ወዳቢ ኣካል ድዩ ጠፊኡ፡ ወይስ ተወዳቢ ኣካልዩ ተሳኢኑ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

13/04/2019 22:35 PM

ወዳቢ ኣካል ድዩ ጠፊኡ፡
ወይስ ተወዳቢ ኣካልዩ ተሳኢኑ?

ብ' ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ወዳቢ ኣካል ድዩ ጠፊኡ፡ ወይስ ተወዳቢ ኣካልዩ ተሳኢኑ?
ብ' ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ሰርዓት ንጉስ ሃይለ ስላሴ ምስ ካልኦት ዓቦይቲ ሃገራት መሻርኽቱ ኰይኑ ነቲ ኣብ መንጎ ኣርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ውዕል ፈደረሽን ኣፍሪሱ ሃገርና ብሐይሊ ምስ ጎበጣ ህዝቢ ተወዲቡ ንናጽነቱ ክቃለስ ብጅግና ስዉእ ኢድሪስ ዓወተ ገድሊ ብ 1 መስከረም 1961 ዓ.ም. ተመስሪቱ ህዝቢ ተውዲቡ ንናጽነቱ ክቃለስ ናይ ተለዓል ምልክት መብራህቲ ጥይት ዝተጀመረትላ መዓልቲ ኢያ። ህዝቢ ድማ ጻውዒት ነጻነት ኣኽቢሩ ባዕሉ ነቍሑ ኣብ ገግዜኡ በብዝጥዕሞ ተወዲቡ ሃገር ናጻ ከውጽእ ኣብ ጽላል መሬት ሃገሩ ተዓቍቡ ኩሉ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓቦይቲ ዝብሃል መሰናኽላት ሰጊሩ ብ24 ግንቦት 1991 ዓ ም ነጻነት ኣበሲሩ። ዘለናዮ ጊዜ ድማ ወዳቢ ወይ ተወዳቢ ሰብ ዘየድልዮ ኩሉ ሰብ ንጉዳዩ ከም ቀደሙ ባዕሉ ተላዒሉ ሐደ ሐያል ብሽኻል ዝሰጠመ ህዝባዊ ተቓውሞ ክፈጥር ኣለዎ።

ድሕሪ ናጽነት ተጋዳላይን ህዝብን ብሓባር ምልክት ( ኣብነት ) ናይ ገድሊ ዓይነት ዕማም መደብ ስራሕ ንቅድሚት ኣምሪሑ ብነብሰ ተኣማንነት፣ ብፍቅሪ፣ ብእምነት፣ ብጽቡቅ ራኢን፣ ንቅሐትን ሃገር ክትዓቢ፣ ክትምዕብል፣ ህዝቢ ቀሲኑ ብሰላም ክነብር፣ ክርህዎ፣ ሕድሪ ስዉኣት ክፍጽም፣ ሃገር ብቁዋም ክትመሐደር ኣብ ዓሚቊ ሓሳባትን ስራሕን ትጸሚዱ ኣብ ዝነበረሉ ለዋህ ጊዜ፣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብዘይተነጸረ ናይ ስራሕ መደብ ዕዮታት ፋሕ ዝበለ መትሐ ዚ ዘይብሉ ሕልና ሰብ ዘልመሰ ኣብ ገብሪ ዘይውዕል ኣብ ኣየር ተበቲኑ ዝተርፍ ናይ ቃላት መብጸዓታት ኣብ ዓዓመቱ እንዳሐደሰን እንዳቀያየረን ብንዕኡ ዝጥዕም ኣሰራርሐ ሃብቲ፣ ንብረት፣ ጥሪት ሃገርና ኩሉ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ኣእትዩ ብስርዓተ ኣልቦ ምሕደራ ንህዝቢ ብምኽንያት ሃገራዊ ርእይቶኡ ይኣስር፣ መንእሰይ ኣብ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት በልማማ ጸሚዱ ብመሐዝ የሳቕዮ ኣሎ። መንእሰያት በቲ ኣብ ነብሶም ዝወረዶም ሕሰምን ምረትን ሃገር ንድሕሪኦም ገዲፎምዋ ይስደዱ ኣለዉ። ስድራቤታት ድማ ደድሕሪኦም ይስዕባ ኣለዋ።

እዚ ኩሉ ሕሰም ክወርድ ከሎ እንዳረኣና መንዩ በዳል ህዝቢ እንዳፈለጥና ኣብ ሐደ ሰሚርና ሐይልና ኣጣሚርና ከይንሰርሕ ኣብ ተቛዋምቲ፣ ደገፍቲ፣ ኣስቀጥቲ ዝብል ዘይንቡር ኣምራት ተኸፋፊልና እኹል ዓቕምታት ከሎና ከይሰራሕና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ንጉዳይና ተዓዘብቲ ኮንና ብምርኣይ ኣብ ረብሐ ህዝቢ ክውዕል ዝግባእ ብዙሕ ጥዑም መድረኻት ሐሊፉና ኢዩ። እቲ ኩሉ ሒማቕ ተግባራትን ኣመታትን ስርዓት ህግደፍ እንዳረኤናዮ ኩሉ ሕሰማት፣ ግፍዕታት ኣብ ልዕሌና እንዳወረደ ዕሽሽ ኢልና ንጉዳይ ህዝቢ ሸንከፍ ጌርና ስለ ዝሓዝናዮ ጸገምና እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እንበኣር እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ መድረኽ ድማ ከምቶም ቀደም ዝሐለፉ መድረኻት ከይሐልፈና ነቶም ግዜኦም ዘይሐለዉ ኣድከምተን ንድሕሪት ጐተትን ፖለቲካዊ ፍልስፍና፣ ፖለቲካዊ ስነሐሳብን ስነፍልጠትን ንግዜኡ ኣወንዚፍና ኣብ ሕልና፣ ፍቕሪ፣ ስራሕን ሐድነትን ዘድልዮ ጊዜ በጺሕና ስለ ዘሎና ነዚ ሽለል ኢልካ ዘይሕለፍ ጉዳይ ሃገር ሐድነትና ኣጠንኪርና ንግጠሞ። መዓልቲ፣ ወርሒ፣ ዓመት ከምኡውን ዘመን መምስ ጽቡቅን ሒማቅን መድረኻተን እንዳተተኻኻኣ ኢየን ዝሐልፋ። ኣብዘን ዝሐለፋ ቀዳሞት ዓመታት ብዙሐት ስራሓት ይጽነሐለይ ዘየድልዮም መድረኻት ከይተጠቐምናሎም ሐሊፎሙና ኢዮም። ስለዚ ካብቶም ከይተጠቐምናሎም ዝሐለፉ መድረኻት ተማሂርና እንታዩ ጸገምና ኣለሊና ዳሕራይ ከይድገሙ ኣወጊድና ብሐዲሽ ህዝባዊ ስርርዕ ክንሰርሕ ይግባእ።

ኣብ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ወዳቢ ኣካልድዩ ጠፊኡ ወይስ ተወዳቢዩ ተሳኢኑ ዝብሉ ቃላት ኣስፊረ ኣሎኹ። ወደብቲ እኹላት ኣለዉና፣ ተወደብቲ ድማ ብሙላኣትና ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ኣሎና። እቲ ዝነበረን ዘሎን ምስሊ ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ማሕበራት ዓይነቱ፣ ጠባያቱን ኣሰራርሕኡን ከም ኣብ ትሕቲ ሐደ ቁዋም ዘለዎ መስርሕ መንገስታዊ ትካላት ኣብ ውድድር ፖለቲካዊ ስልጣን ንምሐዝ ዝሰርሕ ኢዩ ዝመስል። ይኹን እምበር ኣብዚ በዳሂ ህሞትዚ ክትሰርሐሉን ክትዕወተሉን ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ጊዜ ሰላም ድሕሪ ዓወትና ( ምልጋስ ጉጅለ ህግደፍ) ሃገራዊ ቁዋም ብዘፍቅዶ ኣብ ትሕቲ መንገስታዊ ትካላት ክስርሓሉ ስለ ዝከኣል እዚ ንሰርሐሉ ዘሎና ማእለያ ዘይብሉ ብዝሒ ውድባት ዝተከተለ ስነሓሳብዚ ከምዘለዎ ክጽንሕ ከነስምረሉ ይግባእ። ስለዚ ውድበይ ውድብካ ሰልፈይ ሰልፍኻ ዘይብሉ ምሉእ ህዝቢ ብሓባር ዝሳተፎ ዘሎናዮ መድረኽ ዝጠልቦ ናይ ሞያ ውዳቤታት ክንጥቀም ኣሎና ይብል።

እዚ ሐዲሽ ዓይነት ውደባዚ ዝቐለለን ዝሐጸረን መስርሕ ውደባ ኮይኑ፣ እዚ ዘሎናዮ መድረኽ ዝጠልቦ ውደባዩ። በደል ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ናይ ሎሚ ዘይኮነስ ዓመታት ወሲዱ ዘሰልከየና፣ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። እቲ ናይ ሞያዊ ኣወዳድባና ህጹጽ ዝገብሮ ድማ ምስ እዚ ናይ ሰላም መገዲ ኣብ መንጎ ሃገርናን ኢትዮጵያን ዝበጋገስ ዘሎ ብወገን ኣርትራ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ተረሲዑ ሃገር ኣብ ምምሕዳር ስርዓተ ኣልቦ ኣብ ዘላትሉ እዋን ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ትካላት ሐለፍትን ፈላጣት ተመራመርቲን ኣማኸርቲ ዘይሳተፍሉ ብሐደ ውልቀ መላኺ ጥራይ ዝግበር ውዕላት፣ ዝምድናታትን ርክባትን ንህዝቢ ኣርትራ ስለ ዘይውክል ሞያዊ ስርርናዕ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ውዕላት ጠጠው ከብሎ ንነግሮ፣ ዝገብሮ ዘሎ ውዕላት ቕኑዕ ከምዘይኮነ ጌጋ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ይፍጽም ከምዘሎ ንገልጸሉ። ውሽጣዊ ጸገማትና ኣልጊስና እቲ ኣብ ሃገርና በኹሩ ዘሎ ድሞክራሲን ፍትሕን መስትሪና፣ ሐደ ቁዋማዊ መንገስቲ ተኺልና ብናይ ጎረባብቲ መንግስ ታት ዝራኸባሉ ናይ ሰላም ኣሰራርሐ ከም እንሰርሕ ነፍልጦ።

ነዚ ኣይጥዑይ ኣይጽሉል ፍሽኽታን ኩዳን ዝበዝሖ ኣበሃህላ፣ ንዶክተር ኣቢይ ንስኻ ምርሐና ወኪለካ ኣለኹ ምባል ናይ ኢሳያስን፣ ናይ ዶክተር ኣቢይ ሒዙዎ ዘሎ ዘመተን ማለት ተወኪለ ኣለኹ ብዘስምዕ ቃላት ክልተ ወተሃደር፣ ክልተ ኤምባሲታት ኣየድልንዩ ሐደ ክንገብሮ ኢና ምባልን፣ ንጉዳይ ኣርትራ ዝምልከት ምስ ካላኦት መንግስታት ውዕል ክገብር ካብ ኢሳያስ ውክልና ተዋሂበ ኢየ ኣልካ ንመስርሕ ጽርግያታት ኣርትራ ወደባት ኣርትራ ምስ ናይ ውጻኢ ኣውፈርቲ መንግስታት ውዕላት ክፍርም ሐላፍነት ከምዘይብሉ ንነግሮ። ናይቶም ነጻነት ኤርትራ ዘሕምሞም፣ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ኣለዋ በሃልቲ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ወጻኢ ኣብ ናይ ስደት ሃገራት ኮይኖም እምነቶም ከተግብሩ ዝደልዩ ሐለምቲ ኢትዮጵያውያን ነቲ ጋዕ ገልጠም እምነቶም እኩባት ሰብ በትሪ ጥራይ ከምዝኾኑን ከምዘይክእሉን ነረድኦም።

መደብ ዕዮና ከምቲ ጻውዒት እድሪስ ዓዋተ ንሃገራዊ ናጽነት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንምሉእ ህዝቢ ኣርትራ ዘኽተቶ`ሞ ብዓወት ዝተዛዘመ ሕጂ ድማ ሞያዊ ኣወዳድባና ንኹሉ ህዝቢ ኣኽቲቱ ንስርዓተ ኣልቦ ህግደፍ ኣልጊሱ ዲሞክራሲን ፍትሕን ተተኺሉ ሃገር ብሰላም ክትነብር ህዝቢ ድማ ኣብ ንቡር ናብራኡ ንምምላስ ዝሰርሕ ህዝባዊ ምልዕዓል ኢዩ።

ኣወዳድባና ብኸምዚ ዝስዕብ ይኽውን፣

1- ሞያ ናይ ሰብ ወዳቢ ኮይኑ ኣሎ ማለትዩ።

2- ባዕሉ እቲ ሰብ ድማ ኣብ ሞያኡ ተወዲቡ ኣሎ ማለትዩ።

ንኣብነት ኩሎም መማህራን ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብሞያኦም ተወዲቦም ይሰርሑ፣ ካልኦት ሞያውያን´ውን ብኽም´ኡ ይወዳደቡ።

ዝርዝር ኣወዳድባና ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን፣

1. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ናይ መማህራን ውደባ፣
2. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ናይ ሐኻይም
3. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ናይ መንእሰይ
4. ኣብ ዝህለዉ ይሃልዉ ናይ ምሁራት
5. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ናይ ስነጥበባውያን
6. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዋ ናይ ሐበሬታ ማዕከናት
7. ኣብ ዝሃለዋ ይሃልዋ ናይ ደቀንስትዮ
8. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ናይ ስፖርተኛታት
9. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ናይ ነጋዶ
10. ኣብ ዝሃለው ይሃልዉ ናይ ሰራሕተኛታት
11. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ናይ ኣምበሳደራት
12. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ መራሕቲ ሃይማኖታት
13. ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ተጋደልቲ ነበር ወዘተ …......... ክግበር ይከኣል።

ከምዚ ዓይነት ኣወዳድባ ኣብ መጀመርያ ክሕድሰና ይኽእል ይኸውን እንተኾነ ግን ዝነበረ ኣወዳድባና ኣብ ሕሉፍ ተመኩረና ከምተራእየ እዚ ናይ ሞያ ውደባ ዝሐሸን ዝቐለለን መስርሕ ዝገብሮ ከምቲ ነብሲወከፍና ኣብ መዓልታዊ ናብራና ብሞያና ሰሪሕና ንነብስና ተዓዋቲት እንገብራ ንሐርነትና´ውን ናይ ሞያና ዓይነት ኣወዳድባ ከዓዋትና ኢዩ ።

ደቂ ሰባት ኣብ ጉዕዞ መነባብሮኦም ምስ ብዙሐት ሰባት ኣብ በብዓይነቱ መደያት ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ኣብ ናይ ዝተፋላለየ ዓይነት ስፖርት ክፋለጡ ዕድል ኣለዎም። ምስቶም ኣብ ገግዚኡ ዝተላለይዎም፣ ዝተፋለጥዎም ሰባት ድማ ቀጻሊ ርክባት ብምዝውታር ሕውነት፣ ፍቕሪ፣ ዘተኣማምን ዝምድናታት መስሪቶም ይነብሩ። እዚ ዓይነት ዘይሃስስ ዝምድናታት መሰረተ ሞያታት መብገሲ ተጠቒሙ ዝተወደበ ህዝቢ ኣብ ውሽጡ ሐልዮት፣ ምክብባር፣ ምትእምማን ክህልዎ ይኽእልሞ ኣብ ሃገራዊ ተልእኾኡ ኣድማዒ ስራሕ ክፍጽም ይኽእል።

ድሕሪ ናይ ሞያ ውዳቤታትና ቀጻሊ ዝኸውን ኣብ ናይ ምርጫ ጊዜ ውን እቲ በዓል ሐደ ሞያ ዝኾነ ህዝቢ መን ንመን ስለ ዝፋለጥ ኣብ ዝለዓለ ናይ ስራሕ ቦታ ወከልቱ ንምልኣኽ ብቐሊሉ ኣለልዩ ክመዝዝ ዓቢ ዕድል ኣለዎ። ብቅኑዕን ምዕቡልን ስነሓሳብ ንቂሎም ዝተመርጹ ኣባላት ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይ ስራሕ ቦታ ዝሕዙ ድማ ብነብሰ ተኣማንነት ንጹርን ብሉጹን ስራሕ ክሰርሑ ይኽእሉ። ስነሐሳብን ራኢን ዘለዎ ብሓባር ምስ መሳርሕቱ ተሰማሚ ዑ ዝሰርሕ ድልየት ህዝቢ ዘማልእ ሞያዊ ኣካል ካብ ኩሉ ይበልጽ።

ተሳትፎ

ኩሎም ሞያተኛታት በብዝጥዕሞም መገዲ ትራኺቦም ከካብ ናይ ሞያ ውድቦም ብምርጫ ወከልቶም የሳትፉ።

እቶም ዝተመርጹ ወከልቲ ሞያተኛታት ብስምምዕ ኣብ መራኸቢ ክኸውን ይኽእልዩ ዝተባህ ለ ጽቡቕን ማእክላውን ቦታ ተኣኪቦም ብሓባር ዘትዮም ካብ ውሽጦም ንብዝሒ ዝምልከት ከከም ኣድላይንቱ ቀዋሚት ኣካያዲት ስርሕ ሽማግለ ይመርጹ።

1. ኣታ ዝተመርጸት ናይ ስራሕ ሽማግለ ኣብ ውሽጢን ስደትን ዘሎ ህዝቢ ተናቓቕሕ።
2. ምስ ናይ ውሽጢ ህዝቢ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ትሰርሕ፣
3. ምስ ናይ ኣብ ስደት ዝሎ ህዝቢ ትራኸብ፣
4. ምስ ፈተውቲ ሃገራት ማሕብራት ትራኸብ
5. ገባቲ ስርዓት ካብ ዓለም ከም ዝንጸል ትሰርሕ፣
6. ከከም ኣድላይነቱ ብሐደ ጊዜ ወይ በብተነጸል ኣብ ሃሃግሩ ወይ ኣብ ሐደ ማእከላዊ ቦታ ( ሃገር ) ሰላማዊ ሰልፍታት ትምድብ፣ ጸብጻብ ሰላማዊ ሰልፊ ትግምግም፣ ቀጻልነ ቱ ትከታተልን ተረጋግጽን።
7. እቲ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ብሐደ ፕሮግራም ብሐደ ጭርሖ ክስነ ትገብር፣ መደባቱ ሐደን ንጹርን ክኸውን ምእንቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሃሃገሩ ትምህርትን ሐበሬታን ትህብ፣
8. ሽማግለ ነዚ ዘሎ ተክኖለጂ ኣብ ነንሕዳ እትገብሮ ወይ ኣብ ናይ ህዝቢ ኣኸባታት ክትጥቀመሉ ጽቡቕ ዕድላት ኣለዋ፣
9. ድሕሪ ናይ ስረሕ ኣካያዲት ሽማግለ ምቛማ እቲ ሰዓቢ ( ኣባል) ምስታ ናይ ሞያ ውድቡ እንዳተራኸበ ( ወካሊቱ ሽማግለ ስለ ዘላቶ ) እንዳተቖጻጽራ ነጻ ኮይኑ ምሉእ ጊዜኡ ናይ ብሕቱ ናብራ ከ´ የጉደለ፣ ሰራሕተኛ ኣብ ስርሑ፣ ተመሃራይ ኣብ ትምህርቱ ኮይኑ ጊዜኡ ብዝያዳ ክጥቀመሉ ዕድል ኣለዎ።
10. ሽማግለ እተማሐላልፎ ዝኾነ ዓይነት መልእኽቲ ኣብ ዘዘሎናዮ ብቑልጡፍ ፈጸምቲ ንሕና ናይ ሞያ ኣባላት ንኸውን። ወዘት …......

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ካባና ዝጽበዮ ሐደ ንጹር ኣሰራርሐ ብሩህ መጻኢ ዕድሉን ምዕብልና ሃገርን ዘቐደመ፣ ንዕብየት ምጣንየ ሃብታውን ማሕብራዊ ጉዳያትን ዝጠመተ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ክሕዝ ዘይመጣጠር ውዳበታት ክርኢ ኢዩ ዝደሊ። ስልጣን ክህብን ክኸል እን ናይ ህዝቢ ሐላፍነት ኢዩ።

ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብምኽንያት ጉጅለ ህግደፍ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ተወዲኡ እሱራት ተፈቲሖም፣ ግዱድ ኣገልግሎት ጠጠው ኢሉ፣ ሃገር ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ብሰላም ክትነብር ኢዩ ዝደሊ። ነዚ ኣብ ዝፈትዋ ሃገሩ ጎዲሉ ዘሎ ነገራት ክዉን ክገብርን መፍጸምታኡ ክርእን ድማ ንኹሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ማእከል ዝገበረ ዓይነት ውዳቤታት ተነጺሩ ኣብ ዝጅመረሉ ህሞት ብሓባር ክሰርሕ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ።

ስለዚ ክቡር ህዝቢ ኩሉ ናይ ነፍሲ ወከፍና ማሕበራዊ መነባብሮ ካብ ሞያዊ ስራሕና ዝሓፈስናዮ ፍረ ጸማና ተዓንጊልና ስለ እንነብር ንጉዳይ ሃገርና ድማ ኣብቲ ዝምልከተና ሞያዊ ህዝባዊ ስርርዕ ተወዲብና ነቲ መግለጺ ዘይብሉ ኣደራዕን ሕሰምን መነባብሮ ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ ስቕያት ንምልጋስ ጎኒጎኒ እቲ ውጹዕ ኣካልና ተሰሊፍና መስተርሆ ዝፍጠረሉ መገዲ ውዳቤታትና ብጽምዋ ንመርምሮን ንሕሰበሉን።

ሐርነታዊ ቃልስና ክዕወት`ዩ፣ ሕግን ፍትሕን ክነግስ`ዩ፣

ሐድነትና ክብርናን ዓወትናን`ዩ፣

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና፣

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ


Share with friends:


Berhane Abrehe Message to Eritrean People and Isias Aforki




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:



Share with friends: