ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ደምዳሚ ውሳኔታትን ለበዋታትትን፡ መስራቲ ሓድነታዊ ጉባኤ፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/11/2018 01:55 AM

ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ደምዳሚ ውሳኔታትን ለበዋታትትን
መስራቲ ሓድነታዊ ጉባኤ
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

12-16 ሕዳር 2021

ደምዳሚ ውሳኔታትን ለበዋታትትን፡ መስራቲ ሓድነታዊ ጉባኤ፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) 12-16 ሕዳር 2021

ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ደምዳሚ ውሳኔታትን ለበዋታትትን መስራቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
12-16 ሕዳር 2021

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!!

መስራቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ካብ 12 ሕዳር ክሳብ 16, 2021 ኣብ ትሕቲ "ሓቢርና ንቃለስ ክብርና ክምለስ" ዝብል ቴማ: ዕዉት ሓድነታዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ኣብቲ ጉባኤ፣ ካብ ኣፍሪቃ፣ ሰሜን ኣመሪካ፣ ኤውሮጳ፣ ኣውስትራልያን: ማእከላይ ምብራቅን ዝመጹ፥ ኣስታት 160 ወከልቲ ተሳቲፎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ጉባኤኛታት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ሕገ-ህንጻን ውድብ: ኣድላዪ ዝኮነ ክትዓትን ምርድዳእን ድሕሪ ምክያድ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎም። ጕባኤ ነዞም ኣብ ባይታ ዘለዉ ኩነታትን፥ ሓቅታትን መሰረት ብምግባር፤

• ህዝብና መሰረታዊ መሰል ተነፊጉዎ ኣብ ዘሎ እዋን: ይግበር ምህላዉ

• ህዝብና፣ ብለበዳ ሕማም ኮረና፣ ንሕማምን ሞትን ኣብ ልዕሊ ምግላጹ: ብስርዓት ህግደፍ ንቡር መድሃኒት ከይረክብ ተኣጊዱሉ ኣብ ዘሎ እዋን: ይግበር ምህላዉ

• መንእሰያት ሃገርና፣ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት፣ ንሞትን ስንክልናን ሓደጋን ተጋሊጾምሉ ኣብ ዘሎ እዋን ይግበር ምህላዉ

• ልኡላውነት ኤርትራ፡ ብናይ ዉሽጢ ድኻምን፡ ናይ ደገ ተጻብኦን፣ ኣብ ሓደጋ ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን: ይግበር ምህላዉ፣

• ቁጠባዊ ኩንታት ሃገርና ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ወዲቁሉ፡ ኣብ ዘሎ እዋን ይግበር ምህላዉ፣

• ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝተፈላልዩ ቤት ማእሰርቲ፡ እናተሳቀዩ ድሃይ ዘይብሎምን መሰል ዝተነፍጎምን ናይ ዓሰርቴታት ኣሽሓት ናይ ሕልና እሱራት ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ ይግበር ምህላዉ፣

ትካላዊ ኣሰራርሓ ተሓሪሙ፣ ህዝብና፣ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ፣ ከም ተዓዛቢ ኮይኑ ክነብር ምግዳዱ ነዞም ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን፣

• ምስ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ሓባራዊ ስራሕ ንኽግበር ይጽውዕ። ክህሉ ዝኽእል ፍልልይ ናይ ተመኩሮን ርእይቶን፣ ብዘተ ክጸብብን ክፍታሕን ከም ዝኽእል ብምርዳእ፣ ንሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓ፣ ብምትሕግጋዝ: ነዚ ተተኺሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምእላይ

• ነዚ ዘለናዮ እዋን፣ ከም ወሳንን፣ ኣገዳስን መድረኽ ይርኢ፣ ተራ ኣባላትን ህዝብን ኣብ ቃልሲ ክዛይድ ከኣ ይጽውዕ።

• ድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ህግደፍ፣ ኩሎም ኣብ ዉሽጥን ደገን ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ በርገሳውያን ትካላት፣ ህዝባውያን ትካላት፣ ነቲ መድረኽ ዝበቅዕ፣ ንህዝቢ ብዘሳትፍ መገዲ፣ ዘለዉ ብድሆታት ንኽፈትሕ ክዳሎ ይጽውዕ።

• ዝበዝሕ ኣካል ሰራዊት ኤርትራ ንባዕሉ ኣደራዕ ዝወርዶ ዘሎ ብምዃኑ ከም ኣከል ውጹዕ ህዝብና ብምውሳድ ኣብ ጎኒ ህዝቡ ደው ብምባል ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ ግዴኡ ክጻወት ጕባኤ ጸዊዑ።

ጕባኤ ድሕሪ ነዊሕ ክትዓት: ነዞም ዝስዐቡ ፖለቲካዊ መርገግጺታት ከም መሰረታውያን መትከላት ኣጽዲቁ

ምሕደራ ቅዋማዊት ኤርትራ፦

ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋማዊ ስርዓት፣ ካብ ዓዲታት ናብ ዞባታት ዝኸይድ፣ ባዐሉ ንባዐሉ ክመሓደረሉ ዝኽእል፣ ዘይምእኩል ዲሞክራሳዊ ምምሕዳር ክምስረት ጕባኤ ወሲኑ።

ልዑላውነት ኤርትራ፦

ህግድፍ ኣብ ጎሮባብትና ንዝገብሮ ምትእትታዋት ብመርገጽ ድሕሪ ምኹናን፣ ሃገራዊ ልዑላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይእቱ፣ ሓርነትን ውሕስነትን ህዝብን ሃገርን ዘረጋግጽ ሓቛፍን ኣሳታፍን ሃገራዊ ቃልሲ ክካየድ ከም ዝኾነ ተጋባእቲ ኣስሚሮምሉ። ንልዑላውነት ኤርትራ ድማ ከም ሓደ ክስገር ዘይግብኦ መትከል ሙኻዃ የረጋግጽ።

ጉዳይ መሬት፦

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብመሰረቱ መሬት ዋንነት ህዝቢ ምኻኑ ይኣምን። ስለዝኮነ፡ ብስርዓት ህግደፍ ተመንዚዑ ዘሎ መሬት ናብ ዋናታቱ ክምለስን ንመንግስቲ ዘድሊ መሬት ድማ መንግስቲ ግቡእ ካሕሳ ከፊሉ ክጥከመሉ ከም ዝግባእ ርእዩ።

ኣገባብ ቃልሲ፦

ጉባኤ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ዝብል ኮይኑ፡ ልዕላውነት ሃገርን ድሕነት ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ክሳብ ዝኾነ ምስ ኤርትራዊ ሓይልታት ሓቢርካ ምቅልስ ናይ ውድብ መረገጺ ምዃኑ ኣነጺሩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ነዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ መስርሕ ናብ ዝበረኸ መድረኽ በጺሑ ብምህላዉ ምልኪ ክፈርስ ምኻኑ ኣገዳስነቱ ርእዩ።

ጉዳይ ቋንቋ፦

ጉባኤኛ ኩለን ቋንቋታት ኤርትራ ማዕረ ምዃነን ይኣምን፡ ንምዕባሌአን ድማ ሓባራዊ ጻዕሪ ከምዘድሊ ርእዩ። ናይ ውድብና ናይ ስራሕ ቋንቋታት ድማ ትግርኛን ዓረብኛን ኽኸውን ወሲኑ።

ጉዳይ ወጻኢ ዝምድናታት

ኣብ ኣህጉራዊ ዉዑላትን ስምምዓትን መሰረት ዝገበረ፣ ኣብ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመርኮሰ፣ ንሃገራዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ምስ ጎሮባብትናን ዓለምን፣ ኩሉ መዳያዊ ዝምድና ክህሉ ወሲኑ።

ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደትን፡ ጉዳይ ስደተኛታትን፦

መንእሰይ ኣፍራይ ሓይሊ ናይ ሕብረተሰብና ምኻኑ: ስደት ፍታሕ ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምግምጋም: ነቶም ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራ ህግደፍ ካብ ሃገር ተስዲዶም ዘለዉ ዜጋታት ማሕበረሰብ ዓለም ኩነታቶም ብምርዳእ ዘድሊ ሓገዛት ክግበረሎም ጉባኤኛ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ወሲኑ። ዋሕዚ መንእሰይ ንመጻኢ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ፣ ኣብቲ ዞባ ተዓቚቦም ዘለዉ ዜጋታትና ውሕስነቶም ንኽረጋገጽ ክንጽዕር፣ ነቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ መንእሰይ ድማ ካብ ስደትን መከራን ንኽድሕን ነቲ ጠንቂ ስደት ኮይኑ ዘሎ መላኺ ስርዓት ኣብ ምእላይ ተራኡ ክጻወት ጕባኤ ጸዊዑ።

ደምዳሚ ውሳኔታትን ለበዋታትትን መስራቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ወሓኤ)

ቀዳማይ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ወሓኤ)


Se also Related - ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

Organization of Eritrean Unity (OEU) Website. ወብሳይት ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

ደምዳሚ ውሳኔታትን ለበዋታትትን መስራቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) 12-16 ሕዳር 2021

ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ): 16 ሕዳር 2021



Share with friends:

TV MELEY 31ጥቅምቲ 2021ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ‘ዚ ናይ ግጭት ኩነታት ናበየናይ ምዕባሌ ክወስደና እዩ?''ጋሻና ተጋዳላይ ዑቕባዝጊ ድቡስ

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: