ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን ፖለቲካዊ ሰልፍን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

16/09/2020 22:51 PM

ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን ፖለቲካዊ ሰልፍን

ብ’ምስግና ባህታ፡ ካብ ሲያትል

ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን ፖለቲካዊ ሰልፍን

ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን ፖለቲካዊ ሰልፍን
ምስግና ባህታ

እዚ ኣቲናዮ ዘሎ ናይ ስቓይን ጭኮናን ዓዝቕቲ በቶም መጸውዒ ስም እናቐያየሩ፡ ብውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታት ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት ምልካውያን ውልቀ-ሰባት ዘካይድዎ ዘለዉ ፍጹም ምልካዊ ስርዓት ዝወረደ ምዃኑ ንዂልና ክዉል ኣይኮነን። ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከም ድማ እቲ ኣብ ዝለዓለ ፒራሚዳዊ ጥርዚ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ኮይኑ ብዘይ ህዝባዊ ምርጫ ፡ ብዘይ ህንጻ ሕጊ፡ ብዘይ ባይቶ፡ ስማዊ እምበር ምሉእ ስልጣን ብዘይብሎም ካቢነሚኒስትራት ን29 ዓመታት ዝግዝእ ዘሎ ፍጹም መላኺ (tyrant) እዩ።

እቲ ምስጢራዊ ዴሳዊ ሰልፊ ፈሪሱ ኢሉ ብምእዋጅ ብ1994 ህግደፍ ዘቆመ ጒጅለ፡ ልክዕ ከምቲ ህግሓኤ ኢሉ ኣብ ውሽጡ ብምስጢራዊ ሰልፉ ስልጣን ብሒቱ ብውሽጥን ብግዳምን ዝጻረርዎን ዝወዳደርዎን ሓይልታትን ውልቀሰባትን ዝቀንጸለ፡ ሕጂ ከኣ ህግደፍ ኢሉ ኣብ ውሽጡ ስልጣን ዝቆጻጸር ምስጥራዊ ውዲታዊ ሰልፊ ወይ ጉጅለ ብምቛም፡ ብቃልሲ ክሳብ ዝወድቅ ፍጹም ምልካዊ ስልጣን ሰሪሑ ይርከብ። ንህዝብና ድማ ብራዕድን ሽበራን እናገዝአ ብዘስካሕክሕ ጭካኔ ካብ ናይ መግዛእቲ ግዜ ዝኸፍአ ህይወት ከሕልፍ ገይሩዎ ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝተራእየ ብስም ምልኪ ሸቃሎ፡ ምልኪ ዓዃያትን፡ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝቢ ዝብል መታለሊ መጸውዒ ኣብ ስልጣን ምስ ተኾየጡ ብጽኑዕ ወተሃደራዊ ምልክን ስለያዊ መርበብን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘምጽኦም ህዝቢ ዘጋፈዑን ዘሳቕዩን ብዙሓት መራሕቲ፡ ጸሊም ታሪኽ ገዲፎም ሓሊፎም እዮም። እዚ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ጨካን ገዛኢ ውን ከም ዘመን ውቤ ብሕሰሙን ክፍኣቱን ክዝከር ክነብር እዩ።

ኣብ ዓለም ዝተኻየዱ ብዙሓት ሰውራታት ብህዝባዊ ቃልሲ ድሕሪ ምዕዋት ክጥለሙን ክጭወዩን ተራእዮም ኢዮም። ነቲ ዓወት ዝጨወዩ ውልቀሰባት፡ ምስጢራዊ ሰልፊ ብምውዳብ ፡ በቲ ሰልፊ ዝተዳለወን ዝተወደበን ምልካውን ውዲታውን ጉባኤታት ብምክያድ ኣቀዲሞም ፖለቲካዊ ስልጣን ይጭብጡ። ንዘስግእዎም ብማእሰርትን ቅንጸላን ብምልጋስ ክሳብ ህዝቢ ተላዒሉ ዘውርዶም ወይ ክሳብ ኣሪጎም ወይ ሓሚሞም ዝሞቱ ወይ ዝግምጠሉ ኣብ ስልጣን ይጸንሑ። በቲ ደረት ዘይብሉ ናይ ሃርጋፍ ስልጣን ሸውሃቶም ድማ ይኣኽለኒ ምባል ስለ ዘይፈልጡ ስልጣኖም ናብ ደቆም ከሕልፉ ሕፍር ኣይብሉን። እዚ ኣብ ታሪኽ ዓለም ይኹን ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ክዉንነት እዩ።

ምንቅስቓስ ይኣክል ብዕላማኡን ሸቶታቱን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ስልጣን ጥራይ ከየተኮረ ካብ ታሕቲ ዝጅምር ናይ መሰረታት ህዝባዊ ምንቅስቃስ ብምኻኑ ዝተጋህሰ ናይ ሓባር መሰል ንምዕዋት ይቃለስ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሰልፍን ህዝባዊ ምንቅስቓስን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ካብ ዘይምርዳእ ዝተላዕለ ክተሓዋወሶም ይርኣዩ። ብናይ ሰልፍን ጉጅለን ኣተሓሳስባ እናተንቀሳቐሱ ጌና ኣብ ምብጋስ ከሎ፡ ብውዲታውን ጉጅላውን ምትእስሳራት ነቲ ምንቅስቓስ ክጨውይዎን ስልጣን ክቆጻጸሩን ይጽዕሩ። ሳዕቤኑ ድማ ሓደገኛ ይኸውን ። ምኽንያቱ ነቲ ምንቅስቓስ ክሳብ ኣብ ልምሰት ዝበጽሕ የዐንቅፎ።

ፖለቲካዊ ሰልፊ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ህላዌኡ ዘረጋግጽ ኪኸውን ከሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ግን ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ተበጊሱ ዝቐውም ብዝኾነ ውልቀ-ሰብ ይኹን ጉጅለ፡ ብምስጢራዊ ይኹን ብቃልዕ ሰልፊ ዘይዝወርን ዘይዕብለልን ምንቅስቓስ እዩ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ውልቀ-ድልየታትን ብሕታዊ ረብሓታትን ንምርካብ ዘይኮነስ ናይቲ ምንቅስቓስ ረብሓ ብምቕዳም ዘሎካ ኲሉ ብምሃብ እዩ ዝካየድ። ተሳተፍቱ ድማ ብድልየቶም ግዜኦም፡ ጉልበቶም፡ ፍልጠቶም፡ ገንዘቦም ንጠቅሚ እቲ ምንቅስቓስ ይውፍይዎ። ውልቃዊ ናይ ስልጣን ህርፋን ይኹን ናይ ብሕታዊ ረብሓ ስስዐ የብሎምን።

ኣብ ሰውራና ከም ዝተራእየ፡ ብስም ሰውራዊ ሰልፊ ንብሕታውን ጉጅላውን ረብሓታትን ንናይ ስልጣን ህርፋንን ንምሕላው ዝቆመ ሰልፊ ብኣንነትን ብውልቀ ኣምልኮን ይሰርሕ። ካብ ውሽጡ ድማ ብውልቀ-ነብሰ-ኣምልኮ ሕማም (narcissist disorder) ዝሳቐ መራሒ ይፈጥር። እቲ ሰልፊ ምስ ውልቀ-መላኺ መራሒኡ ሓንሳብ ምስ ተወደበ፡ ብብቕዓት ይኹን ብፍልጠት ዝወዳደርዎ ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ሰልፍታት ኣየፍቅድን። ማክያቨላዊ መትከል ብምኽታል፡ ክደፍርዎ ዘይክእሉን ዘምልኽዎን ድኹማት ኣብ ከባቢኡ ብምቕማጥን፡ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ስልቲ ብምኽታልን ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ቅንጸላን ማእሰርትን ምድስካልን ብቃጻ ምጥፋእን ይነብር። ነቲ ፈልፋሊ ዓቅምታት ህዝቢ ዓጊቱ ጸረ ምዕብልናን ዕብየትን ይዕጠቕ። ከምዚ ኣብ ሃገርና ዝርአ ዝርአ ዘሎ፡ ስልጣኑ ክሳብ ዘይተተንከፈ፡ ነታ ብደም ጀጋኑ ደቃ ነጻነታ ዘረጋገጸት ሃገር ሒዙዋ ክጠፍእ’ውን ድሕር ኣይብልን። ንህዝባ ድማ ብስደትን፡ ኣራዊታዊ ጃምላዊ ማእሰርትን ቅትለትን እንዳኣጽነተ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ ድንቁርና፡ ኣብ ክንዲ ምጣነሃብታዊ ዕብየት ብናይ ኩፖንን ጸሊም ዕዳጋን ዝሰርሕ ውዱቅ ምጣነ ሃብቲ፡ ኣብ ክንዲ ውልቀ ወፍሪ ርእሰማል ምፍቃድ፡ ብባዶ 9 ዝዝወር ንመላእ ናይ ሃገር ሃብትን ንግድን ወፍርን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽሩ ብምእታው ክሰርሕ ይርአ። ኣብ ክንዲ ብልጽግናን ራህዋን ድማ ናይ ድኽነትን ጥሜትን ማዕርነት ክፈጥር ዕላምኡ ይገብር።

ናይዚ ስርዓት’ዚ ገበን ኣብዚ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። እዚ ኣብ ናይ ነጻነት ዘመን ዝተወልደ መንእሰይ፡ ስድራ ቤትን ውላድን ዝሃንጸሉን ዘዕብየሉን ዓመታት ብከንቱ ይጠፍእ ብምህላዉ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ከይፈሪ፡ ክመክንን ክጸንትን ገይሩዎ ኣሎ። ምንቅስቃስ ይኣክል እምበኣር እዚ ኲሉ ግፍዕታት ኣብ ክጽወር ዘይከኣል ደረጃ ስለ በጽሐ ዝተላዕለ ፍኑው ህዝባዊ ማዕበል እዩ።

ምንቅስቓስ ይኣክል ብመንእሰያት ዝተበገሰ ናይ ለውጢ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ ኣብ ጉዕዞ እቲ ምንቅስቕስ ድማ መራሕቲ ኣብ ምፍጣር ይዕወት ኣሎ። ድሮ’ኳ ብርቱዓት ተስፋ ዝህቡ መንእሰያት መራሕቲ ይፈርዩ ኣለዉ። ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ካብ ኲለን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ነጻ ዝኾነ ምንቅስቕስ ከም ምዃኑ መጠን ድማ ኩለን ውድባት ክድግፍኦን ካብ ተመኩሮኡ እናዓበየ ክቅጽል ከተባብዕኦን ይግባእ። ኣብዚ ግና ክሰሓት ዘይብሉ ሓደ ሓቂ ኣሎ። መንእሰያት፡ ናይቲ ኣቦታቶምን ዓበይቲ ኣሕዋቶምን ዘዐወትዎ ቃልሲ ኣወንታዊ ሽነኻት ብምቕጻል ፡ ካብ ዝሓለፈ ጉድለታት ተማሂሮም ድማ ብሱልን እሩምን ቃልሲ ከካይዱ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎም። ናይ ኣረገውትን መንእሰያትን ፍልልይ ከም ዘሎ ኣምሲልካ ንቃልሲ ክትዝርግ ምፍታን ናይ ጸላኢ ህዝብና ውዲት ኪኸውን ስለ ዝኽእል መንእሰያትና ቦታ ክህብዎ የብሎምን። ካብዚ ሓሊፉውን ነቶም ብትሕተ-ሃገርነትን ጸቢብ ወገንነትን ኣውራጃነትን ክፈላልይዎም ዝፍትኑ ካብ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝብገስ መጻወድያ ምዃኑ ብንቅሓት ተረዲኦም ክምክትዎም ይግባእ።

ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምንቅስቓስ ደኣምበር ናይ ውሱን ኣውራጃ ወይ ወገን ምንቅስቓስ ኣይኮነን። ምኽንያቱ በዚ ዓማጺ ስርዓት’ዚ : ዘይተበታተነት ስድራ-ቤት፡ ደቃ ዘይተቀንጸልዋ ዓዲ፡ ዘይተኣሰሩዋ ኣውራጃ፡ መሰላ ዘይተጋህሰ ቤተ ክርስትያን ትኹን መስጊድ፡ ዘይተሰደድዋ ብሄር የላን። ስለዚ እቲ ዝድለ ለውጢ ንኩሉ ስለ ዝምልከት ኲሉ ውጹዕ ህዝብና ማዕረ እጃም ኣለዎ። ፍረ ዓወቱ ድማ ንኩሉ ብምክፋል ዝሕፈስ ደኣምበር ጉጅላዊ ምልኪ ኣልጊስካ ብካልእ ጉጅላዊ ምልኪ ምትካእ እይኮነን። ወይ ድማ ከም ሶማልያ ውድቕትን ዝተጎዛዘይትን ሃገር ምፍጣር ኣይኮነን።

ካልእ ግቡእ ተረድኦ ዘድልዮ ጒዳይውን ኣሎ። ናይ ሓሳባት ፍልልያት ምህላው ንቃልሲ ዘሀብትምን ዘማዕብልን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ናይ ሓሳባት ፍልልያት ከም ጸላእቲ ዘናቁትን ዘቃትልን ክኸውን የብሉን። ኩሉ ንሓደ ዕላማ፡ ንሱ ድማ ምልኪ ምውዳቕን ፍትሒ ምዕዋትን ክሳብ ዝኾነ፡ ፍልልያት ብንቅሓትን ብብቅዓትን ናይ ምምሕዳር ብልሒ ምጥራይ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ብዘይ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝመጽእ ሓድነት፡ ሓቀኛን ደሞክራስያውን ሓድነት ክኸውን ኣይክእልን።

ምንቅስቓስ ይኣክል ናይ ህዝብና መረረን እዋያትን፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ስለ ዝብጽሐ ዝተላዕለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ እዩ።፡ መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ብዝወረዶም ናይ ባርነት ጭኮና፡ ንስደት ተገዲዶም ምስ ወጹ ዘጋጠሞም ሞትን መቅዝፍትን ውርደትን ፡ ንኹሉ ስምዒቱ ስለ ዝተንከፈ ነቲ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ግፍዕታት ዝኾነ ምልካዊ ገዛኢ ይኣኽለካ ብምባል ዝተላዕለ ፍኑው (spontaneous.) ምንቅስቓስ እዩ። ፍኑው ኮይኑ ድሕሪ ምብጋሱ ግን ዝምርሓሉ መትከላትን ዝሰርሓሉ ሕግታትን ሓንጺጹ እናዕበየ ክኽይድ ጸኒሑን ኣሎን። እንተኾነ ግና፡ እዚ ንኹሉ ፍትሒ ኢሉ ዝተላዕለ ክፉት ዝኾነ ምንቅስቃስ ክሰግሮ ዘለዎ ውድባዊ ብድሆታት ኣሎ። ንሱ ድማ ኲሎም ተሳተፍቱ፡ ካብ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመረጹ መራሕቲ ጀሚሩ ክሳብ መሰረታቱ ውድባዊ ስነ-ስርዓት ( organizational discipline) ብምርእይ ኣተኲሮኦም ኲሉ ንሓድነትን ዕብየትን’ቲ ምንቅስቃስ ኪኸውን ኣለዎ። ኣነነትን ውልቃዊ ናይ ጠባያት ፍልልያትን ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መኣዲ ቦታ ክህልዎ የብሉን። እንተኣጋጢሙ ድማ ጸላኢ ከይመዝመዞ ከሎ ብብሱልን ሕጋውን መገዲ ክእለን ክእረምን የድሊ። ውልቀ-ስነ-ስርዓት (self-discipline) ናይ ተሳተፍቲውን ሓጋዚ ምኾነ።

ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኣሽሓት ምሁራት ኤርትራውያን እቲ ጸረ ምሁራትን ጸረ ፍልጠትን ዝኾነ ስርዓት ግደ ስለ ዝኸልኦም ፍቱን ዓቕምታቶም ንረብሐ ሃገሮም ክሰርሑሉ ኣይከእሉን። ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ነዞም ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ከም ዲምፕሎምስያዊ ፡ ናይ ሕጊ ፡ ናይ ምምሕዳር፡ ወዘተ... ብቅዓትን ተመኲሮን ዘለዎም ደቂ ሃገር እናዓደመ ዓቕምታቶም ከወፍዩ ከተባብዕ ኣድላዪ እዩ። መራሕቱ ክመርጽ ከሎ ድማ ብናይ ብቅዓት መዐቀኒታት ድኣምበር ብውዲትን ብትሕተ-ሃገራዊ ዝንባሌታትን ኪኸውን የብሉን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዘላ ብደሞክራስያውን ሕጋውን ኣገባብ ዝተመርጸት ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ መሪሕነት፡ ምስ ናይቲ ዘላቶ ከተማ ሰበ-ስልጣንን ሰብ-መዝን ናይ ዜና ማዕከናትን ጋዜጠኛታትን ብምርኻብን ምጽሕሓፍን ነቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሃገርና ኩነታት ከተቃልዕን ፡ንተንኮላት ህግደፍ ክትምክትን ንእከይ ተግባራት ሰራውራ ከተምክንን፡ ንኹሉ ህዝቢ ከተማ ብዘይኣፈላላይ ክትጥርንፍን ዘይሕለል ጻዕሪ ከተካይድ ይግባእ። ኣብ ርእሲኡውን ናይ ኲለን ከተማታት ናይ ይኣክል ምንቅስቓሳት ምትእስሳር ብምርግጋጽ ናይ ሓባር ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ብምስራዕ ዝሰፍሐ ምጥርናፍ ኣድላዪ እዩ። እቲ ብብዝሒ ኣብ ሱዳንን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከብ፡ ንዝነውሐ ግዝያት ዝተሰደን ፡ ብረታዊ ሰውራ ኣቐዲሙ ዘበገሰን ዝተሰለፈን ህዝብናውን ኣብዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቃስ ግደን ቦታን ክህልዎ ኣለዎ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ናይ ፈንቅል ምንቅስቃስ ድማ ብኲሉ መገድታት ክድገፍ ኣለዎ።

ምንቅስቃስ ይኣክል ኣብ ዝብገስ ኣትሒዙ ዓሰርታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ቦታታት በብከተማኡ ብምልዕዓል ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ። ነቲ ስቕታ መሪጹ ዝጸንሐ ፡ ወይ ልቢ ኣዕቢዩ ንዝተመሓየሸ ኩነታት ብትዕግስቲ ክጽበ ዝመረጸ፡ ወይ ድማ ብፍርሕን ራዕድን ስምዒቱን ቃንዛታቱን ኣብ ውሽጡ ገይሩ ዝጸንሐ ፡ ወይ ብዝተፈላልየ ምስ ብሕታዊ ጠቅሙ ዝተሓሓዝ ምኽንያታት ፡ እናረኣየ ከም ዘይረኣየ፡ እናሰምዐ ከም ዘይሰምዐ ኮይኑ ዝጸመመ፡ ዝኣኸለ ይእከል ብምባል ከም ዝዕጠቅ ገይሩ እዩ። ደጊም ውድበይ ውድብካ፡ ጀብሃ ሻዕብያ፡ ወገነይ ወገንካ ዝብል፡ ንድሕሪት ዝጥምት፡ ናብ ፋሕ ጭንግራሕ ዘምርሕ ድሑር ምፍልላያት ብንቅሓት ክምከት ኣለዎ!!! ኣብ ፍጹም ዓወት ንምብጻሕ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ፡ ብዝለዓለ ተዋፋይነትን ዝበዝሐ ቁጽርን ተላዒሉ፡ ነዚ ብኲሉ ሸነኻት ውዱቕን ፍሹልን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ብምልጋስ መሰረታዊ ለውጢ ከመዝግብን ሓድነታ ዝሓለወት ብግዝእተ-ሕጊ እትምራሕ ፍትሓዊት ኤርትራ ከረጋግጽን፡ ናይ ግድን እዩ። ምስ ናይ ይኣክልን ፈንቅልን ምንቅስቓስ ንቅድሚት ክሳብ ምሉእ ዓወት!!! ውድቀት ንምልኪ ዓወት ንፍትሒ!!!

ምስግና ባህታ ካብ ሲያትል

Read in PDF ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: