Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

September 2020 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 




30/09/2020 23:55 PM Updated

ቀዳማይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ

ባይቶ ይኣክል ሕመኣ

FIRST VIRTUAL ANNUAL CONFERENCE

OF BAYTO YIAKL USA.

25 - 26 Sep 2020

ባይቶ ይኣክል ሕመኣ፡ ካብ ዕለት 25 ክሳብ 26 መስከረም 2020፡ “ውሁድ ስራሕ ንውሑስ መጻኢ”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ቀዳማይ ኮንገረንሱ ብመንገዲ ኢንተርነት ኣካይዱ። እዚ ጉባኤ (ዋዕላ`ዚ) ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ይኹን ካልእ ግዱስ፡ ብቐጥታ ክከታተሎ ቀንዩ ኣሎ። ጉባኤ፡ ኣብነታዊን ዕዉትን ኮይኑ ክድምድም፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ( snitna.com ) ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ። ብምስዓብ፡ ነቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝምልከት መላግቦ (ሊንክ) ቀጺሉ እነሆ፦  

      P-1 (25-Sep-2020)፡  P-2 (26-Sep-2020)

1ይ ክፋል (Sep 2020)፡  2ይ ክፋል (Sep 2020)፡  

3ይ ክፋል (Sep 2020)፡  4ይ ክፋል (Sep 2020)፡  

5ይ ክፋል (Sep 2020)፡  6ይ ክፋል (ep 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

   المؤتمر الأول  لبيتو  ياكل  بالولايات  المتحدة    الأمريكية





30/09/2020 19:35 PM

ኣደራዕ 29 ዓመታት

ገምጋም ብዓይኒ ሞያውያን

29 YEARS’ DAMAGE

Evaluated by professionals: Dr. Adane Gebremeskel, Prof Mengsteab Tesfayohannes and Mr Habteab Yemane (Law professional) and Mr Ephrem Ghebreleul.

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና

ናይ ሰንበት Sunday, 27 September 2020፡ ዕዱማትና፡ ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል፡ ፕሮፈ መንግስትኣብ ተስፋዮሃንነስ ከምኡውን ኣቶ ሃብተኣብ የማነ (በዓል ሞያ ሕጊ) ከምኡ`ውን ኣቶ ኤፍረም ገብረልዑል ኢዮም። ኣርእስትና፦ "ኣብ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ብምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ክወርድ ናይ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዓዊ ማእሰርትን ኣደራዕን፡ ዘውረዶ፦ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራዉን ዕንወታት። ገምጋም ብዓይኒ ሞያውያን።" ዝብል ኢዩ።

On Sunday, 27 September 2020, our invited guests are Dr. Adane Gebremeskel, Prof Mengsteab Tesfayohannes and Mr Habteab Yemane (Law professional) and Mr Efrem Ghebreleul. Our discussion topic is: "Over the past 29 years, the Eritrean regime has ben perpetrating arbitrary arrests and suffering against the people and country of Eritrea, as well as its legal, political, economic, and social consequences: Evaluated by professionals."

1ይ ክፋል (27 Sep 2020)፡  2ይ ክፋል (27 Sep 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




30/09/2020 19:35 PM

ምስክርነት፡ ስድራቤትን መሓዙትን፡

ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ዝርከቡ ሓርበኛታት፦ ሚኒስተር ዑቕበ ኣብራሃ ከምኡውን ኣብ ማሕዩር ዝተሰውአ ተጋዳላይ ሰሎሞን ሃብቶም:

Testimonies: families and friends of Eritrean veterans of:

 Minster Ogbe Abraha and Martyr Veteran Solomon.

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና

ናይ ቀዳም Saturday, 26 September 2020፡ ዕዱማትና፡ ስድራቤትን መሓዙትን፡ ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ዝርከቡ ሓርበኛታት፦ ሚኒስተር ዑቕበ ኣብራሃ ከምኡውን ኣብ ማሕዩር ዝተሰውአ ተጋዳላይ ሰሎሞን ሃብቶም ኢዮም። ኣርእስትና፦ "እሱራትና እቶም ናይ መጀመርያ ናይ ፍትሒ ግዳያትና፡ ኣብ መስከረም ኾይና ጓሂና ብቓልስና ንደብስ!!" ዝብል ኢዩ። On Saturday, 26 September 2020, our invited guests are families and friends of Eritrean veterans of: Minster Ogbe Abraha and Martyr Veteran Solomon Habtom. Our discussion topic is "Our prisoners first victims of justice, in September let heal our grievance through our struggle."  

1ይ ክፋል (26 Sep 2020)፡  2ይ ክፋል (26 Sep 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





30/09/2020 19:35 PM

ተራ መንእሰያት

ኣብ ምብቃዕ ሽግርን ብርሰትን ኤርትራ

ሰሚናር ብንቕሎ ኣዴታት ዞባ ኤውሮጳ

(1. ኢርሚያስ ተኽለ 2. ሩታ ኪዳነ 3. ዘውዲ ገብረሚካኤል 4. ኤልሳ ዮውሃንስን)

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና

ናይ ዓርቢ Friday, 25 September 2020፡ ዕዱማትና፡ ኣጋይሽና፦ 1. ኢርሚያስ ተኽለ 2. ሩታ ኪዳነ 3. ዘውዲ ገብረሚካኤል 4. ኤልሳ ዮውሃንስን ኢዮም። ኣርእስትና፦ "ተራ መንእሰያት ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዕባይን ምጉስጓስን። ስደት፡ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ጥምየትን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ እንተኾይኑ፡ ከም መንእሰያት እጃምና እንታይ ክኸውን ኣለዎ?" ዝብል ኢዩ። ኣብዚ መደብ ዚ ሓቢርኩምና ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም።  On Friday, 25 September 2020, our invited guests are . Our discussion topic is "Strengthening the role of youth in justice movement. What our role would be in stopping: forced-exodus, death, imprisonment, hunger and damage in our country?"

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




30/09/2020 19:35 PM

ምጉጅለ 15 ተፈሪዶም ኢዮም።

ነጻ ተባሂሎም ኢዮም።

Seminar by Mr Mussie Ephrem

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና

ናይ ሰንበት Sunday, 27 September 2020፡ ዕዱምና፡ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም። ኣርእስትና፦ "ጉጅለ 15 ተፈሪዶም ኢዮም። ነጻ ተባሂሎም ኢዮም።" ዝብል ኢዩ። On Sunday, 27 September 2020, our invited guest is a Law Professional, Mr Mussie Ephrem. Our discussion topic is "The G-15 have already been confirmed Free."


 Click here (27 Sep 2020)

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





29/09/2020 20:54 PM

ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ 2002

እቲ ነቲ ተጠኒሱ ዝነበረ እከይ፡ ምርጋጽ ሕግን ሕጋውነትን፡

ዕልል ኢሉ ብምሕራስ፡

ታሪኻዊ ጌጋ ዝፈጸመ ባይቶ።

ዕላል ምስ በዓልቲ ሞያ ሕጊ፡

መንእሰይ ፌሩዝ ገብረመስቀል

[ERISAT ]

 ኣብዚ ጠውቑ click here




29/09/2020 20:54 PM

ቅዋም ኢሳያስ

ዶ/ር ሕሩይ ተድላ ባይሩ

2020፡09፡24 ስቶክሆልም

ቅድሚ ምርጻ መሰጋግሪ ባይቶ ኤርትራ (መ. ባ. ኤ) ፡ እቲ ንረፈርንዱም ዝተዓደለ ቴሴራ፡ ብተሴራ ህግደፍ ተተክአ። ሕጹያትን መረጽትን ኣብ መ.ባ.ኤ. ኣባላት ህግደፍ ጥራይ ነበሩ፡ ከምኡ ስለ ዝነበረ ድማ ቅዋም ኢሳያስ ብኣባላት ህግደፍ ጸደቐ። እንተኾነ ግን ቅዋም 1997 ሕጋውነቱ ስለ ከማልእ ሓደ ወሳንን ደምዳምን ስጉምቲ ክወስድ ግዱድ ነበረ።  ቅዋም ሕጋውነት ክለብስ ነዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ክማልእ ብሕጊ ግዱድ ነበረ፥ Read more





See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር





29/09/2020 20:54 PM

ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣኼባ

ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን

ምቕያር ዕለት ናብ፦

10 October 2020 ሰዓት 15፡30 ድሕሪ ቀትሪ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር!!

ሰላምታ ብምቅዳም፡ ኣብ ሂወትኩም ጥዕና ኣብ ስራሕኩም ድማ ዓወት ንምነ።

ንጽባሕ 27 መስከረም 2020 ኣብ ከተማ ከለን ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡ ብምኽንያት ብዓል መስቀል ናብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2020 ከምዝተሰጋገረ ምስናይ ይቅሬታ ንሕብር። ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን ነዚ ኣኼባ ክትጽውዕ ምኽንያት ዝኾና ብቐንዱ፡ በቲ ኣብ ዋዕላ ፍራንክፎርት ብዕለት 12 መስከረም ዝተራእየ ዘሕዝን ፍጻሜ ምኽንያት ብምግባርን ብዛዕባ ቀጻሊ ስራሕ ንምዝታይን ኮየኑ ንሰንበት ዕለት 10 ጥቅምቲ 2020 ንኹሉ ኣባልን በቲ ጉዳይ ዝግደስ ሃገራውን ዕድመ ተቕርብ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





29/09/2020 20:54 PM

ክእለትናን ረብሐናን ኣለሊና ንወደብ

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ዓማጺ ስርዓት ብሃንደበት ካብ መሬት ተላዒሉ ኣይኮነን ኣብ ልዕሊ ምሉእ ሃገርን ህዝብን ወንጀል ዝፈጸመን ሒማቕ ዕላማኡ ዝቕጽሎ ዘሎን። ህዝቢ ከመይ ከምዘሎ ኣጽኒዑ ምስ ኣለለየ ኢዩ ኩሉ ክገብር እኽእልየ ኢሉ ምስ ኣረጋገጸ ዘዋጽኦ ነቲ ሕሉፍ ተግባሩ መሊሹ ዝደግሞ ዘሎ። ኩሉ ጊዜ ጭርሖና ህዝቢ እንተተላዒሉ ዝዓግቶ ሐይሊ የለን ኢዩ፣ እወ እቲ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ኢዩ፣ግን ህዝቢ ክገብር ዝኽእል ካብ መጀመርያ መኣዙኑ ተስተኻኺሉ ሐላፍነቱ ተረዲኡ ምስ ዝትሐዝ ጥራይ ኢዩ። Read more




29/09/2020 20:54 PM

   ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ ቀዳም Saturday, 26 Sep 2020

ኤርትራዊ ተቓውሞን ምዕብልንኡን

Eritrean Opposition and its Development

Guests: Kidane Hagos and Kibreab Tesfu..

ክቡራት ተኻታተልትና፡ ናይ ቀዳም Saturday, 26 September 2020 መዛተዪ ኣርእስትና፥ "ኤርትራዊ ተቓውሞን ምዕብልንኡን" ዝብል ኢዩ ክኸውን። ኣጋይሽና፦ ኣቶ ክብርኣብ ተስፉን ኣቶ ኪዳነ ሓጎስን ኢዮም። ብኽብሪ ትዕደሙ። On Saturday, 26 September 2020, our discussion topic is “Eritrean Opposition and its Development” Our guest are: Kidane Hagos and Kibreab Tesfu. You are all cordially invited.

ኣብዚ ጠውቑ (Coming soon)፡     





29/09/2020 20:54 PM

ድምጺ ሓርበኛ:

ፈነወ ቁ.32 ቀዳም Sep 26, 2020

Read more

See Also ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





22/09/2020 23:55 PM

ምእጋድ ሓርነት ምዝራብን

ሓሳብካ ምግላጽን

መስከረም 18 እታ ጸላም ዕለት

ብ`ተሸመ ወልደሚካኤል

ወርሒ መስከረም፡ ተመራጺት ወቕቲ

ሓረስታይ ዝቀራረበሉ፡ ክሓፍስ ምህርቲ፡

ፍረ ጻዕሩ ዝርእየሉ፡ ምስ ወጸ ክረምቲ፡

ኩሉ ዝብህጋ፡ ብዕንባባ ውቅብቲ። Read more






22/09/2020 23:55 PM

ወይዘሮ ፎዝያ ሃሽም

ሚንስተር ፍትሒ ዶ፧ ወይስ ግፍዒ፧

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ

ለዋህን ሕያዋይን ህዝብና ንዘመናት ብሕጊ እንዳባ እናተማሓደረ ተናቢሩን ኣንጻር ኩሎም ባዕዳውያን ገዛእቲ ድማ ንመዋእል መኪቱ ተቃሊሱ ኣእላፍ ደቁ ገቢሩ ተዓዊቱ። በዚ ድማ ህዝብና ነታ ዝሓለማ ናጽነት ይጨብጣ ድኣ እንበር፡ ብኣንጻሩስ መንጠሊና ሃገራዊ ባርነት ብ18 መስከርም  ተገዚሙ። ባሕቲ መስከረም ምጂማር ብረታዊ ቃልስና ብምኻና ተኹርዕ!! መስከረም 18 ምሕያር ሓርበኛታትን ተጣበቅቲ ዲሞክራሲ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ብምኻና ድማ ተንብዕ!! Read more





21/09/2020 21:35 PM

ምስክርነት፡ ስድራቤትን መሓዙትን፡

ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ዝርከቡ ሓርበኛታት፦ ሚኒስተር ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ኣስቴር ፍስሃጼን፡ ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ)፡ ሰናይት ደበሳይን:

Testimonies: families and friends of

Eritrean veterans of: Minster Mahmoud Sherifo, Aster Fessahazion, Ermimas Debessai (Papayo) and Senait Debessai.

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና

ናይ ሰንበት Sunday, 20 September 2020፡ ዕዱማትና፡ ስድራቤትን መሓዙትን፡ ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ዝርከቡ ሓርበኛታት፦ ሚኒስተር ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ኣስቴር ፍስሃጼን፡ ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ)፡ ሰናይት ደበሳይን ኢዮም። ኣርእስትና፦ "እሱራትና እቶም ናይ መጀመርያ ናይ ፍትሒ ግዳያትና፡ ኣብ መስከረም ኾይና ጓሂና ብቓልስና ንደብስ!!" ዝብል ኢዩ።

On Sunday, 20 September 2020, our invited guests are families and friends of Eritrean veterans of: Minster Mahmoud Sherifo, Aster Fessahazion, Ermimas Debessai (Papayo) and Senait Debessai. Our discussion topic is "Our prisoners first victims of justice, in September let heal our grievance through our struggle."  

1ይ ክፋል (20 Sep 2020)፡  2ይ ክፋል (20 Sep 2020)፡  

3ይ ክፋል (20 Sep 2020)፡  4ይ ክፋል (20 Sep 2020)፡  

5ይ ክፋል (20 Sep 2020)፡  6ይ ክፋል (20 Sep 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





21/09/2020 21:35 PM

ምስክርነት፡ ስድራቤትን መሓዙትን፡

ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ዝርከብ ተጋዳላይ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡

Testimonies: families and friends of

Eritrean veteran, Minster Haile Woldetnsae.

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና.

ናይ ቀዳም Saturday, 19 September 2020፡ ዕዱማትና፡ ስድራቤትን መሓዙትን፡ ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ዝርከብ ተጋዳላይ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ኢዮም። ኣርእስትና፦ "እሱራትና እቶም ናይ መጀመርያ ናይ ፍትሒ ግዳያትና፡ ኣብ መስከረም ኾይና ጓሂና ብቓልስና ንደብስ!!" ዝብል ኢዩ። On Saturday, 19 September 2020, our invited guests are families and friends of Eritrean veteran, Minster Haile Woldetnsae. Our discussion topic is "Our prisoners first victims of justice, in September let heal our grievance through our struggle."  

1ይ ክፋል (19 Sep 2020)፡  2ይ ክፋል (19 Sep 2020)፡  

3ይ ክፋል (19 Sep 2020)፡   

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





19/09/2020 23:34 PM

ኣይረሳዕናኩምን!

We will never forget you!

18 September 2001፡

ሓርነት ኤርትራዊያን ዝተዓፈነላ፡ ሓላፍነትና እተዘኻኽረናን ዕለት፡

Click here ኣብዚ ጠውቑ

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




19/09/2020 23:34 PM

   ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ ቀዳም Saturday, 19 Sep 2020

ታሪኽ፡ ህሉዉን መጻእን

ቃልሲ ደቀንስትዮ ኤርትራ፡

History, Current and Future Struggle of Eritrean Women.

Guests: Ms Elsa Mesfin, a veteran fighter.

ክቡራት ተኻታተልትና፡ ናይ ቀዳም Saturday, 12 September 2020 መዛተዪ ኣርእስትና፥ "ታሪኽ፡ ህሉዉን መጻእን ቃልሲ ደቀንስትዮ ኤርትራ፡" ዝብል ኢዩ ክኸውን። ብኽብሪ ትዕደሙ። On Saturday, 12 September 2020, our discussion topic is “History, Current and Future Struggle of Eritrean Women.” Our guest is: Ms Elsa Mesfin Embaye, a veteran fighter. You are all cordially invited.



 1ይ ክፋል (12 Sep 2020)፡   2ይ ክፋል (19 Sep 2020)፡    




19/09/2020 03:58 AM

ኣምዕል ጸላም

እት ሰሓፈት ኤረትርየ፡

ምቃ/ ም/ ፈናን ሕሴን መ/ዐሊ

Interview: Legend Artist Hussein M. Ali

[Radio Saeyob]

  1ይ ክፋል (04 Sep 2020)፡   2ይ ክፋል (11 Sep 2020)፡  

  3ይ ክፋል (18 Sep 2020)፡   

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





18/09/2020 22:57 PM

ጋዘጣዊ መግለጺ

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣበጊሱ

 17 መስከረም 2020

ኣብ 24 ሰነ 2020፣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ ናይ ሓባር መግለጺ ምውጸኦም ዝዝክር እዩ። ንዕኡ ንምትግባር ከኣ ኣብ ብዙሕ ኣገዳሲ መዳያት፣ ከም ዲፕሎማሲ፣ ሚዲያን ናይ ህዝቢ ምልዕዓልን ዝኣምሰሉ ስርሖም ጀሚሮም ይርክቡ። እቶም ፖለቲካ ሓይልታት ድማ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒን እዮ። ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ውሕደት ስራሕ ዋና መሪሕ፡ (1) ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ናጽነትን ምሕላው፣ (2) ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ብናይ ህዝቢ ሓይሊ ምስዓር፣ (3) ኣብ ኤርትራ ብዙሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፣ ክምኡውን (4) ልዑላውነት ናይ ሕጊ ብምቕባል ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ናጻነቱን መሰላቱን ምርግጋጽ እዩ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




18/09/2020 22:57 PM

መግለጺ

ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን

ብምኽንያት 18 መስከረም!

ቅድሚ 19 ዓመታት፡18 መስከረም 2001 ንኤርትራን ኤርትራውያንን ነጥበ መቕይሮ ጸላም መዓልቲ ኮይና እያ ተመዝጊባ። ምኽንያቱ ንኤርትራ ሃገርና፡ ናብ ቅኑዕ መገዲ ክመርሕዋ ዝተበገሱ ኣርካናት፡ ብሓበሬታን ንቕሓትን ክስሕልዋ ከይተሓለሉ ዝሰርሑ ዝነበሩ ጋዜጤኛታትን ጸሓፍትን፡ “ዝጎደለ ክንምልእ” ብምባል ምስ መራሕቶም ዝማኸሩን ዝደጋገፉን ዝነበሩ ኣብ ኩሉ ጽሕፊ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝዓዩ ዝነበሩ ሰብ ራኢ ሃገራውያን ዝሰኣነትላ መዓልቲ እያ። Read more





18/09/2020 02:57 AM Updated

EVENT ADVERTISEMENT: Lectures on

“The Making of the Eritrean Constitution”

by Dr Bereket Habteselassie

ኣስተምህሮታት፡

`ብዛዕባ መስርሕ ንድፊ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ`

ብ ዶር በረኸት ሃብተስላሰ

[Assenna]

As part of its Building Democracy in Eritrea initiative, Eritrea Focus has worked proactively over the last 18-month to formulate a transitional blueprint from dictatorship to rule of law. The initiative has now reached a “public consultation” stage. To that end, there will be televised lectures, face-to-face as well as virtual workshops to inform and gather feedback from Eritreans in the country (where possible) and in diaspora over a period of three months. Read more

LISTEN LIVE ብቀጥታ ዝተፈነወ ኣብዚ ስምዑዎ

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





16/09/2020 22:51 PM Updated

ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

(Coronavirus COVID-19 and Prevention)

እዋናዊ ሓበሬታ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!

ኣብዚ ዓለምና ብኣዝዩ ኣስጋኢ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተለኺፋትሉ ዘላ እዋን፡ ንሃገርና ኤርትራ፡ ምስቲ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ወዲቑ ዘሎ መነባብሮ ህዝብናን፡ ኣዝዩ ትሑት ዓቕሚ ናይ ኤርትራን፡ ኩልና ሃገራዊያን ኤርትራውያን፡ ኣዚና ተሻቒልና ንርከብ ኣሎና። ንሻቕሎትና ኣዝዩ ዘጋድድ ኩነታት ድማ፡ ልዕሊ ርብዒ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ፈቐዶ ስደትን፡ መዓስከራት ስደተኛታት ጎረባብትና ሃገራትን፡ ኣብ ኣዝዩ ትሑትን ዝኸፍአን ናብራ ተጻቓቒጡ ይነብር ምህላዉ ኢዩ። ብሓፈሻ ህዝብና፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ስደት ኣብ መዓስከራትን ዝርከብ፡ ንድራር ዕለቱ ዝጽበ፡ ንጽባሕ እንታይ ከምዝምገብ ውሕስነት ዘይብሉ፡ ኣገልግሎት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዘይብሉ፡ ከምኡ`ውን ውሑስ ኣገልግሎት ጥዕና ዘይረክብን ኢዩ።

ካብዚ ሻቕሎት`ዚ ዝነቐለ እምበኣር፡ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ Read more





16/09/2020 22:51 PM Updated

Global ERITREAN JUSTICE SEEKERS INITIATIVE - TO FIGHT COVID-19

ተበግሶ ዓለምለኸ ወፍሪ

ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

(Fundraising campaign ጻውዒት ንወፈያ)

ኩልና ከምንርእዮ ዘለና ኣብዚ ኣዋን ዓለምና ብምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓቢ ቅልውላው እያ ትርከብ ዘላ። እዚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ነተን ብቁጠባውን ሰነፍልጠታውን ሓይለን ዝምከሓ ሃገራት ከም በዓል ኣመሪካ ከይተረፈ ዓቢ ራዕዲ ፈጢሩ ዘሎ፡ሓደገኛ ሕማም እዩ። ዓለምለኸ ይኣክል ነዚ ኣብ ዓለምና ኣንጸላልዪ ዘሎ ለበዳ ኾሮና ቫይረስ ንምብዳህ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ኤረትራውያን ንምሕጋዝ ናይ ገንዘብ ድለባ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።

Global Yiakl response to the Pandemic COVID 19 Disaster

In response to the pandemic Covid 19 Global  Yiakle set up fundraising task force to support Eritrean refugees in different parts of the world. Read more

See also Related ምስዚ ዝተአኣሳሰር፥-




16/09/2020 22:51 PM

ቃልሲ ህዝቢ ኣይዕገትን።

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ከመይ ቀኒኹም የሕዋት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ ሎሚ’ዉን ከም ወትሩ ‘’ቃልሲ ህዝቢ ኣይዕገትን’ ዝብል ኣርእስቲ ሒዝና፣ ሓሳብና ከነካፍል ምምጻእና፡ መስከረም ወርሒ ናይ ባዕዲ-ግዝኣት፣ ካብ ሃገርና ተባሕጒጉ ዝውጸሉ፣ ብረታዊ ቃልሲ ዝተጀመርሉን፡ እቶም ንግዝኣተ ሕጊን፣ ስልጣን ናብ ዋኑኡ ህዝቢ ክዋሃብ፣ብቅዋም እትማሓደርን ፍትሕን ዲሞክራስን ጉዑዙኡ ክጅምር ዝሓተቱ፣ ዝተሓየሩሉ ምዃና እትዝከረሉን፡ ኩሉ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ነናቱ መዘከርን፣ ምሕጽንታን፣ ለበዋ፣ ጽዊዒት ዘማሓላልፈሉ እዋን ኮይኑስ፣ ባዓጀባን ትኩርነት መልእኽቲ ሰሚዕናን ንሰምዕ ኣሎናን። Read more





16/09/2020 22:51 PM

ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን

ፖለቲካዊ ሰልፍን

ብ`ምስግና ባህታ

እዚ ኣቲናዮ ዘሎ ናይ ስቓይን ጭኮናን ዓዝቕቲ በቶም መጸውዒ ስም እናቐያየሩ፡ ብውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታት ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት ምልካውያን ውልቀ-ሰባት ዘካይድዎ ዘለዉ ፍጹም ምልካዊ ስርዓት ዝወረደ ምዃኑ ንዂልና ክዉል ኣይኮነን። ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከም ድማ እቲ ኣብ ዝለዓለ ፒራሚዳዊ ጥርዚ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ኮይኑ ብዘይ ህዝባዊ ምርጫ ፡ ብዘይ ህንጻ ሕጊ፡ ብዘይ ባይቶ፡ ስማዊ እምበር ምሉእ ስልጣን ብዘይብሎም ካቢነሚኒስትራት ን29 ዓመታት ዝግዝእ ዘሎ ፍጹም መላኺ (tyrant) እዩ።  Read more


See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር





16/09/2020 22:51 PM

ምስክርነት፡ ስድራቤትን መሓዙትን፡

ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሞንን

በዓልቲ-ቤቱ ተጋዳሊት ኣስቴር ዮውሃንስን:

Testimonies: Family and friends of

Minster Petros Solomon and

his wife veteran Aster Yohannes

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና.

ናይ ሰንበት Sunday, 13 September 2020፡ ናይ ስድራቤትን መሓዙትን፡ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሞንን በዓልቲ-ቤቱ ተጋዳሊት ኣስቴር ዮውሃንስን ኢዮም። ክልቲኦም፡ ን19 ዓመታት፡ ኣብ ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ማሕዩር ዝርከቡ ኢዮም። ዛዕባ ናይ ዘተና፦ "19 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስድራቤት ጴጥሮስ ሰለሙን ሓራ ሰባት ነይሮም እንተዝኾኑ፡ ንበዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ምስ ደቆም ኣብ ማሙቕ ቤቶም ብኸመይ የብዕልዎ ምሃለዉ?" ዝብል ኢዩ። On Sunday, 13 September 2020, our invited guest Family and friends of Minster Petros Solomon and his wife veteran Aster Yohannes. They are both in incommunicado prison, for 19 years. Our discussion topic is "How would the Petros' family celebrated this holiday month, if their parents were released from prison?".

1ይ ክፋል (13 Sep 2020)፡  2ይ ክፋል (13 Sep 2020)፡  

3ይ ክፋል (13 Sep 2020)፡  4ይ ክፋል (13 Sep 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




14/09/2020 13:12 PM

ምስክርነት፡ ስድራቤትን መሓዙትን፡  

ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ዝርከብ ጋዜጠኛ

ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኣስራት:

Testimonies: families and friends of Eritrean

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና.

ናይ ሰንበት Sunday, 06 September 2020፡ ዕዱማትና፡ ስድራቤትን መሓዙትን፡ ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ዝርከብ ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ኢዮም። ኣርእስትና፦ "እሱራትና እቶም ናይ መጀመርያ ናይ ፍትሒ ግዳያትና፡ ኣብ መስከረም ኾይና ጓሂና ብቓልስና ንደብስ!!" ዝብል ኢዩ። On Sunday, 06 September 2020, our invited guests are families and friends of Eritrean Journalist veteran, Amanuel Asrat. Our discussion topic is "Our prisoners first victims of justice, in September let heal our grievance through our struggle."

1ይ ክፋል (06 Sep 2020)፡  2ይ ክፋል (06 Sep 2020)፡  

3ይ ክፋል (06 Sep 2020)፡  4ይ ክፋል (06 Sep 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





14/09/2020 13:12 PM

ፓሊሲ ስርዓት ህግደፍ

ካብ ርእሲ ምርኮሳ ናብ ዓጸቦ

እቲ ካልእ መስርሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት

Policy of PFDJ from self reliance to famine as instrument for human right violence.

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና.

By Dr Mogos Yakob

ናይ ቀዳም Saturday, 25 July 2020፡ ዕዱም ጋሻና፥ ዶ/ር ሞጎስ ያቆብ ኢዩ። ሒዙዎ ዝመጽእ ዘሎ ሰሚናር፥- "ፓሊሲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ርእሲ ምርኮሳ ናብ ዓጸቦ እቲ ካልእ መስርሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት" ዝብል ኢዩ ክኸውን። On Saturday, 25 July 2020, our invited guest is: Dr. Mogos Yakob. His Seminar topic will be: "Policy of PFDJ from self reliance to famine as instrument for human right violence."  Read more



See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





14/09/2020 13:12 PM

The death of a friend of Eritrea

ፈታው ኤርትራ፡ ሮይ ፓትማን፡ ዓሪፉ።

[Eritrea Hub]

Professor Roy Pateman, who wrote the seminal book: “Even the stones are burning”, published by The Red Sea Press in 1990, has died. A former chair of the Eritrean Studies Association, he will be long remembered by his many friends.

ሮይ ፓትማን፡ ደራሲ ናይታ Even the stones are burning (እቶም ኣእማን እውን ይነድዱ ኣለዉ) ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸሓፈ ዝጸሓፈ፡ ከምኡ ውን ኣቦ ወንበር `ማሕበር ረድኤት ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ` ኮይኑ (1988-2000) ዘገልገለ ኢዩ። ብዙሓት ፈተውቲ ኤርትራ ወጻእተኛታት፡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮም እምንቶን ኣበርክቶን ብታሪኽ እናተዘከረ ክነብር ኢዩ። ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ገጢሙ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ ዓሚቕ ጓሂ እናተሰምዖም ዝሓለፉን ዘለዉን ውሑዳት ኣይኮኑን። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ስኒትና ንመላእ ስድራቤት ሮይ ፓትማን፡ ናይ ጽንዓት መልእኽታ ተማሓላልፍ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር




11/09/2020 23:55 PM

Isaias’ Constitution

Herui T. Bairu

Chairman of the Congress Party

Prior to the election of the Eritrean Transitional Parliament (ETM), the identity-card that was issued for the referendum was replaced by a PFDJ identity-card, thus defining the qualification of the candidates and the electorate. The ETM ratified the constitution drafted by the constitutional commission selected by the dictator. The constitution, however, was not empowered by state proclamation as the first law of the land, with the result that it was not accorded the power to come into effect.  Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር




11/09/2020 23:55 PM

ርሑስ ቅዱስ ዮሓንስ!

ንኹልኹም ኣመንቲ ክርስትና!





09/09/2020 03:28 AM

እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ፣ ንሱ ድማ ንሕና ኢና!

We Have Met the Enemy and it is Us!

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና.

By Dr Tesfamicael Ghebrehiwet

ናይ ሰንበት Sunday, 12 July 2020፡ ዕዱም ጋሻና፥ ዶ/ር ተስፋሚካኤል ገብረሂወት ኢዩ። ሒዙዎ ዝመጽእ ዘሎ ሰሚናር፥- "እቲ ጸላኢ ረኺብናዮ፣ ንሱ ድማ ንሕና ኢና!" ዝብል ኢዩ ክኸውን። On Sunday, 12 July 2020, our invited guest is: Dr Tesfamicael Ghebrehiwet. His Seminar topic will be: "We Have Met the Enemy and it is Us!"




1ይ ክፋል (12 July 2020)፡  2ይ ክፋል (12 July 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




09/09/2020 03:28 AM

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከነዕዝዝ፡

እንታይ ተወሳኺ እንተገበርና ይሓይሽ

ኣብ ዝብል ዛዕባ ንማኸር።

In the interest of Justice-movement, Let our discussion focus on what should be done?

ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና.

By Veteran Goitom Mebrahtu

ናይ ሰንበት Sunday, 14 June 2020፡ ዕዱም ጋሻና፥ ኣቶ ገዲም ተጋዳላይ ጎይትኦም መብራህቱ ኢዩ። ሒዙዎ ዝመጽእ ዘሎ ሰሚናር፥- "ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከነዕዝዝ፡ እንታይ ተወሳኺ እንተገበርና ይሓይሽ ኣብ ዝብል ዛዕባ ንማኸር።" ዝብል ኢዩ ክኸውን። On Sunday, 14 June 2020, our invited guest is: Veteran Goitom Mebrahtu. His Seminar topic will be: "In the interest of Justice-movement, Let our discussion focus on what should be done?"


1ይ ክፋል (14 June 2020)፡  2ይ ክፋል (14 June 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




05/09/2020 02:25 AM

ስልጣን መንግስቲን

ኣድላይነት ናይ ስልጣንን ግዜን ገደብ

ገብረየሱስ ወልደሚካኤል

ስነ-ማሕበራዊ ተመራመርትን ታሪኻ ጸሓፍትን ከም ዝገልጽዎ፡ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ብዝተፈላለየ ዘይተወደበን ዝተወደበን ኮማዊን ማሕበራዊን ጥርናፌታት ሓሊፉ እዩ ኣብዚ ዘልናዮ መድረኽ በጺሑ። ዘመነ ፊልመ-ዴስነት ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ሃድንን ምእራይ ፍሬታትን ሰረት ዝገበረ ጉልበታዊ ስራሕ ተዋፊሮም ድራር እለቶም ይምእርሩ ነይሮም ይብሃል። ዘዋህለልዎ ኩሉ ዓይነት እትዋቶም ብዘይ ኣፈላላይ ተኻፊሎም ተመጊቦን ለቢሶን ንኣራዊት (እንስሳ ዘገዳም) መኪቶም ብሓባር ይነብሩ ከምዝነበሩ እዩ ዝንገር። ጸኒሑ ዝሳዓበ መድረኽ ክኣ፡ ብሕታዊ ምውናን ንብረትን ጥሪትን፡ ናተይ ንታካ ዝብል ምፍልላይ ዋንነት ፈጢሩ። ምስኡ'ውን ከይደንጎየ ጽምዲ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ዝመሰረቱ ስድራ-ቤታት ክቖማ ጀሚረን። ምስ ምጅማር ሕርሻዊ ማእቶት ድማ ምጅማር ወዳቤ ቀዋሚ ዓድታት ስዒቡ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




05/09/2020 02:25 AM Updated

መቃበለት ምስል ገዲም ሜሔርባይ

ምናድል ዑስማን እድሪስ ዐሊ (ከዕላይ)

Interview with

veteran Osman Idris Ali (Kaalay)፡

[Radio Saeyob]

  1ይ ክፋል (21 Aug 2020)፡   2ይ ክፋል (28 Aug 2020)፡  

  3ይ ክፋል (04 Sep 2020)፡  4ይ ክፋል (11 Sep 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




05/09/2020 02:25 AM

ኤርትራ

ካብ ሰማይን ምድርን ክትረኤ

ብ`ገብረዝጊ ኣፈወርቂ

እታ ተወሊድና ዝዓበናላ መሬትና ኣብ ጊዜ ንእስነትና ዝመረጽናዮ ዓይነት ጸወታ ኣብ ምድሪ ክንጻወት፣ ከብቲ ከነጓሲ፣ ተመሃሮ ካብ ናብ ቤት ትምህርቲ ክንመላልስ፣ እቶም ኣብ ከባቢ ባሕሪ እንነብር ኣብ ባሕሪ ክንሕንብስ ዓሳ ክንገፍፍ፣ ምስቲ ጽቡቅ ኩነታት ኣየር ኣብ ጊዜ ክረምቲ ማይ ዝሃርመሉ: ማሕረስ ብበዓል ጨላይ ኩሒል ዝሕረሰሉ: ሳዕሪ ለምለም መሊኡ ኩሉ እንስሳ በሊዑ ዝጸግበሉ ኣሓ ብዓል ሐምራ ጽለል ጸባ ዝሕለባሉ፣ ጽድያ ሐረስታይ እኽሊ ዝዘርኣሉ፣ ቀውዒ ሸዊት ዕፉን ድንሽ ዝብላዓሉ: እኽሊ ዝእከበሉ፣ ሓጋይ ዝናብ ዘቛረጸሉ: መገሻ ናብ መርዓ ንግደት ዝበዝሓሉ ካብ ቀረባን ርሑቕን ገሽካ ብሰላም እትምለሰሉ ዝተዓደልናዮ ጽቡቕ ጊዜ ኢዩ።  Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




03/09/2020 23:55 PM

ባሕቲ መስከረም

ግጥሚ፡ ብተሸመ ወልደሚካኤል

ሓደ መስከረም ጀማሪት ባና ሓርነት

ንብረታዊ ቃልስና፡ በሪ ዝኸፈተት

ኣብ ዓዳል ዝተባህለ፡ ኣጻምእ በረኻታት

ፈላሚ መቓልሕ፡ ብዓዋተ ኣድመጸት።  Read more




01/09/2020 23:55 PM

2021 ህላወ ልእላዉነትና;

ማንታ ተስፋ ዶ? ማንታ ሃፋ?

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ

ሎሚ ግዜ ንዓለምና እቲ ዘይምሕር ኮቪዳ 19 ቢሕትዋ ምህላው ካብ ህዝቢ ዓለም እተኸውለ ኣይኮነን ብጀካ ንፍላይ ማንትኡ ስርዓት ህግደፍ ገዲፍካ ማለት እየ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብና ንምጽናት ማንትኡ ኮቪድ 19 ምርካቡ ጽብቅ ኣጋጥሚ ኮይንሉ ኣሎ። ምስኪን ህዝብናን ሃገርናን ድማ ግዳይ ናይ ዚ ማንታ ቨይረስ ኮሮና19ን 91ን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ንኹሎም በዚ ማንታ ኮሮና ቨይረስ 19ን ኮሮና ህግደፍ-91ን ግዳይ ዝኾኑ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ንቤተ ሰቦምን መቅረቦምን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበልኩ ድማ ናብ ጽሑፈይ ይቅጽል።  Read more




01/09/2020 23:55 PM

ዋሳ ብርፍ ለመለም ስላሑዂ ግርጋ ላዂ እረረትሪ-1961

ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊናዂ-ኤርትራ/ሆደ

ሰልፋ አርባ እረረትሪ 59 አመሪ ጃብ ሕርየት መታን እንሽኽድ ለመለም ብርፍ ዪነሪ ግርጋ ግን፡፡ እና ግርጋ ንሂቲ ቋላዂድ ፈርዕ እክባ ምርቛ ብሊኑኽ ኤርትርያ/ሆደር ስጝድ ዋሳ ሽፍሽፋ ግን።

ናውክ ኮልኽር ዲያስፖሪልኽር፡ መንደርትናኽር ሆደ ይነሪት ሓሸምድነሪ ለበዉዲ ድደዉዲ ከዉታትሲ ኣኽን ሓዉየው ይና ልጝንትዲ ይና ከረምዲት ሚኽርጝኒ ንደንቢ ኒሰና ዕምጭ ገምጚን ለብኪስረሪ ኣኽቶ ጉድነሪ ብሀሪ ባሕሮ ግን። ኮዉታት ኤረትሪዉ እና ሆደትል  ብርዲ ማልዲ ኡኖዉ ባሕ ከብተጚን  ፈተሽነሪ ግርጋ ኽር ግን። ክብተዉሲ መልእድነሪ ጃብራ ፈር ደርብሲ ዓለምረሪ ኽር ግን።

 Read more




01/09/2020 20:55 PM

1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ድሕረ ባይትኡን

ወደብ ቴድሮስ

ህዝቢ ኤርትራ፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዘሕለፎ ፈታኒን፣ ክብርታቱ ዝባሕጎገን ኣተሓሕዛ ባዕዲ፣ ምስ ምምጻእ እንግሊዝ ፍታሕ ክረክብን ዓዱ ባዕሉ ከመሓድርን ተስፋ ኣሕዲሩ ነበረ፤፤ ይኹን እምበር: ምምሕዳር እንግሊዝ: እግሩ ከይኣተወ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ሓደገኛ መስመሩ ብምኽታል: ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዝገበረሉ ሓዲሽ ክስተት ክጠልም ደኣ ተራእየ። ነቶም ኣብ ግዜ ፋሽሽታዊ ስርዓት ጥልያን ኣብ ኤርትራ ኣማሓደርቲን ሰበስልጣናትን ዝነበሩ ኢጣልያውያን: ኣብ ስልጣኖም ከምዝቅጽሉ ብምግባር: ንሕብረተሰብ ኤርትራ ፍጹም ብዘዋርድ መንገዲ ኣጓነይዎ።  Read more

See Also ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




01/09/2020 20:55 PM

LIBERTY: Bi-Monthly English Organ of the

Eritrean People’s Democratic Party - EPDP

July –August 2020  Issue #64

TIME FOR WORLD DEMOCRACIES TO HEED THE CRY OF A COLLECTIVE VOICE OF ERITREAN ACTORS.

The world is well aware of the proud role of peace-loving, progressive and democratic forces of the globe during the period of decolonization in the last century. Unfortunately, these same forces have not played their full part in support of peoples when erstwhile “liberators” turned tyrants, especially in Africa.  Read more

See Also ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




01/09/2020 10:00 AM

ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 1961

Commemorating September, 1st 1961

(01 September 2020 at Hdri Jeganuna)

With: Dr Karar Hamid Idris Awate &

Veteran Mohammed B. Blata

ዕዱማት ኣጋይሽ፦ (1) ገዲም ተጋዳላይ ኣያና መሓመድ ብርሃን ብላታ (2) ዶ/ር ከራር ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡

Invited Guests: (1)  Veteran Mohammed B. Blata (2) Dr Karar Hamid Idris Awate  

1ይ ክፋል (01 Sep 2020)፡  2ይ ክፋል (01 Sep 2020)፡  

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




01/09/2020 23:55 PM

መልእኽቲ

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ብምኽንያት 1 መስከረም

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

Ambassador Andebrhan W/G Message to the people of Eritrea, on the occasion of commemorating 1st September 1961, the beginning of Eritrean Peoples' Armed liberation struggle.

[Eri-Platform]

               English     عربى      ትግርኛ





01/09/2020 23:55 PM

እቲ ዘየደቅስ፡ ስክፍታ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ ሎሚ እዉን ከም ወትሩ እቲ ዘየደቅስ ስክፍታ ዝብል ኣርእስቲ ካብ መጺሔት ሓዲሽ ልደት ሓርነት፡ብሓይሎት ክፍሊ ሓቤረታን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ፣እትዳሎ ዝነበርት ከም ቀዳማይ ሕታም ግንቦት 24 2011 ዝወጸት፣ዓበይቲ ኣርእስትን ትምህርትን ዝሓዘለት፤በቲ ሽዑ እተልዕሎን ንዘተን ትምህርትን፣ተቕርቦ ዝነበረት፡ዘድሊ ምላሽ ዘተይርኽቦ ኢልና ንኣምን። …  Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





01/09/2020 20:55 PM

ዕድመ ንኣኼባ

ኣባላት ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን

ዕለት፡ 05 መስከረም 2020 ሰዓት 03፡30 ድሕሪ ቀትሪ ቦታ፡ Trumstr. 3, 50733 Köln

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር!!

ሰላምታ ብምቅዳም፡ ኣብ ሂወትኩም ጥዕና ኣብ ስራሕኩም ድማ ዓወት ንምነ።

ኩልና ከምንፈልጦ፡ ብዕለት 18 ጥሪ 2020 ኣብ ዝገበርናዮ ኣኼባ ምንቅስቃስና፡ ንኩነታትን ንጥፈታትን ህዝባዊ ምንቅስቃስናን ከምኡ ውን ብደረጃ ጀርመን ንዝወዳደብ ዝነበረ ምትእኽኻብ ናይተን ምንቅስቃሳትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ኣመልኪትና ዘቲና ኔርና።  Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦






Snitna: Code of Conduct

መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

[Snitna.com  ስኒትና]

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more


























Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print