ወይዘሮ ፎዝያ ሃሽም፡ ሚንስተር ፍትሒ ዶ ወይስ ግፍዒ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

22/09/2020 23:55 PM

ወይዘሮ ፎዝያ ሃሽም
ሚንስተር ፍትሒ ዶ፧ ወይስ ግፍዒ፧

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

ወይዘሮ ፎዝያ ሃሽም፡ ሚንስተር ፍትሒ ዶ ወይስ ግፍዒ?

ወይዘሮ ፎዝያ ሃሽም፡ ሚንስተር ፍትሒ ዶ ወይስ ግፍዒ?
ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

ለዋህን ሕያዋይን ህዝብና ንዘመናት ብሕጊ እንዳባ እናተማሓደረ ተናቢሩን ኣንጻር ኩሎም ባዕዳውያን ገዛእቲ ድማ ንመዋእል መኪቱ ተቃሊሱ ኣእላፍ ደቁ ገቢሩ ተዓዊቱ። በዚ ድማ ህዝብና ነታ ዝሓለማ ናጽነት ይጨብጣ ድኣ እንበር፡ ብኣንጻሩስ መንጠሊና ሃገራዊ ባርነት ብ18 መስከርም ተገዚሙ። ባሕቲ መስከረም ምጂማር ብረታዊ ቃልስና ብምኻና ተኹርዕ!! መስከረም 18 ምሕያር ሓርበኛታትን ተጣበቅቲ ዲሞክራሲ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ብምኻና ድማ ተንብዕ!!

ሓርነትና ተመንጢላ ኣደራዕ ሓድሽ መግዛእቲ ህግደፍ ኮቪድ-91 ግን ክሳብ ምኣስ ኢና ክንጻወሮ፧ እቲ ኣሎ ዝብሃል ዓይነት ግፍዒ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናጽሓየ ብእንታይ ገድሹኒ ጎኑ ኣውዲቁ ጓና ምኻን ንብጻዩ ህዝቡን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንምቁጻይ እንታይ እዩ እጃምና፧

ሰውራ ኤርትራ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሱ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት እዩ እናተባህለ ተኸፊሉ። እንተ ሎሚ ግን መስዋእቲ ዋጋ ስደት ካብ ዝኸውን ዕድመ ናጽነት ኣቁጺሩ ኣሎ። እታ እተረኽበት ናጽነት ውጽኢቱ ድማ ትሕቲ ትጽቢት መስዋእትና ፍትሓዊ መሰል ናይ ዜጋኣ ትኹንን ኮይና ኣላ። ኣብ መላእ ሃገር እስርቤት ሰሲኑ ሃለዋት ባርነት ሰፊኑ ኣሎ። መግዛእቲ ህግደፍ ንዘኸተሎ ሃገራዊ ባርነትን ዕንወትን ምጽዋሩ ሲኢኑ ሓጺር ሓሳብ ንስደት ተቃሊዑ ኣሎ። ንሃገር ምምጻእን ምዕቃባን እተኸፍለ ምሰስዋእቲ ሎሚ መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ኾይኑ ተሪፉ ኣሎ። ሃገርና ኣብ ትሕቲ ቁርጡዉ ራኢ ስርዓት ህግደፍ ብሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝምራሕ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ትርከብ ኣላ።

ሎሚ በዞም ሰብ ግዜ ዝኾኑ ስርዓት ህግደፍ ሕጊ ዓሽከራይ ሕብሪ ለቢሱ ኣሎ ምባለይ ብኣብነት ሓደ ክልተ ኣሰንየ ከቅርቦ እንተ ፈተንኩ ቂር ኣይበልኩም። ሓደ ኣነ ብሕጊ እየ ወጺኤ ዝብል መንእሰይ ወዲ ተባዕታ ኣጋጥሙኒ። ናብ ሱዑዲ ዓረብ ተስዲዱ 2% ዝኸፈለ ኣብ መፋርቅ 20ታት ዝዕምኡ መንእስይ እዩ ዝነበረ። ኮይኑ ነገሩ ኣስደሚሙኒ ኣንታ ሓወይ ገለ ዶ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኸ ቅንጣብ ሕንከት ኣይተማሃርካን፧ ስማዕ እሞ ስማዕ ድኣ ኣይበሉኻ እንበር ኩሉ ዓለም ዝፈልጣ ሕጊ ዘይብላ ሃገርና ብሕጊ ወጺኤ ኣይትበል። ያኢ 2% ምኽፋል ልዕሊ እቶም ሂወቶም ሂቦም ዝሰንከሉ ንሕክምናዊ ረዲኤት ’ን እንተ ኾነ ክወጹ ፍቃድ እናተኸልከለ፡ ብሕጊ እየ ወጺኤ ኢልካ ኣይትካታዕ ብምባለይ ታዕታዕ ተባሂልና። እዚ ሓሊፉ ካብዚ ዝኸፍእ ’ን ኣሎ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ’ን ምስ ሓንቲ መንእሰይ ርእሳ ኣቅኒዓ ዓይና ከፊታ ክትርኢ ዘይትዓደለት ድማ ብሕጊ እየ ወጺኤ ክትብል ብህዱእ ድምጺ ቃላታ ነገረትኒ። ያኢ ኣነ ቁሩሕ ለቢመስ እንታይ ድኣ ሳዋ ወዲእኺ ኣፋንዮምኺ፧ ዝብል ሕቶ ግን ንዓይ እንበር ንዓኣስ ልባ ዝሰብር ኮይኑ ዳኣ ረኸብኹዎ። ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን ካብ ልሳና ምኻን ተሪፉ ካብ ኣዔንታ ዝውሓዘ ንብዓት እዩ ነይሩ። ድሒሩ ነኣዔንታ ዘሰነየ ልሳና ድማ ኣይኮንኩን ዝብላ ክልተ ቃላት ኣዝዩ ረዚን ዓዕጽምትኻ ዝሰብር እዩ ነይሩ። ኣቤት መስዋእቲ ዋጓ ሰደት ኮይኑ!! መስዋእቲ ቪዛ ንስደት ንኤርትራዊት ኣደ ገይሮሞ ስርዓት ህግደፍ። ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኩናት ናይ ዶብ ግጭት ዝተወለዐ ሃገር ንምውሓስ ብዓል ቤታ ተሰዊኡ። ብመርዓታ ዕንባብኣ ዝረገፍት ካብ ቡዙሓት ሓንቲ እያ። ነቲ ድቂ ገዲፉ እተሰውእ ኣማኒኣ ውላዱ ንምዕባይ ናብ ዓዲ ዓረብ ከዲማ ከተዕቢ ተሰዲዳ። ንዋጋ ዝኸፈሎቶ ስውእ ብዓል ቃል ኪዳና እያ ድማ ብሕጊ ወጺኤ ዝበለትኒ። ጉዑዞ ብልብያ ከመይ መጺእኺ፧ ኣይኮንኩን እዞም ሃገር እዝጊ ይሃቦም ካብ ኣፍሪቃ ኣጋጣሚ ጽብቅ ናይ ወደይ ዕድል ግዲ ኾይኑ፡ ባዕሎም እዮም ናይ ዑቁባ መሰል ሂቦም ናብዚ ኣምጺኦምኒ። ሕጂ ግን እቲ ሓደ ወደይ ትሕቲ ዕድመ ስግረ ዶብ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ። ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ቀልጢፎም እንተ ኣምጹኡለይ ከመልኽት መጺኤ ናብ ዚ ቤት ጽሕፈት። ሕጂ ድማ ከይድንጉይኒ ይፈርሕ፡ ኣሚነይ ሲኢነ ሓድጊ ዝኾነ ወደይ ኣብ ኢደይ ከይኣተወ ከይቁጸ ይሻቀል ትብል ንስደት ቪዛ ዝኾና መስዋእቲ ኣሚና። ኣቤት መን ድኣሉ ኣይከሰርናን ተባሂሉ ቀሲኑ ዝውዕልን ዝሓደርን ዘሎ ብጀካ ህግደፍ፧

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽኩዎ ሕጊ ኣብ ሃገርና ከም ዘየሎ ንመጋበርያ ህግደፍ እንተ ዘይኮይኑ ብሩህ እዩ። ካብ ሕጊ ዝወጸ ህግደፍ እንበር ካብ ሕጊ ዝወጸ እሱር ናይ ፖሎቲካን ተኽተልቲ እምነቶምን ቤት ፍርዲ ዝሓለፎ ክሲ እውን የሎን።

ካብ መዓልታት ክሳብ ዕስራታት ዓመት ብምልኪ ዝትሓየሩ ሓርበኛታት ዜጋ በብሓደ ይጠፍኡ ኣለዉ። ኣብ ዓለም እታ እንኾ ሃገር ፍርዳዊ መስርሕ ፍትሒ ዘይብላ ሃገር ኤርትራ ሃገርና እያ። እሞ ድኣ ዝፍረዱ እሱራት ስለዘይብላ ድዩ፧ ወይስ ንዝተኣስሩ ዝፈርድ ዳኛ ስለዝይብላ እዩ፧ ወይ ’ን ንዝተሓየሩ ዝኸውን ህንጻ ቤት ፍርዲ ደዩ ተሳኢኑ፧ ብኡሱራት ዝመለአ መዳጎኒታት ጉድጓድ በዚሑ፧ ናይ 30 ዓመት ሚንስተር ፍትሒ ወይዘሮ ፎዚያ ሓሽም ድኣ እንታይ ንበላ፧ ኣነ “ንዝህቦ መልሰይ ዘኽስስ እንተ ኾይኑ ሓራ ክወጽእ ኣይደልን እየ። ስለዚ ሚንስተር ግፍዒ ኢለ መልሰይ ኣቀሚጠ ኣለኹ።”

ብ1983 ኣብ ጽቡቅ ግራት ትብሃል ዓዲ ወረዳ ደንበላስ ተመዲበ ነይረ። ኣብዛ ዓዲ ኣቦይ ጸጋይ ዝባሃሉ ጸሊም ዝሕብሪ ቆርበቶም ቀጢን ኣዝዮም ቆማት መሓውር ዝነበሮ ናይ ዕድመ ጸጋ ዝተዓደሉ ኣብ 90ታት ዝዕሚኦም እዮም ነይሮም። ኣብ ደረት መንገዲ ዝነበረት ግራቶም ወፊሮም ስራሓት ማሕረስ ከካይዱ ብቀጻሊ ምርኣየይ ይድነቅ ነይረ። ብሓደርኩም ኣቦ፧ ከመይ ኢልካ ሓዲርካ ዝወደይ ዝጀመር ማዓልታዊ ዕላልና ኣብ ዛ ግራቶም ቀጻሊ እዩ ነይሩ። ታሪኽ ስም ዓዶምን ካበየነይቲ ዓዲ ከም ዝመጹን ማለት መበቆሎም ካብ ዛ ጎዶቦና ሓድሽ ዓዲ ምኻኖምን ኣብሩሁለይ። ቀደም ዘመን ሓደ ሓረስታይ ኣበይ ዊዒልካ፧ ምስ ተባህለ ኣብታ ጽቡቅቲ ግራት ክጽህይ ውዒለ በሎም። በዚኣ ድማ እነህትልካ እዛ ዓድና ጽቡቅ ግራት ኮይኑ ስማ በሉኒ። ከም ልማደይ እተወሰና ማዓልታት ብዘይ ምንባሮም ሓደርኩም ኣቦ ከይበልኩ ንግራቶም ሓለፍኩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ሓደ መዓልቲ ሓደርኩም ኣቦ ዝብለሉ ኩነታት ተፈጠሩ። ሓደርኩም ኣቦ ናይ ድሓን ዲኹም ከይርኣኹም ቀንየ፧ ወይለይ ኣቦኻ ብዓላት እንድዩ ቀንዩ እንበር ኣነስ ድሓን እየ ወይ ወደይ ተሻቂልካ እንባኣር በሉኒ። ድሕሪ እዚኣ ድማ ኣቦይ ጸጋይ ኣብ ግራቶም እንተ ዘይጸኒሖምኒ ብዓል ከም ዝኾነ ይግንዘብ ነይረ። ግራት ኣቦይ ጸጋይ ዓውደ ኣዋርሐይ (ካልንደር) ንክብርታት ብዓላት ሕብረተ ሰብ ጥራይ ኣይነበረትን። ሕጊ እንዳናባ ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ ምንባሩ ብግብሪ እተማህርኩላ ጽቡቅ ግራት፡ ግራት እንዳ ቦይ ጸጋይ እያ ነይራ። ሓደ ማዓልቲ ኣብ ግራት እንዳ ቦይ ጸጋይ ማእክላይ ዕድመ ዘለዎ ሰብኣይ ክሓርሰሎም ጸነሓኒ። ኣብ ማሕረስ እተዋፈረ ሓረስታይ ኣንፈት መንገደይ ብድሕሪኡ ናብኡ ገጸይ እናኽድኩ፡ ሓደ ካልእ ገባር ብዓል ነገሩ ድማ ሽነን እናበለ ብቅድሚኡ ናብኡ ገጹ ጎፍ በሎ። ወዮ ሓረስታ ማሕረሱ ገዲፉ ነጢሩ ናብ ብዓል ነገሩ ረኸብኩኻ “ዝባን መንግስቲ ካብ ዛ እግረይ ከይትተርፍ ገዚተካ ኣለኹ ”በሎ። ግደ ሓቂ ነገረኛ ሰብኣይ ከ ሰናፍ ዶ ኾይኑ! እንታይ ኢኻ ዝበልኻ በሎ፧ ከም ብዓል ድሓን። መስኪናይ ሓረስታይ ካብ ማሕረሱ ቡኾር ዝበሎ። ግርህ ኢሉ ዝባን መንግስቲ እየ ዝብለካ ዘለኹ ካብዛ እግረይ ከይትተርፍ ብምባል ደጊሙ ገዘቶ። ወዮ ነገረኛ ሰብኣይ በል ስማዕ ኣንታ ደፋር ጽጋበኛ!! ንገድሊ ብኾፎም ኺሕድካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተንግስ ዘለኻ ኣነ ዝባን ገድሊ ካብዛ እግረይ ኸይትተርፍ ገዚተካ ኣለኹ ብምባል ተሰልበጦ። ምስኪን ሓረስታይ “ካብ እግሪ መልሓስ ይዕንቀፍ” ከም ዝብሃል መልሓሱ ተዓንቂፉ ኣብዑሩ ብጽምዶም ማሕረሱ ተኣጓጊሉ። ንባዕሉ ብሕጊ ተጸሚዱ እግሪ እግሩ ክስዕቦ ተበገሰ። ስማዕ ኣንታ ዓመጸኛ ክሰምዓኩም እየ ጸኒሐ። ንስኻ ኢኻ ብምዕንቃፍ መልሓሱ ተጥቆዖ ዝለኻ። ሕጂ ግን ንስኻ ካብ ዛ ማሕረስ ግራት ኣቦይ ጸጋይ ከይትቦኩር፡ ጽባሕ ግን ጉዳይኩም ኣብ ጀማሂር ኬድኹም ተኻሰሱ ኢለ ኣገላገልኩዎም ንሽዑ። ሲዒቡ ዝመጸ ግን እንድዒ እዝጊ ዋንኦም።

• ንገለ ኡሱራት ልዕሊ ርብዒ ዘመን ብዘይ ፍርዲ ዕድመ ንእስነቶም ዘበለዩ ኣመንቲ ጆሆባ ውትንሰ ኣብነት ክጠቅስ። ብስንኪ እምነቶም ብረት ኣይንዓጥቅን ብምባሎም እዩም ግዳይ 27 ዓመት ኮይኖ ዘልዉ። ግደ ሓቂ ኣብ እምነትካ ምጽናዕ ንኣማኒኡ ቁድስ እዩ። ኣብ እምነቶም እንተ ተወከስና ይትረፍ ብረት ዓጢቆም ሃገር ከድሕኑስ፡ ንዝሓመመ ኣባል እምነት ስዳራ ቤቶም ’ን እንተ ኾነ ደም ለጊሶም ከድሕኑዎ ዘፍቅድ እምነት ኣይኮነን ዘለዎም። እዚ እንተ ኾይኑ እቲ ነገር ክሲ ናይ ሚንስተር ግፍዒ ወ/ሮ ፍዝያ ሓሽም ኣብ ልዕሊ መን እዩ ዝኸውን ዘሎ፧ ኣብ ልዕሊ እምነቶም ድዩ ወይስ ኣብ እቶም ኣመንቲ እዩ ዝኸውን ዘሎ፧

• ኣብ ልዕሊ እምነት ጵንጠ ኮስተ ድማ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝምወሉ ብምባል ይኽሰሱ። ክሶም ንእምነቶም ድዩ፧ ወይስ ንገንዘብ ዝተመወልዎን ዝምውልዎምን ትካል ዝብልዎ እዩ፧

• ነቶም ሓርበኛታት ድማ ከዲዖም ሃገር ንስርዓት ወያነ ሽይጦም ተባሂሎም ተኸሲሶም ንሕልፈት ተሓይሮም ኣለዉ። ስርዓት ወያነ ናይ መን ድዩ፧ ናይ ኢትዮጵያውያን ዶ ኣይኮኑን፧ እሞ ድኣ ሕጂ ንህዝብና ሃገርና ምስ ኢትዮጵያ ሓንቲ ሃገር ኢና። ዶር ኣቢይ እዩ ዝመርሓና ንቃልዓለም ኣይኮንኩ ብልበይ እየ ኢሉ። ህግደፍ ካብዚ ንላዕሊ ክድዓትን ሃገር ንመሸጣ ኣብ ዕዳጋ ዘውረደ ከዳዕ ብውልቀ መላኺ ሃጸይ ልጅ ኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅል እዩ። ስለዚ ካብ ብገመድ ዘስቅል ንላዕሊ እንታይ ፍርዲ ዳልያትሉ ሚንስተር ግፍዒ ወ/ሮ ፎዝያ፧ ነዚ ስቅ ምባላ ድማ ካብ ኣይኮነን ንላዕሊ ዝስምዕ ኣይምስለንን። እሞ እታ ገመድ ነቲ ኣብዛ ቦታ ብመዝነት ዘሎ ሰብ ልዕሊ ማንም እያ ትምልከቶ።

• ኣብዚ ናይ ሎሚ ቅነ ተርእዮ ህዝቢ ኳዜን ምእሳር ጎሲኻዮ ዝሕለፍ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ ጽጉብ ጥሙይ የሎን እዩ ነገሩ። ስርዓተ ፍትሒ ኣብ ዘይብላ ሃገር ትርከብ ኳዜን ፍትሒ ኣይንታያን እዩ። መቸመ ኣብቲ መጀመርያ ድሓን እዞም ደቅና ጽባሕ ይማሃሩ ብምባል ትም ዝጀመረ ሳዕሪሩ። ኣብ እተላዕለ ኣድማ ናይ ተጋደልትን ስንኩላትን ደው ኣይበለን። ሲዒቡ ድማ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጸጊቦም ኣብ ዊዓ ተኣሲሮ ሰሚዕና ስለምንታይ ግን ኣይበልናን። ሎሚ ኽኣ ዓዲ ምልእቲ ተኣሲራ ስቅ ምባል ግን ንጽባሕ ንግሆ ህዝብን ሃገርን ንምጽናትን ምሻጥን እሺ ጌታይ ምባል እዩ ክኸውን። ብዓልቲ መዚ ግፍዒ ናይ ህግደፍ ዝኾነት ሚንስተር ግፍዒ ወ/ሮ ፎዝያ ሓሽም ዓዲ ምልእቲ ብናይ መን ትእዛዝ ከም ዝተኣስረት እንታይ ይኸውን መልሳ፧ ኣነ ኣብ 30 ዓመት ተሞኩረይ እተኣስረ እንተ ተኣስረ ከም ሚንስተር ብዓልቲ ግፍዒ መጠን ዝፈልጦ የብለይን እንተ በለትና ዘይንጽበዮ አይኮነን። ሓዳስ ሃገር ኢና ፍትሒ ክነምጽእ ንሰርሕ ኣሎና ዝብል ዓይነት መልሲ ምሃብ ግን እተለምድ እዩ። እሞ ሕጂ ኸ ነዚ ዲና ክንሰምዕ ወይ ይኣክል ኢልና ከነድምዕ፧

ኒስተር ፍትሒ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ወሮ ፎዝያ ሃሺም ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ዝቐረበላ ሕቶን ዝሃበቶ መልስን ብኸፊል 25 Aug 2019

ሲብላዊ ሕጊ ኤርትራ እንታይ ከም ዝብል እንተ ትፈልጥ ግን ሓድሽ ሕጊ ንጽሕፍን ነጽድቅን ኣሎና ኣይምበለትን ነይራ ሚንስተር ግፍዒ ወ/ሮ ፍዝያ። እሞ ድኣ ሚንስተር ግፍዒ ነቶም ዘይትፍልጥም መነኣሰያት ኣበይ ክትብሎ ኢላ። ነቶም መጋድልታ ሰብ ናጽነት ተረፍ ገድላዊ ንእስነቶም ኣብ ማሕዩር ኪሒዳ። ሎሚ ብግፍዒ ንክንድዚ ዓመታት ኣብ ማሕዩር ብዘይ ፍርዲ ምስፋሮም ዝያዳኹም ንዓይ ይብጽሑኒ ትብል ከይሓነኸት ሕጊ ንኹሉ ሓደ እዩ፡ ንሓደ ኣይርሕቆ ንሓደ ኣይቀርቦ ንኹሉ ማዕረ እዩ። ግን ንሚንስተር ግፍዒ ወ/ሮ ፍዝያ ዝምልከት ኣይኮነን።

ነዘን ክልተ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተጻሕፋ ንመልኽት። ኣይሓፍሩ ኣይሓንኩ ክብሪ ወይ መሰል ናይ ከልቢ ካሕሳ ኣሽሓት ተኻሒሳ እናበሉ ኣብ ቃዳማይ ገጽ ኣስፊሮም። መሳኺን እቶም እተሓየሩ ጋዜጠኛታት ሓንቲ መዓልቲ ውን ብጌጋ ኣይተዘከሩን።

ኣሽሓት ዝተኻሕሰት ሰበይቲ

ኣብ ሽወደን፡ ሓንቲ ኣደ ከልባ ኣብ ጎደና ብራውያ ተጸፊዑ ድሕሪ ምማቱ፡ 2,490 ዶላር ካሕሳ ከምእተዋህባ ዩ.ፒ.ኣይ. ዝተባህለ መርበብ ዜና ሓቢሩ። ጓል 38 ዓመት ካሮሊና ዋይዲንግ፡ ከልባ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ድሕሪ ምጥፍኡ፡ ምሉእ መዓልትን ኣሽሓት ዝተኻሕሰት ሰበይቲንጽባሒቱን ደልያ ከምዝቐበጸቶ እያ ትዛረብ። ኣማስይኡግን፡ ብድሕሪ ገዝኣ ከልባ ተዛሕዚሑ፡ እቲ ከባቢ ከኣ ብደም ተሓጺቡ ጸኒሕዋ።“ሰብ ጥይት ተኲሱ ዝቐተሎ እዩ ዝመስል። ደሓር ከምዝተረዳእናዮ ግን ኣይኮነን። ወኻርያ ወይ ካልእ ኣራዊት እውንኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ መርመራ ተገይሩስ ኣሰር ተሳኢኑ እዩ” ትብል ንሳ። ደሓር ግን፡ ሓደ ጎረቤታ ኣብቲ እቶም ኣኽላባት ዝወጽሉ እዋን፡ ሓደ ኣሞራ ኣብ ኣፉ ገለ ነገር ቀርቂሩ ኣብቲ ከባቢ ክዝምቢ ከምዝረኣየን ማንቲለ እዩ ሒዙ ዘሎ ዝብል ግምት ከምዝነበሮን ገሊጹላ። ብድሕሪ’ዚ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ጠሪዓ። ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ከኣ፡ ብኣራዊት ኣብ ልዕሊ ጥሪቶም ጉድኣት ዝወረዶም ሓረስቶት ናይ ካሕሳ መሰል ኣለዎም። ብኡ መሰረት፡ እታ ኣደ ካሕሳ ተቐቢላ ንገዝኣ ተፋንያ። ወይዘሮ ዋይዲንግ፡ ነቲ ገንዘብ ነቶም ካልኦት ኣኽላባታን ደማሙኣን ካብ ሓደጋ ዘድሕን ቀጽሪ ኣብ ምስራሕ ከተውዕሎ ምዃና ገሊጻ ኣላ።

“ይብል ጽሑፋ ጋዜጠኛታት ዝበለዕት፡ ጋዜ ጣሓዳስ ኤርትራ” ሕታም 3 መጋቢት 2013 - ገጽ 1

ጉዳየይ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ተሰጋጊሩ ክረኣየለይ ዝኽእለሉ ባይታ ኣሎኒ ዶ?

ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ኣሎኒ። ንጉዳየይ ሒዙ ዘሎ ቤት ፍርዲ ግን ካብቲ ኣነ ዝሰርሓሉ ቦታ ዝረሓቐ ስእሊ ናይ ኣመሪካ ናይ ማይክል ጃኽሰንእዩ። ብኸምዝን ካልእ ምኽንያታትን ድማ ጉዳየይ ኣብዚ ቤት ፍርዲ ክረአ ፍጹም ምቹእነት የብሉን። ሕቶይ፡ ጉዳየይ ካብዚ ቤት ፍርዲ’ዚ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ተሰጋጊሩ ክረአየለይ ዝኽእለሉ ሕጋዊ ባይታ ኣሎ ዶ?
ኣቶ ገብረሂወት ሚካኤል - ሓዝሓዝ
ኣብ ቤት ፍርዲ ሃገርና ንዜና ዝቀርብ ስእሊ’ን ተሳኢኑ፤ ናይ ኣመሪካ ናይ ማይክል ጃኽሰን ፍርዲ የቅርቡ። 15 ሕዳር 2013 -ገጽ 4.

ዝኸበርኩም ኣቶ ገብረሂወት፡ ኣቕሪብክምዎ ዘለኹም ሕቶ ብቐጥታ ምስ ክሊ ስልጣን ቤት ፍርዲ ዝተኣሳሰር እዩ። ብመስረቱ፡ ዝዀነ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረብ ጉዳይ ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ስልጣን ብዘለዎ ቤት ፍርዲ ጥራይ እዩ ክረአ ዝግባእ። ኣብ ፍሉይ ኩነታት ግን ጉዳይ ካብ ሓደ ቤት ፍርዲ ናብ ካልእ ዝሰጋገረሉ ኣጋጣሚታት ኣለዉ። ዓንቀጽ 31 ናይ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሓደ ቤት ፍርዲ ዝተኸፍተ መዝገብ፡ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ዝሰጋገረሉ መገዲ ደንጊጉ ይርከብ። ዝኸበርኩም ሓታቲ፡ ብመሰረት እዚ፡ እቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ዝካየድ ንስኹም ንሓደ ካብቶም ኣብዚ ዓንቀጽ ተዘርዚሮም ዝርከቡ ምኽንያታት ብምጥቃስ፡ ናይ ምስግጋር ትእዛዝ ክወሃበልኩም ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ እተመልክቱ እዩ። እቲ ምልክታኹም ዝቐረበሉ ቤት ፍርዲ ነቲ ጥርዓን መርሚሩ እቲ እተቕርብዎ ምኽንያት ቅቡል ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ፡ ጉዳይኩም ናብ ሓደ ነቲ ጉዳይ ንምድናይን ምርኣይን ዞባዊ ክሊ ስልጣን ዘይብሉ፡ እንተኾነ ግን ንዋታዊ ክሊ ስልጣን ዘለዎ ቤት ፍርዲ የሰጋግሮ ወይ’ውን ነቲ ጉዳይ ባዕሉ ክርእዮ ይኽእል። ንኣብነት ጉዳይኩም ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ተኸፊቱ እንተ ነይሩ እሞ፡ ንስኹም ሓታቲ ብመሰረት እዚ ዓንቀጽ ኣመልኪትኩም እተቕርብዎ ሕቶ ተቐባልነት ምስ ዝረክብ ጉዳይኩም ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ዞባ ይሰጋገር ወይ’ውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባዕሉ ክርእዮ ይኽእል። እቶም ኣብ ዓንቀጽ 31 ናይ መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ ተዘርዚሮም ንረኽቦም ንምስግጋር መዝገብ ምኽንያት ዝኾኑ ነጥብታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ ኣብቲ ክሲ ቀሪብሉ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ርትዓዊ/ዘይሻራዊ/ ዉሳኔ ንምሃብ ዘይከኣል ምስ ዝኸዉን ንኣብነት ሓታቲ፡ መከራኽርትኹም ኣብ ከባቢ ጉዳይኩም ዝሓዘ ቤት ፍርዲ ህቡብ ብምዃኑ ድዩ ወይስ ብኻልእ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ጽልዋ ብምሕዳር እቲ ቤት ፍርዲ ጸግዒ/ወገን /ከም ዝሕዝ ከይገብርስክፍታ እንተደኣሃልዩኩም፡ ጉዳይኩም ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ክሰጋገረልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ጉዳይ ቅድሚ ሕጂ ተላዒሉ ዘይፈልጥ ከቢድ ናይ ሕጊ ሕቶ ክልዓል እዩ ዝብል እምነት ምስ ዝህሉ። እዚ ነጥቢ ንብቕዓትን ተሞክሮን ናይቶም ክሲ ቀሪብሎም ዘሎ ደያኑ ዝትንክፍ እዩ። ስለዚ፡ ጉዳይኩም ቅድሚ ሕጂ ክርእይዎ ዕድል ዘይረኸቡ ከቢድ ናይ ሕጊ ሕቶ ከም ዘልዕል ምስ እትርድኡ፡ እሞ እቶም ደያኑ ነቲ ጉዳይ ብዝግባእ ክዳንይዎ ብቕዓት የብሎምን ኢልኩም ምስ እትኣምኑ ጉዳይኩም ናብ ካልእ ክሰጋገረልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ንምቹኡነት ተኸራኸርቲ ወገናት ወይ’ውን መሰኻክሮም ወይ’ውን ፍትሒ ብግቡእ ንምንጋስ ተባሂሉ ዝግበር ምስግጋር። ማለት፡ ዋላ እኳ እቲ ጉዳይኩም ዝሓዘ ቤት ፍርዲ ነቲ መዝገብ ንምድናይ ክሊ ስልጣን እንተሃለዎ፡ ሰብ ጉዳይ ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ንከይትከላኸሉ ብምሕላን፡ ኣብ ዘይጥዕመኩም ወይ’ዉን ብዙሕ ወጻኢታት ኣብ ዘስዕበልኩም ከባቢ ከም ዝተመረጸ ምስ ዝረጋገጽ’ውን ናይ ምስግጋር ትእዛዝ ክወሃብ ክትሓቱ ሕጋዊ ባይታ ኣሎኩም።

እሞ ድኣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተነጺሩ ዝሰፈረ ሲቢላዊ ሕጊ ኤርትራ እንዳሃለወና ሚንስተር ግፍዒ እንታይ ሕጊ እያ ክትነድፈልና፧ 30 ዓመት ንሚንስተር ግፍዒ መለበሚ ኣይኮናን ዘሎ ህዝቢ እናጸነተን ሃገር እናጠፍእትን ገና ሓዳስ ሃገር ኢና ትብል። ድሕሪ 30 ዓመት እንታይ እያ ክትደግም፧ በሉ ሕጂ እቲ ምርጫ ህዝብና ይጽነት፡ ሃገር ድማ ትጥፋእ ድዩ ወይ ስርዓት ህግደፍ ይጥፋእ እዩ፧ ንጸይቅን ግፍዕን ህግደፍ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ን30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ተጋድሎና ንፍትሓዊትን ርትዓዊትን ዝኾነት ዲሞክራሲያዊት ሃገር ኤርትራ ምምስራት እዩ ነይሩ። እንተ ኾነ ግን ኣብ ዚ 30 ዓመት ናጽነት ሃገርና ራኢ ህዝብና ዘኽቲሙ ኣሎ። ሎሚ ሓቂ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ ልቢ ተጋዳላይ ዘይኮነት ልቢ ሃጸይ ልጅ ተቃታላይ ኢሰያስን ደቂ መዛምርቱን ጸላእቲ ህዝብና ምኻኖም ግዜ መስኪሩ ኣሎ። በሉ ኣበይ ኣበለት እታ ራኢ ልቢ ተጋዳላይ ንህዝብን ሃገርን እተጋደለት፧

ውድቀት ንዓመጽ ህግደፍ

ሰሎሞን የውሃንስ
ዓባይ ብሪጣንያ
11/09/2020


Share with friends:


See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ATV: ወይዘሮ ፎዝያ ሃሽም ሚንስተር ፍትሒ ዶ፧ ወይስ ግፍዒ? - by Solomon Yohannes



Share with friends: