መግለጺ ነጻ ማሕበር ሚላኖን ከባቢኣን - ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ፡

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/07/2020 23:45 PM

መግለጺ ነጻ ማሕበር ሚላኖን ከባቢኣን
ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ፡

ዕለት 26 ሓምለ 2020

መግለጺ ነጻ ማሕበር ሚላኖን ከባቢኣን - ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ፡

መግለጺ ነጻ ማሕበር ሚላኖን ከባቢኣን
ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ፡
ዕለት 26 ሓምለ 2020

ነጻ ማሕበር ሚላኖን ከባቢኣን ኣብ ዕለት 26 ሓምለ 2020 ኣኬባ ብምክያድ ኣብ ሰለስተ ዛዕባታት ዘተኮረ ሰፊሕ ምርድዳእ ኣካይዱ። እቶም ናይ ኣኼባ ኣጀንዳታት፣

1. ማሕበርና ኣካል ዓለምለኻዊ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ንምዃን ብኢጣልያ ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪን ውጽኢቱን፣

2. ብምትሕባባር ይኣክልን ካልኦትን ማሕበራትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓገዝ ውጽኢት ተሳትፎና ከመይ ኣሎ ?

3. ህልው ኩነታት ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል ? ዝብሉ ነበሩ።

ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣጀንዳታት ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያድ ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ከምዘሕለፍና ክንሕብር ንፎቱ።

1. ማሕበርና ኣካል ዓለምለኻዊ ናይ "ይኣክል" ምንቅስቓስ ንምዃን ዘክእሎ ኩነት ንምፍጣር ብኢጣልያ ደረጃ ክቐውም ከምዘለዎ ብምርዳእ ምስ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢጣልያ ዘለዉ ማሕበራትን ውልቀስባትን እንዳተራኸበ ዘተ ከካይድ ከምዝጸንሐ ብምዝካር፣ኣብዚ እዋንዚ ንኩልና ዝጠምር ምውህሃድ ንምፍጣር ንድፊ ቅዋም ተቐሪቡ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እዚ ንድፊ 'ዚ ናብ ኩሎም ኣባላት ብምዝርጋሕ ኣብ ቀጻሊ እዋን ካብ ኣባላት ዝመጽእ ሓሳባት ተወሲኹዎ ብወከልቲ ማሕበራት ክጸድቕ ኣብ መደብ ኣትዩ ከምዘሎ ብምርድዳእ ተደምዲሙ።

2. እቲ ብምትሕብባር ይኣክልን ካልኦት ማሕበራትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓገዝ ዘመተ ዝምልከት ኣጀንዳ ኣብ – ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ዚጋታትና ንምሕጋዝ ዝዓለመ ዘመተ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ በቲ ዝወጸ ቅጥዒ መሰረት ኣካየዲት ኣካል ማሕበር እቲ ናይ ዘመተ ተክኖሎጂ መስመር ብምዝርጋሕን፣ እቶም ናይ ተክኖሎጂ መስመር ክጥቀሙ ዘይክእሉ ዜጋታት ድማ ብኣካል ንምእካቡ መደብ ሓናጺጻ ከም ዝተንቀሳቐት ብምሕባር እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኣከበ ውጽኢት ናብቲ ናይ ሓባር ቆፎ ተረኪቡ ምህላዉ ተረጋጊጹ። እቲ ዘመተ ቀጻሊ ብምዃኑ ብሕጂውን ኩሉ ኣባል ክደፍኣሉ ብለበዋ ተዛዚሙ።

3. ህልው ኩነታት ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን እንታይ ከምዝመስል ዝምልከት ኣጀንዳ - እቲ ዝበዝሐ ጊዜ ዝወሰደን ዓሚቑን ሰፊሕን ዘተ ዝተካየደሉ ኣርእስቲ ምንባሩ ክግለጽ ይግባእ።ኣብ ሰለስተ ንኡስ ኣርእስትታት ዝተኸፍለ ኮይኑ ብቐዳምነት ኣተሃላልዋ ህዝብና ኣብዚ እዋን 'ዚ ከመይ ከምዘሎ ዘተኮረ ኢዩ።

እቲ ብጉልባብ ምክልኻል ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተወስደ ስጉምትታት ኣብ ጽፉፍ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ ዘይምንባሩን ምስኡ ክወስድ ዝነበሮ ምቅርራብ ዘይተገብረሉ ምኳኑን ተገንዚብና። ዝኮነ ይኹን ናይ መግብን ጥዕናን ኣድላዪ ቀረባት ከይተሓስበሉ ዝተወጠነ ምንባሩ ኣብዚ እዋንዚ ንህዝብና ኣብ ብርቱዕ ናይ ስእነትን ጥሜትን ኣውዲቕዎ ከምዘሎ መዚንና። እቲ ዕላማ ናይ ወሸባ ንህዝብና ዓፊንካ ንምሓዝን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ኣተኩሩ ካብ ዝኾነ ከርእዮ ዝክእል ተቓውሞ ንምዕጋትን ከምዝነበረ ተርዳዲእና። ኣብዚ እዋንዚ ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ ቀረብ መግብን፣ ክብሪ ዕዳጋን ሕጽረት ገንዘብ ካብ ባንክታት ናይ ምርካብ ዘሎ ተኽእሎን ንህዝብና ኣብ ከቢድ ሽግር ሸሚምዎ ምህላዉ ውጽኢት ናይቲ ብዘይ ጽፉፍ መጽናዕቲ ዝተወሰነ ስጉምትታት ምኳኑ ገምጊምና። ሽግር ህዝብና ኣብዚ እዋን 'ዚ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ከምዘሎ ተገንዚብና።

ኣስዒብና እቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ብምትእስሳር ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘካይድዎ ዘለዉ ውዲታዊ ምንቅስቓሳትን ወፍርን ብምምዛን፣ እቲ ዝክተልዎ ዘለዉ ፖሊሲን ስዉር ንጥፈታትን ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ ንብሄራትን ንብሄረ ሰቦች ኢትዮጵያን ኣብ ብርቱዕ ቅልውላውን ናይ ሕድሕድ ጽልእን ዘእቱ ከምዝኾነ ንእምት፡፡ ኣንጻር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እንዳተብራተዐ ዝከይድ ዘሎ ቃልሲ ብምግንዛብ፣ ምስዚ ምንቅስቓሳት 'ዚ ምትእስሳርን ኣንጻር ሓባራዊ ጸላእቲ ሓባራዊ ቃልሲ ምክያድን ኣገዳሲን እዋናዊን ምኳኑ ንኣምን።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ኣንጻር ፖለቲካዊ ውዲታት ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈውርቅን ደው ዝበሉ ምንቅስቓሳት ናይ ብሄራት ትግራይን ኦሮሞን ካልኦትን ክንራኸብን፣ ልዑላውነት ሃገርናን ህዝብናን ዘኽብረ ናይ ሓባር ተበግሶታት ክንወስደሉ ንክእል ዝርርብ ክንገብርን ንውስን። እዚ ብቅልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ዝምድና ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምኳኑ ብምግንዛብ ፣ ኩሉና ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ናይ ሓባር ጸላእትና ብሓባራዊ ቃልሲ ንምግጣሞም ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ብምርድዳእ ቃልስና ከነበርትዖ ንጽውዕ።

ቀጺልና ዝተዘራረብናሉ ኣጀንዳ እዋናዊ ኣተሃላልዋ ተቓውሞና ኢዩ። ኣብዚ እዋን 'ዚ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ኣዎንታዊ ምኳኑ ብምርግጋጽ፣ኣብቲ ቅድሚ ቅሩብ ሰሙናት ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣቶኩርና ገምጋምና ኣስፊርና።እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ ህዝብና ካብ ነዊሕ እዋን ዝተጸበዮን ዝተመነዮን፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ተፈቲኑ ከይተዓወተ ዝተረፈን ምኳኑ ብምዝካር፣ኣብዚ ተሃዋሲ ዝኮነ ኩነታት ሃገርናን ጎረባብትናን ምምጽኡ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ምኳኑ ንርዳእ፡ እንዳሰጠመን እንዳበርትዐን ክኸይድ ድማ ምሉእ ተስፋ ንገብረሉ። ዓቕምና ዘፈቕዶ ኣበርክቶ ክንገብርን ምሉእ ደገፍና ክንህቦ ከምዝኾናን ድማ ነረጋግጽ። ከምቲ ኩሉና ንፍልጦ ኩነታት ሃገርናን ከባቢኣን ብሓያል ቅልጣፈ ይቀያየር ምህላዉ ዘይዝንጋዕ ሓቂ ኢዩ፡ ነዚ ዝጽበየና ዘሎ ብደሆታት ንምግጣም ብቑዕ ኮይኑ ክርከብ ምስ ምንቅስቓስ ይኣክልን ካልኦት ሲቪክ ማሕበራትን ምትእስሳርን ሓባራዊ ቃልሲ ምክያድን ዘይስገር እዋናዊ ሓላፍነት ኮይኑ ይርኣየና።

ብተወሳኺ እቲ ኣብዚ ቅንያት 'ዚ ካብ ቃለ መሕትት መስፍን ሓጎስ ነቒሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ሰፊኑ ዘሎ ሓዱሽ መንፈስ ናይ ቃልሲን ተቐባልነትን ተስፋ ዘስንቕ ተርእዮ ከምዝኾነ ንርዳእ። ኣብ መስፍን ሓጎስ ዘሎና እምነትን ኣድናቖትን ብሕሉፍን ህልውን ናይ ቃልሲ ታሪኹ ዝተደገፈ ስለዝኮነ ነቕ ዘይብል ኢዩ፡ ይኹን 'ምበር እዚ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን እንዳማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ብተዋሳእነት ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ውድብ ጥራይ ዝግጠም ክኸውን ከምዘይክእል ንርዳእ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ብዙሓት ምኩራት ተቓለስትን መራሕትን ምሁራትን ኤርትራውያን ከምዘለዉ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምምዕባሉን ንምስፍሑን እዞም ተጠቒሶም ዘለዉ ዜጋታት ኢዶም ክሕውስሉ ጻዊዒትና ነቕርብ። መራሕቲ ውድባትን ምንቅስቓስ ይኣክልን ተርኦም ክጻወቱ ኣብ ምውህሃድን ምእላይን እዚ ቃልሲ 'ዚ ሓላፍነቶም ክሽከሙን እዋናዊን ህጹጽን ጠለብ ምኳኑ ብምእማን ጻዊዕትና ነቕርብ።

ሓባራዊ ቃልስና ዋሕስ ዓወትና

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኢዩ።

ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖን ከባቢኣን

Read in PDF ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።



Share with friends:


"እቲ ኮኾብ ተረኺቡ ኣሎ - ንዕሰሎ።"
መልእኽቲ ብገዲም ተጋዳላይ ቴድሮስ ፍስሃየ ሃብተስላሰ



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: