Placeholder Picture
Placeholder Picture
ክብሪ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2024!

23/03/2024 17:45 PM Updated

ክብሪ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2024!

Glory to International Women's Day 2024!

መልእኽትታትን ኣስተንትኖታትን። Messages and Reflections.

Glory to International Women's Day 2024!

ክብሪ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2024!
Glory to International Women's Day 2024!

ናይ 2024 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ቴማ፡ "International Women's Day 2024 campaign theme is 'Inspire Inclusion' ምትብባዕ ሓቛፍነት" ዝብል ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ሓቛፍነት ደቂ ኣንስትዮ ኣገዳስነቱን ዘለዎ ክብርን ንካልኦት ከምዝግንዘቡዎ ብምትብባዕ፡ ዝሓሸት ዓለም ንፈጥር። ደቂ ኣንስትዮ ውን፡ ብገዛእ ፍቓደን ክጽምበራ ምስዝተባብዓ፡ ናይ ዋንነት፡ ተዛማድነትን ሓያልነትን መንፈሰን ክዓዝዝ ይኽእል። ሓቢርና፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ዝሓቁፍ ዓለም ንፈጥር፡ ማለት ኢዩ። ዝርዝር ኣብዚ ክርአ ይከኣል

ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ፡
መጋቢት 8፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ።

ጓለ’ንስተይቲ፡ (ኣደ)፡ ስድራቤት ካብ እትፍጠርን ክብቲ ፍልማዊ ደረጃ ምዕባለ ሕብረተሰብን ኣትሒዛ፡ ኣብ ህይወት ስድራቤትን ኮምን፡ ዕዙዝን ክቡርን ቦታ ከምዝነበራ፡ ተረኽቲ ጽሑፋት ይነግሩና። ኣብ ሕብረተሰብና እንተኾነ`ውን፡ ጓለ`ኣንስተይቲ፡ ክብርቲ ኢያ።

እንተኾነ ግን፡ ደረጃ ምዕባለ ሕብረተሰብ እናማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ፡ ልዕልና ተባዕታይ እናሳዕረረ መጺኡ፡ ማዕርነትን መሰልን ጓለ`ንስተይቲ ክገሃስ ተራእዩ። ብፍላይ ዓለምና ብኲናት ክትሽመም ኣብ ዝጀመረትሉ መዋእል፡ እቲ ምረት ናይ ጥፍኣት ደቂ-ሰብ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ናብራ ዘስዓቦ ምንቁልቋል፡ ደቀንስትዮ ብትብዓት ንሰላምን ንማዕርነታዊ መሰለንን ክለዓላ ቀሲቡወን። ነዚ ኸኣ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ደቀንስትዮ ዓለም፡ ከቢድ መስዋእቲ ከምዝኸፈላሉ ታሪኽ ይምህረና።

ንኣብነት፡ ኣብ HISTORY OF INTERNATIONAL WOMEN'S DAY ዝተባህለ ወብሳይት ዝሰፈረ ታሪኻዊ ሓቅታት ከምዝሕብሮ፡ ታሪኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ዋላ`ኳ ብተዛማዲ ዕድመኡ ሓጺር እንተኾነ፡ ከምተን ኣበገስቱ፡ ተባዕን ድሙቕን ኢዩ።

ቅድሚ`ቲ ውዕዉዕ ናይ 1960ታት ምንቅስቓስ ደቀንስትዮ ምምጽኡ፡ መበቆሉ ናብ ለካቲት 28, 1909 ዝኸይድ ኮይኑ፡ ኣብ ኒውዮርክ ሕ.መ.ኣ.፡ ብዛዕባ መሰል ደቀንስትዮ ትኹረት ተዋሂቡዎ ምንባሩ ይንገር። መበገሲ ናይዚ ኸኣ፡ እቲ ብ “ሃገራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ” ዝፍለጥ፡ ብ`ቴረዛ ማልኬል (Theresa Malkiel) ዝተበገሰ ትንግርታዊ እማመ ዘንቀሎ፡ ኣብ መጋቢት 08, 1857 ከተማ ኒውዮርክ ዝነበረ ናይ ፋብሪካ ዓለባ ሸቃሎ ምንቅስቓስ፡ ንምዝካር ኢዩ።

ብ`ቴረዛ ማልኬል (Theresa Malkiel)ን ካልኦት ኣመሪካውያን ተንቃሳቐስትን ከምኡ`ውን ሉዊስ ዘትስ (Luise Zietz) ናይ ጀርመን ማሕበርነታዊ ምንቅስቓስ ዓመታዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ክካየድ ሓሳብ ብምቕራቡ፡ ብኡንብኡ ከኣ ብ`ክላራ ዘትኪን (Clara Zetkin) ከምኡ`ውን ብ` ኬይት ዳንከር (Kate Duncker) ደገፍ ረኺቡ። ብኸምዚ ኸኣ ሚእቲ ወከልቲ ደቀንስትዮ ናይ 17 ሃገራት ኣብ ዝተረኽባሉ፡ ንመሰላት ደቀንስትዮ (The Rights of Women)፡ ከምኡ`ውን ንናይ ደቀንስትዮ ናይ ምድማጽ መሰል (Suffrage) ዝብል ጠለብ ከዋዓውዕኦ ተሰማምዓ።

ኣብ 19 መጋቢት 1911፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ብወግዒ ንመጀመርታ ግዜ ብዒሉ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ጽምብል ኣብ፦ ኣውስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመን፡ ከምኡ`ውን ስዊዘርላንድ ተኻይዱ። ደቀንስትዮ፡ ናይ ምድማጽ መሰል ክወሃበን ጠሊበን፡ ኣብ ስራሕ ዝግበር ጾታዊ ኣድልዎ ንክውገድ`ውን ክቃለሳኦ ወሲነን።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ 1913፡ ንፋልማይ እዋን ኣብ ሩስያ፡ ተፈላጥነት ረኺቡ። እዚ ብግዲኡ ነቲ ናይ 1917 ሰውራ ሩስያ፡ ድርኺት ከምዝሃቦ ይንገረሉ። ኣብቲ እዋን`ቲ ኣብ ከተማ ቅዱስ ፒተርስበርግ፡ "ንሕብስቲን ንሰላምን (Bread and Peace)" ዝተሰምየ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብደቀንስትዮ ተኻየደ። ዕላምኡ ኸኣ፡ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ደው ክብል፡ ከምኡ`ውን ኣብ ትሕቲ ጻራዊ ስርዓት ሩስያ ገኒኑ ዝነበረ ሕጽረት መግቢ ከብቅዕ፡ ዝጠልብ ነበረ። ኣብዛ ዕለት`ዚኣ (ኣብ መጋቢት 8) ሸቃሎ ካብ መላእ ፋብሪካታት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ገበሩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኒኮላስ 2ይ ናይ መወዳእታ ንጉስ ስርዓት-ጻር፡ ድሕሪ`ቲ ምንቅስቓስ ተቐትለ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ደቀንስትዮ ሩስያ፡ ናይ ምድማጽ መሰል፡ ረኸባ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ደቀንስትዮ ሩስያ ዘርኣያኦ ሃገራዊ ጅግንነትን ተወፋይነትን፡ ተወሲኹዎ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ወግዓዊት ናይ ዕረፍቲ በዓል ክትከውን ተኣወጀት።

ብመጀመሪያ፡ ኣብተን ማሕበርነታዊያን (ኮሙኒስት) ሃገራት ዝነበሩ ወደብቲ ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ተሰንያ በዚ መንፈስ`ዚ ተባዕለት። ኣብ 1922 ከኣ እዚ ምልዕዓል`ዚ ናብ ቻይና ሰጊሩ፡ ካብ 1949 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር፡ “ፍርቂ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዕረፍቲ (half-day of work)”፡ ንደቀንስትዮ ተኣወጀለን።

ንመሰል ደቀንስትዮ ዝጠልብ ሕቶ እናዓበየ ቀጺሉ፡ ዓቢ ደገፍ`ውን እናረኸበ ስለዝኸደ፡ ኣዝየን ብዙሓት ደቀንስትዮ ዝነብራኦ ዝነበራ ሕሱም ኩነታት ዕዙዝ ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ግድን ኮነ። ኣብ 1967፡ እተን ሓደስቲ ወለዶ ናይዚ ምንቅስቓስ (Feminist movement)፡ ነቲ ` መሰላት ደቀንስትዮ ` ዝብል ኣምር ብምስፋሕ፡ ማዕርነት ኣብ ደሞዝ/መሃያ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕድላት፡ ኣብ ሕጋዊ መሰላት፡ ኣብ መሰላት ወሊድ (ጥንሲን ሕርሲን)፡ መሰል ድጎማ ንክንክን ህጻንን፡ ውሕስና ጓላንስተይቲ ካብ ዘቤታዊ ዓመጽን፡ ዝብል ጠለባት ወሰኻሉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብ 1975 ከብዕሎ ጀሚሩ። በዚ መሰረት እታ ዓመት`ቲኣ፡ "ኣህጉራዊ ዓመት ደቀንስትዮ (International Women’s Year)" ተባሂላ ተሰይማ። ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 1977፡ ኣባል ሃገራት ብምዕዳም፡ መጋቢት 8፡ ከም ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዓልቲ፡ መሰላት ደቀንስትዮን ዓለማዊ ሰላምን ኮይና ክትበዓል ኣዊጁ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሎሚ ኸኣ፡ ንመጋቢት 8፡ ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ብዓለም ደረጃ ነብዕላ ኣሎና።

•   ብዛዕባ ዝርዝር ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ባይታን ናይዚ ዕለት`ዚ፡ ኣብ ዊኪፐድያ፡ https://en.wikipedia.org/wiki/International_Women%27s_Day ከተንብቡ ትኽእሉ።

ናይ ሎሚ ዓመት (2024) ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ቴማ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN)፡ "In celebrating International Women's Day 2024, under the theme of 'Investing in women: Accelerate progress', the ILO puts a spotlight on the essential and inseparable roles of decent work and gender equality.” ዝብል ኢዩ።


መጋቢት 8፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ልቢ ኤርትራውያን ዘለዋ ረዚን ቦታ፡

ብዛዕባ መጋቢት ሸሞንተን ትርጉማ ንኤርትራውያንን፡ ብመንጽር ኣብ ታሪኽና ዝሓለፍናዮ ነዊሕን ገድልን፡ ብሰፊሑ ኣብ ታሕቲ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ዝተዋህበ ገምጋማትን ምስክርነታትን እኳ ቀሪቡ እንተሎ፡ ጽሙቕ ብዝበለ ንመእተዊ መርኣያ ክኾነና ግን፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንገልጾ ይከኣል፦

ናብቲ ጥንታዊ ክቡር ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰብና ተመሊስና ኣንተጠሚትና፡ ኣደ፡ ከም፦ ሓብሓቢትን ሓቛፊትን ስድራ፡ ቦቕቧቕ፡ ብርሃንን ግርማን ናይ ገዛ፡ ኣማኻሪት ሰብኣያ፡ ንነብሳ ጸኒዓ ንሰብኣያ እተጽንዕ፡ ጻዕረኛ፡ መማዕረጊት ውራያትን ጽምብላትን ዓዲ፡ ኣማሓላላፊትን ኣውራሲትን ባህሊ ሕብረተሰብ፡ ኣርማ ናይ ዕርቂን ሰላምን፡ ወዘተ ኮይና ኢያ እትግለጽ። ኣብ ሓጎስ ይኹን ሓዘን፡ ተራን ተሳትፎን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ልሉይ ኢዩ። ናብ 15 ክፍለ-ዘመን ንታሪኽ ኤርትራ ተመሊስና እንተተመልከትና፡ ደቀንስትዮ ኣርባዕተ ዓድታት ናይ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ነቲ ብሰንኪ ዘይምስናይ ሰብኡተን ኣብ ዓድታተን ዝወርድ ዝነበረ ዘረፋን ግፍዕታትን ደው ንምባል፡ ብሓባር ዘትየን፡ ንሰብኡተን ብምስማር፡ ናይ ኣርባዕተ-ኣስመራ ጸጥታ ከምዘውሓሳ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ኣሎ። ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዕርቂን ሰላምን ሕብረተሰብ ዝነበረን ተራ ኸኣ የመልክተልና። ደቀንስትዮ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዕርቅን ስኒትን ዝጻወትኦ ተራ ቀሊል ኣይኮነን። ካብ ኣብ መብዛሕትኡ ሕግታት እንዳባ (ሕብረተሰብ ኤርትራ)፡ ንቦታን መሰልን ጓል ኣንስተይቲ ዘኽብርን ዝከላኸልን ዓንቀጻት ከምዘለዎ ንዕዘብ። ንኣብነት፡ ወዲን ጓልን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ገይሩ ይርኢን ይቐጽዕን። ኣብ ልዕሊ ጓለንስተይቲ ዝወርድ ግፍዒ እውን ይከላኸል (ጓለንስተይቲ ኣፋ ምስክራ፡ ኣደ ዝሃበቶ ውሁብ፡ ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል)። ዳርጋ ኩሉ ሕግታት እንዳባ፡ በዚ መንጽር`ዚ ይመሳሰል ኢዩ።

ይኹን`ምበር፡ ንመሰል ጓለንስተይቲ ዝደቁስ ጎዳኢ ባህልታትን ምስላታትን ከምዝነበረ እውን ንዕዘብ ኢና። ንኣብነት፦ ጓል ዝወለደን ጨው ዝነገደን ሓደ፡ ዝዓበየት ጓልካ ንዝብኢ ሃባ፡ ጓል ምውላድ ጉድ ምውላድ፡ ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል። ብዘይካ`ዚ፡ ንባህሪያዊ ጾታዊ ዕግበት ጓለንስተይቲ ዝደቁስ፡ ከም ምግራዝን ክሽቦን ምኹላልን ደቀንስትዮ፡ ኣብ መላእ ሕብረተሰብና ምንባሩ ፍሉጥ ኢዩ።

መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ምስ ጎበጣን፡ ምስ ምጅማር ሰውራ ኤርትራን፡ ኣበርክቶን ተራን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዝድነቕ፡ ኣብ ዘበናዊ መዋእል ዓለምና ዝተፈጸመ መስተንክራት ኢዩ ነይሩ። ንደቀን መሪቐን ንቃልሲ ኣፋንየን፡ ጋሻ ጸላምን ብርሃንን ኣዐንጊለን፡ ሚስጢርን ንብረትን ሰውራ ኣብ ጉብጥሽን ውሻጠን ዓቂበን፡ ኣብ ግንባራትን ደጀናትን ንተጋደልትን ውጉኣትን ኣልየን፡ በጃ ህዝበንን ሰውራአንን፡ ሚስጢራት ከየሕለፋ ኣብ ትሕቲ ኣስካሕካሒ መርመራን መግረፍቲን ኣብያተ-ማእሰርቲ ጸላእቲ፡ ህይወተን ኣሕሊፈን። ኣብ መላእ ዓለም ተሰዲደን ዝነበራ ደቀንስትዮ፡ ነብሰን ረሲዐን፡ “ሃገረይ ስልማተይ!” ብምባል፡ ገንዘበንን ንብረተንን ንሰውራ ወፍየን፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ መብዛሕትአን ብዘይ ሓድግን ንብረትን ተሪፈን። እዚ ብሓፈሻ ናይተን ብረት ዘይዓጠቓ ኣደታትን ደቀንስትዮን ኤርትራ ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡ እተን ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብረት ተሓንጊጠን ዝተሰለፋ ኸኣ፡ መስተንክር ጅግንነት ፈጺመን። ልዕሊ ሓደ-ሲሶ ካብ ቁጽሪ ተጋደልቲ ብምሽፋን፡ ንሰውራ ኣሟሚቐን። ንነብሰን ጸኒዐን፡ ንብጾተን ከኣ ኣጽኒዐን።

ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ንመሰላተንን ንሓርነት ሕብረተሰብን፡ ድርብ ቃልሲ ኢየን ኣካይደን። ንባህሪያዊ ጸገማት በዲሀን፡ ብግብራዊ ተሳታፍነት ንማዕርነተንን መሰላተንን ተቓሊሰን። ኣብ እዋን ሰውራ ኣብ ኩሉ ዓውድታት (ደጀንን ግንባርን) ማዕረ ተባዕትዮ ብጾተን ዕዉት ስራሕ ሰሪሐን። ኣብ ሰማይ ጠቀስ ዝኾኑ ጎቦታትን ኣጽምእ ጎላጉልን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ግጥማት ብተኣምራታዊ ጅግንነት ተዋጊአንን ንብጾተን መሪሐንን ዓወታት ኣመዝጊበን። ብሓፈሻ፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሓደ ካብቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብኣድናቖት ዝጥምትዎን ዝመዝገቡዎን ብምዃኑ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ንኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኸኣ ብፍላይ፡ ክንኮርዓሉ ዝግባኣና ኢዩ።

ሕጂ ደቀንስትዮና ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከባ ኣለዋ?

ኣብ ዝኾነ ኲናትን ውግእን፡ ጓል-ኣንስተይቲን ቆልዑን፡ ቀዳሞት ግዳያት ኢዮም። ንኤርትራ ሃገርና ዘጋጠማን ክሳብ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ኩነታት፡ እተን ቀንዲ ግዳያት፡ ኣዴታትና፡ ኣሓትናን ደቅናን ኢዮም። ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይነን ዘኽታማት ቆልዑ ዘዕብያ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሰብኡተን ተፈልየን ኪዳነን ክሕልዋ ተሓሪመን ዝነብራ፡ ብሃለዋት ሰብኡተንን ደቀንን ዝጭነቓን ዝሻቐላን፡ ብሓለንጊ ጥሜትን ዓጸቦን ዝሳቐዩ ደቀን እናረኣያ፡ ክሳብ ኣዒንተን ዝቑልዕ ዝነብዓ፡ ንሰን ኢየን።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ`ቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ምሕደራ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። ይኹን`ምበር፡ ኤርትራዊያን ደቀንስትዮ ኸኣ፡ እተን ኣዝየን በዚ ሳዕቤን`ዚ ዝተተንከፋን ተሰከምቲ ናይዚ ከቢድ ወጽዓን ኢየን። ብሰንኪ`ቲ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን ባሕሪን ዝሃልቕ ዘሎ ውላደን፡ ኣብ ኲናት ዝተሰውኡ ሰብኡተንን ደቀንን፡ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ንብዓኣትን ዝነብራ ዘለዋ ንሳተን ኢየን። ውሉዳተን ብንኡሳቶም ካብ ኢደን ተመንጢለን፡ ናብ ሳዋ ይውሰዱ። ብዙሓት ደቀንስትዮና፡ ኣብቲ ደረት-ኣልቦ-ጊልያነት ዝኾነ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”፡ ደቀንስትዮና፡ ካብ ሳዋ ጀሚረን ክሳብቲ ዝምደባሉ ኣሃዱታት፡ ግዳይ ጾታዊ-ዓመጻት ከምዝኾና ካብ ኣእዛንናን ኣዒንትናን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ካብዚ ግዱድ ዕስክርና ንምግልጋል፡ ብዙሓት መንእሰያት ደቀንስትዮ፡ ዕድል ናይ ትምህርተን ኣቋሪጸን፡ ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድመአን ኣብ ሓዳር ተቖሪነን፡ መጻኢ ዕድለን ክቑጸ ንርኢ ኣሎና። እዚ ብግዲኡ፡ ንደቀንስትዮና፡ ብትምህርቲ ንከይስልጥና፡ በዚ ኣቢለን ንመሰለንን ህይወተንን ብንቕሓት ንኸይቃለሳን ዝዕንቅፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ዓቢ ኣደራዕ ኮይኑ ይርከብ።

ልዕሊ ኹሉ ኸኣ፡ ንዕላማ መስዋእቲ ኤርትራዊያን ደቀንስትዮ ዝጻረር በቲ ምልካዊ ስርዓት ዝተፈጸመ ክሕደት፡ ነተን ብጅግንነት ዘዋግኣን ዝመርሓን ደቀንስትዮ ብስም ምጥያስ ኣመዛቢልካ ኣብ ኣዝዩ ከርፋሕ ህይወት ንክነብራ ምግባር፡ ሓደ ካብቲ ዝተፈጸመ ገበን ኢዩ። ብዙሓት ተጋደልቲ ደቀንስትዮ፡ ናይ ምውላድ ዕድለን ብሰንኪ ገድሊ ሰዊአን፡ ዘዕልል ቆልዓ ዘይብለን ዝተረፋ ጀጋኑ፡ ብዙሓት ኢየን። እዚ ኹሉ ኸኣ፡ ዓቢ ሕብረተሰባዊ ጸገም ኢዩ።

ጓል ኣንስተይቲ ምሉእ-ብምሉእ ዘይትሳተፈሉ ሕብረተሰብ፡ ምዕባለ ኣሎ ኢልካ ክሕሰብ ዘይከኣል ኢዩ። ስልጥንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ዓንዲ ማእከል ምዕብልቲ ስድራቤት ኢያ። ምዕብልቲ ስድራቤ ከኣ፡ መሰረት ስልጡን ሕብረተ-ሰብ ኢያ። ስለዝኾነ፡ ንምዕባለ ጓል ኣንስተይቲ ዝጻባእ ፖሊሲ፡ ኩልና ክንኩንኖ ይግባእ። ነቲ ንምዕባለ ደቀንስትዮና ዝሕግዝ ስጉምትታት ከኣ፡ ክንጣበቐሉን ክንድግፎን ይግባእ።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግርን ጸበባን ዘንቀሎ ስደት ኤርትራውያን፡ ዋላ`ኳ ንኹሉ ዕድመታትን ጾታን ዝጸለወ እንተኾነ፡ ብፍላይ ንደቀንስትዮ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥመን ግፍዕታት ንክትሰምዖ ዘስካሕክሕ ኢዩ። ብሰንኩ ኣብ ልዕሊአን ዝሓደረ ስነኣእሙሮኣዊ በሰላ እውን ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ብግዲኡ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ደቀንስትዮ ዝፈጥሮ ዕንቅፋታት እውን ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ሳዕቤን`ዚ ንምፍዃስ፡ ናይ ኩሉ ግዱስን በዓል ሞያን ኣቓልቦን ደገፍን የድሊ።

ኣብ ስደት ዘሎ ኣሻቓሊ ጉዳይ፡ ብሰንኪ ንመንእሰያትና ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ምግርጫው፡ ዝርአ ዘሎ ሓድሕድ ምቅትታል ኢዩ። እዚ ንኹሎም መንእሰያትና ግዳይ ዝገብር እኳ እንተኾነ፡ እተን ቀንዲ ግዳያት ግን፡ ደቀንስትዮ ኢየን። እቲ ሱር ጠንቂ ናይዚ ኹሉ፡ መንእሰያት ሃገርና፡ ማሕበራዊ ክብርታት ወለዶምን ሕብረተሰቦምን ከይፈለጡን ከይጸገቡን፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ተመንጢሎም ናብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ምስ ተወስዱ፡ ንመዋእል ኣብኡ ስለዝበልዩን ኢዩ። እቶም ናብ ስደት ዘምርሑ ተባዕትዮን ኣንስትዮን፡ ነዚ ኩነታት ዘይተጻወሩዎ ኢዮም። በቲ ክብሪ ናይ ሕብረተሰብና ስለዘይዓበዩ፡ ንሱ ዘስዓቦ በሰላን ዘይቅሳነትን ኢዩ ኸኣ ናብ ዘይምጽውዋር ዘብጽሖም። እዚ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኩነታት ንምልዋጥ፡ ናይ መላእ ዲያስፖራ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብፍሉይነት ከኣ ሰብ ሞያ፡ ዕቱብ ኣቓልቦን መፍትሒ ምንዳይን ይጠልብ።

ጓል ኣንስተይቲ ዓለም፡ ንመሰላ፡ ባዕላ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ደው እንተዘይ ኢላ፡ ብምጽወታ ካልኦት መሰላ ክረጋገጸላ ኣይከኣልን ኢዩ። ዝነቕሐት ጓል ኣንስተይቲ፡ ዋሕስ ናይ ምርግጋጽ መሰል ደቀንስትዮ ስለእትኸውን፡ ደቀንስትዮ፡ ንቕሓት ኣብ ምብራኽ፡ ዘይተሓለለ ቃልሲን ተሳትፎን ከርእያ ግድን ኣድላዪ ይኸውን። እዚ ክረጋገጽ ዝከኣል ከኣ፡ ጓል ኣንስተይቲ፡ ነዚ ንምዕዋት ዘኽእል፡ ሓያል ናጻ ውዳበ ናይ ደቀንስትዮ፡ ምስዝህሉ ኢዩ።

ቃንዛኽን ቃንዛና ኢዩ። እቲ ቃልስን ዓወትን ከኣ ናይ ሓባር ኢዩ።

ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ፡ ኣብ ስደት ክሰፍር ኢዩ ተገዲዱ ዘሎ። ካብተን ዕድል ረኺበን ኣብ ስደት ዝርከባ ደቀንስትዮና፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመታት፡ ብዙሓት ምሁራትን ምኩራትን ኣጥሪና ምህላውና፡ ነዚ ኣቐዲሙ ክግለጽ ዝጸንሐ ዕማም ኣብ ምስልሳል፡ ኣገዳሲ እጃም ክህልወን ይግባእ። በቲ ዛጊት ዝፍትንኦ ዘለዋ ስጉምትታት ከኣ፡ ክብርን ሞጎስን ይብጻሓየን።

ብዘይ ሓርነት ደቀንስትዮ፡ ሙሉእ ሓርነት ናይ ሕብረተሰብ የለን። ሽግርና መሊኣ ንኽትቅንጠጥ ምምዕባልን ምሕያልን ጓለንስተይቲ፡ ሕመረት ናይ ዓወትና ኢዩ። እዚ ንኽማላእ፡ ጓላንስተይቲ፡ ንመሰላ ርእሳ ኣቕኒዓ ደው ከምእትብልን ከምእትጣበቕን ንምርግጋጽ ዝካየድ ቃልሲ፡ ኩልና ክንድግፎን ከነተባብዖን የድሊ። ጓለንስተይቲ ኣብ ቦታ መሪሕነት ናይ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ውዳበታትና ከምእትድይብ ምግባር፡ ይጽናሓለይ ዘይባሃሎ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ማለት፡ ንሕና ተባዕትዮ፡ ኣብ ወጽዓን ሽግርን ኣሓትና ዘሎና ሌላን ርድኢትን ንምምዕባል፡ ሓያል ጻዕሪን ጎስጓስን ከነካይድ ይግባኣና። ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ውዳበታትና፡ ኣብ ሕብረሰብና ክመጽእ ናይ እንደልዮ ለውጢ መቃለሲና ስለዝኾኑ፡ ኣብዚ መዳይዚ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ክንከይድ ይግባእ።

ሙሉእ ዓወት ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ 8ተ መጋቢት!

ኤርትራዊት ኣደ፡ ካብ ዘሎ ምልካዊ ኣደራዕን ሓሳር ዝመልኦ ናብራን፡ ሓራ እትወጽሉ እዋን ቀረባ ኢዩ።
እዚ ናይ ሓርነትን ማዕርነትን ጉዕዞ፡ ብሓባራዊ ቃልስና ክዕወት'ዩ።

ስኒትና.ኮም
08/03/2024


ኣስዒብና ኣብ ታሕቲ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ውድባት፡ ከምኡ`ውን መራኸቢ ብዙሓን፡ ነዚ ዕለት`ዚ ዘንጸባርቑ ዝኽርታትን ጽሑፋትን፡ ከነቕርበልኩም ኢና። እዚ ገጽ እዚ፡ ብቐጻሊ ዝውሰኽ ትሕዝቶ ስለዝህልዎ፡ ብቐጻሊ ክትበጽሑዎ ንላቦ። ነዚ ገጽ እዚ ዘሀብትም ትሕዝቶ ምስ ዝህልወኩም ከኣ ክትሰዱልና ወይ ክትሕብሩና ንላቦ። ኣብዚ ጠውቑ

ጽምብላት፡ ገምጋማትን ዝኽርታትን።
Celebrations, Analysis and Reflections.
الاحتفالات والتحليل والتأملات.


ERIPM | ንስኻ ገዲፍካዮም ዝመጸኻ ሰባት ይሳቐዩ ኣለው


ERIPM | ንስኻ ገዲፍካዮም ዝመጸኻ ሰባት ይሳቐዩ ኣለው Part-1:
ERIPM | ንስኻ ገዲፍካዮም ዝመጸኻ ሰባት ይሳቐዩ ኣለው Part-2:


International Women's Day Celebration at KMZ 10 March 2024


EWANA Eritrea is inviting you to honor March 8, 2024
This year it will be in memory of Saidia Tesfu who joined the armed struggle in late 60 and Werku zerai. Both died in recent years.
8 መጋቢት 2024 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ 9 መጋቢት፡ 2024 ቀዳማይ ጉባኤ ማሓበርና።

ናይዚ ዓመት ዓለም ለኻዊ ጭርሖ፡- "ደቂ ኣንስትዮ ብገዛእ ርእስና ንተሳታፍነትና ምስ ንላዓል ናይ ዋንነትን፤ ጉብኡነትን ስልጣንን ትርጉም ይህልዎ"
When women themselves are inspired to be included, there’s a sense of belonging, relevance and empowerment.
"عندما يتم إلهام النساء وإدماجهن, ينشأ شعور بالإنتماء والأهمية والتمكين"
This event was conducted physical as well as virtually, at Eritrean American Community Center, 720 Hambrick Rd., Stone Mountain, GA 30083, on March 8-9, 2024. EWANA Slogan:
ነጻ ውደባና ውሕስነት መሰልና!
تنظيمنا الحر, ضمان لحقوقنا
Moderator and Translator (ኣላዪ): Ms Kawser Abdurahman
Key note Guest speakers: Ms Elsa Mesfin, Ms Tsegalem Weldemariam, Ms Nighisti Ghebreyohannes (sharing her testimony on Martyr Worku Zeray), Ms Bekhita Adem (sharing her testimony on Martyr Saedia Tesfu), Ms Bitania Yemane (poem), Ms Yirgaalem Fessaha (poem).
And followed by various solidarity speeches and messages, from Eritrean Global Yiakl Movement, Eritrean National Council for Democratic Change, Eritrean Political Forces, and many others.


Part-1of2:    Part-2of2:   


Summary In celebrating International Women's Day 2024, under the theme of 'Investing in women: Accelerate progress', the ILO puts a spotlight on the essential and inseparable roles of decent work and gender equality.
Description
In celebrating International Women's Day 2024, under the theme of 'Investing in women: Accelerate progress', the ILO puts a spotlight on the essential and inseparable roles of decent work and gender equality. As this year's International Women's Day falls during the 350th session of the Governing Body, the celebration will be joined by the Director General, GB participants, and ILO colleagues. The reception will start with songs from the ILO choir followed by contributions from the DG and the representatives of 3 constituents. Read more:


ዘተ ምስ ይርገኣለም ፍሰሃ (ጸሓፊትን ጋዜጠኛን):ብምኽንያት መጋቢት 8 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ:ኣራሚት ንውሁድ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን።


RADIO ERENA - ኣድላይነት ናጻ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ


እተን ሓሙሽተ ደቀንስትዮ፡ ዕላል ባዱሪ ምስ ወርቁ ዘርኣይ ካብ መጽሓፍ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ተዘክሮታተይ


8 መጋቢት መዓልቲ ሓራስ ነብሪ ኣደ
8 መጋቢት ሕሉፍ ተዘክሮታተይ ገዳይም ሓርበኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ። ድራማ እታ ኣደ "ቅጥዒ ዘለዎ ሞት መሪጸ" ኣብ 1972 ብተመሃሮ ኤሪትራውያን ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲትይ ኣብ ኣስመራ ሕጹር መግዛእቲ ፈንጢሳ ዝተራእየት።
by veteran Tesfamichael Tecleberhan


ATV: ደሃይ `ባ ግበሪ! - ብ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ


Hiwar Dialog's Zoom Meeting


March 8 2024 Celebration Dehay Eritrea ደሃይ ኤርትራ


ቃልሲ ደቂኣንስትዮ ንማዕርነትን ኤርትራዊ ባህልን (Feminism and Eritrean culture) -E10 #DrSamsonTsegay


ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን፡ ማሕበራዊ ፍትሕን
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ (EPDP)
A Statement by Eritrean Peoples Democratic Party (EPDP), on the Ocassion of International Women' Day, March 8, 2024.

መግለጺ ደግሓኤ፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ።

ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ምዃነን ብማሕበረሰብ ዓለም ክእመነሉ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ብዘይተሳትፎአን ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕን ዕብየትን የለን። ወሳንነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተ ሰብ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። በዚ መሰረት 8 መጋቢት ምልክት ናይ ቃልሲ ዓለምለኸዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ክትክበር ተወሲና። 8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ቀጻሊ ቃልስን እዩ። Read more


ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡
A Statement by Democratic Front For Eritrean Unity, on the Ocassion of International Women' Day, March 8, 2024.

መግለጺ ደግሓኤ፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ንኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ከኣ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ናብ’ዚ ታሪኻዊ ዓለም ለኻዊ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ጸሓክንን ኣብ ጸሓናን ይብል። ቀጺሉ፡ ናይ ሎሚ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት፡ ብደረጃ ሃገርና፣ ዞባና፣ ኣህጉርናን ዓለምን ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ፡ ዝተሓላለኸን ዝኸፍአን ዓይነተ ብዙሕ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮን ጸገማት፡ ብዙሓትን ግፉዓትን ህዝብታት ብህይወት ናይ ምንባር ውሕስነት ስኢኖም ንሓደጋ ኣብ ዝተሳጥሕሉ፣ ዝተራቐቑ ኣዕነውቲ ኣጽዋራት ኲናት ንምውናን ዞባውን ዓለማውን ሓያልነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውድድር፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብቕሉዕ ኣብ ዝተጣሕሰሉ፣ ህላወን ቀጻልነትን ዘርኢ ወዲ ሰብ ብዘገምታ ክቕህም ዝገብር፡ ኣንጻር ሕጊ ተፈጥሮ ዝኾነ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ብጉልባብ መሰል’ዩ፡ Read more


All I learned from Dr. Alfred Lilienthal.
Celebrating Women International Day and the path to a just peace.
by Kiki Tzeggai
Read more

All I learned from Dr. Alfred Lilienthal.




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: