ንሃይማኖትና ንሕለ (2ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

23/08/2019 02:35 AM

ንሃይማኖትና ንሕለ

(ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

ጽሑፍ ብ 'ደብረ

ንሃይማኖትና ንሕለ

ንሃይማኖትና ንሕለ (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)
ጽሑፍ ብ 'ደብረ

መእተዊ

ነፍስወከፍ ምእመን ይኹን መራሕቲ ሃይማኖት ብተነጽሎ ንዝወስዶ ውሳኔታት ንቤተ ክርስትያን ጎዳኢ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፣ ንሕድሕድ ምጥርጣርን ዘይምርድዳን ዘንግስ፣ ምርሕሓቕ ዝፈጥር፣ ከጥቅዓካ ንዝደሊ ጸላኢ ምቹእ ባይታ ዘጣጥሕ ኢዩ። ኣብ ሊዕሊ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ 2006 ካብ ዝተወሰደሎም ዘይምዕሩይ ውሳነ፥ ክሳብ ሕጂ መፍትሒ ዘይተረኽቦ ብሰንኪ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ተነጽሎ ዝፈጠሮ ምፍልላይ እዩ። በሓደ ሸነክ፡ በቶም እቲ ስርዓት ኣቐሚጥዎም ዘሎ ሕልናኦም ንኸብዶም ዝሸጡ ሊቀ ጳጳሳት፣ ጳጳሳት፣ መነኮሳት፣ ካህናትን ድያቆናትን፡ ኣብ ሕብረት ቤተ ክርስትያን ዝወርድ ዘሎ ምብትታኽ፤ በቲ ካልእ፡ ኣብ ልዕሊ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝወርድ ዘሎ ቀጻሊ ጸለመን ጠቐነን ውጽኢት ልሕሉሕ ርክብ ምእመናንን መራሕቲ ሃይማኖትን ምዃኑ ግሁድ ኮይኑ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ምፍልላይ'ዚ ሃይማኖትና ኣብ ሓደጋ፡ ፓትሪያርክና ኸኣ፡ ጸገም ረኺቦም ኣለዉ።

ኣብ ወጻኢ፡ ብሲኖዶስ ኤርትራ ካብ ዝመሓደራ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ምሕደራ ቤተክርስትያን ብርኡይ ናብ ክልተ ደንበታት ትፍለ ኣላ። ደንበ ደገፍቲን ተቓወምቲን ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ። ብ'ዕለት 29 ሓምለ 2019፡ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ብኣዋጅ፡ ንሲዶኖስ ኤርትራ ዝወገዝዎ ውግዘትን፡ ንህዝቦም ዘቕረብዎ መጸዋዕታን፡ ነቲ ዝነበረ ፍልልይ ኣብ ምግፋሕ ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር እቲ ፍልልይ ከምዘሎ እኳ እንተተኣምነ፡ ብዲክታተር ኢሳይያስ ብዝዝወር ውጉዝ ሲኖዶስ ስለዝምእከልን ኣማራጺታት'ውን ስለዘየለ፡ እቲ ፍልልይ ክረአ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ኣብ 8 ሃገራት ካብ ዘለዋ ሰላሳን ሓሙሽተን ኣብያተ ክርስትያናት፡ ካብ ዕለት 17 ክሳብ 18 ነሓሰ 2019 ኣብ ካስል ጀርመን ዝተጋብኡ ዝተወከሉ ምእመናንን ካህናትን ግን፡ ሓደ መርኣያ ኣብነት እዩ። እዞም ተጋባእቲ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ንዝወገዝዎ ወጊዞም፡ ድጋፎም ንሳልሳይ ፓትርያርክ ኤርትራ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ሂቦም ኣለዉ። ሕጂ እቲ ምፍልላይ ጋህዲ ኮይኑ ጎሊሑ ወጺኡ ኣሎ። እቲ ኣብ ሰንከልከል ዝጸንሐ ኲናት ብዕሊ ብእውጅ ጀሚሩ ክንብል ንኽእል።

ቅዱስ ፓትርያርk ጾር ሓጥኣትና ኣብ እንግድዖም ተሰከምዎ።

ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ከም ፓትርያርክ ኣብ ሚድያ ኣብ መወዳእታ ዝተራእዩ ኣብ ስነ-ስርዓት ምፍራም ሞት ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ነበር ስዉእ ሚንስተር ነፍሲሔር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ከምዝነበረ እዝክር። ብድሕሪኡ ግን ኣብ ዝኾነ ሜድያ ቀሪቦም ቡራኬ ኣይሃቡን። ድሕሪኡ ተወጊዞም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምተወገኑ ብትሒም ትሒም ተፈሊጡ። ማእሰርቲ ናይ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦኒዮስ ስርዓትን ሕግን ዝተኸተለ ኣይነበረን።

ብመሰረት ቀኖና፣ ፍትሃ ነገስትን ቃለ ኣዋድን ቤተ ክርስትያን፡ ሓደ ፓትርያርክ ካብ ማዕርጉ ዘውርዶ ሰለስተ ዓበይቲ ጉድለታት ምስዝፍጽም እዩ። ሓደ፡- ብሃይማኖታዊ ክሕደት፥ ክልተ፡- ብውድቀት ዝሙት፥ ሰለስተ፡- ብምኽንያት ሕማም ኣእምርኡ ምስ ዝስሕት ኢዩ። ሃይማኖታዊ ክሕደት ብዝምልከት ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ቀሪቦም ፊት ንፊት ብጋህዲ ዝሓተቶምን ዝረትዖምን ኣካል የለን። ብውድቀት ዝሙት ብዝምልከት ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለዉ ንዓለም ዝመነኑ ፈላሲ ብምዃኖም ብውልቂ ዝጥርጥሮም ሰብ የለን። ብኣእምሮ ምስሓት እንተደኣ ኢልና ኸኣ ኣብዚ ዘለዉዎ ዕድመ ኣብ ተሰዓታት እኳ ነቲ ዝወረዶም ተነጽሎ በዲሆም ምስ ምሉእ ኣእምርኦምን ፍልጠቶምን ከምዘለዉ ኣመስኪሮም እዮም።

ብድሕሪ ማእሰርቶም፡ ብውጉዝ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ፡ ውጉዝ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብወግዒ ንምእመናን ዝበሎ ነገር ኣይነበረን። ብመንገዲ ባዶ ሰለስተ፡ ግን ብዙሕ ጸለመታትን ጠቐነታትን ተነዚሑ። ካብ ብትሒም ትሒም ዝጋዋሕ ዝነበረ፦ “ብጹዕ ወቅዱስ ኣብነ ኣንጦንዮስ ብሃይማኖት ጡርጡር ኢዮም፣ መናፍቃን ኮይኖም፣ ምስ መናፍቃን ተደናጊጾም፥” ዝብል ኢዩ። “ካብ መናፍቃን ተጠንቀቑ” እትብል ሓረግ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ክርስትያን እዝኒ ሰማዒ ኣደንቊራ ነይራ። ብጸለመን ጠቐነን መናፍቕነት ከኣ፡ ካብ መንበሮም ኣልዒሎም ካብ ዝእሰሩ እነሆ 13 ዓመት ገይሮም ኣለዉ። ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ፡ ንምዃኑ መናፍቅነት እንታይ ማለት ኢዩ፧ ዝብል ኢዩ። ናይ መዝገበ ቃላት ትርጉም “ካብ እቲ ዘለኻዮ እምነት ምድሕርሓር፣ ዘለካ እምነት ምግዳፍ፤” ማለት እዩ። ኣብ እምነትካ ከሎኻ፡ ቀይርካ ኢሎም ክኸስሱኻ፡ በትሪ ነገር ሃሰውሰው ማለት እዩ ነይሩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ኣብ ወጻኢ ዝተሰዱ ኣቦታት (ኣብነት ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ) እዚ ናይ ጸላኢ ጸለመን ጠቐነን ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ጠቐነን ጸለመን እዚ፡ ድኹም ጎኒ መእመናን መዝሚዝካ፡ ናይ ኣመንቲ ሓሳብ ናብ ካልእ ኣመዛቢልካን ጨዊኻን፡ ጥርጣረን ጽልእን ኣብ ሊዕሊ ፓትርያርክ ከምዝሓድር ንምግባሩ ብዕቱብ ተሰሪሑሉ ክብሉ ይካትዑ። ካብኡ ሓሊፉ እውን ውጉዛት ክነሶም ብዘይ ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስትያን ውጉዝ ፓትርያርክ ሰይሞም፡ ኢሎም ክትዖም የራጉዱ።

ፓትርያርክ ክእሰሩ ከለዉ ውሑዳት ገዲፍካ ብቅሉዕ ዝተቃወመ ምእመን ኣይነበረን። እንተወሓደ ኣብ ፍርዲ ይቕረቡ ጸገሞም ይሰማዕ ዝበለ ኣካል ኣይነበረን። ሽግርን መከራን ክወርዶም ከሎ፣ ዝበዝሐ ምእመናን ብሒም ኢሉ ኣይተዛረበን። ዲሒሮም ኣቡነ ዲዮስቆርዮስ ካብ ስርዓትን ሕግን ኦርቶዶክስ ወጻኢ ናይ ፓትርያርክ መንበር ክወርሱ ከለዉ፡ ጌጋ እዩ ዝበለ ኣይነበረን። እንተ ብፍርሃት፣ እንተ ብፍላጥ፣ እንተ ብዕሽነት፥ ብህግደፍ ንዝናፈስ ወረ ሓሶት ሰሚዑ፡ ኣጽቀጠ እምበር ኣይተኸላኸለን። ምእመናን ብመንገዲ ውጉዝ ሲዶኖስ፡ ንኣቦና ኣንጠንዮስ፡ ንስቓይን ማእሰርትን ንመንግስቲ ኣሕሊፉ ሃቦም። ንሶም ከኣ ከም እየሱስ ክርስቶስ ጾርናን ሓጥኣትናን ኣብ እንግድዖም ተሰከምዎ።

ብሰንኪ ድኽመት ውጉዝ ኣባላት ውጉዝ ሲኖዶስ፡ ስም ናይ እግዚኣብሄር ይኸፍእ ኣሎ።

ምስ እዚ ኩነታት ዝለዓሉ ሕቶታት ማእለያ የብሎምን። እቲ መስርሕ እንታይ ክኸውን ነይርዎ፧ ውጉዝ ሲኖዶስ ንምንታይ ኢዩ ነዚ ነገር እዚ ክፈትሖ ዘይከኣለ፧ እንታይ ኢዩ ጸጊምዎ፧ ውጉዛት ኣባላት ውጉዝ ሲኖዶስ ዓቕሞም ድሩት፡ ሞራሎም ትሑት ስለዝኾኑ ዲዮም ምስ ምትእትታው ኢድ መንግስቲ ሪዒሞም፧ እንድሕር ደኣ ብሓቂ ፓትርያርኩ ናይ ሃይማኖት ጸገም ሃልዩዎም ጸኒሑ፡ ከምቶም ኣብ ቀዳሞት ዝነበሩ ናይ ኣቦታትና ስርዓት፡ ናይ ኣሓት ኦሬንታል ጉባኤ ሰሪዕካ፣ ብጹዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ሊቃውንትን ብሕብረት ኣኪብካ፡ ብግልጺ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ከሲስካ፡ ዝገበርዎ ጌጋታት ሓደ ብሓደ ነጊርካ፤ ንሶም እውን ቃል ክህቡ፣ ነፍሶም ክከላኸሉ ጌርካ፣ ፍትሓዊ ፍርዲ ክግበር ዘይተኻእለ፧ ብፍላይ ፓትርያርክ ካብ ስልጣን ክወርድ ከሎ፡ ናይ ፓትርያርክ ጥፍኣት ዝርእዩ ኣካላት ይህልዉ እዮም። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ኣቡናትን ሊቃውንትን ጉባኤ ሰሪዖም ክፈትሕዎም ይኽእሉ ነይሮም። ከምዚ ክሳብ ዘይተገብረ ፍትሒ ተፈጺሙ ቅኑዕ ፍርዲ ተዋሂቡ ክበሃል ኣይከኣልን። ከም ውጽኢት ብሰንኪ ድኽመት ውጉዛት ኣባላት ውጉዝ ሲዶኖስ ኤርትራ ስም ናይ እግዚኣብሄር ይኸፍእ ኣሎ።

መነኮስ ኣቦና ሰረቀ ብርሃን ከምዝበልዎ ቤተ ክርስትያን ፍትሒ መንፈሳውያን ብዝምልከት ብግልጺ ነቲ ጌጋ ዝወዓለ ካብ ጌግኡ ክምለስ ትጽልየሉ፣ ካብ እቲ ዝወዓሎ ጌጋ ንኽምለስ ትምዕዶ እምበር፡ ቤተ ክርስትያን ኣይትኣስርን ኢያ። ኣይምለስን ምስዝብል ከኣ፡ ኣውጊዛ ብግሁድ ኣዋጅ ካብ መንበሮም ትኣልዮም እምበር ብድሕሪኡ ሲዒባ ትኣስረሉ ምንም ዓይነት መሰረታዊ ይኹን መንፈሳዊ ሕጊ ይኹን ስርዓትን የብላን። ኣብ ቅዱሳት መንፈሳውያን መጽሓፍቲ እውን ዝተጻሕፈ ኣይኮነን። ከምኡ ካብ ኮነ እዞም ውጉዛት ኣባላት ውጉዝ ሲኖዶስ በየናይ ስልጣኖም እዮም ንብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ንማእሰርቲ ኣሕሊፎም ዝሃብዎም፧ ሕጂ ግን ካብ ኣሰናን ካልኦት ዝተፈላለያ መራከቢ ብዙሓን ካብ ዝተፈነወ ዜናታት፡ እቲ ሓቂ ካልእ እዩ። ኣቡነ እንጦዮስ ካብ ስልጣን ዝተኣለዩሉ ምኽንያት ካብ ቃሎም ግልጺ ኮይኑ ኣሎ። ብኻልእ ከኣ እዞም ኣቦ ን'13 ዓመታት ኣብ ሓደ ገዛ ተወሲኖም ብተነጽሎ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ቃል ብቃል ካብ ድምጾም ዝተፈነወ ብዙሕ ዘይተሰምዑ ነገራት ከምዘሎ ተዛሪቦም። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እምበኣር ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ኣብ መሓዩር ዝተደርበዩሉ ምኽንያት ምስ ፖለቲካ መንግስቲ ስለተራጸሙ እዩ። እቲ ናይ ሓሶት ጸለመን ጠቐነን ዝመጾም፡ መንግስቲ ኢዱ ኣብ ጉዳያት ሃይማኖት ስለዝእተወ፡ ነዚ ምትእትታው ጸኒዖም ብትብዓት ስለተቓወሙ እዩ። እቲ ጉዳይ ካብ ዓቕሚ ውጉዝ ሲዶኖስ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ስለዘለዎ ኢዩ። ውጉዝ ሲዶኖስ ተሓባባራይ መልእኽተኛ መሳርሒ መንግስቲ እዩ ጥራይ ነይሩ።

ጸሎትና ኣብ ገዛና፥ ቤተ ክርስትያና ኣብ ልብና፡ መፍትሔ ርእይቶ ደብረ

ኣብ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ንፍርዲ ንሰብ፡ ገጽ ሪኢኹም ዘይኮነስ ብሓቂ ፍረዱ እዩ ዝብል። ንውጉዝ ሲነዶስ ዝመርሑ ዘለዉ ውጉዛት ኣቡናት፡ እንተ ብፍላጥ፣ እንተ ተገዲዶም፣ እንተ ነዛ ዝመነንዋ ዓለም ፈሪሆም፡ ፍንፉን ስራሕ ካድረ ህግደፍ ይዓዩ ኣለዉ። ኣቡናት፣ ጳጳሳት ኢና እንዳበሉ ናብ ኤውሮፓ ከይዶም ክሕስዉ ክትሰምዕ ዘሕንኽ ተግባር ኢዩ። ሓቂ እንተሃልዩዎም፣ መናፍቅ ምዃኖም ይፈልጡ እንተነሮም፡ ስለምንታይ ብስርዓትን ሕግን ቤተ ክርስትያን ብእውጅ ንህዝቢ ደየፍለጡ፧ ሓቂ ስለዘይብሎም ከምዚ ኣይገብሩን እዮም። ሓሰውቲ ኣቡናት፣ ሓሰውቲ ካህናት፣ ሓሰውቲ ዲያቆናት፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትና ፈሊሖም ተዘሪኦም ኣለዉ። ሓደ ኣብነት ክህብ። ቀሺ ገብረታትዮስ ኪዳነ (ክዳን ሲሜት ፓትርያርክ ዝቐንጠጠ) ሕጂ ኣብ ጀርመን ዘሎ፡ ንኸብዱ ዝሓደረ ፈታዊ ንዋይ ኢዩ። ንመስርሒ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ታቲዎስ ጎዳይፍ ካብ ዘጠፋፍኡ፡ ሓደ ንሱ ምዃኑ እዩ ዝሕመ። ክዳን ፓትርያርክ ስለዝቐንጠጠ ኸኣ ሹመት ረኺቡ ኣብ ጀርመን ይነብር ኣሎ። ከምዚኦም ዓይነት ከደዓት ካህናት ኣብ ኩሉ ቤተ ክርስትያናት ይህሉዉ እዮም። እዚኦም ንኽመርሑና ከመይ ኢልና ኢና ነፍቅደሎም፧ እሞ ንሕና ኸ ምስኦም ብዝበሉና መንገዲ ዲና ክንምራሕ፧ ኣብ ከምዚ ህሞት “ቀሺ ዝበለካ እምበር ገበረ ኢልካ ኣይትግበር” ዝብል ኣበሃህላ ኣትሪርና ንንጸጎ። ኣብነት ዝኾኑና መራሕቲ ሃይማኖት እዮም፡ ዘድልዩና።

ንሕና ንሃይማኖትና ፈራዶ ክንከውን እንተዘይከኣልና፡ ንመስል እምነትና ክንከላኸል ግዴታ ኣሎና። ንዑ ንሃይማኖትና ደው ንበል። ንዑ ፓትርያርክና ነጻ ነውጸኣዮም፣ ንዑ ነዞም ውጉዛት ኣትሪርና ንንጸጎም። ንሶም ካብ ኣብያተ ክርስትያናት ክንኣልዮም እንተዘይክኢልና፡ ንሕና ናብኦም ምኻድ ደው ነብል። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ኣብ ነጻ ዓለም ዘለና፡ ኣኣብዘለናዮ፡ ድምጽና ዓው ኣቢልና ነስምዕ። ንዑ እቶም ንእምነትና እንሓልይ ኢና እንብል፡ ንለዓል። ኣቡነ መቃርዮስ ከምዝበልዎ፡ ቅንዕና ሒዝና ስለዘሎና መንፈስ ቅዱስ ከመርሓና ኢዩ። ኣምላኽ ከኣ ምሳና ክኸውን እዩ ክሕግዘና ከኣ ኢዩ።

እቲ ፍታሕ ብዝምልከት ብቀሊሉ ኣብ ተግባር እትውዕል ሓሳብ ኣላትኒ። ቤተ ክርስትያን ብምእመናን ዝቖመት ንብረት ኣመንንቲ እያ። ብዘይ ምእመናን ቤተ ክርስትያን ባዶ ህንጻ እያ ትኸውን። ኣብ ባዶ ህንጻ ከኣ ውጉዝ ኣቡን፣ ውጉዝ ቀሺን ውጉዝ ዲያቆንን ዋጋ የብሎምን። ሓሳበይ፡ “ምእመናን ባዕልና ቤተ ክርስትያን እንዳተመላለስና፡ መላገጺ ውጉዛት ኣቡናት፣ ኣቅሽሽቲን ድያቆናትን ካብ ንኸውን፥ ብዘይምኻድ፡ ክብሪ ንኽለኣዮም። ከም እቲ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝኣዘዙና፡ ቅዳሴኦም ብዘይምስማዕ መስቀሎም ብዘይምስላም ካብ ሕብረተሰብ ንነጽሎም። ቤተ-መቕደስና ኣብ ልብና ንግበሮ፣ ጸሎትና ኣብ ገዛና ነብጸሓዮ፣ መባእና ንስኡናት ንትከቦ።” እብል። ሓድነትና ብዘይምኻድ ንግለጽ። ንዑ ክሳብ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ዝምለሱን በትረ ፓትርይርኮም ዝጭብጡን፥ ንኣብያተ ክርስትያን ምኻድ ነቋርጾ። እዚ ማዕበል ተቓውሞ፡ ፍቱን ፍታሕ ከምጸኣልና ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ምኽንያቱ ሰለማዊ ሰልፊ ጌርና ተቓውሞና ከነስምዕ ካብ ዘይከኣልና፣ ፓትርያርክ ዝወገዞም ሓሰውቲ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ካብ ሃለዉ፣ ተቓውሞና ብዘይምኻድ ክንገልጾ፡ ዝሓሸ ኣማራጺ መንገዲ እዩ።

ካብ ምሽካዕለል ውጉዛት ይሰውረና

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ፣

መስትርሆት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

ሓውኹም ደብረ


ቀዳማይ ክፋል፡ኣብዚ ጠውቑ።



Share with friends:


See also recent articles by Mr. Debre
ካልኦት ብ'ኣቶ ደብረ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


መልእኽት ንህልው ኩነታት ካብ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፖትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ነሓሴ 2011 (2019)

እዋናዊ መልእኽቲ ዲበ ኩሉ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዕለት 17/ሓምለ/ 2019


"ሓጺር ታሪኽ ሂወት» ኣቦና ሓጂ ሙሳ መ.ኑር»ብሸኽ ጀሚል ኣማን(ኣቡ ኣማን)


ኣብ ካቶሊካዊት ቤ/ክ ዝፍጸመ ዝሎ ግህሰት፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ‘ፍትሒ ይንገስ ጭቆና ይኣክል’ ዝብል ድምጺ ዓፊንካ ናብ ካልእ ንምጥምዛዝ እዩ።” ኣባ ስምኦን (SBS Radio 26/06/2019)


ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ዚጽውዕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ (27 April 2019) (1ይ ክፋል)


ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ዚጽውዕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ (27 April 2019) (2ይ ክፋል)



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: