መቃልሕ ሓድነት

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

12/08/2019 18:17 PM

መቃልሕ ሓድነት

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

መቃልሕ ሓድነት

መቃልሕ ሓድነት፡
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ነዚ መቓልሕ ሓድነት ብዓውታ ዝነጉደሉ ዘሎ ኣዋርሕ፡ ብፍላይ ክኣ ኣብዚ ኣዋርሕ ሓምለን ነሓሰን፣ ዝተካየደን ዝካየድ ዘሎ በቢ-ዓይነቱ ጽንብላት፣ ጉባኤታት ይኣክል፣ ምትሕንፋጽ ውድባት፣ ሰሚናር ሙሁራት ኣካላት፣ ፈስቲቫላት፣ ብመሰረታዊ ጉባኤ አቢሉ ዝቐዉም ናዕባዊ ወይ ፍጹም ለውጢ ንምምጻእ፣ ምስ መድርኽ ስሚዒት ህዝቢ ተዋሃሂዱ፣ ሓዲሽ መስርሕ ሓድነት ምትእትታው ዝጽዕሩ ዘለዉ ሓይልታት ክትሪኢ ከለኻ፤ በቲ ሓደ ወገን ተስፋ በቲ ሓደ ውገን ስኽፍታት ክሓድረካ ግድን እዩ።

ነዚ ብሓደ ወገን ተስፋ፣ በቲ ሓደ ወገን ክኣ ስኽፍታት፣ ዝብል ሓሳብ ንምግላጹ ብዓቕምና ክንገልጾ ክንፍትን ኢና።

(Jean-jacques Rousseau 1712-1778) ሮውሱ፣ ዝበሎ ንምዝካር፡ ናጽነት ነይ ወድሰብ፣ እቲ ንሱ ዝደልዩ ምግባር ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ ነቲ ክገብሮ ዝግብኦ ክተርጉሞ ዘይምኻኣሉ እዩ ይብል።

ብ-24 ጥቅምቲ 2005 ጉባኤ ሑቡራት ሃገራት ዘሕልፎ ውሳኔ፡ኣብ ፕሮግራፍ 135 ከምዚ ይብል፦ ዲሞክራሲ ሓደ ዓለምላኻዊ/ኣድማሳዊ፣ ክብሪ/ዋጋ እዩ፤ ኣብ ናጻ ራኢን ኣብ ድልየት ህዝብታት ዝተሞርኮሰ ናይ ባዕሉ ዘጥረዮ፣ ፖለቲካዊ - ቁጡባዊ - ማሕበራዊ፣ ዝሰርዕን ሙሉእ ተሳተፍነትን ተዋሳእነትን ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ሂወት፡ ዘለዎ ሕብረተሰብ ምስ ዘካናዉን ክብል ይጠቅስ። ኣስዒቡ ዘርዚሩ ክገልጽ ከሎ፡ በቢ ዓይነቶም ስርዓተ ዲሞክራሲ ኸም ዘሎዋ እዉን የብርህ፡፡

ቐጺሉ ዲሞክራሲ ዝብል ቃል፣ ካብ ጥንቲ ጀሚርካ ስጋብ ዘመናዊ ዞሎ ግዜ፣ ንዝነበሩን ዘለዉን ስርዓታት ዝሕብር፣ ከም ቅጽል ክኣ ዝተፋላለዩ መልክዓት ዲሞክራሲ ከምዘለዉ፡ ብውክልና ዝካየድ ዲሞክራሲ፣ ተሳተፍነት ዝካየድ ዲሞክራሲ፣ ቀጥታዊ ዲሞክራሲ፣ ምይይጣዊ/ዘታዊ ዲሞክራሲ (deliberativa)፣ ሊበራዊ፣ ማሕበራዊ፣ ርእሰማላዊ ዲሞክራስያታት..ወዘተ ከምዘለዉ’ዉን የብርህ እዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ክልተ ጠቕስታት፣ እቲ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ዓርሱ ናጻ ኮይኑ፣ እቲ ክገብሮ ዝደሊ ሓቢርካ ምስራሕን ሓድነትን፡ ብሰንኪ ኣማጻጽኡን፡ ኣብ ጉዕዞ ቃልሱን ዘጥረዮ ባህርያት ሓልኹ ስለ ዝሓዞ፣ በቢ ግዚኡ ናይ ሓድነት መስርሕን ምትሕንፋጽን መልክዓት እኳ ከሪኢ ህርድግ ይበል እንተኾነ፡ እቲ ከም ሕማም መንሽሮ ኮይኖም ዘሳቕይዎ ዘለዉ፣ ቅርሕንቲ፣ ጽልኢ፣ ምፍንጣሕ ፈውሲ ተሳኢንዎም፣ ኣብ መስንጭሮ(labyrint, mez) ላቡሪንቶስ፣ ሕልኽልኽ ፣ ወይ ዝተጠናነገ ስንጭሮ ከም ዝኣተወ እሞ፣ መውጽኢ መገዲ ሃሰስ ዝብል ዞሎ ኮይኑ ይስማዓና።

ኣታ እንኮ መውጽኢ፡ ድሕሪ በቢዓይነቱ ፈተነታት ሓድነት፣ ኩሉ ተወዲቡ ዝነበረን ዘሎን፣ እንኮላይ ብሽም ብይኣክል ዝዋዳደቡ/ዝጥርነፉ ዘለዉ፡ ንሓድነት እትሰርሕ፣ እተሰርዕን ሙሉእ ሓላፍነት እትስከም፣ ገዚፍ ሽማግለ ሓድነት ምእንቲ ክትህሉ፡ በቢ-ወገነን ኣቃራራቢት ሽማግለ መሪጸን ክራኸባ ኸም ዘለውን ተገይሩ፣ ኣብ ስራሕ ምስ ዝጽመድን፣ ምስ ጊዜን ኩነታትን ኣዋሓሂዳ ንኹሉ ዕንቅፍቅት እትስዕር ክትህሉ እዩ ምሕጾንታና።

እቲ ብኺኢላትን ሙሁራት ኣካላት፣ ተጸኒዑ ዝቐረበ ነድፍታት ከም መበገሲ ክትጥቀመሉን ከተሀብትሞን ይካኣል። ኩሉ ግዜ ናትካ ተበግሶን ናትካ ኣጋባብ ሒዝካ ምንቃልን ኣብኡ ተደሪትካ ምትራፍን፣ ነቲ ከማኻ ዝቃለስ ዘሎ ኣብ ግምት ዘይምእታውን፣ ናተይ ይበኢጽ እናበልካ፣ ኣብዘይ ግዜኡ ከም ውድድር ምርኣይ ልክዕ ከምቲ (Jean-Jacques Rousseau) ሮውሱ ዝበሎ ወዲ ሰብ እቲ ንሱ ዝደልዮ ምግባር ዘይኮነስ፣ እንታይ ድኣ ነቲ ክገብሮ ዝግብኦ ክተርጉም ዘይምኽኣል እዩ ዝኸዉን።

እቲ ብ 24 ጥቅምቲ 2005 ኣብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ዝጸደቐ ውሳኔ፡ ዲሞክራሲ ዓለምልውኻዊ /ኣድማስያዊ ክብሪ/ዋጋ ወድሰብ እዩ፤ ኢሉ መግለጺኡ ብዛዕባ ዲሞራሲ ዝገለጾ፡ከም ኣብነት ተቐቢልና ንዲሞክራሲ ከከም ድልይትና ክንትርጉሙን በቲ ዝጥዕመና መልክዕ ከነቕርባን ክንጥቀመላን ዘይኮነስ፣ ናይ ብሓቂ ንዲሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን ንቃለስ ኣሎና ንብል እንተ’ኾይና፣ እታ ዲሞክራስነት ካብ ሰብነትና ኢና ክንጅምራ ዝግባእ።

ሓደ ዘጋ ንሰብነቱ ከም ዲሞክራስያዊ ዝሓስባ እንተ’ኾይኑ፣ ኣቐዲሙ ክብሪ ወድሰብ ልዑል ክገብር፣ ባህርያት ቅርሕንቲ፣ ጽልኢ፣ ኣንነት፣ ገባትነት/ዋንነት ባይታ ፍትሒ፣ ካልኦት ሕማቓት ጠባያት ወጊኑ፡ ሓድጊ፣ ትሕትና፣ ምክብባር፣ ዘሎካ ሓላፍነት ኣብ ግምት የእቲኻ፣ ፍትሒ ኩሉ ግዜ፣ ኣብ ቅድሜኻ ምስራዕ ከዘውትር ይግባእ።

በዚ ምኽንያት ዝተኻየድን ዝካየድ ዘሎ ምጥርናፋት፡ ሎሚ ከም ትማሊ ዝኸበደን ዝዓበየን ብሓላፍነ ክሽከም ዘለዎ እዩ፡፡

ኣብቲ በጺሕዎ ዘሎ መስርሕ ሓድነት ጠጠው ክብልን ብእኡ ለይትን መዓልትን ዘመተ/ፕሮፓጋንዳ ካብ ምግባርን ምዝርጋሕን ሓሊፉ፣ ምስቶም ምስኡ ዘይተራኸቡ ግንከ መስርሕ ሓድነት ሃሰው ዝብሉ ዘለዉ ዝራኸበሉ፣ መገዲ ክጸርግን ክሕብርን ሃገራዊ ግድነት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ነቲ ዝበለየን ዝሓለፈን ተሞክሮታት ጠንጢኑ/ሓዲጉ፣ ሓድሽን ሙዑቡሉን ኮታ ገይና ዘይተፈተነ መስርሕ ከናዲ እዩ እቲ ዝምረጽ፡፡

ካብዚ ዝነቐለ’ዩ ኩለን እተን ጉባኤታት ዘካናወና ወይም ናብ ጉባኤ ዝጓዓዛ ዘለዋን፣ ሓንቲ ኣቃራራቢት ሽማግለ፣ መዚዘን ስርሓት ናይ-ዘን ካብ ኩል ተወኪለን ዝመጻ ኣቃራርብቲ ፣ ናይ ምውህሃድን ኣብ ሓደ ንኹሉ ዝጥርንፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲምክራስያዊ ኣደባባይ/ባይታ ምጥጣሕ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ውድባቶም ካልእ ሓላፍነት ከምዘይህልዎም ምስ ዝኸዉን፣ ሙሉእ ሓይሎም ንህዝቢ ክጥርንፍ ዝኽእል ባይታ ከጣጥሑ ይኽእሉ፣ ዝብል እምነት ኣሎና። ስለምንታይስ ካብ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕ ዝበልጽን ከዐውትን ዝኽእል መገዲ ስለ ዘየለ።

ኩቡራት ተካታተልቲ ወይብ-ሳይታት ከም እንርእዮን እንሰምዖን ዞሎና ኩሉ ዝተኻየደ ዝካየድ ዘሎን መስርሕ ሓድነት፣ ዋዕላታት፣ ጉባኤታት፣ ፈስቲቫላት ኣዕጋብን ንኹሉ ከራኽብ ዘይበቅዐ ምዃኑ በቲ ተዳጋጊሙ ዝስማዕ ህሰያ/ነቐፈታ ምስክሩ እዩ ክባሃል ይካኣል።

ብወገና ህሰያ/ነቐፈታ ምቕራብ ጥራይ ኣካሊ ኣይኮነን፣ ምስኡ ሓድሽን ዝጠቅምን ሃናጽን ንልዝብል ዘገልግል፣ (proposal) ውጥን/እማመ ከምዚ ናይ ምሁራት ኣካላት ስኒትፎክስ፡ ቀሪቡ ዝነበረ፣ ንዕኡ ብኸመይ ትጥቀመሉ ዝተሓዎሶ፣ መደበ ዕዮ ኣውጼካ፣ ኣብ ግብሪ ብኸመይ ክትርጎም ይካኣልን፣ እሩም ዘተ-ብምክያድ ምህብታሙን፣ ናይ ስራሕ ትልሚ/ኲትሚ ምውጻእን፣ ኣብ ዘየድሊ ክትዕን፣ ህውተታን ብምእታው፣ ንገለ ካብቶም ግዜኦምን ዓቕሚ ፍልጦቶም ወፍዮም፣ ንህዝቢ ይጠቅም ኢሎም ዝሰርሑ፡ ክዝለፉን ብጠርጠራ ክራኣዩን ክትዕዘብ ከለኻ፡ ቁልፊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘፍትሕ፣ ፍናን ተቃላይ ዝሰብር እዩ ኢልካ አብ ዓሚቕ ሓስብ ትጠልቕ። ስለምንታይ ከምዚ ይግበር ንዝብል ሕቶ መልሲ ትስእነሉ፤ ሲንድሮም/ሕማም ጽልእን ቅርሕንትን ኢልካ ንሰብነትካ ከተዳዓዕስ ትፍትን፣ እቲ ዝሓሸ መግዲ ንምርካብ ትጽዕርን።

ካብዚ ዝነቐለ ህዝቢ እንታይ እዩ ዝደሊ? ኸመይ ዝበለ ኣግባብን መስርሕ ሓድነት እዩ ቁቡል ዝኸዉን? ዝብል ሕቶታት፣እቲ ብፍልጠት ይኹን ብዘይ ፍልጠት ኣብ ሓንጎልና ተሰሪጹ፣ ንሙሁር ኣክል ከም ንኡሽተይ-ቡርጁዋ ኢሉ ጽልኢ ሓዲሩ ዘሎ፣ ከልግስ ምእንቲ፤ ተጠርኒፍካ ናትካ እስኻ ትምርጾም ሽማግለ ወኪል ብምምራጽ፡ ምስተን ካልኦት፣ ብመልክዕ ሰልፊ ይኹና ሲቪካዊ ማሕበራርት፣ ህዝባውይውያን ውድባትን፣ ጡርኑፋት ሰብ ሞያን፣ ሓቢርካ ንምስራሕ ድሉው ኮይንካ ምስ እትቕረብ‘ዩ እቲ፣ ይኣክል ምፍልላይ ሓቢርና ንቓለስ ዝብል ጭርሖ፣ ግብብራዊ ዝኸዉን። ስለዚ እታ ገዚፍ ሽማግለ ሓድነት፣ ዝበልናያ ናጻ ኮይና ክትሰርሕ ሙሉእ መሰል ዝዋሃባ ኢልና ከም ሓሳብ እነቕርባ ዘሎና፤ በዚ መልክዕ ናይ ኩሉ ትዋሳእነት/ተሳታፍነት ስለ ዝህልዎ፣ ናተይ ክብሎ ይኽእል ዝብል ተርድኦ በጺሕና፤ ምሳና ትሳምማዑ ክትኮኑ ንምነ።

ኣብ መጠረሽታ ክንጠቅሶ እንደሊ ሓደ ካብትተን ንጉባኤ ዝቃራረብ ዘሎ ሓዲሽ ኣጋባብ፣ መስራቲ ጉባኤ፣ ናይ ሰልስተ ሓይልታትን ውልቀ ሓርበኛታት ዝተሓወስዎን፣ ድሕሪ ናይ ዓመታት ዘተን፣ ብብዙሓት ውድባት ተጀሚሩ ክነሱ፣ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝፈጠሮ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፖለቲካዊ ረብሓ ብምርኣይ፣ ኣብ እዞም ዝተጠቕሱ ተወኢኑ ናብ ጉባኤ፣ ዝጓዓዙ ዘለዉ፣ ከም ኣቃራርባ፣ ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮታት ትምህርቲ ብምቕማስ ምስ ባህጊ ህሉው ኩነታት ዝሳነ፣ ንጠለብ ሓድነት ናይ ደምበ ፍጥሒ ንምርዋይ፣ ሓድሽ መደብ፣ ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈተነ ኣጋባብ ብምጥቃም፣ ውልቀ ዜጋ ሰረት ዝገበረ ሰፊሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንምምስራት ዝኣመተ እዩ፡፡

ራኢኡ ንምጥቃስ፦ ኤርትራ ብልጽግትን ሰላማዊትን፣ ማሕበራዊ ፍትሒን፣ ግዝኣተ-ሕግን ዝሰፈኖ፣ መሰል ኩሉ ዜጋ ብማዕርነት ዘውሕስን፣ ሃገራዊ ልእላውነታን መሬታዊ ግዝኣታ ዘኽበረት፤ ምስ ጎራባብታን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ብሰላምን ምትሕብባርን ትዋሳእ፣ ተፈጥራዊ ጸገታታ ብጉቡእ ዝዓቀበት ዲሞክራስያዊት ሃገር ክትከዉን።

ዕላማ ምንቅስቃስና፣ነዚ ዘሎ ዘይ-ዕላውን ዘይ-ሕጋውን ጨኳኒ ስርዓት ኣሊኻ፣ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ምትካ እዩ።

ነዚ ራኢን ዕላማን ኩሉ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ዘበለ ዝብሎን አብ ፕሮግራማቱ ከም ዘስፍሮ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እዞም ብመስራት ጉባኤ ዝውደቡ ዘለዉ ዝብልዎ፡ እቲ ጎዲሉ ዘሎ ሓባራዊ ስራሕን፣ ንኩሉ ክጥርንፍ ዝኽእል ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ጽላል ምዃኑ ስለ እንርዳእ፣ ድሕሪ ዝተፋላለዩ ተመክሮ ሓድነት፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዲሞክርሳያዊ ቓልሲ-ህዝብና ብምምርዃስ፤ እስከ ከም ውልቀ-ዜጋ ሰረት ዝገበር ሰፊሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንመስርት፡ እንፈፈጥሮ ባይታ ኩሉ ዜጋ እተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ከም ዲሞክራስያዊ ባእታ ናቱ ምዃኑን ከሀብትሞን ከማዕብሎን ክእርሞን ናጻን ክፉቱን ምዃኑ ንኹሉ ብሩሁን ኑጹሩን ይኹን።

ብወገን ኣቕርብቲ ጹሑፍ፣ ካብኡ ሓሊፉ፣ ንባይታ ሓድነት እተጣጥሕ ኣቃራሪቢት ሽማግለ ክትመዙ፣ ስራሓታ ምቅርራብን ምውህሃድን ጥራይ ዝኾነትን ምስ-ኩሎም አብ ደምበ ፍትሒ ዝንቃሳቐሱ እትራኸብ ንኽትህሉ፣ ካብ ሕጂ ጀሚርና ነማሕጽን። ነቲ ናይ ኣቦታትና ምስላ ዝተኣስራ ማእዶ መሬት ይኹስትራ፣ ዝብሃል ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝንቃሳቐስ ተጠርኒፉ ክዋሰእ ክንርኢ ዘሎና ሕልሚ ወሰን የብሉን።

ትዕዝብቲ ኣዳለውቲ ናይዚ ጹሑፍ፡ ነቲ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ምጥርናፋት ፣ ምትሕንፋጻት፣ ብመስራቲ ጉባኤ ኣቢልካ ዝጥርነፍ ሓዲሽ ውዳበ፣ ዘቕርቦ ውጥን/እማመ እንተ ሃልዩ፡ ኩሉ ግዜ ንቕድሚት ዝጠመተ ተስፋ ዘሕድር፣ ጠቓሚ፣ ሃናጺ፣ ሓስብን መደበ ስርሓትን ክትሕዙ ብምባል ደጊምና፣ ንዓኹምን፡ ንኹሎም ደምበ ፍትሒ ዝዋሱኡ/ነፍሲ ወከፎም ሓንቲ ኣቃራሪብት ሽማግለ ክትምዝዙን፣ እዘን ዝተወዛዓ ኣቃራረብቲ ሽማግለታር ገምጋም ዝገብራ፡ ዘቃራርብ ሰነዳት ዝስንዳ፣ ኣብኡ ተሞርኲሰን ንኹሉ ዝጥርንፍ ህዝቢ ዝማእከሉ መስርሕን ዲሞክራስያዊ ሃገራዊ ጽላል ከብጽሓና ዝኽእላሉ ሃዋሁው ንክተሳስዩን ክትትሓባበሩን ንላቦ። ድልየትን ሕልሚን ናይ ኩሉ ንፍትሒ ዝቃለስ ምዃኑ እዉን ንኣምን።

ሕጂ’ውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራርበር!

ኣቕረብቲ፡-
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን
ቢዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ATV: ሓባራዊ ዘተ፥ ስምረት ክልተ ውድባት - ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ሃገራዊ ድሕነት (ሕድርን) - ፍራንክፈርት (ጀርመን)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: