ደምዳሚ ኣዋጅ: ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ: ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/11/2018 01:55 AM

ደምዳሚ ኣዋጅ
ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

16 ሕዳር 2021

ደምዳሚ ኣዋጅ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

ደምዳሚ ኣዋጅ፡
ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ): 16 ሕዳር 2021

ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ “ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ እዩ ተኻይዱ። ካብ መጀመርታ ካልኣይ መንፍቕ 2020 ጀሚረን ሰለስተ (3) ኣሓት ውድባት (ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-(ሕድሪ)፣ ናይ ዘተ መስርሕ ከካይዳ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 28 ለካቲት 2021 ድማ ናይ ምትሕንፋጽ ስነ-ስርዓት ብምክያድ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ከም ዘቖማ ዝዝከር እዩ። ድሕሪ ናይ ምትሕንፋጽ ስነ-ስርዓት መስርሕ ምክያድ፣ ውሓኤ ቀዳማይ ጉባኤ ንምስልሳል ክሰርሕ ጸኒሑ። እነሆ ድማ ካብ ዕለት 12 ክሳብ 16 ሕዳር 2021 ቀዳማይ ጉባኤኡ ከም ዘቃንዐ ንህዝቢ ኤርትራ ከበስር በቒዑ’ሎ።

ጉባኤ ውድብ ሐርነት ኤርትራውያን ( ውሓኤ) ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ወዘተ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ዝዀነ ኲነታት ምህላዋ፣ ውሽጣዊ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ ህግደፍ ዝፈጠሮ ከአ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ደማዊ ዝዀነ ውግኣት ምጽንሑን ምህላዉን፣ ብዞባዊ ደረጃ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰነ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዓለም ብዓለሙ አቓልቦ ስሕበት ዝፈጠረ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝዀነ ግርጭታት ተሸሚሙ ኣብ ዘለወሉ፣ ብዓለም ደረጃ ድማ ብፍላይ ወራር ኮረና ቫይረስ ይኹን ብከላ ክሊማ እንዳኸፍኤ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋናት ኢና እንርከብ ዘለና።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!!

ስርዓት ህግደፍ ንኣተሓሕዛ ዶባዊ ግዝኣት ሃገር ኰነ፣ ህዝቢ ቅዋም ሃገሩ ተኺሉ ብግቡእ መራሕቱ ዝመርጸሉን ብሕጊ ዝምርሓሉን ኣገባባት ንኸይህሉ ምዕንቃፉ ጥራሕ ከይኣክል፣ ንህዝቢ ኣርዒዱ፡ ኣጥሚዩ፡ ኣደንቁሩ፡ ዝረግጽ፣ ንኹሉ ገባቲ ዝዀነ ጉጅለ ስለ ዝዀነ ህዝብና ናብ ስደት ከም ዘማዕዱ ብምግባር፣ ሃገሩ ገዲፉ ንኽስደድ መሰረታዊ ጠንቂ ኰይኑ ኣሎ። ብኣጠቓላሊ ህግደፍ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ‘ውን ምስ እንዕዘብ፣ ፖለቲካዊ መስርሕ ንህዝቢ ብሰላም ንኽነብር መሳርሒ ምዃኑ ነጺጉ፣ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ነጻ ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ስራሓትን ምስልሳል ከም ገበን ቈጺርዎ ይርከብ። ጸረ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ፖሊሲኡ ንምርግጋጽ ከአ ንቛንቋውን ባህላውን ናይ እምነታት ፍልልያትን ወዘተ ንህዝቢ ንምብትታን ከም መሳርሒኡ እንዳተጠቕመሉ ይርከብ። ብተወሳኺ ኩሎም ዓይነታት መሰላት፡ ሰብኣዊ፡ ሲቪላዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቊጠባዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት ዜጋታት ብዘይ ንሕስያ ብዘይ ሕጊ ዝኣስርን፣ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ንኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝበልዩ ብምግባሩ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ክሳብ’ውን ምስዋርን ምቕታልን ደረጃ ዝኸይድ ውጉዝ ስራሓት የካይድ ኣሎ። ወሲኹ ከኣ ሕሉፍ ሐሊፉ ህግደፍ ህዝቢ ዘይፈልጦም ስምምዓትን ዉዕላትን ይገብር ኣሎ። እዚ ድማ ዓለም ምሉእ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ኣብ ቊጠባ ሃገር እንተተመልከትና’ውን ስርዓት ህግደፍ ኩሎም መሰረታውያን ኣዕኑድ ሃገር ቊጠባዊ (መሬት፡ ናይ ሰብ ጸጋታት፡ ከምኡ’ን ገንዘብ) ገቢትዎ ይርከብ። ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ “መደብ ወፍሪ ባርነት” ወግዓዊ ምምሕዳር ቈጺሩ፣ ጉልበት መንእሰያት ብምምዝማዝ፤ ነቶም ዝጸንሑ ትካላት ቊጠባ ሃገር ድሕሪ ምፍራስ፣ መራሕ ጭፍራ ህግደፍ “ኣብ’ዚ ዓዲ ካብ ኢድካ ናብ ኣፍካ ስለ ዝዀነ ቊጠባ ዝበሃል ኣሎ ድዩ? ኣበይ ኣለዉ’ቶም ፋብሪካታት፡ ሉል ናይ ባጽዕ፡ ዓሰብ ወዘተ ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ምብጫውን ህዝቢ ተረባሒ ሃገራዊ ሃብቱ ንኸይከውን ብመደብ ኮነ ኢሉ ድሕሪ ምስራሕ፣ ናብ ኣደዳ ስደትን ጥሜትን ሕሰምን መቕዘፍትን ከም ዝሳጣሕ ገይርዎ’ሎ።

“ኣድቂቒካ ዝመተርካዮን ኣርቂቕካ ዝመኸርካዮን እቲ ኣይሓንቕ እቲ ኣይሓምቕ” ዝብል ምስላ ኣበው መሰረት ብምግባር ጉባኤ ውሓኤ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ እንተዀነ’ውን ብዕቱብ ዘትዩሉን ተማኺርሉ’ዩ። ህግደፍ ናይ ትምህርቲ ፖሊስኡ መንገዲ ድንቁርና ዝሓዘ ብምዃኑ፣ ኣብ ኩሎም ኣብያተ-ትምህርትታት ወተሃደራዊ ምምሕድዳር ብምትእታው፣ ናይ ራዕድን ሽበራን ስራሓቱ ከም ቀንዲ መለለዪ ክብርታት ምምሕዳር ሃገር ከም ዝዀኑ ገይርዎም ይርከብ። ብተወሳኺ ህግደፍ ቀንዲ ጸረ-ህላዌ ስድራ-ቤት እዩ። እታ መሰረት ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዝዀነት ስድራ-ቤት ንምብትታና’ውን ብመደብ ሰሪሕሉ እዩ። ማሕበራዊ ዝምድናታትን ብዙሕነት ህዝብናን ዝኣሳስሩ ኣፍትልቲ’ውን እንተኾነ ከም ዝበታተኹ ገይሩ እዩ። ንህዝባዊ ኣገልግሎት ትሕተ-ቅርጻ ይትረፍዶ ሓደስቲ ክሃንጽ ዝነበረ’ውን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እንዳዓነወ ከሎ፣ ኮነ ኢሉ ስቚ ኢሉ ክዕዘቦ ይርአ ኣሎ። ብካልእ ወገን ድማ ህዝቢ ሃገሩ ገዲፉ ንኽስደድ ጠንቂ ኰይኑ ይርከብ። ብሕጽር ዝበለ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዑላውነት ሃገርን ህዝብን፣ ቅዋም ሃገርን ሕግን ሕጋውነትን፣ ኣብ ቊጠባውን ማሕበራውን ጉዳያት ዝምልከቱ፣ ብመደብ ጸረ-ህልውና ሃገር ምዃኑ ስለ ዘረጋግጸ፣ ውድብ ሐድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ነዚ ኩሉ አብ ጸብጻብ ብምእታው፣ ስርዓት ህግደፍ ብተግባር ጸረ-ልዑላውነት ሃገርን ንህልውና ሕብረተሰብ ኤርትራ ብተግባር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዘሎን ኣካል ብምዃኑን፣ ሓዳሽ ሃገር ብዘይ ቅዋም ከም ትከውን ዝሰርሐን ዝሰርሕ ዘሎን ምዃኑ፣ ኣብ ጸብጻብ ብምውሳድ ጉጅለ ህግደፍ ከም መንግስቲ ሕጋውነት ዘልብስ ቁመና ዘይብሉ ውልቀ-መላኺ ምዃኑ ጉባኤ ገምጊሙ።

ዝኸበርኩም ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘለኹም ተቓለስቲ!

ጉባኤ ውድብ ሐድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) ኣትኲሩ ዝዘተየሉ ካልእ ዛዕባ፣ ጉዳይ ደምበ ፍትሒ ዝምልከት‘ዩ። ኣብዚ እዋን‘ዚ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ዝቃለስ ደምበ ተቛውሞ ዘለዎ ኣተሃላልዋ ብዕቱብ ገምጊሙ። ካብዚ ገምጋም‘ዚ ብምንቃል ከአ፣ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ፈጺሙ ዘይተደላዪ ኲነታት ወዲቑ ከይተርፍ ብምሕሳብ፣ ብውሕሉል ኣገባብ ክንገጥሞ ዝግብአና መድረኽ ዝጠልቦም ሓቂታት ኰይኖም ኣለዉ። ገለ ካብቶም ብሓባር ክንሰርሖም ዝግብኣና፣ ኣብ ክንዲ ደቀቕቲ ጉዳያት እንርኢ፣ ናብቲ ቀንዲ ዝዓበየ ስእሊ ብምርኣይ፣ ናይ ቀዳምነትና ቀዳማይ ህግደፍ ከም ቀዳማይ ጸላኢ ርኢኻ ምእላይ ክኸውን ጉባኤ ይጽውዕ። ጉባኤ ወሲኹ ዝተወደበ ስራሕ ጥራሕ ከም ዘዐውት ብምእማን፣ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘለዉ ኤርትራውያን ንሰብኣዊ መሰላትን ሃገራዊ ረብሓታትን ብሓባር ብዝተወደበ መልክዑ ክቃለሱን ክምክቱን ከም ዘለዎም፣ ኩለን ተቛወምቲ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ከአ ንጽባሕ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ሕማም ድሓር ክፈጥር ብዘይክእል ኣገባብ መደብ ብምውጻእ ክቃለሳ፣ ጉባኤ ውሓኤ ተማሕጺኑ። ነዚ እንዳዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ብናህሪ ዝኸይድ ዘሎ ሓያል ማዕበል ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ምሕጋዝን ቅኑዕ መኣዝን ናይ ቃልሲ ከም ዝሕዝ ብምግባር ተቛውሞና ናብ’ቲ ቀንዲ ቀዳማይ ጸላኢና ከም ዘቕንዕ ምቅላስ፣ መድረኽ ዝጠልቦ ምዃኑ አረጋጊጹ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ናይ ውሽጡ ወጥርን ቅልውላውን ካብ መጠን ንላዕሊ ገንፊሉ፣ ስለ ዘሎ ኣብ ዝዀነ ሰዓት ተተኲሱ ክበታተን ይኽእል እዩ። በዚ ዝፍጠር ናይ ኣመራርሓ ባዶነት ንህዝቢ ማእከሉ ብዝገበረ ውደባ ክትካእ ከም ዘለዎ ጕባኤ ርእዩ ። ንናይ ጽባሕ ውሕስነት ሓድነትን፣ ንናይ ሎሚ መሰረት ዓወትና ምንጻፍ ባይታ ዝኸውን፣ ነቲ ክህሉ ዝኽእል ፍልልያት ብምጽባብ ተጠራኒፉ፣ ሓባራዊ ገምጋምን ሚዛንን ብሓባር ብምግባር፣ ብሓደ ድምጽን ህርመትን ምስራሕ ከም ዘድሊ ከአ ኣረጋጊጹ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

ጉባኤ ውሓኤ ኣዕኑድ ሰላምን ርግኣትን ዲሞክራስን ብደረጃ ዞባናን ዓለምናን ኣመልኪቱ ብሓፈሻ ተዛትዩ። ሰላም ብዘይካ ነቶም ውሑዳት ኣብ ሰላም ክነብሩ ዘይመርጹን ዘይደልዩን ኣካላት፣ ንኻልኦት ኩሎም ኣህዛብ ዓቢ ረብሓ ከም ዘለዎ ንማንም ብሩህ ዝዀነ ጉዳይ እዩ። ስለ ዝዀነ ከአ ውሓኤ ከም ሓደ ንህዝቢ ጠቕምን ረብሓን ኢሉ ዝቃለስ ውድብ መጠን ኣብ‘ዞም ዝስዕቡ ጉዳያት እምነቱ ብንጹር ኣቐሚጡ ኣሎ። መሰረት ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ሕግን እዮም። ስለ’ዚ ሓንቲ ሃገር ህዝባ ብሰላም ንኽነብር ንህዝባ ዝጥርንፍን ዘመሓድርን ሕግታት ስለ ዘለዋ፣ ብሕጊ ጠሚራ ብግቡእ ከተመሓድር ግድድቲ እያ። ብተመሳሳሊ መልክዑ፡ ከም‘ቲ ንናይ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ዝጠምር ሕግታት ዘለዋ፣ እተን ዜጋታተን ሒዘን ዘለዋ ሃገራት ብወገነን ብሰላም ክነብራ ዝጠምረን ኣህጉራዊ ሕግታት ዝበሃል ኣለወን። ውሓኤ ነዚ ተረዲኡ ንዓለም ለኻዊ ሕግታትን ናይ ጐረባብቱ ሕጋዊ ልዑላውነትን ከኽብር ዘይዕጸፍ እምነት ኣለዎ። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኰነ ምስ ካልኦት ሃገራት ነዚ መሰረት ዝገበረ ዝምድና ክንገብር ዝማጎት ውድብ‘ዩ። ውሓኤ ምስ ዝዳወባና ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕድ-ሕድ ማዕርነታዊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ምክብባር ዝሰረተ፣ ንጎነጻዊ ወተሃደራዊ ዲፕሎማሲ ህግደፍ፣ ብሓባራዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ሰላማዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብምትካእ፣ ርግኣትን ቅሳነትን ዝፈጥር ምሕዝነት ብምምድማድ ብሓባር ክሰርሕን፣ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ጣልቃ ዘይምእታው ዝብል ኣህጉራዊ ሕጊ ምቕባልን ምኽባርን ዝኣምን ውድብ‘ዩ። ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ሰላም፡ ርግአት፡ ቅሳነት፡ ድሕነት፡ ነጊሱ፣ ሓባራዊ ቊጠባዊ ዕብየትን ልምዓትን ንምርግጋጽ ከይተሓለለ ክቃለስ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ የረጋግጽ።

ብፍላይ ኣብ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዘሎ ኲነታት ምስ እንርኢ፣ ኣብ መንጎ ህግደፍ ኤርትራን ናይ ኢህወደግ (EPRDF) ኢትዮጵያን ዝነበረ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝኸደ ኣይሰላም-ኣይውግእ ኲነታት የኽትም ድኣ’ምበር፣ ኣብ መንጎ ህግደፍ ኤርትራን ብልጽግና ኢትዮጵያን ዝተገበረ ውዑል ይኹን ስምምዕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርሒቑ ዘግለለ ማንም ዘይፈልጦ ዉዕላት ተገይሩ ኣሎ። እቲ ዝተገብረ ናይ ሰላም መስርሕ ብቐንዱ ቅኑዕ ኣገባብ ዝሓዘ ኣይነበረን አይኮነን’ውን። ብቐንዱ እቶም ነቲ ኣባኢሱ ዝተባህለ ናይ ዶብ ሕቶን ጉዳይ ኣፈታትሓኡን ሒዞሞ ዝነበሩ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ …ወዘተ ይኹኑ’ምበር፣ ንዕኦም ዘግለለ ምኽንያት ግን ዘይንጹር ምዃኑ ጉባኤ ኣስተውዒሉ‘ዩ። እዚ ስምምዕ’ዚ መንቀሊኡ ቅንዕና ዘይብሉን ረብሓን ሃንቀውታን ህዝብና ዘየርዊ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ዝዳፈርን ዝጻባእን ስለ ዝዀነ ብትሪ ንጹግ እዩ። ንምግጣሙ ድማ ኣሎ ዝበሃል ሃገራዊ ዓቕምን ክእለት ሓይሊን ጠሚርካ ምቅላስ ምርጫ ዘይብሉ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ ጉባኤ ውሓኤ ይግንዘብ። እዚ ከም‘ዚ ይኹን እምበር ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝገበሮ ስምምዕ ብዙሕ ጉዳያት ሒዙ መጺኡ ኣሎ። ህግደፍ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝበሃል ስለ ዘይፈልጥን ስለ ዘይስምዖን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይፈልጦ ዘይደልዮን ዘይረብሓሉን፣ ኣብ ውሽጣዊ ውግእ ኢትዮጵያ ኣጥሒልዎ ይርከብ። ከም ውጽኢቱ፡-

● ብዓለም ደረጃ ውጉዝ ዝዀነ ናይ ወራር ወፍሪ ፈጺሙ ከም ዘሎ ዓለም ዝምስከሮ ሓቂ ብምዃኑ፣

● ሕጊ ስለ ዘይብሉን ስለ ዘይፈልጥን ከኣ ኣብ‘ቲ ውግእ ተሳቲፉ ናይ ውግእ ገበን ኣብ ምፍጻም ተራ ከም ዝነበሮ ብብሩህ ጥርጡር ምዃኑ ብምግንዛብ፣

● ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሲቪላዊ ህዝቢ ኩሉ መልክዓት በደል ምውራድ፣ ኣብ ናይ ሲቪል ኣገልግሎት እምበር ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘይውዕሉ ልምዓታዊ ትካላት ኣብ ምዕናው ኢድ ከም ዘለዎ ኣብ ልዑል ጥርጠራ ኣትዩ ብምህላዉ፣

● ኣብ ኰነ ኢልካ ብመደብ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብምእታዉ፣

● ኣብ ትሕቲ ዑቚባ ሕቡራት ሃገራት ዓለም (UNHCR) ዝነበሩ ስደተኛታት ዜጋታትና ናይ ምጭዋይን ምስዋርን ገበን ብምፍጻሙ፣

ነዚ ዝተባህለ ውግእ ብሓላፍነት ዝመርሑ መጽናዕቲ ተገይሩ ሓላፍነት ክስከሙን ኣብ መጋብኣያ ቀሪቦም ብሕጊ ክሕተቱ ውሓኤ ይጽውዕ።

ጉባኤ ውሓኤ ንዝቐረበሉ ናይ ጉባኤ ኣሰናዳእዊት ሽማግለ ጸብጻብ ምስ ሰምዐ፣ ንጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ ጉባኤ ብምምራጽ መስርሕ ጉባኤኡ ጀመረ። ናይ ማእከላይ ባይቶ ጸብጻብ ብዝግባእ ተመያይጡ ድሕሪ ምጽዳቕ፣ ቀጺሉ ኩሎም ሰነዳት ጉባኤ ብዝግባእ ድሕሪ ምምይያጥ ኣጽዲቑ። ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ውሓኤ ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ዝመርሕ ዕስራን ሓደን (21) ቀወምቲ ኣርባዕተ (4) ተካእቲ መሪሕነት ብስቱርን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ማእከላይ ባይቶ መሪጹ ጉባኤ ዕማሙ ዛዚሙ።

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!!!

ደምዳሚ ኣዋጅ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ ውሓኤ 16 ሕዳር 2021


Se also Related - ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

Organization of Eritrean Unity (OEU) Website. ወብሳይት ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)

ደምዳሚ ውሳኔታትን ለበዋታትትን መስራቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ) 12-16 ሕዳር 2021

ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤ፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ): 16 ሕዳር 2021



Share with friends:

TV MELEY 31ጥቅምቲ 2021ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ‘ዚ ናይ ግጭት ኩነታት ናበየናይ ምዕባሌ ክወስደና እዩ?''ጋሻና ተጋዳላይ ዑቕባዝጊ ድቡስ

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: