ንሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ምስ ሻቕሎታና ንዝክሮ

04/03/2018 23:55 PM

ንሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ምስ ሻቕሎታና ንዝክሮ

(ብእንግሊዝኛ ብወልደሱስ ዓማር ተጻሒፉ፡ ብነጋሽ ኣስፍሃ እተተርጐመ)



ንሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ምስ ሻቕሎታና ንዝክሮ
(ብእንግሊዝኛ ብወልደሱስ ዓማር ተጻሒፉ፡ ብነጋሽ ኣስፍሃ እተተርጐመ)

ካብ ኤርትራ ጽቡቕ ወረ ካብ ዘይንሰምዕ ነዊሕ ገይሩ`ሎ። ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ ብመሰረት እቲ ናብ ኣሰና ቅርበት ዘለዎ ውሽጣዊ ምንጪ:ውፉይ ሃገራዊ ሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳኤ ወይ ብዘጉሂ መጸውዒ "እሱር ዒራ ዔሮ ቁጽሪ 4" ሞይቱ፡ ለይቲ 25 ጥሪ 2018 ከም እተቐብረ ተገሊጹ።እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ኣስማት ናይቶም ንድሩዕ ዝቐበሩ ኣርባዕተ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ፡ማለት ሚኪኤል ወረደ: ትንሱእ ተወልደ: ዑስማን ዑመርን መድሃኔ መሓሪን ምንባሮም ዘርዚሩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሳክቲዝም ዝፍለጥ ምንጪ ኣሰና ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ ተወሳኺ ዝርዝር ክህብ ቃል ኣትዩ። እዚ እንተደኣተረጋጊጹ: ኣካላት ሃይለ ኣብ ዓሚቚ ጸልማት ካብ ፍጥረት ኩሉ ተነጺሉ 16 ዓመትን ኣርባዕተ ኣዋርሕን ሸውዓተ መዓልቲን ድሕሪ ምስቓይ፡ ካልእ መዓልቲ ንምርኣይ ዝነበሮ ናይ ህይወት ቃልሱ ኣብ መወዳእታ ተሸኒፉ።

ሒደት ሰሙናት ቅድሚ ብ18 መስከረም 2001 ምእሳሩ: ሃይለ ንዘይጽወር ኩነታት ኤርትራ ኣብ ምቕያር ዝግበር ቃልሲ ህይወቱ ንምኽፋል ድልው ምዃኑ ጽሓፈ። እዚ ናይዚ ሰሙንዚ ዘጉሂ ዜና እንተደኣ ተረጋጊጹ: እቲ ዝበሎ ሓቂ ኮይኑ። ስለ`ዚ ድማ እታ እንኮ ክንብላ እንኽእል ”ደሓን ኩን ሓርበኛ ሃይለ!" ድሕሪ ምባል "ሕልምኻን ሕልሚ ኩሎም ሃገራዊያን ሓርበኛታትን ንምትግባር መብጽዓና ነሐድስ” ምባል ኢዩ።

ኣብዚ ዘጉሂ ኣጋጣሚ ክዝክሮ ዝደሊ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብ እሱር ሃይለ ድሩዕ ካብ ዘቕንዐ ክልተ ”ክፉት መልእኽትታት” ኢዩ። ሓንቲ እታ ብ2010፡ ሓለዋ እሱራት ዒራ-ዒሮ ዝነበረ ኢዮብ ባህታ ሃብተማርያም ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ እተበገሰትን፡ ካልኣይቲ እታ ብመስከረም 2005 እተጻሕፈትን ክጥቀሳ እፈቱ። እታ ናይ 2010 ቅልዕቲ ደብዳቤ፡ "ንድፊ" ቃል ሓዘን መሳሊት ነይራ፤ ትሕዝቶኣ ከእ "እንተሎኻ ብድሓን የራኽበና፡ እንተሞትካ ከኣ ብኽብሪ ትዝከር" ትብል። እታ ኣብዚ ድሒራ እትጥቀስ ካልኣይቲ ደብዳቤ ከኣ ክፋል ናይቲ ተኸታታሊ ”ብራቮ ድሩዕ ኣገናዕ ስዩም” ዘርእስቱ ጽሑፋተይ ኢዩ። ሎሚ ክልቲኡ ጽሑፋት ንክብሪን ዝኽርን ንናይ ቀደም ዓርከይ ድሩዕ ዝዳረግ ኢዩ።

ሰናይ ንባብ። ኣብ ምንባብን ዳግም ምንባብን (ማለት ነቶም ቀደም ንዘንበኩምዎን ከይተረፈ) እዚ ስዒቢ ዘሎ ገጻት ከገድሰኩም ዝኽእል ኢዩ። እቲ ምንታይሲ ንኡስ ዝመስል ግን ኣገዳሲ ዝርዝራት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ገለ ነቲ ካብ 1960 ኣትሒዙ ንታሪኽ ኤርትራ ዘቖመ ኣዝዩ ደቂቕ ነገራት`ዩ።

ንድፊ ቃል-ሓዘንን ታሪኽ ሂወትን ናብ እሱር ዒራዔሮ ቁጽሪ 4

(18 መስከረም 2010)፡ ክቡር ሃይለ:- እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ዒራዔሮ ኢዮብ ባህታ ሃብተማርያም፡ ብጥሪ 2010 ኣብ ዘስካሕክሕ ኩናታት ካብ ዝገድፈካ ትሽዓተ ኣዋርሕ ሓሊፉ። ሽዑ ብርሃን ኣዒንቲኻ ጠፊኡ ኣካላትካ ረቒቑ ኣብ ነዊሕ መስርዕ መልኣከ ሞት ናብ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቲ ከሰንየካ ተቐሪቡ ነበረ። መይትካ እውን ትኸውን ሃይለ: ንፈልጠሉ መንገዲ የብልናን። ወይ እውን ብሂወት ትህሉ፡ ዋላ እኳ ኩነታትካን ኩነታት ብጾትካን ብመሰረት እቲ ኢዮብ ዝገለጾ ከም ሂወት ክግለጽ ዘይክኣል እንተኾነ።

ሎሚ፡ ምስቶም ብትብዓት ንምሉእ ናጽነት ሓዲሽ ቃልሲ ዝጸውዑ ብጾትካ፡ ታሽዓይ ዓመት ማእሰርትኻ ኣብ ዝዝከረሉ መዓልቲ: ነዚ ዝስዕብ ቃል-ሓዘንን ታሪኽ ስውእን ከም ንድፊ ከቐምጥ መሪጸ። እዚ ጽሑፍ ክልተ ዕላማታት ኣለዎ።

- (ደሓን ሃሊኻ ነጻ እንተወጺእካ) ኣብቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናጽነትካ ከም ሓበሬታ ይኾነካ። ካብታ እተኸወልካላ ዕለት 18 መስከረም 2001 ክሳዕ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ነገራት ብሓጺሩ ትርዳእ።

- ወይ (ሓሊፍካ እንተዀንካ) ናይ ስንብታ መልእኽቲ ንዓኻ ኰይና፣ ነቲ ብ2005 እተጻሕፈ እውን ኣብ ታሕቲ ብምድጋም ንሓዲሽ ወለዶ ብኣኻ ንዘይፈለጥዎ መፍለጢት ትኸውን። እታ ናይ 2005 ጽሕፍቲ ኣብ ራብዓይ ዓመት ማእሰርትኻ እተጻሕፈት ኰይና፡ ካብቲ ኣነን ንስኻን እንፈልጦ ንኡስ ጒዳያት ትጠቓቕስ ነይራ።

ክቡር-ዓርከይ

ብዛዕባ ዘሎናዮ ሃለዋት ምጥቃሰይ፡ ህዝብና ብዛዕባኻ ብዙሕ ነገራት ከም ዝዝክር እገልጸልካ። ንኣብነት: እቲ ኣብ 2000ን 2001ን ናብ ህዝቢ ዘመሓላለፍካዮ ኣዝዩ ረዚን መልእኽትታት ኣሎ። ሓምለ 2000 ኣብ ፍራንክፈርት ፈስቲቫል ህግደፍ ዘቕረብካዮን ኣነ ብዛዕባኡ ፈለማ ኣብ ኢንተርነት ብምጽሓፈይ ሓለፋ ይስመዓኒ።ውሑዳት ኮነ ኢሎም ብጥምዙዝ ትርጉም ”ተጠላቒና” እትብል ቃል ተዓሽዮም ዘለው ገዲፍካ: መልእኽትኻ ዛጊት ኣብ ሃምን ቀልብን ብዙሓት ኤርትራውያን ይድውል ኣሎ። ሽዑ`ዩ ንስኻ "ኤርትራ ትካል ኣልቦ" ሃገር ክትከውን የብላን፡ ካብ ዓለም ተነጺላ ምንባር እውን ኣየርብሓን`ዩ ዝበልካ። ናይ 2001 ቃለ-መጠይቓትካን መግለጺታትካን እውን ነቲ ኢሳያስ ዘስረጾ ኣግላልነትን ትምክሕትን ዘሎካ ናይ ቀደም ጽኑዕ ተቓውሞ ደጊምካ ጥራይ ዘይኮነ: ንኤርትራውያን ኣብ መንጎኦም ዕርቂ ከስፍኑን ድሕሪ ኲናት ዶብ ሓዳስ ኤርትራ ክሃንጹ ኣዘኻኺርካ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ ባህግኻ ዝተፈጸመ የልቦን። ክኔው እታ 3x4 ሜትሮ ሸላ ዒራዔሮ ሓሊፍካ እትፈልጦ ነገር ከምዘየልቦ ንግንዘብ ኢና። ዘይምፍላጡ ከኣ ይሕሸካ። ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ዓለም በቲ ዝኸፍአ መግለጺታት እትልለ ተሕንኽ ሃገር ኰይና ኣላ። ኣስዒበ ንገለ ገሊኡ ክጠቕሰልካ፤

ካብ ዒራዔሮ እንተወጻእኻ መብርሂ ንዓኻ ሃይለ:-

1. ሃገርና ሎሚ ግዝኣተ-ሕጊን ዝሰርሕ ትካላትን ዘይብላ ኣዝያ ጨቋኒት ተባሂላ ትግለጽ። ብዙሓት ጸሓፍቲ "ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ" ይብሉዋ።

2. ኤርትራ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳመይቲ ኣላ። ናጻ ፕረስ ዘይተፍቅድ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንሳያ።

3. ባይቶ ኤርትራ ኣንጻርኩም ኩነነ ንምውጻእ ብለካቲት 2002 ተኣኪቡ። ድሕሪኡ ብፍጹም ኣይተኣከበን። ብኣንጻር እቲ ንስኻትኩም ንዲሞክራሲ ዝገበርኩሞ መጸዋዕታ: ኢሳያስን ንኡስ ዓንኬል ጉጅለኡን ኤርትራ ንኣርብዓ ዓመትን ክኔኡን ሃገራዊ ምርጫ ከም ዘይትገብር ንህዝቢ ይገልጹ ኣለው።

4. ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሻድሻይ ዝኸፍአ መላኺ ኣብ ዓለም ተባሂሉ ተረቚሑ። ኤርትራ ምስተን ውሑዳት ብኲናት ዝተሓመሳ ኰይና፡ ሃገራት ሻብዓይቲ ዝደኸየት ሃገር ኣብ ዓለም ተባሂላ ተሰሪዓ።

5. ሃይለ፡-- እቲ ንስኻ ዝኸተምካሉ ስምምዕ ኣልጀርስ ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን። ነገራት ዝያዳ ንምብልሻው እዚ ኣብ ዞባና ደጋፊ ዝብሃል ዘይብሉ ተናኻሲ ኢሳያይ ሕጂ ከኣ ንመጥቃዕቲ ጂቡቲ ኣዚዙ።

6. ብኣንጻር እቲ ኣብ ፍራንክፈርት ብ2000 ዓ.ም. ተነጽሎ ኤርትራ ከብቅዕ ዝገበርካዮ መደረ: ንህዝቢና ዝውጽዕ ተነጽሎ ብዕጽፊታት ወሲኹ። ኤርትራ ንጽልቲ ሃገርን ናብቲ ዘስካሕክሕ ደረጃ ውዱቓት መንግስታት ገጻ ትድፋእ ኣላ። ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣይሰርሓን ኢየን፤ ኩለን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ካብ ሃገር ተባሪረን። ኤርትራ ሎሚ ምስ`ታ ናይ መወዳእታ 70ታት ካምቦድያን ፖልፖትን እቲ ጽሉእ ጒጅለ "ክመር ሩጅን፡ ከተመሳስላ ትኽእል።

7. እቲ ኣብ ትሕቲ ደረት ዘይብሉ ”ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝካየድ ዓመጽ: ድሕሪ ምስዋርካ ብዝተሃንደሰ ሓዲሽ መደብ ተደሪዑ። ”ዋርሳይ ይከኣሎ” ዝበሃል መደብ ኢሳያስ፡ ንሓዲሽ ወለዶ ካብ ግቡእ ትምህርቲ ምቕሳም፣ ንመንእሰይ ነብሶምን ስድራቤቶምን ንክሕግዙ ዝነበሮም ዕድል ብምንፋግን ብከንቱ ኣባኺንዎም ይርከብ። ንልዕሊ 300,000 ወተሃደር ኣብ ትርጉም-ኣልቦ ዕርድታት ብምስፋር ኤርትራ (ንብዝሒ ህዝባን ብረት ዓጢቑ ዘሎ ሰብን ብምንጽጻር) ካልኣይቲ ሰሜን ኮረያ ኰይና ተባሂሉ።

8. እቲ ዓብይ ትራጀዲ ሃገርና ሎሚ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት እሱራት ኣብ ልዕሊ 300 ቤት ማእሰርትታን ኮንተይነራትን ዒራዒሮን ምድጓንን፣ ውድቀት ቁጠባን ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዓቢ ትራጀዲ እቲ ብጅምላን በብዕለቱን ሃገር ዝገድፍ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ።ሃገር ትጸንት ኣላ። መደበራት ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያትና መሊኦመን። ካልኦት ኤርትራ ገሀነም ምስ ኮነቶም ዝዕቆቡሉ ንምንዳይ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ይሞቱ`ለው።

9. ሃይለ:- ኣብታ ናባኻ ልክዕ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝለኣኽክዋ ራብዓይቲ ቅልዕቲ ደብዳቤ: "ክትመውት ኣይፍቀደካን`ዩ” ኢለካ ነይረ። ሕጂ'ውን፡ ወላ'ኳ እቲ ዘሎ ሓበረታ ዘየተባብዕ እንተመሰለ፡ ነታ ቃል ክደግማ ምደለኹ። ኣይትፈልጥን ትኸውን እንበር፡ 50% ካብቶም ኣብ ዒራዔሮ ምሳኻ ዝተኣስሩ ማሕሙድ ሸሪፎን ዑቕበ ኣብርሃን ሓዊስካ ብመደብ ብዝተኻየደ ፕሮጀክት ቅትለት ኣብዚ ትሽዓተ ዓመት ሞይቶም ይብሃል ኣሎ። ናይ ቀደም ብጻይካን ብጻየይን ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል እውን ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብዛ ዓለም ከም እተፈልየ ንዓኻ ውዑይ ዜና ከምዝኾነ ርግጸኛ ኢዩ።

10. ሎሚ ብዝከኣለና፡ ነቲ ንስኻን ስዩም ሓረስታይን በብመንገድኹም ብ2001 ዘበገስኩሞ መስርሕ ዕርቂ ከነሰጉሞ ንጽዕር ኣሎና። ከም ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ነቲ ዝነበረ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን መዝገብ-ቅርሕንትታት ኣብ ታሪኽ ኣቐሚጥና: ነዘን ንሕልሚ ናጽነት ሃገርና ዘተግበራ ክልተ ኣካላት ሃገራዊ ቃልስና፡ ናብ ዕርቂ ወጂህና ንሰርሕ ኣሎና።ብኢሳያስ ዝተዘርአ ሕማም ቅርሕንቲ ክንስዕር፡ ብቐጻሊ ጽንዓት ናይ ህዝብና ክንፍውሶ ከም ዝከኣል ንተኣማመን ኢና። ጅግና ህዝብና ካብዛ ናይ ሎሚ ዝሓሸት ኤርትራ ኢያ እትግብኦ። ምሉእ ፖለቲካዊ ሓርነት ክጎናጸፍ ከኣ: ነዚ ዝከይድ ዘሎ ኣተፋናኒ ንፋስ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር ጊዘ ክንቅይሮ ዕጥቅና ኣትሪርና ንርከብ።

(ቀጺሉ ዘሎ ንባብ ከኣ እቲ ብመስከርረም 2005 ኣብ ትሕቲ ብራቮ ድሩዕ: ኣገናዕ ስዩም (4ይ ክፋል) ዝብል ጽሑፍ ኢዩ።)

ናብ: ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)
እሱር ቁ. --- ቦታ: --- (ብ2005 ዘይተፈልጠ ነይሩ)
ኤርትራ፡ ምስራቕ ኣፍሪቃ
ቅዳሕ ናብ: ስዩም ዑቕባሚካኤል(ሓረስታይ)
መስከረም 18, 2005

ክቡር ሃይለ:-
ብዘይ ሕጊን ብዘይፍትሒን ምስ ካልኦት ብጾትካ ካብ እትእሰር ድሮ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑ። ንሰብኡትን ደቀንስትዮን ንኣሽቱን ዓበይቲን ንኹሎም ብጠቐነ ዝተቐፈዱ ቃል መተበባዒን ደገፍን ኣብጽሓለይ። ነቶም ካብ ከሰላ ብሚያዝያ 26, 1992 ተጨውዮም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ”ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ” ዝበልዩ ዘለው ንወዲ ባሻይን (ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ) ንወልደማርያም ባህልቢን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ምብጻሕ ከም ዘይትዝንግዕ እኣምን ኢየ።

ሃይለ: እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ኣስመራ ብ1965 እተሳኣልናዮ ነይሩ፣ህያብ ንዓኻ። ኣብ መንጎ መነጸር ዝወደዩ ክልተ ሰባት ትርእያ ኣሎኻ። ሃብቶም ገ/ሚካኤል ከምኡ እውን ሓደ ካብ መማህራንና፣ ዓብዱራሕማን መሓሪ ልክዕ ብድሕረኻ ኮይኑ ንኢሳያስን ናይ ሕጂ ሚኒስተር ሕርሻ ኣረፋይነን ካባኻ ርሒቖም ኣብ ድነ ኣለው።ነቶም ዝተረፍና ከተለልየና ተስፋ እገብር።(ካብ`ቶም ኣብ 12 ክፍሊ ዝነበርና ዳርጋ ዓሰርተ ኣብ ስእሊ የለዉን --ወልደዳዊት ተመስገንን ስዩምን ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብ ሜዳ ስለዝኸዱ፣: ሙሴ ተስፋሚካኤልን ሚኪኤል ጋብርን ካልኦትን እውን የለውን)። ምስ ተራኸብናን ብሂወት ምጽናሕካ ብዘረጋገጽናን ዝያዳ ተወሳኺ ስእልታት!

ኣብ ከምዚ ዘሎናዮ ሃዋህው: ናዓኻትኩም ንእሱራት ዓሚቑ ደገፍ ምግላጽ ግቡእ ንጹሃት ኤትራውያን ሓርበኛታት ምዃኑ ኣብ ሕቶ ዝኣቱኣይኮነን። እንተኾነ ቁጠባዊ: ማሕበራዊ: ፖለቲካውን ሰብኣውነትን ሰብኣዊ ኩነታትን ሃገር ናብ ዘሻቕል ደረጃ ወዲቑ እቲ ኣብ መንጎ ኩነታትኩምን ኩነታት ዝተረፈ ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ሕጂ እንተዘይኮነ ድማ ቀጺሉ ሓደን ተመሳሳሊን ምዃኑ ዘይተርፍ`ዩ። ሃገር ብቕልጡፍ መጠን ሰባ ትበትኽ ከም ዘላ ናዓኻ ዜና ይኸውን። እቶም ናይ ቀደም ስደተኛታትና ናብ ሃገሮም ከምዘይተመልሱ ትፈልጥ ኢኻ። ሕጂ መላእ መንእሰይ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን መሐየሪ ስፍራታት ካብ ምማት: ሞት ኣብ ዕርድታትን መዓስከራት ግዱድ ዕዮን፣ ሞት ብጥሜት: ሞት ኣብታ እኹል መግቢን መድሃኒትን ዘይብላ ሃገር ኰይኑ ካብ ምጽባይ ሃገር ገዲፉ ይጠፍእ ኣሎ። ብዙሓት ካብ`ቶም ኣብ ዘይጊዚኦም ካብ ምማት ከምልጡ ዝፍትኑ ኣይዕወቱን ኢዮም። ገለ ብሓለዋ ዶብ ይቕተሉ፤ ካልኦት ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርን ይሞቱ። ብኣጠቓላሊ ክነግረካ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ከብቅዕ ዝግብኦ ሕማቕ ኩነታት ኣለው። ካብኡ ብዝተረፈ ሳዕቤኑ መግለጺ ኣይርከቦን`ዩ።

ክቡር ናይ ቀደም ዓርከይ:-

ኣብ ዓዋተ.ኮም ብ7 ጥሪ 2001 ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ ዝሰፈረ ቀዳማይ ክፋል ናይ "ኣገናዕ ስዩም፡ ብራቮ ድሩዕ" ዝብል ጽሑፈይ ኣንቢብካዮ ትኸውን: ምኽንያቱ ሽዑ ኣብ ኣስመራ ናጻ ሰብ ኢኻ ኔርካ። እንተኾነ ነቲ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ዓመት ማእሰርትኻ ብጓሂ ንምዝካር ዝቐረበ 2ይ ክፋል ብመስከረም 2002 ወይ ነቲ 3ይ ክፋል ብመስከረም 2003 እተጻሕፈ ከተንብቦ ከም ዘይትኽእል ርጉጽ`ዩ። ብዘይካ እዚ ን4ይ ዓመት ማእሰርትኻ ንምዝካር: ሎሚ ዝቐርብ ዘሎ 4ይ ክፋል፡ እዚ ዝስዕብ ዕላማታት ኣለዎ:-

1. ንስኻ ሃይለ ንዝቖምካሉ ዕላማ ከተዐውቱ ብውሑዱ ኣብ መንጎ ሓምለ 2000ን መስከረም 2001ን ንዝገበርካዮ ንምጥቃስ...:

2. ንስኻን ብዕድመ መዛኑኻን ኣብ ዕማም ቃልሲ ንናጽነት ክሳብ ክንደይ ተራ ከምዝነበረኩም ንምዝኽኻር ይፍትን ::

ቴማ/ፍረ ነገር: ዕርቂ

ሹዱሽተ ሳምንቲ ቅድሚ ማእሰርትኻ እተዘርግሐ ተስፋ ዘንጸባርቕ ናይ 1ይ ክፋል (ጽሑፈይ ብዛዕባኻ): ዕላማኡ እቲ ኣዝዩ ተበሃጊ ዕርቂ ኣብ ኤርትራ ተበጊሱ ከምዘሎ ንምሕባር ነበረ። ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 2001 ናትካን ናይ ስዩም ሓረስታይን ኣበርክቶ ንዕርቂ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ታሪኻዊ ተበግሶታትኩም ንምምዝጋብ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ከስፍሮ ፈቲነ:-

«ኣብ ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤን ተፈላልዮም ዝሰርሕዎን ዝሓስብዎን ዝነበሩ ገዲፎም ሎሚ ስዩምን ሃይለን ሓደ ቋንቋ ዕርቂ ይዛረቡን ተመሳሳሊ መጻኢ ሃገርን የናድዩን ኣለው። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን (ምንቅስቓስ ተመሃሮ ዝነበሩሉ) ዳግም ንሳቶም ኣብ ቅድመ-ግንባር ተሰሊፎም ኤርትራውያን ካብቲ ናይ ቀደም ብእተፈለ ኣተሓሳስባ ገይሮም ንሓዳስ ኤርትራ ንምቕባል ክበራበሩ የጎሳጉሱ ኣለው።»

ሃይለ፡- ሕማቕ ዕድል ኮይኑ:እቲ ዝተጀመረ ግስጋሰ ኣዝዩ ዛሕቲሉ። ብሓቂ ንስኻ ካብቲ መድረኽ ካብ እትእለ ኣብ መዳይ ዕርቂ ብዙሕ ክስራሕ ኣይተራእየን። ሰሚዕካዮ እንተኾንካ (ምናልባት ግን ኣይትሰምዖን)፡ብዙሓት ካብቶም ቀዳሞት ብጾትካ ከምቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ካብቲ ጉጅለ ገበነኛታት ህግደፍ ነብሶም ኣርሒቖም። ገለ ናብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም፤ ገለ እውን ተሓቢኦም። ካብ መስከረም 2001 ንድሓር ከምቲ (ካብ ኣበሃህላ "ዓዋተ.ኮም ክልቃሕ)፡ 'ሓው-ለይቶን ላንጋላንጋን' ናብ ደንበ ተቓውሞ ተሓዊሶም።ንለውጢን ዲሞክራሲን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ድማ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኩሎም እቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ነቲ ደብዛዝ ምንቅስቓሳቶም፡ ሳልሳይ ማዕበልን (third wave) ንዕኡ መሳሊ ኣስማት ማሕበርትን እናኣራብሑ ክኸዱ መሪጾም። ብዘይካ ውዕዋዕ/ድምጺ ክሳዕ ሕጂ (2005) ንደንበ ተቓውሞ ስድሪ ስጒምቲ ከወስኽዎ ኣይበቕዑን።

እቶም ናይ ቀደም ብጾትካ ከምቶም ዝተረፍና ኣባላት ተሓኤ-ነበር ኮይኖም ኣሎዉ።ብሓባር ምስራሕ ኣይከኣሉን። ድሮ ኣብ ብዙሓት ጉጅለታት/ማሕበራት ተመቓቒሎም ነቲ ንመላእ ሃገር ዘቐንዙ ሃለዋት ሃገር ኣብ ምቕያር ኣይሓገዙን። (ተስፋ ከኣ እገብር ካብቲ ዘሎኻዮ ሃለዋት ክትወጽእ እሞ ድሕሪ ሕጂ ደጊመ ብጽሑፍ ኲነታት ክገልጸካ ከይተገደድኩ ክተርፍ።)

ካብዚ ዝገለጽኩዎ እተፈልየ ምስ ዕርቂ ዝተኣሳሰር ንዓኻ ዝኸውን ጽቡቕ ሓበረታ ኣሎኒ። ንስኻን ናይ ቀደም ብጾትካን ነቲ ንዓመታት ዘጋገየኩም ድያብሎስ (ኢሳያስ) ኣብ ምግልጋል ዝፈጸምኩሞ ገበን ወይ ከም ገበን ዝውሰድ ብዝምልከት ህዝቢ ይቕረታ ይገብረልኩም ኢዩ። ሰባት ሓንሳብ ነቲ ዕቡይ ምልካዊን ኣግላሊ ፖሊሲኡን እንተድኣ ኮኒኖም ብናይ ቀደም ስሕታንን ዘይቅኑዕ ገምጋማትን ምኽሳስ ኣድላይነት ከምዘይብሉ ኣብ መሳርዕና ነንሓድሕድና ክንተዓጋገብ ንጽዕር ኣሎና። ኣብነት ክህበካ ንስኻ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 3ይ ጉባኤኹም ኣንጻርና እተጠቐምካሉ ዘይእሩም ቋንቋ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ዝተዛረበሉ የልቦን። ብመንጽሩ ነፍስ-ወከፍ ተቓዋሚ ኣቓልቦኡ ኣብቲ እወንታዊ ኣበርክቶኻ እንተላይ ኣብዚ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኢዩ ኣድሂቡ፤

ነቲ ንስኻ ሃይለ ድሩዕ ከም ናይ ፈለማ ወዲ ውሻጠ ብ15 ሓምለ 2000 ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ነቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረብካዮ መደረ ንፈለማ ንመላኺ ዝበድሀ ክብሪ ተዓዊትካ። ኤርትራውያን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ክርስዕዎ ኣይደልዩን ኢዮም።ቋንቋ እቲ ሽዑ ዘቕረብካዮ መደረ ከምዚ ይመስል «ንሕሱ ኔርና።እዚ ኩሉ ጊዜ ክንሕሱ ከሎና ደው ከተብሉና ኔርኩም»።(ናይዚ ሓዲሽ መርገጺኻ ዜና ብካልኣይ ምንጪ ምስ በጽሓኒ: ነቲ ተባዕ መግለጺኻ ተቐላጢፈ ክጽሕፈሉ ዕድል ብምርካበይ ክብሪ ተሰሚዑኒ)። ህዝቢ ነቲ ኣብ ናይ ቀውዒ 2000 ኣኼባታት መሪሕነት ህግደፍ ዝነበረካ መርገጺ ይዝክሮ ኣሎ። ነቶም ገለ ዝፈርሁ ምሁራት ቃልዕ ወጺኦም ክቃወሙን ገሊኦም ገሊኦም ነቲ ናይ G-13 ስጒምቲ ንምውሳድ ከምዘተባባዕካን እናዘከሩ ክብሪ ዝህቡኻ ኣለው። መርበባት ሓበረታ ነቲ 2000-2001 ዘቃላሕካዮ መልእኽትታት ብኹሉ ኤርትራዊ ክስማዕ ካብ ምዕዳም ኣየቋረጻን።

ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ነቲ ሓጺር ዕድመ ዝነበሮ «ጽድያ ናጻ ፕረስ» ኣብ ኣስመራ ዝሃብካዮ ቃለ መጠይቕ ደጋጊመ ካብ ምንባብ ኣየዕረፍኩን። ብፍላይ ነቲ ኣብ ፈለማ ነሓሰ 2001 ዘውጻእካዮ ነባሪ መግለጺ፡ ኩሉ ገዲም ተቓላሳይ ዝብሎን ዝዋደቐሉን ዝነበረ ስለዝኾነ ደጊምካ ምንባቡ ደስ የብል። ኣብቲ 5 ሰሙን ቅድሚ ምእሳርካ ዝወጸ ታሪኻዊ ሰነድ፡ ዋላ` ኳ ነቲ ዝነበርካሉ ዓፋኒ ሃውህው ንክሰማማዕ ተባሂሉ እተወሰኸ ጥንቁቕ ቃላት እንተነበሮ፡ ብሓፈሻ ግን ከምዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኢኻ ናብ ህዝቢ ዘመሓላለፍካ፣-

1. እቶም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎና፡ ነቶም ኣብ ናይ 50 ዓመታት ቃልሲ እተረባረቡ ደቂ ሃገር ዝግባኦም ክብሪ ክንከልኦም መሰል የብልናን: መርትዖ የብልና።ኤርትራውያን ብኹሉ ሕብሪታት ፖለቲካ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ማዕረ ፍረ ዓወትን ጾር ምህናጽ ናይ ሓባር መጻኢን ክህልዎም ኣለዎ።

2. እቶም ብጊዝያዊነት ንሃገር ተቖጻጺርና ዘሎና ዓረብን ትግርኛን ክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ክንቅበሎ ጊዚኡ ኢዩ።(ከምቲ ሓያሎይ ወገናት ተሓኤ ከየቋረጹ ዝጽውዕዎ ዝነበሩ)።

3. ዝተረፉ ቀንዲ ሕቶታት ምምላእን፣ ግጉይ መደምደምታት ምእራምን፣ እንተላይ ንሕቶ መሬት: ቅዋም ዳግም ምርኣይን ደጊም እዋኑ ኢዩ።

4. ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከይቀረቡ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ «ብክሕደት»፣ «ሓሙሻይ መስርዕ» እናበልካ ምኽሳስ ደው ምባል ጊዚኡ ኢዩ።

5. ብሓጺሩ:ንኩሎም ዜጋታትን ቀጸላታትን ብዙሕነታዊ ሕብረተሰብና ሓርነት: ፍትሒን ማዕርነትን ንምጉንጻፍ: ኣግላልነት ኣወጊድና ብመንጽሩ ባይታ ዕርቂን ምሉእ ተሳታፍነት ህዝብን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ከንህብ ኣሎና።

ሓው ሃይለ:-

ኣብቲ ናይ ክፍላ 2001 መደረ: ሰባት ርትዓዊ መጎተ:ሓቂ:ንጽህናን ተስፋን ተመልኪቶም። ቅኑዕ ቋንቋን ቅኑዕ መርገጺን ኢዩ።እዚ መርገጺ እዚ ክትግበር ዛጊት ይእወዮ ኣሎ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት እቲ ትምክሕታዊ ጒዕዞ ኢሳያስን ናይ ጌና ዘይተጣዕሱ ተኸተልቱን ጽልዋ ይቕጽል ኣሎ። ንፋስ ዘይምትእምማንን ምትፍናናትን ሓይሊ ወሲኹ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ሃገርናን ሕብረተሰብናን ይነፍስ ኣሎ። ሎሚ ካብ ኲሎም ዝያዳ ኣግላሊን ትምክሕተኛን ኣየናይ ጉጅለ`ዩ ኢልካ ዘይተለልየሉ ጊዜ ተበጺሑ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ምትፍናናት ይርኤ። እታ እንኮ ብሓቂ ቀንዲ ምንጪ ኩሉ ሰሃሮን ጸገማትን ሃገርና እቲ ናዓኻ ኣሲሩ ዘሎ ባእታ ኢዩ። ንኢሳያስ ምልጋስ ድማ ንሓባር መጻኢና ዝሰማማዕ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ብሓባር ንሰርሓሉ ሃውህው ዝኸፍት ይኸውን።

ምፍልላይ/ምትፍናን (polarization) ከነውግድ ኢና

እቲ ብፍላይ ብኣኻን ብብጾትካን ብእዋኑ ክዕገት ዘይተኻእለ ምንጪ ትምክሕትን ኣግላልነትን፡ ሎሚ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወትና ካብ ግምት ንላዕሊ ዓሚቑ: ንምውጋዱ ጊዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ይርኤ ኣሎ። ግን ከኣ ሎሚ እቲ ዘተባብዕ ዜና ኩላትና ንኣድላይነት ምጅማር መስርሕ ምውጋድ ፍልልይን ምትፍናንን ነቒሕናሉ ኢና። ብዓወት ክድምደም ድማ ናይ ጊዜ ሕቶ ይኸውን።

ብዛዕባ`ዚ ጉዳያት ኣብ እንዝትየሉ እቲ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ንጋዜጠኛታት ዝበልካዮ ኣይርስዖን`የ። ንኣብነት እንግሊዛዊ ምሁር ሊዮነል ክሊፍ (እቲ ኣብቲ እዋን ናይ ቀረባ መሓዛ ውድብካ ዝነበረ) ኣብ ሓደ ብ1989 እተሓትመ ጽሑፋቱ: ንዓኻ ብምጥቃስ እቲ ዝዓበየ ሻቕላኻ ድሕሪ ናጽነት ነቲ «ኣብ ህግሓኤ ዝገነነ ናይ ትግርኛ ትምክሕቲ» ብኸመይ ኢና እንቆጻጸሮ ዝብል ከም ዝነበረ ገሊጹ። ኣነ ከም ዝርደኣኒ ኣበሃህላኻ፡ እቲ ጌጋ ናይ ተራ ህዝቢ ዘይኮነ፡ ጌጋ ናይቲ ንኣባላቱ በቲ መንገዲን ኣረኣእያን ንክኸዱ መምርሒ ናይ ዝህብ መራሒ/መሪሕነት ኢዩ ምባልካ ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ብልክዕ ከም ዝጠቐሰካ እግምት። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋት ክጠቕሶ ከም ዝፈተንኩ: ካብ ቀደም ኣትሒዘ ካባኻ ዝወጽእ ተመሳሳሊ ቃና ዘለዎ ኣብነታት እፈልጥ`የ። (ኣብ ክፋል III "ኣገናዕ ስዩም:ብራቮ ድሩዕ" ተመልከት።)

ሃይለ:- ክትመውት ኣይፍቀደካን`ዩ!

ሒደት ሳምንታት ቅድሚ ምእሳርካ ነዚ ዘይጽወር ኩነታት ሃገርና ንምቕያር ዋላ ሂወትካ ንምኽፋል ድልው ከምዝኾንካ ገሊጽካ። ክቐትሉኻ ከም ዝኽእሉ እናፈለጥኩ፡ ዛጊት እቲ ሞይቱ ዝብል ሓበረታ፡ ጸሓይ ኣብ ሃገርና ቅድሚ ምብራቓ ክሰዖን ክቕበሎን ኣይደልን። ነቲ ኣብዛ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ኣብ ምጽጋን፣ ነቲ ቀደም ዝነበረ ዘይንቕነቕ ነብሰ-ምትእምማንን፡ ቅሩብነት ኣብ ህንጸት ፍትሓዊትን ብልጽግትን ሃገር ኣብ ምትብባዕ፣ ብሓባር ናይ ምስራሕን፡ ሓደ ኣካል ኰንካ ናይ ምንባርን ድልየታት ህዝብና ኣብ ምጽጋን: እጃምካ ቅድሚ ምጽዋትና/ምግባርካ ክትመውት ኣይፍቀደልካን`ዩ በሃላይ ኢየ። ነቲ ናይ ቀደም ንኣሽቱ ፍጻሜታት ብሓባር ተመሊስና ክንድህስሶ ጊዘ ከምዘድለየና ኣይትረስዕ። ዋላ`ኳ ካብ ዘይንራኸብ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት እንተገበርና ሂወት ዘለዎ ዓበይቲ ዕላላት ኣይሰኣንን`ዩ፣ ንኣብነት ገለ ኣርእስትታት ክጠቕሰልካ:-

• ድሕሪ 44 ዓመታት፡ ቀደም እንታይ ከም ዝገበርና ንምዝካር ክንፍትን ጊዜ ክህልወና ኣለዎ። መጀመርያ ብመስከረም 1961 ኣብ 9ይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ልኡል መኮነን ኣስመራ ክንራኸብ ከሎና ዝነበረ ጌና ትሑት ሃገራዊ ንቕሓትናን ኣፍልጦናን ዘኪርና ነልዕል። ብኣጋጣሚ ከኣ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ኣብ ጎቦ ኣዳል ብመስከረም 1961 ኢዩ ነቲ ናትና ዝመስል ሃገራዊ ስራሕ ዝጀመረ!!

• ኣብ መንጎ መስከረም1961ን ሰነ 1965ን ኣብ ኣስመራ ብሓባር ዝገበርናዮም ንኣሽቱ ነገራት፣ እንተላይ ነቲ ኣዋልድናን ኣወዳትናን ካብ ቤት ትምህርትና ተበጊስና ንዝተረፈ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስመራ ኣላዒልና ዝገበርናዮ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊታት ከነዕልለሉ ኢና።

• ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሕለፍናዮ እውን ኣካል ዕላላትና ክኸውን ኢዩ። ንዋህዮታት ተሓኤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጉልባብ ክኸውን ዝመሃዝናዮ ሓውሲ "ማሕበር ተመሃሮ ልኡል መኮነን ነበር" ኣብ ምቛም ከሎና ኣብ ኣብ እንጦጦ ብ1965 ናይ ዝገበርናዮ ኣኼባ ስእሊ ኣሎኒ።

• ነፍስወከፍ ሰሉስ ምሸት ሰዓት 8.00 ዋህዮና እትራኸበላ ዝነበረት ፊት ቤት-ማሕተም ብርሃንና ሰላም ዝነበረት ናይ ጉራጌ ቤት-ሻሂ ከም እትዝክራ ርግጸኛ`የ።

• ከምቲ ኣን ዝዝክሮ፡ ንስኻኸ ትዝክሮ'ዶ ስም ናይቲ ካብ ብረስለስ ዝመደበሩ ባይቶ መንእሰያት ዓለም ናብ ኣኼባ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ1966 ዝመጽአ ወዲ ጋምብያ?። ሽዑ ንሰበስልጣንን ጸጥታን ኢትዮጵያ ዘሰንበደ መግለጺ ተሓኤ ዝሓዘ 60 ፖስታ ንኹሎም ልኡኻት መራሕቲ ሃገራትን ልኡኻት ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃን ከም ዝዕደል ገይሩልና። ክትርስዖ የብልካን፣ ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ካብቶም ካልኦት ዋህዮታት ብሚስጢር ተታሒዙ ብኽልተ ኣባላት ኢዩ ተፈጺሙ። ኣነን ንስኻን።

• ብዛዕባ እቲ ጊላይ ግርማይ ንዓይን ንዓኻን ዕቱብ ጉዳይ (ኣብ ኣዲስ ኣበባ) ክንፍጽም ዝኣተወልና መብጽዓ ግን ዘይተተግበረ ብዙሕ ዝብሎ የብለይን። ኣብ ክንድኡ እታ ናይ መወዳእታ መዓልትኻ ኣብ ኣዲስ ክጠቕሰልካ። ቅድሚ'ታ ንስኻን ሙሴ ተስፋሚካኤልን ሰንበት 4 ታሕሳስ 1966 ናብ ተሓኤ ክትስለፉ ብኣውቶቡስ ናብ ኣስመራ ዝተበገስኩሙላ ለይቲ ሓሙሽተ ወይ ሹዱሽተ ካባና ኣብ መርካቶ ኣብ ሆቴል ኣሕሊፍናዮ። ከም ዝዝከረኒ" ንኢሳያስ እውን ሰለስተ ሳምንታት ኣቐዲሙ ብ17 ጥቅምቲ 1966 ኣብታ "እስታር ሆቴል" ሓዲርና ኢና ኣፋኒናዮ። ንስኻ ናይ ዋህዮና ሓላፊ ጉጅለ ምርምር ምንባርካ እዝክር። ምብጋስ ምስ ኮነ እቲ ሰነዳት እንተላይ ካብ ከብሒ ዩኒቨርሲቲ ሃይለስላሴ ዝተወስደ ኣዝዩ ኣገዳሲ መጽሓፍ ኣረኪብካኒ። እታ ብስፐንሰር ትሪሚንግሃም ዝተጻሕፈት ብዛዕባ ኤርትራ ዕዙዝ ሓበሬታ ዘለዋ «እስላም ኣብ ኢትዮጵያ» ዘርእስታ መጽሓፍ ድሕሪ 39 ዓመት ምሳይ ኣላ። ኣብኣ እታ ንስኻን ሙሴ ተስፋሚካኤልን ዝተበገስኩምላ ዕለት ተመዝጊባ`ላ። ንሓላልካ ወይ እውን ምስጋና ኣሰኒና ናብቲ ሕጋዊ ዋንኣ ቤተ መጽሓፍቲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ስድስት ኪሎ ንክትመልሳ ክህበካ።

• ስለዚ ብሂወት ክትጸንሕ ዘገድደላ ብዙሕ ምኽንያት ኣሎ፡ሃይለ። እንተደኣ ንሃገርን ንዓኻትኩም እሱራትን ንምድሓን: እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓድነት ናይ ውሽጥን ግዳምን ተቓውሞ ጊዜ ወሲዱ: ሂወትካ ንምድሓን ካልእ መንገዲ ክትሓስብ ኣሎካ። ብዛዕባ`ቲ ቅድሚ ልዕሊ 35 ዓመት ንበሪኽ መንደቕ ቤት ማእሰርቲ ኣስመራ ዝሰዓረ ጅግና ናይ ቀደም መማህርትኻ ዓብደላ ሓሰን እንተሓሰብካ ኸ? ወይ ጀጋኑ ስዒድ ሳልሕን ስዩም ዑቕባሚካኤልን ቅድሚ 30 ዓመት 1000 እሱራት እንተላይ ንዓኻን ንስዩም ካብ ዓዲዃላ ንምውጻኣ ብውሽጢን ብግዳምን ዝሃንደስዎኸ? ብዛዕባ ምንባር ሕሰብ። ክትመውት ኣይፍቀደልካን`ዩ።

01.03.2018


Share with friends:


Eritrea, Haile Durus own Words, Adhanom Intro 2001 P1

Eritrea, Haile Durus own Words P2


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-


Share with friends: