Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

March 2017 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና


27/03/2017 23:53 PM

ህሉው ኩነታት ደምበ ተቓውሞ።

ቃለመጠይቕ ምስ ኣቶ መስፍን ጸሃየ

The Current Situation of the Eritrean Oppositions. Interview with

Mr Mesfin Tsehaye.

[ Tempo Afric TV ]

ኣቶ መስፍን ጸሃየ፡ ገዲም ተጋዳላይ፡ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ (ኬንያ) ብሓላፍነት ደረጃ ዝሰርሐ፡ ኣብ ምቛም ሰልፊ ዲሞክራሲ (EDP)፡ ዝተሳተፈን ብሓላፍነት ዝተቓለሰን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣባል Eritrean Progressive Party ዝተባህለ ሰልፊ ኮይኑ ዝነጥፍ ዘሎ ኢዩ። እቲ ንሱ ዝትርኸልና ታሪኽ፡ ነቲ ዝጸንሐን ዝኸይድ ዘሎን ኣከያይዳ ናይ ደምበ-ተቓለስቲ-ንለውጢ፡ ኣብ ምርዳእ ኣገዳሲ ኢዩ።

 1ይ ክፋል (15Mar2017)፡   2ይ ክፋል (26Mar2017)፡




27/03/2017 23:53 PM

ድምጺ ኤርትራ - ናዝ የማነ

ዕላል፡- ገዲም ሓርበኛ ዑቕባይ ተስፋይ

Veteran Ocbay Tesfay


ገዲም ተጋዳላይ ዑቕባይ ተስፋይ፡ ናይ መወዳእታ ኣብ ትግራይ ዝተረፈ ፊዳይን ተ.ሓ.ኤ. ሰፊሕ ተመኩሮኡ ኣካፊሉ ኣሎ። Veteran Ocbay Tesfay, the last ELF Fedayn in Tigray, will shareድ his extensive experience.

 1ይ ክፋል (12 Mar 2017)፡  2ይ ክፋል (19 Mar 2017)

 3ይ ክፋል (26 Mar 2017)፡  4ይ ክፋል (02 Apr 2017)



25/03/2017 15:30 PM

ዕላል ምስ ስነጥበባዊ ገዲም ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ)።

Eritrea Arts & Culture Conversation with Hailemichael Haileslassie (Lingo).

[ Tempo Afric TV ]

እዚ ምስ ስነጥበባዊን ደራሲን፡ ገዲም ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ዝተኻየደ ዕላል፡ ተመሊስና፡- ናብ ታሪኽና፡ ባህልና፡ ከምኡ'ውን ታሪኽ ቃልስና ከነስተንትን ዝገብረና ኢዩ። ኣብዚ ዕላል'ዚ ብዙሓት ተረሲዖም ዝነበሩ ሓርበኛታት እውን ተዘኪሮም ኣለዉ። ኣዝዩ ምቕሉል ኣቀራርባ ዘለዎ ትምህርታዊ ዕላል!

   1ይ ክፋል (16 Dec 2016)፡   2ይ ክፋል (27 Dec 2016)፡

   3ይ ክፋል (26 Jan 2017)፡   4ይ ክፋል (13 Feb 2017)፡

   5ይ ክፋል (19 Mar 2017)፡



19/03/2016 21፡34 PM

ሰፊሕ ዕላል፡ ምስ ገዲም መራሒን ተጋዳላይን፡

ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ።

Interviews with Eritrean Senior Veteran and Author of a Book -  Mr. Herui Tedla Bairu.

ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ገድልን መንግስትን ኤርትራ ጎሊሑ ዝረኤ ኣስተዋጻኦ ነይርዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክሳብ ሕጂ ከይተሓለለ ንደሞክራሲያዊት ኤርትራ ዝዓዪ ዘሎ ተቓላሳይ ኢዩ። ኣቶ ሕሩይ፡ ብእንግሊዘኛ ዝደረሳ ሓዳስ መጽሓፍ፡- Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ 2016 ንኣንበብቲ ተዘርጊሓ ኣላ። ብዛዕባ ታሪኽ ሂወቱ፡ ተመኩሮኡን፡ ብዛዕባ'ታ ጽሑፉዋ ዘሎ መጽሓፉን፡ ዝምልከት፡ ምስ፡- ቲቪ-ሰነድ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምስ ድምጺ ኣሰና ሰፊሕ ዕላላት ገይሩ ኣሎ። ነዚ ታሪኽና ንምድህሳስን ንምፍላጥን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕላል፡ ብጽሞና ክንከታተሎን ክንሰምዖን ስኒትና.ኮም ትላቦ።

1ይ ክፋል(21Aug2016):  2ይ ክፋል(28Aug2016):

3ይ ክፋል(11Sep2016):  4ይ ክፋል(02Oct2016):  

5ይ ክፋል(05Nov2016):  6ይ ክፋል(07Jan2017):

7ይ ክፋል(19Mar2017):  8ይ ክፋል(16Apr2017):

9ይ ክፋል(07May2017):

1ይ ክፋል(18Oct2016):  ኣኼባ 1ይ ክፋል(22Oct2016):

ኣኼባ 2ይ ክፋል(04Nov2016):



27/03/2017 23:53 PM

Invitation to ALL Justice Seeking Eritreans residing in the States of Pennsylvania, Delaware and South New Jersey.

ኣገዳሲ መጸዋዕታ ንኹሎም ኣብ ፐንሲልቫንያ፡ ደለዌርን ደቡባዊ ኒው-ጀርሲን ዝነብሩ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ

دعوة هامة لجميع الإرتريين المقيمين في ولايات بنسلفانيا وديلاوير وجنوب نيو جيرسي الذين يكافحون من أجل العدالة

Date: April 2, 2017, Time: 2 pm

Read more.  ኣብዚ ጠውቑ።  اقرأ أكثر

Also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ዝሓለፉ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ። GI previous documents and seminars



26/03/2017 14:51 PM

ምድምሳስ፡ ውቃው እዝ።

(ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል)

ለካቲት - መጋቢት 1984።

ዝኽርታት ዝተሳተፉዎ ሓርበኛታት።

እዚ ቅንያት’ዚ፡ ናብ 1984  ተመሊስና መዝገብ ታሪኽ ጅግንነት ኤርትራዊ ተጋዳላይ ምስ እንድህስስ፡ ደምሳሲ መጥቃዕቲ ውቃው እዝ ኢና ንዝክር።  ኣብዚ ንሓይልታት መግዛአቲ ካብ ግንባር ሰሜናዊ-ምብራቕ-ሳሕል፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ዝተደምሰሰሉ ስርሒት ንሰውራ ኤርትራ ዓቢይ መቐይሮ ኢዩ ነይሩ። ንጸላኢ ድማ ብኣንጻሩ ኣዝዩ ዘባህረረ ፍጻሜ ኢዩ ዝነበረ።

     እምበኣር፡ ንድሕሪት ናብ ዝኽርታት ምልስ ኢልና ምጥማት፡ ካብ ቃላት ናይቶም ኣብኡ ዝወዓሉ ክንሰምዖ ከሎና፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ክሳብ ክንደይ ዘሐብን ታሪኽ ክምዘሎናን በዚ ድማ ክንኮርዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንዕቅቦን ሕጂ'ውን ኣብ እዋን ጥልመተ-ፍትሒ ኣብ ሃገርና ክንደግሞን ንውሉድ ወለዶታት ከነሰጋግሮን ኢዩ ዝግባኣና። Read more



25/03/2017 15:30 PM

ገዲም ተጋዳላይ ረድኢ መሓሪ (ኣለና)፡

ተመኩሮ ቃልሲን ትዕዝብቱን ለበዋታቱን

[TV-Smerrr]

ረድኢ መሓሪ (ኣለና) ኣብ ንኡስ ዕድመኡ፡ ብርሱን ሃገራዊ ስምዒት፡ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ቀደም ህዝባዊ ሓይልታት)፡ ተሰሊፉ ዝተጋደለ ሓርበኛ ኢዩ። ኣብዚ ምስ ቲቪ-ስመር ዝተገበረ ተኻታታሊ ዕላላት፡ ነቲ በብመድርኹ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ምዕባለታት፡ ዝተፈጸመ ጅግንነት፡ ዘጋጠመ ኩነታትን፡ ከምኡ’ውን ገምጋሙን ርእይቶኡን፡ ብሰፊሑ ቀሪቡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ንኡስ ወለዶ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ሓበሬታ ስለዝሓቱ፡ እዚ ዕላል’ዚ ጽቡቕ መበገሲ ኢዩ።

 1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡  4ይ ክፋል



25/03/2017 15:30 PM

ERITREAN UNITY FOR JUSTICE – UK ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ

ሕዝባዊ ኣኼባ Public Meeting

25 መጋቢት (March) 2017 ሰዓት፡- 4 PM. ይጅምር

ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ዝኸበርንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ደጋጊምና ከምዝገልጽናዮ፥ ብደረጃ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ እተማእክለና ዓባይ ኮሚቴ ክነቕውም መዲብና፥ ክንሠርሓሉ ድማ ጸኒሕና። ኣብ መብዛሕትኤን ዓበይቲ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ሕዝባዊ ኣኼባታት ኣካይድና፥ እማመ ሓድነት ከኣ ናብ ሕዝቢ ኣቕሪብናዮ። ኣብቲ ሕዝባዊ ኣኼባታት ዝተሳተፉ ኤርትራውያን፥ ኣብ ከከባቢኦም ኮሚቴታት መሪጾም ከምዘቖሙ፡ ኣብ እዋኑ ገሊጽናዮ ኔርና።

     ነቲ ብደረጃ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ክነቕውሞ ኢልና፥ ኲላትና ክንሠርሓሉ ዝጸናሕና ዕማም፡ ኣብ ፍሬኡ በጺሑ`ሎ ኢልና ስለዝገምገምና፥ ንዕለት 25 መጋቢት 2017 (25/3/2017) ኣብ ከተማ ሎንዶን ሓቢርና ክንምርቖ መዲብና ኣለና። Read more

ቃለመጠይቕ ምስ ኣባላት ሽማግለ ሓድነት፡-



25/03/2017 14:12 PM

ሕማቕ ብዕራይካ ትሸጦ፡ ሕማቕ ሰብኣይካ ትፈትሖ፡

ሕማቕ ውላድካ ግን ንመን ትህቦ?

ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ



24/03/2017 08:22 AM

ስርዓት ህግደፍ፡

ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ።

4ይ ክፋል

ብ'ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም)


ቁጠባዊ ብርሰት - ብርሰት ኣብ ዋንነት።


ናይ ስነ-ቁጠባ ምሁራት “ቁጠባ ካብ ፖለቲካ ነጺልካ ዝረአ ኣይኮነን” ክብሉ ጽሒፎም ኢዮም። ትንታኔኦም ምስ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝተኣሳሰር ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሓንቲ ብርሰት ሰብ ዝረኣየላ፡ መንግስታዊ ቅርጺ ዘይብላ፡ንጉሆ ንጉሆ ብሓደስቲ መምርሒታት ጥራይ እትመሓደር ሃገር ክህሉ ዝኽእል ቁጠባ`ኸ ከመይ ኢዩ? ንዝብል ሕቶ ግን ተመራመርቲ ስነ-ቁጠባ ብኸመይ ምመለስዎ! ዝፈልጦ የብለይን።

     ኣብ ንቡር እዋን፡ ብዛዕባ ቁጠባ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሃገራዊ ቁጠባ ምዝራብ እንተጀሚርካ ብቐጥታ መንግስታዊ፡ ብሕታዊ፡ ር/ማላዊ ቁጠባ ዝብሉ ኣምራት ኢዮም ቅጅል ዝብሉኻ። ዴሳዊ ቁጠባ፡ ማሕበርነታዊ ቁጠባ ዝብሉ ብክልሰ- ሓሳብ እምበር፡ ኣብ ግብሪ ዘይረኣናዮም …Read more

  1ይ ክፋል (06 Mar 2017)፡ 2ይ ክፋል (10 Mar 2017)፡

 3ይ ክፋል (16 Mar 2017)፡ 4ይ ክፋል (24 Mar 2017)፡



22/03/2017 14:46 PM

Seminar by Veteran Fighter

Ibrahim Mahmud Ghedem ELF.

ሰሚናር ብ’ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ተሓኤ፡ ኢብራሂም ማሕሙድ ገደም

[TV Smerrr ]

ኢብራሂም ማሕሙድ ገደም፡ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ፡ ተመኩሮኡን ትዕዝብቱን ኣብ ዝሓለፈን ህሉው ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰፊሕ ዝኾነ ገምጋምን ሓሳቡን በቲ ዘለዎ ናይ ትግርኛን ዓረብኛን ምልከቱ ንህዝቢ ኤርትራ የካፍል። ኣዝዩ ኣገዳሲን እዋናዊን ማዕዳ ንኹሉ ኤርትራዊ ኢዩ። Veteran Fighter Ibrahim Mahmud Ghedem, shares his extensive experience of the past and current Liberation struggle of Eritrean people, and conveys his message to all Eritreans from all walks-of-life.

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



19/03/2017 03:10 AM

Hdri Jeganua Paltalk Official Room

ህዝባዊ ሰሚናር ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና

ብ’ዶር ገብረመስቀል ገብረማሪያም

Saturday, 18 March 2017,    

ብኹረት እምነትን ታኣማንነትን ኣብ ደምበ ፍትሒ፡ ሳዕቤናቱ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራን።

Lack of Trust and Credibility in the “for Justice Camp” and its Implications for the Struggle for Democratic Transition in Eritrea.

 1ይ ክፋል (18 Mar 2017)፡  2ይ ክፋል (18 Mar 2017)

 3ይ ክፋል (18 Mar 2017)






16/03/2017 23:34 PM

Modern Education Development,

Challenges and Current State in Eritrea

(1839 to 2016)

Compiled and researched by Resoum Kidane

Executive Summary

The research work presented in this report will provide historically relevant genesis towards the early education in Eritrea, remarkable development phases in the 1940 and 1950s and post-independent Eritrea. Read more






14/03/2017 01:20 AM

Because red is our blood

by Kiki Tzeggai

In 1991, I walked the streets of my beloved city, Asmara, the center of our cherished country: Eritrea.

     Our freedom fighters’ uniform was their humble smile. Their walks holding their weapons signaled the imminent collapse of the Ethiopian occupation. Free at last we were!

     I will try – with this writing – to search for the patterns that destroyed this blissful image. We all were breathing deep, waiving to one another. We all looked at our fighters as the liberators of evil. The streets I grew up and walked to and from school were ...Read more




13/03/2017 19:20 PM

ID: SR on Human Rights in Eritrea - 33rd Meeting, 34th Regular Session Human Rights Council.

መበል 33 ኣኼባ ኣብ መበል 34 ክፍለ-ግዜ፡ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡

[UN Web-Tv]

Interactive dialogue with: - Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea. Item:4 - Human rights situations that require the Council’s attention 34th Regular Session of the Human Rights Council.  ኣብ ው.ሕ.ሃ. ወሃቢት ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ሚስ ሸይላ ኪታሩት፡ ሎሚ ዕለት 13 መጋቢት 2017፡ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ናይ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪባ። ሙሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ Read more




13/03/2017 13:45 PM

8 መጋቢት 2017

ኣድላይነት ዕዙዝ ተሳትፎ ደቀንስትዮን።

ብ'ራሄል ስዩም

8 መጋቢት 20178፡ ኣድላይነት ዕዙዝ ተሳትፎ ደቀንስትዮን   ሽሞንተ መጋቢት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቕኣንስትዎ ናይዚ ዓመት 2017 ንምብዓል ዕንቛእ ኣብቓዓና እናደበልኩ መልእኽቲ ጽሑፈይ ብፍሉይ ንኤርትራዊያን ዲቒ ኣንስትዮ ዘተኮረ እዩ።

     ናይ ሎሚዘበን አህጉራዊ መዓልቲ ደቅንስትዮ’ውን ከምተን ዝቐደማ ዓመታት ድሕረ ናጽነት ሃገረና ጡዑም ወረ፡ ቕሳነት፡ ሰላምን ፍትሒ አብ ዝተሓረምናሉ መዋእል ሰጢምና ንሰግሮ ስለዘለና ሓዘን ይሰዓኒ። ስጋብ መዓስ ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና፡ ሪኢና ከምዘይረኣና ንጉዳይና ሕቖና ሂብና ከነጽቕጥ ኢና ዝብል ሕቶ ወትሩ ኣብ ሓሳበይ ዝማላለስ ጉደይ እዩ። Read more



11/03/2017 22:04 PM

ምሸታዊ መደብ

ኣብ ሎንዶን - ዓባይ ብሪጣንያ።

ኣብ ሎንዶን ንርከብ ኤርትራውያን ተቃወምቲ ፓሎቲካውያን ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራት ብምኽንያት፥- ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ 8 ተ መጋቢት፡ ከምኡ’ውን ዝኽሪ ኩናት ቶጎርባ 15 ተ መጋቢት፡ ብሓባር ንምብዓል ምሸታዊ መደብ ኣዳሊና ኣሎና።

ዝካየደሉ ዕለት ፡ Sunday 19 March 2017

ሰዓት፡ 6:00 PM ክሳብ 9:00 PM

احتفالات المعارضة الارترية بيوم المرأة العالمي وذكرى معركة تقوربا التاريخية

تقيم منسقية قوى المعارضة الارترية ومنظماتنا المجتمع المدني الارترية احتفالا بمناسبة اليوم العالمي للمرأة وذكرى معركة تقورباةالتاريخية . و

Read more



11/03/2017 03:25 AM

ሰሚናር ብ’ሓርበኛ ወልደየሱስ ዓማር

ተመኩሮ ሰውራና፡ ጉዕዞ ንሓድነትን ዕርቂን።

[ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና]

ተመኩሮኡ፡ ትዕዝብቱን ገምጋሙን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ለበዋታቱ ንቀጻሊ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልስናን ርሁው መጻኢናን። ብሓቂ ሰፊሕ ትንተናን፡ ከም ህዝቢ ድማ ውሽጥና ብቅኑዕ ሕልና ንምግምጋምን ናብ ሓደ ንምምጻእን ዝሕግዝ ትምህርቲ ኢዩ። ተራ ምሁራት ኤርትራውያን ኣብ ምምጻእ ዕርቂን ሰላምን ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ኩሎም ምሁራት ኤርትራ፡ በዚ መንፈስ'ዚ ክሰርሑን ክጽሕፉን፡ መርበብ ስኒትና.ኮም ትምሕጸን። Read more

Related ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-



08/03/2017 23:54 PM

ክብሪ ንሓርበኛዊት

ኤርትራዊት ኣደ!

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ

ሎሚ፡ ሸሞንተ (8ተ) መጋቢት 2017 (March 8)፡ ኢዩ። እዛ ብኣህጉራዊ ደረጃ ኣብ መላእ ዓለም ብኽብሪ እትበዓል ወግዓዊ ዕለት፡ ንኹሉ'ቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዓለም ዝወርድ ዝነበረ ወጽዓ፡ ከምኡ ውን ካብዚ ወጽዓ'ዚ ንምግልጋል ዘካየድኦ ተባዕ ቃልሲን፡ እናዘከረት፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ማሕበረ-ሰብ ክረጋገጽ ዝግብኦ ምዕሩይ ተራን መሰልን ደቀንስትዮ ንምዝኽኻር ዝቖመት ኣህጉራዊት ዕለት ኢያ። ንሕና ኤርትራውያን፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት'ዚኣ ክንዝክር ከሎና፡ ብዘይካ'ቲ ከም ኩሉ ሕብረተሰባት ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ ጓል-ኣንስተይቲ ዝወርድ ዝነበረ መጽቀጥቲን ካብኡ ንምልቓቕ ዝተኻየደ ቃልሲን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ምናልባት መዳርግቲ ዘይብሉ፡ ተሳትፎን ሓርበኛነትን ደቀንስትዮ ኤርትራ እናዘከርና፡ እንሕበነላ ዕለት እውን ኢያ። እወ፡...Read more

See Related ምስዚ ዝዛመድ ትሕዝቶ፡-



05/03/2017 21:31 PM

ድምጺ ኤርትራ - ናዝ የማነ

ዕላል ምስ ሓርበኛ ሰመረ ፍስሃየ

Exclusive interview

with Veteran Semere Feshaye


This is exclusive interview with Veteran Semere Feshaye, from France. Semere shares his experience with Selfi Netzanet (EPLF), ELF as well as experience of his martyr comrade veterans: Weldedawit Temsgen, Melaake Tekle and others. He also shares his views on the current issues in Eritrea. ፍሉይ ቃለመሕትት ምስ ሓርበኛ ሰመረ ፍስሃየ ካብ ሃገረ ፈረንሳ ኢዩ። ሰመረ፡ ገድላዊ ተመኩሮኡ (ሰልፊ ናጽነት ከምኡውን ተሓኤ)፡ ምስ ስዉኣት ጀጋኑ ወልደዳዊት፡ መልኣከ ከምኡውን ካልኦት ዝነበሮ ዝምድና፡ ከምኡውን ርእይቶኡ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘተኮረ፡ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝተሞርኮሰ ኣገዳሲ ሰፊሕ ዕላል ኣካይዱ፡ ሕቶታት ሰማዕቲ’ውን መሊሱ ኣሎ።

 1ይ ክፋል (04 Dec 2016)፡  2ይ ክፋል (11 Dec 2016)

 3ይ ክፋል (18 Dec 2016) 4ይ ክፋል (08 Jan 2017)

 5ይ ክፋል (22 Jan 2017) 6ይ ክፋል (29 Jan 2017)

 7ይ ክፋል (05 Feb 2017)8ይ ክፋል (12 Feb 2017)

 9ይ ክፋል (19 Feb 2017)10ይ ክፋል (26 Feb 2017)

 11 ክፋል (05 Mar 2017፡ መደምደምታን ርእይቶኡ ኣብ ህሉው ኩነታትናን ዝሓቖፈ ኢዩ።)፡

----------------------

ኣብ 7ይ ክፋል ዝተጠቕሰት መጽሓፍሌላ ምስ ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ ንምዕዳግ፡ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ጥለቡ፡-

Tel፡ +1 617-571-9778  

E-mail: bokrila@gmail.com

ዕላል ምስ ደራሲ መጽሓፍ (ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ)፡ ኣብዚ ጠውቑ።




02/03/2017 21:40 PM

Remembering

Trafficked Eritrean Women

by Kiki Tzeggai

How many Eritrean women walked behind the people that owned theirs’ and their kids’ lives in the dusty road of any given desert or villages in Africa?

 How many fell down on their knees because the blows were too hard. Their nipples discharging liquid from the beating.

 How many Eritrean women stared at the mouth of a dry well and considered jumping holding their babies?

 But how many did we see lifting themselves from the ground, wiping their tears and learning how to fight back? Read more
























Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print