Placeholder Picture
Placeholder Picture
ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ (እዋና)

23/03/2024 17:45 PM

ጋዜጣዊ መግለጺ፡
ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ (እዋና)፡
09 መጋቢት 2024።

Press Release: Eritrean Women Association of North America, EWANA, 09 March 2024.

ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ (እዋና)፡09 መጋቢት 2024።
Press Release: Eritrean Women Association of North America, EWANA, 09 March 2024.

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ (እዋና) ብዓል ዓለምለኽዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስቲዮን ቀዳማይ ጉባኤ ማሕበርን ካብ 8 - ክሳብ 9 መጋቢት 2024፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ኣብ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ኣብ ዝተኸልዎ ማእከል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣትላንታ ተኻይዱ፡ ንኹሉ ዝነበረ መዳባተን ብዕዉት ኣገባብ ብምስልሳል ደምዲመን።

ዓርቢ መጋቢት 8፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ከለና፡ ኣብ ትሕቲ “ደቂ ኣንስትዮ ብገዛእ ርእሰን ንተሳታፍነት ምስ ዝለዓዓላ ናይ ዋንነትን ግብኡነትን ስልጣን ምርካብን ትርጉም ይህልዎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ 2024 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ቴማ እዩ ኔሩ። እዚ ናይ 2024 ናይ ሕቡራት ሃገራት ቴማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ብዝለዓለ ደረጃ ተሳትፎኤን ኣብ ቃልሲ ብምርግጋጽ ክምዝተግበርኦ ንምርኣይ፡ አቲ ብዓል ንዝኽሪ ኣብ 1967 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተሰለፈት ሳዕድያ ተስፉን ኣብ 1973 ኣብ ሕዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈት ወርቁ ዘርኣይን ክኸውን ወሲና። ንምንታይሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ብሃገራዊ ስምዒት ተደሪኸን፡ ኣሳትፉና ኢለን ለሚነን ዘይኮነስ፡ ነቲ ኩሉ ባህላዊ ማሕለኻታት በዲሀን፡ ብቆራጽነት ክንጋደል መስልና እዩ ኢለን ብትብዓት ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ንኽሳተፋ ስለ ዝወሰና። ናይዘን ክልተ ምዑታት ገዳይም ተጋደልቲ ታርኽ ክኣ ምስአን ብዝተቓለሳ ብጾተን ንግስቲ ገብረሓንስን በኺታ ኣደምን ንጉባኤኛታት ተተሪኹ።

ቀዳም መጋቢት 9 ቀዳማይ ጉባኤ እዋና ካብ ብዙሕ ዞናታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝመጻ ኣባላት ማሕበር ዝተሳተፈኦ ኔሩ። ጉባኤና ዝተገብረሉ ኩነት፡ ብሰንኪ ዘይርጉእን ዘይቅሱንን ሃለዋት ሃገርና፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወተን ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍኤ ኣብ ዘንሸራትታሉ ዘለዋ ግዜ ምህላውና ኣረጋጊጹ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ናይ ሰሜን ኢትዮጵያ ውግእ ሂወቶም ናይ ዝኸፈሉ ዜጋታትና መደምደምታ ኣብ ዘይተረኸበሉ ሓዘን ምህላወን ይስማዓና። ባህግን ሕልምን ህዝብናን ስዉኣትናን ጠሊሙ ፡ንዲሞክራስያዊ መስርሕ ጓዕጺጹ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ ጠንቂ ናይ ድኽነትን ስደትን ዉርደትን ኣብ ሃገርና ምዃኑ ተመልኪቱ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ኣብ ዘይምልከታ፡ ረብሓና ዘይውክል ዉግኣት ብምጉታት፡ ኣብ ልዕሊ ዋሕስ መጻኢና ዝኾኑ መንእሰያትና ሰፍ ዝይብል ክሳራታት የውርድ ምህላዉ ተገንዚቡ። ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣስመራ ንህዝብና ሰላም ከም ዝነፈገ፡ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅሳነት ዝኸልኤ ስርዓት ኮይኑ ምህላዉ እውን ርዱእ እዩ።

ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣባላት እዋና፡ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ጸደቑ ንዝነበረ ቅዋም ዘድሊ ምምሕያሽ ጌረን፡ ኣባላት ቦርድ መሪጸን፡ ብልዑል ፍናን ጉባኤአን ደምዲመን። በዚ ኣጋጣሚ፡ እዋና ኤርትራዊ ሃገራዊ ልዑላውነት ንምሕላው፡ ግዘእታዊ ሓድነት ንምዕቃብ፡ ደሞክራሲያዊ ቁዋማዊ መንግስቲ ንምትካል፡ ግዝኣተ ሕጊ ንምውሓስ፡ ፍትሒ ንምስፋን፡ ሰላም ንምንጋስ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ህዝብና ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንምዕዛዝ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ምዃና ተረጋግጽ። ምልካዊ ስርዓት ንምስዓር ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኣብ ዝኣመናሉ ውድብ ይኹን ሲቭኻዊ ማሕበርን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ነጻ ውደባና ውሕሰነት መሰልና ዝብል ጅርሖ ናይ ማሕበርና ቅኑዕ ዕላማ ተመልኪተን ክጽንበራና ንጽውዕ። ንኹሎም እዋና ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ንኽትበጽሕ ንዋታዊ ይኹን ሞራላዊ ሓገዝኩም ዘወፈኹምልናን ዘተባባዕኩምናን ምስጋና ነቕርብ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብርን ንስዉኣትና!
ነጻ ውደባና ውሕሰነት መሰልና


Part-1of2:   

Part-2of2:   


See also more by EWANA:
ካልኦት ብ'EWANA ዝተኻየዱ መደባት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

Elimination of violence against women 2023
ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ።
اليوم العالمي للقضاء على العنف ضد المرأة
Organised by Eritrean Women Association of North America-EWANA, on 09th December 2023.




ክብሪ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2024.
Glory to International Women's Day 2024.
መልእኽትታትን ኣስተንትኖታትን። Messages and Reflections.

Glory to International Women's Day 2024!

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: