መሪሕነት(authority) ከም ሓላፍነት’ዶ ወይ ከም ስልጣን?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

26/04/2020 23:55 PM

መሪሕነት(authority)
ከም ሓላፍነት’ዶ ወይ ከም ስልጣን

Authority a Responsibility OR Lordship?

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

መሪሕነት - ከም ሓላፍነት’ዶ ወይ ከም ስልጣን?

መሪሕነት(authority) ከም ሓላፍነት’ዶ ወይ ከም ስልጣን?
Authority a Responsibility OR Lordship?

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ሰላም ኩቡራት ተኽታተልቲ ወይብ-ሳይታት፣

ብምስላ’ዶ ክንጅምሮ፡’’ ኩቡር የኽብረካ መጠን ሰብነቱ፣ ሑሱር የሕስረካ መጠን ብቕዓቱ ” ክብረትን፣ ናጽነትን፣ መሰል ምሕላዉን ኣብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ጥራይ እዩ ክኸብር ዝኽእል፡፡

ነዚ ንምርዳእን ኣብኡ ንኽትበጽሕን ነዊሕ ጉዕዞ ምዃኑ እንርድኦ ጉዳይ ኮይኑ፣ኣብ ናይ ዕስራ ክፍለ ዘመን (XX) ዝማዕበሉ፣ገይና ኣብ ዕስራን ሓደን (XXI,) ክፍለ ዘመን ዝቕጽሉ ዘለዉ ስርዓታት ምልላዮም ኣገዳሲ ይኸዉን፣ ምኽንያቱ ን-ናይ ብሓቂ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ክጠቕመናን ክምህረናን ይኽእል ዝብል እምነት ኣሎና።

ከም ትዕዝብትና ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝካየድ ፖለቲካዊ ዘተ፣ኣብ ትምኒትን ድልየትን ዝተሞርኮሰ ፍታሕ ንምርካብ ብምባል፣ ካብ ጥንታዊ ታሪኽና እናተንከፍና፣ ንዝሓለፍናዮ ብረታዊ ቃልሲ ከም መንቀሊ ፖለቲካዊ ቃልስና ተደኲና / ሰጢምና፡ ነዚ ብሓይሉ ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ፣ ባህርያተ ማፍያ ዝጥቀም፣ ከም ትካለ-ስርዓቱ እምባገነንነት / ድስቡጣነት (totalitarianism) ዘካይድ፣ እቲ ዝግብኦ ስም ማፍያዊ-ድስቡጣዊ ስርዓት ክኽዉን ከሎ፣ነቲ ናይ ብሓቂ መጸወዒዑ ክገልጾን በቲ ግብሩ ክለልዮን ዝካኣል ዝብል እምነት ኣሎና፡፡እሱ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ጉቡእ ስሙን ሱጡም ዝኾነ ፖለቲካዊ ትንታነ ክዋሃቦን፡ኣብ ቦቱኡ ፍትሓውን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከል ክንብል ከሎና፣ከመይ ዝበለ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ዝብል፡ በቶም ተንተንቲ ፖለቲካ ዝባሃሉ ኤርትራውያን ብዙሕ ኣይትርእን፣ ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ስነሞጎትን ዘተ’ዉን ዓዚዙ ክዝረብ ኣይትሰምዕን። እንተ-ደኣ ሃልዩ ክኣ፣ ክሕብረናን ሓቢርና ክንዛተን ሓሳባትና ከነናጻጽሮን ንዕድም፡፡

ብሙሁራት ኣካላት ሲኒትና፣ ሓቢርካ ዘቃልስ ማኒፈስቶን፣ ማፍያዊ ድስቡጣዊ ስርዓተ ኢሳያስን ጃንዱኡን ውድቕ ምስ በለ፡ ንመሳጋገሪ ዝኸዉን፣ ሃጓፍ ከይርከብ ምእንቲ ዝጠቅም ህንጻ ሕጊን(ቅዋም)፤ ኣብ ዓለምለኻዊ መሰል ደቂሰብ ዝተሞርኮሰ ሕግታትን፣ ኣብ ብህልን ልምድን ዝተሞርፖሰ ሓሙሽተ ዓንቀሳት ዝተደሞሮ፣ ኣቕሪቦም ክነሶም፤ ኩሉ’ዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ተዛትዩ እቲ ክውሰኽን ኩገድልን ዝብሎ ራኢ፣ ምትዕርራይ ተገይርሉ፣ ኣብ መስርሕ ተኣትዩ፡ን ብምልኡ ደምበ ፍትሒ ዘጽልል ውዳበ ምጥጥ ኣብ ክንዲ ዝብገስ፣ ኣብ ዘየድሊ ግርጭታትን ክኸዉን ዘይብሉ መገድታት ክሕዝ ክትርእዮ ከሎኻ፡ ብሓቂ ንኣምሮኻ ዝሃሲ ንሕልናኻ ዝትንክፍ ኮይኑ ይርኣየና፡፡

ኣብ መራከቢ ቡዙሃን ኣበይ ኣለዉ ሙሁራትና ክብል ጸኒሑ ንዝቐረበ ሰነድን መኣዲ ዘተን፣ኣብ ክንዲ ምስታፍን ምዝርጉሑን ምትብባዑን፣ ንዘጓንፍ ንኣሽቱ ነቐዓት ዝገፍሓሉን፣ ካብቲ ርእሰ ነገር ወጺእካ ኣብቲ ግርጭታት ምንዓብ ተጸሚዱ ክትሪኢ ከለኻ፣ እቲ እንሓልሞን እንትምነዮን ክፍጸም ደምበርዶ እዩ? ድልየት ፍትሕን ዲሞክራስን ይትርጎም’ዶ ይኸዉን? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ትስእነሉ እዋን ብዙሕ ጊዜ ይሓልፍ፣ ሕድሪ ስዋኣትና ኣቦታትና ዘውሮስና ኒሕ ቃልሲ ጥራይ’ዩ ንቕድሚት ክትከይድ ዝድርኸካ፡፡

ከምኡ ፎክስ ዝብሃል ናይ መጽናዕቲ ሓይሊ ዕማም፡ ብሙሁራትን ኪኢላታትን ፖለቲካኛታት ዝሓወሰ ዓውደ መጽናዕቲ፤ ድሕሪ ናይዚ ማፍያ-ድስቡጣ ጉጅለ ኣስመራ ምውዳቕ፣ ንህዝብና ክጠቅም ይኽእል ዝበልዎ፣ ኣብ ቁጠባዉን ማሕበራውን ፖለቲካዉን ጉዳያት፡ ክማላእ ዘለዎን ክግበር ዘለዎ ምቅርራብን ሰሚናር ተኻይዱስ፤ ነቲ ዝተቐረበ ሰነድ ብኸመይ ንጥቀመሉ እንታይ ዓይነት ኣጋባብ ክኽተል፣ ከመይ ዝበሉ ትካላት ከመልእዎ ይኽእሉ፣ ዝብል ዑሙቕ ዝበለ ዘተን ስነሞገትን ኣብ ክንዲ ምክያድ፤ ነዚ ብኽንደይ ጻዕርን ተወፋይነትን ዝተኻየደ ሰሚናር’ዉን ዘየዲሊ መልክዕን ዘይጉቡእ ህየሳ/ወቐሳ ረኺቡ ኣብ ሰኪዔት ምርሳዕ ተቐሚጡ።

ካብ ተዘክሮ ኣብ ኣመሪካ ብሙሁራት ዝተጸወዐ፣ ንምቅርራብን እንተኻኢሉ ስጋብ ዕርቒ ንምብጻሕ ዝተፋላለዩ ውድባት ምንቅቓሳት ውልቀ ሓርበኛታት ተሳቲፎም ናይ ሓባር ስርሓት ከካይዱ ቃል ኣትዮም ከብቅዑ፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ስብሰባ ንቕድሚት ኣይከደን ጥራይ ዘይኮነስ ብዘይ-ፍረ ተሪፉ ክብሃል ይካኣል ብሰንኪ ዝወረዶ በቢዓይነቱ ጠርጠራ ሕምየተን ወቀሳን።

ኣብ ኬንያ ጀሚሩ ኣብ ፍራንክፎርት ጀርመን ዝተፈተነ ተበግሶ፣ ናይ መድረኽ ዝብሃል ምቅርራብ ሽማግለ፡ በቶም ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣባልት ነይሮም፣ኣንጻር ማፍያዊ-ዱስቡጣዊ ጉጅለ ኢሳያስ ዝዋስኡ ዝተገብረ ናይ ምቅርራብ ጻዕሪ’ዉን እቲ ዝነቐሎ ሽቶ ከይበጽሐ ዓሪፉ፡፡

ብወገን ውድባት እንተኾነ፣ ዝተፋለዩ ፈተነታት ምጽንባራትን፣ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን፣ ከም ምሕዝነት፣ ኪዳን፣ ካቡኡ ሓሊፉ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ዋላኳ ኑኹለን ውድባት ምንቅስቓሳት ዝሓቖፈ አይንበር እምበር፡ ሓቢርካ ንምስራሕ ተፈቲኑ ከምቲ ዝድለ ከምዘይከደ እዚ ኒርእዮ ዘሎን ህሞትን/ሃለዋት ምስክር እዩ። ንሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ድልየት ወይ ትሚኒት እንተዘይኮይኑ ስጋብ እዛ እዋን ኢዚኣ እታ መፍትሕ ወይ እቲ ቁኑዕ መስርሕ አይተረኽበን ዘሎ። ብተበግሶ መንእሰያትን ኣዴታት ብውገኖም ዝተፋላለየ ሓድነትን፣ ሓቢርካ እትሰርሓሉ ባይታ ክጣጣሕ ተፈቲኑ እቲ ዘድሊ ውጺኢት አይበጽሐን። እዚ ዘይብሃል ጸገማት ዕንቅፋታት ዘይተሳዕረ ኢጎ/ኣነ ወይ ኣንነታዊ ባህርያት ማሕለካ ኮይኑ ንጉዕዞ ቃልስና ኣሲሩና ዘሎ ኮይኑ ይርኣየና።

ኣብ ርእሲኡ እዚ ማፍያ-ድስቡጣ ጉጅለ’ውን፣ ናቱ ሰለይቲ ስትራተጂ ምፍንጣሕ ዝተማህሩ፣ ኣብ ወሽጢ ደምበ ፍትሒ ሰሪጾም፣ ስርሓቶም ብምክያድ ሓደ ኻብቲ ጠንቅታት ምዃኑ ዝዝረበሉ ጉዳይ ኮይኑ፡እቲ ኣውራ ግን እቲ ንሕና ባዕልና ንፈጥሮ ዘይምትእምማንን፣ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዘጥረናዮ ቅርሕንትታት ምዃኑ ዘይስሓት ሓቂ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ፋሽሽታዊ ደስቡጣ ጉጅለ ኣብ ፍልልይና ተወጢሑ ኣብ ርእሲ ህዝብና ሸይሸይ ክብልን ሃገር ኣብ ሓደጋ ከውድቓ ከሎ፣ ደምበ ፍትሒ’ዉን ናይ ሕልና ተሓታቲ ኣብ ርእሲ ምዃን፣ ብ-ፖለቲካዊ መገዲ እዉን ስጋብ እዛእዋን እዚአ ዝፈሸለ ኣጋባብ እዩ ተኸቲሉ ዘሎ ክባሃል ይካኣል። ስለዚ ርእሰ መርመራን ህየሳን/ነቐፈታ ብምዝውታር ቃልስታትና ከነማዓራሪ፣ መኣዲ-ዘተ ከፊትና ብሙዑቡልን እዋኑ ዝሓቶ መልሲ ክንጥቀምን/ ክንህብ፣ ኣብ ስራሕ ክንጽመድን እዩ ዝግባእ፡፡

እቲ እንኮ ተሪፉና ዘሎ፡ እዚ ባዕሉ ካብ ህዝቢ ዝነቐለ ምልዓል ይኣክል፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፣ ዓዲ፣ ሃገር፣ ዞባ፣ ዓለምለኽ፣ ኣጋባቡን መልክዑን ንምሓዝ ዝጽዕር ዘሎ፣ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝሳተፍ ዝዋሳእ ካብ ውልቀ ዜጋ ጀሚርካ ውድባት፣ ምንቅስቓሳት፣ ሲቪካዊ፣ ሞያዉያን ማሕበራት፣ ሙሁራት ኣካላት፣ እቲ ንዑኡ ዘገልግል ንድፊ/ሰነድ ክትሓባብርዎ ብኡኡ ኣቢልካ ናብቲ ሰፊሕን ሃገራዊን ደሞክራስያዊን ጽላል ክብጻሕ ምስ ዝግበር’ዩ፣ ኩሉ ስጋብ ሕጂ ዝገበርናዮ ጉድለታት ዕንቅፍታት መዕረፊ ዝረክብ። እታ ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊት ሃገረ ኤርትራ እሳ እትተኽሎ ትካላዊ ኣሳራርሓ ጩራ ብርሃን ክሕዝ ዝጅምር፡፡

ብተወሳኺ ነዚ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝብና፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ የመን፣ እስራእል፣ ሊብያን፣ ካልኦት ሃገራት(tangible) ዚጭበጥ ሓገዝ፡ ክግበረሉን ስነ-ምግባሩ/ሞራሉ ክባራበር ንምግባር ክንበቅዕ ንኽእል። ናይ ዲያስፖራ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ጽላል፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ክኣ ተስፍኡ ተሓዲሱ፣ናቱ ናይ ገዛ ስርሑ ብምክያድ፣ ንማፍያዊ-ድስቡጣ ጉጅለ ካብ ሱሩ ክብንቅሮ ግዜ ኣይወስድን ዝብል ግምት ኣሎና።

ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፣ ድሕሪ ምፍናው ኮሮና-ቫይሩስ ኣብ ዓለምና፡ ፖለቲካዉን፣ ማሕበራዉን፣ ቁጠባዉን ለውጢ ከም ዝገብር፣ ኩሎም ሊቃውንትን፣ ፈሊጣትን፣ ፖለቲከኛታትን ዝዝትይሉን ንድፍታት ዝእምትሉን ክኸዉን ከሎ፡ንሕና’ዉን ባህርያትናን ኣጋባብ ቃልስናን ክንልውጥ ንግደድ ኢና፡፡

ካብዚ ዝነቐለ፣ ምእንቲ እታ ኩላትና እንትምነያ ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊት ኤርትራ፣ ብፍልጠትን ንቕሓትን ክትህነጽ ብምባል፤ ሓፈሻዊ ስርዓታት ኣብ እዛ ክፋል ዓለምና፣ ክንርኢን ክንፈልጥን ኣሎና ዝበልና ኣብ መንቀሊ ጹሑፍና፡፡ እዚ እንቕርቦ ሓሳብ ሙሉኡን ብደምቢ ዝተቐርጸ ከይኸዉን ይኽእል’ዩ፤ ጹማቕ ወይ ሓጺር መብርሂ ግን፣ ክኸዉን ከም ዝኽእል ኣይንጣራጠርን።

ህዝቢ ኤርትራ መምዘኒ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ ዘምጽኣ ሃገር፣ ሓርነቱ ዝውሕሰላ ክትከዉን ዝነበረ ዕላማኡ፣ በዚ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ተሓቢኡ ዝመጸ፣ ብሽም ህዝብን ልእላዉነት ሃገር ስልጣን ክሕዙ በቒዖምስ፣ እቲ ሓቂ ባህርያቱን ጉጅሉኡን፣ በቢቑሩብ እናኣግሃዱ፡ ኣብ ርእሲ ህዝብን ደማክርስያውያን ባእታት፣ ዓመጽን ወጽዓን ከውርዱሉ፣ መሰሉ ክጉዕጹጹ፣ ንዝጻብኦም ክኣስሩ፣ ካብ ግዜ ገድሊ ጀሚሮም ስጋ’ዛ እዋን እዚኣ ይቕጽሉ ምህላዎም፡ እንገበሮን እነካይዶ ዞሎና፣ ዋላኳ ዘተጠርነፈ ቅልሲ ኣይኹን’ምበር፤ ፍትሓዊን ደሞክራስያዉን ቃልሲ’ዩ ክብሃል ይክኣል። ስለዚ’ዩ ክኣ ሓፈሻዊ ፍልጠት ናይ ዘመና ስርዓታት/መንግስታ፡ ክህልወና ኣገዳሲ ዘብለና።

ዲሞክራሲ፦ (Democracy) ስርዓተ ፖለቲካ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኮይኑ፣ ካብ ህዝቢ ዝቕበል ናብ ህዝቢ ዝምለስ፣ ናጽነት ናይ ሰብን ፖለቲካን ዘራጋግጽ፣ ብኣድማሳዊ ምርጫ ወከልቱ ዝመርጽ፣ ኣብ ቡዙሑነትን፣ ንዘጽደቖም ሕጊ ዝምእዘዝ፣ ኣብ ምርድዳእን እንካን ሃባን መስርሕ ዝምርኮስ፤ ራኢኡን ዕላማኡን ሰላም ዝኾነ፡ ንዝተፋላለዩ ራኢታት ዘአንግድ ኮይኑ፣ ኣብ ናይ ተዋሳእቱ ብዙሕነት ዝነቐለ፣ ብጣዕሚ ተኣፋፊን ተነቃፊን ተጠቃዕን ስለ ዝኾነ፣ ብጣዕሚ ጥንቃቐን ምሕላዉ ዝሓትት/ዘድልዮ ኮይኑ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ዝካታተሉሉ /ምቑጽጻር / ሚዛናትን፡ መስርሕ ዝውንን፤ ንጹር ስርሓት ናይ ሓጋጊ፣ ፈጻምን፣ ፈራድን፣ ኣካላት ብጉቡእ ዝጥቀም፣ ከም ራብዓይ እግሪ፡ ናጻ ምድያን በቢዓይነቶም ህዝባውያን ትካላት፣ ንውሕስነቱን ግስጋሱኡን / ምምዕባሉን ዘዘውትርን ብሕጊ ህላውነቶም ዝራጋገጽ፤ ካብ ናይ ወጻኢ መጥቃዕቲ ኣኻሊ / ብቑዕ መካላኸሊ ዝውንን፣ መሰረታውያን ትክላቱ ብደንቢ ዝሰረተ ምስ ዝኸዉን ዲሞክራሲያዊ ሃገር ዘብሎ፡፡

ደሞክራቱር (Démocrature)፡ ሓደ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ብኣድማስያዊ ምርጫ ሲዒሩ፣ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ኮይኑ፣ ብደንቢ ዝተወደበ ሓይሊ፣ ከም ሓደ ሓያልን ኣብ ርእሲኡ ኣምልኾ / ህቡብነት ዘጥረየ፡ ህዝበይን ሃገረይን ቅድም፣ እናበለ ንህዝቡ ካብ ካልኦት ህዝብታትን ሃገራትን ዘራሓሕቕ፣ ወይ እምነት / ሃይማኖት ልዕሊ ኩሉ ዝብል፣ ዓይነት ስርዓት፤ ከም መራሕቲ ኣብነት፣ ኣብ ሩስያ ቭላዲሚር ፑቲን፣ ኣብ ቱርኪ ኤርዶጋን ክስመዩ ይኽእሉ። ከምዚ ዝበለ ስርዓት ኣድማሳዊ ምርጫ ክካየዱ ዘፍቅዱ ክነሶም፣ ነቲ ዝግበር ምርጫ ከም ድልየቶም ዝጠዋውይዎ / ዝቛጻጸርዎን፣ ንዝቋውምዎም ወይ ዝዋዳደርዎም ህላውነቶም ከምዘይህሉ እናገበሩ ስልጣኖም ዘደልድሉ ክኾኑ ከለዉ፤ንግዝኣተ ሕጊ ብምንጻግ / ምንፋግ / ምኽላእ ቁጠባ ብሳቶም ዝኣምንዎም ኦሊጋርኪ ከም ዝማሓድርዎ ይገብሩ። ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ከም ዝኸዉን ይገብሩ፡፡

ሊበራል ደሞክራሲ (Liberal-democracy)፦ መግለጺ ናይ ድቡን / ዱኹም ናይ ዲሞክራሲ እዮም ዝብልዎ። ናኣብነት ከም ቪክቶር ኦርባን ኣብ ሃንጋሪ፣ መራሕ መንግስቲ ዝጥቀመሉ ኣጋባብ። መልኺ ዝዓይነቱ ስልጣን ብምጥቃም፣ (exaltation) ፍስሓ / ሃሴት፣ ሓልዮት ፍቕሪ ሃገራዊ / ሃገርኝነት / ሃገራውነት፣ ፍርሓተ ጓኖት፣ ፍርሒ ባዕድደኛታት፣ ንዝካየድ ምርጫ እናጠወዩ፡ ንራኢታት ህዝቦም ብልዑል መንግስታዊ ፕሮፓጋንዳ ንምእማን ይጥቀሙ። ቁጠባ ኣብ እሳቶም ዘውጽእዎ ፕሮጀክትን ዝቛጻጸርዎን ይኸዉን፤ ንሲቪላዊ ማሕበር ክኣ በቲ እሶም ዝደልይዎ ክማሕደርዎ ይጽዕሩ። ድኹም ተቛውሞ ክህልዎም ኩሉ ጻዕርታት የካይዱ፡፡

ድስቡጣነት (Despotism) ፍጹምን ብኢደ-ወነኑ ስልጣን ዝሕዝ ምልከኛ ስርዓት፣ ዋላ ሓደ ዝቛጻጸሮ ዘይብሉ ወይ ተወካስነት ዘይህልዎ፣ ከም ኣለክስ ታኲቪል (Alexis de Tacqueville) ዝሓበሮ፡ ’’እቲ ዲፊኢት ናይ ውልቃውያን ሲሚዒታት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ሃገራውነት ወይ እምነት / ሃይማኖት፣ ፍርሃ ጓኖት፣ ኣታኣታቲኻ፡ እስኻ ጹኑዕን ሓያልን፣ መድሓን ሃገር፣ ህዝቢ ንዓኻ ጥራይ ዝኣምን፣ ምቅርራብን ሓያል ክእለት መድረ ዝውንን፣ ስሚዒትን ፍናን ህዝቢ ዝትንክፍ፣ ብፍላይ ነቶም ብሕጽረት ቁጠባን ትምህርትን ዝተጠቅዑ፣ናቱ መሳርሒን ሰዓብቱን ተመጸውትን ዝኾኑ፣ ብሕረያ ናብ ዝልዓለ ስልጣን ዘምጽእ፣ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጹሩ ብምእታው ስልጣኑ ንነዊሕ ዝእምት እዩ ይብል’’።

ዲክታቶር / እምባገነን (Dictator)፦ ውልቀ መላኽነት ዘዘውትር ስርዓተ መንግስቲ፣ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ዝተጠቕለለ ስልጣን፣ኣብ ናይ ሓደ ፓርቲ ወይ ናይ ዉሑዳት ጉጅለ ብዓመጽን ብጥሕሰት / ጎነጽ ስልጣን ዝጭብጡ ክኾኑ ከለዉ፣ናጽነት ወድሰብን ኩሎም ናይ ተቛወምቲ / ተጻባእቲ ዝደቚሱ / ዝጸቕጡ / ዝጭፍልቑ ክኾኑ ከለዉ፣ቁጠባዉን ማሕበራዉን መስርሕ ግድን ኣይኮነን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ክኸዉን ወይ ክሕዝዎ፡፡

ህዝብነት (Populism)፦ ንረብሓ ታራ ሰባት ከም ዝቖመ ዚልፍልፍ ዓይነት ፖሊቲካ፡ ብሓጺሩ ሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፣ ብሓደ ህቡብ መራሒ ዝማእከለ ኮይኑ፡ጽዊዒቱ ንህዝቢ ኣንጻር ኩሎም (E’lite) ግኑናት / ሱሙያት / ኣርካናት ክኾኑ ከለው፣ ኣብ ሃገራዊ ሲሚዒት ዝተሞርኮሰ ተኻላኻሊ ሃገርን ህዝብን መሲሎም ክርአዩ፣ ጹዑቕ ፖለቲካዊ ዘመተ የካይዱን፣ነቶም መሰረታውያን የዕኑድ ዲሞክራሲ ክጥሕስ ዝህቁኑ፣ ናይ ሊበራውነት ይኹን፣ ባህላዊ / ልምዳዊ / ኣፈታሪኻዊ / ያታዊ ፖለቲካዊ ውድባትን፣ ኣከያድቲ / ኣማሓደርቲ ብሓይሊ-ህያሳይ ስጋብ ምንጻግ ዘዘውትሩ፡ ፍጹም / ዝላዓለ ሽርሓጠ ፖለቲካ / ዶማጎግ ብምጥቃም ንሓደ ጹንኩር / ሕልኽላኽ ዝበለ ግድል / ጸገም ብቐሊል ክፍታሕ ከም ዝካኣል ከርእዩ ዝፍትኑን ዝገልጹን። መሳጢ / መራኺ ዝኾነ ኣዛራርባ ሰውነቱ ዘዕብን ንተቋወምቱ ዘናኣእስ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ድኹማት / ሉሙሳት / ዘየድምዑ / ስልጣን-ኣቡነት ዝኾኑ እናበለ ንኹሎም ደሞክራስያውያን ዝገልጾም፡፡ ኩሉ ናይ ሕሉፍ የማንነትን ጸጋምነትን ጭርሖታትን መደበ ስርሓትን ናተይ ኢሉ ዝሕዝ፣ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዓይነት ሰብ እዩ።

ምልክኝነት / እምባገነንነት / ዱስቡጣነት (Totalitarianism)፣ እዚ ዓይነት ስርዓት ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም መበገስታኡ / መበቆሉ ኮይኑ፡ኣብ ትሕቲ ቁጽጹሩ ኩሉ ዓይነት ምሕደራ ብስም ሓደ ፓርቲ፣ን ኹሉ መንግስታዊ ትካላትን ሃገርን ኣብ ክካታተሉ ዝኽእል መስርሕ ዝጸምድን፡ ኣብ ራዐድን ጭንቀትን ዝተሞርኮሰ ስነሓሳብ ዝተሃንጸ ዝጥቀመሉ ኣጋባብ ሰሪዑ፤ ኣብ ርእሰ-ኣምላኽነት / ሁሁበንትን ክህልዎ ምእንቲ፣ ምትሕውዋስ / ምድብላቕ ዝተሞርኮሰ፣ ንዕኡ ዘገልግል ውድብ ብምቛም፣ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ማሕበራዊን እትቋጻጸረሉን፤ መላእ ዜጋታት ኣብ ራዕድን ፍርሕ ነንሕድሕድካ ምጥርጣርን ዘንብር ሂወቱ፤ ብሽም ሃገራዊ ድሕነት ህዝቢ ዘሳቕን ኣብ ሽቑረራ ክነብሩ ዝግድድን፣ ናይ ስለያ ስርሓት ዝበዝሐ ባጀት ዝስልዓሉ፡ እዚን ከምኡ ዘኣመሰሉ ሽርሕታት ብምጥቃም ንህዝቢ ገሊኡ ኣብ እስርቤት ብምድጓን ዝተረፈ ክኣ ናይ ስርዓቱ ሑዩር ብምግባር ዝነብር ስርዓት እዩ። እምባገንነት / ዱስቡጠነት ኣብ ዕስራ ክፍለ ዘመን (XX) እቲ ቀንዲ ኣንጻር ዲሞክራስያውያን ሃገራት ዝኾና ካብ ሶቭየት ሕብረት፣ ፋሽሽትነት ጥልያን፣ ናዚስት ጀርመን፣ ኑጉሳዊ ድስቡጣዊ ስርዓት ጃፓን፣ ዝተኻየዱ ስርዓታት ክዝከሩ ይካኣል። እዞም ስርዓታት ዘስዓብዎ ጸገማት ኣብ ዕስራን ሓደን (XXI)ክፍለ ዘመን ዝቕጽል ምህላዉ ሩኡይ እዩ። ከም ኣብነት ኣረጊት / ጊዚኡ ዝሓለፈ ስርዓተ ኮሚንስት ሰሜን ኮረያን፣ ማፍያዊ-ድስቡጣ ጉጅለ ኤርትራን ብደገፍ ቺናዊ መንግስታዊ ርእሰማልነት ዝረኽባ፣ ንምዝካር ይካኣል። እዚኦም ዓይነታት ስርዓታት ሙሉእ ህዝቦም ዓስከር ዝኾኑ ኩሉ ስርሓት ካብ ኢድ እምባገንነት ዝጽበዩ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፣ ኣብ ድኽነትን ተመጻውነትን፣ ሕርመት ፍልጠት፣ ሕጽረት ትምህርትን ሕክምናን / ክንክን-ጥዕናን ዘለዎም እዮም፡፡ መንግስቲ ቺና ምስ ዓለምለኽ ሃጸይነት ተዋዳዳሪት ኮይና ብሽም ጎደና ሃሪ the silk road ካብ ኣስያ፣ ኣፍሪቃ ኤውሮጳ ዝዝርጋሕ መሓውር / መገዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘይተኣደነ ባጀት ወዚዓ ንኹሎም መንግስታት ናይዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዉዑል ብምኽታም ወፍርታት ተካይድ ምህላዋ ንካፒታልስት ሃገራት ኣብ ስግኣት የእትያተን ትርከብ፡፡

ተዮክራሲ (Theocracy) ብቕዱስ መሪሕነት ዚማሓደር መንንግስቲ። እዚ ዓይነት ስርዓት ኣብ ትሕቲ ዝልዓ ምምሕዳር ሃይማኖት ዝምእዘዝን፣ ብቁዱስ መጽሓፍ ሕግታት ዝተሰነደ ኣጋባብ ዝካየድ ኮይኑ፣ መራሕቱ ካህናት / ሙፍትታት፣ ጹኑዕ ናይ ሃይማኖት ኣማኒ ዝማሓደር፣ን መጀመርያ እስላማዊ ረፑብሊክ ኢራን ዝተኸስተ፣ ብድሕሪ ኣያቶላህ ኮመይኒ ዝተኻየደ ሰውራ ኣብ 1979 ከም ምስክር ክጥቀስ ይካኣል።

ከምዚ ጹማቕ ዘቕርብናዮ፣ ካብ ዕስራ (XX)ናብ ዕስራን ሓደን(XXI) ክፍለ ዘመን፣ ዝተሳጋገረ ዓይነተ ስርዓታት ክህልዉ ከለዉ፡ ብሰንኪ እዚ ንዓለም ኣናዊጹን ዘይተጸበይዎ ተላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይሩስ፡ ክመጽእ ዝኽእል ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ቁጠባውን ዝምድናታት፤ ከምዚ ስጋብ እዚ እዋን ኑቡርን ሉሙድን ኣጋባብ ዘይኮነስ፣ ዓለምና ካብ ዝሓለፈ ብከላ ሃብታን፣ ወሪድዋ ዘሎ (Pollution) ዕለሳ እትድሕነሉ፣ ንመንእሰያት ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ፣ ብኣህግራዊ ጥርናፈ ዋዕ ኢሎም ዝጽውዑን ዝሓተቱን ከም በዓል ግሬታ ቱምበርግ ግደታ ኮይንዎም ዝስምዕሉ፣ ጥዕይቲ ዓለም / ዩኒቨርስ ንዝመጽእ ትውልዲ ክግደፍ ምእንቲ ዝሓለፈ ኣጋባብ ፖለቲካ፣ መሰረታዊ ለውጢ፡ ሊቃውንትን፣ መካር-ፖለቲከኛታትን፣ ሳይንሳውያን / ስነ-ፍልጠታዊያን ዝሓትዎ ዘለዉ፣እሱ ጥራይ ዘይኮነስ ዝምድና ማሕበራዉን ቁጠባዉን ፖለቲካዉን እዉን ፍጹም ለውጢ ከም ዘድሊ ይሕብሩ ኣለዉ፡፡ ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ብምህዞ ደቂ ሰባት ከም ቦምብ ኣቶሚክ፣ ኪሚካዉን፣ ባይለጂካዉን አርም ካልእን ኣብ ቅድሚ (COVID-19) ኮሮና ቫይሩስ ብሰላሕታ፣ ብሓባር ብዘይ ኣፋላላይ ሰባት ዘህልቕ ቅድሚ ሕጂ ተምኲሩ ተራእዩ ብዘይ ምፍላጡ ዓለምለኻዊ ራዕዲ ኣስፊሩስ ዳግመ ምንጽብራቕ / ስንጸት / ዓሚቚ ሓሳብ ኣብ ምግባር ይርከቡ፡

ንሕና ደምበ ፍትሒ’ውን ሓዲሽ ዓይነት መስርሕ ሓድነትን ሓቢርካ እትሰርሓሉ፣ ንኹሉኻ ዘዋሃሃድ ስርሓት ብዘይ ውዓል ሕደር ክንላዘብ ይግባእ።
ከም መዕጸዊ ካብ መጽሓፍ ኣለም ሰገድ ተስፋይ ጠቕሲን ምኽርን ነቅርብ

‘’እዚ ናይ ስግኣትን ስቕታን ሃዋህው፡ ሰብ ነንሓድሕዱ ንኸይተኣማመን እውን ዓቢ ጸቕጢ ፈጠረ። ጭፍለቓ ምንቅስቓሳትን ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ነቲ ተጠርኒፍካ ናይ ምስራሕ ተበግሶ ፍጹም ቈጸዮ። ዝተዛረበ ወይ ዝተቓወመ፣ ንበይኑ፣ ዓገብ ዝብል ዘይብሉ፡ ክምቋሕን ካብ ስራሕ ክስጐጒን ልሙድ እናኾነ ምስ ከደ፡እቲ ዝተረፈ ነብሱ ኽዕቅብ መረጸ፡፡ ፍስሃ ወልደማርያም(ጋንዲ) "እንታይ ኰንና ኢና እዚ ኹሉ ግፍዒ እናተፈጸመና ትም ንብል ዘልና?" ኢሎም ንሓደ ተሰማዒ ናይቲ እዋን ከም ዝሓተቱ ኣዘንትዮም፡፡

እቶም ዓቢ ሰብ ነዚ ዝስዕብ መሊሶም፡

• ኣንበሳ ዓጋዜን ቀቲሉ፡ ንኹሎም እንሣት ግብጃ ዓዲሙ። "ነዚ ዓጋዜን ብኸመይ ንማቐሎ? እስከ ዝብኢ ከኣ" ኢሉዎ ንዝብኢ።

• ዝብኢ ትቕብል ኣቢሉ፡ "ሰለፍ ንዓይ፡ ጐሎ ንዓይ፡ መንጒዳ ንዓይ፡…" ክብል ጀሚሩ። ኣንበሳ ኲልፍ ኣቢሉ "ነዚ ኹሉ እንተ ወሲድካ፣ ንዓናኸ እንታይ ትገድፈልና?" ኢልዎ። "ዛንጡይ መዓንጡይ" ክብል ዝብኢ መለሰሉ፡፡

• ኣንበሳ ተቘጢዑ ጒንዲ ዓይኑ እንተ ጸፍዖ፡ ወያ ዓይኒ ዝብኢ ነጢራ ወጸት። "ወኻርያ እንታይ ትብሊ?" ኢልዋ ኣንበሳ፡፡

• "ሰለፍ፣ ጒሎ፣ መንጉዳ፣ ሓኸለ….ኩሉ፣ ንዓኻ ኣያ ኣምቢሽ። ዛንጡይ መዓንጡይ ክኣ ናዓና" ኢላቶ እናኽመስመሰት።

• "ወኪር ደኣ ነዛ ምኽሪ ካበይ ረኺብክያ ?" ምስ በላ ድማ ከይተዋላወለት "ካብ ዓይኒ ዝብኢ" ክትብል መሊሳትሉ።

• "ፍስሃ ወደይ እቲ ዝኸዉን ዘሎ ንርእዮ ኣሎና። ካብ’ቶም ብዝኽነን ዘይኮነን ስራሕ ዝኸሉን፣ ሽመት ዝቕንጠጡን ዝምቊሑን ዘለዉ ድማ ንምሃሮ ዐሎ…."

ክብሉ ምኽሮም ኣቕሪቦም። ንሕና-ኸ ካብ ዝሓለፍናዮ መድረኸ ቃልስን ዘሎናዮ ኩነትን እንታይ ተማሂርና ?

ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

ኣኣቕረብቲ
ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ቃል ሓርበኛ ቢትወደድ ኣብራሃ
ከምኡ`ውን ምዕዶ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማሪያም፡ ንመንእሰያት ኤርትራ


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: