Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

April 2019 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና


Search our site መድለዪ:
 





ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ

OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS

(24 March 2001)

እዚ "ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ" ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ በቶም ንቅዋማዊ ምሕደራ ዝጠለቡ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን ኣባላት ባይቶን፡ (ብጉጅለ-15 (G-15)ዝፍለጡ)፡ ኣብ 2001 ዘውጽኡዎ ቅሉዕ ጠለባትን መልእኽትታትን ዝሓዘ ታሪኻዊ ሰነድ ኢዩ። እዚ ቅኑዕ ህዝባዊን እዋኑ ዝጠልቦ ዝነበረን ጠለቦም፡ ከም ገበን ተቖጺሩ ኸኣ፡ ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዞም፡ ኣብ ማሕዩር ክበልዩን ሃለዋቶም ተሸሪቡን ይርከብ። ብዙሓት ካብኣቶም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት እኳ እንተፍለጡ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ዝኾነ ወግዓዊ መልሲ ኣይተዋህበን።. Read more




29/04/2019 21:49 PM

ትዕዝብተይ ብዛዕባ

ካላኣይ ጉባኤ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)

ብርሃነ ኪዳነ (ጃለ)

እዛ እዋናዊት ጽሕፍቶይ ፣ከም ሓውሲ ሪፖርታጅ ኣብ ክልተ ክፋል መቂለ ክትወጽእ መሪጸ ኣለኹ።

   ኣነ ካብ ናይ ሓባር ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)  ብዝተገብረለይ ዕድመ እየ ነቲ ጉባኤ ተሳቲፈዮ። ኣመስጊነ ንኣመስጋኒና ኣሕሊፈዮ ኢየ። ምኽ ያቱ ኣነ ኣብ ኣዋሳ ኣይተሳተፍኩን፣ ግን ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝተመስረተሉ ምስ ኩሉ ሕልኽልኻቱን ኣወንታዊን ኣሉታውን ሸነኻቱ ብወገነይ ክክካታተሎን፣  ከም ግዱስ ኤርትራዊ ብኣትክሮ መጻኢ ኤርትራዊ ምስግ ጋር ስልጣን ኤርትራ ብምስውዓል ሓደ ናይ ሓባር ውደባ ንባዶነት ስልጣን ክምልስ ክኽእል ኣለዎ ዝብል እምነት ጸኒሑ እዩ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡



28/04/2019 23:58 PM

ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ

Building Democracy in Eritrea Conference

24-25 April 2019 - London

ERITREA FOCUS ከምኡውን ብ Institute of Commonwealth Studies ዝተወደበ፡ Building Democracy in Eritrea - Conference ማለት "ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ካብ ዕለት 24-25 April 2019፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ዋዕላ ክካየድ ቀንዩ። ካብ ዝተፋላለየ ክፍላተ-ዓለም ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ፈላጣት፡ ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፎም። ኣቶ ሃብተ ሓጎስ (ኣብ ሰእሊ ዘሎ)፡ መስራቲ ኣባልን ኣቦ ወንበር ERITREA FOCUS’ን፡ ነቲ ዋዕላ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን፡ ብዛዕባ ማሕበሩን ዕላማ ናይቲ ዋዕላን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሉ ኣብዚ ዋዕላ ዝቐርብ ጽሑፋት፡ ተጻፊፉ ኩሉ ህዝቢ ከምዝርእዮን ከምዝጥቀመሉን ክግበር ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብቲ ዋዕላ፡ ንእዋናዊ ኩነታት ኤርትራ ዝድህስሱን፡ ኪኖ'ዚ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ብኸመይ ህንጸት ዲሞክራሲ ክራጋገጽ ከምዝኽእልን፡ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ቀሪቦም (ዝርዝር ርአ)። ኣብ መንጎ እቲ ዋዕላ፡ ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ምስ ተለቪጅን ኣሰና (ATV) ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትሰምዑዎ ይከኣል

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡

Eritrea Focus ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣንጻር `ቲ ዋዕላ ንዘካይዶ ዘሎ ናይ ጸለመ ዘመተ ብምቅዋም ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ።



28/04/2019 23:51 PM

ብዛዕባ ጉዕዞ ንፍትሒ የሕዋትና

A MARCH FOR OUR BROTHERS SAFETY AND JUSTICE

ዘተ ምስ ኣቶ ኣብርሃም ተስፋይ

Discussion with Mr Aberham tasfay

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 28 Apr 2019

10PM Asmara, 8PM Berlin, 7PM UK, 2PM NY

ናይ ሰንበት Sunday, 28 April 2019፡ ዕዱም ጋሻና፡ ኣቶ ኣብርሃም ተስፋይ ኢዩ። ኣርእስቲ ዘተና፡ "ብዛዕባ ጉዕዞ ንፍትሒ የሕዋትና" ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ኣገዳሲ ዘተ ክክሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Sunday, 28 April 2019, Mr Aberham Tesfay is our invited guest. Our discussion topic is: "A March for our brothers Safety and Justice" You are all welcome to participate.


 1ይ ክፋል (28-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (28-Apr-2019)፡ 



28/04/2019 23:51 PM

   ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ Sunday 28 Apr 2019 መደብ

ብተክኒካዊ ጸገም መደብ ኣይተፈነወን

ብዛዕባ ሓፈሻዊ ተቓውሞ፡ ንምዕራይ ሃገር

ABOUT GENERAL OPPOSITION,

FOR CHANGE IN ERITREA

ዘተ ምስ:- ዶር. ሰላሕ ኢብራሂም፡ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስን፡ ኣቶ ክብርኣብ ተስፉን

ኣብዚ ላዕለዋይ ኣርእስቲ ክዛተዩ ዝቐርቡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ዶር. ሰላሕ ኢብራሂም፡ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስን፡ ኣቶ ክብርኣብ ተስፉን ኢዮም። ተሳትፎ፡ ሕቶን ርእይቶን ተኻታተልቲ እናተባባዕና፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ። Our invited panellist discussing the topic above are: Dr. Salah Ibrahim, Mr Kidane Hagos and Mr Kibreab Tesfu. We encourage your participation; You are all cordially invited.



28/04/2019 23:51 PM

ድምጺ ኤርትራ ኣብ CKDU (ናዝ የማነ)

ናይ Sunday 28 Apr 2019 መደብ Show

ይኣክል! ENOUGH!

ዕላል ምስ ምስ ሓርበኛ ኢዮብ መንግስቱ

Discussion፡ Veteran Eyob Mengstu

ሓርበኛ ኢዮብ መንግስቱ፡ ናይ ሰንበት ጋሻና ኢዩ። ተሞኩሮኡ ኣብ ገድሊን ኣብ ስደትን ከካፍለና ኢዩ። ኢዮብ፡መስራቲ ናይ ካናዳ-ለኸ ምንቅስቓስ ኣብ ቶሮንቶ ኾይኑ መንእሰያት ኣብ ምምዓድ ዝነጥፍን ኢዩ። ብዛዕባ እዋናዊ ጭርሖ ዘመተ "ይኣክል!" ናይ ኤርትራውያን፡ ኣመልኪቱ እውን ሓሳቡ ከካፍል ኢዩ። Veteran Eyob Mengstu is our guest this Sunday. Eyob will share his Experiences of the liberation struggle as well as in diaspora. Veteran Eyob is one of the founder of Canadian wide movement in Toronto. He has been organizing and advising the younger generation on the "Yeakil!" campaign to all Eritreans.

 1ይ ክፋል (28-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (28-Apr-2019)፡ 



28/04/2019 00:20 AM

ፖለቲካዊ ማራቶን፡ ኤርትራዊ መንእሰይ

POLITICAL MARATHON, OF ERITREAN YOUTH

ብ’ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡



27/04/2019 23:51 PM

ስእለ-መንገዲ:

ንሕብረት ዲሞክራሲያዊያን ሓይልታት

ንምስዓር ስርዓተ-ምልኪ

Proposal of a Roadmap to create a Unified Democratic Forces - to defeat the dictatorial regime

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 27 Apr 2019

10PM Asmara, 8PM Berlin, 7PM UK, 2PM NY

ናይ ቀዳም Saturday, 27 April 2019፡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ዶር. ገብረ ገብረማሪያም፡ ወ/ሮ. ኣምና ፍካክ፡ ኣቶ ዮሴፍ ኣስገዶም ኢዮም። ኣርእስቲ ዘተና፡ "ስእለ-መንገዲ: ንሕብረት ዲሞክራሲያዊያን ሓይልታት ንምስዓር ስርዓተ-ምልኪ" ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ኣገዳሲ ዘተ ክክሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Saturday, 27 April 2019፡, Dr. Gebre Gebremariam, Ms Amna Fikak and Mr Yosief Asgedom. Our discussion topic is: "Proposal of a Roadmap to create a Unified Democratic Forces - to defeat the dictatorial regime" You are all welcome to participate.

1ይ ክፋል (27-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (27-Apr-2019)፡ 

3ይ ክፋል (27-Apr-2019)፡  4ይ ክፋል (27-Apr-2019)

5ይ ክፋል (27-Apr-2019)፡  



26/04/2019 20:15 PM

"ሰላመ...ለርሑቃን፡ ወሰላመ ለቅሩባን"

ንሃገራዊ ዕርቀ-ሰላም ዚጽውዕ

ሓዋርያዊ መልእኽቲ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ።

ሰላምታ

ብትንሣኤ ንኃይሊ ሞት ስዒሩ፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ሰላምን ዕርቂን ዘውረደ ኢየሱስ ክርስቶስ ብብርሃን ትንሣኤኡ ይባርኸና።

መእተዊ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሠነ 2018 ዓ.ም.ፈ. ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበገሰን ዝተንቀሳቐሰን መደብ ሰላም፡ ከም ዘሓጐሰና እናገለጽና፡ ንኣምላኽና'ውን እናመስገንና፡ ንኹሎም'ቶም ኣብ ስደትን ኣብ ቤትማእሰርትን ዘለዉ፡ ግዳያት ጨወይትን ዓመጽትን ዝኾነ፡

ጽሟቕ ጽሑፍ: ኣብዚ ጠውቑ Read more

– ሙሉእ ጽሑፍ: ኣብዚ ጠውቑ Full Text Read here

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡




26/04/2019 20:15 PM

Charting a way forward for Eritrea

Eritrea Hub,  Martin Plaut (26-Apr-2019)

For more than four decades one figure has towered over Eritrean life. Isaias Afwerki has ruled Eritrea with a rod of iron, just as he once led the liberation movement that successfully liberated the country in 1991.  Previously an enormous asset, he has become the chief obstacle to progress. But his rule, once all but unchallenged, is now questioned from all quarters. Read more







See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡




23/04/2019 02:09 AM

ኤሪሳት (ERISAT) April 21, 2019

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡



22/04/2019 13:15 PM

ጸብጻብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡

ነበርቲ ከተማ ሎንዶን ዓ/ብሪጣንያ

ERITREAN UNITY FOR JUSTICE -

London UK Residents

PUBLIC MEETING - REPORT

20 April 2019

ቀዳም ዕለት 20 ሚያዝያ 2019፡ ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ከተማ ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰፊሕን ዕዉትን ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣካይዶም። ንዕኦም ዝውክሉዎም፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንዝጸንሑ 8 ኣባላት፡ 22 ተወሰኽቲ ኣባላት ሽማግለ፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ብምምራጽ፡ ብዓወት ዛዚሞም። ኣብ ካልኦት ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ እውን ተማሳሳሊ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብሃገር (ዓባይ ብሪጣንያ) ደረጃ ንኤርትራውያን ዝውክል ባይቶ ክቐውም ኢዩ።  ወኪል ስኒትና ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ዝሰነዶ ናይ ቪድዮ ጸብጻብ፡ ኣብ ታሕቲ እነሆ። Eritrean Unity for Justice, residents of London UK, convened a successful public meeting on Saturday, 20 April 2019. Snitna.com had its correspondent present in the meeting and here is the video report:

 Part-1 (1ይ ክፋል):  Part-2 (2ይ ክፋል):   Part-3 (3ይ ክፋል):

See also Related ምስዚ ዝዛመድ፡-

Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ  لقد طفح الكيل



22/04/2019 13:15 PM

How brave you were!

To my friend, Veteran Tekie Beyene

by Kiki Tzeggai

Tekie Beyene, yours’ was never a short-term contract with Eritrea. Your loyalty to your people was unwavering through the war for freedom from Ethiopian slavery. All you were going over personally and health wise, was camouflaged by a smile that was your eternal signature.

We met – after decades - at Meda. You were so surprised to see me there. I asked you the reason for such deep surprise. You shook your head and said “later, Read more




21/04/2019 23:55 PM

ድምጺ ኤርትራ ኣብ CKDU (ናዝ የማነ)

ናይ Sunday 21 Apr 2019 መደብ Show

ይኣክል! ENOUGH!

ዕላል ምስ ምስ ሓርበኛ መዓሾ ሰለሙን

Discussion፡ Veteran Maasho Solomon

ድምጺ ኤርትራ፡ ሰንበት ዕለት 21 April 2019 ምስ ሓርበኛ መዓሾ ሰለሙን ኢዩ። ኣርእስቲ ዘተና "ይኣክል" ዝብል ኢዩ ክኸውን። ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። On Sunday 21 April 2019, Voice of Eritrea will have discussion with Veteran Solomon Maasho. He will discus with us on the topic "Yiakil". Please join and participate on our show.

 1ይ ክፋል (21-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (21-Apr-2019)፡ 




21/04/2019 15:01 PM  

ሃገራዊ ስኒት፡ ንድሕነት ህዝቢን ሃገርን

NATIONAL HARMONY-

To rescue our People & the Nation

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 21 Apr 2019

10PM Asmara, 8PM Berlin, 7PM UK, 2PM NY

ናይ ሰንበት Sunday, 21 April 2019፡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ዶር. ኢብራሂም ስራጅ፡ ዶር. ሳራ ዑቕባይ፡ ኣኦ ሰንጋል ወልደትንሳኤ ኢዮም። ኣርእስቲ ዘተና፡ "ሃገራዊ ስኒት፡ ንድሕነት ህዝቢን ሃገርን" ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ኣገዳሲ ዘተ ክክሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Sunday, 21 April 2019, our invited guests are: Dr Ibrahim Sirage, Dr Sarah Ogbay, Mr Sengal Woldetnsae. Our discussion topic is: "NATIONAL HARMONY- to rescue our people & the nation" You are all welcome to participate.

 1ይ ክፋል (21-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (21-Apr-2019)፡ 

 3ይ ክፋል (21-Apr-2019)



21/04/2019 15:01 PM

   ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ Sunday 21 Apr 2019 መደብ

ፖለቲካዊ መንነት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ

IDENTITY POLITICS

IN POST INDEPENDENT ERITREA

ዘተ ምስ:- ዶር. ሰላሕ ኢብራሂም፡ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስን፡ ኣቶ ክብርኣብ ተስፉን

ኣብዚ ላዕለዋይ ኣርእስቲ ክዛተዩ ዝቐርቡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ዶር. ሰላሕ ኢብራሂም፡ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስን፡ ኣቶ ክብርኣብ ተስፉን ኢዮም።  ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ። Our invited panellist discussing the topic above are: Dr. Salah Ibrahim, Mr Kidane Hagos and Mr Kibreab Tesfu. You are cordially invited to participate.



20/04/2019 23:55 PM

ታሪኽ ሙዚቃን ሙዚቀንያታትን ከተማ ከረን

HISTORY OF MUSIC

AND MUSICIANS OF KEREN

ዘተ ምስ ስነጥበባዊ ሓርበኛ፡

ንጉሰ ሃይለ መንሳዓይ

Artist and Veteran Neguse Haile Mensaay

ኣብ ፓልቶክ ሩም፡ ድላለት ህሌና፡

At Paltalk Eritrean Dilalet Hallena 2018

11pm Asmara, 9pm Berlin, 8pm UK, 3pm NY

ንቀዳም 20 ሚያዝያ 2019፡ ሰዓት 9 ምሸት ብኣቋጻጽራ በርሊን፡ ዕላል ምስ ዋ/ጸ/ ማትኣ ነበር፡ ስነ ጥበባዊ ኡስታዝ ንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ ኣለና። ኣርእስቲ ዕላልና፡ "ታሪኽ ሙዚቃን ሙዚቀንያታትን ከተማ ከረን History of Music and Musicians of Keren” ዝብል ኢዩ። ብደሓን ምጹ! «ድላለት ሃሌና»

في ٱمسية ثقافية خاصة ضيفنا في غرفة دلالت هلينا بالبالتوك، الشاعر الاستاذ نقوسي منسعاي سكرتير  جمعية الفنانين في اسمرة سابقا (ماتئا) وذالك في  ندوة بعنوان "تأريخ الفن والفنانين في مدينة كرن. موعدنا يوم السبت الموافق 20/4/2019 التاسعة م/ بتوقيت برلين.

 1ይ ክፋል (20-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (20-Apr-2019)፡ 

   ድላለት ህሌና ብቀጥታ ንምስማዕ፡ here ኣብዚ ጠውቑ



20/04/2019 23:55 PM  

መበል 28 ዓመተ ነጻነት

ብኸመይ ይበዓል?

How should we celebrate

28 th Independence Day?

ዘተ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት።

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 20 Apr 2019

10PM Asmara, 8PM Berlin, 7PM UK, 2PM NY

ናይ ቀዳም Saturday, 20 April 2019፡ ዕዱማት ኣጋይሽና ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ክኾኑ ኢዮም። ኣርእስቲ ዘተና፡ "መበል 28  ዓመተ ነጻነት ኤርትራ ብኸመይ ይጸንበል?" ብዝብል ኣርእስቲ ምሳና ክዝትዩ ኢዮም። ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Saturday, 20 April 2019, our invited guests are, Religious leaders. They will discuss with us on the a topic "How should we celebrate our 28th Independence day?" You are all cordially invited to participate.



19/04/2019 20:02 PM

ዕጫ ኤርትራ

ድሕሪ ውድቀት ከዳዕ ኢሳያስ እንታይ ክኸውንዩ?

(ደንቨር ማኒፌስቶ)

ዘተ ኣብ ፌስቡክ ናይ፡- Temesghen Kahsay

ኣብዚ ጠውቑ።



17/04/2019 21:15 PM UPDATED

ትርጉምን ብልጫታትን፡

ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ፡

ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን

ብ'በርሀ ደስታ

መእተዊ (Introduction)

ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ'ዚ ኣዝዩ ዘስግእን፡ ዘሰክፍን ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ንኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ በብከተምኡ፡ ኣነቓቒሕካን፡ ኣተባቢዕካን፡ ብምጥርናፍ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ዝሓጸረ ግዜ ሃገሮም ንምድሓን ኣብ መኣዲ ቃልሲ ኣሳቲፉ ናብ ዓወት ዝመርሕ ሓይሊ-ዕማም (task force) እዩ።

ምኽንያት ኣበጋግስኣ ከኣ፡ ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሰንኪ ግፍዓዊ መግዛእቲ ህግደፍ፡ ዓቐን ዘይብሉ ፡ ሕሱም ማእሰርትን፡ ህዝባዊ ህልቂትን ዘምጽኦ ኩነታት፡ ከምልጡ ኢሎም ብ13 ጥቅምቲ፡ 2013 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ገምገም ደሴት ላምፓዱሳ፡ ዓዲ ጣልያን፡ ጥሒሎም ዝሃለቑ ኣስታት 360 ዝኾኑ ንጹሃት ህጻናትን፡ መንእሰያትን፡ ኣዴታትን፡ ኣቦታትን ኤርትራውያን፡ ብዝተሰምዖም ሓዘንን፡  Read more



17/04/2019 01:51 AM

ተኪኤ በየነ፡ ኣካያዲ ባንክ ኤርትራ ነበር፡ ገዲም ተጋዳላይ፡ ደራሲ፡ ተርጓሚን ናይ ስነ ቁጠባ ምሁርን፡ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ዕለት 14 ሚያዝያ 2019፡ ኣብ መበል 78 ዕድሚኡ ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ።

[BBC ትግርኛ 15-Apr-2019]

ኪኤ በየነ ኣካያዲ ባንክ ኤርትራ ነበርን፡ ገዲም ተጋዳላይን፡ ደራስን፡ ተርጓምን፡ ናይ ስነ ቁጠባ ምሁርን ብዝሓደሮ ሕማም፡ ትማሊ ኣብ መበል 78 ዕድሚኡ ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ። ኣቶ ተኪኤ ከም ኣቦ-ወንበር ኢራ፤ ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ከምኡ'ውን ኣካያዲ ባንክ ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ብተወሳኺ፡ ተኪኤ በየነ ካብ ሪቕ ሕፍንቲ ትብል መጽሓፍን ፤ ሶፍያ ትብል ትርጉም ፍልስፍናዊት መጽሓፍ ንንባብ ዘብቐዐ ስነ ጥበበኛ ኮይኑ፡ ኣድነቕቱ ከም ትጉህን ጻዕራምን ስነ-ጥበበኛ ገይሮም ይገልጽዎ። ቅድም ክብል ብዛዕባ "ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ" እንታይ ማለት'ዩ? ብዝብል ዘዳለናዮ ጽሑፍ ካብዚ ንታሕቲ እነሆ፡ ...Read more

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




17/04/2019 01:51 AM

ዕላል ምስ ብሪ/ጀነራል ተኸስተ ሃይለ፡

ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርናን

ገና ፍታሕ ዘይረኸቡ ጉዳያትን

[Tv Sened Eritra 13-Apr-2019]

1ይ ክፋል (13-Apr-2019)፡   2ይ ክፋል (19-Apr-2019)




16/04/2019 23:59 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 36 ክፋል

ብመሲናስ

እቲ ኣብ 24 ጥቅምቲ 1945 ዓ.ም. 51 ኣባል ሃገራት ሓቊፉ ዝተመስረተ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 2 ታሕሳስ 1950 ዓ.ም. ተጋቢኡ ንጉዳይ ኤርትራ ነዚ ዝስዕብ ውሳነ ሃበሉ፥ ኣብቲ እዋን ቊጽሪ ኣባል ሃገራት ናብ 60 ክብ ኢሉ ነበረ። በዚ መሰረት ከኣ 46 ኣባል ሃገራት፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትሓብር ኣድመጻ፣ 10 ኣባል ሃገራት ድማ ነዚ ተቓወማ፡ እተን 4 ከኣ ድምጸን ዓቀባ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ  ብዕለት 16 ሓምለ 1896 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኦስሎ ነርወይ ዚተወልደ Trygve Halvdan Lie ዚተባህለ ነርወጃዊ ነበረ።...Read more




15/04/2019 12:25 PM

A Concerted Effort is Imperative

to Abrogate PFDJ's Treason Scheme

in Eritrea,

By G. Woldemichael

Any legitimate government must have the sanction and consent of the governed. The power and authority of the state must be based on the consent of the governed. But Eritrea doesn't have such kind of government elected by the people. For this very reason there is an unscrupulous president at the helm of government for many, many years. By throwing to jail, all those comrades deemed threats to his authority, the president has gradually established a totalitarian regime, as Joseph Stalin of the Soviet Union did in the 1920s. To our dismay, the president has been signing treaties... Read more




15/04/2019 12:25 PM

ዕርቂን ስኒትን ተዓጢቕና፡ ንድሕነት ሃገርና።

መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን (Tempo-Afric TV)

ዕላል ምስ ዮውሃንስ ጸጋይ፡

ኣካያዲ መርበብ ሓበሬታ፡ ስኒትና 14 April 2019

[ATV Asena]

ኣብዚ ጠውቑ (14-Apr-2019)

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



15/04/2019 12:25 PM

ዕድመ ናብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡

ኣብ ከተማ ሎንዶን

دعوة لجميع الارتريين لحضور اجتماع عام بمدينة لندن

ERITREAN UNITY FOR JUSTICE - UK

PUBLIC MEETING CALL - LONDON

20 April 2019, Start at 2:30 pm

ንዕለት 20 ሚያዝያ 2019: ካብ ሰዓት 2:30 ድ.ቀ. ዝጅምር

እኼባ ዝካየደሉ ኣዳራሽ (Venue)፡-

 Amazing Grace Worship Centre, 449 Kingsland Road, London E8 4AU ኢዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥

ብዕለት 7 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም.ፈ. ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ሰፊሕ ሕዝባዊ ኣኼባ ከምዘካየድና ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ሕዝቢ ብዝገበሮ ጠለብ መሠረት፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ውሽጢ 2 ሰሙን ካልእ ዝሰፍሔ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነዳሉ ሓላፍነት ተሰኪምና ኢና ተፈላሊና። ከምቲ ቃል ዝኣቶናዮ እምበኣር፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንቀዳም ዕለት 20 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም.ፈ. ሰዓት 02:30 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ መዲብና ኣለና፡፡ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ብሕዝቢ ዝተመርጸ፡ ንሕዝቢ ዜገልግል፡ ተሓታትነቱ ድማ ንሕዝቢ ጥራሕ ዝኾነ ኣካል ኢዩ።  Read more

See also Related ምስዚ ዝዛመድ፡-



15/04/2019 12:25 PM Post Updated

THE ERITREAN DETAINEE'S DAY EVENT

ዝኽሪ መዓልቲ እሱራት ኤርትራውያን

Sunday, 14th April 2019

The Eritrean Detainee's Day coordination committee will be holding its annual event, which will include the launch of a new book by Ustaz Abdulfattah wad Alkhalifa on the story and life of Judge Mohammed Maranat, among other activities that depict the issue of Detainees and victims of Forced Disappearances in Eritrea.

Date: Saturday, 13th April 2019 Time: 18:00 to 21:00

Venue: The Advent Centre, 37-39 Brandon Street, London W1H 5JE (5 minutes walk from Edgeware Road Underground Station)  Read more

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




14/04/2019 23:46 PM

ይኣክል ምልኪ!

ይኣክል ውጽኢት ንዘይብሉ ኣገባብ ቃልሲ!

Enough Dictatorship! Enough to ineffective style of OPPOSITION!

ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣል ቀይሲ

Veteran Ahmed Al-Kaissi

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 14 Apr 2019

9PM Asmara, 7PM Berlin, 6PM UK, 1PM NY

ናይ ሰንበት Sunday 14 April 2019፡ ዕዱም ጋሻና ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣል ቀይሲ ኢዩ። "ይኣክል ልኪ! ይኣክል ውጽኢት ንዘይብሉ ኣገባብ ቃልሲ!" ብዝብል ኣርእስቲ ምሳና ክዝቲ ስለዝኾነ፡ ክሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Sunday 14 April 2019, our invited guest is Veteran Ahmed Al-Kaissi. His discussion topic is: "Enough Dictatorship! Enough to ineffective style of OPPOSITION!" You are all welcome to participate.

 1ይ ክፋል (14-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (14-Apr-2019)፡ 

 3ይ ክፋል (14-Apr-2019)



14/04/2019 15:26 PM

   ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ Sunday 14 Apr 2019 መደብ

ሓድነት ኣብ ብዙሕነት፡

ኣብ ህልዊን መጻኢን ኩነታትና (2ይ ክፋል)

Unity in Diversity (Part-2)  

in our current and future situation?

ዘተ ምስ:-

ዶር. ሰላሕ ኢብራሂም፡ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስን፡ ኣቶ ክብርኣብ ተስፉን

ኣብዚ ላዕለዋይ ኣርእስቲ ክዛተዩ ዝቐርቡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስን፡ ኣቶ ክብርኣብ ተስን ኢዮም።  ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ። Our invited panellist discussing the topic above are: Dr. Salah Ibrahim, Mr Kidane Hagos and Mr Kibreab Tesfu. You are cordially invited to participate.

 1ይ ክፋል (07-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (14-Apr-2019)



13/04/2019 22:35 PM

እዋናዊ ጉዳያት -

ሰሚናራት ህግደፍን ኩነታት ሱዳንን

ምስ ኣቶ ዓብደላ ኣደም፡ ኣቶ ዳዊት ፍስሃየ፡ ኣቶ ዓብዱ ዓብደላ፡ ኣቶ ዳኒኤል ገብረስላሰ

[ATV Asena]

    1ይ ክፋል (13-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (14-Apr-2019)

    3ይ ክፋል (16-Apr-2019)፡  4ይ ክፋል (15-Apr-2019)

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



13/04/2019 22:35 PM

ሕግን ሕጋዉነትን መፍቲሒታቱን

ዘተ ምስ ሰብ ሞያ ሕጊ ኤርትራውያን ዲያስፖራ።

LAW, LEGALITY AND SOLUTIONS

Discussion with Law professional Eritreans.

1ይ ክፋል (13-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (13-Apr-2019)

3ይ ክፋል (13-Apr-2019)




13/04/2019 22:35 PM

NOTICE ምልክታ

ድምጺ ኤርትራ ኣብ CKDU (ናዝ የማነ)

ክቡራት ተኻታተልትና፡ ጽባሕ ሰንበት 14 ሚያዝያ 2019፡ መደብ ፈነወ ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል ሰንበት የራኽበና። Dear followers, there will be no show on Sunday 14 April 2019. Out normal show will continue on 20 April 2019.




13/04/2019 22:35 PM

ወዳቢ ኣካል ድዩ ጠፊኡ፡

ወይስ ተወዳቢ ኣካልዩ ተሳኢኑ?

ብ' ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ሰርዓት ንጉስ ሃይለ ስላሴ ምስ ካልኦት ዓቦይቲ ሃገራት መሻርኽቱ ኰይኑ ነቲ ኣብ መንጎ ኣርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ውዕል ፈደረሽን ኣፍሪሱ ሃገርና ብሐይሊ ምስ ጎበጣ ህዝቢ ተወዲቡ ንናጽነቱ ክቃለስ ብጅግና ስዉእ ኢድሪስ ዓወተ ገድሊ ብ 1 መስከረም 1961 ዓ.ም. ተመስሪቱ ህዝቢ ተውዲቡ ንናጽነቱ ክቃለስ ናይ ተለዓል ምልክት መብራህቲ ጥይት ዝተጀመረትላ መዓልቲ ኢያ። ህዝቢ ድማ ጻውዒት ነጻነት ኣኽቢሩ ባዕሉ ነቍሑ ኣብ ገግዜኡ በብዝጥዕሞ ተወዲቡ ሃገር ናጻ ከውጽእ ኣብ ጽላል መሬት ሃገሩ ተዓቍቡ ኩሉ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓቦይቲ ዝብሃል መሰናኽላት ሰጊሩ ብ24 ግንቦት 1991 ዓ ም ነጻነት ኣበሲሩ። ዘለናዮ ጊዜ ድማ ወዳቢ ወይ ተወዳቢ ሰብ ዘየድልዮ ኩሉ ሰብ ንጉዳዩ ከም ቀደሙ ባዕሉ ተላዒሉ ሐደ ሐያል ብሽኻል ዝሰጠመ ህዝባዊ ተቓውሞ ክፈጥር ኣለዎ። Read more

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



12/04/2019 23:26 PM

ዕድመ INVITATION

ዋዕላ ዕርቂ ፡ ሚነሶታ (ሕመኣ)

RECONCILIATION AND COALITION BUILDING CONFERENCE, MINNESOTA

مؤتمر توحيد وبناء التحالف ، مينيسوتا

June 22-23, 2019

ክቡራት ኣሕዋትን/ኣሓትን፡

“ዋዕላ ዕርቂ” ሚነሶታ - ንግብራዊ ልፍንቲ፡ ንሰነ 22 - 23፡ 2019 ኣብ ሚንያፖሊስ ሚነሶታ ክጋባእ ተመዲቡ ኣሎ። ካብ ፡ 1-2 ዝኾኑ ወከልቲ (ልኡኻት)፡ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ውድባትን ማሕበራትን ክትልእኩ ብትሕትና ንዕድም። ተመሪጹ ዘሎ ሳምንቲ፡ ዝኽሪ ምእንቲ ንነጻነትን ፍትሕን ራህዋን ዝሓለፉ ህዝብን ሰራዊትን ሰውራ ኤርትራ ዝዝከርሉ ሳምንቲ ምዃኑ ይፍለጥ።  ብኡ መጠን እዚ ዋዕላ ድማ ዝሓለፉ ስውኣትና፡ ሞሳኦምን ሕድሮምን ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ተመንዚዕናዮ ዘሎና መሰላት ክንጭብጥ፡ ሓርነትና ከነረጋግጽ ኣብቲ ክካይድ ዝጸንሐ ቃልስን ዝካይድ ዘሎ መኸተን፡ ከም ሓድሽ ምዕራፍ ብዝተሓደሰን ዝሰመረን ኣገባብ ቃልሲ ንምዕዋቱ መሳርዕና ነዋድደሉ ሳምንቲ ክኸውን ታሪኻዊ ክብሪ ናይ’ዚ ዕለት ይጽውዓና። Read more



12/04/2019 13:49 PM

ኩነተ-ሃለዋት፡

ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ

– ነቐፌታዊ ገምጋም  

ብዶር. ዳንኤል ረዘነ መኮነን

ጽሟቕ/መኣንፈቲ (Abstract)

እዚ መጽናዕታዊ ጽሑፍ'ዚ፡ ክልተ መሰረታዊ ዕላማታት ሒዙ ዝተበገሰ እዩ። ቀዳማይ ዕላምኡ፡ ንኩነተ-ሃለዋት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብመረጼን ነቐፌታዊ ገምጋም ፈቲሹ፡ ገለ-ገለ ትዕዝብትታት ከቐምጥ ይሕልን። ንገለ ጸገማት'ውን ፍታሕ ይእምት። ኣብ'ዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ፡ ተራን ኣበርክቶን ደንበ ተቓውሞ ከመይ ይመስል፣ እንታይ ባቝጡ (ኣፍርዩ)፣ እንታይከ ኣይባቖጠን፣ ንምድንፍዑን ምሕያሉን'ከ እንታይ ክግበር ይግባእ፣ ዝብሉን ምስ'ዚኦም ተተሓሒዞም ዝቐርቡ ካልኦት ኣገደስቲ ሕቶታትን ምርኩስ ብምግባር፡ መልስታት ከናዲ ይፍትን። እግረ-መንገዱ ድማ ካልእ ዕላማ ከደንፍዕ ይትስፎ። Read more




12/04/2019 01:45 AM

“ዓርሲ”

ብልሓት ኢሳያስ ዶስ ዕንዛዘ ደገፍቱ?

ዶር . ገብረ ገብረማሪያም

መቸስ፡ ከምዝኸማይ እንተኾንኩም፡ እዚ ኣብ ኤርትራ እንዳማዕበለ ዝመጸ ኩነታት፡ ብትኽክል ንምግላጹን ትርጉም ንምሃቡን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለምና፡ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዓጋጢሙ ነይሩ ዶ ኾን ይኸውን ኢለ’ውን ናይ ታሪኽ መጻሓፍቲ ከገላብጥ ፈቲነ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወትኩን ዘለኹ። ገለ ኣጋጣሚ ዝተዓወትኩም እንተለኹም፡ ነቲ ታርኽ ከተካፍሉና ብትሕትና ኣብዚኣ እግረ-መንገደይ ዕድመ ከቕርበልኩም’ውን ይደሊ። ኣብ ታሪኽ ዓለም ብዙሓት ሕሱማት ገዛእትን ስርዓታትን ነይሮም እንድዮም፡ ብኡ መጠን ካኣ እቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ፡ ኣንጻር እቲ ዝወርዶ ዘሎ ዓመጽን በደልን፡ እንተኾነ ተቃሊሱ ነቲ ዓማጺ ገዛኢ ወይ ስርዓት ብምስዓር ሽግሩ ይፈትሕ፡ እንተ ዋሓደ ዋሓደ ካኣ፡ Read more



11/04/2019 21:45 PM

ጉዳይ ምምዕባል ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን

ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ቆላሕታ ዝወሃቦም ጉዳያትን

ኣቕራቢ በየነ ሰመረ፡  ተዛተይቲ-  

ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ዶ/ር ኢብራሂም ዓሊን

[SBS Radio 11-Apr-2019]

ኣብዚ ቅነ ጉዳይ ምምዕባል ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀኒዩ ኣሎ፡ ነዚ ዝምልከት ዘተ SBS ትግርኛ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት፦ (1) -ህላውነት ሓይሊ ባሕሪን  ምሕላውን ምኽባርን ሉኣላውነት፡ (2) -ኣድላይነት ሓይሊ ባሕሪ ን ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንናን ዘይውንናን ሃገራት (3) -ዓለማዊ ተመኩሮን ሕጊን አፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራትን ምምዕባል ሓይሊ ባሕሪን፡ (4) -ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትማሊን ሎሚን (5) -ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ጥሙሕን ሕልሚን ህሉው ክውንነት ኣብ ባይታን፡ ዝብሉን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ተዘትይሎም ኣሎ። Read more

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




11/04/2019 21:45 PM

ፕረሲደንት ዑመር ኣል በሺር፡

 ሎሚ 11 ሚያዝያ 2019፡ ካብ ስልጣኑ ከምዝተገለፈ፡ ምንጭታት ሓቢረን።

ዑመር በሽር ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ስልጣን ምስ ገበተ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣኑ ዝጸንሐ ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ህዝቢ ሱዳን ተቓውሞታቱ ይገልጽ ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 4 ኣዋርሕ ግን እቲ ህዝባዊ ናዕቢ በሪኹ፡ ናብዚ ደረጃ ዚ ክበጽሕ በቒዑ ኣሎ። ዲክታቶራት ካብ ገጽ ምድሪ ተኣልዮም፡ ህዝቢ ጽሩይ ኣየር ብሰላም ከስተንፍስ፡ ናይ ኩሉ ህዝቢ ድሌትን ሃንቀውታን ኢዩ። ህዝቢ ሱዳን ካብዚ ኸ ናበይ? እቲ ህዝባዊ ማዕበል ብቑዕ ውዳበን ራእይን እንተዘይጸኒሑዎ፡ ስዉር ዝተወደበ ሓይሊ መጺኡ ነቲ ብመስዋእቲ ህዝቢ ዝተበጽሐ ዓወት ክብለጸሉ ወይ ክምንዝዖ ድዩ? ንሕና ኤርትራውያን፡ ነዚ ተመኩሮዚ ብዕቱብ ክንከታተሎን ካብኡ ክንመሃረሉን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ብቑዕ ውዳበ ዘይብሉ ምንቅስቓስ፡ ሸቶኡ ክወቅዕ ኣጸጋሚ ኢዩ።

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



11/04/2019 17:00 PM

ህዝባዊ ሰሚናር PUBLIC SEMINAR

ይኣክል! Enough!፡

Saturday, 13th April 2019

ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ከተማ ሎንዶን።

ናይ ክብሪ ዕዱምና፡ ኣቶ ሳምሶን ሰለሙን ኢዩ።

Our invited guest: Mr Samson Solomon

ኩልኹም ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። You are all cordially invited.

ዕለት 13 April 2019 ሰዓት from 14:00 to 18:00 pm

ኣድራሻ (Address):

Initiatives of Change, 24 Greencoat Pl, Westminster, London SW1P 1RD

Read more





11/04/2019 01:26 AM

ኤርትራ ናይ መን ትኹን?

ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን?

2ይ ክፋል

ብ'ታደሰ ኪዳነ

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ - ኤርትራ ናትና ናይቶም ብዙሓት ንጹሃን ደቃ እምበር፡ ናይቶም ቀጻልነት ስልጣኖም ክብ ዝተበተነ ህዝብን ድንስቲ ሃገርን ዝጽበዩ ጉጅለ ገበነኛታት ከም ዘይኮነት ኢየ ከብርህ ፈቲነ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከኣ፡ ስደት ሽግር ከም ዘይፈትሕ፡ ምእላይ መራሒ ናይታ ጭፍራ (ኢሰያስ ኣፎርቂ) እውን፡ ቀዳማይ ዘይስገር መድረኽ ንኽፉት ፖለቲካን ፖለቲካዊ ውደባን ምዃኑ ከብርህ ክፍትን ኢየ። ዝተሎግመ ልሳን ኤርትራዊ፡ ምስ ምእላይ ኢሰያስ ጥራይ ስለ ዝኽፈት። ሰናይ ንባብ።

ኤርትራውያን ኣሕዋተይ!!! ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ኤርትራ ኣሕዋት እምበር፡ ሓወቦታት የብሉን። ኣሓት እምበር ኣሞታት የብሉን። መቓብር ሓወቦታቱን ኣባሓጎታቱን’ውን ኣብ ቴምበን፡ ወሎን ጎንደርን እምበር ኣብ ኤርትራ የለን። Read more



10/04/2019 23:55 PM

ኣገባብ ኣቃውማ ህዝባዊ ባይቶ

Presentation Hzbawi Baito Wash DMV

ህዝባዊ ሰሚናርን ኣስተምህሮን

ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ፡ ደንቨርን ሜሪላንድን

March 30, 2019

ኣብዚ ትምህርታዊ ሰሚናር'ዚ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ኣብ ስደት እንነብር ዘሎና ኤርትራውያን ዝሳነ፡ በብከባቢና ብኸመይ ኣገባብ ናይ ከተማና ወይ ከባቢና ባይቶ ከነቕውም ከምዝከኣል፡ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ንኹልና ኤርትራውያን ዘገድስ እዋናዊ ጉዳይ ብምዃኑ፡ ኩሉ ብተገዳስነት ክዕዘቦ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብዚ ጠውቑ



10/04/2019 23:55 PM

ይኣክል! Enough!

ህዝባዊ ኣኬባ፡ ኣብ ሲያትል ሕ.መ.ኣ.

Public meeting of Eritreans

in Seattle, U.S.A. 30 March 2019

ተቐማጦ ሲያትልን ከባቢኣን (ሕመኣ)፡ ብዕለት 30 መጋቢት 2019 ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም። ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ንሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ኣልዒሎም ዘትዮም፡ ዕማማቶምን ድምጾምን ብውዳበ ኣገባብ ንምፍጻም ዝሕግዞም ኣወዳድባን ድማ ገይሮምን ሽማግለታት መዚዞምን። ኣብዚ ኣኼባ'ዚ፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት ይኣክል! Enough! ተፋላሊኻ ምንቅስቓስ ይኣክል! ሃገርና ብልዕልና ሕጊ ትመራሕ፡ ቅዋምና ይተግበር፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ዝብሉ ጭርሖታት ተቓሊሖም። ብሰፊሑ፡ ሙሉእ ናይ ቪድዮ ጸብጻብ ተዓዘቡዎ፡- ኣብዚ ጠውቑ



10/04/2019 02:45 AM

“መርዚ ኣብ ሓዱሽ ጥርሙዝ”፡

ህዝቢ ኤርትራ

“ልቦና ኤርትራዊት ቆላዓ” ኣይኽላእካ

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

መቸስ፡ ከምቲ ኣቦው ዝብልዎ፡ “ምብላዕካ ዝለመደስ ነንክርኤካ የምባሁቕ” ግዲ ኮይኑ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን ካኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምትላል ስለዝለመዱ፡ ሕጂ እቲ ኣብ ርእሲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብቀጻሊ ክገብርዎ ዝጸንሑ “ክሕደትን ጥልመትን” ተጋሊጽሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን’ውን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምትላል ሽርሒታቶም ነኸተግብሩ ሸበድበድ ክብሉ ቀንዮምን ኣለዉን። ኣብ ዝሐለፈ ዳርጋ ሓደ ዓመት ምሉእ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ጸልማት ኣቐሚጦም፡ ንልዕላውነትን ሃገራዊ መንነትን ኤርትራ ኣብ ዕዳጋ ዘውረዱ ተግባራትን መደረታትን ኣብ ኢትዮጵያ ከይዶም ክገብሩን ክምድሩን ከምዘይጸንሑ፡ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ንሽርሕታቶም ነቒሒሉስ፡ “በሉ ራኣናልኩም፡ ይኣክል”ብምባል፡ ምልኪ ብምስዓር፡ ልዕላውነትን ሃገራዊ መንነትን ኤርትራ ንምድሓንን ንምውሓስን፡ ቆሪጹ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ Read more




09/04/2019 21:15 PM

“ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ”፡ ታሪኽ ተዳጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ውድባት/ሰልፍታት ኤርትራ

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

“ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕላና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ” ዝብል ኣምር ሰፊሕ፣ ዓሚቕን ኣገዳስን ዋላ’ኳ ይኹን’ምበር፡ ናይዛ ሓጻር ጽሕፍተይ ዓላማ ብዛዕብኡ ትንታነ ንምቕራብ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ንኣንበብቲ ክሕብር ይደሊ። ኣብ ሞንጎ “ልዕልና-ሕጊን” “ልዕልና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብን” ዓሚቕ ፍልልያት ከምዘሎን፡ ነዚ ፍልልያት ብዝግባእ ካብ ዘይምርዳን፡ ወይ’ውን ብፍላጥን ብዓሎቕን መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ ብዝግበሩ ውስታታትን፡ ህዝቢ ናይ ተደጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ግዳይ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ከነጽር ስለዝደለኹ ጥራሕ ኢየ እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ዘቕርብ ዘለኹ። Read more

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



09/04/2019 21:15 PM

Religion – Isaias Afeworki’s Eternal

Weapon to Divide and Mislead People.

Woldeyesus Ammar

The growing popular call of ‘’ ይኣክል! كفى! -- Enough is Enough ‘’ to the cruelties of the Asmara regime by waves of Eritreans at home and abroad is a real threat – probably the final blow – to  Isaias Afeworki’s several decades old dictatorship. And when the threat is real, Isaias Afeworki always uses religion and external enemies as his most trusted and so far effective weapons to fight back. Read more

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



08/04/2019 17:03 PM

ጸብጻብ አኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡

ኣብ ከተማ ሎንዶን

ERITREAN UNITY FOR JUSTICE - UK

PUBLIC MEETING - LONDON Report

07 April 2019

ንዕለት 07 ሚያዝያ 2019: ካብ ሰዓት 2:00 ድ.ቀ. ዝጅምር

ትማሊ ዕለት 7 ሚያዝያ 2019፡ ኣብ ከተማ ሎንዶን፡ ሰፊሕ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ዘሻቕሉ እዋናዊያን ጉዳያት፡ ብመልክዕ ኣስተምህሮታት፡ ሕቶን ርእይቶን ቀሪቦም ነይሮም። ወኪል ስኒትና ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ዝሰነዶ ናይ ቪድዮ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ጠዊቕኩም ክትሰምዑዎ ትኽእሉ።  A vast meeting was convened by Eritrean Unity for Justice in London UK, on 07 April 2019. The meeting was accompanied by presentations highlighting hot current Eritrean issues, and the floor was then open for questions and comments. Snitna.com had its correspondent present in the meeting and here is the video report:   Part-1 (1ይ ክፋል):

 Part-2 (2ይ ክፋል):

See also Related ምስዚ ዝዛመድ፡-

Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ  لقد طفح الكيل



07/04/2019 23:55 PM

እታ ዓባይ መርከብ ናይ ለውጢ

ትምርሽ

እታ ዓባይ መርከብ ሓድነት፣ ንቕሎ ኣደታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ዞባ ኤውሮጳ፣ብፍጥነትን ቁኑዕ ቡሶላ  ሒዛ ጉዕዞኣ ትቕጽል ኣላ።

እዛ መርከብ ኣደታት ንኹሉ ህዝቢ ንፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዝቃለስ ኤርትራዊ ዜጋ ከእንግድ ዝኽእል ቦታ ዘለዋ ናይ ሓባር ጽላል ምእንቲ ክህሉ፣መኣዲ ዘተ ብምጥጣሕ፣ኩሉ ኣብ ዲያስጶራ(ኣብ ስደት ዝነብር) ህዝብና ብሓፈሻ፣ብፍላይ ክኣ ዞባ ኤውሮጳ ግዲኡ ዘበርክተሉ ዕድል እትኸፍትን እተዋሃህድን ንምዃን ተበጊሳ።  Read more

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




07/04/2019 21:15 PM

ድምጺ ኤርትራ ኣብ CKDU (ናዝ የማነ)

ናይ Sunday 07 April 2019 መደብ Show

ማሕበር ረድኤትን ልምዓትን ኤርትራ፡

Eritrean Relief and Development Association

ዘተ ምስ ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎ

On Sunday, 07 April 2019, Voice of Eritrea is hosting Project Manager, Eritrean Relief and Development Association, Mr. Kahsay Yehdego. He will discus about the challenges and successes of their organization.

ናይ Sunday, 07 April 2019 ዕዱም ጋሻና ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎ ኢዩ። ኣቶ ካሕሳይ፡ ዋና ኣካያዲ ማሕበር ረድኤትን ልምዓትን ኤርትራ፡ ኾይኑ፡ ብዛዕባ ማሕበሮም ዘካይዶ ንጥፈታት፡ ዝገጥሞ ብድሆታትን ዘሳለጦ ዓወታትን ምሳና ከዕልል ኢዩ። ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ።

 1ይ ክፋል (07-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (07-Apr-2019)




07/04/2019 21:15 PM

መበል 28  ዓመተ ነጻነት ኤርትራ

ብኸመይ ይጸንበል?

How should we celebrate

our 28th Independence day?

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 07 Apr 2019

10PM Asmara, 8PM Berlin, 7PM UK, 2PM NY

ናይ ሰንበት Sunday 07 April 2019፡ ዕዱማት ኣጋይሽና ዘርእሰናይ ግርማይ (ተዛረብ)፡ ሳባ ኪዳነ (ገጣሚት)፡ ዓንዲት ዑቕባይ (ሙዚቀኛ)፡ ቨሮኒካ ሰለሙን (ሙዚቀኛን ድምጻዊትን)፡ ገብረሂወት ወልደስላሴ - ጎነይ (ገጣሚ) ኮይኖም ምስ ሓይሎ ዕማም ሕድሪ ጀጋኑና ክቐርቡ ኢዮም። ኣርእስቲ ዘተና፡ "መበል 28  ዓመተ ነጻነት ኤርትራ ብኸመይ ይጸንበል?" ብዝብል ኣርእስቲ ምሳና ክዝትዩ ኢዮም። ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Sunday 07 April 2019, our invited guests are፡ Zeresenay Ghirmay (Tezareb), Saba Kidane (Poet), Andit Ogbay (Artist), Veronica Solomon (Artist and Musician), Ghebrehiwet Ghebreslasie (Poet), together with Task force Eritrea Hdri Jeganuna Team. They will discuss with us on the a topic "How should we celebrate our 28th Independence day?" You are all cordially invited to participate.



06/04/2019 14:20 PM

ህዝቢ ኤርትራ: ቀንዲ ጸላኢኻ ኣለሊ

ብ' ገ. ወልደሚካኤል - ካብ ሕ.መ.ኣ.

ብሓፈሻ፡ ንኩሉ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ብደረጃ ምዕባለ ሃገሩ፡ ብዝሑን ዓይነቱን ይፈላለ ድኣእምበር፡ ብዙሓት ጸላእቲ ኣለውዎ። ካብቶም ብቐዳምነት ክስርዑ ዝኹእሉ ጸላእቲ፡ ብምዕባለ ለጠቕ ንዝበለት ሃገር፡ ከም ድንቁርናን ድኽነትን፡ ናይ ጥዕና ጉድለትን ጥሜትን ክጥቀሱ ይክኣል። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ናይ ተፈጥሮ ተጻባእቲ፡ ከም ዋሕዲ ዝናብ ዘኸትሎ ድርቂ፡ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምልኣት ውሓይዝን ኣፍላጋትን ዘኸትልዎ ምጥልቕላቓት፡ ወራር ኣንበጣ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ቮልካኖ፡ ዘራጊቶ/ህቦብላ፡ ሱናሚ፡ ህሩከይን ዝኣምሰሉ ዘስዕብዎ ዕንወት ክንጠቅስ ንኽእል። ዝበዝሑ ካብዞም ዝተጠቕሱ ብጆግራዊካዊ ኣቀምምጣ እታ ሃገር ስለዝጽለዉ፡ ኣብዛ ድኻ ሃገርና ስለዘየጋጥሙ ከነመስግን ይግባእ።  Read more




06/04/2019 14:20 PM

ሌላ ምስ ኤርትራዊ ሓድነት

About Eritrean Unity

At: Eritrea Hdri Jeganuna Paltalk Room

ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 06 Apr 2019

10PM Asmara, 8PM Berlin, 7PM UK, 2PM NY

ናይ Saturday, 06 April 2019፡ ዕዱማት ኣጋይሽና፡ ኣቶ ተኽለ ኪዳነ (ካብ መን ሰኒፈ)፡ ወ/ሮ ገነት ብርሃነ (ጓል ዘነበሽ)፡ ከምኡውን ኣቶ ሓጎስ ኣብራሃ (ወዲ ሓይል)፡ ኢዮም። መዛተዪ ኣርእስትና "ሌላ ምስ ኤርትራዊ ሓድነት" ክኸውን ኢዩ። ኩልኹም ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንዕድም። On Saturday, 06 April 2019, our invited guest are: Mr. Tekle Kidane, Ms Genet Berhane and Mr. Hagos Abraha. Our topic is "About Eritrean Unity" You are all cordially invited to participate.

 1ይ ክፋል (06-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (06-Apr-2019)፡ 

 3ይ ክፋል (06-Apr-2019)



05/04/2019 23:45 PM

ንዝኽሪ መዓልቲ እሱራትን ዝተሰወሩን ኤርትራውያን

في ذكري يوم المعتقل

REMEMBERING ERITREAN

PRISONERS AND DETAINEES

(1) Sheik Mohammed Jumaa &

(2) Mr Samson Solomon

ኣብ ፓልቶክ ሩም፡ ድላለት ህሌና፡

At Paltalk Eritrean Dilalet Hallena 2018

Friday, 05 April 2019

ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ኡሱራት አረትራውያን፡ ንዓርቢ 05 ሚያዝያ አጋይሽና፡ 1/ ሸኽ መሐመድ ጁምዓ ኣቡ 'ረሺድ (Events Committee officer) 2/ ደላዪ ፍትሒ “Activst" ሳምሶን ሰለሙን ኢዮም። አርእስቲ ዕላልና፡ "ኩነታት ኡሱራት ኤርትራውያን" ዝብል ክኸውን ኢዩ። Remembering Eritrean Prisoners on 05 April 2019. Our invited guests are (1) Sheik Mohammed Jumaa Abu-rashid, Events Committee officer (2) Mr Samson Solomon, Activist.  

في ذكري يوم المعتقل، ضيوفنا :

الشيخ محمد جمعة ابو الرشيد مسؤول لجنة الفعاليات بمنسقية يوم

المعتقل الاريتري والناشط "سامسون سلمون

 1ይ ክፋል (05-Apr-2019)፡  2ይ ክፋል (05-Apr-2019)፡ 




04/04/2019 22:58 PM

ኤርትራ ናይ መን ትኹን?

ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን?

1ይ ክፋል

ብ'ታደሰ ኪዳነ

“ኤርትራ ናይ መን ትኹን”? ዝብል ሕቶ ምሕታት ቀሊል ይመስል ይኸውን። ቀሊል መልሱ’ውን “ናይ ኤርትራውያን” ዝብል ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ግን ናይ ኣየኖት ኤርትራውያን? ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር ዝርከብ ህዝቢ፡ ዝበዝሐ ጥዑይ፡ ባህሉን ስነ-ምግባሩን ዘኽብር፡ ብስጋይ ስጋኻ እናተኸባበረ ኢዩ ዝነብር። ንባህሉ፡ ወግዕታቱን ስነ ምግባሩን ዝዘርጉ ውልቀ-ሰባት፡ ከከም ግብሮም ዝቕይድ ሕጊ፡ ካብ ተግባራቶም ንኽመሃሩ ዝጸንሑሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰሪሑ፡ ንገበነኛታት ተቆጻጺሩ፡  Read more




03/04/2019 21:24 PM

ሎሚ ይኣክል ዘይበለ፡ ታሪኹ ዝሐተለ

ብ'ጎይትኦም ኢማም (ሕመኣ)

ሎሚ ይኣክል ዘይበለ፡ ታሪኹ ዝሐተለ

ሃገሩ ዝኸሓደ፡ ካብ ህዝቡ ዘግለለ

ምስትውዓል ዝጎደሎ፡ ብማዕዶ ዝልለ

ንእሽቶ ዝተረፈቶ ንዕብዳን ጽላለ።

ሕልንኡ ዝሸጠ፡ ህዝቡ ዝጠለመ

ዕሽሽ ዝበለ፡ ናይ ኣዴታት ቁዛመ

ብሕሉፍ ዘይመሃር፥ ትምህርቲ ዝተቐስመ

ናይ ታሪኽ ጉሓፍ’ዩ፡ ፍትሒ ዝተሓስመ።  Read more



03/04/2019 21:24 PM

ሕጂስ ይእክል!

ዶ/ር ህላዌ ሰናይ

ጎበዝ ተታሊሉ፤ ክኢላ ተባሪሩ ንቡር ተሳኢኑ  ህዝቢ ተማሪሩ

ፖልፖታዊ ስርዓት ጨሪሱ ጠፊሹ ዓምቢኹ ፈጺሙ ከሲሩ

እቲ ዓቃል ህዝብና ካብ በለ ሕጂስ ይኣክል ንዓማጺ ምጻሩ

ኢደይ ኢድካ ንበል ነድሕና ነዛ ብርኽቲ ሃገር ክትነብር ንወትሩ

ይሕተት ኣሎ ኩሉ ኤሪትራዊ ኣርሒቑ ዝሓስብ ዝቃለስ ተሪሩ

ዓለምና ትሕምበብያ ዘላ እወ ከይንኸውን ጊልያ ኣብ ገዛእ ሃገሩ

Read more



02/04/2019 18:41 PM

መድረኽ ኤርትራዊ መንእሰይ

ሓለፋ ኩሉ ኣደራዕ

ብ’ ኣስመረት መድሃኔ

Read more

See more ተወሰኽቲ ኣብዚ ርአ፡-




01/04/2019 17:39 PM

Operationalizing the Denver Manifesto:

AN URGENT CALL FOR CREATING

EFFECTIVE PUBLIC ORGANIZATIONS

Dr. Gebre Gebremariam

To avert the danger of losing sovereignty and national identity, and ultimately reverse the process of societal decay, it is imperative for Eritreans to fully understand the nature and characteristics of the evil force that has been at work from the get go. With an ultimate objective of weakening Eritrea and undermining its sovereignty, the regime presided over a synergetic vicious cycle of extractive political and economic institutions for more than two decades Read more

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



01/04/2019 17:39 PM

ዜና

ንቕሎ ኣደታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን

እንታይ ይገብር ኣሎ?

ካብ ግዱስ ዜጋ

ከም ንዝክሮ 8 መጋቢት ጀሚሩ 10 መጋቢት፣ ዝተፋላለዩ ዚጋታት ኤርትራውያን፡ቡዙሓት ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ህዝባውያን ማሕበራት፣ ምንቕሳቓሳት፣ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ውልቀ ሓርበኛታት፣ ጉራማለ ህዝብና፣ ሽማግለታት-መንእሰያት-ብብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፍዎ፡ መራሕቲ ሃይማኖታት ዘማዕረግዎ፡ ጽዊዒት ኣደታት፣ ተስፋ ዝሃበን ተጠርኒፉ ሕጂ ይኣክል ምፍልላይ፣ የብቅዕ ዲክታተራዊ ስርዓት፣ ኢሉ ነቲ ሓድነት ኣብ ቡዙሑነት ዝብል ቁኑዕ መስርሕ ፖለቲካ ንምትርጓም፡ ናይ ሓብርን ሰፊሕ ሃገራዊዲሞክራሲያዊን ባይታ መቃለሲ ንምብጻሕ፤ ዝወጸ ኮሚቴ ንቕሎ ኣደታት ንምድሓን ንህዝብን ዛገርን (ን.ኣ.ን.ህ.ሃ.ዞ.ኤ.) ይምርሽ ኣሎ። Read more


Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print