መልእክቲ 'ጉያይ ወዲአ ኣለኹ' ሃገራዊ መልእክቲ ኣቡነ መቃርዮስ።

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

08/08/2019 22:32 PM

መልእክቲ

"ጉያይ ወዲአ ኣለኹ"

ሃገራዊ መልእክቲ ኣቡነ መቃርዮስ

ጽሑፍ ብ 'ደብረ

ጉያይ ወዲአ ኣለኹ' ሃገራዊ መልእክቲ ኣቡነ መቃርዮስ

መልእክቲ 'ጉያይ ወዲአ ኣለኹ' ሃገራዊ መልእክቲ ኣቡነ መቃርዮስ
ጽሑፍ ብ 'ደብረ

እዚ ጽሑፍ ኣቦና ኣቦና መቃርዮስ ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጉጉይ ካልኣይ ውግዘት ውጉዝ ሲዶኖስ ኤርትራ፡ ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ኣብ ሊዕሊ ብጹዕ ወቅዱስ ሳልሳይ ፓትሪያርኽ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ካብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝተቆንጨበ እዩ። ኣቡነ መቃርዮስ መልእኽቶም ከመሓላልፉ ከለዉ “ስማዕ”፣ “እነግረካ ኣለኹ” ዝብሉ ሓያለ ቃል ተጠቒሞም፡ እቲ ዝደቀሰ ክበራበር፣ እቲ ሸለል ዝበለ ክግደስ፣ እቲ ዝፈዘዘ ክነቅሕ ዝሕግዛ፥ ስሚዒት ዘበራብራ ሓረጋት ተጠቂሞም እዮም። መልእክቶም ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ ሰዓት መልእኽቲ ዘመሓላለፎ “ጉያይ ወዲአ ኣለኹ” እዩ ዝመሳሰል። ካብ እዚ ሓሳብ ተበጊሰ ንጽሑፈይ፡ መልእክቲ “ጉያይ ወዲአ ኣለኹ” ዝብል ኣርእስቲ ሂበያ ኣለኹ።

ኣቡነ መቃርዮስ መልእኽቶም ብምርጫ ኣቡነ እንጦንዮስ ኢዮም ጀሚሮም። ሳልሳይ ፓትርያርኽ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ሕጊ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ኤርትራ ብዝፈቅዶ መሰረት፡ ብዓብላሊ ድምጺ ሲኖዶስ ኤርትራ እዮም ተሸይሞም። ሕጉን ስርዓቱ ብዝእዝዞ መሰረት ከኣ ንኣቡናትን ጳጳሳትን ሸመይዎም። ኣብ መንጎ ግን ዘይምርድዳእ ስለዝመጸ ሕንፍሽፍሽ ኮነ። እቶም ተቐበልቲ ሽመት ክነሶም እንተ ብፍርሂ፣ እንተ ብጉርሒ፣ እንተ ብዕሽነት፡ ተገምጢሎም መንቀኛታት ኮይኖሞም። ካብ መንበሮም ከኣ ኣለይዎም። ብዙሕ ጸለመን ጠቐነን ከኣ ገበሩሎም። ሕጂ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ስልጣን ዝተኣለዩሉ ምኽንያት ካብ ቃሎም ግልጺ ኮይኑ ኣሎ። እዚኦም፡ ኣቦ ነቲ ሲኖዶስ ዝሾሙ ክነሶም፡ ኣብ መሓዩር ዝተደርበዩሉ ምኽንያት ምስ ፖለቲካ ኢሳይያስ ስለተራጸሙ እዩ። እቲ ናይ ሓሶት ጸለመን ጠቐነን ብሲኖዶስ ዝመጾም፡ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዱ ስለዝእተወ፡ ነዚ ምትእትታው ጸኒዖም ብትብዓት ስለተቓወሙ እዩ። ሲኖዶስ ተሓባባራይ መሳርሒ መንግስቲ ኮይኑ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ። ሲኖዶስ ፓትርያርኹ ካብ መንበሮም ክእልዩ ምስ ወሰነ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብስልጣነ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ካልእ ፓትርያርኽ፣ ጳጳስ፣ ካህንን ዲያቆንን ከይሾሙ ምስ ወገዝዎም፡ እቶም ኣቡናት ናብ ደረጃ ፈለስቲ ወሪዶም እዮም። ብግምጣሉ ግን ውጉዛት ክነሶም፡ ካብ መንበረ ስልጣኖም ኣውሪዶም ወገዝዎም። ብሕጊ ሃዋርያዊ ሰንሰለት፡ እቲ ተቐባሊ ነቲ ወሃቢ ሹመት ክግዝቶ ኣይክእልን። እስክንድርያ'ውን ብዘይ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከምዘይትፈልጦም ብግልጺ ነጊራቶም ኢያ። ሓቂ እንተዝህልዎም ነይሩ፡ እስክንድርያ ሽመት ፓትርያርኽ ደልዮም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ንኣቡነ ኣንጦንዮስ “መናፍቃን ኮይኖም” ኢሎም መርትዖታት ኣቕሪቦም ምኸሰስዎም ነይሮም። ስለዘይብሎም ግን ሓፊሮም፣ "ተረዳዲእና ተመሊስና" ኢሎም ሓሲዮም።

ኣቡነ መቃርዮስ እዞም ኣባላት ሲኖዶስ ዘለዉ ኣቡናት ስልጣን ከምዘይየብሎም ኣብሪሆም። ኣባላት ሲኖዶኖስ ውጉዛት ክነሶም፡ ብዘይ ፍቓድ ሃዋርያዊ ሰንሰለት እስከንድርያ፡ ኣብ ሊዕሊ ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ ራብዓይ ፓትርያርክ ጌሮም ሸይመሞም። ዝዓበየ ጌጋን ሓጢኣትን ከኣ ፈጸሙ። ድሕሪኡ እውን ክሳብ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ሽመት ጳጳሳት፣ ኣቕሽሽቲን ድያቆናትን ወግዓዊነት ዘለዎም ኣይኮነን። እቲ ዝግበር ብሕቡእ ሕቡእ ኮይኑ፡ ብዘይ ባርኾት በዓል መሰል ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኢዩ። እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ሕጊ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ቤተ ክርስትያን ክኽበርን ክዕቀብን ነይርዎ። እንተኾነ ውጉዛት ጠሓስዎ። እዞም ሕጊ ዝጥሕሱ ዘለዉ፡ ግዙታት እዮም፡ ቆቢዕ እንተገበሩ እውን እቲ ቆቢዕ ኣቡን ከብሎም ኣይክእልን ኢዩ።

ኣባላት ውጉዝ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ንኻልኣይ ጊዜ ስሕተት ይፍጽሙ ኣለዉ። ንዓስርተ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ማሕዩር ንዝጸንሑ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንኻልኣይ ጊዜ ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ብመግለጺ ወጊዞሞም ኣለዉ። ካልኣይ ዕዉር ጌጋ ይፍጸም ኣሎ። ንኻልኣይ ጊዜ ፓትሪያርኽ ንኽሾሙ ምድልዋት ዝገብሩ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ። ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘለዎ ሃሊዩ ንኻልኣይ ጊዜ ክጋገ የብሉን። ሽመት ክህቡ ስልጣን ዘይብሎም ፈለስቲ እንተደኣ ፓትሪያርኽ ሸይሞም፡ ጽባሕ ንጉሆ እስክንድርያ ብዘይ ውዕል ንዝሃበቶ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ብዘይቅድመ ኩነት ክትስሕቦ እያ። ሎሚ ነዚኣ ሃዋርያዊት ሰንሰለት እንተደኣ ጠፊኣን ካብ ኤርትራውያን ሞሊቓን፡ ጽባሕ ዘውህባ ኣካል የልቦን።

ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ መልእክቶም፡ ነቲ መንበረ ፓትርያርኽ ክወርሱ ዘማዕዱዉ ዘለዉ ፈለስቲ ምኽርን መጠንቀቕታን ሂቦሞም፦ “ኣታ መንበር ፓትርያርኽ ብዘይ ሃይማኖታዊ ሰንሰለት ክትወርስ ትሸባሸብ ዘለኻ፡ ሕራይ ኢልካ ከይትኣቱ። እቲ ስልጣን ዝህብን ዝኸልእን ኣምላኽ ክሃርመካ ኢዩ። ካብ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ተመሃር። እታ ትመጽእ መዓት ትቕበላ ንስኻ ኢኻ። እታ ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዝረኸበቶም ክትረኽባ ኢኻ። ዓሰርተ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዓራት ጥንቅሊዒት ደቂሶም፡ ኣፎም ከፊቶም ክዛረቡ ኣይኽእሉ፡ ክሰምዑ ኣይኽእሉ ኢዮም ኔሮም። ናትካ ኸኣ ክትብእስ እውን ኢያ። ወይ ዓይንኻ ወይ እዝንኻ ክትስእን ኢኻ። ማዕጾ መንግስተ ሰማያት ክትዕጸወካ እያ። ጽባሕ ንግሆ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት፡ ብኢድና ብሓይልና ክንኣቱ ኣይበሃልን ኢዩ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ብቕልጽምካ ኣይእቶን ኢዩ። ብጽቡቅ ግብሪን ስራሕን ጥራይ ኢዩ ዝእቶ።” ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ነቶም ሽመት ወሃብቲ ክመጾም ዝኽእል መዓት ዳሕዲሖምሎም፦ “ንስኻትኩም እቶም ሸየምቲ ኸኣ፡ ከም ጨውን ሽኮርን ክትሓቁ ኢኹም። ስርናይ ዝዘርአ ስርናይ ይዓጽድ እምበር ሳዓዕ ወይ ክርዳድ ኣይዓጽድን ኢዩ። ክርዳድ ዘሪኢኩም ክርዳድ ክትዓጽዱ ኢኹም።” ክብሉ ብጥረኣ ነጊሮሞም። ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስ ከኣ “ንብጽዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግን፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ ክሕለቐሎም እዩ። ንሶም ከም ጒላ ክፈልሑ፣ ከም ጋባ ኸኣ ክዕምብቡ እዮም።” ኢሎም ዓወት ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣመቱ።

ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ እውን ሓያል ዝኾነ መልእክቲ ኢዮም ኣመሓላሊፎም። ብፍላይ ኣብቲ ፈለማ ናጽነት ዝነበረሉ እዋን፡ ኢሳይያስ፡ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ከምዘእተወ እንዳዘከሩ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላለፉ፦ “ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ታሪኽ ንዘለኣለም ክትውቀስ ክትነብር ኢኻ። እቲ ኩሉ ኣብ ሜዳ ዝገበርካዮ ታሪኽካ ክበላሾ ኢዩ። ስለምንታይ፡ ንስኻ ክምስ ከይበልካዮ፡ ዝኾነ ነገር ኣይስራሕን ኢዩ።” ኣስዒቦም እውን ነቶም ፓፓጋሎ ሰበስልጣን ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ዝምልከቶም፡ “ኣቱም ኣብ ናይ ሃይማኖት ክፍልታት ዘለኹም ሹመኛታት። ንብጹዕ ወቅዱስ ሳልሳይ ፓትርያርኽ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ጥፍኣት እንተሃሊዩዎም፥ ጭብጥን መረዳእታን ሒዝኩም፡ ኣብ ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስትያናት፣ ኣብ እስክንድርያ መጺእኩም ክሰስዎም። ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሓቂ ሒዞም ከምዘለዉ ስለ እትፈልጡ ግን ኣይትውዕልዎን ኢኹም።” በልዎም።

ኣቡነ መቃርዮስ ኣብዚ እዋን እዚ ኣባል ናይ እስክንድርያ ሲኖዶስ እምበር ኣባል ናይ ሲኖዶስ ኤርትራ ከምዝሰረዝዎ ከብርሁ ከለዉ፡ “ንምንታይ ሓቂ ስለዘይብሎም። ንምንታይ ጉድለት ስለ ዝገበሩ።” ኢሎም ኢዮም ዝወቕስዎም። ዝነበሮም ተራ ከምዝፈጸሙ ዝገለጽሉ መንገዲ እውን “ንክሉኹም ነጊረኩም ኣለኹ፡ ኢደይ እውን ካብዚኣ ጉዳይ እዚኣ ተሓጺበ ኣለኹ። ኣብ ታሪኽ ኣነ ኣይውቀስን ኢየ። ኣነ ስጋዕ ዚኽእለተይ ሰሪሐ ኢየ። እቲ ሃዋርያዊ ሰንሰለታዊ ስልጣን እታ ሃገር ንክትረክብ ምስ ብጾተይ ጺዒረ ኣውሂበያ እየ።” ክብሉ እዮም ገሊጾሞ። ነቶም ኣብ ጎኒ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ደው ኢሎም ብዛዕባ ሓቂ ዝተጋደሉ ብሓፈሻ ኣድናቖቶም ገሊጾም እዮም፡- “ኣቱም ኣብ ጎኒ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ደው ዝበልኩም፣ “እምቢ ንምትእትታው መንግስቲ ዝበልኩም”፣ “መናፍቅ ጳጳስ፣ ዓላዊ ንጉስ፡ እንተመጸ እምቢ በሉ” ዝብል ምኽሪ ኣቦታትና ዝፈጸምኩም፡ ታሪኽ ሰሪሕኩም ኢኹም።” ክብሉ ዝገበርዎ ንኹርዓት ሃይማኖቶም ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ፍታሕ ከምጽእ ኢሎም ዝሓሰብዎ ኣንፈታዊ መምርሒ ባርኸቶም ሂቦም፦ “ኣነ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ ኣስላማይን ክርስትያንን እነግሮ ኣለኹ። ህዝቢ ኤርትራ ዓው ኢለ የእውየልካ ኣለኹ። ኣይሰማዕኩን ከይትብል፡ ኣእዛንካ ጽለው። ሓዚነ እየ ዘለኹ። ንኣቦና ሼኽ ሙሳ፡ ወዲ 90 ዓመት ኣሕሊፍና ሂብናዮም። ኣብ ጎኖም ደው ኢልና ኣይተኸላኸልናሎምን። ለባም፡ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ እንተሎ፡ ተዛረቡ። ንስኻ/ኺ እንታይ የእቲካ/ኪ ኣይትበሃሉ። የእትወና እምበር! በሉ። ህዝቢ ኤርትራ መሰልኩም ሓልዉ። ንመሰልኩም ደው በሉ። መሰልኩም ኣኽብሩ። ኣብ ወጻኢ ኣብ ነጻ ዓለም ዘለኹም፡ ድምጽኹም ዓው ኢልኩም፡ ኣኣብ ዘለኹሞ ኣስምዑ። እዞም ትሰምዑኒ ዘለኹም ኩሉኹም፡ ድምጽኹም ኣውጽኡ። ምእመናን መንፈስ ቅዱስ የብርሃልኩም። እቶም ነቲ እምነት እትሓልዩሉ ተለዓሉ። ኣምላኽ ይሓግዝኩም።” ክብሉ መልእኽቶም መልእኽቲ “ጉያይ ወዲኤ ኣለኹ” ዓጸዉ።

መፍትሔ ርእይቶ ደብረ

ሓሰውቲ ኣቡናት፣ ሓሰውቲ ካህናት፣ ሓሰውቲ ዲያቆናት፡ ኣብ ኣብያተ ክርስያናትና ፈሊሖም ኣለዉ። ከምዚኦም ዓይነት ከደዓት ካህናት ኣብ ኩሉ ቤተ ክርስትያናት ይህሉዉ እዮም። እዚኦም ንኽመርሑና ከመይ ኢልና ኢና ነፍቅደሎም፧ ኣብ ከምዚ ህሞት “ቀሺ ዝበለካ እምበር፡ ገበረ ኢልካ ኣይትግበር” ዝብል ኣበሃህላ ንንጸጎ። ንሕና፡ ንሃይማኖትና ፈራዶ ክንከውን እንተዘይከኣልና፡ ንመሰል እምነትና ክንከላኸል ይግባእ። ንዑ ንሃይማኖትና ደው ንበል። ንዑ ንቅቡእ ፓትርያርክና ንስዓብ። ንዑ ንቅቡእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ነጻ ነውጸኣዮም፣ ንዑ ነዞም ውጉዛት ንወግዞም ንንጸጎም። ንሶም ካብ ኣብያተ ክርስትያናት ክንኣልዮም እንተዘይክኢልና፡ ንሕና ናብኦም ምኻድ ደው ነብል። ንዑ ንመሰልና ደው ንበል። ንዑ መሰልና ነኽብር። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ኣብ ነጻ ዓለም ዘለና። ድምጽና ዓው ኣቢልና ኣኣብ ዘለናዮ ነስምዕ። ቅንዕና ሒዝና ስለዘሎና መንፈስ ቅዱስ ከብርሃልና ኢዩ። ንዑ ንእምነትና እንሓልይ ንለዓል። ንዑ ምእመናን ክሳብ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ዝምለሱን በትረ ፓትርይርኾም ዝጭብጡን፥ ንኣብያተ ክርስትያን ምኻድ ነቋርጾ።
ኣምላኽ ምሳና ኢዩ፡ ክሕግዘና ኢዩ።

ካብ ምሽካዕለል ውጉዛት ይሰውረና
ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ፣
መስትርሆት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ሓውኹም ደብረ 


Share with friends:


See also recent articles by Mr. Debre
ካልኦት ብ'ኣቶ ደብረ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


እዋናዊ መልእኽቲ ዲበ ኩሉ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዕለት 17/ሓምለ/ 2019

"ንዳግም ድምጺ ውጹዕ ቅዱስ ፓትራርይክ እንጦንዮስ እሱር" ዕለት21/ሓምለ/2019

"ATV: ናይ ኦሬንታል ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ንውሳኔ ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ርእሲ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ተሪር ወሳኔ!


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: