ዝኽሪ ምድምሳስ ውቃው እዝ 1984።

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

26/03/2017 14:51 PM

ዝኽሪ ምድምሳስ፡
ውቃው እዝ።
(ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል)
ለካቲት - መጋቢት 1984።

ዝኽርታት ዝተሳተፉዎ ሓርበኛታት።

ምድምሳስ ውቃው እዝ  እዚ ቅንያት’ዚ፡ ናብ 1984  ተመሊስና መዝገብ ታሪኽ ጅግንነት ኤርትራዊ ተጋዳላይ ምስ እንድህስስ፡ ደምሳሲ መጥቃዕቲ ውቃው እዝ ኢና ንዝክር።  ኣብዚ ንሓይልታት መግዛአቲ ካብ ግንባር ሰሜናዊ-ምብራቕ-ሳሕል፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ዝተደምሰሰሉ ስርሒት፡ ንሰውራ ኤርትራ ዓቢይ መቐይሮ ኢዩ ነይሩ። ንጸላኢ ድማ ብኣንጻሩ ኣዝዩ ዘባህረረ ፍጻሜ ኢዩ ዝነበረ።

እምበኣር፡ ንድሕሪት ናብ ዝኽርታት ምልስ ኢልና ምጥማት፡ ካብ ቃላት ናይቶም ኣብኡ ዝወዓሉ ክንሰምዖ ከሎና፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ክሳብ ክንደይ ዘሐብን ታሪኽ ክምዘሎናን በዚ ድማ ክንኮርዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንዕቅቦን ሕጂ'ውን ኣብ እዋን ጥልመተ-ፍትሒ፡ ኣብ ሃገርና ክንደግሞን ንውሉድ ወለዶታት ከነሰጋግሮን ኢዩ ዝግባኣና።

እወ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ ኢልና ፈጺምና ቅንጣብ ትጽቢት ዘየሕደርናሉ ጥልመት፡ እታ ብረዚን መስዋእቲን ሕድሪ ጀጋኑን ዝመጽአት ኤርትራ ሃገርና፡ ሎሚ፡ ብዘይ ቅዋምን ልጓምን፡ ንህዝቡ ሓርነት ከሊኡ፡ ኣፉ ዓቢሱ፡ ከም ድላዩ ዝረግጽ፡ ክትገልጾ ዘጸግም ምልካዊ ምሕደራ፡ ኢያ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ትሳቐ ዘላ። ብሰንኪ'ዚ፡ ካብ 2003 ዓመተ-ምሕረት ንደሓር ጥራይ፡ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ኤርትራዊ፡ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምርረት ናብራን ክጻወሮ ብዘይምኽኣሉ፡ ካብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ኣብ ሃገረ ስደት ክነብር ተገዲዱ ኣሎ። ብኣሽሓት ዝቑጸር ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ፡ ዘእውየሉ መንግስቲ ዘይብሉ፡ ኣብ ፈቐዶ ባሕሪ ይጥሕልን ኣብ ምድረበዳታት ሳሃራን ሲናይን ድማ ብጽምኢ ማይ ይመውትን ብግፍዒ በደዊን ይሳቐን፡ ኮላሊቱ ብህይወቱ ከሎ ካብ ኣካላቱ ተማሕዩ ንነጋዶ ይሽየጥን ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ናይ ኣሽሓት መዋእል ናይ ኤርትራ፡ ተሰሚዑን ተጻሒፉን ዘይፈልጥ ግፍዒ ኢዩ እምበኣር ንህዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ። እቲ ነዚ ኹሉ ግፍዒ ሰጊሩ ህይወቱ ከድሕንን ኣብ ሃገረ ስደት ክነብርን ዝኸኣለ ኤርትራዊ፡ ክሳብ ሕጂ ትዝታን ተዘክሮን ናይቲ ዝሓለፎ ታሪኽ ጅግንነት፡ ወትሩ ኣብ ልቡ ኣሎ። ልክዕ ከም ትማሊ ድማ ይዝክሮ። ንሓድሕዱ ኣብ ዝራኸበሉ ድማ ቀንዲ ዕላሉ ንሱ ኢዩ።

እምበኣር፡ ነቲ ኣብዛ ወርሒ መጋቢት 1984 ዝተፈጸመ መስተንክራዊ ጅግንነት ምድምሳስ ናይቲ ንኣስታት ሓሙሽተ (5ተ) ዓመታት፡ ኣብ ኣዝዩ ሰፊሕ ገማግም ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓስኪሩ ዝነበረ፡ ግንባር ውቃው እዝ፡ ካብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ደገን ማለት ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ (ናይቲ እዋንቲ ተጋደልቲ) ተዘክሮታቶም ከመይ ከምዝኾነ ንርአ፡-


ቃለመሕትት ምስ ሜ.ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ሓርበኛታት (ካብ ተኻታታሊ ሕታማት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ):-

ሓዳስ ኤርትራ፡-  1ይ ክፋል፡    2ይ ክፋል፡    3ይ ክፋል፡    4ይ ክፋል፡    5ይ ክፋል፡


ቃለመሕትት ምስ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ሓርበኛታት፡-

ቲቪ ስመር፡-  ረድኢ መሓሪ (ኣለና)፡

ራድዮ ኤረና፡-  1ይ ክፋል፡   2ይ ክፋል፡   3ይ ክፋል፡   4ይ ክፋል፡   5ይ ክፋል፡   6ይ ክፋል፡    7ይ ክፋል፡   8ይ ክፋል፡  


ዮውሃንስ ጸጋይ፡ 26 March 2017



Share with friends:

See also Related - ምስዚ ኣርእስቲ ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ፡-

ነጥበ መቐይሮ ምድምሳስ ውቃው እዝ --Turning Point: the Demise of Wiqaw Command at the Northeastern Sahil Front


Share with friends: