23/03/2024 17:45 PM
ጋዜጣዊ መግለጺ፡
ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ (እዋና)፡
09 መጋቢት 2024።
Press Release: Eritrean Women Association of North America, EWANA, 09 March 2024.
ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ (እዋና)፡09 መጋቢት 2024።
Press Release: Eritrean Women Association of North America, EWANA, 09 March 2024.
ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ (እዋና) ብዓል ዓለምለኽዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስቲዮን ቀዳማይ ጉባኤ ማሕበርን ካብ 8 - ክሳብ 9 መጋቢት 2024፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ኣብ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ኣብ ዝተኸልዎ ማእከል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣትላንታ ተኻይዱ፡ ንኹሉ ዝነበረ መዳባተን ብዕዉት ኣገባብ ብምስልሳል ደምዲመን።
ዓርቢ መጋቢት 8፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ከለና፡ ኣብ ትሕቲ “ደቂ ኣንስትዮ ብገዛእ ርእሰን ንተሳታፍነት ምስ ዝለዓዓላ ናይ ዋንነትን ግብኡነትን ስልጣን ምርካብን ትርጉም ይህልዎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ 2024 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ቴማ እዩ ኔሩ። እዚ ናይ 2024 ናይ ሕቡራት ሃገራት ቴማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ብዝለዓለ ደረጃ ተሳትፎኤን ኣብ ቃልሲ ብምርግጋጽ ክምዝተግበርኦ ንምርኣይ፡ አቲ ብዓል ንዝኽሪ ኣብ 1967 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተሰለፈት ሳዕድያ ተስፉን ኣብ 1973 ኣብ ሕዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈት ወርቁ ዘርኣይን ክኸውን ወሲና። ንምንታይሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ብሃገራዊ ስምዒት ተደሪኸን፡ ኣሳትፉና ኢለን ለሚነን ዘይኮነስ፡ ነቲ ኩሉ ባህላዊ ማሕለኻታት በዲሀን፡ ብቆራጽነት ክንጋደል መስልና እዩ ኢለን ብትብዓት ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ንኽሳተፋ ስለ ዝወሰና። ናይዘን ክልተ ምዑታት ገዳይም ተጋደልቲ ታርኽ ክኣ ምስአን ብዝተቓለሳ ብጾተን ንግስቲ ገብረሓንስን በኺታ ኣደምን ንጉባኤኛታት ተተሪኹ።
ቀዳም መጋቢት 9 ቀዳማይ ጉባኤ እዋና ካብ ብዙሕ ዞናታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝመጻ ኣባላት ማሕበር ዝተሳተፈኦ ኔሩ። ጉባኤና ዝተገብረሉ ኩነት፡ ብሰንኪ ዘይርጉእን ዘይቅሱንን ሃለዋት ሃገርና፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወተን ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍኤ ኣብ ዘንሸራትታሉ ዘለዋ ግዜ ምህላውና ኣረጋጊጹ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ናይ ሰሜን ኢትዮጵያ ውግእ ሂወቶም ናይ ዝኸፈሉ ዜጋታትና መደምደምታ ኣብ ዘይተረኸበሉ ሓዘን ምህላወን ይስማዓና። ባህግን ሕልምን ህዝብናን ስዉኣትናን ጠሊሙ ፡ንዲሞክራስያዊ መስርሕ ጓዕጺጹ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ ጠንቂ ናይ ድኽነትን ስደትን ዉርደትን ኣብ ሃገርና ምዃኑ ተመልኪቱ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ኣብ ዘይምልከታ፡ ረብሓና ዘይውክል ዉግኣት ብምጉታት፡ ኣብ ልዕሊ ዋሕስ መጻኢና ዝኾኑ መንእሰያትና ሰፍ ዝይብል ክሳራታት የውርድ ምህላዉ ተገንዚቡ። ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣስመራ ንህዝብና ሰላም ከም ዝነፈገ፡ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅሳነት ዝኸልኤ ስርዓት ኮይኑ ምህላዉ እውን ርዱእ እዩ።
ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣባላት እዋና፡ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ጸደቑ ንዝነበረ ቅዋም ዘድሊ ምምሕያሽ ጌረን፡ ኣባላት ቦርድ መሪጸን፡ ብልዑል ፍናን ጉባኤአን ደምዲመን። በዚ ኣጋጣሚ፡ እዋና ኤርትራዊ ሃገራዊ ልዑላውነት ንምሕላው፡ ግዘእታዊ ሓድነት ንምዕቃብ፡ ደሞክራሲያዊ ቁዋማዊ መንግስቲ ንምትካል፡ ግዝኣተ ሕጊ ንምውሓስ፡ ፍትሒ ንምስፋን፡ ሰላም ንምንጋስ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ህዝብና ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንምዕዛዝ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ምዃና ተረጋግጽ። ምልካዊ ስርዓት ንምስዓር ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኣብ ዝኣመናሉ ውድብ ይኹን ሲቭኻዊ ማሕበርን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ነጻ ውደባና ውሕሰነት መሰልና ዝብል ጅርሖ ናይ ማሕበርና ቅኑዕ ዕላማ ተመልኪተን ክጽንበራና ንጽውዕ። ንኹሎም እዋና ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ንኽትበጽሕ ንዋታዊ ይኹን ሞራላዊ ሓገዝኩም ዘወፈኹምልናን ዘተባባዕኩምናን ምስጋና ነቕርብ።
ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብርን ንስዉኣትና!
ነጻ ውደባና ውሕሰነት መሰልና
See also more by EWANA:
ካልኦት ብ'EWANA ዝተኻየዱ መደባት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)