July 2020 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 



31/07/2020 22:25 PM

ርሑስ ዒድ ኣል ኣድሓ

ADHA Mubarak





31/07/2020 22:25 PM

ጻውዒት ባይቶ ይኣክል፡ ከተማ ሎንዶን

 ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ

ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ባይቶ ይኣክል ከተማ ሎንዶን ዕለት 06 ነሓሰ 2020 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 01:00 ድ.ቀ. - 04:00 ድ.ቀ. ኣብ ከተማ ሎንዶን ኣፍደገ ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክነካይድ መዲብና ኣሎና።

ዕላማ ሰላማዊ ሰልፊ፦

ኩላትና ከም እንፈልጦ፥ ህዝብና ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ምንቅስቓሳቱ ተዓጽዩ ብዘይ እኹል ቀረብ ማይን መግንብ ኣብ ዓብይ ሓደጋ ይርከብ ኣሎ። እዚ ብቐደሙውን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘይነበሮ ምልካዊ ስርዓት ንህዝብና ከጽንት ዝተፈላለየ ሜላታት ክጥቀም እዃ ኣንተ ጸንሔ እንሆ ሕጂ ግን ምቹእ ኣጋጣሚ ረኺቡ ብሽም ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ህዝብና ምንቅስቓሳቱ ብምርጋጥ ኣብ ሓደጋ ጥምየት የእትይዎ ይርከብ፣ ንሕና ካብ ሃገር ወጻኢ ዘሎና ኤርትራውያን ንማሕበረሰብ ዓለም ከነእውየሉን፣ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘለና ተገዳስነት ብምርኣይ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ተስፋን ጸግዕን ክንኮኖ ግቡእናን ሓላፍነትናን እዩ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተአኣሳሰር፥-





30/07/2020 23:45 PM

መግለጺ

ነጻ ማሕበር ሚላኖን ከባቢኣን

(ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ)  ዕለት 26 ሓምለ 2020

ነጻ ማሕበር ሚላኖን ከባቢኣን ኣብ ዕለት 26 ሓምለ 2020 ኣኬባ ብምክያድ ኣብ ሰለስተ ዛዕባታት ዘተኮረ ሰፊሕ ምርድዳእ ኣካይዱ። እቶም ናይ ኣኼባ ኣጀንዳታት፣ (1.) ማሕበርና ኣካል ዓለምለኻዊ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ንምዃን ብኢጣልያ ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪን ውጽኢቱን፣ (2.) ብምትሕባባር ይኣክልን ካልኦትን ማሕበራትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓገዝ ውጽኢት ተሳትፎና ከመይ ኣሎ ? (3.) ህልው ኩነታት ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል ? ዝብሉ ነበሩ።   Read more





30/07/2020 23:45 PM

ምስግጋር (Transition)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ውይብ-ሳይታት፡ ሎሚ እነልዕሎ ኣርእስቲ ምስግጋር (Transition) ክንብሎ ዝደረኸና፣ እዚ ኣብዚ እውን’ዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝርአ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብዓለምለኽ ትካላዊን ውዱቡን ኣጋባብ ኣሳራርሓ ንምሓዝ፣ ጻዕርን ምቅርራብ ክትርኢ ከለኻ፤ በተን ካብ ነዊሕ እዋን ክእከባን ክብተናን ዝጸንሓ ውድባታት፣ ሓቢረን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ባይታ ናይ ምጥራይን፣ ዝተፋላለያ ሓይለ-ዕማማት ኣብ ምውጻእን፡ ከዋሃህደን ዝኽእል ሽማግለ ኣብ ምህናጽ ይርከባ ስለ ዘለዋ፣ ህዝቢ ዓቢ ተስፋን ትጽቢትን ከሕድረሉ ስለ ዝኻኣለ፣ውጺኢቱ ኣወንታዊ ክኸዉን ምንዮትና ኣብ ርእሲ ምግላጽ፣ ብወገና ከመይ ዝበለ…  Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





30/07/2020 23:45 PM

ህዝቢ ኤርትራ፡

መግቢ እምበር ውግእ ኣየድልዮን ኢዩ!

ብ`ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ.

By Petros Tesfagiorgis

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብምትሕብባር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣንጻር ወያነ ሓርነት ትግራይ ወይ ድማ ክልል ትግራይ ዝዓለመ ናይ ኩናት ከበሮ ይወቅዕ ኣሎ። እዚ ተግባር እዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓትን፡ ብሂወት ዝኾነ ይኹን ኢርትራዊ ዘይሓምምን ምዃኑ ዘነጽር ኢዩ። ኣንጻር እዚ ዘመተ`ዚ ከኣ፡ Read more





30/07/2020 23:45 PM

No war feed

the people in Eritrea!

By Petros Tesfagiorgis

The Eritrean government is beating the drums of war against the TPLF/Tigray in collusion with PM Abiy Ahmed whilst the Eritrean people suffer from food and water shortages. This is a gravely irresponsible move that shows the Government is not concerned about the life of the Eritrean people. It is time to rise up against… Read more





30/07/2020 23:45 PM

ዲሞክራሲን፡ ዓይነታት ስርዓተ-ምርጫን

Democracy and Types of Electoral Systems

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

ኣብዚ ናይ ዶ/ር ገብረ ሰሚናር`ዚ ዝተላዕለ ኣርእስትታት፦ (1) ዲሞክራሲ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?  (2) ዓይነታት ስርዓተ ምርጫ፡  (3) ኣብዛሓ ዓብላሊ ኣገባብ ምርጫ፡  (4) ክልተ ዙርያ ኣገባብ ምርጫ፡  (5) ተማጣጣኒ ውክልና ኣገባብ ምርጫ፡  (6) ሕውስዋስ ኣገባብ ምርጫ፡  ዝብል የጠቓልል። ኣገዳሲን እዋናዊን ብምዃኑ፡ ብጽሞና ክንከታተሎ ኣገዳሲ ኢዩ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦






30/07/2020 23:45 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 42 ክፋል

ብመሲናስ

“ወይ ጉድ! ትግራይ ቤት ሃጸይ ዮውሃንስ ሃገር ዘይተባህለትስ እዛ ትማሊ ናይ ኢትዮጵያ ኣካል ዝነበረት ኤርትራ፡ ሃገር/መንግስቲ ተባሂላ ክትጽዋዕ!? ኤርትራውያን ኣፍሪጭካትኩም እባ ኢኹም!” ቃል ትግራዋይ ደጃዝማች ኣሰግሀይ፡ ካብ 1957-1958 ዓ.ም. ኣማኻሪ እንደራሴ ሃጸይ ሃይለስላሴ ነበር ንኤርትራዊ ደጃዝማች ገብረዮውሃንስ ተስፋማርያም ዝበሉዎ’ዩ።

ደጃዝማች ገብረዮውሃንስ ተስፋማርያም፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት መንግስቲ ቢትወደድ ኣስፍሃን ኣባል ማሕበር ሕብረትን እዮም ነይሮም። ካብዚ ቃል’ዚ እንርድኦ ነገር እንተልዩ፡ ተጋሩ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ክትቀውም ብልቢ ይድግፉ ከምዘይነበሩ’ዩ። ...Read more





27/07/2020 23:55 PM

"እቲ ኮኾብ ተረኺቡ ኣሎ፡

ንዕሰሎ!"

መልእኽቲ ብገዲም ተጋዳላይ

ቴድሮስ ፍስሃየ ሃብተስላሰ

  ኣብዚ ጠውቑ (26 July 2020)፡   

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




27/07/2020 23:55 PM

"ንሳቶም ንሕና"

ናይ ተበለጽቲ ፍልስፍና።

ግጥሚ ብ`ሃብቶም ገብረ

  ኣብዚ ጠውቑ (26 July 2020)፡   

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





27/07/2020 23:55 PM Updated

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ተጋዳላይ

ኣፈወርቂ ኣብርሃ በርሀ

The Funeral of Afewerki Abraha-Berhe

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብርሃ በርሀ፡ ሰኑይ 27 ሓምለ 2020 ክፍጸም ኢዩ።

The Funeral of Veteran and Diplomat, Afewerki Abraha

will take place on Monday 27th July 2020

Read more





24/07/2020 25:55 PM

እንዴ ኢትትወለድ እብ ኼር ለኢበሸረት እትፋቅየት ኢሰያስ ወ ኣቢ ኣሕመድ።

[Radio Saeyob]

  1ይ ክፋል(24 July 2020)፡    2ይ ክፋል(31 July 2020)

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




24/07/2020 06:50 AM Updated

ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

(Coronavirus COVID-19 and Prevention)

እዋናዊ ሓበሬታ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!

ኣብዚ ዓለምና ብኣዝዩ ኣስጋኢ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተለኺፋትሉ ዘላ እዋን፡ ንሃገርና ኤርትራ፡ ምስቲ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ወዲቑ ዘሎ መነባብሮ ህዝብናን፡ ኣዝዩ ትሑት ዓቕሚ ናይ ኤርትራን፡ ኩልና ሃገራዊያን ኤርትራውያን፡ ኣዚና ተሻቒልና ንርከብ ኣሎና። ንሻቕሎትና ኣዝዩ ዘጋድድ ኩነታት ድማ፡ ልዕሊ ርብዒ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ፈቐዶ ስደትን፡ መዓስከራት ስደተኛታት ጎረባብትና ሃገራትን፡ ኣብ ኣዝዩ ትሑትን ዝኸፍአን ናብራ ተጻቓቒጡ ይነብር ምህላዉ ኢዩ። ብሓፈሻ ህዝብና፡ ኣብ ውሽጢ ኣብ ስደት ኣብ መዓስከራትን ዝርከብ፡ ንድራር ዕለቱ ዝጽበ፡ ንጽባሕ እንታይ ከምዝምገብ ውሕስነት ዘይብሉ፡ ኣገልግሎት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዘይብሉ፡ ከምኡ`ውን ውሑስ ኣገልግሎት ጥዕና ዘይረክብን ኢዩ።

ካብዚ ሻቕሎት`ዚ ዝነቐለ እምበኣር፡ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ Read more





24/07/2020 06:50 AM Updated

Global ERITREAN JUSTICE SEEKERS INITIATIVE - TO FIGHT COVID-19

ተበግሶ ዓለምለኸ ወፍሪ

ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

(Fundraising campaign ጻውዒት ንወፈያ)

ኩልና ከምንርእዮ ዘለና ኣብዚ ኣዋን ዓለምና ብምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓቢ ቅልውላው እያ ትርከብ ዘላ። እዚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ነተን ብቁጠባውን ሰነፍልጠታውን ሓይለን ዝምከሓ ሃገራት ከም በዓል ኣመሪካ ከይተረፈ ዓቢ ራዕዲ ፈጢሩ ዘሎ፡ሓደገኛ ሕማም እዩ። ዓለምለኸ ይኣክል ነዚ ኣብ ዓለምና ኣንጸላልዪ ዘሎ ለበዳ ኾሮና ቫይረስ ንምብዳህ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ኤረትራውያን ንምሕጋዝ ናይ ገንዘብ ድለባ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።

Global Yiakl response to the Pandemic COVID 19 Disaster

In response to the pandemic Covid 19 Global  Yiakle set up fundraising task force to support Eritrean refugees in different parts of the world. Read more

See also Related ምስዚ ዝተአኣሳሰር፥-




24/07/2020 06:50 AM Updated

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ተጋዳላይ

ኣፈወርቂ ኣብርሃ በርሀ

The Funeral of Afewerki Abraha-Berhe

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብርሃ በርሀ፡ ሰኑይ 27 ሓምለ 2020 ክፍጸም ኢዩ።

The Funeral of Veteran and Diplomat, Afewerki Abraha

will take place on Monday 27th July 2020

Read more




24/07/2020 06:50 AM

   ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ ቀዳም Saturday, 25 July 2020

from 4 - 6 PM London Ontario Canada time.

"ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ፡ ናበይ ገጻ?

ደምበ ተቓውሞ ኸ?"

“Where is Eritrea heading? And the Opposition?”

ክቡራት ተኻታተልትና፡ ናይ ቀዳም Saturday, 25 July 2020 መዛተዪ ኣርእስትና፥ "ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ፡ ናበይ ገጻ? ደምበ ተቓውሞ ኸ?" ዝብል ኢዩ ክኸውን። ብኽብሪ ትዕደሙ። On Saturday, 25 July 2020, our discussion topic is “Where is Eritrea heading? And the Opposition?” Our guests are: Kidane Hagos, a Kibreab Tesfu, Aman Mohamed, Aamer Abumuhamed and Mahmoud Nur. You are all cordially invited.




21/07/2020 01:22 AM

ምቅይያር ኣሳላልፋ ሓይልታት

ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡

ስምብራቱ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር

ኣብ ኤርትራ

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ንነዊሕ ዘበናት ሰላምን ርግኣትን ረኺቡ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ታኣፋፊ ዞባ ኢዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ንሓርነት ኣዝዩ ጽንኩር፣ ዝተሓላለኸን ኣድማይን ካብዝገብርዎን ዝገብሩዎ ዘለዉን ረቛሒታት ብቀዳንነት ዝርቓሕ፡ ኤርትራ ኣብዚ ዞባ እዚ ተደዂና ስለትርከብ ኢዩ። ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን፡ ኣብዚ ዞባ እዚ ንኽትቕጽል፡ ንሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ማእከል ዝገበረ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ብዕቱብን ብጥበብን ሃንዲሱ ዘተግብር ናይ ህዝቢ ሃገራዊ መንግስቲ ክልዋ ይግባእ። እዚ ግን ክሳብ ሕጂ ክረጋገጽ ስለዘይተኻእለ፡ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ መላኺ ጉጅለ፡ ይትረፍዶ ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ከረጋግጽ፡ ብኣንጻሩ፡ ንሃገራዊ ረብሓ የሕሊፉ፡ ዝህብን ንልዕላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውደቕን ኢዩ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




20/07/2020 23:18 PM

ጀኦፖለቲካዊ ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን

ምህናጽ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን

THE GEOPOLITICAL SETTING IN THE HORN OF AFRICA AND BUILDING DURABLE PEACE BETWEEN ERITREA AND ETHIOPIA

الإطار الجيوسياسي وبناء سلام دائم بين إريتريا وإثيوبيا

Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




20/07/2020 23:18 PM

ብዛዕባ ውህደት ውድባትን

ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ኢትዮጵያን

ዘተ ምስ መራሕቲ ኤርትራውያን ውድባት

[ERISAT]

ኣብዚ ዘተ`ዚ፡ ዝተሳተፉ፡- (1) ኣቶ ነጋሽ ዑስማን፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ (2) ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ (3) ኣቶ ተስፋይ ወ/ሚካኤል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ (4) ኣቶ ኣፈወርቂ ኪዳነ፡ ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ከምኡውን (5) ኣቶ ዑቕባዝጊ ድቡስ፡ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ግምባር ኢዮም። ንውህደት ውድባት ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት ከምኡውን ንህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ኢትዮጵያን ዝምልከት ኣዝዩ እዋናዊን ኣገዳሲን ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም ኣለዉ።

 1ይ ክፋል(13 Jul 2020)፡  2ይ ክፋል(13 Jul 2020)

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





15/07/2020 20:05 PM

ሓንሳብ'ዶ... ክንሓልም፧

ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ፡ ሰብነት ምእንቲ ከልብሳ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ብናይ ቁልዕነት ተዘክሮታተይ ክፍልም’የ።

ኣነ ኣብ ከረን’የ ዓብየ። ከም ተውለ፡ ልሳነይ ቋንቋታት ትርግርኛ፣ ብሌንን ትግረን እናበራረየ። ቆልዑ ከለና፡ ሃይማኖት ካብ ሽም ዝደምቕ መለለዪ ኣይነበረን፣ ካብ ባህልን ቋንቋን ዝድልድል መለለዪ ኣይነበረን። ንቋንቋታትን ባህልታትን ከረን ብናይ ሓባር ዋንነት ኢና ንለብሶ ዝነበርና። እቲ ሃይማኖት ውን ከምኡ። ኣዴታትና ኣብ ግዜ ክረምቲ ብሓንሳብ ይምህለላ፣ በዓላትና ብሓባር ነብዕል፣ ኣብ ቤት ጸሎት ከኣ ነናብ ንኣምኖ ኣንቃዕሪርና ንልምን። Read more





15/07/2020 00:10 AM

42 years ago

Ethiopia assassinated my husband,

Berhane Tesfamariam,

And made my children lives and mine half of one!  – by Kiki Tzeggai.

Berhane, you saw horror and so much cruelty, lives lost! Moreover, to this day, you walk the indefinite line of anonymous! You never tried to grab power; because that worthlessness of power is covered with blood of your friends. You and Eritreans like you escaped 100 villages and moved from 100 houses, trying to survive and gain freedom for our land, Eritrea! Read more





11/07/2020 20:21 PM

The Eritrean regime

should not be allowed to starve its own People.

By Petros Tesfagiorgis

The diaspora Eritreans are concerned about the alarming news of starvation in Eritrea. People are bombarding their relatives in Diaspora to send money for food. Few people, particularly in the capital Asmara, may get some help.   But this is a tip of the iceberg. People outside the capital don’t even have Internet connection to explain their pains and sufferings. Read more

See also Related ምስዚ ዝተአኣሳሰር፥-





11/07/2020 20:21 PM

ምኽባር ሕብረተሰብዊ መንነታት:

አብ ህንጸት መንግስቲ

State Building: Identities & Accommodation

By Prof. Kidane Mengisteab

[Sinit Eritrea]

ኣብዚ ተኻታታሊ መደባት ዝተዘተየሉ ኣርእስትታት Issues of conceptualization፦

(1) Definitions of some important concepts: Country, state, nation, government; (2) State building, nation building; (3) Identities, diversity man-ligement, and accommodation. (4) Democracy and democratization.

Part-1A:  Part-1B:   Part-2:  

 Part-3:   Part-4:   Part-5:

See also ካልእ ኣስተምህሮታት፦




11/07/2020 20:21 PM

ተጻርዶ (Resistance)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ከመይ ቀኒኹም ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ነቶም ሂወቶም ሰዊኦም መንነትናን ሃገርናን ዘስረከቡና ሰማእታትና፣ በቢ ዘለናዮ ሉዑል ተዘክሮን ምስክርን ኣብ ርእሲ ምቅራብ፣ነቲ ዝሃቡና ሕድሪ ዳግመ ቃል-ኪዳን እነሐድሰሉ እዉን ኮይኑ፣ነቲ ብገዛእቲ ተሓሪምዎ ዝነበረ ፍትሕን ዲሞክራስን፣ግዝኣተ ሕጊን፡ ብዝገደደ በዚ ማፍያዊ ዱስቡጣዊ ጃንዳ ህግደፍ ተነፊግዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ነቲ ብደሙ ኣፍሲሱ ዓጽሙ ከስኪሱ ዘምጽኣ፣ነጻ ዝኮነት ሃገረ ኤርትራ፣ኣብ ሓደጋ የእትዋ ስለ ዘሎ፤ ሃገረይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባል ዑጡቕ ቃልሱን ተጻርዶኡ (Resistance) ክቕጽል ግዴታኡ ብምዃን፣ብግብሪ ከርእዮን ከተግብሮን ህርድግ ይብል ኣሎ።  Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




11/07/2020 20:21 PM

ድምጺ ሓርበኛ:

ፈነወ ቁ.21 ቀዳም ሓምለ 11, 2020

Read more

See Also ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




08/07/2020 23:55 PM

ወክቱኹ ራሕመት ሽጛና ኮረና ቪሩስ COVID-19 ቛላዂድ

ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑዂ-ሆደ

ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊኑዂ-ሆደ፡ ደከዉ ሺካ ላዂ ኤመታተል ይነኮል ህንባኹ ዕምጭሲ ቋልኹድ፡ ኤወያ ደርብድ ዓጨጭሰት ይና በና ኢና ፈራዂ ለመለምሊ ውራ ኣኽሮ ሻዂን ከተብነድ ካያ ኣኽጊ ቂርዲ ገርክዲ ከደምነድ ደባነዲ (ሰላም) ፍትሕዲ ይነብሪል ነገስሮ ቡቕሲነዉ ስድቅዲ ቀለምዲ እቑቱ ኣኽላ። ኮዶ ኔስክ እስነኻ ናን ህንባዂሲ ካስሮና ቐደርላ። ይን ህንብናዂ ወክት ይነት ካያ ኣኽጚ እዲናይስክ ለዓኮ እከክ ኤሺሰና ከፍከፍሰነት ዋስስተ ሁመትሊ ገእ ይኖ ዋንትነት ላኽልድ ከስተኽ አኽላ። ይጚር ኒስ ቋላኹድ ገሪው ከተብኑ እንትንኹን። ሽፍሽፋ ንኪሩኽ ደአም እንተ ከውሲ እንትን ህንብደናኽልድክ እንትን ፍሪርድናዂድ ደርብ እልላ ያዂ መዉዕ ፍድና ግን። ይና ቋልናኹ ደርብስኽር ሸፍሸፍኖልኩም ህንብነኩን። Read more





08/07/2020 19:26 PM

“ሽምዓ ምብራህ ምስራሕ ከኣ”

ርእሰ ዓንቐጽ

ውድብ ሓድነት ደሞክራስያዊ ለውጢ

ኣብ’ዚ ቅንያት ብህዝባዊ ቅኒት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ንታሪኻዊ ዝኽሪ ጀጋኑ ስውኣት ኤርትራ 2020 ዘሞግስ ውሓደለ ደጊሙ ንጀጋኑ ስውኣቱ ብምዝካርን ነቲ ህዝብና ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ዝገብሮ ዘሎ ዓብይ ሃገራዊ ፍናን ሓበን ምዃኑ ገሊጹ።

በዚ ዕለት 21 ሰነ 2020 እምበኣር መላእ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ መእተዊ ኣኼባ ዝኽሪ ስውኣትና ብኣፈ ባይቶ ኣቶ ሓምድ ድራር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ኣብቲ ተዳልዩ ዝነበረ ዛዕባታት ኣኼባ ቀጺሉ። ኣ/መ ውሓዲለ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ህዝብና፡ ስውኣትና ተወሳኺ ሰፊሕ መግለጺ ኣቅሪቡ።  Read more

See Also ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




08/07/2020 19:26 PM

ሕማም ስቶክሆልም  

(Stockholm syndrome)

ኣብ ኤርትራውያን   

ዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል  (06 ሓምለ 2020)

ብሽም ዋና ከተማ ሃገረ ሽወደን፥ ብ`ስቶክሆልም ሲንድሮም` ዝፍለጥ ናይ ሰነ-ኣእምራዊ ሕማም ኣሎ። ብሓጺሩ፥ እዚ ብ`ስቶክሆልም ሲንድሮም` ዝፍለጥ ሕማም ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ናይ ስነ-ኣእምራዊ ኩነት ተመራመርቲ ዝተጠቕሙሉ መግለጺ ኢዩ። ኣብ 1973 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሰረቕቲ ኣብ ሓደ ባንክ ሰይሮም ብምእታው ገለ ካብቶም ኣብኡ ዝጸንሑዎም ሰራሕተኛታት ንመዓልታት ጅሆ ሒዞሞም ነይሮም። ኣብዚ ጊዜ`ዚ ገለ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምስቶም ብምፍርራሕ ሒዞሞም ዝነበሩ ሰረቕቲ ክደናገጹ ጀሚሮም። እንተኾነ ካብቲ ኩነታት ብፖሊስ ምስ ተገላገሉ፣ ንጠበቓ እቶም ጅሆ ሒዞሞም ዝነበሩ ሰረቕቲ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ምውጻእ ጎስጓስ ኣካይዶም። ናይ ስነ-ኣእመሮ ተመራመርቲ ነዚ ዘይንቡርን ስግንጢር ጠባይ ናይዞም ህይወቶም ንስከላ ዝደሓኑ ሰራሕተኛታት ኩነት ንምግላጽ `ስቶክሆልም ሲንድሮም` - ሕማም ስቶክሆልም - ዝብል መጸውዒ ሂቦሞ።   Read more

See also ካልእ ጽሑፋት፦




08/07/2020 19:26 PM

In Loving Memory of

Sium Gebremariam Bahta

TEAM FUNDRAISER

Alem Gebre and Musses Gebremariam are organising this fundraiser.

Sium Gebremariam Bahta was born on June 21, 1943 in Eritrea. Sium fought for the struggle of Eritrean independence for seven years. He migrated from

Eritrea to Sudan and then to the United States in 1985 with his wife and daughter. Sium worked at Providence Metalizing for three years, then worked at the Memorial Hospital for 26 years. For the past eight years, Sium suffered from illness and passed away on July 1, 2020. Sium was a hardworking, dedicated and loving person. He leaves behind his wife Alem, his three children Samuel, Oasis, Moses, and five grandchildren. Read more





08/07/2020 19:26 PM

EPDP Eritrea LIBERTY magazine issue No 63

LIBERTY: Bi-Monthly English Organ of the Eritrean People’s Democratic Party - EPDP

May–June 2020  Issue #63

UN ERITREA EXPERT: ‘SITUATION STILL BAD’

Professor Daniela Kravetz, the UN Human Rights Eritrea Rapporteur, in her annual report submitted to the 44th Session of the UN Human Rights Council opened in Geneva on 30 June 2020, once again confirmed that the situation in Eritrea is as grim as ever and of growing concern to the international human rights community. As usual, the Eritrean authorities refused her entry visa to the country again during her second year of monitoring the Eritrean situation. Prof. Kravetz’s predecessor, Ms Sheila Keetharuth, was also denied access to Eritrea for six consecutive years of her mandate. Sadly, the UN Human Rights Council watched the matter idly by. (See p. 8) . Read more

See Also ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




04/07/2020 23:13 PM

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

መልእኽቲ ደገፍ፡ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል

(27 June 2020)

المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإرترية

بيان دعم

الحركة الشعبية كفاية / ياكل

Global Initiative to Empower Eritrean Grassroots’ Movement (GIEEGM): message of support for the YIAKL peoples' movement (27 June 2020)  Read more





04/07/2020 23:13 PM Updated

ERITREA FOCUS

ዋዕላ ህንጸት ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ 2020፡ ተጋቢኡ፡

BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA CONFERENCE (29 June - 04 July 2020).

ዋዕላ ህንጸት ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ 2020፡ ካብ ሰኑይ ዕለት 29 June ክሳብ 04 July 2020፡ ብኢንተርነት (virtual conference)ተኻይዱ። እዚ ዋዕላ`ዚ፡ መቐጸልታ ናይ 2019 ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ ዝተሳተፉ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተዓደሙ ኣስታት 300 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ምሁራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኢዮም።

Eritrea Focus is holding this conference as part of its contribution to building democracy in Eritrea. The aim is to provide papers on key issues and topics like justice, foreign policy, the economy, Eritrean diaspora working together, lessons from other transitions and engaging with International democracies, which would be useful to justice seeking Eritreans and future government once the current dictatorship has ended.  Read more




02/07/2020 22:20 PM

ቃልሲ

ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ

STRUGGLE FOR

dEMOCRATIC TRANSITION IN eRITREA

ኣስተምህሮ ብ`ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

Seminar by Dr. Gebre Gebremariam

ኣብዚ መደብ`ዚ፡ ዶ/ር ገብረ፡ (1) ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ መእተዊ (2) ጥሜትን ዓጸቦን ኣብ ኤርትራ (3) ጥልመታት ኢሳያስ ኣብ ርእሲ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን (4) ምብትታን ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ (5) መድረኻት ቃልሲ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ (6) ባህርን ምንጪን ፖለቲካዊ ስልጣንን (7) ባህርያት ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ዝብል ኣርእስትታት ብዝርዝር ኣስተምህሮ ሂቡ ኣሎ።  Read more







ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ

OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS

(24 March 2001)

እዚ "ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ" ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ በቶም ንቅዋማዊ ምሕደራ ዝጠለቡ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን ኣባላት ባይቶን፡ (ብጉጅለ-15 (G-15)ዝፍለጡ)፡ ኣብ 2001 ዘውጽኡዎ ቅሉዕ ጠለባትን መልእኽትታትን ዝሓዘ ታሪኻዊ ሰነድ ኢዩ። እዚ ቅኑዕ ህዝባዊን እዋኑ ዝጠልቦ ዝነበረን ጠለቦም፡ ከም ገበን ተቖጺሩ ኸኣ፡ ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዞም፡ ኣብ ማሕዩር ክበልዩን ሃለዋቶም ተሸሪቡን ይርከብ። ብዙሓት ካብኣቶም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት እኳ እንተፍለጡ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ዝኾነ ወግዓዊ መልሲ ኣይተዋህበን።. Read more





Snitna: Code of Conduct

መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

[Snitna.com  ስኒትና]

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more



Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe