ህዝቢ ኤርትራ፡ መግቢ እምበር ውግእ ኣየድልዮን ኢዩ!

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/07/2020 23:45 PM

ህዝቢ ኤርትራ፡
መግቢ እምበር ውግእ ኣየድልዮን ኢዩ!

ብ`ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

ህዝቢ ኤርትራ፡ መግቢ እምበር ውግእ ኣየድልዮን ኢዩ!
ህጻን ቖልዓ ኣብ ጽርግያ ወጺኡ ሽጋራን ካልእ ንኣሽቱ ነገራትን ሸይጡ ንስድርኡ ዝሕግዝ ኣበይ ዓዲ ተራእዩ እፈልጥ ብዘይካ ኣብ ኤሪትራ፡ ጥምየት ክፉእ!

ህዝቢ ኤርትራ፡ መግቢ እምበር ውግእ ኣየድልዮን ኢዩ! ብ`ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብምትሕብባር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣንጻር ወያነ ሓርነት ትግራይ ወይ ድማ ክልል ትግራይ ዝዓለመ ናይ ኩናት ከበሮ ይወቅዕ ኣሎ። እዚ ተግባር እዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓትን፡ ብሂወት ዝኾነ ይኹን ኢርትራዊ ዘይሓምምን ምዃኑ ዘነጽር ኢዩ። ኣንጻር እዚ ዘመተ`ዚ ከኣ፡ ብዓውታ “ህዝቢ ኤርትራ መግቢ እምበር ውግእ ኣየድልዮን ኢዩ” ኢልና ከነድምጽ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ሰላምን ፍትሕን ክርኢ ሃንቀው ኢሉ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ብሂወት ናይ ህዝቡ ዘይግደስ ናይ ኤርትራ ስርዓት ግን ጸማም እዝኒ ኢዩ ሂብዎ ዘሎ።

ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን በዚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓደጋ ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ህዝቢ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ደቁን ኣሕዋቱን ገንዘብ ክስደደሉ ብቐጻሊ ይሓትት ኣሎ። እዚ ጽሑፍ ኣብ ዝጸሓፈሉ ዘሎ እዋን ጥራሕ፡ ህጻናት ኣብ ዝተፈላለየ ከበሳዊ ክፋል ኤርትራ ብጥምየት ሞይቶም ኣብ ቤተክርስትያናት ይቕበሩ ከም ዘለዉ J-Studio ዝብሃል ናይ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከን ኣውኪኡ ኣሎ። እዚ ናይ ሓደጋ መልእኽቲ ብኣጋ መልሲ ረኺቡ፡ ህዝቢ ክዕንገል እንተዘይክኢሉ ድማ፡ ዓለም ካልአይቲ የመን ከይትርኢ ዘስግእ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ን Ms. Daniela Kravetz, ናይ ሕቡራት ሃገራት ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ከይትኣቱ ምኽልካሉ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓደጋ ንምሽፋን ኢዩ።

ኣብዚ ዓለም ኣንጻር Covid-19 ኣብ ውግእ ኣትያትሉ ዘላ እዋን፡ እቲ ዝዓበየ መከላኸሊ ዝርገሐ ናይዚ ቫይረስ፡ ሰብ ኣብ ገገዝኡ ክዕጾ ከም ዘለዎ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት፡ ነዚ ናይ ምዕጻው ሕጊ ከኽብራ እንተደኣ ኮይነን፡ መግቢ፡ መከላኸሊ ኣጽዋርን (PPE) ፈጣን ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን ክረኽባ ኣለወን። እዚ ኣገዳሲ ዕማም እዚ ብዓለም ተፈላጥነት ረኺቡ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ሃብታማት ሃገራት ሓላፍነት ተሰሚዕወን ንድኻታት ሃገራት ሓገዘን ከበርክታ ተማሕጺነን ኢየን። ንኣብነት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ኣብ ምክልኻል እዚ ለበዳ ዝውዕል €15.6 ቢልዮን ኢሮ ንኤስያ፡ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካን ዞባ ባልካንን ክህባ ተማሕጺነን ኢየን። ካብዚ €3.25 ቢልዮን ንኣፍሪቃ፡ €1.19 ቢልዮን ድማ ብፍላይ ንኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ከም ዝውዕል ኣነጺረን ኢየን።

ናይ ኤርትራ ኩነታት ከመይ ኣሎ?

1. መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ናይ ምውሻብ እዋን፡ መግቢ ይኹን ካልእ ንመነባብሮ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራት የቕርብ የለን። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ መግቢ ንምምእራር ናብዝን ናብትን ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ብሰራዊቱ ጌሩ ህዝቢ ከበሳብስ ይርአ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ መንግስቲ፡ ህዝቢ ንጥምየት ክቃላዕ ኢዩ ገዲፍዎ ዘሎ። ስለዚ ኢዩ ከኣ ህዝቢ ሓገዝ ዝሓትት ዘሎ።

2. ‘ሂወት ኣብ ትሕቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ዘለዉ እሱራት ንሕማም COVID-19 ብዝያዳ ዝተቃልዑ ኢዮም። እዚ ከኣ ብሰንኪ ብዝሒ እሱራት፡ ናይ ጥዕና ጸገማትን ስእነት ጽሬትን ክንክንን ምዃኑ ኣሚኒስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ ኣሎ።

3. እቶም ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝቕመጡ ተወለድቲ ዓፋር ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ዓሳ ብምጅላብን ምስ ከባቢኦም ንግዲ ብምክያድን ኢዮም ዝነባበሩ። ይኹን እምበር መንግስቲ፡ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ከየካይዱ ኣጊድዎም ኢዩ ዘሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ንክቱር ጥምየትን ዓጸባን ተቓሊዖም ይርከቡ። ኣብ ምዕራባዊ መታሕት ሃይኮታን ከባቢኣን ድማ ህጻናት ብስእነት መግቢ ይመቱ ኣለዉ።

4. ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደጋ ኮቪድ 19 ንምንካይ፡ ኤርትራ ፖለቲካዊ እሱራትን ንህዝቢ ሓደጋ ዘይኮኑ እሱራትን ካብ ማእሰርቲ ክወጹ ጸዊዑ ኢዩ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጻውዒት ኣይተቐበሎን። ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰዶ መግናሕቲ የለን።

5. ኣብ 2019፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነተን ብናይ ሮማ ካተሊካውያን ቤተ ክርስትያናት ዝእለያ 27 ናይ ጥዕና መደበራት ዓጽዩ ኢዩ። ምዕጻው ናይዘን ናይ ሕክምና መደበራት ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ሕክምናዊ ንጥፈታት ዓቢ ሃጓፍ ከምዝህልዎ ጌሩ ኢዩ። ከምቲ Paolo Lambruschi Friday 5 June 2020 Source: L’ Avvenier ዝበሎ ኣብ ዞባ ዓፋር፡ ባዳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ 30 ዝዕድሚኣ ሓሊማ መሓመድ ብሰንበት መይታ። እዛ ነፍሰ ጾር ዝኾነት ሰበይቲ ናይ ሕክምና ሓገዝ ብዘይምርካባ ኢያ ሂወታ ሓሊፋ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብቑዕ ናይ ማይን ኤለትሪክን ኣገልግሎታት ዘይብሉ ብዙሓት ደቀ-ኣንስትዮን ቆልዑን ብጥምየት መይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኢዩ ዝግመት።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ዓለም ለኻዊ ሕበረተሰብ ሓገዝ ኣይቅበልን ኢሉ። ስለምንታይ?

ኢማራት ዓረብ ንብዙሓት ብ Covid-19 ዝተጠቕዓ ሃገራት ሓገዝ ትህብ ኣላ። ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ዓሰብ ዝርከቡ ሰራዊታ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተቐማጦ ህዝቢ ዓፋር ሓገዝ ክትህብ እውን ሃቂና ኢያ። ይኹን እምበር፡ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ዝኾነ ጀነራል ተኽለ ክፍለ፡ እቲ ህዝቢ ከይሕገዝ ኣጊዱ ኣሎ። ኤርትራ ኣብ ፍጹም ወተሃደራዊ ምሕደራ ስለ ዘላ፡ ህዝቢ ቃንዝኡን መረርኡን ክገልጸሉ ዘኽእሎ ባይታ የብሉን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማን ዓሊባባ ጉጅለኡን ዝተወፈየ ምሉእ ናይ Covid-19 ዕጥቂ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ መዓልቦ ነፋርቲ ኤርትራ በጺሓ ከይትወርድን ኣቑሑት ከይተራግፍን ተኸልኪላ ኢያ። ብኡ ንብኡ ከኣ ናብቲ መበገሲኣ ዝኾነ መዓልቦ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ከምትምለስ ተጌሩ። ናይዚ ዕድል እዚ ከኣ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ ተጠቀምቲ ኮይነን ኢየን።

ናይ ኤርትራ ስርዓት ተቓሊዑ ኢዩ። ምምጻእ ናይዚ ሓደገኛ ለበዳ ንናይ ኤርትራ ስርዓት ከም ዝቃላዕ ጌርዎ ኣሎ። ነዚ ለበዳ ከኣ ህዝቢ ንምጭቋን ከም መሳርሒ ይጥቀመሉ ኣሎ። ሕማም ኮሮና ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ብምጥቃም ንህዝቢ ኣጥምዩ ብምሓዝ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ዕንደራ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተቓውሞ ንኸይኣጋጥሞ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ ኢዩ። ህዝቢ ናይ ኢሳያስ ስልጣን ክብድህ ይኽእል የለን። እዚ ስርዓት ስለምንታይ ኢዩ ንህዝቢ ኣጥምዩ እንዳሃለወ ንውግእ ዝነቅል ዘሎ?

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ናይ ሰላም ውዕል ብሓጎስ ተቐቢልዎ ኢዩ። መንእሰያት ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ምድጓንን ቀጻሊ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ከቋርጽ እምነት ኔርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን ከምዝበንን ጌርዎ። ክልተ ዓመት ድሕሪ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ጭቆና ገዲዱ እምበር ኣየቋረጸን። ኢሳያስ ነዚ ኣብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ቀጻሊ ግፍዒ ስለ ዘየቛረጾ ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህሉ ዝነበሮ ሓቀኛ ሰላም ኣብ ምፍጣር ዝነብሮ ዓቢ ዕድል ኣጥፊእዎ ኢዩ። ኢሳያስ ብስልጣን ዝዓበደ ሰብ ኢዩ። ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ ድማ ዝቕይር ሰብ ኣይኮነን። ከምቲ ለባማት ዝብልዎ ስልጣን የበላሽወካ ኢዩ። ፍጹም ስልጣን ድማ ንኹሉ ነገር ኢዩ ዘበላሹ። በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ቃንዛን ስቓይን ዝግደስ ሰብ ኣይኮነን። ቀስ ብቐስ እተን ክልተ ዓበይቲ ለገስቲ ትካላት (ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን) ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ጭቆና ጠጠው ከብል ከምዘይክእል ክርድአን ጀሚሩ ኣሎ።

ሎሚ `ንጉስ` ኢሳያስ ክዳን የብሉን። ጥርሑ ኢዩ ዘሎ። ምሉእ ብምሉእ ተቐሊዑ ኢዩ ዘሎ። ናይ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ምምሕዛው ፖሊሲ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ስራሕ ፈጢርካ ህዝቢ ካብ ቀጻሊ ፍልሰት ንምድሓንን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽን ተባሂሉ ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተለገሰ ሓገዝ ክሰርሕ ኣይከኣለን።

ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ንምቕያር ኣብ ቀጻሊ ጎስጓስ ክንጽመድ ይግባኣ። ህዝቢ ግቡእ መግቢ ረኺቡ ካብዚ ለበዳ ክገላገል ድማ ንመንግስታትን ናይ ፖለቲካን ሲቪክ ውድባትን መራሕቲ እንዳበጻሕና ንህሉው ናይ ኤርትራ ኩነታት ዝምጥን ናይ ስራሕ ዕዮ ከነዋድድ ይግባእ።

ብተወሳኺ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ኣባል ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ንኽትከውን ኣፍቁዳ ኢያ። እዚ ብሕቡራት ሀገራት ዝተወስደ ውሳኔ፡ ኢሳያስን ኣብይን ንምትዕራቕ ዝዓለመ ኾይኑ፡ ኤርትራ ካብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንኽትቁጠብ ሓጋዚ ተራ ክጻወት ይኽእል ኢዩ ካብ ዝብል እምነት ዝተበገሰ ኢዩ።

ኩሉ ልቢ ኢሳያስ ንምልስላስ ዝተጠቕማሉ ስትራተጂ፡ ንኢሳያስ ከብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክገትኦ ኣይከኣለን። ኢሳያስ፡ ንትጽቢት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ከምዘይማላእ ጌሩ ኢዩ። ኢሳያስ ነቲ ናተን ነብሰ-ዕግበት (complacency) ክምዝምዝ ጥራሕ ኢዩ ኣሕሊፍዎ። ሕጂ ቀስ ብቐስ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሓቂ ክፈልጡ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መበል 44 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ከም ዘየልቦ፡ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዳኒኤላ ክራቨትዝ ሓቢራ ኣላ። ንሳ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ከምዘሕዘና ኢያ ገሊጻ። ኩሎም ወከልቲ ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳስቦም ኢዮም ገሊጾም። 35 ካብቶም ወከልቲ፡ ፍልይቲ ልእኽቲ ንሓደ ዓመት ክትቅጽል ምድማጾም ድማ ክሳብ ክንደይ ነቲ ስርዓት ተጸይፈሞ ከም ዘለዉ ዘርኢ ኢዩ።

እዚ ኹሉ ናይ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኤሮጳን ደገፍ ንኢሳይስ ንህዝቢ ብዝያዳ ክጭቑን ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ስለ ዝርደኦም ዘሎ - ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ሓደ ጽቡቕ ናይ ምንቅስቃስ ባይታ ፈጢሩ ኢዩ። ብዕለት 25 ሰነ 2020፡ ኣብ ናይ ጀርመን ባይቶ ብዛዕባ ኢርትራ ናይ ሳይበር ክትዕ ተኻይዱ ኢዩ። 60 ሰባት ካብ 10 ሀገራት ተኻፊሎሞ ነይሮም። ኣባላት ናይ ፓርላማ ጀርመን እውን ተኻፊሎም ነይሮም። ትንታኔ ናይቶም መብዝሕትኦም ኣቕረብቲ መንግስቲ ኤሪትራ መሰል ህዝቢ ኤሪትራ ከውሕስ ኣይክእልን ኢዩ ኣብ ዝበል መደምደምታ ቢጺሖም። ኣብ መወዳእታ እቶም ጉበኤኛታት ምስ ደለይቲ ፍትሒ ምትሐብባር ዝሐሸ ከም ዝኾነ ደምዲሞም።

ኣብ ኣመሪካ እውን እንተኾነ፡ ማይክል ራቢን ዝተባህለ “ ጊዜኡ ኣኺሉ እዩ ናይ ኣመሪካ ሰበ ስልጣናት ነቶም ኣብ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ነቲ ኢሳያስ ካብ ስራሕ ወጻኢ ጌርዎ ዘሎ ሃገራዊ ትካላት ኣብ ምህናጽ፡ ዘድሊ ሓገዛት ኣብ ምግባር መደባት ክሕንጽጹ ኣለዎም ክብል ጺሒፉ ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ዓለም ለኻዊ ሕብረተሰብ ካብ ኢሳያስ ዝነበሮ ትጽቢት ጸንቂቑ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ደለዩ ፍትሒ ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሙ ጎስጓሱ ብዕቱብ ክቕጽል ኣለዎ።

እዚ ለውጢ እዚ፡ ንኹሎም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝደናገጹን ክተሓጋገዙ ድልውነቶም ዝገለጹን ባእታታት ንምርካብን መረዳእትኦም ንምዕሟቑን ሪሒብ ባይታ ፈጢሩ ኣሎ።

ንሕና ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ ሰለስቲ ሃገራት ኤውሮጳ (ዓባይ ብርጣንያ፡ ሆላንድን ጀርመንን) ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ኣኬባ ዝተኻፈልና ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣኬባ ገርና ከመይ ገርና ሓቢርና ከም ንሰርሕ- ነቲ ውሳኔ ናይቲ ጉባኤ ክንምዝምዞ ክንዝተየሉ ተሰማሚዕና። ኣብዚ ጊዜ እዚ ንህዝብና ኣዚዩ ኣሻቂሉ ዘሎ - ኮነ ኢልካ ብህግደፍ ተወጢኑ ዘሎ ህዝቢ ምጥማይ እዩ። ነዚ ከነቃልዖን መፍትሒ ክንረኽበሉን መደብ ኣውጺእና ክንሰርሐሉ ተሰማሚዕና። ካብ ሆላንድ ሙሉበርሃን ተመልሶ። Muluberhan Temelso is the Director General of the Foundation of Human Rights for Eritreans- Holland (The Netherlands). The foundation filed a complaint against the European Commission in court for using unpaid labour from the national service። ካብ ጀርመን Dr Awet Kessete and his colleague Mr Temelso Gebresus from the Eritrean Associations for Democracy / Germany ኣነ ኸኣ ካብ ዩናይትድ ኪንግዶም፥ ኣባል ኤሪትራ ፎካስ። ህዝብና ብዝቐልጠፈ እዋን ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዝረክብ ንምግባር ንሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምጉስጓስ ፕርጀክት ኣዳሊና ተበጊስና ኣለና። ብዓል ተመልሶ ዝተሓባበሩና ጀርመናውያን ኣለውና ብዝብል ብተስፋ ገሊጾሙልና እዮም። መንግስቲ ጀርመን መንግስቲ ኤርትራ መሰል ህዝቡ ዝግህስ ስለዝኾነ ሐገዝ ከምዘቓረጾ ብወግዔ ኣፍሊጡ እዩ።

እታ ካልኣይቲ ዕማም ኢሳያስ ኩናት ኣንጻር ትግራይ ንምኽያድ እሸባሸብ ስለ ዘሎ ተቛውመና ን ኢትዮጵያውያንን፣ ንዓለምን ምግላጽ እዩ። ኣብዚ እቲ ዝበለጸ ብፖሊቲካዊን ሲቪላውን ውድባት ክድፍኣሉ ከሎ እዩ። ግን ኩሉ ኤሪትራዊ በብዓቅሙ ክግደሰሉን ክሰርሓሉ ዘለዎ እዩ። ድሕሪ ሕጂ እዚ ደም ትግራዋይ ብኤሪትረዊ ክፈስስ የብሉን፡ ከምኡ እውን ደም ኤሪትራዊ ብትግራዋይ ክፈስስ የብሉን። ኢሳያስ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኮፍ ክብል ንምሕጋዝ እምበር ንኤሪትራ ሐልዩ ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ።

ኢሪትራ ፎካስ - ህዝቢ ኤሪትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ጥምየት ክገላገል - ኣቤቱታ- ንዋና ጸሐፊ ወድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቅሪቡ ኣሎ። ኣብታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠዊክኩም ብፈርማኹም ተሐባበሩና።

https://eritreahub.org/eritrea-and-covid-19-petition-the-un-to-prevent-starvation

https://asenatv.com/an-appeal-to-the-un-to-prevent-imminent-starvation-and-a-humanitarian-crisis-in-eritrea/


Share with friends:


Eritrea, die EU und Menschenrechte -
Eritrea, the EU and Human Rights

Version in deutsch:
Version in english:


See also recent Articles by By Petros Tesfagiorgis:

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ COVID-19. Staying safe from Coronavirus infection

Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን


(1) ኣብ ቀጻሊ ምክልኻል ንኮቪድ 19 (2) ተራ መንግስትን ህዝብን
(1) Covid-19 Continuous Prevention (2) The role of the people and GOE
Dr. Joseph Gebremichael




Share with friends: