ስርዓት ህግደፍ፡ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ። 2ይ ክፋል።

10/03/2017 13:47 PM

ስርዓት ህግደፍ፡

ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ።

2ይ ክፋል።


ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) 23/01/2017


ስርዓት ህግደፍ፡ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ   ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኤርትራ ከም ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ብርሰት ተዛሪበ ነይረ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 2ይ ክፋል ድማ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ባህላዊ ብርሰት ቁሩብ ክትንክፍ ኢየ።

ባህላዊ ብርሰት

ንሳቶም ባህላዊ ሰውራ ኢሎም ክጽውዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣነ ግን ባህላዊ ብርሰት ክብሎ ይቐርበኒ። ነቲ ዝነበረ ክቡር ባህሊ ኣጥፊእካ፡ ንዓኻ ዘገልግል ሓድሽ ባህሊ ከተተኣታትው እንተድኣ ኮንካ፡ መጀመርታ ንመሰረታቱ ከተጥፍኦ ኣለካ። መሰረት ናይቲ ክቡር ባህሊ ድማ እቲ ሕ/ሰብ ኢዩ። ስለዚ ነቲ ዓቢ ወለዶ ብእርጋንን ብሕማምን፡ ኣሰራት ናይቲ ክቡር ባህሊ ዘስተማቐሩ ደቁ ድማ ኣብ ኲናት ከም ዝሞቱ ወይ ብስደት ከም ዝርሕቁ ትገብሮም። `ነቲ ድሕሪኡ ዝፍጠር ባህሊ ኣቦሓጎታቱ ዘየስተማቐረ ንኡስ ወለዶ ድማ፡ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ጌይርካ ክትሃንጾ ዝከኣል ኢዩ` ክብሉ`ውን ይስምዑ ኢዮም። መን ይፈልጥ ነቲ ሕሉፍ ገበናቶምን ሕሱር ባህርያቶምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ወረስቲ ስልጣኖም ዝምልምልዎም ደቆም`ውን፡ በቲ ህዝቢ ከም ሕሱም ዝፍርሑ ገርካ ብምዕባይ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ወለዶ`ውን ከም ቁሪ ዝፍርሑ ደቂ ሰበ-ስልጣን ብሓደ ወገን፡ ምእዙዝን ተገዛእን ህዝቢ ድማ በቲ ካልእ ንምፍጣር ክኸውን ይኽእል። በዚ ኮነ በቲ - ኤርትራ ሰብኣዊ ብርሰት ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህላዊ ብርሰት`ውን ትርኢ ዘላ ሃገር ኢያ። ቅድሚ ዝኣገረ ግን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትርጉም ባህሊ ቁሩብ ክዛረብ።

ብዙሕ ጽሑፋት ተወኪሰ ከም ዝተረዳእኩዎ፡ ባህሊ ንሓፈሻዊ ጉዕዞ ህይወት፡ ንልምድታትን እምነታትን ናይ ሓደ ዝተወሰነ ሕብረተ-ሰብ - ኣብ ሓደ ውሱን እዋን ኢዩ ዘንጸባርቕ። ስነ-ጥበብን ካልኦት ሓደ ሕ/ሰብ ዘጥርዮም ውህሉል ዓወታትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምዕባለን፡ ካብኡ ዝምንጩ ማሕበራዊ ጠባይን እውን ባህላዊ ነጸብራቕ ናይ ሓደ ሕ/ሰብ ኢዮም።

ሕ/ሰብ ኤርትራ`ውን ከከምቲ ዝህልዎ ብሀራዊ፡ ሃይማኖታውን ካልእን ኩነታት፡ ኣብ ገለ ዝፈላለ፡ ኣብ ብዙሕ ድማ ዝመሳሰል ባህላዊ ኣቃውማ ዝውንን ሕ/ሰብ ኢዩ። ኣብቲ ብሃገር ደረጃ ንኹለን ብሀራትን ንክልቲኡ ሃይማኖትን ብሓባር ዝጠምረና ባህላዊ ጉዕዞ ንኣብነት፡ ምህዞን ስነ-ጥበብን፡ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን፡ ትምህርትን ስነ-ፍልጠትን ክጥቀስ ይከኣል። እቲ ብሃገር ደረጃ ብሓባር ዝህልወና ፖለቲካዊ ምሕደራን እንዳነየሉ ሕግታትን፡ ንሱ ዝህልዎ ኣዎንታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ንባዕሉ - ኣብ ነብሲ-ወከፍ ዜጋ ዝገድፎ ኣሰራትን፡ ናይ ህይወት ኮነ ናይ መነባብሮ ለውጢን - ዓቢን ሓባራውን ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ነቲ ኣብ ሃገራውነትን ሓርበኛነትን ዝተፈጥረ ባህላዊ ብርሰት (ንበይኑ ኣብ ካልእ እዋን ክዛረበሉ ስለ ዝሓይሽ) ከይተንከፍኩዎ ክሓልፍ ኢየ።

ዝኾነ ሕ/ሰብ በቲ በብእዋኑ ዘርእዮ ነገራዊ፡ መንፈሳውን ስነ-ጥበባውን ለውጢ ዝድፋእ፡ እናማዕበለ ዝኸይድ ባህሊ ክህልዎ ቅቡል ኢዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝረኣናዮ ባህላዊ ለውጢ ግን፡ ብሃገር ደረጃ ክንግምግሞ ከለና ብርሰት እምበር ዝኾነ ናይ ምዕባለ ኣንፈት ኣየርኣየን። ገለ ካብኡ መሃዝነትን ርእሰ-ተኣማንነትን ኤርትራዊ ጠፊኡ - ናብ ተጸባይነትን ተመጽዋትነትን ተቐይሩ። ኣፍራይነትን ምእርትን ጠፊኡ - ናብ ካልኦት ቁሊሕ ምባል ኮይኑ።

ኣብ ዘመነ ህግደፍ ብጻዕርኻ፡ ብመንፍዓትካ፡ ብትምህርትካን ሓርኮትኮትካን እትረኽቦ ስልጣንን ሓላፍነትን፡ እተኻዕብቶ ሃብትን ርእሰ-ማልን የለን። ናብ ስልጣንን ሓላፍነትን ክትድይብ - ሓለፍቲ ዝደልዩዎ ክትገብርን ብእኦም ክትፍቶን ጥራይ ኢዩ ዘለካ። ክትህብትምን ገንዘብ ክትገብርን`ውን ርሂጽካን ጽዒርካን ዘይኮነ ክትሰርቕን ንብረት ካልኦት ክትዘርፍን ኢዩ ዘለካ። ሰሪቕካን ዘሪፍካን ክትነብር ድማ ስልጣን ክህልወካ ወይ ናብ በዓል ስልጣን ክትጽጋዕ ኣለካ። እዛ ናይ ሎሚ ናይ ህግደፍ ኤርትራ እምበኣር፡ ጻዕራማትን ሓርኮትኮት በሃልትን ዘይኮኑስ፡ ሓሰውትን መጣቖስትን ዝሕጎሱላ ሃገር ኮይና ኣላ።

ጥምርትን ርግእትን ኤርትራዊት ስድራ-ቤት ፋሕ-ፋሕ ኢላ - ደቃ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ተበታቲኖም። ወለዲ ናብ ደቆም ዘሰጋግርዎ ነገራዊ ይኹን መንፈሳዊ ባህሊ የብሎምን። መንእሰያት ኤርትራ ያታን ልምድን ኣቦታቶም ተቐቢሎም ከማዕብልዎ ዘይኮነስ፡ ናይ ዘዝኸድወን ሃገራት ባህልን መነባብሮን ክለማመዱ ተኸኽ ይብሉ ኣለዉ።

ጽኑዕ ቃል-ኪዳንን ጥሙር ሓዳርን ምስ ምምጻእ ህግደፍን ምትእትታው ስርዓተ-ሳዋን ሃሲሱ ኢዩ። እቲ ዝኽፈሎ ይኹን ዝኸፍሎ ዘይብሉ ኣገልጋሊ፡ ኣብ ዘዝኣተዎ ዓዲ፡ ካብ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ከይወልድ ጸቕጢ ዝገብር፡ ዝዕገተሉ ኮነ ዝጸዓደሉ ሕጊ የብሉን። ከም ሳዕቤኑ ካብ ቃል-ኪዳን ወጻኢ ዝውለዱ፡ ኣቦታቶም ዘየዕብዩዎም ቆልዑ ምብዝሖም ድማ `ህያብ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ` እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

ብፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሕጊ ሳዋን ዝያዳ ዝተሃስያ ደቀ-ንስትዮ ኢየን። ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ፡ እተን ልዕሊ ፍርቂ ሕ/ሰብ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምስ ዝመረጽኦ ክዛመዳ፡ ንዘይደለይኦ ክነጽጋ ዝከላኸለለን ሕጊ የለን። ብፍላይ ኣገልገልቲ ኣብ ዝተባህለኦ ቦታ ክሰርሓ፡ ንዝተኣዘዝኦ ሓላፊ ከገልግላ ግዱዳት ኢየን። ብውሑዱ ብፖሊሲ ደረጃ። ተዓሚጸ፡ ተገዲደ፡ ክብረተይ ተደፊረ ንዝበለት ጓል-ኣንስተይቲ ዝጣበቕ ሕጊ እንዳ`ባ ምስ ፈረሰ፡ እትጠርዓሉን እትስማዓሉን ቦታ የለን። እነሆ ድማ ደቀንስትዮና ክብረን ጠፊኡ፡ ካብ ድኽነትን ግዱድ ዕስክርናን ክሃድማ - መጻወቲ ጓኖት ኮይነን።

ኣብ ባህሊ ሕብረተ-ሰብና፡ ቆልዓ ዓቕመ ኣዳም/ ዓቕመ ሀዋን ክሳብ ዝበጽሕ፡ ካብ ስድርኡ ኣይፍለን ኢዩ። ዋላ ተመርዕዩ ሓዳሩ ዝፈሊ`ውን ቆልዓ ምስ ወለደ ወይ ዓብዩ ብኣተሓሳስባ ምስ በሰለ ጥራይ ኢዩ። እዚ ባህሊ`ዚ ግን ኣብ ዘመነ ህግደፍ ተሰይሩ ኢዩ። መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑ ኣብቲ ዕሸልን ውዑይን ዕድመኦም፡ ንፖለቲካዊ ምኽንያት ጥራይ፡ ብስም ክረምታዊ ማእቶት ንኣዋርሕ ካብ ወለዶም ክፍለዩ ንርኢ ኣሎና።

ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ፡ ነታ ትምህርቶምን ቁልዕነቶምን ዝዛዝሙላ፡ ወይ ናብ ዩኒቨርሲቲ - ንዝለዓለ ትምህርቲ፡ ዓቅሞም ትሕት ዝበለ ድማ ናብ ጽቡቕ ስራሕ ዘሰጋግሮም ነጥቢ ዘዋህልሉላ ቀንድን ወሳኒትን ኣካዳምያዊት ዓመት፡ ናይ ስድራን መቕርብን ምትብባዕ እናተገብረሎም፡ ኣካላውን መንፈሳውን ርግኣት ኣብ ዝረኽብሉ ቦታ ክመሃሩዋ ኢዩ ዝግባእ። ብኣንጻሩ ኣብ ሳዋ ምስ ተሪር ወታደራዊ ሕጊ ሓዋዊሶም ከም ዝመሃሩ ተገይሩ። ንዓኣቶም ቀንዲ ዘሕስቦምን ዘጨንቖምን፡ ዋላ`ውን ንኹሉ ትጽቢታቶም ዝገዝእ - “ኣበየናይ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ይሕሸኒ! ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ክመርጽ! . . እንታይ ዓይነት ሞያ ከጥሪ!” ክብሉን፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ መጻኢ ሀይወቶም ክሓስቡን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ሳዋን ኣብኡ ከጋጥሞም ዝኽእል ወታደራዊ ጸቅጥን ጥራይ ኢዩ። ናብ ሳዋ ንዝኸዱ ቆልዑ፡ ማይን እንጀራን ገይሮም ደቆም ዘፋንዉ ወለዲ`ውን ብዙሓት ኢዮም። እዚ ድማ ኢዩ መርኣያ ብርሰት ትምህርታዊ ፖሊሲ።

ኣብ ዓለም ኣካድያሚ ትምህርትን ውትድርናን ሓዋዊሳ ንቆልዑ ትምህር ሃገር ኤርትራ ጥራይ ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ዕሸል ዕድሜኡ ኣብ ጸሓይ ፈፈው ዝብል፡ በባትር ዝዝበጥ፡ ብወታደራዊ ሕጊ ዝተሓዝ ተማሃራይ ድኣ`ሞ እንታይ ክኸውን ንጽበ? ብፖሊሲ ደረጃ ዝጃጀወን ርእሰ-ተኣማንነቱ ዘጥፍአን ዜጋ እተፍሪ ሃገር`ውን፡ እዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ጥራይ ኢያ። ካብዚ ዝዓቢ ባህላዊ ብርሰት`ሞ እንታይ ኢዩ ክመጽእ።

ኣብቲ ስነ-ምግባራዊ መዳዩ`ውን እንተኾነ፡ ዓበይቲ ብዕድሜኦም ዝኸበርሉ - ብተመክሮኦምን ፍልጠቶምን ዝስምዕሉ፡ ካህናትን መሻይኽን ከከም ደረጅኦም ንተኸተልቶም ዘመሓድርሉን ዝእመኑሉን ደረጃ ዝሃሰሰ ኢዩ ዝመስል። ኣብዚ`ውን ክልተ ኣብነት ከቕርብ ኢየ፡-

ቅድሚ 38 ዓመታት ኣቢሉ፡ ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ዝነበሩ፡ ኣቦይ ቀኛዝማት፡ ኣቦይ ግራዝማት፡ ኣቦይ ፊተውራሪ እንብሎም ዓበይቲ ወዳእቲ ነገርን ኣመሓደርቲ ዓድን፡ በቶም ሽዑ ብስም ክፍሊ ህዝቢ ዝፍለጡ ናይ ፖሊቲካ ካድረታት፡ ኣብ ቅድሚ`ቲ ዘኽብሮምን ዘመሓድርዎን ህዝቢ ክናሸውን፡ ክዝንጠሉን ሰሚዐ። ካብ ደቆም ብዝንእሱ ናይ ፖለቲካ ሹመኛታት “ተንበርከኽ - ኢድካ ሓፍ ኣብሎ! ናብ ጸሓይ ገጽካ ጠምት!” ተባሂሎም። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኩነታት ድማ፡ ሓላፍነትን ክብሪ ዓበይትን ጠፊኡ - ካብ “ኣንቱም” ናብ “ኣንታ” ተቐይሩ።

ሃይማኖትና ኣብ ፈተነ ኣትዩ። ናይ ሃይማኖት ናይ ማዕርግ መሳልል ጠፊኡ - ክብሪ ጳጳሳትና ተደፊሩ - ብሃሱሳት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑ ባዕሎም ብዝመሃርዎም ብዕድመ ዝነኣሱ ካህናት ተዘንጢሎም። እቶም ብጭሉቕን ብሕጓን ጻዕዳን ጸሊምን ናይ ቅሽነት ቆቡዕ ዝመለሱ ናይ ዘመንና ካህናት፡ ኣብ ልዕሊ`ቶም `ኣቦታትና` ዝብሉዎም ዝነበሩን ዓበይቲ ጳጳሳትን ኣብ ግጭት ኣትዮም። እነሆ ከኣ ህዝቢ ተኣኪቡ ምስ ኣምላኹ ምርኻብ ስኢኑ፡ ተበታቲኑ `ዑግታ - ዑግታ` ኮይኑ፡ ብጎቦ ዓይኑ እናተጠማመተ ክኸይድ ንርእዮ ኣሎና። ዕድመ ነቲ በታኒ ፖሊሲ ህግደፍ። “ካብ ሕማቕ ዝገብሩኻስ - ሕማቕ ዘልምዱኻ!” ዝብል ናይ ቀዳሞት ምስላ`ውን ነዚ ኢዩ ዘዘኻኽር። ህግደፍ እምበኣር ጠንቂ ባህላውን ስነ-ምግባራውን ብርሰን ኢዩ።

ኣብ ስርዓተ-ሕጊን ፍትሕን ዝወረደ ባህላዊ ብርሰት`ውን መዳርግቲ የብሉን። እቲ ፖሊስን ጸጥታን ኣብ ዘይብሉ “ገዚተካ ኣለኹ!” እንተ ተባሂሉ ጥራይ ስርዓት ዝመልእ ህዝቢ፡ ልምዱን ስርዓቱን ተሓዲጉ። ነቲ ሕ/ሰብ በቢከባቢኡን በብዓዱን ጠሚሮም ዝሕዝዎ ማሕበራዊ ቅርጽታት (social structures) መተካእታ ከይተገብረሉ ፍጹም ተበታቲኾም ተሪፎም። እቲ ዝነበሮ ሕጊ እንዳባ ዝተሓድገ፡ ዝውከሶ መንግስታዊ ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ - ትጽቢቱ ካብ ሰናይ ድሌት ውልቀ-ሰባት ብፍላይ ሰበ-ስልጣን ጥራይ ከም ዝኸውን ተገይሩ። ሎሚ ዝኾነ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝቐረበ ወይ ስልጣን ዘለዎ (ብፍላይ ኣዘዝቲ ሰራዊት) ሰበይትኻ ክወርስ፡ ጓልካ ክዕምጽ፡ ርስቲ ኣቦሓጎታትካ መንዚዑ ክወስድ፡ መሬት ዓዲ ክግብት፡ ኣብ ዝጸበቐ ገዛ ብሓይሉ ክነብር - `ተዓሚጸ፡ ፍትሒ ጎዲሉኒ` ንዝበለ ክኣስርን ክቐትልን ዝኽልክሎ የብሉን። እቲ ብስርዓት ዝነባበር፡ ሕጊ ዝማእከሉ ባህሊ ዝነበሮ ህዝቢ፡ ዝለመዶ ኩሉ ተሓዲጉ ዘርሞ - ዘርሞ ተሪፉ።

ኣብታ መከረኛ ሃገርና ዝኾነ ጸገም እንተ ኣጋጢሙኳ፡ ዓንቀጻት ሕጊ ምግንጻል ኮነ፡ ኣባታዊ ልምዲ ምውካስ ተሪፉ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ስልጣን ዘለዎ፡ ከስምዕ ዝኽእል መቕርብካ፡ ወዲ ከባቢኻ ወይ ዘመድ ኣዝማድ ጸባጺብካ፡ ኣያ ዝኾነካ በዓል ጽሩራ ሃሰስ ብምባል ጥራይ ኢኻ ጸገምካ ትፈትሕ። ሰብ ዘለዎ ምስ ገበኑ ይነብር፡ ሰብ ዘይብሉ ድማ ከም ኣቕሓ መሸጣ ብ`ኣጽናሓለይ’ ይእሰር፡ ብዘይወዓሎ ገበን ይኹነን ኣሎ። ካብዚ ዝዓቢ ባህላዊ ብርሰት`ሞ እንታይ ኢዩ ክመጽእ!!

ኣብዛ ናይ ሎሚ ሓጻር ጽሕፍተይ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ባህላዊ ብርሰት፡ ከም ጭልፋ ካብ ማይ ባሕሪ፡ ብኣዝዩ ውሑድ ቃላት ኢየ ከንጸባርቕ ፈቲነ። ኣብ ዝቕጽል 3ይ ክፋል ድማ፡ ነቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ተጋድሎና ዘጥረናዮ ዘኹርዕ ባህሊ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን ዝረአ ዘሎ ክትኣምኖ ዘጸግም ዕንወትን ብርሰትን ክተናኽፍ ኢየ።

ናብ 3ይ ክፋል ይቕጽል...

ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) 23/01/2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

other articles by author - ካልኦት ጽሑፋት ብ'ታደሰ ኪዳነ፡-

See also Related - ምስዚ ኣርእስቲ ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ፡-