ስርዓት ህግደፍ፡ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ። 4ይ ክፋል።

24/03/2017 08:22 AM

ስርዓት ህግደፍ፡

ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ።

4ይ ክፋል።

ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም)

ቁጠባዊ ብርሰት - ብርሰት ኣብ ዋንነት።

ስርዓት ህግደፍ፡ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ  ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ

ናይ ስነ-ቁጠባ ምሁራት “ቁጠባ ካብ ፖለቲካ ነጺልካ ዝረአ ኣይኮነን” ክብሉ ጽሒፎም ኢዮም። ትንታኔኦም ምስ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝተኣሳሰር ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሓንቲ ብርሰት ሰብ ዝረኣየላ፡ መንግስታዊ ቅርጺ ዘይብላ፡ንጉሆ ንጉሆ ብሓደስቲ መምርሒታት ጥራይ እትመሓደር ሃገር ክህሉ ዝኽእል ቁጠባ`ኸ ከመይ ኢዩ? ንዝብል ሕቶ ግን ተመራመርቲ ስነ-ቁጠባ ብኸመይ ምመለስዎ! ዝፈልጦ የብለይን።

ኣብ ንቡር እዋን፡ ብዛዕባ ቁጠባ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሃገራዊ ቁጠባ ምዝራብ እንተጀሚርካ ብቐጥታ መንግስታዊ፡ ብሕታዊ፡ ር/ማላዊ ቁጠባ ዝብሉ ኣምራት ኢዮም ቅጅል ዝብሉኻ። ዴሳዊ ቁጠባ፡ ማሕበርነታዊ ቁጠባ ዝብሉ ብክልሰ- ሓሳብ እምበር፡ ኣብ ግብሪ ዘይረኣናዮም ቁጠባዊ ኣምራት`ውን ኣለዉ። ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ግን፡ ኩሎም እዞም ኣምራት እዚኣቶም ቦታ የብሎምን። ነብሱ ዘይውንን ህዝቢ - ዝውንኖ ቁጠባ ክህልዎ ስለ ዘይክእል።

ቁጠባ ብቐጥታ ምስ ዋንነት ኢዩ ዝተኣሳሰር። ሰብ ምእንቲ`ቲ እጀታይ ዝብሎ መሬት ዝመውት - ብዋንነት ናቱ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ። ንቤቱን መንበሪኡን ዝከላኸል`ውን፡ ብዋንነት ናቱ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ። ንኽብሪ ሰበይቱን ደቁን ዝመውት - ብዋንነት ናቱ እንተኾይኖም ጥራይ ኢዩ። ምእንቲ ሃገሩ ዝመውት`ውን - ብዋንነት ናቱ ምዃና ምእማን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ንሱ ዝዓበየላን ደቁ ዘዕብየላን፡ ርስትን ኣባይትን ኣቦታቱን ኣቦሓጎታቱን ዝሓዘት ሃገር ዝውንኖን ናተይ ዝብሎን ነገር ምስ ዝህልዎ ጥራይ ኢዩ።

ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ እምበኣር፡ ብዛዕባ ቁጠባ ቅድሚ ምዝራብና ክንድህስሶም ዝግበኣና ክልተ ዘይስገሩ መሰረታውያን ነገራት ኣለዉ። ቁጠባ ከም ኣምር ኣብ ሓንጎልና እንቐርጾ ወይ ብኣሃዛት ዝቕመር`ኳ እንተኾነ፡ ብግብሪ ግን ኣብ መሬት ኢዩ ዝንጸፍ። ስለዚ ሕቶ ዋንነት መሬት ከይመለስካ ብዛዕባ ቁጠባ ምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዛዕባ ዋንነት እንተ ተዛሪብና ድማ ብዛዕባ ሰብ ንዛረብ ስለ ዘለና፡ እቲ መሬት ዝውንን ሰብ ወይ ሕ/ሰብ`ከ ንነብሱ ይውንን ድዩ? ንዝብል ሕቶ ከነልዕል ግድን ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ቁጠባዊ ብርሰት ምዝራበይ ኣብ ክልተ ነጥቢ ጥራይ ጸቒጠ ክዛረብ ኢየ።

1. ብርሰት ኣብ ውልቀ-ናጽነትን ነብሰ-ዋንነትን፡- ሎሚ መን፡ እንታይ ይውንን? ኢልካ ካብ ምሕታት፡ ኤርትራዊ ሰብ ንነብሱ ይውንና ድዩ? ኢልካ ምሕታት እቲ ዝቐለለ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ዘመነ ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ሰብ ነብሱ ይውንን`ዶ? ንዝብል ሕቶ ኢየ ክምልስ። ኣብቲ ሃገር ንምምጻእ ዝግበር ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ተጋዳላይ ዝውንኖ ኣይነበሮን። ናብ ዝተመደቦ ዝኸይድ፡ ዝረኸቦ ዝበልዕ፡ ኣብ ዝተባህሎ ዝድቅስን ዝተባህሎ ዝኸውን፡ ኮታ ኩለንተንኡ ናይቲ ገድሊ ኢዩ ነይሩ። ከፍቅርን ክዛመድን ከይተረፈ ናይ ሓለፍቱ ፍቓድን ባርኾትን የድልዩ ነይሩ። ናብ ተጋዳሊት ብጸይቱ ተመርዕዩ ቆልዑ እንተወሊዱ`ውን፡ ደቁን ሰበይቱን እቲ ውድብ ኢዩ ዝኣልዮም ዝነበረ። እዚ ከኣ “ንክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝኽፈል ዋጋ ኢዩ” ኢሉ ስለ ዝኣመነ፡ ባዕሉ ፈትዩ ዝኣተዎ ኢዩ ነይሩ። “ናጽነት ምስ መጸት ነንገዛና ክንፍደስ ኢና፡ ሰላማዊ ውልቃዊ ህይወትና እናመራሕና ድማ፡ ከም ኩሉ ዜጋ ኣብ ምህናጽ ሃገርና ንሳተፍ” ኢሉ ዝሓስብ እምበር፡ “ነብሰይን ህይወተይን ንዘለኣለም ሂበዮም ኢየ” ኢሉ ንባዕሉ ናይ ዘለኣለም ኣገልጋሊ ክኸውን ዝተጸበየ ተጋዳላይ ግን ፍጹም ኣይነበረን።

እዚ ሕጂ ሃገር ዘብርስ ዘሎ ንእሽቶ ጉጅለ እምበኣር፡ ሰብ ኣእሚኑን ንሕጊ ማእከል ገይሩን ዘይኮነስ፡ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ጉልባብ ገይሩ፡ ነቲ ፍጹም ዋንነት ሰብን ንብረትን ተጠቒሙ ኢዩ ስልጣኑ ዘረጋገጸ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሃገር ኮነ ህዝቢ ናይ ምምሕዳር ዓቕሚ ናይዞም ሕጂ ሃገር ዘብርሱ ዘለዉ ሰባት፡ ከምታ ኣመጻጽኣኦም፡ `ኣብ ፍጹም ዋንነት ሰብን ንብረትን ጥራይ ዝተሞርኮሰ ኢዩ` ኢየ ዝብል ዘለኹ። ካብዚ ቀጺለ እምበኣር እቲ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ብርሰት ውልቃዊ ናጽነት ኤርትራዊ ሰብ፡ ከመይ ኢሉ ከም ዝማዕበለ ምስ ናተይ ተመክሮ ኣዛሚደ ከቕርብ ክፍትን ኢየ።

ነታ ኩለንተንኡ ሂቡ ዘምጽኣ ሃገር ክውንቲ ምስ ገበራ፡ ብዙሕ ክፋል ተጋዳላይ፡ ዝተወስዶ ውልቃዊ ናጽነት ክምለሰሉ ኢዩ ሓቲቱ። ትምህርቱ ኣቋሪጹ ዝወጸ - ክመሃር፡ ስድርኡ ዘጽንሑሉ ሕርሻታት ዘለዎ - ከልምዕ፡ ኮታ ከም ዝኾነ ዜጋ ብዝመስሎ መንገዲ ናብራ ገይሩ ቁጠባዊ ህይወቱ ከመሓይሽ ኢዩ ተበጊሱ። ነቲ ቅድሚ ናብ ገድሊ ምውፋሩ ዝነበሮ ውልቃዊ ናጽነት ዓቂቡ ዝያዳ መሰል ክውስኽ እምበር፡ ዝነበሮ ከጥፍእ ኣይተጋደለን። እቶም ብመንገዲ ፍጹም ዋንነት ሰብን ንብረትን ጥራይ ናብ ስልጣን ዝደየቡ ሓለፍቱ ግን፡ ምስ ባህጉን ትምኒቱን ዝኸይድ ባህሪ ኣይነበሮምን። እንተ`ቲ ንኽብሪ ሃገርን ህዝብን ዝተቃለሰ ተጋዳላይ ግን፡ እታ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ጥራይ ዝሃቦም ናጽነቱን ናይ ህይወቱ ዋንነትን፡ ንመዋእል ከም ዝተሓድገ ንኽኣምን ጥራይ ዓመታት ኢዩ ወሲዱሉ።

እቲ “ንስለ ሓርነትካ ኢዩ” እናተብህለ ኩሉ ንብረቱን ደቁን ዘበርክት ዝነበረ ህዝቢ`ውን፡ እቶም ኣብ ስም ዝርዝር መዝገብ ተጋደልቲ ዝኣተዉ ጥራይ ዘይኮኑ፡ እቶም ናእሽቱ ዝተወልዱ ቆልዑ`ውን፡ ብመንገዲ ክረምታዊ ማእቶትን ብመንገዲ ሕጊ ሳዋን፡ ኣገልገልቲ ናይቶም ኣብ ገድሊ ዝፈረዩ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጎይቶት ክኾኑ ኢዩ ተዓዚቡ። ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ እምበኣር፡ ኤርትራዊ - ባዕሉ ብዝመሰሎ መንገዲ ቁጠባዊ ትካል ክህልዎስ ይትረፍ፡ ንባዕሉ`ውን ውልቃዊ ናጽነቱ ዝተሓድገ ሰብ ኮይኑ ኣሎ። ነብሱ ዘይውንን ሰብ ወይ ሕ/ስብ ድማ - ንሱ ዝውንኖ ንብረትን ሃብትን ኮነ፡ ቁጠብዊ ትካላት ክህልዎ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ድማ “ነብሱ ወኒኑ ዝኸይድ ሰብ ኣሎ!!” ወይ ሕ/ሰብ ኤርትራ “ነብሱ ወኒኑ ዝኸይድ ኢዩ!” ኢልካ ንምዝራብ ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን።

ናጽነት ኤርትራ ክዉን ምስ ኮነ፡ እቶም ብዕድመ ምድፋእን ብምኽንያት ስንክልናን ሓገዝ ዝጽበዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ ካብቲ ሽዑ ዝተተኽለ ሓድሽ መንግስቲ፡ ከከም ደረጃ ዕብየቶምን ክብደት ስንክልናኦምን ቁሩብ ደገፍ እናተገብረሎም ውልቃዊ ህይወቶም ክመርሑ፡ እቶም `ኣብ ንግድን ካልእ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ክንዋፈር ዓቅሚ ኣሎንና` ዝብሉ፡ ፍቓድ ተዋሂቡዎም፡ ብሕግታት ንግዲ ተቐይዶም ክሰርሑ፡ እቶም ኣብ ሰራዊት ክቕጽሉ ድልየት ዝነበሮም ድማ፡ ማዕረ`ቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት - መሰሎም`ውን ዝሓቱሉ ወታደራዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክተኣታቶ ኢዮም ሓቲቶም። ኩል`ዚ ግን ምስ ባህሪ ናይቲ ሽዑ ዝቖመ መሪሕነት ዝቃዶ ኣይነበረን። ኣንፈትን ኣካይዳን ናይቲ ሓድሽ መሪሕነት ዘስተውዓለ ተጋዳላይ ድማ በብዝመስሎ መንገዲ፡ የዋጽእ ኢዩ ዝበሎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ስጉምቲ ክወስድ ተራእዩ። ገለ ካብ ናይ ሽዑ ኣብነት ንምጥቃስ፡ -

ኣብ 1992 ዓ.ም - ሓደ ዓመት ድሕሪ ምብራር ሰራዊት ኢትዮጵያ - ብዙሓት ጽምኢ ትምህርቲ ዝነበሮም፡ ኣብ ቃልሲ ከርተት ዝበሉ ተጋደልቲ፡ ናይ 2ይ ደርጃ መልቀቒ ፈተና (ማትሪክ) ክንገብሩ ተፈቂዱሎም። በቲ ሽዑ ዝወጸ መምዘኒ ተፈቲኖም ስለ ዝሓለፉ ድማ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክኣትዉ ዕድል ረኺቦም። በዚ ዝሰምበደ መሪሕነት ናይቲ ውድብ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመት (freshman) ዓቕሚ ውሒዱዎም ክስጎጉ ዓቢ ትጽቢት ኣንቢሩ። በቲ ሽዑ ዝነበረ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ፡ እቶም ዩኒቨርሲቲ ክቕጽሉ ብቕዓት የብሎምን ዝበሃሉ ተማሃሮ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር ናይታ ቀዳመይቲ ኣካዳምያዊት ዓመት፡ ኣብ ከባቢ ልደት ኢዮም ዝስጎግ ዝነበሩ። ገና ኣብ ምጅማር ናይቲ ዓመት ድማ ናብ ተጋደልቲ ዘነጻጸረ “ናይ እዋን ልደት ተመረቕቲ (Christmas Graduates)” ዝብል ስም ተለጢፉሎም ምንባሩ ትዝ ይብለኒ። ዳርጋ ኩሎም ተጋደልቲ ነቲ ኣካዳምያዊ ብድሆ ሰጊሮም፡ ነታ ቀዳመይቲ ዓመት ብጽቡቕ ነጥቢ ምስ ወድኡዋ ግን፡ “ብቕዓት የብልኩምን” ክብሎም ዘይከኣለ መሪሕነት ናይቲ ሓድሽ መንግስቲ፡ ብትእዛዝ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝስጎጉ ገይሩ። “ናጽነት (autonomy) ናይቲ ዩኒቨርስቲ ይተሓሎ” ዝበሉ መማህራን`ውን ተባሪሮም ኢዮም።

ነዚ ዘይተቐበሉ - ካብ ንጡፍ ወታደራዊ ስራሕ ወጻኢ- ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝነበሩ ገለ ተጋደልቲ፡ ካብቲ ኩለንተናኦም ዝሃብዎ ውድብ፡ ብዘይ ገለ ዓስቢ፡ ጻዕጻ ወረቐት ተዋሂቡዎም ክፋኖው ሓቲቶም። ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይ ሓንቲ ካብተን ሽዑ ናብ ሚኒስተር - ሚ/ሪ ትምህርቲ ዝተጻሕፈት ወረቐት ንኣብነት “ናብ ህዝባዊ ግንባር ክስለፍ ከለኹ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምሉእ ዕግበት ተሰሊፈ። እነሆ ከኣ ድሌት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩ ናጽነትና ክዉን ኮይኑ። ሕጂ ድማ ቀደም ንስለ ሃገር ክብል ዘቋረጽኩዎ ትምህርቲ ክቕጽል ስለ ዝደለኹ ጥራይ፡ ነጻ ሰብ ኮይነ ክመሃር፡ ብዘይ ዝኾነ ዓስቢ “ተፋንዩ ኢዩ” ዝብል ወረቐት ይወሃበኒ” ዝብል ነይሩ። ሕቶኦም ግን ሰማዒ ኣይረኸበን። ድሕሪኡ ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ጉዳዮም ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ዝበጽሕ ምስ ገበሩ፡ ናይ ሽዑ ካቢነ ሚኒስተራት ከም ዝተዘራረበሉ`ውን እዝክር። እንተኾነ ዘቕረብዎ ሕቶ - ሕቶ መሰልን ሕቶ ውልቃዊ ክብርን ስለ ዝኾነን፡ ምስ ኣጀንዳ ናይቲ ሽዑ ዝቐውም ዝነበረ ግዝያዊ መንግስቲ ስለ ዘይከይድን፡ ተነጺጉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሕሪኡ በብውልቂ ዘጋጠሞም ምፍርራሕን ካልእ ጸገማትን ኣብዚ ምጥቃሱ ዘድሊ ኣይመስለንን።

ብዙሓት ካብቶም ሽዑ ካብ ትምህርቲ ዝተኾልፉ ተጋደልቲ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ በቲ ንሳቶም ዝደለይዎ መንገድን ዝመረጽዎ ዓይነት ትምህርትን ዘይኮነ፡ በቲ መንግስቲ ዝደለዮ መንገዲ ተማሂሮም ኢዮም። ነዚ ዘምጽኦ ዘለኹ ድማ ኣብቲ ሓድሽ ዝተክአ መንግስቲ፡ በቲ ንስኻ - ከም ውልቀ ሰብ ዝመረጽካዮን ክትኮኖ እትደልን ዘይኮነስ፡ በቲ ንሳቶም ዝደልዩኻ ጥራይ ኢዩ ዕድልካን መጻኢኻን ዝውሰን ንምባል ኢየ። እቲ ፍጻሜ ግን ንብዙሓት ካብቶም ምእንቲ ሓርነት ህዝብን ሃገርን ከርተት ዝበልና ተጋደልቲ፡ ብዋጋ ደምናን ስንክልናናን ናይ ገዛእ ርእስና መሰልን ናጽነትን ከም ዘጥፋእና ዝፈለጥናሉ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጉዳይ ግን ኣብ ተጋደልቲ ጥራይ ተሓጺሩ ኣይተረፈን።

እቲ ምስ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ” ክበሃል ዝተጸበየ ሕያዋይ ህዝቢ ድማ ብላዕሊ ላዕሊ፡ ዘይፍጸሙ ተስፋታት እናተነግሮ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ግን ኩሉ ዝነበሮ ከጥፍእ ኢዩ ተራእዩ። መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጅምር ከሎ ንኣብነት ህዝቢ ብሕማቕ ኣይረኣዮን። ብኡ ንብኡ ግን ወለዲ - ንሓዋሩ ደቆም ተሓዲጎም። ኣገልገልቲ ድማ ክብሮምን ናጽነቶምን ኣጥፊኦም ጥራይ ዘይኮኑ፡ ዋንነት ናይ ነብሶም ከይተረፈ ኢዮም ተሓዲጎም። መዓስ እዚ ጥራይ፡ እቶም ቁሩብ ፍርዝን ዝበሉ ቆልዑ`ውን፡ ኣብተን ካብ ትምህርቲ ዘዕርፉለን ክልተ ኣዋርሕ ወለዶም ክሕግዙ ኣይተፈቅዶምን። ብስነ መጎት ድርቅን ምግራብን ካብ ምቁጽጻር ወለዶም ከም ዝርሕቁ ኢዩ ዝተገብረ። ሕ/ሰብ ኤርትራ ድማ እቲ “ዝደረቐ መሬትካ ከልምዓልካ” ዝበሎ ስርዓት፡ ንባዕሉ ጠንቂ ብርሰት ሰብን ገረብን ምንባሩ ቀስ ኢሉ ኢዩ ክስወጦ ዝጀመረ። እነሆ ድማ ሎሚ ዘሎ ኤርትራዊ ሰብ፡ ይትረፍ ሃብትን ንብረትን ከጥርን ቁጠባ ክውንንን፡ ነብሱን ደቁን ከመሓድር`ውን ዘይክእል ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ፡ ዝኾነ ሰብ - እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝውስን መንግስቲ ኢዩ። ወታደር ኮንካ ኣብ በረኻ ክትበሊ፡ ሓኪም ወይ መምህር ክትከውን፡ ኣብ ከተማ ወይ ኣብ በረኻ ክትነብር፡ ክትእሰር ወይ ክትፍታሕ፡ ኮታ ህሉውን መጻእን ህይወትካ ዝውሰን፡ ብድሌት ሓለፍትኻን መንግስትኻን ጥራይ ኢዩ። ሎሚ ነብሱ ወኒኑ፡ መደባቱ ሰሪዑ ዝንቀሳቐስ ሰብ ኣሎ ንምባል ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። ሕጂ`ውን ነብሱ ዘይውንን ሰብ፡ ቁጠባ ክውንን ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ። በዚ ድማ ኢየ፡ ኤርትራ ብርሰት ውልቃዊ ናጽነት ዜጋታታ ዘረጋገጸት ሃገር ኮይና ኣላ ዝብል ዘለኹ።

2. ብርሰት ኣብ ዋንነት መሬት፡- ቁጠባዊ ዕብየት ኮነ ቁጠባዊ ወፍሪ ምስ መሬት ኢዩ ዝተኣሳሰር። መስኖኣዊ ሕርሻ ከተካይድ፡ ኣፍረይቲ ትካላት ክትውንን ኮነ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ክትዋፈር፡ ናተይ እትብሎ ወይ ንጹር ብዝኾነ ውዑል እትካረዮ መሬት የድልየካ ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢዩ ሰብ ምእንቲ`ቲ እጀታይ ዝብሎ ኣቦታቱን ኣቦሓጎታቱን ዘጽንሕሉ መሬት ዝመውት። ከከም ደረጃ ምዕባሌ ናይቲ ሕ/ሰብ ኣገባብ ዋንነት መሬት ይፈላለ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ዋንነት መሬት ካብ ባህሊ ናይቲ ሕ/ሰብ ኣይንጸልን`ዩ ጥራይ ዘይኮነ - መንነት ናይ ሰባት (identity) እውን ኢዩ። ስለዚ ህዝቢ ካብ ናይ መሬት ዋንነት እንተ ተነጺሉ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን። ዝውንኖ መሬት ዘይብሉ ሰብ ድማ፡ እታ ሓንቲ ዘላቶ ምርጫ፡ ኣብ ፈቐዶ ዓድታትን ፈቀዶ ሃገራትን ተሰዲዱ ጉልበቱ ሸይጡ ክነብር ጥራይ ኢዩ። እዚ ድማ ተመሊሱ ንመሰረታዊ ባህላዊ መንነት ናይ ኤርትራዊ ሕ/ሰብ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኢዩ ዘእትዎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢየ፡ ኣሰራትና ፈጺሙ ከይጠፍአ ከሎ ገለ ክግበር ኣለዎ ዝብል ዘለኹ። ብፍላይ እቶም ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት እቲ ግዜ ሕጂ ኢዩ።

ኣብ ሕ/ሰብ ኤርትራ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ናይ ርስትን ጉልትን ዋንነት ጠፊኡ፡ ዳርጋ ኩሉ መሬት ብደረጃ ዓዲ ኢዩ ዝውነን ዝነበረ። ኩለን ዓድታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ከበሳታት፡ ዝውንኖኦ መሬት ብፍሉጥ ምልክታት (landmarks) ዝተኸለለ ኢዩ። ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ግን፡ ነበርቲ ኩለን ዓድታት ኤርትራ - ነቲ ካብ ወለዶታት እናተወራረሰ ዝመጸ ብፍሉይ ዶብ ዝተኸለለ መሬቶም ተሓዲጎም፡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰበ ስልጣን ህግደፍ ኣትዩ ኢዩ። ሎሚ ኣየናይ መሬት ይሕረስ፡ መን ጤሳ ክወስድ ይግበኦ፡ ንመጋሃጫ - ንመንበርን ንሕርሻን ዝውዕል መሬት ዝውስኑ ሽማግለታት ዓዲ ዘይኮኑስ፡ ህግደፍ ዘቐመጦም ሰበ-ስልጣን ኢዮም። ህግደፍ ከም ድላዩ ዝእዝዞን ድላዩ ዝገብሮን ሰራዊት ስለ ዝሓዘ ከኣ፡ ደስ ዝበሎ መሬት ዓዲ ክዘርፍ፡ ኣባይቲ ሰሪሑ ክሸይጥ፡ ናይ ሓደ ዓዲ መሬት ቆሪጹ ንኻልእ ዓዲ ክዕድል “ንዓኻ ኣዚ ሂበካ ኣለኹ፡ ንዓኻ ከኣ እዚ ይኣኽለካ” እናበለ መሬት ዓዲ ክግብትን ክዕድልን ዝኽልክሎ የብሉን። ናይ ሎሚ ሕ/ሰብ ኤርትራ - ብደረጃ ዓዲ ኮነ ብደረጃ ስድራ “እጀታይ” ዝብሎ መሬት የብሉን። ኩሉ ተሓዲጉ ኢዩ። ኣብዚ`ውን ካብ ዝፈልጦን ዝነበርኩሉን ቁሩብ ወስ እንተብልኩ ጽቡቕ ኢዩ።

መብዛሕትኡ ከበሳታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብቲ ምዕራባዊ ኮነ ምብራቓዊ ቀላቕል ዝርከብ መሬት፡ ጎቦታት ስለ ዝበዝሖ ንዘራእቲ ምቹእ ኣይኮነን። ዳርጋ ኩሉ ኣብዚ ከባቢ`ዚ ዝነብር ህዝቢ ድማ፡ ነቲ ባህርይ ዝዓደሎ ክልተ ክራማት ተጠቒሙ ባሕርን ዓድን እናተመላለሰ ኢዩ ደቁ ዘዕቢ። ብጭቡጥ ንምዝራብ እቲ ኣብ ምብራቓውን ሰሜናዊ ምብራቕን ኣውራጃ ሓማሴን ዝነብር ህዝቢ፡ ፍርቂ ህይወቱ ምስ ናይ ባሕሪ ክሊማን፡ ናብቲ ናብኡ ዝቐርብ ምብራቓዊ ኣጻድፍን ዝተኣሳሰር ኢዩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ዳርጋ ፍርቂ ናይቲ ኣብ ኣከለ-ጉዛይ ዝነብር ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ድማ፡ ናብቲ ኣብ ግዜ ሓጋይ ዝለምዕ ካብ ደማስ (ፈጠር) ክሳብ ኢራፋይለ ዝዝርጋሕ፡ ሳሆ ዝነብርሉ ጎቦታት እናሳገመ ኢዩ ጥሪቱ ዘፋርን ክልተ ክረምቲ ሓሪሱ ደቁ ዘዕብን። ኣነ`ውን ኣብቲ እግሪ ዝተኸልክሉ ንኡስ ዕድመይ፡ ወለደይ - ኣዋሊዕ፡ ቶቦ፡ ዓገመዳ፡ ፈጠር (ደማስ) ወዘተ ዝበሃሉ ከባቢታት ሳጊሚም ተወሳኺ ምህርቲ ክሓፍሱን ጥሪቶም ከፍርዩን ርእየን ተዕዚበን ኢየ።

እቲ ዝገርም፡ ኣብቲ ብሰሜናዊ ባሕሪ ዝፍለጥ ከባቢታት ኮነ፡ ኣብቲ ተዛረብቲ ቋንቋ ሳሆ ዝነብርሉ ከባቢታት ባሕሪ፡ ተወሃሂዱን ተደጋጊፉን ዝነብር ህዝቢ እምበር፡ ናይ እጀታይ ሕቶ ይኹን መረረ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ክራማት ባሕሪ ተወዲኡ ሳገምቲ ናብቲ ናይ ከበሳ ክራማት (ናብ ዓዶም) ኣብ ዝምለስሉ እዋን፡ ንገለ ካብ ትሕዝቶኦም፡ (ነቲ ዳሕራይ ዓመት`ውን ስለ ዘድልዮም) ነቲ ኣብኡ ክጸንሓሎም ዝደልይዎ ንብረት፡ ነቶም ብዕርክነትን ምሕዝነትን ዝተዛመድዎም ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ተላቢዮም ይገድፍዎ ምንባሮም ጥራይ ምስክር ውህደት ናይቲ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ናይ ጥሜት ፖሊሲ ዝኽተል ስርዓት ግን “ክልተ ክራማት ምጥቃም - ስስዐ ዝመንቀሊኡ ብክልተ ኢድካ ናይ ምብላዕ ዝምባሌ ኢዩ” ዝብል ስነ-መጎት ብምምጻእ፡ ሓረስታይ - ባሕሪ ወይ ዓዲ - ሓዲኡ ጥራይ ንኽሕዝ ኣገዲዱዎ ይርከብ። እዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ድማ ሓረስታይ ሓሪሱን ጥሪት ኣፍርዩን ከይነብር መሬቱ እትምንጥልን፡ ሰብ ርሂጹ ንኸይነብር እትእግደን ሃገር ኮይና ኣላ። ኤርትራዊ ድማ ክብሩን መንነቱን ተሓዲጉ ኢዩ።

ሰብ ምእንቲ`ቲ እጀታይ ዝብሎ መሬት ክቃለስን ንስለ ርስቲ ኣቦታቱ ከመውትን ባህርያዊ ኢዩ። ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ`ውን ኣቐዲሙ ዝሓሰበሉ ኢዩ ዝመስል። ህዝቢ ተቓውሞ ንኸየልዕል ድማ ነቲ ኣብ እምቢታ ክሳተፍን፡ ቁም-ነገር ክገብርን ዝኽእል መንእሰይ ወለዶ፡ ብፖሊሲ ሕጊ ሳዋን፡ ሓድሽ ናይ ዶብ ግጭት ከም ዝፍጠር ብምግባርን ካብ ዓዱን ካብ መረበቱን ወጺኡ ፋሕ-ፋሕ ከም ዝብል ገይሩዎ። እቶም ብደረጃ ዓድን ከባብን ዝሓዝዎ መሬት ብውርሻ ናብ ደቆም ከመሓላልፉ ተስፋ ዝነበሮም ወለዲ ድማ፡ ሰኣን ዓይነ ብርክን ዝጎዪ ጉልበትን ሳጊሞም ክሓርሱስ ይትረፍ፡ ነታ ሸዊት ክረምቲ ዝበልዑላ ግብሪ ገደና`ኳ ክከላኸሉላ ዓቕሚ ኣይረኸቡን። እቲ መሬት ዓዱን ርስቲ ኣቦሓጎታቱን ክወርስ ዝግበኦ መንእሰይ ድማ፡ ይትረፍ ናብ ዋንነት መሬት ከቋምት፡ ነዛ ነብሱ`ውን ክውንን ስለ ዘይክእል “ቁሩብ ለውጢ እንተ ረኸብኩ” ብምባል ይጠፍእ ኣሎ።

ኩሉ`ቲ ካብ ህዝቢ ዝተመንጠለ መሬት ድማ፡ ሓለፍቲ ህግደፍ (ብፍላይ ድማ ሓለፍቲ ሰራዊት) ዝመረጽዎ ልሙዕ መሬት ምስ ወሰዱ ወይ ብስም ናይ መንግስቲ ምስ ተኸለለ፡ ነቲ ዝተረፈ ድማ ገንዘብ ንዘለዎም መሻርኽቲ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ክዕደል ንርእዮ ኣለና። ብፍላይ ስፍሕ ዝበለ፡ ጽቡቕ ፍረ ዝህብ መሬት ዝውንና ዓድታት ከሲረን ኢየን። መሬተን ህግደፍ ባዕሉ ወሲዱዎ፡ ንሰብ ገንዘብ ተሸይጡ ወይ ክልቲኦም ብሽርክነት ይጥቀሙሉ ኣለዉ። በዚ ከኣ ኢየ “ህግደፍ ብርሰት ዋንነት መሬት ዘረጋግጸ ስርዓት ኢዩ” ዝብል ዘለኹ። ሕጂ`ውን ዝውንኖ መሬት ዘይብሉ ህዝቢ፡ ርስቲ ኣቦታቱን ኣቦሓጎታቱን ዝተሓድገ ወለዶ፡ ነታ ጥራይ ኢዱ ዘትረፈቶ ሃገር ገዲፉዋ ክኸይድ እምበር ካልእ ኣማራጺ ኣይረኸበን። መወዳእትኡ ግን ኣበይ ኢዩ?

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣብዛ ናይ ህግደፍ ኤርትራ፡ ሰብ ነብሱ ክውንን ዓቕሚ የብሉን። ክብሩ፡ መሰሉ፡ ናጽነቱን ስብኣዊ መንነቱን (personality) ተሓዲጉ ኢዩ። እታ እንኮ ምስ መቦቆል ዓዱን መንነቱን እተተኣሳስሮ፡ ዝወርሳን ዘውርሳን መሬት`ውን ተሓዲጉ ኢዩ። ህግደፍ ናጽነት ሰባት ምስ ወነነ ከኣ ኢዩ፡ ናይ ነብሲ- ወከፍ ሰብ ጉልበትን ፍረ-ረሃጽን ክውንን ዝከኣለ። መሬቶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብቲ መሬት ዝነብሩ ሰባት`ውን ዝወነነ ስርዓት ግን በቲ ዝተሓተ ደረጃ መብራህትን ማይን`ውን ክቕርብ ኣይከኣለን። በዚ ከኣ ኢየ “ኤርትራ ኩለንተናዊ ብርሰት ዝረኣየላ ሃገር ኢያ” ዝብል ዘለኹ።

ናብ 5ይ ክፋል ይቕጽል...

ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) 6 መጋቢት 2017

Share with friends:


ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

other articles by author - ካልኦት ጽሑፋት ብ'ታደሰ ኪዳነ፡-

See also Related - ምስዚ ኣርእስቲ ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ፡-