዩዝ ኣንድ ስሮው” (ተጠቒምካ ደርብዮ) ዝብል ፖሊሲ ኢሳይያስ ኣርኪብዎ ዶ ይኸውን፧ ዝብል ሕቶ እዩ ዘልዕል። እዚ ድሕሪ መጋረጃ ዝኾነ፡ ብውጥን ዝኸደ ክሕደት ከምዘሎ እዩ ዘርኢ። እምበርኣከስ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ሓደጋ ረኺቡ ተባሂሉ ኣብ’ዚ ኣሎ ተባሂሉ ድሃዩ ተሳኢኑ ኣብዘለወሉ እዋን፡ ደገፍቲ ህግደፍ “እዚ ትማሊ ምሳና ዝነበረ ብጻይና ጀነራል ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ደሃዩ ኣይሓተቱን። ኢሳይያስ ኣብ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “እንዳመመና ኢና መጺእና።” ዝበሎ “ተመሚዩልና” ኢለን ዝሳዕስዓ ይመስላ። ከም እቲ ማሕዘል ቅድመይ ተደፋእ፡ እሱ ቅድሚኦም ይደፋእ፡ ኣይግድሶምን እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘለዉ እዮም ተጨኒቖም ድሃዩ ዝሓትሉ ዘለዉ። ንሶም እዮም ከም እቶም ዝጠለሞም ቀደምት ብጾቱ ማዕረ ክብሪ ዝሃብዎ። ደገፍቲ ህግደፍ ግን ተረአን ክሳብ ዝበጽሕ ንሰን ሳዕሲዒተን ክቕጽላ እየን። ጥልመት፡ ካብ እዚ ንላዕሊ ጥልመት የለን፡ ጻዕዳ ጥልመት።

እዘን ኣብ ኣስመራ ዘለዋ እሞ ዝስዕስዓ ዘለዋ ግን ፈትየን ኣይኮናን። ብምምሕዳራት ብናይ መቝነን መግቢ ብኸብደን ተታሒዘን (ኩፖነን ስለዝሕደጋ) እየን ተገዲደን ዝስዕስዓ። ወ/ሮ ጉዐይ ክትገልጸን ኮላ፡ “ኣብ ዓዲ ዘለዋ ኣደታት ይበኽያ ኣለዋ። እዘን ትማሊ (ኣብ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት) ክስዕስዓ ዝረኣኽምወን ኣዴታት ፈትየን ዲየን መሲሊኩም ሳዕሲዐን፧ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ተገዲደን። ብኣፍንጫ!!” ክትብል እያ ጸገመን ነጊራትለን። መልእኽታ ግልጺ እዩ ነይሩ። መንእሰያት ኤርትራ ንኣደታቶም ብጽሑለን፣ ኣለናልኪ በልወን ዝብል እዩ። እዛ ሃገር ብድሕሪ ሕጂ ናይ ማንም ኣይኮነትን። ናይ መንእሰያት እያ። ስለዝኾነ ከኣ መንእሰያት ቶባእ ኢሳይያስ! ቶባእ ህግደፍ! ኢሎም ክብገሱን ሃገሮም ካብ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ክሕደግዋን ተማሕጺና። ወ/ሮ ጉዐይ ኢዳ ናብቶም መንእሰያት እንዳመልከተት፡ “ነዓኻትኩም እያ እዛ ሃገር። ንዓይ እውን ኣይኮነትን ንዓበይቲ እውን ኣይኮነትን። ደቀይ ኣብ ጀርመን ስለዝዓበዩ ንዕዖም እውን ኣይኮነትን፡ ሃየ ሃገር ኣድሕኑ ሃገር ናትኩም እያ።” ኢላ እያ ተሪር መጸዋዕታ ዝገበረት።

ወ/ሮ ጉዐይ፡ ህግደፍ የፈራርህዋ ከምዘለዉ ኣይሓብአትን። “ሓንቲ ካብ ጎረቤተይ ደጋፊት ህግደፍ ዝኾነት ንደቀይ፡ ‘ክቐትልኹም እዮም፣ ክሓርድኹም እዮም።’ እንዳበለት ኣጃጂያቶም።” ክትብል ዝኣረገን ዝነበረን ናይ ህግደፍ መፈራርሂ ሜላ ኣቃለዐት። ፕሮፌሰር ኣርኣያ እውን ምስ ናዝ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ነዚ ሜላ ድሕሪ ጂ 13 ከምዚ ዓይነት መፈራርሂ ይበጽሖ ከምዝነበረ ኣብሪሁ እዩ። እንተኾነ ወ/ሮ ጉዐይ ቀሰይ እንዳበለት ንደቃ ተረድኦም ከምዘላ ኣብሪሃ። ብፍርሂ ተዋሒጣ ንድሕሪት ኣይበለትን። ንሳ እምነታ ኣብ ፈጣሪኣ ጌራ ኣላ። እሳ ትብል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሃይማኖትና ዝብለና፡ እግዚኣብሄር ዝሃበና ትእዛዝ ሓቂ ተዛረብ እዩ ዝብል። ኣነ ብኣቦ ሓጎታተይ ክወራረስ ዝመጸ ጓል ኣቅሽሽቲ እየ። ስለዝኾንኩ ከኣ ሓቂ ተዛሪበ ክመውት ኢየ ዝደሊ።” ክትብል ካብዚ ሒጂ ዘላቶ ቃልሲ ሓርነት ንድሕሪት ገጻ ከምዘይትጥምት ብቖራጽነት ገሊጻ። “ኣነ እንድሕር ክቃወም ኮይነ፡ ብሕብእብእ ዘይኮነስ ብግልጺ ክቃወም ኣሎኒ። ኣነ ዝቃወም ዘለኹ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእቲ እታ ስንክልቲ፣ ምእንቲ እታ ኣደ ስውእ እዩ።” ብምባል ነቲ ቆራጽነታ ትብዓት ትውስኸሉ። “ኣነ ኣክንዲ ህዝበይን መሬይተይን ከእዊ ደልየ! ኤርትራ ሽማ ጥራሕ ‘ዩ ዘሎ። ኤርትራ የላን፡ መሬታ የለን! መኺኑ እዩ።’ ከኣ ትብል ንኽትበኪ ሕንቅንቅ እንዳበለት። ብዛዕባ እዚ ከተብርህ ኮላ፡ ሓረስቶት ሓሪሶም ከይበልዑሉ ጣፍ ኣይትዘርእዎን፣ ዳጉሳ ኣይትደግምዎን ኢኹም እንዳተባህሉ በቲ ስርዓት ብኢዶም ተታሒዞም ከም ዘልዉ ትገልጽ። “እንታይ ኢና ንርኢ ዘሎና፡ ስለምንታይ ኢና ንፈርሕ፧” ኢላ ትሓትት ብሕርቃን። ቀጺላ “ስለዚ ኣንቱም የሕዋተይ፡ ኩሉኹም የዕርኽቲ ኣለዋኹም፣ ኣንስቲ ኣለዋኹም። ኣምጽእወን ኣንስትኹም፣ ኣምጽእወን የዕርኽትኹም፡ ብሓባር ኡይ ይበላ፣ ይዛረባ፣ ብሓባር ነእዊ” ክትብል ንተሳተፍቲ ብወኒ መሊኣቶም።

ሃማድኤ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዝቃለስ፡ ብህዝባዊ ግንባር ዝቆመ ካብ ጊዜ ቃልሲ ጀሚሩ ነዊሕ ዝገበረ ትካል እዩ። እዚ ሒጂ ዘሎ ኣገልግሎት ሃማድኤ ግን ንዝቖመሉ ዕላማ ሲሒቱ ንምልካዊ ስርዓት ምጥባቕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እታ ናጽነት ከተምጽእ ዝሰንከለት ህላዌኣ ከመይ ኣሎ፣ እታ ኣደ ስውኣት ብኸመይ ትነብር ኣላ ዝብሉ ሕቶታት ክምልስ ዓቅሚ ኣብዘይህልወሉ ደረጃ በጺሑስ፡ ንኽፋእ ምልኪ ኣብ ምክልኻል፡ ድሮ ኣትዩ ኣሎ። መልእኽቲ ወ/ሮ ጉዐይ፡ “ዎ!!! ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለኽን ሃማደአ፡ ንዓና ‘ዝነገሰ ንጉሰይ ዝበረቐ ጸሓየይ’ ንብል ዝነበርና ገዲፍክን፡ እታ ኣደ ስውእቲ ኣብ ፈቀዶ ሃገር ትልምን ዘላ፡ እንታይ ክትብለክን እያ፣ እታ ስንክልቲ ሕፍረታ ክትከድን ዘይትኽእል ኣእዳዋ ዝቖረየት፣ ብእግራ ክትከይድ ዘይትኽእል ኣእጋራ ዝሰንከለት ተጋዳሊት፡ እንታይ ክትብለክን እያ። እታ ሓቀኛ ንኤርትራ ቅድሚት ሓሊፋ ዝተሰወአት፣ እታ ኣደ ስውእቲ ከም በዓል ኣደይ ቁዱሳን (ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርገሐት) ኣብ ፈቀዶ ጽርግያ ነጸላኣ ዘርጊሓ ትልምን ዘላ፡ እንታይ ክትብለክን እያ፧” ክትብል ተሪር መልእኽታ ዘመሓላለፈት።

ኤርትራዊ ዝጭፍጭፎን፣ ዝድህኾን ክምዝፈቱ ህግደፋውያን ከኣ ለቕልቕቲ ከምዝኾኑ ገሊጻ። ብዛዕባ ኤርትራ ሓንቲ ሕቶ ሓቲቶማ ክትምልስ ዘይትኽእል ትፋኒ ትበሃል ኤርትራዊ መቦቆል ዘለዋ ኣመሪካዊት ኮመድያን፡ ነቲ ከይተጠራጠረ ሂወቱ ዝሰወአ ስውእ ተጋዳላይ ዘየቖሙሉ ሓወልቲ፡ ንሩስያዊ ፑሽኪን ሓወልቲ ዘቖሙሉ፡ ንቲፋኒ ኸኣ ልዕሊ እታ ሂወታ ዝወፈየት ሓየት ሽምን ክብርን ከምዝሃብዋ፡ ከምስሉ ኸኣ ኤርትራዊት ክነሳ ዜግነት ኤርትራ ከምዝሃብዋ፡ ከምዘጉሃያ ኣይሓብአትን። ሃማደኤን ሃማመተኤን ከኣ ተዋሳእቲ ናይ እዚ ድራማ ከምዝኾኑ ግልጺ እዩ ነይሩ። ንስንኩላን ንደቂ ስውኣት እንዳተባህለ ዝዋጻእ ገንዘብ ንኸምዚን ንወጻኢታት ሆቴል ኣኼባ መንእሰያት ህግደፍን መሸፈኒ ከምዝውዕል፡ ኣብ መዓልኡ ከምዘይበጽሕ፡ ኣብ ናይ ጥፍኣት ንጥፈታት ከምዝጠፍእ ኣብሪሃ።

ወ/ሮ ጉዐይ ንምምሕዳር ኦርቶዶክሳዊት ኤርትራ እውን ኣይገደፈትሎምን። “ንሕና ርጉማት ኢና።” ክትብል ትጅምር። “ሓው ምስ ሓው፣ ጎረቤት ምስ ጎረቤት ምትእምማን ኣጥፊእና።” ኢላ ከኣ ትቕጽል። “ካብ ስርዓተ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ወጻኢ፡ ጳጳስ ተገዚቶም ከለዉሲ ባዕሎም ሽመት ወሲዶም።” ክትብል ኣብ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ዝተገብረ ዓቢ ክሕደት ትገልጽ። ንነገሩ ኢሳይያስ’ውን ሕጋውነቱ ኣጥፊኡ፡ ንስልጣኑ ብዘይ ወለንታ ህዝቢ ብሓይሊ ገቢቱ ሕዚዎ ስለዘሎ፡ ኣብ መንበረ ጵጵስና ዝተገብረ ጥልመት’ውን ነዚ ዝመሳሰል ጥልመት እዩ። “ጳጳሳት ዝኣኽሉ ኣብ ኤውሮፓ መጺኦም ክሕስዉ ርኢና።” ክትብል ከኣ ምስክርነታ ትህብ።

ናብ ኣምላኽና ንመለስ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዓንዲ የብሉን፡ ግን ከኣ ብእምነት ጠጠው ኢሉ ኣሎ። ስለዚ ኣብ እግዚኣብሄር እምነት ይሃልወና። ከም ቀደሞት ኣቦታትና ኣስላማይን ክርስትያናይን፡ እግዚእብሄር (ኣላህ) ጸሎት ናትና የድልዮ ኣሎ። ሓደ ልቢ ሓደ ቃል ከኣ ንኹን። ኣስላማይ ክርስትያናይ ከይተባህለ፣ ኣውራጃ ከይፈለዩ፣ ንትችዓተ ብሄራት እንዶ ኣይኮነን ተሰዊኦም የሕዋትና? መዓልታዊ ጸሎት ወ/ሮ ጉዐይ፡ “እግዚኣብሄር ኣቦና፡ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ዝሃብካና፡ ነመስግነካ ኣለና። ፈሊጥናን ከይፈለጥናን ዝገበርናዮ ሓጥያትና ገዲፍካ ተዓረቐና። ብርሃን ካባኻ፣ ራህዋ ካባኻ እዩ’ሞ ይኣክል በለና። ካብ ሓሰውቲ መራሕቲ ሃገርን ሃይማኖትን ገላግለና።” ጸሎታ ጸሎት ኩላትና ይግበሮ። ኣሜን።

ኣብ መወዳእታ ወ/ሮ ጉዐይ ናይ ይኣክል ጭርሖ ኢያ ኣቃሊሓ። ኢሳይያስ ክኸይድ እዩ፣ ኢሳይያስ ክጠፍእ ኢዩ። ኢሳይያስ ተዳሂሉ እዩ፣ ኢሳይያስ ጀጂዩ እዩ፣ ኢሳይያስ ማዳ ብማዳ ኮይኑ ኣሎ። ጌና ብሕጂ ከኣ ካልእ ክመጾ እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሞራሉ ተሰይሩ እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ የለን። እሱን ንህግደፍ ዝሕግዙን ኤርትራዊያን ኣይኮነኑን። ኤርትራዊ ዝኾነ፡ ሃገረይ ይበል ሕጂ። ኤርትራዊ ዝኾነ፡ ይኣክል! ይበል ሒጂ። ኣንስትኹም ኣምጽኡ!!!! ኣነ ግን ኣይስዕስዕን ኢየ። ሽዑ፡ ኤርትራ ነጻ ምስወጸት ኢስይያስ መዓሙቕ ምስ ከደ፡ ደቀይ ሒዘ ክስዕስዕ ኢየ።

መወዳእታ፡ ርእይቶ ደብረ

ወ/ሮ ጉዐይ፡ ቅድሚ ኩሉ ነቲ ትብዓትክን ድፍረትኪን ኣድናቖተይ ብድጋሚ ክገልጽ እፈቱ። ካብ ማዕሙቕ ልበይ ከኣ የመስግነኪ። ባይታ ዘይረኸባ ኮይነን እምበር ከምዚ ከማኺ ኣሽሓት ከምዘለዋ ተስፋ እገብር። ደቂ ኣንስትዮ ዘግለለ ለውጢ ዜሮ ሸቶ እዩ ዝወቅዕ። ጸሓፋይ ኣይኮንኩን። ተመኩሮ’ውን የብለይን። ግን፡ ክፍትን ኢለ እየ ነዚ ናትኪ ትምህርቲ ከጉልሖ ፈቲነ። ከም እቲ ንስኺ ክትገልጽዮ ዝደለኺ ኣይገለጽኩዎን ክኸውን ይኽእል እየ። ምስ ምትሓት ክእለተይ ምዃኑ ወሲድኪ ይቕረታ ክትገብርለይ ይሓትት። መልሲ እንተዝረክብ ደስ ምበለኒ። እንተዘይኮነ ኣብ ካልእ ናይ ትምህርቲ ጊዜ የራኽበና።

ርእይቶ፡ ህግደፍ ኣነኣኢስና ንርእዮ ጸላኢ ኣይኮነን። ፈኸርኦምን ጽዩፍ ስርሖምን ካብ ምትግባር ንድሕሪት ኣይብሉን እዮም። ነዚ ከኣ ዓቢ ባጀት ክብጅቱ ከምዝኽእሉ ኣሰና ቲቪ ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ። ኩላህና ብፍላይ ኣብ ከባቢ ወ/ሮ ጉዐይ ዘለኹም ንወ/ሮ ጉዐይ ክንሕልዋ ይግባእ። ኣብ ነሓድሕድና ክንተሓላሎ ዋርድያ ክንወጽእ ኣሎና እብል።

ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!!!

ሓውኹም

ደብረ


Share with friends:


ATV: ኤርትራዊት ኣደ ወሮ ጉዐይ ካብ ፍራንክፈርት - `ምእንቲ `ቲ ምሳይ ዘሎ ሕልና `ምበር - ምእንቲ ቲ ኣስመራ ዘሎ ገዛይ ኣይነበርን `የ` ትብል




See also recent articles by Mr. Debre
ካልኦት ብ'ኣቶ ደብረ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: