መርኣያ/ኣብነታዊ (Paradigmatic)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

31/05/2020 17:30 PM

መርኣያ/ኣብነታዊ
(Paradigmatic)

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

መርኣያ/ኣብነታዊ (Paradigmatic)

መርኣያ / ኣብነታዊ (Paradigmatic)
ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሰላም ኩቡራት የሕዋት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይታት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሕታት ዓለምና ኣብ ዲቕ ዝበለ ህዝብታት ዘህለቐ ሕማም ተላጋቢ ተሰጢሑ፡ መንግስትታት ዓለም ዘይተቐረብሉን ዘይተጸበይዎን ብምንባሩ፤ በቢ ዘለዎም ነዚ ኣህላቒ ኮቪድ-19 ዝስመ ንምክልኻል፣ ይጠቅም ዝብልዎ ስጉምትታት ከም ውሸባ፣ ኢድካ ብሳሙና ብደምቢ ምሕጻብ፣ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ዝሽፍን ማስከራ / ፈንጠዝያ ምጥቃም፣ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ / ምፍንታት፣…ወዘተ ዝግድድ ዓይነት ኣካይዳ ዓንቀጸ-ሕግታት ኣብ ምውጻእ መንግስትን ባይቶ ዝተሳማማዓሉ፣ ብተዋሳእነት ሓለፍቲ ኣውራጃታት፡ ዕለታዊ ብመራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም፡ ህዝቦም ዝስዕብሉ፣ ቀዳምነት እኹል ናይ ሕክምና፣ ሆስፒታላታት ፍሉይ ኒ-ኮቪድ -19 ዝተለኽፉ ቦታ ኣብ ምጥጣሕን ብሁጹጽ ኣብ ምስራሕ ተጸሚዶም፤ ላዕልን ታሕትን እናበሉ ንህዝቦም ዝረድእሉ፣ መጠንቀቕታት ሓበረታት ኣብ ሳይንስ ዝተሞርኮሰ ምእንቲ ክኸዉን ካብ ዝተፈላለየ ናይ ተላገብን ካልኦት ሕማማት ስነፍልጠታውያን / ሊቃውንቲ፡ ማሕበራዉያን ስነኣምራዉያን ዝቖማ ሓይሊ ዕማማት ብምስንዳው፣ ንህዝቢ ዝጠቅም ሓበረታን ክካየድን ክስዓብ ዘለዎ ኣጋባብ ክቕርቡን ድቃስ ዘይብሉ ስርሓት ከካይዱ ክንዕዘብን ብኹሉ ዓይነት ምድያታት ክንሰምዕን ክንካታተልን ወሪሕና ኣሎና፡፡ ተማሂርናሉ ክንከዉን ተስፋ ንገብር፡፡

ብሰንኪ እዚ ኮቪድ-19 ስርሓት ጠጠው ኢሉ፣ ካብን ናብን ክትንቃሳቐስ ከምዘይ-ካኣል ተገሩ፣ ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ፣ ወይ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ንኹሉ ዘጣቓለለ ውሸባ ብምግባር፣ ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ ብፍላይ ቁጠባዊ ደስኪሉ፡ ኩሉ ዓይነት ሓይልታት ኣብ ኮሮና ቫይሩስ ምክልኻልን ምጥፋኡን ምእላሽ ፈውስን ንኽታበት ዝጠቅም መድሃኒት ዝማሃዘሉ እዩ ኩሉ ኣትክሮ ተገይርሉ ዝወረሐን ዘሎን ዝቕጽል ዘሎን፡፡ ነዚ ንምብጻሕ በቢ ዘለዉዎ ክፍሊ ድህሰሳ / መርመራ ቤት ዕዮታትን ብምትሕብባር ዓበይቲ ዩንቨርሲታት ጹዑቕ ስርሓት ክካየድ ከሎ ጉዙፍ ባጀታት እዉን ይውዛዕ ኣሎ።

ነዚ ዓይነት ስርሓት ንክካየድ መራሕቲ መንግስታት ምስ ናይ ዓለምለኻዊ ምክልኻል ጥዕና (W.H.O) ብምትሕግጋዝ፣ ነቲ ዝዋሃብ ሓበሬታት ንምውህሃድን፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክግበር ዘለዎ ምትሕግጋዝን፣ እዋናዊ ሓበረታት ምልውዋጥ ብፍላይ ኣብ ናይ ድህሰሳን / ምርምርን ንክታበት ዝውዕል መድሃኒታት ንምምሃዝ ዝግበር ዑዙዝ ሓበራዊ ስርሓት፣ እንካን ሃባን ከዝውተር፣ ከምኡ ንዋታዉን ሞራላዉን ሓገዝ ንህዝቦም ዝህብሉ ዝጥቀሙሉ ኣጋባብ፣ እንርእዮን እንዕዞቦ ዞሎና ህሞት እዩ፡፡

ከምቲ ኩሉና ዝረኣናዮ ናይ መራሕቲ ሃገራት ጻዕርታት፣ ገለ ብቐጥታ ተለኺፎም ካልኦት ክኣ መስርሕቶም ክልከፉ ሰሚዒናን ብተለቪጂን ሪኢናን ኣሎና፤ ሳዕበን ኣብ ስራሕ ጠሊቕካ ምስራሕን ንህዝብኻ ተስፋ ከይቆርጽን ኣብ ጎድኑ ከም ዘለኻ ንምርኣይን ዝዓለመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብነታዊ ንምዃን ህዝብን መንግስትን ብሓባር፡ ነዚ ዓለምለኻዊ ፓንደሚያ ኮቪድ-19 ምስ ዝግጠሞ ጥራይ’ዩ ክሺነፍ ዝካኣል ዝብል፣ ስጡም ህዝባዊ ጽንዓትን መስዋእቲን ከም ዝሓትት በሪሁን ሙሉእ ተሳተፍነት ክረክብ ዝክእል ካብ ዝብል ቁኑዕ መስርሕ ዝሓዘ’ዩ ክባሃል ይካኣል፡፡

ካብዚ ብዘይ ምቁራጽ ጹዑቕ ስርሓት ዝተኻየደ፣ ዋላ’ኳ ን-ኮቪድ-19 ጠጠው ምባልን ፈጺሙ ክጠፍእን እንተ ዘይተበጽሐ፣ ካብ’ቲ ቑጠባዉን ማሕበራዉን ደስኪሉሉ ዝነበረ ህሞት ንምውጻእ፣ ብጥንቃቐን ህድኣትን ምጅማር፣ ነቲ ዘይኑቡር ናብ ኑቡር ናብራ ንምምላስ ጎደና / መገዲ ተጀሚሩ ዳግመ ምውዳቕ-ሕማም ከየጓንፍ ጽላት ብጽላት ክኸይድ ስሩዑን ኣጋባቡ ዝሓዘ ምእንቲ ክኸዉን፡ ካብ ውሸባ ናብ ፍትሓት ገጹ ዝካየድ ጉዕዞ ተጸሚደን ይርከባ፡፡

ቁጠባ ዓለምና ብጣዐሚ ወዲቑ፡ ብዝሒ ህዝብታት ኣብ ስራሕ ኣልቡነትን ሑሱም ድኽነትን ኣዕለቕሊቃ ስለ-ዘላ፣ ነዚ ፓንደምያ ኮቪድ-19 ዝፈጠሮ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደልሃመተ / ውድቀተ ቁጠባ፣ ፖለቲካ፣ ማሕበራዉን ፍታሕ ዝርከበሉ ስትራተጂ ኣብ ምድህሳስን ምንዳይን፣ ፕሮጀክትታ ምስናድ ኣለዉ ዝባሃሉ ፈላጣት ክዋሱኡ ከም ዘለዎም ዝግበረሉ ባይታ ምህናጽ / ምፍጣር ይጓየያ ኣለዋ፡፡

እዚ-ብዘይ ኣፋላላይ ንኹሉ ዝዳሃኸ ኮሮና ቫይርስ ንምስዓሩ፡ ዓለምለኻዊ ህንጻን ምትሕግጋዝን እንተዘይተረኺብዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ናይ ብሕቱ / ባዕልነት / ኢጎነት ክፈትሕን፣ ጸብለልነት ንምርካብ ዝግበር ውድድር እንተ ተኻይዱ፣ ህዝብታት ከምዘይረብሑሉ / ዝጥቀሙሉ ዓለምና በጺሓቶ ዝነበርትን ዘላን ሃለዋት ጥዕና፣ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ግደታን ንመጻኢ ትውልዲ ዘውርስ ኤኮ ሲስተም ከምዞሎ፣ ክርሳዕ ዘይቡሉ ሓላፍነት፡ ክስከም ከም ዘለዎ ኩሎም ሰባኣዊን ሞራላዉን መንእሳያትን ህጻናት ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ ዘቕረብዎ ጥራዓን ምስማዕ ከድሊ ጥራይ ዘይኮነስ ግደታ’ውን እዩ፡፡

ኣብ ርእሲኡ ነዚ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይን ሞትን ድኽነትን፣ ህዝብታት ብናታቶም ቃልስን ጻዕርን ክስዕርዎ ምእንቲ፣ካብ ተመጸውቲ ናብ ተዋሳእቲ ዝኸዉን ኣጋባብ መድረኽ ክክፈት እቲ ዝተመርጸ ምዃኑ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ’ዩ ይብሉ ተማራመርቲ/ሊቃውንቲ፡፡እንተ ደኣ ናይ ህዝብታት ጥምረት ምትሕግጋዝ ደንፊዑ፣ ንምርሕሓቕ፣ ስሳዐን፣ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ፣ ባህርያት ሰጊሩ፡ ውህደት ሓድነት፣ ናጽነት፣ ማዕርነት፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ….ወዘተ ዝብሉ ሓሳብን ግብርን ክዝውተር ተኻኢሉ፣ናይ ሕልና ቅሳነትን እታ ኣብ ሰውራ ፈረንሳ ብ 1798 ዝተዘመራ ናጽነት ሕውነት ማዕርነት ቁኑዓት ጭርሖ ግዝያዉያን ኮይነን ንረኽበን፤ ምኽንያቱስ ስጋብ እዚ እዋን ኣረመን ዝኾነ ርእሰማላዊ ኣጋባብ ሃብቲ-ዓለም ኣብ ዉሑዳት ሰባት ተጨቢቱ፣እቲ ዝበዝሐ ክፍሊ ህዝቢ-ዓለም አብድኽነት ክነብር ዘይሰባኣዉን ዘይጉቡኡን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ዘይቁኑዑን ዘይፍትሓዉን መሰል ደቂ ሰባት ዝረግጽ ኣጋባብ እዉን እዩ። ስለዚ ደቂ ሰባት ምትዕርራይ ክግበረሉ እዋኑን ተሞክሮን፣ታሪኽ ዝምህሮ ህሞት’ውን እዩ፡ኢሎም ዝዛረቡ ሙሁራትን ሊቃውንትን ናይ ሞራል መሃርቲ፣ሓለፍቲ ሃይሞኖታት፣ናይ ቁጠባ ተማራመርቲ፣ሙኩራት ፖለቲከኛታት፣ዕለት ካብ ዕለት ዋዕ ኢሎም ይምህርዎን ዝጽሕፎዎን ነዊሕ እዋን ሓልፉ ኣሎ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ሓፈሻዊ ርእይቶ ናይ ኩሎም ደሞክርሳውያን ባእታታ ዓለምና ክኸዉን ከሎ፣ብዓቢኡ ኣብ’ታ ድቃስ ኸሊኣትና ዘላ ሃገርና ኣደና ኤርትራ፣ኣብ ድያስፖራ ዘለዉ ደቃን ብፍላይ ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ’ኸ ኩነታቶም ከመይ ኣሎን እንታይ ይገብሩን ብኸመይ ይጓዓዙን ዝብል ሕቶታት ኩሉ እዋን ዝቃላቐል ዓቢ ኣርእስቲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣እታ መፍትሕ ነዚ ማፍያዊ/ድስቡጣ ኢሳያስን ተኸተልቱን ካብ ሱሩ ምምሓው ዘይተረኽበት ምዃና ዘተሓሳስብን፣አብ ደምበ ፍትሒ ካብ ሃናጺ ህሰያ/ነቐፈታን፣ ይጠቅም ዝበልናዮ እማመታት ምቕራብ አይንከቛርጽን ኢና።

እዚ ማፍያዊ/ዱስቡጣዊ ስርዓተ ኢሳያስ፣በቲ ንሱ ናተይ ኢሉ ዝሰርሖ ተዋስኦ/ድራማታት ናይ ሞትን ሂወትን ገዲፍና፣እታ ኣጸቢቓ እተገርም ድራማኡ፣ኣብ ክንዲ ከም ኩሎም መራሕቲ ዲክታተርያውያን ከይተረፉ ምስ አብ ቁጽጽሮም ዝርከብ ህዝቢ ይጠቅም ዝብልዎ መምርሕን ክርከብ ዘለዎ ሓገዛት ኣብ ምንዳይን ምውዛዕን ክዋስኡ ክትዕዘብ ኮሎኻ፣እዚ ደረት ኣልቦ ዱስቡጣዊ ኢሳያስ ነዚ ናይ ዓለምና ው’ሸባ/ኮራንተን quarantine፣ኣብ ውሽጢ ገዛ ከይተረፈ ኣብ እትነብረሉ ከተማ ዓዲ ክቲዋሳወስ ዝተኣገደ አብ ሙሉእ ዓለም ዘይተራእየ፡ብኣካል ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ መገሻ ብምክያድ፣ሓጽብን ካብኡ ነቒሉ ብሞስኖ ዝግልገል ሕርሻ ሰፊሕ ቦታን፣ክምርቕን ከም ወትሩ ዝጥቀመሉ ተማሂርና ትብል ቃል ዝተሞርኮሰ መደረ ከስምዕ ተራእዩ፡፡

ብፖለተካዊ ኣጣማምታ ነቲ ከም ወዱን ሓዉ ኢሉ ዝጽውዖ ኮለነል ኣብይ ኣሕመድ መራሕ መንግስቲ ኢትዮጱያ ክኸዉን ኢሉ ዝገበሮ ኮይኑ፡ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጱያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትህልላኽን ዘይሩጉእ ሃዋሁን ን-ቡዙሓት ውድባትን ዘቆጠዐን ናይ ፖለቲካ ተማራመርቲ ኢድ ናይ ካልእ ሃገር ምትእትታዉን ነቲ ፖለቲካዊ ግርጭት ናብ ሃገራዊ ግጭት ምድፍፋእ ኢሎም ይገልጽዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ኢትዮጱያ ኢድካ ምትእትታው ጠጠው ኣብሎ ዝብል ተሪር መጠንቅቕታን መሰማዕታን ዝሃቡ ቡዙሓት እዮም፡፡

ሕልሚ ድስቡጥነት/ፍጹም ስልጣንነት ዝብል ራኢ ዘለዎ ኢሳያስ፣ ልክዕ ከምቶም ሁቡባት ገዛእቲ ናይ ዓሰርተው ሓሙሽተ-ሹድሽተ(XV-XVI)ክፍለ ዘመን ከዘውትሮ ዝደሊ ዕሸላዊ ሓሳብ፣ን-ኣዳም ገረሞ ኢልካ ጥራይ ዝሕለፍ።

እቲ ዝገርም ኮለነል ኣብይ ኣሕመድ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጱያ መንእሰይ ክነሱ፣ነዚ ናይ ማፍያዊ/ድስቡጣዊ መገድን ኣጋባብን ምኽሪ ኢሳያስ ምቕባሉን ከምኡ ዓይነት ኣጋባብ ክኽተል ምፍታኑ እዩ።

ነቲ ብሽም ሰላም፡ፍቕሪ ኣብ ርእሲ ጽልኢ ሲዒራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጱያን ኣብ ዞባኣን ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተተኪሉ ዝነበረ ኣይ ሰልም ኣይ ውግእ ብመሰረት ዉዑል ኣልጀሪ ኣብ መጠረሽታ ከነብጾ ኢና ዝቦሎ ጭርሖ፤ትንቢት ኮይኑ ተሪፉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ናይ ውግእን ናይ ብሓይሊ ሰጥ ከነብሎም ኢና ዝብል መደራታት ከስምዕ ይርአ ኣሎ።ምኽሪ ናይ’ቲ ኣብ ህውከት ዝመንበሪኡ ዱስቡጣዊ ኢሳያስ እምብኣር፣ፍሪኡ ተታሒዝካ አብ ደልሃመት ምእታው ጥራይ ዘይኮነስ፡ነቲ ብዝግምታ ናብ ደሞክራሲ ዘምርሕ ዝነበረ መርሆ ኢትዮጵያ ንድሕሪት ምምላስን ሓድነት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ምእታው ምኻኑ እዚ እንሪኦ ዞልና ህሞት እዩ፡፡

ህዝቢ ኢትዮጱያ ግን ካብ መስፍንነት፣ ኑጉሳያዊ፣ ሃጸያዊን፣ካብኡ ብሽም ማሕበርነት ዲክታተራዊ ስርዓታት፣ብሓይሊ ሲዒሩ በቲ-ንዓይ ይጠቕመኒ ዝብሎ ግዝኣተ ሕጊ፡ቅዋማዊ ስርዓት ድሮ ዳርጋ ሳላሳ ዓመት ስለ ዝተጓዕዘ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይንብልን። ኮይኑ ህዝቢ ባዕሉ ዘጽደቖን ምምሕያሽ ኣብ ዘድልየሉ እዋን በቲ ኑሱ ዝወከሎም ኣባልት ባይቶ ዘድሊ ምምሕያሽ ክግበሮን ህዝቢ’ዊን ብረፈረንድም ኣቢሉ ከስምረሉ ወይ ክነጽጎ ይካኣል፡፡እሱ ጥራይ ዘይኮነስ ህዝቢ ክማሓየሽ ኣለዎ ዝብሎ ዓንቀጻት፣ቅዋም ዘፍቅዶ ቁጽሪ petition ወግዓዊ ኣቤቱታ የቕርብ እሞ፣ባይቶ ነቲ ብ-ህዝቢ ዝቐረበ ሓተታ ወይ ኣቤቱታ ኣብ ግምት ብምእታው ምምሕያሽ ይገብረሉ። ኣብ ደሞክራሲ መስርሕን ኣጋባባትን ስለ ዘሎ ኣብ ኢትዮጱያ’ዉን፣ንመስርሕ ደሞክራስያ ክጥቀሙ ዘሎና ትምኒትን ለበዋን ከነቕርብ ኮሎና፣ከም ጎረባብትና መጠን ናታቶም ርግኣትን ፍትሓዊ ኣሳራርሓ ኣብ ርእሲ ኣገዳስነቱ ጸላዊ ምዃኑ ኣይንስሕቶን።እታ ክትቕበልን ፈጺምካ ክትሕሰብን ዘይብላ ግን፣ካልእ ሃገር ኣብ ናይ ካልእ ሃገር ኢድ ምትእትታው ምዃኑ ንሕና’ዉን ነስምረሉ ኮይኑ፣ብወገን ኢትዮጵያ’ዉን ኣብ ናይ ኤርትረያ ጉዳይ ኢድ ምትእትታው ኩልኩል ጥራይ ዘይኮነስ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘየፍቅዶ ምፍላጡ ኣገዳሲ ኢዩ እዉን ንብሎም።ስለዚ እዚ ኣብ ነንሕድሕድ ኢድ ዘይ-ምትእትታው ከም ውድዓዉን ዓለምላኻዊ ሕጊ’ዉን ስለ ዝኮነ ንዕኡ እናኣኽበርና፣ ኣብ ሞንጎ ደሞክራስያዉያን ኣብ ምፍድዳይ/ሓድሕድ ስምምዕ(reciprocity)ዝተሞርኮሰ ደገፋት ካብ ምሃብን ሓሳብ ንሓስብ ምልውዋጥን፣ ነዊሕ ዝጠመተ ናይ ሓባር ስእሊ ወይ ስትራተጃዊ ዝምድናታት ክህልወና፡ግድነት ጥራይ ዘኮነስ ናይ ህዝብታት ድልየትን ተዋሃሂድካ ምንባር ዝብለ ሰረት ዝሓዘ ምዃኑ አይንርስዕን፡፡

ኣብ ኩሉ ዓለም ብፍላይ ክኣ ኣብ ዞባና ደሞክራሲ ከስፋሕፍሕን ክምዕብልን ባህግናን ድልየትናን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣እንቃለሰሉ ዘለና ባይታ ኮይኑ ከም እንዕወተሉ ዘጣራጥር’ውን ኣይኮነን። ኮይኑ እታ ዓቢ ደገፍን ሓገዝን፣ንህዝቢ ኢትዮጱያ፣ሱዳን፣ጁቡቲ ሶማል፣ካልኦት ዝዋደባና ሃገራት ብፍላይ፣ዓለምና ብሓፈሻ ነዚ ማፍያዊ/ድስቡጣዊ ስርዓተ ኢሳያስ ጉጅሉኡን ካብ ሱሩ ሚሒኻ ብምውጻእ፣ኣብ ቦቱኡ ስርዓተ ሕግን ፍትሕን ዲሞክራስን ምትካል ምዃኑ እንፈልጦ ጉዳይ ኮይኑ፤ነዚ ንምብጻሑ ሓባራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርታራ ከም ዝኾነ’ውን ስለ ንኣምን፡ነፍሲ ወከፍ ዕዮ ገዛና ከነማልእ’ዩ ዝጽበየና ዘሎ፡ ጠለብ ህዝብና እዉን ንሱ እዩ ክንብል ንኽእል፡፡

ትዕዝብትና ኣብዚ ደምበ ፍትሒ፦እቶም ህዝባውያን ምጥርናፋት ከም ይኣክል ነዚ ኮቪድ-19 ኣብ ህዝብና ዘስዓቦ ሽግር ንምቅላስ፣ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ሓይሊ-ዕማማት ብምውጻእ ናይ ገንዘብን ንዋትን ብምእካብ ብጥርኑፍን ኣጋባብ ዝተኸተለ፣ተወካስነት ዘለዎ መስርሕ፣ናብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታትና ንምብጻሕ ህርድግ ይብሉን ስርሓቶም የካናዉኑን ምህላዎም ተስፋ ዝህብ መፈወንታ/ጅማሪ ዕዮታት ክባሃል ይካኣል።

እተን ኣብ ደምበ ፍትሒ ኮይነን ዝዋስኣ ድምጺ ህዝቢ ኢልና እንጽውዐን፡ ከም ቲቪ ኣሰና፣ኤሪ-ሳት፣ረድዮ ኤረና ሓቢረን ዘማሓላልፍኦ ብኺኢላታት፣ ሰብ-ሞያን፣ ሓካይም፣ ሊቃውንቲ፣ ስነ-ፍልጠተኛ ዝቐርብ ሓበረታ ምኽርታትን ዕለት ብዕለት ናብ ህዝቢ ዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎ፣ብዝተፋላለየ ቛንቃታትና ዝዳለው መድርኻት ዝንኣድን ዝምስገንን እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ፡ ምስናይን ምውህሃድን ሓቢርካ ምስራሕ በአአን ተጀሚሩ ክትዕዘብ ከለኻ፡እወ ይካኣል ዝብል ሕልሚ ህዝብና ክትግበር ክትርኢ ዝስመዓካን፣ኣብነታውያን ብምዃን ተስፋን ሓቦን ንኹሉ ንፍትሒ ዝቃለስ ክህባ ምብቃዐን ተኣምር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ነተን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኩሉ በቢ ወገኑ ተወዲበ ዝብል፤እቲ ባይታ ናይ ሓባር መቃለሲ ክትርጎም ከም ዝካል እንሆ እቲ ምስክር ወይ ኣብነት ክንብሎ ንደፍር።ነተን ጀሚረንኦ ዘለዋ መድያታት፣ክኣ ድሕሪ እዚ ፓንዳሚክ ኮሮና ቫይርስ ዘስዓቦ ሓባራዊ ስራሕ፣ኣብ ፖለቲካዉን ቁጠባዉን ማሕበራዊን ክዋሃብ ዘለዎ ሰፊሕ ስነፍልጠታዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ቡዙሕነት ኣብ ሓድነት ዝተሞርኮሰ ሓበራዊ ምትሕግጋዝን፣ኣብ ኤቲካዊ ዝተሞርኮሰ ሕግታት ምክብባር ብምዝውታር፣እተዋሃሃደ መድረኽ ክኸፍታን፣ናጽነተን ዝሓለወ ፕሮግራማት ክሰርዓ ምስ ዝኽእላ፣ዓቢ ህያብ ንህዝብና ሩጉጽ ኣብነትን መርኣያ፣ነተን ካብ ነዊሕ-እዋን ናይ ሓድነት ስራሕን፣ንኩሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ጽላል ደምበ ፍትሕን ዲሞክራሲን ክኣ እወ ይካኣል ዝብል ጭርሖ፡ክውነታቱን ውድዓውነታቱ ምርግጋጽ ምኾነ እናበልና ምሕጽንቶናን ምንዮትናን ነቕርብ፡፡

ብወገን ኪኢላታት፣ ሙሁራት፣ ሰብ-ሞያ ዝገበርዎ ንህዝቢ ጽዊዒትን ዝሃብዎ መግለጺን፣ካብ ውድዕነትን ህላውነትን ተሓሊፉ፡ኣብ ግብራዊ ስርሓት ተጸሚዶም ፍልጠቶምን ዓቕምታቶምን ንህዝቢ ዝጠቅምን ዘድልን ስርሓት ከካይዱ፣ ዓቢ ትጽቢት ይግበረሎም፡፡ ንኣብነት እዚ ናይ ሓካይም ዝካየድ ዘሎ ንምክልኻል ኮቪድ-19 በተን ናጻ ምድያታትና ብሓባር ዘማሓላልፍዎ ሓቤረታን ምዕዶን፡ ኣብ ውድዓውነት ኩነታት ማሕበራዊን ሂወት ህዝብና ዝተሞርኮሰ ስለ ዝኾነ፡ ህዝብና ተቀባልነቱ በቲ ዝስማዕ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጽእ ወረ ምስክር እዩ። ብወገን እቲ ዱስቡጣዊ ስርዓት ዝተገብረን ዝግበር ዘሎ ኣብ ኩነት ናይ ሃገርናን ህዝብናን ዘይ-ተሞርኮሰን ፈጺሙ ብኪኢላታትን ናይ ሕማም ተላጋቢ ፈላጣት ዘይ-ተሰነየ ኮታ ብማንም ዓይነት ምቅርራብ ዘተገብረሉ፡ ናይ ድህነት ህዝቢ ዘይ-ሓስብ ምዃኑ ንኹላትና ቡሩህ እዩ፡፡ እዚ ኣይነት ስራሕን ሓበረታን ድሕሪ ምዝሓል ምልካፍ ኮረና ቫይርስ፣ ንኩነት ሕክምና መድሃኒትን ስነ-ጥዕና (hygiene) ካልእን ንምምሃርን፣ ኣፋውስ ንዋትን እትእክብ ዘላ፣ ቀጻልነት ክህልዋን፣ ኣብ ውሽጢ ህዝባውያን ምንቅስቓስ ይኣክል ኮይነን፡ ክቃለሳ ትጽቢት ይግበረሎም።

ብወገን ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ሆላንድ ዝጀመረ ኣብ ሃገር እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ሕጋዊ ክስታትን ወኸሳታትን፣ ነቲ ዱስቡጣዊ ስርዓት፣ ብ-ደሞክራሳውያን መንግስታት፤ ንሃገረ ኤርትራ እትምዕብለሉ ተባሂሉ ዝዋሃብ ሓገዝ፤ ነቶም ኣብ ባርነት ዕስክርና ዘለዉ ደቅና፣ ናጻ ጉልበት ብምጥቃም ንኣምስሎ ስራሕ የካይድ ዝብል ገባቲ ስርዓት፣ ብዘይ ተወካስነትን ተቛጻጽረነትን፡ ሃብቲ ምድላብን ዕምሩ ምንዋሕ፡ ነቲ ዘይ-ሕጋዊ ዘይኮነ ኣጋባብ፣ ብደሞክርሳውያን ናይ ሕጊ ተዳናገጽቲ ብምትሕብባር ፈተውቲ / ደከልቲ (lobby) ኣብ ባይቶታን ቤትፍርድታት፣ ብፍትሕን ሕጋውነት ብምምካት ብድሆታት የካይዱ ኣለዉ፡፡ እዚ ዓይነት ስርሓት’ዉን ኣብ ትሕቲ ጽላል ይኣክል ምስ ዝካየድ እዩ እቲ ዝበለጸን ህዝባዊ ተሳትፎ ከብሎ ምኻኣለ ንብል፡፡

እተን ውድባት’ከ እንታይ ይገብራ ኣለዋ ንዝብል፣ ተኣኪበን ሃንቲ ሓይሊ ዕማም ንኮረና ኮቪድ-19 ዘመልክት ምስተን ሓይሊ ዕማማት ናይ ይኣክል ተሓባቢራ እትሰርሕ መዚዙስ ኣብ ስራሕ ንርከብ ኣሎና እናበሉ፣ መግለጺታትን ኣብ ምድያን መራከቢ ቡዙሃን ክህቡ ይርኣዩ ኣለዉ፡፡ እቲ ዝመጸካ ሓተታ ስለምንታይ ደኣ ናይ ሓባር ኣዋሃሃዲትን ብሽም ኩሎም ቃል ትዛረብ ሽማግለ ከቑሙ ዘይካኣሉ ዝብሉ ስጋብ ሕጂ መልሲ የብሉን፡ ብጉሉጽነት ስለ ዘይስራሕ።

ይኹን እምበር እዚ በቢወገኑ ዝዋሳእን ዝንቃሳቐስን ዘሎ አብ ደምበ ፍትሒ፣ዶግማዊ ውድባዊ ኣራኣእያ ሓዲጉ ኩሉ ኣብ ማእከል ወይ አብ ዓውደን ትሕቲ ጽላል ይኣክል ክጥርነፍ ዝኽእለሉ፡ መስርሕን ኣጋባብን ትሕትናን ብምውዝታር፣ ክሰርሓሉ ዝኽእል ሓዲሽ ስነሓስብን ኣብ ትሕቲ ጽላል ይኣክል፣ ኩሉ ፈልስሳታት ዲሞክርሲያውያን ትካላት፣ ዝጣጣሓሉን ዝዕምብባሉን ኮታ ባይታ ዝረኸበሉ ሙዑቡል ራኢታት ዝስነደሉ፡ ናይ ኩሎም ሰብ ተሞክሮ፣ ፈላጣት ሊቃውንቲ፣ በሃራት / ስሙያት (élite)፣ መራሕቲ ውድባት፣ ብሃገራዊ ሓላፍነት ክሰርሕሉ ዝግባእ እዩ ዝብል ራኢ ኣሎና፡፡ ቅድሚ ሕጂ’ዉን መሪሕነት ከም ሓላፍነት’ዶ ወይ ከም ስልጣን ዝብል ጺሕፍና ከም ዝነበርና ይዝከር።

ከም ርእይቶና ኩለን ዝነበራን ዘለዋን ውድባት (reconstitute) ዳግም-ድኰና / ዳግም ውዳባ የድልየን ምህላዉ ዝተገንዘባ ኣይመስለናን፡ ምኽንያቱ ግዚአን ካብ ኣኸባ ናብ ኣኸባ ዝሓልፍ ዘሎ ይመስለና፤ ካበይ ነቕልኩም እዚ ራኢ ተቕርቡ ንዝብል ወኸሳ ስጋብ ሕጂ ናይ ሓባር ኣዋሃሃድን ኣፈጉባኤን ክወጽእ ስለ ዘይረኣናን ጉልጽነት እዉን ስለ ዘየዘውትራ አብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተሓጺረን ስለ ንዕዘብ ዞሎና ክንብል ንኽእል።

ኣብ ዓለምና ኣብዚ እዋን ው’ሸባ ሓድሽ ስነሓሳብን ፖለቲካዊ መርሆታት ስርዓተ-ምሕደራ ኤኮሲስተም ዝተሞርኮሰ ኣብ ምስናድን ምዝታይን ክርከቡ ከለዉ፣እዞም ናትና በሃራት መራሕቲ ውድባትን ሊቃዉንትን ሰብ ተሞክሮን እዉን ሓዲሽ መስርሕ ጠርናፍን ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ዘበለ ዘጽልለኡ ጡዑም ወረ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ዑሙቕ ዝበለ ሓሲበምሉ ክኾኑ ዝብል ትምኒት ትጽቢት ነይሩናን ኣሎናን።

ካርል ፖፐር (Karl Popper) ካብ ዝሃቦ ትምህርቲ፡ "ዓበይቲ ሓሰብቲ ግሪኻውያን፣ ጌጋ ዝኾነ ወኸሳ ከቕርቡ ከለዉ፡ መን ክእዝዝ ይግባእ ?" ኮይኑ እቲ ኣወንታዊ ሕቶ ክኸዉን ዘለዎ "መን እዩ ዝካታተሎ / ዝቋጻጸሮ ነቲ ዘማሓድር ?" ኮይኑ፤ ንካርል ፖፐር እተን ብሉጻት ትካላት ንህዝበን ናይ ምቁጽጻር ስርሓት ዘካየድሉ መስርሕ ኣዋዲዶም ስልጣን ዝቕበሉ ክኾኑ ከለዉ እዮም ይብል፡፡ እዘን ሙዑቡላት ደሞክራስያውያን ሃገራት በቢ ዓይነቱ ስርዓተ-ዲሞክራሲ ክህልወን ከሎ እቲ ቀንዲ ዓንዲ፡ ደሞክራሲ ሓጋጊን ፍጻሚን ፈራዲን ኣካል ክኸዉን ከሎ ከም ራብዓይ እግሪ ናጻ ፕረስን መሰል ደቅሰባት ዝሕልዋ በቢ ዓይነተን ምንቅስቓስትን ህዝባውያን ማሕበራት ክህልዋ ዘታባብዕን ንኽሰርሓ ባይታ ዘጣጥሕ ቅዋም ዘለወን እየን።

እዚ ሰፊሕ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ደምበ ፍትሒ እተን ብቐዳምነት ተወዲበን ዝዋሳኣ ንኹለን ሓቑፉ ዝሕዝ ሃገራዊን ደሞክራስያዊን ጽላል ክህልወንን ብሉጽ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ዓንድታትን፣ ቡዙሕነት ኣብ ሓድነት ዝተሞርኮሰ እንካን ሃባን ብምባል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክሕይልን፣ ህዝቢ ወከልቱ ክኾኑ ዝኽእሉ ኣብ ፖለቲካን፣ ማሕበራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጉዳያትን መሰረታት ውድባት ይኩና ሲቪካውያን ማሕበራት ሞያውያን ማሕበራት ኣብዚ ሰፊሕ ባይታ ደሞክራሲ፡ ዝበቕላሉን ዝዓብያሉን ዝስረታሉን፣ ባይታ ክፍጠር ጸገም ዘሎዎ ኣይመስለናን፤ ባዕልነትን / ኢጎነትን ምስ ዘይህሉን፡ ውድብካ.ምንቅስቓስካ ቅድሚ ሃገር ምስ ዘይትሰርዕን።

እንታይነት/ኲኔታ/ቀንዲ ናይ ዲሞክራሲ ኩዉንነት፣ብውዕል/ምስምማዕ ዝቖመ ክኸዉን ከሎ’ዩ ግብራዊ ሓበራዊ ባይታ ክጣጥሕ ዝኽእል። ይብል ፖፐር፡፡
ስለዚ ደጊምና እነማሕጾኖን እንላበዎን፡ኩሉ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝዋሳእ ዘበለ ውዕል ዝፋራረማሉ ዝሳማማዓሉን ባይታ ክህልው፣ህዝቢ ዝጠልቦን ሕልሙ ዝጋሃደሉ ክግበር፤ብፍላይ ኣብዚ ማፍያዊ/ዱስቡጣዊ ስርዓተ ኢሳያስ እዋኑ ዘብቀዐን ሰንከልከል ዝብለሉ ዘሎ መኸተና ብድሆና ሓድነት፡ሓድነት፣ሓቢርካ ምስራሕን እዩ ክኸዉን ዘለዎን፣ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብጡርኑፍ ይኩን ዘይጡርኑፍ ዝንቃሳቓስ ዘሎ ኣካል ህዝብና ጹኑዕ መስመራት network ሃሉይና፡ተዓጠቕ እንዶ ተዓጠቕ ወዲ ኤርይ ክንብል ይግባእ፡፡

ሕጂ’ውን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራማር ንባራበር

ኣዳለውቲ ፍትዊ ክፍለን ብዙ ብቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ናይ መንነት ፖለቲካን ጸገማት ምህናጽ / ምፍጣር
ብቑዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ።
Identity Politics and the Crisis of Creating
a Viable Eritrean National Force, for Democratic Transition in Eritrea.



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



Share with friends: