2021 ህላወ ልእላዉነትና ማንታ ተስፋ ዶ ማንታ ሃፋ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/09/2020 23:55 PM

2021 ህላወ ልእላዉነትና
ማንታ ተስፋ ዶ ማንታ ሃፋ

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

2021 ህላወ ልእላዉነትና ማንታ ተስፋ ዶ ማንታ ሃፋ?

2021 ህላወ ልእላዉነትና ማንታ ተስፋ ዶ ማንታ ሃፋ?
ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

ሎሚ ግዜ ንዓለምና እቲ ዘይምሕር ኮቪዳ 19 ቢሕትዋ ምህላው ካብ ህዝቢ ዓለም እተኸውለ ኣይኮነን ብጀካ ንፍላይ ማንትኡ ስርዓት ህግደፍ ገዲፍካ ማለት እየ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብና ንምጽናት ማንትኡ ኮቪድ 19 ምርካቡ ጽብቅ ኣጋጥሚ ኮይንሉ ኣሎ። ምስኪን ህዝብናን ሃገርናን ድማ ግዳይ ናይ ዚ ማንታ ቨይረስ ኮሮና19ን 91ን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ንኹሎም በዚ ማንታ ኮሮና ቨይረስ 19ን ኮሮና ህግደፍ-91ን ግዳይ ዝኾኑ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ንቤተ ሰቦምን መቅረቦምን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበልኩ ድማ ናብ ጽሑፈይ ይቅጽል።

ብ1993 ኣብ ክልል ሲዳማ ዋና ከተማኣ ኣዋሳ ኢትዩጵያ ዑደት ኣካይደ ነይረ። ገለ ሰባት ተደናገጽቲ ናይ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኣብ ድያስፖራ ዘለው ስም ከተማ ኣዋሳ ክሰምዑ እንከሎ ብፍላይ ቅድሚ ፍልስፍና ናይ ምድማር ዝነበረ ግዜ መቸም ጉድ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ኣዋሳ ዝተገብረ ኣኬባ ዋዕላ ደንበ ተቋውሞ መንገዲ ፍትሒ ንምንዳይ ምኻን ተሪፉ፡ ንሃገርና ምኽሓድን ምሻጥን ኮይኑ ዝሰፈረ ኣብ ኣእምሮኦም እዩ ዝዝከሮም። እንተ ሎሚ ግን ዘውዲ ሃጸይ ክደፍእ ባዕሉ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ ከተማ ኣውሳ ከይዱ። ልቡ ብሓጎስ ጎሲዑ ከም ሕንጢት ኣዒንትና ክሳብ ዝደጉሓና ዓንቀሩ ከፊቱ ክሳራሰር ድማ ተዓዚብና። ወይልኦም ድኣ እቶም ሓቂ መሪራቶም ሓሞቶም ዝፈሰሰ መልሓሶ ንምንካስ ትብዓት ዝሳኣኑ። ሕጂ ግን እቲ ንሕና ንሱ ዝብልዎ መራሒኦም ድማ ሕራይ ገይሩ መን ምኻኑስ ነጊርዎም ኣሎ። እንተ ኾነ ግን እቲ ናይ ዚ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጂ ኢሰያስ ንህዝብናን ሃገርና ንምጥፋእ ጽባሕ ጽባሕ ንኣዲስ ኣበባ ዞኽዞኽ ምባል ሓላል ኮይኑ ነቶም ምልኺ ዝንባህቁ። በኣንጻሩ ድማ ደንበ ተቃዉሞ ኤርትራ ናብ እቲ ምልኪ ጸሊኡ ተሰዲዱ ዘዕቆበ ህዝብን መሬት ትግራይን ምውራድ እንታይ ሓጥያት ኣለዎ፧

ርእሰነገር ናይ ጽሑፈይ ከም ወዮ “ስም ይመርሕ ጥዋፍ ይበርህ” ዝብሃል ምኻኑ ካብ ኣርእስቲ ጽሑፈየ ካርታ ሃገርና ዘተኮረ ምኻኑ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ ጽሑፉይ ዓይኑ ዘዕረፈ ንዘለዎ ህልው ኩነታትና ምጥሓስ ልእላውነትና መን ምኻኑ ዝነጽር እዩ።

ድሕሪ እቲ ጉልባቡ ዝቀልዕ ክድዓት ናይ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ብዕሊ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ብኣይከሰርና ምእዋጁ እቲ ሓቀኛ ዱጉል መንነት ተልእኽኡ ኣጋሊጹ። እቶም ሰብ ተራ መሻርኽቲ መንነቱ ዝኾኑ ድማ ንምጽናት ህዝብናን ንምጥሓስ ልእላውነትና መሬትናን ክሊ ማይን ንምትግባር ሕዱር ሕልማዊ ዕጥቁ ዝዓጠቁ። እዚ ድማ ናይ ግዜ ሕቶ ኮይኑ ምስ ዕድመ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዘብቅዕ እዩ።

ንገዛእቲ ስግር ባሕሪ ዝኾኑ ባዕዳውያን ዝተከአ ናይ ስግር መረብ ዝኾነ ገዛኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ከመይ ኢሉ ኣብ ሃገርና ዕንወት ጀሚሩ፧ ብባህሉን ቋንቁኡን ንምቅያር ዝወስዶ ስጉምቲ ካብ ስርዓተ ትምህርትና ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ምዓልታዊ ሂወትና ብዝዕንቅፍ ኣደራዕ ገዚኡና። ኣብ መመገቢናን መስተይናን ከይተረፈ ምስሎምን ባንደሬኦምን ኣስፊሮ ኣብ ምስጋና ምስ ንፈጣሪና ከይተረፈ ተቃጺጾምና። ሓቂ ክንዛረብ ወረ ገሊኤና ገና ተዘክሮታትና ኣይሃሰሰን ኣሎ። ኣብ መኣዲ ተቀሪብና ኣብ ሸነኽ ቅድመይ ባንዴራኦም በጺሓትኒ፡ ኣይደልያን እናበልና ሰላም ዘይብላ መኣዲ ኮይኑ ኣቱም ቆልዑት በስምኣም ኢልኹም ዘይትበልዑ እተባህልናሉ ግዜ ምንባሩ ሎሚ ትዝታ ዕድምይ ይምስክር እዩ።

ትዕዝብቲ ካርታ ሃገርና ንቡዙሓት መንእሰያትን ቆልዑት ካብ ወለዶ 60ታት ናብ ዝስዓበ ወለዶ 70ታት ዝነበረና ገለ ተዘኹሮታተይ ክገልጽ። ሌላይ ምስሊ ካርታ ሃገርና ብልክዕ መሰታ ዕድመ ፈደላት ዝቆጸርኩሉ ግዜ እዩ ዘለዋ። ኣብ ግዜ ህጻንነትና ናብ ትምህርቲ ወፊርና ንማሃረሉ ባዕዳዊ ቋንቋ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓተ ትምህርትና ሰሪጹ። እዚ ከይኣክል ዝነብርና ጥራውዝቲ ኣብ ገበሩ ናይ ገዛእትና ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ስድራቤቶም ዘለዎን ስእሊ እዩ ዝነበረ። ከም እውን ኣብ ግዜ ደርጊ ድማ ገበር ጥራውዝትና “ኢትዮጵያ ትቅደም” ዝብል ጽሑፍ ዘለዋ ካርታ ኢትዮጵያ ንልእላውትና ሃገርና ክሳብ 1991 ዝነበረ ዝጥሓሰ እዩ ነይሩ። እዛ ሎሚ ኣብ ጎደና ከተማ ጎንደር ኣብ ግዜ ብዓል ጥምቀት ዝተርኣየት ካርታ ልእላውነትና ዝጥሓሰት ብኣንባሳደር መምህር ሰመረ ርእሶም ተሰኒዩ ምርኣይና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ንናጽነትና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ዜጋታትና ብጽንዓት ተቃሊስና ዝመጸት ሃገር ሎሚ ግን ንታሪኽ ኪሒዶም ኣብ ኣይከስርናን ሪዒሞም ንጥፍኣትና ደው ዝበሉ ምስ መላፍንቶም ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ እቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ዜጋታተና ዝነብሮም ሕልሚን ራኢን ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝነበረ መሰልና ተኸቢሩ ልእላውነትና ዘኸበረት ካርታ ምርግጋጽ እዩ ነይሩ። በቶም ሽዑ ኣብ ስደት ዝነበሩ ዝተሓትመ ካርታ ኤርትራ ዘለዋ ማልያ ንመጀምርያ ኣብ መዋእል ዕድመይን ዕድመ ገድለይን ብ1986 ለቢሰ። እታ “

ኩሉ ድሕሪ ሃገር

” ዘለዋ ጽሑፍን ካርታ ኤርትራ ዝተሳእለታ ማልያን ምስ ብዙሓት ብጾተይ ተኸዲነ። ካብቶም ነዚኣ ዝለበሱ ተጋደልቲ ብዙሓት ክስውኡን ክስንክሉን እንክለው ገለ ውሑዳት ድማ ናጽነት ሪኢና ከነብቅዕ እንተ ኾነ ግን ሎሚ ዘምጻናያ ሃገር ብድሕረና ገዲፍና ተሰዲድና ንርክብ ኣለና። ገለ ካብ ዚኦም ውን ሎሚ ንሕልፈት ካብ ዝትሓየሩ ሓደ እታ ናይ ሜዳ “ኩሉ ድሕሪ ሃገር” ዘለዋ ጽሑፍን ካርታ ኤርትራ ዝተሳእለታ ደማቅ ሰማያዊት ማልያ ለቢሱ ካብ ዝጠለላ የዒንተይ ዘይክወሉ ተጋደልቲ ሓደ ሓርበኛ በራኺ ገብረስላሴ እዩ። ትግባረ ጭርሖ “ኩሉ ድሕሪ ሃገር” ዝብላ ዝነበራ ማልያ ናጽነት ድማ ጋህዲ ኮይኑ።

እንተ ኾነ ግን ኣበይ ኣለው ኩሉ ድሕሪ ሃገር ኢሎም ሓዳሮምን ደቆምን ገዲፎም እተጋደሉን ሃገር ዘውሓሱ ይካኣሎን ዋርሳይን፧ ዓለም ዝፈልጦ ናይ ሰናይቲ ደባሳይ ደርፊ “ኩሉ እንትናይ ንዓኺ ንሃገረይ ንሃገረይ ኢላ ታጋዲላ ኣጋዲላን ንዝመጸት ሃገር ግን መሰልና ዝግህስ ስርዓት ኮይና። እምቢ ንመሰለይ ብምባል ድማ ፍትሒ ቦኺሩ ኣብ ማሕዩር ዝሰፈሩ ውሑዳት ኣይኮኑ።

ሎሚ መቀጸልታ ዝሓለፉ መግዛእታዊ ስርዓት ዝኾነ ስርዓት ሕልማዊ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስን ደቂ መዛምርቱን ዝኾኑ ድማ ኣብ ህዝብናን ልእላውነት መሬት ካርታ ዝለዎም ሽርሒ እስኺ ንመልከት። ኣብ ኣስመራ ዝፈሪ ዝነበረ ማልያታት ደረጃ ብቅዓቱ ሰረት ካብ ቀደም ፋውሪካ እንዳ ባራቶለ ዝሓለወን እዩ ነይሩ። ኣብኡ ዝፈረየ ንልእላውነትናን መሬትናን መለለይ ሰንደቅ ዓላማና ካርታ ሃገርና ዝሓዘ ተሓቲሙ ንዕዳጋ ይቀርብ ነይሩ። ሎሚ ድማ ገለ ካብ ኣተን ብስርዓት ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ ዕጭአን በጺሑወን ካብ ሕትመት ተኣጊደን ይርከባ። ንካርታ ሃገርና ንምሕዋስ ንሕልሙ ንምትግባር ብዘይ ዕረፍቲ በብቁሩብ ንኸላማሙዱና ክጽዕሩ ጸኒሖምን ኣለውን። እዘን ክልተ ማልያ ካርታ ሃገርና ዝሓዛ ብሰእሊ ኣቅሪበየን ዘለኹ ፍጹም ካብ ሕትመት ጠጥው ኢለን። ካብ ዕዳጋ ካብ ዝስወራ ነውሕ ግዜ ገይረን ኣለዋ። ሎሚ እዚ ሕሳስ ልደ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ንሕልሚ ዓባይ ኢትዮጵያ ገና ይሳሓግ ኣሎ።

ካብ ዕዳጋ ዘጥፍእ ካርታና ዝሓዛ ማልያ ብስርዓት ኮቪድ-91 ህግደፍ

ንቃዳማይ መድረኽ ቃልሲ ንምግላጽ ክጋደል ወጺኤስ ተሰዲደ ተባሂሉ። እቲ ምስዳድ ግን ውርሻ ግዲ ኮይኑ ኣብ ግዜ ናጽነትና ድማ ብልዑ ናህሪ ፍልሰት ኣኸቲሉ ኣሎ። ኣብ ቁልዕነተይ ካብ ዘርከብኩሉ ሃገራዊ ድርፍታት ሓንቲ መሸላ ወላኹ መሸላ ወላኹ ኤረይ ሲኢነያ ደኒነ ይንብዕ ኣለኹ እናበልና ደሪፍና ሱቁ እውን ኣይብልናን። ብኹሉ መዳይ ቃልሲ ተጋዲልና እተኸፍለ ተኸፊሉ ካብ ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጽነት ተርኺቡ። ሕጂ ድማ ናጽነት መጺኣስ ዝእሰርን ዝሕየርን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ድማ ተሰዲዱ ሎሚ ውን መሸላ ወላኹ መሸላ ወላኹ ኣብ ማይ ተኣሊኹ ፍትሓዊት ኤረይ ሲኢነ ደኒነ ይነብዕ ኣልኹ ምባልስ ተሰዲድና ውን ኣየዕረፍናን።

ሎሚ ግን እዚ ኣተን ጥራይ እየን ኣብ ዕዳጋ ዘለዋ፤ ኤርትራ ሃገረይ ምባል ነውሪ ተቆጺሩ

ን30 ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ኣካይድና ናጻ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኾነት ሃገር ኣምጺና። ሎሚ ሃገርና እዛ 29 ዓመት ናይ ናጽነት ግዜ እዃ እንተ ኣቁጸረት ሎሚ ግን ውህሉል ሓድነታዊ ድኽመትና ሳዕሪሩ ናይ ናጻ ሃገርና ህላወና ዕድመ ክንዮ 30 ዓመት ንኽይክይድ ዘስክፍ መድረኽ በጺና ምህላውናስ ዘሻቅል እዩ ጥራይ ምባል በዘይ ስጉምቲ ግን ብልእላውነትና ሃገርና ምጥላዕ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ስለዚ ንዘለና ተስፋ ንምጭባጥ ጡሙር ሓድነታዊ ቃልሲ ነሳሲ።

ብዛዕባ ካርታ ካብ ተላዕለ ካብ 1992 ኽጅምሮ እቲ ነገር ሓደ ምሽት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ባር ናይ መስተ ግዜ ተጀሚሩ ወጃዕ እናበልና ንዛናጋዕ ነበረና። ኣብ ሞንጎ ነታ ዜና ወዲኣ ትንቢት ኩነታተ ጠባይ ኣየር (weather) ትህብ ዝነበረት ኢትዮ ቲቪ በይኑ ኮፍ ኢሉ እናሰተየ ዝከታተል ዝነበረ መስትኡ ገዲፉ ካብ ኮፍ ዝበሎ ተንሲኡ ርእሱ ሒዙ “ወይ ጉድ…ወይ… ጉድ” እናበለ ብዓውታ ከጭድር ተሰምዐ። ጋሼ ምነው፧ ደህና ኖህ ሆይ፧ ተባሂሉ። ዝሃቦ መልሲ ድማ፤ “አረ አረ ጉድ ኮ ነው ኣታይትም ብሎው ብሎው ኣገሪቱ ገንጠሉት ኣንገትዋን ቆረጡት ወይኔ ወይኔ መስኪን ኣገሬ ኢትዮጵያ” እናበለ ኣልቂሱ። እዚ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ካርታ ኢትዮጵያ ብዘይ ኤርትራ ኣብ ኢትዮ ቲቪ ከተቅርብ ዝጀመረትሉ እዋን እዩ ዝነበረ። “ሐሕማምካ ረስኒ” ኣነ ድማ እታ ኣብ ዘየርክባ ዝተሰቅለት ኣረጊት ካርታ ኢትዮጵያ ወግሐ ጸብሐ ምኣስ ኮን ትወርድ እናበልኩ ዓመት ዓመት ኮቋምት ዓመታት ሓሊፉኒ እዩ ነይሩ። ኣብ ዘየርክቦ እተስቅለት ካርታ እሞ ይጽንሓለይ። ዕድመ ናጽነት ሃገርና 10ይ ዓመት ኣብ ዝቁጸሩ ኣነ ተሰዲደ ኣብ ኤውሮጳ እግረይ ኣንቢረ። ነቲ ዘይፈልጦ ብጀካ ቅድሚ ምስላፋ ንሜዳ ሞያኣ ኮይኑ ምምህርና ንስውእቲ ሳባ ጊደይ ቅጽል ስማ ዝነበረ ሳባ (ፍረንቺ) እናዝከርኩ ሓድሽ ቋንቋ ፈረንሳ ክማሃር ተመዝገብኩ። ኣብ ሓደ ኽፍሊ ደረጃይ ክልተ እዝነይ ንቋንቋ ፈረንሳ ጸማም ምኻይኑ ተገምጊሙ። ምስ ከማይ ዝኣመሰሉ ካብ እተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኤስያ፡ ምብራቅ ኤውሮጳ ዝተሰደዱ ዝርከብዋ ክፍሊ ተመደብኩ። ኤርትራዊ ሙኻን ድዩ ዘጉሂ ወይስ ንኤርትራዊ ተፈጢሩ ጓሂ፧ ክብል ዝደረኸኒ ድማ ረዚን መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናያ ልእላዊት ሃገርና ገዲፍና ተሰዲድና ከይኣኽለናስ፡ ኣብታ ክፍሊ ምስ ኣተኹ ኣብ ዘርክባ መንደቅ ናይ ቀደም ካርታ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ሓደ ሃገር ከም ዝኮና ዝሓዘት ካረታ ተሰቂላ ርኣኹ። ማለት ንቅድሚ ናጽነት ንልእላውነትና ዝግሃሰ መግዛእታዊ ካርታ ተሰቂላ ጸንሓትኒ። በዚ ድማ ኣዝየ ሓሪቀ ሰራሕ መምህር ሰሎሞን ምስራሕ መሪጸ። ስነ ጥበባዊ መምህር ሰሎሞን ገብረእግዛኣብሄር እተዋሳእዋ 40 40 ትብል መስሓቅ ተዋስኦ ኮይኑ። ቋንቋ ፈረንሳ ክምህረና ዝተመደበ መምህር ዳኒኤል ዝተባህለ ጻዕዳ ፈርንሳዊ ዝመቦቆሉ እዩ ዝነበረ። መባእታ ትምህርታዊ ሕቶ መምህር ዳኒኤል መን ስምካ፧ (Comment vous appelez-vous?) ትብል ሕቶ ብቋንቋ ፈረንሳ ንኹልና በብሓደ ነበረት። ተርታይ በጺሑ እንተ ኣነ ሕርቃን ናይ ዛ ኣብ ቅድመይ እተሰቅለት ካርታ ኣሎኒ። ኣነ ኤርትራዊን እየ። (Je suis érythréen) ኣነ ካብ ኤርትራ መጺኤ (Je viens d’Érythrée). ዝብላ ሙሉእ ሓሳባት ብቋንቋ ፈረንሳ ግርም ጌረ ደጋጊመ ይምልስ። ተማሃሮ ብጌጋ መልስይ ይስሕቁን መን ሽምካ እዩ ዝብለካ ዘሎ፧ ኣንታ ስቅበሉ ዝራእዮ ዘልኹ ተርጉሙለይ ኣይበልኩኹምን ኢለ ኣብ መልሰይ ደረቁ በዚኣ ድማ እታ ዝነበረት ክፍለ ግዜ ናይ ትምህትና ተወዲኣ። ነዚ ሎሚ ኣብ መሬት (ባይታ) ዶብ ምሕንጻጽ ንኽትግበር 20 ዓመት ኣቁጺሩ ዘሎ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ። ነታ ኣብ ባይታ ብቀሕይ ደምና ዓጽምናን እተረኽበት ሃገር ኣብ ወረቀት ካርታ ካብ ቀይሕ ቀለም ኣይትሕለፍ ድኣ ኮነ ነገሩ። ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ድሕሪ ሰብ ተሪፈ በዛ ፒሮ ብምሕንጻጽ ንካርታ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ፈልኹዋ። ኣብ ዛ ክፍሊ ከምቲ ዝብልኩኽም ናይ እተፈላለና ሃገራት ሓተቲ ዕቁባን ተማሃሮ ቋንቋ ፈረንሳን ኢና ዝነበርና። ካብ ዚኣቶም እቶም ከልተ ወድን ሓንቲ ጓልን ኢትዮጵያውያን ኣነ ድማ ሳልሳይ ርእሰይ ሓንቲ ጓል ትርከበና ኤርትራውያን ምስ ካልኦት 7-8 ብድምር 11-13 ኣቢሉ ነይሩ ቁጽርና። ስርሐይ ሰሪሐ ከም ብዓል ድሓን ድሕሪ ኩሉ ናብ ዛ ክፍሊ ተመልስኹ። እታ ኢትዮጵያዊት እየ ብሃሊት ኣብዛ ክፍሊ ዓቢዳ ዓቢዳ መን እዩ ዛ ካርታ ኣባላሽይዋ፧ ሪኢኹሞ ዶ፧ ዘባላሸዋ ሰብ እንዳ በለት ታዕታ ክትብል ጸኒሓትኒ። ኣንቲ እንታይ ተረኺቡ ድኣ ክንድዚ ታዕታዕ፧ ኣባላሽዮማ ኣባላሽዮማ!! እንታይ እዩ ተባላሺያ፧ ኣይትርእን ዲኻ እዛ ካርታ፧ በለትኒ። ዝረባና ድማ ኩሉ ናይ ባዕዳዊ ቋንቋ ኣምሓርኛ እዩ ዝነበር። እዚኣ ድኣ ሕጂ እንበር ኣስተኻኺሎማ ምስ በልኩዋ ብሕርቃን ተቃጺላ ናብ ቤት ጽሕፈት ከይዳ ንፈረንሳዊ መምህር ዳኒኤል እተፈጥረ ነጊራ ሒዛቶም መጸት። መን ገይርዎ ተባሂሉ፧ መልሲ የሎን እስኻ ኢኻ ተባሂለ። መልስይ ድማ እቲ ሕቶ መን ገይርዋ ኣይኮነን። ኣነ ናብ ዚ ቤት ትምህርቲ ቋንቋኹም ክማሃር እየ መጺኤ እንበር ታሪኽ ሃገርይ ተባላሽዩ ክርእይ ኣይኮንኩን። ግዚኡ ዝሓሎፎ ካርታ ጌርኩም ዘየሎ ታሪኽ ክትምህሩ ትፍትኑ ዘሎኹም ናይ ቤት ጽሕፈትኹም ጉድለት እዩ ። ታዕታዕ ካብ ታዕታዕ ኣይሕለፍ ሕጂ እያ ቅንዕቲ ካርታ ዝኾነት በልኩ። እታ ኢዮጵያዊት ከመታ ዝነበረታ መተካእታ ኣብ ዛ ክፍሊ ክትመጽእ ኣለዋ እናበለት ኣሻፈረኛ በለት። ኣነ ድማ ዘይቅንዕቲ ካርታ ኣብ ዚኣ ክትስቀል የብላን ብምባል ታዕታዕ ኮነ። እዚ መምህር ነቲ ዝተዋህቦ መልሲ መሰረት ገይሩ ንዝተፈጠረ ዕግርግር ንምህዳእ ነታ ካርታ ናብ ቤት ጽሕፈት ተወሲዳ ብኣ ጌራ ካብታ ክፍሊ ጠፊኣ። ኣነ ’ን Merci beaucoup! ኢለ።

እታ ሕቶ ሰብ ብቀሊሉ ኣብ ዘየርክባ ኣብ ልዕሊ ዓቢ ህንጻ እተሰቅለት ካርታ ኣበይ ድኣ ነበረ ፧ መልሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብግዜ ደርጊ ናይ ቀደም ካርታ ኢትዮጵያ ማለት ንኤርትራ ከም ግዝኣታ ገይሩ ዝሓዘት እያ ዝነበረት። ስርዓት ደርጊ ወዲቁ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብ ኢሂወደግ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ቆይሙ። ዝብኢስ ክሳብ ዝደሉ ይሕንክስ ድዩ ዝብሃል፧ ንልእላውነት ናጽነት ኤርትራ ንኣምሰሉ ዘኽብር ፖሊሲ ዝኸተል ኮይኑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኣብ ጥቃ መስቀል ኣደባባይ ወይ ስታድም ዝርከብ ብወጊዒ ናይ መጀመርያ ኤንባሲ ኤርትራ ተኸፊቱ። ሎሚ ብጀካ እቲ ኣብ መራኸቢ ቡዙሃን ይቱብን ፈይስ ቡክን (youTube and Facebook) ከምኡ ድማ ኣብ ዛ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ካርታ ልእላውነት ጊሂሱ ቀሪቡ ነይሩ። ነዚ ድማ ብፍላይ ካብ ድያስፖራ ንዝመጾ በዳሂ ተቃውሞ ይቅረታ ምሕታቱ ኣይርስዓን እዩ። እንተኾነ ግን ብዙሕ ሰብ ዘገረመ ንሓደ መዓልቲ ልእላውነትና ዝግሃሰ ካርታ ሒዞም ኣብ ጎደናታት ከተማ ጎንደር ብምኽንያት ጥምቀት ሰልፊ ወጺኦም ምርኣዮም እዩ። ፍሉይን ናይ ክብሪ ዕዱም ኮይኑ ኣብ ከተማ ጎንደር ቅድሚ 50 ዓመት መምህር ናይ ጂኦግራፍ ኮይኑ ዘገልገል ሰመረ ርእሶም። ሎሚ ድማ ናይ “ኣንባሳደር” መዝነት ለቢስ ሃገር ንምሻጥ ኣብ ድለላ እተዋፈረ ኣምባሳደር ህግደፍ። ነቲ ዝርኣዮ ኣብ ጎንደር ኣዝዩ ዘሐጉስ ኮይኑ ከም ዝረኾቦ እዩ ገሊጹ። ነዚ ምርኣዩ ብሓጎስ ዝመስከረ ብምኻኑ ኣብ ናይ ጥልመት ታሪኽ ዝምዝገብ እዩ። እቲ ዘገድስ መን እዩ ኣንባሳደር ነይሩን ኣሎን ኣይኮነን እንታይ ድኣ መን እዩ ጽቡቅ ስራሕ ንክብሪ ህዝብን ሃገርን ሰሪሑ እዩ።

እታ ዓመት መጸት ሎሚ ኸ፧ ወሪዳ ዶ ትኸውን እናበልኩ ኣብ ዘየርክባ እተሰቅለት ናይ ቀደም ካርታ እያ ዝነበረ። እቲ ዝገርም ድማ እተስቀለትሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ኣብ መስቀል ኣደባብይ ኮይኑ ንቦሌ መውጽኢ ኣብ የማናይ ኩርና ፊት እስቲፋኖስ ቤተ ክርስትያን ዝነበረት ዓቢ ህንጻ ሲመንስ ካንፓኒ (Siemens Company) ዝነበርታ ኣብ ልዕሊ እዚ ህንጻ እያ ተሰቂላ ዝነበረት። እሞ ኽኣ ካብቲ ናይ ኤርትራ ኤንባሲ ካብ ነጻላ መንደቅ ምኻኑ ዝፈልዮ ርሕቀት ኣይነበረን እንታይ ድኣ ዕቤት ናይ ቲ ህንጻ ዝፈጠሮ ርሕቀት ጥራይ እዩ ዝነበረ። እቲ ዝገርም ድማ ከይወረደት ክሳብ ረፈረንደመ ዝሓልፍ ምንባራ እዩ።

ጸይቂ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ህያብ ድሕሪ 1998 ናይ ዶብ ግጭት ንፈላማ ግዜ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝገበረ ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ እንታይ እያ ነይራ፧ ኣይኮነሉን እንበር እታ ዝሓልማ ዓባይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ስኣነት፡ ምቅባጽ ስኢኑ ህያብ ስእሊ ናይ ቀይሕ ባሕርና እዩ ዘበርከተሉ።እሞ ሽዑን ሲዒቡ ዝመጸ “እስኻ ኢኻ ትመርሓና ንቃልዓለም ኣይኮንኩን ብልበይ እየ እናበለ” ኣትሪርና ዘይ ምቅዋምና እዩ። ሎሚ ኮተቴ ውልቀ መላኺ ዶር ኣቢይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መመረቅታ ሓድሽ ፓርክ ካርታ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝጠመራ ሒዙ ተራእዩ። መደመር ሕልሙ ወይኔ ወይኔ ቀይባ ባህራችን እናበለ ኣብ ካርታና ባሕርናን ከንባህቁ ሪኢና ኣቆጢዑና ኣስንና ምሕርቅምቃም ግን እንታይ እዩ ፋይዱኡ፧

ሎሚ ኣብ ቅነ ግዚኡ ተስፋ ደናግል እዩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልኹዎ ን2021 ንማንታ ኮቪድ-19ን ኮቪድ-94 ስርዓት ህግደፍን መድሃኒቶም ክንረክብ ብዓል ምሉእ ተስፋ እየ። ኮቪድ-19 ን ፍላይ ማንትኡ ኮቪድ 94 ስርዓት ህግደፍ መድሃኒት ወይ ክታበት ኣብ መጀመርታ ናይ 2021 ተስፋ ኣለወን። እዚ ማለት ኩለን እተን ዓበይቲ ናይ ዓለምና ትካላት ተማራመርቲ ብዝገብርኦ ልዙብ መጽናዕተንን ፈተነእን ኣጻፊፈን። በብወገነን ንመፍረ ትካል መድሃኒት AsteaZeneca Starts Pfizer, BioNtech Novavax and Zydus Cadila ወዘተ ዝኣመሰላ ኩንትራት ተዋዓዒልን ኣለው። ዓለምና ድማ ብዓቢ ተስፋ ን2021 ካብ ዚ ተላባዒን ቀዛፍን ሕማም ኮቪድ-19 ብዝተማህዘ ክታበት ክትላቀቅ ኣብ ትጽበ ኣላ።

እዚ ግን መስኪና ህዝብና ብሰንኺ ፍላይ ማንትኡ ኮቪድ-91 ዝኾን ህግደፍ ውጺኢቱ ሃፋ ኮይኑ ድዩ ክተርፍ፧

ኣብዚ 2021 ሎሚ እቲ መኸተ ምጭባጥ ተስፋ ዓወትና ኣብ ሓድነታዊ ንቅሓትና እዩ ዝምርኮስ።ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ካብዚ ቀዛፊ ኮቪድ-91 ስርዓት ህግደፍ ንምድሓን ኩሉ ዓቅምና ንሓንቲ ፈዋሲ ክታበት ንምርካብ ደዉ ንበለ። ስለዚ ድማ ማንታ ተስፋና ደሚርና ኣብ 2021 ብርግጽ ናይ ኩሉና ዜጋ ማንታ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን እንብል ሎሚ ልዕሊ ኹሉ እዋኑ እዩ። ንክትባት ናይ ፍትሒ ክንረኽብ ጥምረት ቃልስና ኣንጻር ምልካዊ ኮቪድ-91 ነደንፍዕ።

ዓወት ንመኸተ ኮቪድ 91
ፍትሒ ንሑዩር ህዝብና
ሰሎሞን ዮውሃንስ
31/08/2020


Share with friends:


See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትምኒትን ህርፋንን ኢትዮጵያውያን፡ ሕጂውን ባዕሉ ተግባራቶም ይዛረብ።



Share with friends: